ኣብ እስራኤል ደገፍቲ ህግደፍ ምስ ዝሓዝዎ ፋሳት ተኣሲሮም

2024-05-07 18:24:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 183 times

ስእሊ ፋስ ዝሓዘ፡ ማርቲን ፕላውት ካብ ዘውጽኦ ጽሑፍ 06.05.2024

ደቂ 35ን 33ን ዓመት ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ 5 ጉንበት 2024 ኣብ እስራኤል ከተማ ተልኣቪቭ ብፖሊስ ዞባ ኣያሎን ከም ዝተኣስሩ፡ ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝነጥፍ፡ ጋዜጠኛ፡ ተመራማርን ደራስን እንግሊዛዊ ማርቲን ፕላውት ሓቢሩ። ዝረኸቦ ሓበሬታ: እቶም ዝተኣስሩ ተተኳሲ ነገራትን ፋስን ዝተዓጥቁን ነቶም ኣንጻሮም ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ከጥቅዑ መደብ ዝነበሮም ምዃኖም ድማ ጠቒሱ። እቶም ዝተኣስሩ ኣቐዲሞም ብፖለቲካዊ ምኽንያት ኣንጻሮም ንዝተሰለፉ ከጥቅዑ መደብ ሰሪዖም ዝተበገሱ ምንባሮም ድማ ኣቃሊዑ።

ኣብ ወርሒ መስከረም 2023 ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተቓወምትን ደገፍትን ናይቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ስርዓት ዓብይ ናዕቢ ተላዒሉ ምንባሩ እቲ ዜና ኣዘኻኺሩ። እቶም ናይ ሽዑ ተቐናቐንቲ ሓዲኦም ሰማያዊ እቶም ካለኦት ድማ ቀይሕ ዝለበሱ ምንባሮም ማርቲን ኣብዚ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ኣብቲ ሽዑ ብኣእማንን ካራሩን ዝተኻየደ ሓያል ግጥም፡ 30 ናይ ፖሊስ እስራኤል መኮነናት ዝርከብዎም 135 ሰባት ቆሲሎም ብውሕዱ 39 ድማ ተኣሲሮም። እዚ ናይ ዕለት ትንሳኤ 5 ጉንበት 2024 ግጥም እውን ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ ከተማ ተልኣቪቭ ዝርከብ ፍሉይ ዕጡቕ ሓይሊ ቀልጢፉ እንተዘየህደኦ ተመሳሳሊ ጉድኣት ናይ ምኽታል ዕድል ከም ዝነበሮ’ውን እቲ ጋዜጠኛ ኣብቲ ሓጺር ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ኣብ እስራኤል፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ስርዓት ህግደፍ ዘዋፈረ ንተዋፈረ ክኸምሆ ዘይከኣለ፡ ዘይሰዓር መንእሰያዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።

Last modified on Tuesday, 07 May 2024 21:56