ብስም ብሄር ኦሮሞ ዝነጥፋ 63 ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ማሕበር ክኢላታት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ማሕበረ ኮማትን ብ21 ጥሪ 2022 ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ኣገዳስነት ሃገራዊ ዘተን መግለጺ ከም ዘውጸኣ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እተን ማሕበራት ኣብቲ መግለጺአን  ካብ ዝተገደሳሎም 6 ነጥብታት ሓንቲ “ኤርትራ ብዘይቅድመ-ኩነት ሓይልታታ ካብ ኢትዮጵያ ትውጻእ” ትብል ከም ዝኾነት ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺአን ኣስፊረን።  

እቲ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ተሳታፊኡ መን ምዃኑ ብንጹር ዘየስፈረ ሃገራዊ ዘተ ንምክያድ፡ ነቲ ዘተ ዝመርሑ ኮሚሽነራት ኣብ ምምምራጽ ከም ዝርከብ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሸሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ስለ ዘለዉ ንሳቶም እውን ተፈቲሖም ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ ዝሳተፍሉ ኩነታት ክፈጥር ጸዊዑ።

ናይተን ማሕበራት መግለጺ ኣተሓሒዙ ቅድሚዚ ናይ 21 ጥሪ  2022 መግለጺ፡ ብ18 ነሓሰ 2021 እውን እቲ ብዙሕ መልከዓት ዘለዎ ናይ ኢትዮጵያ ጸገማት ንኹሉ ብዘሳትፍ ዘተ ክፍታሕ ዝጽውዕ መግለጺ ኣውጺአን ከም ዝነበራ ኣዘኻኺሩ። እቲ መግለጺ ነዞም ዝስዕቡ ዝያዳ ቆላሕታ ክግበረሎም እዩ ጸዊዑ።

1) ብህጹጽ ህውከት ጠጠው ምባልን ድሕሪኡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኦሮሞ፡ ትግራይ፡ ቤንሻንጉል ጉምዝ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ተኹሲ ተጠው ብምባል፡ ስምምዕ ምቁራጽ ውግእ ምኽታም። ድሕሪኡ ብቐጥታ ንኹሉ ናብ ዘሳትፍ ፖለቲካዊ  ዘተ ምእታው።

2) ብዘይ ቅድመ-ኩነት ናብ ኩሎም ኣብ ጸገም ዘለዉ ኣካላት ሰብኣዊ ረዲአት ምቕራብ። ከምኡ ከኣ ከም ባንክ፡ ተለፎን፡ መጐዓዝያ፡ ሓይሊ መብራህትን ዝኣመሰሉን ተቛሪጽዎም ኣብ ክልላት ኦሮሞ፡ ትግራይ፡ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ዓፋርን ኣምሓራን  ይሳቐዩ ንዘለዉ ኣገልግሎት ከም ዝረኽቡ ምግባር።

3) ኩሎም ብምኽንያት ናይ ህጽጹ ግዜ ኣዋጅ፡ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣባላትን መራሕትን ግንባር ናጽነት ኦሮሞን ካለኦት ዓሌት መሰረት ብምግባር ተኣሲሮም ዘለዉን ብዘይቅድመ-ኩነት ብህጹጽ ክፍትሑ።

4) ምውጻእ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ኤርትራ ሓይልታት ጸጥታ፡ ወታደራትን ናይ ስለያ ኣሃዱታትን ክወጹ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ኣብ ኢትዮጵያን ዞባናን ዝካየድ ዘሎ  ናይ ሕድሕድ ውግእ ጠጠው ኣብ ምባል ዝሕግዝ እዩ።

5) ናጻን ዘይሻራውን፡ በቶም ክሳተፉ ቅሩባት ዝኾኑ ኣካላት ተቐባልነት ዝረኸበ ኣሳታፍን ግሉጽን ሃገራዊ ዘተ ምጅማር። ዓለም ለኻዊ ማሕበረሰብ፡ እቲ ዘተ ንክዕወት ክሕግዝ። ምኽንያቱ  መንግስቲ ነዚ ዓብይ ዕማም ከድምዕ ብዝኽእል በይኑ ክዓሞ ስለ ዘይክእል።

6) ናይቲ ዘተ ዝተፈላለዩ ውጽኢታት ምትእምማንን ምቹእ ከባብን ምፍጣር ብዘኽእል ምስራዕ። ነዚ ንምግባር መንግስቲ ንኣጠቓቕማ ሚዲያ፡ ናይ ታሕተዎት ኣካላት ዘተን ርክብን ንምፍጣር ክፉት ፖለቲካዊ መድረኽ ከስፍሕን ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ምምኽኻር ክቕጽልን።

