ህዝብን ሃገርን ዘይፈላለዩ፡ ናይ ሓደ ነገር ክልተ ገጻት እዮም
2025-11-25 10:59:14 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 24 timesንሃገር፡ ሃገር ካብ ዘብሉ መሰረታዊ ረቛሕታት፡ “1ይ ክልሉን ጐረባብቱን ዝተነጸረ ጀኦግራፊያዊ ከባቢ፡ 2ይ ናይ ሓባር ባህርን ስነልቦናዊ ስምዒትን ዝውንን ህዝቢ፡ 2ይ ብዘይ ኢድ ኣእታውነት ንገዛእ ርእስኻ እተመሓድረሉ ልኡላዊ ተፈላጥነት፡ 4ይ ዕላዊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ከመስርት ዝኽእል ብቕዓት” ዝብሉ ካብቶም ቅድሚት ዝስርዑ መለለይታት እዮም። ኤርትራ ከኣ ነዞም ረቑሕታትን ካለኦት ንዓቶም ዘራጐዱ መዕቀንታትን እተማልእ ኣብ ሕቡራት ሃገራት መበል 182 ኮይና ዝተመዝገበት ሃገር እያ።
ብዛዕባ ምግላጽ ፍቕሪ ሃገርን ሃገርነትን ክለዓል እንከሎ፡ ነዞም ረቛሕታት ብምልኣት ብዝሓቖፈ እምበር፡ ንሓደ ካብዞም መለክዕታት ሃገርነት ቆንጢርካ ብምውሳድ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክ’ቲ ብኢትዮጵያ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝናፈስ ዘሎ ዓመጸኛ ህቦቡላ፡ ተደጋጊሞም ክለዓሉ እንሰምዖምን እነንብቦምን “ህዝብን ልኡላውነትን” ዝብሉ ኣገደስቲ ኣምራት እዮም። “ህዝቢ” ሃገር ካብ ዘቑሙ ወሰንቲ ረቛሕታት ሓደ ክኸውን እንከሎ፡ ልኡላውነት ከኣ ውሁድ ውጽኢት ናይቶም መሰረታዊ ረቛሕታት እዩ። ስለዚ ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ፈላሊኻ፡ “እቲ ይጽናሕ እቲ ይቐጽል” ዝበሃሉ ዘይኮኑ፡ ሓደ ብዘይካ’ቲ ካልእ ትርጉምን ህልውናን ዘይብሎም እዮም። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ፡ “ናይ ሓደ ነገር ክልተ ገጻት እዮም” እንብሎም ።
ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ውዑይ ፖለቲካዊ ሃዋህው ኤርትራ፡ ሓሓሊፉ “ንህዝቢ እምበር፡ ሃገርን ልኡላውነትን ብዝብል ምእንቲ ሩባን ኩርባን ኣይንቃለስን ኢና” ዝብሉ ድምጽታት ይስምዑ እዮም። እቲ ዘገርም “ንልኡላውነተይ’ውን ክቃለስ እየ” ምባል ዘጽርፍን ዘነኣእስን ዝኾነሉ ግርምቢጥ ኮይኑ’ውን ይስማዕ እዩ። እንተኾነ ነቶም ከምኡ ዝብሉ፡ “ልኡላዊ መሬታ፡ ባሕራን ኣየራን ዘውሓሰት ሃገር እንተዘይሃልይዎ ደኣ፡ እቲ ይቃለሰልካ ኣለኹ ዝብሃል ዘሎ ህዝቢ፡ ነቲ ፍረ ቃልሲ ደኣ ኣበይ ኮይኑ እዩ ከስተማቕሮ?” ናይ ዝብል ሕቶ ዕቱብ መልሲ የብሎምን።
በቲ ካልእ ወገን ንወሳኒ ግደን መሰልን ህዝቢ ክብደት ብዘይምሃብ፡ ኣብ ጥርሕ ጎልጎል ብጥሪኡ “ኣነ ንሃገረይ ኣለኹላ ባዕለይ” ክብል ዝስማዕ ካልእ ጫፍ ኣሎ። ነዞም ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይምዕሩይ ዝንባለታት ዘለዎም ወገናት “ጸጋታታ ዘስተማቕርን ብኽብራ ተሓቢኑ ዝሕልዋን ዝሃንጻን ህዝቢ ዘየብላ ሃገርከ ደኣ ኣበይ ክትበጽሕ ትኽእል?” ክበሃሉ እንከለዉ እውን መልሶም ምሉእን ዝጭበጥን ከምዘይከውን ርዱእ እዩ።
እምበኣር ከምቲ “ለኣሎ ላሎ፡ ላኣሎ፡ ላሎ፡ ውደባት ዓደይ ይረኣየኒ’ሎ” ብእትብል ፈላሚት ዜማኡ ዝፍለጥ፡ ግኑን ስነ-ጥበባዊ ነፍሰሄር የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ)፡ “ሃገራይ ዝበለ ተኸቢሩ ይነብር፡ ሓወልቲ ገዲፉ ኣብ ገነት ይሰፍር…..”፡ ዝበሎ ኣዝዩ ዓሚቕ ዝትርጉሙ መልእኽቲ ክዝንጋዕ ዘይብሉ እዩ። “ውይዛ ተፈታዊት ሃገረይ ኤርትራ ክስወኣላ’የ ንኽትወጽእ ሓራ” እትብል ዜማ ስዉእ ሓርበኛ ኢዮብ ሃይለ’ውን፡ ካብዚ ዝተፈየ ትርጉም የብላን።
