ምፍጣጥ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣዕንገልቶምን

2025-11-19 10:31:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 51 times

እዚ ዘለናሉ ዘበን  ዓለማውነት (globalization)፡ ዓለምና ከም ሓንቲ ስድራቤት ተቐራሪባ ከም ዘላ ዘርኢ ምዕባለ እዩ። ነቲ ዝጸንሐ ምርሕሓቕ ኣብ ምቅርራብ ግደ ዘመናዊ ማሕበራዊ መራኸብታት ክሳብ ክንደይ ዝለዓለ ምዃኑ ንነብረሉ ዘለና ህይወት’ዩ። እዚ ዕቤት ብመስርሕ ዝመጸን እወንታውን ኣሉታውን ገጻት ዘለዉዎን ተርእዮ እዩ። “ምፍጣር ሓደ ሕብረተሰብ፡ ንናይ ሓባር ጸገም ናይ ሓባር መፍትሒ ኣስተዋጸኦ ምብርካት፡ ናይ ሃገራት ሃናጺ ውድድር ንማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤት ምትብባዕ …..ወዘተ” ካብቶም ብእወንታ ዝግለጹ ገጻት እዮም።  “ምትብባዕ ቁጠባዊ ገባትነትን በሓትነትን፡ ምድኻም ትካላዊ ኣሰራርሓን    …..ወዘተ” ከኣ ኣሉታዊ ጐኒ ናይቲ ተርእዮ ተባሂሎም ካብ ዝጥቀሱ እዮም።

ጽልዋ ዓለማውነት ኣብ ሓደ ውሱን መዳይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ንኹሉ መልክዓት እዩ ዝጸልው። እቲ ዝያዳ ጐሊሑ ዝረአ ዘሎ ጽልዋኡ ግና ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ፖለቲካን  ተክኖሎጂካዊ ዕቤትን ዝንጸባረቕ እዩ። ናይዚ ግብራዊ መግለጺ ካብ ዝኾኑ ከኣ፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናን ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ሓይልታትን ዝምዕብሉ ዘለዉ ውድድራት እዮም።  በመንጽር’ዚ ከምቲ ሓንቲ ሃገር በይና  ቁጠባዊ ዕቤት ከተመዝግብን ጸጥተኣ ከተውሕስን ዘይትኽእል፡ በይና እተካይዶ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናን’ውን ኣይረአን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ምስሕሓብ ክፍጠር እንከሎ፡ ኣብተን ቀጥታዊ ሰብ ዋኒን ዝኾና ሃገራት ዝድረት ዘይኮነ፡ ብድሕሪ ነፍሲ ወከፈን ዝሰለፉ፡ ነናቶም  ሕሳባት ዘለዎም ሓይልታት እውን ዘሰንይዎ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይረአ ኣብ ዘሎ ምውጣጥ ዘሰልፍዎም ዘለዉ ናይ ርሑቕን ቀረባን ሓይልታትን ከኣ ካብዚ ዝተፈልየ ባህርን ተልእኮን የብሉን።

ብዛዕባ ህልዊ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክለዓል እንከሎ፡ ዝያዳ ካብ ዝዝውተሩ ሕቶታት “ነፍሲ ወከፎም ንመን ኣብ ጐኖም ኣሰሊፎም ኣለዉ?” ዝብል ምዃኑ እንዕዘቦ ዘለና እዩ። ምስዚ ብዝተዛመደ፡ ኣስማተን ካብ ዝለዓል ጸለውቲ ትካላትን ሃገራትን፡ ሩሲያ፡ ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ኢራን፡ ህንዲ፡ ህብረት ኤውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን እንዳበልካ ዝቐርብ ሓፈሻዊ ዝርዝር ኣሎ። ብፍላይ  ግብጺ፡ ሱዕድያን ሱዳንን ደገፍቲ ኤርትራ፡  ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከኣ፡ ደጋፊት ኢትዮጵያ ጌርካ ምጥቃስ እምብዛ ልሙድን ርኡይን ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ እተን ዝድግፋ ኮና ዝቃወማ ሃገራት፡ ነናተን ረብሓ ዘማዕድዋ ኮይነን፡ እቲ ውግእ ኣብ ሜዳአን ኣብ ክንዲ ዝካየድ፡ ስግረ-ዶባዊ መልክዕ ንምትሓዝ፡ ንኻለኦት ዘዕጥቓን ዘስንቓን እምበር፡ ንህዝብታት ኤርትራ ኢትዮጵያን ዝሓልያ  ዘይምዃነን ብተመኩሮታት ዘረጋገጾ እዩ።

ግብጺ ኣብ ጐኒ ኤርትራ እትስለፈሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ፈለግ ኒል ዘለዋ ነዊሕ ዝዕድመኡ ምስሕሓብ ምዃኑ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። ሱዕድ ዓረቢያ ከኣ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ብዘለዋ ሕዱር ናይ ውድድር ኣጀንዳ እያ ላዕልን ታሕትን እትብል። ሱዳን ከኣ ኣብቲ ካብ ማዝያ 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ሓደገኛ ውግእ ሕድሕድ ናይ ኤርትራ ሓገዝ ክፍለያ ስለ ዘይትደሊ እያ።