ኣብ መወዳእታ እቲ 63 ማሕበራት ዝኸተማሉ ናይ ሓባር መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ሕቡራት መንግስታት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኣባል ሃገራቱን፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣባል ሃገራቱን፡ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፡ ቱርክን ኢራንን ኣብ ኢትዮጵያን ከባቢኣን ዘሎ ህውከት ክዓርፍን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተሓሲቡ ዘሎ ዘተ ንክዕወትን ሃናጺ ስጉምቲ ክወስዳ ጸዊዑ።

ብናይ ሕቡራት ሃገራት ዘባዊ ምትሕብባር ዳይረክተር ልምዓት ኣፍሪቃ ዝምራሕን ሓሙሽተ ዞባዊ ዲረክተራት ዝርከብዎን 24 ዝኣባላቱ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ይበጽሕ ከም ዘሎ ነዚ ብዝምልከት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እቶም ሓሙሽተ ዳይረክተራት፡ ወከልቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ፡ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ዕጸ-ፋርስን ገበን፡ ጉዳይ ስነ- ህዝብን ፕሮግራም መግቢ ዓለን ምዃኖም እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ብተወሳኺ ሓቢሩ። ምክትል ዞባዊ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት እውን ኣካልዚ ልኡኽ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካለኦት ወኪላተን ዝለኣኻ ዞባዊ ዳይረክተራት ከም ዘለዋ’እውን ተፈሊጡ።

 እዚ ልኡኻ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝጸንሓሉ ተልእኮ፡ ብ25 ጥሪ 2022 ብምትሕብባር መንግስቲ ኤርትራን ሕቡራት ሃገራትን ብሓባር ዝጅመር ናይ ቀጻሊ ዕቤት መርበብ ተሳታፋይ እዩ። እዚ መርበብ ልምዓት፡ ቀዳምነታት ኤርትራ ኣለሊኻ ብውሁድ ናይ ሕቡራት ሃገራት ወፍሪ ትልሚ ልምዓት 2022-2026 ኣብ ምንዳፍ ሓጋዚ ከም ዝኸውን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

እዚ ናይ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ፡ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሓሉ ግዜ ምስ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ፡ ናይ ልምዓት መሻርኽትን ኣካላት ዲፕሎማስን ክራኸብ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ልኡኽ መንደፈራ፡ ድዋሩባን ዓረዛን በጺሑ፡ ብዛዕባ  መንግስቲ ኣካይድዎ ዝበሃል ልምዓታዊ ንጥፈታት ኣፈናዊ ሓበሬታ ክእክብ እዩ ተባሂሉ።

ነቲ ልኡኽ ዝመርሕዎ ዞባዊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ልምዓት ኣፍሪቃ ሕቡራት ሃገራት ያኮብ ኢል ሂሎ፡ ብዛዕባቲ ኣገዳሲ ዝበልዎ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝምልከት መግለጺ ሂቦም። ኣብቲ መግለጺኦም፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሓቢርካ ብምስራሕ ንሸቶ 2030 ቀጻሊ ልምዓት ንምዕዋት  እቲ ምውህሃድ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ኣድላይ ምዃኑ ጠቒሶም።

ብናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ሚዛን፡ እቲ ክሳብ ሎሚ ብሓፈሻ ኣንጻር ኩሎም ትካላት ሕቡራት ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣንጻር ኣካላት ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል፡ ንሰብኣዊ ግህሰታት ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ሓበሬታ ከይወጽእ ማዕጾኡ ዓጽዩ ዝጸንሐ ህግደፍ ሎሚ ነዚ ልኡኽ ኣፍደገ ምኽፋቱ ናይ ምንብርካኹን ምግዳዱን መርኣያ እዩ ዝብል እምንቶ ኣለዎም።

