ግብጽን ሱዳንን ፖሊሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል ነጺገን

2025-08-08 19:35:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 36 times

ቀዳማይ ሚንስተር ሱዳንን ግብጻዊ መዘናኡን ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃቡ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ካሚል ኢድሪስን ግብጻዊ መዘናኡ ሙስጠፋ ማድቡሊን ነቲ “በይናዊ” ዝበልዎ ፖሊሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል ከም ዝነጽግዎ ኣፍሊጦም። ኣብ ናይ 7 ነሃሰ 2025 ናይ ርክቦም እቲ ግብጻዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ከም ሓድሽ ዝምስረት ዘሎ መንግስቲ ሱዳን ዘለዎ ደገፍ ኣረጋጊጹ።

እዞም ላዕለዎት ሓላፍቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ነዚ ዝገለጹ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ከም ቀዳማይ መገሽኡ ናብ ካይሮ ኣብ ዝኸደሉ እዩ። ኣብቲ ንፖሊሲ ኢትዮጵያ ዝነጸግሉ ርክቦም፡ ኢትዮጵያ እትወስዶም ስጉምትታት ምስ ዓለምለኻዊ ሕግታትን ስምምዕ 1959 ኣብ ጠቓቕማ ማይ ናይልን  ዝጻረር ብምዃኑ እዩ ምባሎም ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ሱዳንን ግብጽን፡ ኣብቲ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ 1929ን 1959ን ስምምዓት ፍትሓዊ ስለ ዘይነበረ ዳግመ-ርኢቶ ንክግበር ዝጸወዓቶ ናይ ኡጋንዳ  (ኢንተበ) ኣኼባ “ኣንጻር ረብሓና እዩ” ብዝብል ኣይተሳተፋን። በቲ ናይ ቀደም ስምምዕ መሰረት ካብ ማይ ፈለግ ናይል፡ ግብጺ 55 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ፡ ሱዳን ከኣ ናይ 18 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ  ቀዋሚ ብጽሒት ኣለና በሃልቲ እየን።

ናይ ግብጺ ቤተመንግስቲ ወሃቢ ቃል ከም ዝገለጾ፡ እቲ ሱዳናዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ’ውን ፍሉይ ርክብ ኣካይዱ እዩ። ኣብቲ ፍሉይ ርክብ ግብጺ ናይ ሱዳን ግዝኣታዊ ሓድነት ከም እትድግፍ ምግላጹን ሃገሩ ንህድኣት ሱዳን ብምሉእ ልቢ ከም ትሰርሕን ቃል ምእታዉ እውን ተጠቒሱ።

ኣብቲ ርክብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መዳያት፡ ወፍሪ፡ ጥዕና፡ ትምህርትን ሙያዊ ስልጠናን  ንክተሓባበራ ከም ዝተረዳድኡ’ውን ተሓቢሩ። ኣብ ርእሲዚ እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ብዛዕባ ዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ከም ዝተዘራረቡ ከኣ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ “ጉዳይ ፈለግ ኣባይን ኣፍደገ ማሕርን መጻኢ ዕድል ኢትዮጵያ ዝውስኑ እዮም” ክብል ዝጸንሐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ፈለግ ኣባይ ዝሃነጾ ዓባይ ግድብ ህዳሰ፡  ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም 2025 ንምምራቕ ኣብ  ምሸባሸብ’ዩ ዝርከብ።

Last modified on Friday, 08 August 2025 21:45