እቲ ዝሰኣንኩሞ ሰነድሲ፡ ተረኺቡ

2025-11-09 09:49:00 Written by  ቤት ጽሕፈ ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 462 times

ኤርትራ ሃገር ዝኾነትሉ መስርሕ፡ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ጥራይ ዘይኮነ፡  ዝተሓላለኸን’ውን እዩ ነይሩ። ካብቶም ዝሓላለኽዎ ምኽንያታት እቲ ቀንዲ፡ ናይ ኢትዮጵያ ስሱዕ ግዝኣት ናይ ምስፍሕፋሕ ምንባሩ ታሪኽና ዘረጋገጾን ክሳብ ሎሚ’ውን ዘይተቐብጸ ሃተምተምን እዩ። እዚ ዝሓለፈ ነዊሕ መስርሕ ዝወሰደ፡ ዲፕሎማሲያዊ፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ጥምጥም ብዘይካ ውሑዳት ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብምልኣት ዝተሳተፎ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ኤርትራ ሰፍ ዘይብል ህልቂትን ዕንወትን ዘኸተለ እዩ። ኣብ መስርሕ ፖለቲካ ኤርትራ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲኽካ፡ ዝተሳተፍዎ ትካላትን ሃገራትን ብዙሓት እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኤርትራን ህዝባን ዝሓለፍዎ ቃልሲ ጐስዩ እዩ “ኤርትራ ብዘይኣገባብያ ናጻ ሃገር ዝኾነት፡ ግዝኣት ኢትዮጵያ እያ” እናበለ፡ መትሓዝን መጨበጥን ዘየብሉ ምምጽዳቕ ከቕርብ ይስማዕ ኣሎ። እዚ ናይ ኢትዮጵያ ግጉይ መደምደምታ ሓቂ ስለ ዘየብሉ፡ በብግዜኡ ዝቀያየሩን ኣብ ሕድሕዶም ዘይናበቡን ወስታታት እዮም። ንሓንሳብ ንኤርትራ ኣፍልጦ ዝሀባ መንግስታዊ ኣካል ኢትዮጵያ ኣብዘይስልጣኑ ዝወሰነ እዩ ክብሉ ይስምዑ። እንተኾነ እዚ ብሂሎም ብብዙሓት “ኣይከምኡን” ስለ ዝተባህለ ዓዳጋይ ኣይረኸበን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ “ንኤርትራ ኣፍልጦ ዝሃበ መንግስታዊ ትካል ኢትዮጵያ ኣየናይ ምዃኑ ዘርኢ ሰነዳዊ መረጋገጽን ስኢና’ ዝብል ሓድሽ ቅዲ ተታሒዙ’ሎ። ኣብዚ ሓቀኛ ሚዛን ንዘለዎ ኣካል፡ ካልእ ገዲፍካ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ኣብ 2018 ኣብ ኣስመራን ጅዳን ከም መራሕቲ ክልተ ልኡላዊ ጐረባብቲ ሃገራት ዝኸተምዎ ስምምዕ ትሕዝቶኡ ዘየገድስ ባዕላቶም ዝሕተትሉን ኮይኑ፡ ከም መረጋገጺ ምውሳድ ምኣኸለ። ኣብይ ኣብ ክንዲ ንድሕሪት ተመሊሱ ምስ ዝሓለፉ መራሕቲ ሃገሩ ዝራገም፡ ካብ ነብሱ እንተዝጅምር ከኣ መምሓረሉ። ኢሳያስ ካብ ውልቃዊ ድሌቱ ምንጽብራቕ ሓሉፉ፡ ንክልቴን ሃገራትን ህዝበንን ዘርብሕ እሞ ብወግዒ ዝበሎ እንተሎ ከኣ ይመጉቶ።