በቲ ካልእ ወገን እቲ ኣብ ዕጽዊ ማዕጾ ካብ ክታብ ኮቪድ-19 ጀሚርካ፡ ኩሉ ደገፋት ተነፊጕኦ፡ ኣደዳ ኩሉ ሕሰምን መከራን ኮይኑ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ ጸገማቱ ዘይሕበኣሉ ኩነታት ክፈጥር ስለ ዝኽእል፡ ንጉጅለ ህግደፍ ዘቃለዓሉ ዕድል ክረብ እዩ። እንተኾነ እቲ ማዕጾ ዓጺኻን ሓበሬታ ሓቢእካን ከምድላይካ ምኻድ ዝለመደ ጉጅለ ንቐጻልነት ናይዞም ኣካላት ኣብ ኤርትራ መሊሱ ከይዓጽዎ ዝሰግኡ  ብዙሓት እዮም።

 

 

 

ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዛዕባቲ ኣብ መንጎአን ዘይምስምማዕ ዝፈጥር ጉዳያት መፍትሒ ንምርካብ ዘተ ከካይዳ ከም ዝተሰማምዓ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። እዚ ዝተገልጸ ናይ ሱዳን ምክትል ሓላፊ ኮሚተ ልኡላውነት ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ክልተ መዓልታት ምጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዩ። እቶም ሱዳናዊ ላዕለዋይ ሓላፊ መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝተረኽቡ ተሓቢሩ።

ኣምበሳደር መሓመድ ኣል ጋዛሊ ቲጂያኒ ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሱዳን ዳይረክተር ኣፍሪቃዊ ጉዳያት፡ ብወገኖም እቶም መራሕቲ ብዛዕባ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከም ዝተዘራረቡ ገሊጾም። እዞም ሱዳናዊ ዳይረክተር ቲጂያኒ ኣተሓሒዞም፡ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ህዝብታት ረብሓ ንምዕቃብ፡ ክልተኣዊ ዝምድና ምዕባይን ግሉጽነት ምህናጽነት ከም ዘድሊ እውን ሓቢሮም።

ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ምክልኻል ዶር ኣብረሃም በላይ ብወገኖም፡ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ብዙሓት ክልተኣዊ ዛዕባታት ከም ዝዘተዩ ምግላጾም እቲ ዜና ሓቢሩ። ዶር ኣብረሃም ኣተሓሒዞም ኣብ ብዙሓት ጉዳያት ተቐራሪብና ክንሰርሕ ተሰማሚዕና ኣለና እውን ኢሎም።

ናይ ኢትዮጵያ ሓረስቶትን ዕጡቓት መልሻን ፋሺቓ ካብ ዝበሃል ቦታ ብሱዳናውያን ምስጓጎም ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዝነበረ   ዘይምስምማዕ ከም ዘጋደዶ ኣብዚ ናይ ሱዳን ትሪቡን ዜና ተጠቒሱ።

ኢትዮጵያ እዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጠንቂ  ዘይምስምማዕ ኮይኑ ዘሎ ቦታ፡ ናተይ እዩ ክትብል እንከላ፡ ሱዳን ብወገና ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈረሙ ናይ ዶብ ስምምዓት ብምጥቃስ ናተይ እዩ ዝብል እምነት ኣለዋ። ብዘይካዚ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ዓብይ ሓጽቢ ኣባይን ኢትዮጵያ ሱዳን ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ትሕግዝ ኣላ ብዝብል እተቕርቦ ክስን ድማ ናይቲ ዘይምስምማዕ ጠንቅታት እዮም።

ኣብ መጻኢ መዓስ ተራኺቦም ከም ዝዛተዩ ዝተታሕዘ ቆጸራ ኣይተገለጸን። እቲ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ብጉዳይ ሓጽቢ ኣባይ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ከም ዘቋረጾ ዝዝከር እዩ።

Somali Soldiers 1

ኣብ ኤርትራ ንወትሃደራዊ ታዕሊም ካብ ዝተላእኩ ሶማልያውያን ኣብ ዝተፈላለዩ መደበራት ታዕሊም፡ 400 ብወትሃራት ኤርትራ ከም ዝተቐትሉ ሶማልያ ጋርዲያን ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ንሓደ ካብቲ ቦታ ዝሃደመ ጠቒሳ፡ ብ11 ጥሪ 2022 ብዝዘርግሓቶ ዜና ሓቢራ። እታ መርበብ ኣተሓሒዛ፡ ነቲ ካብ ኤርትራ  ዝሃደመ ዓብደልቃድር ኣብሽር ዝተባህለ ተዓላማይ ዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ገይራ ከም ዝገለጸቶ፡ ካብቶም ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ብዙሓት ናብ ውግእ ናይ ኢትዮጵያ ክኣትዉ እንከለዉ ካለኦት ኣሸሓት ከኣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ግዱድ ናይ ጉልበት  ስራሕ ከም ዝኣተዉ ሓቢራ።

