መጠንቀቕታ ዘኢኮኖሚስት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ

2025-11-19 10:22:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 59 times

ሰሙናዊት መጽሐት ዘኢኮነምሲ (The weekl Economist)፡ ኣብ ናይዚ ሰሙንዚ ሕታማ፡ ብሓፈሻ ንፖለቲካዊ መስሊ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ሓጺር ዳህሳስ ኣቕሪባ። ኣብቲ ዳህሳሳ ድማ “ሓደጋ ውግእ ኣብ ኢትዮጵያ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊራ። ኣተሓሒዛ ከኣ እቲ ብሳላ ውዕል ፕሪቶርያ 2022 ተረኺቡ ዝነበረ ሰላም ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ስለ ዘሎ፡ ብደረጃ ዞባ እውን ሓደጋ ከኸትል ዝኽእል ስግኣት’ዩ ክትብል ነቲ ኩነታት ገሊጻቶ።

ብገምጋም እታ መጽሐት፡ ዋላ’ኳ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣሎ ዝበሃል እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝጸንሐ ዝምድና ቅልጡፍ ወጥሪ ይምዕብል ኣሎ ኢላ። ህወሓት ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብምጥሓስ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ናብ ትግራይ ክለኣኽ ዝነበሮ ገንዘባዊ በጀት ጠጠው ብምባልን ብወተሃደዊ ምፍርራሕን ከም ዝኸሶ እታ መጽሐት ጥቒሳ።

እቲ ምክሳስ ብኽልቲኡ ወገናት ይሰፍሕ ከምዘሎ ዝጠቐሰት ዘኢኮኖሚስት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ፡ ውግእ ከምዘይድግፍ ገሊጹ ከብቅዕ፡ ውግእ እንተጀሚርና ግና ጠጠው ከብለና ዝኽእል ሓይሊ የለን ከም ዝበለ ኣስፊራ፡ ሓላቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ሓደ መድረኽ “ንወያነ ከየጥፋእና ሰላም ኣይንረክብን ኢና” ምባሉ ጠቒሳ። ኣተሓሒዛ ከኣ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ብዛዕባ ዘሎ ሕድሕድ ምክፍፋላት ዝምልከት  ስፍሕ ዝበለ ሓሳብ ኣስፊራ።

.

መጽሐት ዘኢኮኖሚስት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ዝምድና እናኸፈአ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢራ፡ ኢትዮጵያ ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ድሕርን ወደብን ምልዓላ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘራኽብ ዶባት  ወተሃደራዊ ምድላዋት ዘርእዩ ምስልታት ይወጹ ከም ዘለዉ ጸብጺባ። እዚ ምዕባለዚ ኣብ ንህወሓት፡ ፋኖ ኣምሓራን ገለ ሓይልታት ሱዳንን ዝምልከት ኣሰላልፋ ሓድሽ መልክዕ ይሕዝ ኣብ ዝሃለወሉ ዝረአ ዘሎ ምዃኑ’ውን ኣብቲ ዜናዊ  ጸብጻባ ተጠቒሱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰዓብተንን ኢድ ኣዙራዊ  ውግእ ክባራዕ ከም ዝኽእል ስግኣታ ብምጥቃ ኣጠንቂቓ።

Last modified on Wednesday, 19 November 2025 11:31