ካናዳን ብሪጣንያን ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ኣውጺአን

2025-11-18 10:45:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 15 times

መንግስቲ ካናዳ ዜጋታታ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ ክገብርዎ ብዛዕባ ዝግበኦም ጥንቃቐ መግለጺ ኣውጺኣ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ብሪጣንያ ብወገኑ ዜጋታቱ ኣብ ኤርትራ ክንቀሳቐስዎ ብዛዕባ ዘይግበኦም ከባብታት ዝምልከት መተሓሳሰቢ ምውጽኡ ተሓቢሩ።

በዚ መሰረት መንግስቲ ካናዳ ዜጋታታ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝለዓለ  ጸጥታዊ ስግኣትን ዘይምርግጋእን  ከምኡ እውን ብሰንክቲ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ጂንካ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ጥዕናዊ ስግኣት ኣብ ምንቅስቓሶም ከዘውትርዎም ዘይግበኦም ቦታታት ዘርዚራ። ካብቶም ከይንቀሳቐስዎም ዘጠንቀቐቶም ክልላት ኢትዮጵያ፡ ኣምሓራ፡ ትግራይ፡ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ሲዳማን፡ ከምኡ ድማ ዝተወሰና ዞባታት ክልል ኦሮሞ፡ ሰሜን ሽዋ፡ ምዕራብ፡ ምብራቕ ወሎ፡ ወለጋ ቀሌምን ሆሮ ጉድሩን ኣብቲ መጠንቀቕታ ተዘርዚረን።

እቲ ብ14 ሕዳር 2025 ዝወጸ ናይ ካናዳ መጠንቀቕታ ኣብተን ዝጠቐሰን ክልላትን ዞባታትን፡ ውግእ፡ ሲቪላዊ ምምዝባላትን ዝተፈላለዩ ገበናትን ይገዱ ምህላዎም ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣዲስ ኣበባ ምስቲ ካልእ ቦታታት ብምርእኣይ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከም እትርከብ ጠቒሱ። ነቲ መጠንቀቕታ ዘውጽኡ ሰብ መዚ ካናዳ ኣብተን ደሓን ዝበሃላ ከተማታት እውን ምጥንቃቕ ከም ዘድሊ ኣብቲ መግለጺ ኣተሓሳሲቦም።  ብፍላይ ድማ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ቤንሻንጉልን ኣብ ቀደማይ ደረጃ ስግኣት ዝስረዓ እየን ኢልወን።

እዚ ከምዚሉ እነሎ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘውጸኦ ናይ ዜጋታቱ  ናይ ምንቅስቓስ መጠንቀቕታ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኤርትራ፡ ካብ ዶባት ኣብ ክሊ 25 ኪሎ ሜተር ንከይንቀሳቐሱ ኣጠንቂቑ።

ነዚ መጠንቀቕታ ከውጽእ ዘገደዶ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምዕብል ዘሎ ሓደገኛ ዝበሎ ምትፍናን ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ኩነታት ብሃንደበት ክቀያየር ይኽእል እዩ እውን ኢሉ። እቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ብሪጣንያ ሓድሽ ነገር እንተ ተፈጢሩ፡ ካብኡ ምውጻእ ስለ ዘጸግም፡ ዜጋታቱ መሰረታዊ ነገራት ገዚኦም ክቕረቡ ይግበኦም ክብል እውን ኣዘኻኺሩ።

Last modified on Tuesday, 18 November 2025 11:51