እቲ ካብ ኤርትራ ከም ዝሃደመ ዝሓበረ ዓብደልቃድር ኣብሺር፡ ኣብ መጀመርያ ኣዋርሕ 2020 ናብ ኤርትራ ከም ዝተላእከ ጠቒሱ፡ ኣብ 6 ኣዋርሕ ታዕሊሙ ከም ዝወደአ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቶም ምስኡ ዝተዓለሙ ኣብቲ መደበር ታዕሊም ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኩነታት መነባብሮ ከም ዝገደፎም ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ዓብደልቃድር ነታ መርበብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ካብ 2019 ጀሚሩ ኣብ ኤርትራ ደሃዮም ዝጠፍአ ሶማላውያን ተዓለምቲ ብሕጽረት ሕክምናን መግብን ከም ዝሳቐዩን ብሰንክዚ መሰረታዊ ሕጽረታት ብዙሓት ከም ዝሞቱን ጠቒሱ። ብሰንክቲ ሕማቕ ኩነታት ኣብ መንጎ ሶማላውያን ተዓለምትን ኤርትራውያንን ብዝተፈጥረ ጐንጺ ብደርዘናት ዝግመቱ  ኣስማቶም ዘይተፈልጠ ተዓለምቲ ከም ዝሞቱ  ኣቃሊዑ።

በቲ ካብ ሶማሊያ ጋርዲያን ዝተረኽበ ዜና መሰረት ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ መንእሰያት ሶማላውያን ልዕሊ 5400 ኮይኖም፡ ናብ ሰለስተ መደበራት ታዕሊም እዮም ተኸፋፊሎም። ካብዚኣቶም መብዛሕተኦም መንግስቲ ሶማልያ ናይ ዝተመገብዎ፡ ዝሰተይዎን ዝተሓከምዎን ወጻኢ ንክኸፍን ብመንግስቲ ኤርትራ ተሓቲቱ ስለ ዘይከፈለ፡ ከም “ናይ ዕዳ ትሕጃ”  ተታሒዞም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት እዮም ተዋፊሮም።

ካልኦት ካብ ኤርትራ ዝሃደሙ ሶማላውያን ከም ዝበልዎ ድማ፡ መንግስቲ ሶማልያ ክሳብ ሎሚ ብዛዕባዚ ጉዳይ ርኢቶኡ ኣይሃበን። እቶም ኣብ ኤርትራ ተሪፎም ዘለዉ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እዮም እዩ ዝብል ትጽቢት ግና ኣሎ። እንተኾነ መንግስቲ ሶማልያ ታዕሊሞም ምስ ወድኡ ስለምንታይ ንክልተ ዓመታት ዝኣክል ነቲ ምምላሶም ከም ዘደንጐዮ ንጹር ከምዘይኮነ እቲ ዜና ጠቒሱ።

Logo

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣስታት ሰማንያ ነብርቲ ዓዲ ንፋስ ብሓይልታት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝተኣስሩ  ተለቪዥን ኤሪሳት ምንጭታታ ጠቒሳ ካብ ብዘቕረበቶ ዜና ሓቢሩ። ካብዞም ዝተኣስሩ መብዛሕተኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ኮይኖም፡ ስድራቤት ተጋደልትን ነባራት ተጋደልትን ከም ዝርከብዎም እቲ ዜና ብተወስኺ ሓቢሩ።

ምስ ነበርቲ ዓዲ ንፋስ ምስሕሓብ ዝነበራ ኣመሓዳሪት ዞባ ኣኽርያ ኣስመራ፡ ሕኒኣ ንምፍዳይ መዝነታ ተጠቒማ ከም ዘእሰረቶም እዩ ተሓቢሩ። እቶም ግዳያት ማእሰርቲ መጀመርያ ብሓባር ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ከም ዝተዳጐኑ ደሓር ግና ናብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከም ዝተወስዱ ተፈሊጡ ኣሎ። መንግስቲ ህግደፍ ህዝቢ ከይቀስን ኣብ ናይ ዓድታት ውሽጣዊ ምምሕዳራዊ ጉዳይ እንዳኣተወ ህውከት ምፍጣር ልሙድ ተግባሩ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ምምሕዳር ዓድታት፡ ንኡስ ዞባታትን ዞባታትን ኢድ እንዳእተወ ዘይምርግጋእ ከም ዝፈጥር ተፈሊጡ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ መራሕቲ ናይዘን ዝተጠቕሳ ምምሕዳራት፡ “መደባት ክተት ብግቡእ ኣይተግበርኩምን” ብዝብል ህዝቢ ከም ዘንገላትዑን ከም ዝብድሉን ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ቀጻሊ  ግፋ ዘካይድ ዘሎ ኮይኑ፡ ምናልባት ኣብ ገጠራት ዝተሓብኡ መንእሰያት ከይልዉ ብዝብል፡ ኣባላት ጸጥታ ናይቲ መንግስቲ ናብ ገጠራት ከም ዝዋፈሩ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። 