ኤርትራውያን ንሃገሮም ብመዕቀኒ እታ ልዕሊ ኩሉ እትፍቶን እትኽበርን ኣደ መሲሎም፡ ተቓሊሶም ዝተሰዉኡላ ከኣ ከምቲ “ህዝቢ እምበር ልኡላውነት ሃገር ኣይምልከተንን” ክበሃል ንሰምዖ ዘለና፡ ካብቲ ረቛሒታት ንሓደ ቆንጢርካ ብምውሳድ ስለ ዝኾነ፡ ብኣንጻሩ እቲ ክኽበር ዝግበኦ መሬታን ህዝባን ማለት ምሉእ ልኡላዊ ክብራ ክኸውን ይግበኦ።
“ንልኡላውነት ሃገር ንሕለቕ” ክበሃል እንከሎ፡ ምእንቲ ህዝቢ ምሕላቕን ምብጃውን’ውን ኣብኡ ዝሕቆፍ እምበር ዝተዘንገዐ ኣይኮነን። ኣብ ታሪኽና ሓይሊ መግዛእቲ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ዝበሎ ኣብ ጸሊም መዝገብ ታሪኽ ዝተምዝገበ’ኮ፡ ሃገርን ህዝባን በታቲኖም ከባድምዋ ብምሕላኖም እዩ። ዓድታት ኤርትራ ዘንድዱ ዝነበሩ እውን ዕላማኡ ህዝቢ መረበት ስኢኑ ሃጽ ኢሉ ንክስደድ እዩ ነይሩ።
“ሎሚ ኤርትራ’ኮ ልኡላውነታ ብሰንኪ ኢሳያስ ተደፊሩ እዩ፡ ልኡላዊት ሃገር ክትባሃል ኣይትኽእልን እያ፡ ኣብዚ ሓደ ብምውዳቓ ዝሕተት ከኣ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ።” ዝብል ድምጺ በብኹርናዑ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ክገማዳሕ ይስማዕ እዩ። እዚ ካብቲ ኢሳያስ ኣብ ፈቐዶ መድረኻት ክምድር እንከሎ፡ ንሓንሳብ “ምስ ኢትዮጵያ ተደሚርና ኢና” ንሓንሳብ ድማ ካብቲ ኣብ ልኡላውነት ካለኦት ሃገራት ኢዱ እንዳእተወ ዝዘርጎ ዘሎ፡ “ልኡላውነት ኤርትራ ንክድፈር ኣፍደገ ዝኸፍት ዘሎ ባዕሉ እዩ፡ በዚ ድማ ባዕሉ እዩ ዝሕተተሉ” ካብ ዝብል ዝብገስ ቁጠዐ ምዃኑ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።
እቲ መፍትሒ ግና “ኢሳያስ’ዩ ዝሕርተሉ ስለዝኾነ፡ ልኡላውነት ባዕሉ ይፈልጥ” ኢልካ ነቲ ንሱ ዝተኸተሎ ግጉይ መንገዲ ብዝገደደ መልክዑ ምድጋሙ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ፡ በቲ ሓደ ወገን ንዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ኢሳያስ እናወገዝካን እናቃላዕካን ብምቅላሱ፡ ጐኒንጐኑ ድማ ነቶም ኣንጻሩ ጉጅለ ህግደፍ ሕነ ክፈድዩ ክብሉ፡ ኣንጻር ልኡናውነት ኤርትራን ህዝባን ዝመጣጠሩ ዘለዉ ኣካላት እቲ ግጉይ መንገዶም ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ነቲ ህዝብና ዝብልዎ ኢትዮጵያዊ እውን ከምዘየርብሕ ደጋጊምካ ብምንጋሮምን ተቓውሞኻ ምቅላሕን ምቕጻልዩን እዩ።
“ህግደፍ ደኣ ይውደቐልና እምበር፡ ድሕሪኡስ ባዕሉ ይፈልጥ” ዝብል ዘይሓላፍነታዊ ኣበሃህላ፡ ካልእ ብገለ ኤርትራውያን ዝቃላሕ ንውሕ ዝበለ ዕድመ ዘለዎ፡ ኣብ ሎሚ ኮይኑ ንናይ ጽባሕ ውሑስ መጻኢ ዘየማዕዱ ርኢቶ እዩ። ምስዚ ብዝመሳሰል ምስቲ መሬት ኤርትራ ብዓመጽ ከም ዝወስድ ደጋጊሙ ዝእውጅ ዘሎ ኣካል ምምሕዛው፡ ኢድ ኣእታውነት ምትብባዕ ስለ ዝኸውን ዘይተባባዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓንተቦ “ኣይፋል” ክበሃል ዘለዎ እዩ። እቲ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ተሓሪምዎ ሃንቀው ክብል ዝጸንሐን ዘሎን ህዝቢ ኤርትራ “ኣብ ዝተቆራረመት ሃገርን ኣብ ትሕቲ ብዛዕባኡ ዘይግደስ ሓይልን ከነርህዎ እዩ” ዝብል ተረድኦ እንተልዩ ከኣ ካልእ ግጉይን ዘይግብራውን ተረደኦ እዩ።
ስለዚ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ “ሃገር ንዘየብሉ ህዝቢ” ወይ “ህዝቢ ንዘየብላ ሃገር” ንምፍጣር ካብ ምሕሳብ፡ ከምቲ “ህዝብን ሃገርን ናይ ሓደ ነገር ዘይነጻጸሉ ክልተ ገጻት እዮም” ዝበልናዮ ቃልስና ንኹለ-መዳያዊ ልኡላውነት ኤርትራ ክኸውን እንከሎ ጥራይ እዩ እቲ መዋጸኦ።