መንእሰይ በረኸት ይፍጠር፡ ከዳነ፡ ንነዊሕ እዋን ድሕሪ ምሕማሙ፡ ብ ታሕሳስ 23 2014 ኣብ ሳንታሮዛ፡ ካሊፎርንያ፡ ብምዕራፉ፡ ንስድራ ቤቱን ኩሎም ፈተውቱን ወርዲዎም ዘሎ መሪር ሓዘን፡ ንሕና ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ በይ ኤርያ ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።
መንእሰይ በረኸት፡ ኣሰር ስዉእ ኣቡኡ ኣባል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ነፍሰሄር ይፍጠር ኪዳነ ከይለቐቐ፡ ንኤርትራዊ ሰላም፡ ንፍትሒ፡ ንስርዓተ ሕጊ ዝተቓለሰ፡ መንእሰይ ምዃኑ ንቤተ ሰቡ ጥራይ ዘይኰነስ ንዓና ሰዲህኤን ንመላእ ኤርትራዊ ማሕበረሰብን ዓቢ ክሳራ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቤ ኤርትራ፡ ንበረኸት፡ መንግስተሰማይ የዋርሶ እናበለ ንስዳቤቱን ንመላእ ኤርትራዊ ማሕበረ ሰብ ሳንታሮዛን ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
በይ ኤርያ፡ ካሊፎርንያ
ቀጺልና፡ ካብ ቤተ ሰብ ዝመንጨወ ናይ ፍትሓትን ስነ ስርዓት ቀብርን ነስዕብ፥
ንዕለት 20 ታሕሳስ 2014 ካብ ሓያሎ ከተማታት ሃገር ሽወደን ዝመጹ ሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ልዕሊ 95% ሓደስትን መንእሰያትን ዝተሳተፍዎ በዓል ንምቅባል ሓዳስ ዓመት 2015 ብኣሕዋት ተቀማጦ ስካራቦር ዝተዳለወ ካብ ሰዓት 18,00 ክሳብ ሰዓት 3,30 ወጋሕታ ኣብ ከተማ ሊድሾፒን ሙዉቅን ሰላማዉን በዓል ኣካይዶም። እቲ ልዕሊ 500 መንእሰያት ሓደስትን ገዳይምን ዝተሳተፍዎ በዓል ኮይኑ ብክልቲኦም ቋንቋታት ሃገርና ትግርኛን ዓረብን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን
እቲ ቀንዲ ዕላም ናይቲ በዓል ከምቲ ናይ ህግዲፍ ንሳዕሲዒትን መስተን ምንጪ ገንዘብ ዘይኮነስ ብብሩህ ህልዊ መሪር ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ንቋራቆረሉን እንዝክረሉን ብሓድነት ኣቢልና ንመላኺ ስርዓት ኣልጊስና ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ብስርዓተ ሕጊ እትመሓደር ሃገር ንምምስራት ዕዮ ገዛና እንትግብረሉ ዝሕበር መደረ መልእኽቲ እዩ ተኸፊቱ። ፍሉይ ተረኽቦ ናይቲ በዓል ከኣ ልዕሊ 95% መንእሰያት ኮይኖም ክሳብ ትሕቲ ዕድመ ዝተሳተፍዎ በዓል ኮይኑ፡ 5ተ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ጨካን ሓለዋ ዶብ ህግዲፍ፡ ነቲ ዘይሰብኣዊ ድሑር ኣተሓሕዛ ደቂ ሰባት ኣብ ሱዳን ጸይረን፡ ነቲ ሃኪክ ጻምእ ምደረበዳ ሰሃራ ሰንጢቀን፡ ነቲ ዘስካሕክሕ ክፉእ ኣተሓሕዛ ናይ ሊብያዉያን ፡ ንማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቀን ኣብ ቀረባ ሰሙናት ንሃገር ሽወድን ዝኣተዋ ሕጻናት ትሕቲ ዕድመ ብኣላይተን ተሰንየ ኣብቲ በዓል መጺኤ ኣብ መድረኽ ቀሪበን ሰላም ምባለን ብሓቂ ንክትኣምኖ ዘሸግር ኣሰንባድን መሳጥን ህዝብናን ሃገርናን ክሳብ ክንደይ ኣብ ጸልማት ትርከብ ከም ዘላ ኩሉ ተሳታፊ በዓል ደላይ ፍትሒ ኣስተንተነ።
እቲ በዓል ብምቅጻል ብወናማት መንእሰያት ወናማት እዋናዊ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ዜማታት፡ ናይ ቀደም ገዳይም ደረፍትና ዝደርፍዎ መሃርትን ኣናፋቅትን መባራበርን ዜማታት ዝተሰነይ ሙሉእ ለይቲ ኣብ መንጎኡ ከኣ ብግጥምታትን ብኣውሎን ዝተሓዋወሶ ኣደናቂ በዓል ኣብቲ ቦታ ንመጀመርታ ዝተገብረ ብምኳኑ ብሓቂ ታሪኻዊ ዝኮነ ዕዉት በዓል ነበረ።
ሲዒቡ እውን እቲ ካልኣይ መልእኽቲ በዓል ንምቅባል ሓዲሽ ዓመት 2015 ናይ ስኒት ናይ ፍትሒ ናይ ዓወት ዓመት ትኹነልና ዝብል ጽንብል ብስድራቤት ዑመር ዝተወፈየት ናይ ሕብስቲ ቶርታ 2015 ዝተጻሕፋ 5ተ ጠራዕራዕ መብራቲ ተወሊኤን ሙሉእ ተሳታፋይ ሰናይ ምንዮቱ ገሊጺ ብዓበይቲ ተባሪኹ ተዓደለ።