ኢማራት ንኢትዮጵያ ትሕዝግዘሉ ዘላ ነብሱ ዝኸኣለ፡ ዝርዝር ዘለዎ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ግዲኣ ንምዕዛዝ ምስ ጅቡቲ ስምምዕ ገይራ ነይራ። እንተኾነ ብዙሕ ከይቀጸለ ስለ ዝፈረሰ  ኣይቀሰነትን። ድሕሪኡ ምስ ኤርትራ ተሰማሚዓ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ፡ ከባቢ ወደብ ዓሰብ ወተሃደራዊ መደበር ሃኒጻ ከተብቅዕ ኣይቀጸለን። ሎሚ ከኣ ንኢትዮጵያ ደጊፋ  ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ከም እትውንን ከተኽላ እሞ፡ ድሕሪኡ ኣብቲ ከባቢ  ካልእ መዋስኢ ቦታ ክትረክብ  ሃሰስ ትብል ከም ዘላ ናይ ብዙሓት ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ሚዛን ኮይኑ’ሎ።

 ኣብ ብዙሓት ኣጋጣምታት፡ እንተደኣ ውግእ ተኸፊቱ፡ ናይ “መን ኮን ይስዕር ምናልባታት?” ክለዓል ይስማዕ እዩ። እቶም ምናልባታት ኣብ ህልዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ዲፕሎማሲያዊ ደገፋትን ብዝሒ ህዝብን ወሰንቲ ኮይኖም ክቐርቡ ይስምዑ እዮም። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ምዕዋተይ ዋሕስ ኢሉ ደጋጊሙ ካብ ዘቕርቦም እውን እዞም ዝተጠቕሱ ቅድሚት ዝሰርዑ እዮም። እቲ ወሳኒ ናይ ኤርትራ ልኡላዊ ሃገራውነት ዝተሰረተሉ ጽኑዕ ዕርዲ፡ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካውን ኣህጉራዊ ሕግታትን ክነሱ፡ ክጥሕስዎ ዝደናደኑ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጀሚርካ ዝስርዑ ወገናት ብዙሓት እዮም። እንተኾነ ክሳራ ደኣ የኸትል ይኸውን እምበር፡ ዝመጸ እንተመጸ፡ “ካብ ሓቁ ስለ ዘይሓልፍ”፡ ሕግን ስርዓትን ኣጽኒዕካ ብምሓዝ ቀጻልነት ኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን ሰዓራይ ከም ዝኸውን ናይ ግድን እዩ።

እዚ ብኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ፡ “ዓሰብ ናይ ኤርትራ ኮይና ኣይትፈልጥን ወይ ንዓሰብ ብዘይኣገባብ ኢና ስኢናያ” ዝማእከሉ ስንኩፍ  ናይ ታሪኽ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክለዓል ሎሚ ናይ መጀመርታኡ ዘይኮነ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ተፈቲኑ ዝፈሸለ እዩ።  እቲ እዋንን እቶም ተሰለፍትን ደኣ ተቐይሮም እምበር፡ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ብኢትዮጵያ ዝንዛሕ ዝነበረ ሓሶት እውን ብትሕዝቶኡ ካብዚ ሎሚ ንሰምዖ ዘለና ዝተፈልየ ኣይነበረን። እዚ ሎሚ “ኽንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ህዝብን ስፍሓት መሬትን ሒዝና፡ ከመይ ኢልና ኣፍደገ ባሕሪ ንስእን?” ዝበሃል ዘሎ ጸላዕላዕ፡ ብትሕዝቶኡ ካብቲ ቅድሚ ነጻነት ኤርትራ “ኢትዮጵያ ብዘይኤርትራ ክሳዳ ከምዝተቆርጸት’ያ”፡  ዝበሃል ዝነበረ ግጉይ  ጐስጓስ ካብቲ  “ታሪኽሲ ንገዛእ ርእሱ ይደግም” ዝበሃል ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን።

 “ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ውግእ ብግብሪ ክካየድ ድዩ?”  ዝብል ሕቶ ጋና ዕቱብ መልሲ ዘይረኸበ፡ የማነ ጸጋም ዝወናጨ ዘሎ ግምት እዩ። እቶም ኤርትራዊ ልኡላውነት ዝተሃንጸሉ መሰረት፡ ብክቱር ህርፋን ደፊእካ ከምዘይድፈር ዝርድኡ “ውግእ ዝካየደሉ ምኽኑይ መጎት ዘየለ” ዝብል ተረድኦ ኣለዎም። ነቲ መሰረት ዘየብሉ ኣብ ዘይጭበጥ ሃዋህው ዝሕንብስ ፈኸራን ዳንኬራን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ሓቂ ዝወስዱ ግና፡  ውግእ ከም ዘይተርፍ” እዮም ዝእምቱ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ውግእ ክሳራን ዕንወትን ብምኳኑ፡ ተላዒሉ ዘሎ ጉዳይ ብሓቂ ንልምዓትን ረብሓን ህዝቢ እንተዳኣ ኮይኑ፡ ብኣህጉራዊ ሕግን ውዑላትን ክኽምታእ ከምዝኽእል ተገንዚቡ፡  ናይ ውግእን ሳዕቤኑን ግዳይ ንኸይከውን ይኣክል ክብል ይግባእ። 

Last modified on Wednesday, 19 November 2025 11:34