መግለጺ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

2024-05-07 10:03:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 122 times

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ (ግምት)፡ ብ6 ጉንበት 2024 ኣብ ዘወጸኦ መግለጺ፡ ነቲ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን፡ “ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ምስ መንግስታዊ ሰራዊት ሱዳን ኮይኑ ወጊኡኒ” ዝበል ንዘቕረቦ ክሲ ብትሪ ኮኒንዎ። እቲ ናይ ተወርዋሪ ሓይሊ ሰራዊት ሱዳን፡ ከምዚ ዝኣኣመሰል ክሲ ምቕራቡ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ህይወት ኣሸሓት ዝበልዐ ውግእ ሕድሕድ ዓለም ለኻዊ መልክዕ ንምትሓዙ ዝተሃንደሶ መሰረተ ኣልቦ እዩ ኢልዎ።

እቲ መግለጺ በቐዳምነት ህወሓት ዝእዝዞ ስሩዕ ሰራዊት ዘየብሉ ፖለቲካዊ ውድብ ምዃኑ ኣስፊሩ። ብኻለኣይ ደረጃ ድማ ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ሱዳን ብተግባር ዝተፈተነን ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐን ሕውነት ዘለዎ ህዝቢ እዩ ኢሉ። ኣብ ትግራይ ውግእ ምስተኸፍተ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዝነበረ ትግራዋይ ናብ ካለኣይቲ ሃገሩ ሱዳን ዝወሓዘሉ ምኽንያት እውን ዘርዚሩ። ህዝቢ ሱዳን ምስ ኩሉቲ ዝነበሮ ብደሆታት ንሓዉ ህዝቢ ትግራይ ንምቕባል ንዘርኣዮ ልግስን ተገዳስነትን ጠቒሱ ድማ፡ ብመንጽርዚ ትግራይ ጉዳይ ሱዳን ንምግዳድ ኢዳ እተእትወሉ ምኽንያት ከምዘየለ ኣስፊሩ።

ህዝቢ ትግራይ እቲ ዘጋጠሞ ናይ ቀረባን ርሑቕን ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳዩ ዘውረደሉ ዕንወትን ጉድኣትን ካብኡ ንላዕሊ ዝርደኦ የለን ኢሉ። ብምቕጻል ድማ ክልቲኦም ሱዳናውያን ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ክንዲ ነቲ ኩነታት ኣብ ምግዳድ ዝጽመዱ ናብ ዘተ ክቢ ጠረጴዛ ክመጹ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ውግእ መቕጻል መፍትሒ ዘየምጽእ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ነቲ ሳዕቤን ከም ዘጋድዶ ኣፍሊጡ።

ኣብ መወድእታ ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ሱዳን ዝሳቐዩ ዘለዉ ተጋሩ ስደተኛታት፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ምስ ፍደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐራሪቡ ይሰርሕ ከምዘሎ፡  በቲ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

Last modified on Tuesday, 07 May 2024 12:09