እቲ በዓል በቲ ወሓሉ ኣዴታት ዝተዳለዉ በብዓይነቱ መግቢ ከሉ ከም ዝደለዮ እናተማላለሰ ክበልዕ ሓደረ። ምስኡ እውን ናይ ቡንን ሻሕን ሕንባሻታትን ሙቁር ቅጫታትን እናኾምሰዔን እናተዘናግዔን ልክዕ ሰዓት 3,30 ናይ ንግሆ ወጋሕታ ብምምስግጋን ነናብ ቦታኡ ማለት ዮተቦርግ ቦሮስ ማልመ ስቶኮልም ኦረቡሩ ዮንሾፒን ፋልሾፒንግ ስካራቦርግ ብሰላም ተመሊሶም።
ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ሎሚ ዕለት 25 ጥቕምቲ 2014 ን2ይ ጉባኤኡ ብሓደ ወገን፣
1. ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ሕማቅ ናብ ዝበኣሰ ኣብ ዝበጽሓሉ ህሞት ይካየድ ከምዘሎ፣
2. እቶም ኣብ ሃገሮም ናይ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ዝሰኣኑ ኤርትራውያን መንእሰያት እውን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሃገሮም ራሕሪሖም ንስደት ኣብ ዝውሕዙሉ ዘለዉ ግዜ ይካየድ ምህላዉ፣
3. ከም ሳዕቤኑውን ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ሃገሮም ወጺኦምውን ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ኮነ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ግዳይ ናይ ዝተፈላለዩ ኢሰብኣውያን ግፍዕታት ኣብ ዝኾነሉ ህሞት ይካየድ ምህላዉ
4. ኮታስ ናይ ምንባርን ምቕጻልን ሃገርና ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣብ ዝበጽሓሉ ህሞት ይካየድ ምህላዉ
5. ከምኡውን ኣብ ዕለተ ስነ ስርዓት ቐብሪ ስዉእ ሃገራዊ ተቃላሳይ ኣቦና ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም ኣብ ዝካየደሉ ዕለት ይካየድ ምህላዉ ገምጊሙ::
ብኻልእ ወገን ድማ እውን ጉባኤ
1. ተቓውሞ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዲያስጶራ ጥራሕ ከይተደረተ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ሃገራውነትን ሓልፍነታውን ብብዝኾነ ጥቁው መልክዕ ብዝሓዘ ኣገባብ ተቀልቂሉ እንዳዓበየ ይመጽእ ኣብ ዝሃለወሉ ግዜ ይካየድ ምህላዉ፣
2. እቲ ዓሚ ኣብ 23 ጥሪ 2013 መስዋእቲ ጅግና ሲዒድ ዓሊ ወዲ ዓሊን ማእሰርቲ ዓበይቲ ሃገራውያን ተቃለስትን ዘስዓበ ብጠለብ ትግባረ ቅዋም ሃገርን ምፍታሕ ሃገራውያን ፖለቲካውያን እሱራትን ዝጀመረ ናይ ለውጢ ጻውዕት፣ ብቅሉዕ ዝኾነ ብናይ ሃይማኖታት መራሕትን ዝተፈላለዩ ኣድባራትን ጽሑፋዊ ሰነዳትን ናይ ሰራዊት እምቢታ ዘይተደልየ ምኽታትን ተሰንዩ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ ተደረዐ መጺኡ ንስርዓት ህግዲፍ ኣብ ፍጹም ሸቀልቀል ኣብጺሕዎ ኣብ ዝሃለወሉ ግዜ ይካየድ ምህላዉን ገምጊሙ::
ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ህልው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዝተበገሰ ድማ ካልኣይ ጉባኤ ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ሎሚ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ከተማ በርገን ኖርወይ ኣብ ዘካየዶ ተጋብኦ ምስዞም ዝስዕቡ ኣዋጃት ወጺኡ::
ሀ. ኣብ ትሕቲ ጽላል ዘጽለላ ኩለን ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራት መሓውራት ህግዲፍ ኣብ ኖርወይ ንምብትታኽን
ምምሓውን ዝያዳ በርቲዐንን ሓቢረንን ክሰርሓ::
ለ. ነቲ ለውጢ እንዳ ደለየ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ኣብ ናይ ምምጻእ ቃልሲ ንጉዳይ ሃገሩ ከም ጉዳይ
