ኤርትራ እትርከበን፡ ዜጋታተን ኣሜሪካ ከይኣትዉ ተኣጊዶም

2025-06-05 19:24:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 262 times

ፕረሲደንት ኣሚሪካ ሮናልድ ትራምፕ፡ ብ4 ሰነ 2025 ነቲ ኣብ  ናይ ቀዳማይ ዙር ስልጣኑ ጀሚርዎ ዝነበረ ብምሕዳስ፡ ዜጋታት ኤርትራ እትርከበን12 ሃገራት ናብ ሃገሩ ከይበጽሑ ዝእግድን ናይ ካለኦት 7 ሃገራት ዜጋታት ድማ መሰል ዝግድብ ውሳነ ከም ዝኸተመ ኤኤፍፒ (AP)  ሓቢሩ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ስልጣን ምርካቡ፡ ነዚ ካብ 9 ሰነ 2025 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል እገዳን ገደብን ዝወሰነ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሚሪካ ኣብ ጐኑ ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጸ እዩ። ካብዘን 12 ሃገራት ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ስልጣን ትራምፕ ኣብ ዝርዝር እገዳ ዘይነበራ ከም ዝርከበን እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

እተን ኣብዚ ሓድሽ ውሳነ ዜጋታተን ኣሜሪካ ከይበጽሑ ዝተኣገዱ 12 ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሚያማር፡ ቻድ፡ ረፑብሊክ ኮንጎ፡ ኢኳቶሪኣል ጊኒ፡ ሃይቲ፡ ኢራን፡ ሊቢያ፡ ሶማሊያ፡ ሱዳንን የመንን እየን። እተን ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ሓያል ገደብ ዝተነበረ 7 ሃገራት ከኣ ቡርንዲ፡ ኩባ፡ ላኦስ፡ ሰራልዮን፡ ቶጎ፡ ቱርክመስታንን ቨንዝዋላን ምዃነን ኣብቲ ዜና ኤኤፍፒ ተጠቒሱ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ምሉእ እገዳን ምድራትን፡ ሕጋዊ መንበሪ ፈቓድ ንዘለዎም፡ ህያው ዝኾነ ቪሳ ዝሓዙ፡  ከምኡ እውን ሃገራዊ ረብሓ ኣሜሪካ ኣብ ምሕላው ንዝርከቡ ዜጋታት እተን ሃገራት ከምዘይምልከት ተፈሊጡ።

ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣሜሪካ ነቲ ውሳነ “ናይ ታህዋኽ ስጉምቲ” ክብልዎ እንከለወ፡ ካለኦት ግና ትራምፕ ነቲ ሃገሩ ካብ ናይ ወጻኢ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝኣተዎ ቃል’ዩ ዝፍጽም ዘሎ ይብልዎ ኣለዉ። ትራምፕ ብወገኑ ደጋጊሙ እቲ ውሳነ ናይ ኣሜሪካን ህዝባን ድሕንነት ንምሕላ እዩ ኢሉ እዩ ዝገልጾ።

Last modified on Thursday, 05 June 2025 21:29