ኤርትራን ሃገር ዝኾነትሉ መስርሕን ዝምልከት ሰነዳት ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንተዘይተረኺቡስ፣ ኤርትራ “ኣኺልዋ” ሃገርነታ ተሰሪዙ፡ ምባል ከኣ ናይ ዕሽነት ዕሽነት እዩ። ምኽንያቱ ንኤርትራ ዝምልከቱ ሰነዳት፡ ኣብታ በብግዜኡ “እንተዘይወሓጥኩኺ” እትብላ ኢትዮጵያ ጥራይ እዩ ዝርከብ ኢልካ ምግማት ድማ ግጉይ እዩ። ኢትዮጵያ እሞ ንኤርትራ ኣፍልጦ ዝህብ ምስክርነት ኮነ ሰነዳት ዘርተዓ ስለ ዝኾነ ክትዕቅብ ዘይኮነ፡ ከተጥፍእ ድሕር ከምዘይትብል ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ንኤርትራ ብፍላይ ካብ 1948 ጀሚሩ፡ ክሳብ ልኡላውነታ እትእውጅ፡  ፖለቲካውን ታሪኻውን ትሕዝቶ ዘለዎ መስርሕ ዝሓቖፈ፡ “ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ናጽነት ኤርትራን (The United Nations and the Independence of Eritrea)”፡ ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓፈሻዊ ኣርእስቲ፡ 286 ገጻት ዘለዎ መወከሲ ሰነድ ዓቂቡ’ሎ።

 እዚ ሰፊሕ ታሪኻዊ ሰነድ፡ ብፍሉይ ዘተኮረሎም 44 ሰነዳት ዘስፈረ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪኣ ኣቢላ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣፍልጦ ዝሃበትሉ 4 ጉንበት 1993 ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተላእከ ወግዓዊ ደብዳበ፡ መበል 30 ኮይኑ ተመዝጊቡ ይርከብ። እቲ ደብዳበ ነቲ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ዓወት ንምብጻሕ ኣብ ቅድሚ ብኣህጉራዊ ተዓዛብነት ዘካየድዎ ዘካየዶ ቃልሲ ኣደኒቑን ረፈረንደም፡ ንክዕዘብ ናብ ኤርትራ ተላኢኹ ዝነበረ ኣካሉ ዘቕረበሉ ጸብጻብ ኣብ ግምት ኣእትዩን፡ ድሕሪ ምምዛን  ክድምድም እንከሎ፡ “መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር  ኣፍልጦ ከም ዝሃበ ንማሕበረሰብ ዓለም ነፍልጥ” ይብል።

ናይዚ ደብዳበ’ዚ ኣብ መዝገብ ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ የለን ክባሃል ዝካኣል’ኳ እንተዘይኮነ፡ እንተዘየልዩ ግና፡ እቲ ጸገም ናይ ሰነድቲ ናይቲ ሚኒስትሪ እምበር፡ ናይ ኤርትራ ሓጥያት ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ረፈረንዱም ንምዕዛብ ናብ ኣስመራ ተላኢኹ ዝነበረ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢትዮጵያ፡  ሽዑ ሚኒስተር ዜና ደሓር ከኣ ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ብዝነበረ ነፍስሄር ዶር ነጋሶ ጊዳዳ ዝምራሕ ምንባሩ ይዝከር።

ካብዚ ሓሊፉ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡ ካብ 40ታት ጀሚሩ ክሳብ ምጽዳቕ ውጽኢት ረፈረንዶም ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክሳተፍ ዝጸንሐ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኤርትራ ከም ኣባሉ ዝተቐበለሉ ናይ መወዳእታ ደብዳበ፡ ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት ሰፊሕ ሰነድ ከም መበል 35 ዝተዓቀበ ኮይኑ፡ “ውሳነ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት”  ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ “ሓፈሻዊ ጉባአ ካብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብ26 ጉንበት 1993 ዝቐረበሉ መበገሲ ሓሳብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሎሚ 28 ጉንበት 1993  ኤርትራ ኣባል ክትከውን ወሲኑ”  ይብል።

ስለዚ እቶም ንኤርትራ መንዚዕካ ምውሳድ “ኣባላዓ እንጀራ” ዝመስሎም ወገናት፡ ወይ ነዚ ታሪኻዊ ሓቂ ዘይርድኡ ወይ ድማ “ሰሚዖም ከምዘይሰምዑ ክኾኑ ዝደልዩ”፡ ህዝብታት ብምንቋት ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንጉሰ ናይ  ምዃን ሕልሚ’ውን ዘለዎም  እዮም።

Last modified on Sunday, 09 November 2025 10:52