እንዳማቱ ገይሩ ብምርኣይ ኢዱ ኣጣሚሩ ተዓዛባይ ኮይኑ ንዘሎ ዝዓበየ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ኣበራቢርካ
ካብኡ ዝጥለብ ሃገራዊ ኣበርክቶ ከምዘውፊ ንምግባር ኣባላት ጽላል ዝኾና ኩለን ማሕበራት ብሓባርን
ብተናጸልን ዝያዳ ክነጥፋሉ::
ሐ. ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብህዝብን፣ ሰራዊትን፣ ሃይማኖታውያን መራሕትን ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ
መ. ኣብ ዝተፈላለየ መስመራት ቃልሲ ዝርከባ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን፣ ውድባትን፣ምንቅስቃሳትን፣
በርገሳውያንን ማሕበራትን እውን ኣኣብ ዝርከባሉ ሃገር ኣብ ምውህሃድ ናይ ቃልሲ ዕማማተን ዘተኮረ
ሓያል ከባቢያዊ ውደባታት ብምክያድን ነንሕድሕዱ ዝደጋገፍ ቃልሲ ብምክያድ ዕምሪ ገባቲ ስርዓት
ኤርትራ ኣብ ምሕጻር ዓይነታዊ ታራ ዝጻወታሉ ባይታ ንምፍጣር እውን ምስ ካብ ኖርወይ ወጻኢ
ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓይልታት ደለይቲ ለውጢ እውን ሓቢሩ ንኽሰርሕ::
ዓወት ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ዘለዓለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስዉኣትና
2ይ ጉባኤ ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኖርወይ
25 ጥቅምቲ 2014፣
ከተማ በርገን
ማሕበር ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣን ን1ይ ዓመት ዝኽሪ ቅዝፈት ላሞፖዱዛ ካብ ሰዓት 16.00 ክሳብ ሰዓት 20.00 ኣብ ባካ ሽርካ ተኣኺቦም ብምዕሩግ ኣገባብ ኣኽቢሮማ ኣምስዮም። እቲ ዝኽሪ ብብዝሒ መንእሰያት ዝዓብለሎ ተሳታፍነት ኮይኑ ብክቲኤን ሰንደቅ ዕላማ ህዝብናን ናይ ሃገር ሽወደን ዝተሸፈነ ጠረበዛ ብሽምዓ ዝኽሪ ላምፐዱሳ ተጻሒፉ ልክዕ ሰዓት 17.00 ብዝክሪ ስዉኣት ተኸፊቱ። ብምቅጻል መራሕ መደብ ነዛ መራር ቀዛፉት ለይቲ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2013 እቶም ልዕሊ 500 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብታ መርከብ ሓደጋ ዝተረኽበ 367 ኤርትራውያን ኣሕዋትና ዝቀዘፈት ኮይና ውጻእ መዓት ዝኾኑ ከኣ 155 ከም ዘሎዉ ጠቀሰ። ስደት እቲ ግናይ መሪር ከቢድን ይኹን እምበር ንገዛእቲ ባዕዲ ንመለኽትን እምቢ ብምባል መሰረታዊ ናይ ተቋውሞ ተባዕ ስጉምቲ እዩ። ናይ ላምፐዱዛ ተረኽቦ ግና ፍሉይ ዝገብሮ ንሙሉእ ዓለም ዘሰንበደን ዘብከየን ክሳብ ካብ ከብዲ ኣዴኡ ዘይወጸ ዕሸል ምርካቡ እዩ። እቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግዲፍ ንሃገራውያን ኤርትራውያን ኪሒዱ ክሳብ ሎሚ ሬሳታቶም ንቡር ከይረከቡ ኣብ ጋህሲ ኢጣልያ ምህላዎም ኮይኑ እቲ እንኮ ጠንቅን ቀንዲ ተሓታትን ናይዚ ኩሉ ንሱ እዩ ብምባል ዛዘመ። ቀጺሉ ኣቦ ወንበር ማሕበር ኣገደስቲ ነጥብታት ሓዘል ዓሚቅን መግለጺ ጠንቅን ኣሰር ቅዝፈት ላምፐዱዛ ንዓና ደለይቲ ፍትሒ እንታይ ክምህረና እንታይ ከም ዝሓተናን ብብሩህ ብዝርዝር ኣቀሚጡ ብስኒት ብሓባር ክንገብሮ ዘሎና ተንኪፉ ዛዘመ። ብድሕሬኡ ሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ በብተራ ጠቀምቲ ምኽርን ንሕድሕድ ምትብባዕን ሓዘል ሓጸሪቲ መደረታት ሂቦም። ንዝኽሪ እዛ መራር ለይቲ ከኣ ኩሉ ተሳታፋይ ነቲ ተዳልዩ ዝነበረ ሽምዓ ዝተጻሕፈ ላምፐዱዛ ዝብል በብሓደ ብምውላዕ ክቡር ዝኽሪ ብመዝሙር ተሰንዩ ኩሉ ተወልዔ። ሲዒቡ ብዋዕሮታት ኣሕዋትና ደቂ ኣንስትዮ ዝተዳለወ ሕብስትን ሻህን ቡንን ብምእንጋድ ናይቲ ዝኽሪ ምሸት ተፈጸመ።