BAIDEN 1

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ኣሜሪካ ጆን ባይደንን ብ10 ጥሪ 2022 ብስልኪ ከም ዝተመያየጡ ሲኤንኤን ሓቢራ። ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ኣብቲ ብ8 ጥሪ 2022 ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ንምምሕዳር ባይደን ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳያት ኣምሪሩ ክኸስስ ተሰሚዑ።

ፕረሲደንት ባይደን ኣብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ዘካየድዎ ርክብ ብዛዕባቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ደብዳብ ነፈርቲ ኣልዒሎም መራሕቲ እታ ብብዝሒ ህዝቢ ካብ ኣፍሪቃ 2ይ ደረጃ እትሕዝ ኢትዮጵያ ነቲ ካብ ዝጅመር 14 ኣዋርሕ ኮይንዎ ዘሎ ውግእ ጠጠው ኣብ ዝብለሉ ኩነታት ክመያየጡ ጸዊዖም።

እዚ ናይ ስልኪ ርክብ ዝተኻየደ፡ ፕረሲደንት ባይደን፡ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘርኣየቶ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት  ካብቲ ኣሜሪካ ካብ ሳህራ ንታሕቲ ንዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ እትህበ ብዘይቀረጽ ፍርያተን ናብ ዕዳጋኣ ናይ ምቕራብ ዕድል ምስ ተሰረዛ ድሕሪ 9 መዓልታት እዩ። በቲ ሲኤንኤን ዘውጸኦ ዜና መሰረት ፕረሲደንት ባይደን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ደብዳባት ነፈርቲ፡ ዝፍጠር ዘሎ ዘይምርግጋእ ከም ዝሻቕሎም ኣብቲ ነዚ ዝርክብ ብዝምልከት ካብ ዋይትሃውስ ዝወጸ መግለጺ ከም ዝተጠቕሰ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ብመሰረት ነቲ ርክብ ብዝምልከት ካብ ዋይትሃውስ ዝተዋህበ ሓበሬታ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብዚ ርክቦም፡ ናይ ሰላምን ዕርቅን ዕድላት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ተመያይጦም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናብ ተኹሲ ምቁራጽ ዘብጽሕ ዘተ ዝቀላጠፈሉ ኩነታት ከም ዘልዓሉን ህጹጽነት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ኩነታት ዝመሓየሸሉ ኩነታት ምፍጣርን  ኣገዳስነት ምድህሳስ ሰብኣዊ ሻቕሎት ኣብ መላእ እታ ሃገርን ከምኡ እውን ብዛዕባ ማእሰርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት ብዝምልከት ተመያይጦም።

ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስቴር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣበቲ ርክብ ዝተኻየደሉ ዕለት ዝወጸ ፍሉይ መግለጺ ከም ዘስፈሮ ከኣ ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ህልዊ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ክልትኣዊ ዝምድና ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዞባዊ ጉዳያትን ከም ዝተመያየጡ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ዶ/ር ኣብይ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ  ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሒት ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ኢትዮጵያን መግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረዲአት፡ ሰብኣዊ መስልን  ዳግመ ህንጻ ኣብቲ ካብ ሓይልታት ትግራይ ናጻ ዝኾነ ቦታታትን የካይዶ ብዛዕባ ዘሎ ስረሓት ንፕረሲደት ባይደን ከም ዝገለጽሎም ጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ብ8 ጥሪ 2022 ዘካየዶ ቃለ መጠቕ፡ ከምቲ ልማዱ ንኣሜሪካ ብዓይኒ ጽልኢ ብምርኣይ መሪር ክስታት ኣቕሪቡ። ኣብቲ ክሱ ናቱ ኣቐሚጡ፡  ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ደረጃ  ንክትወድቕ ግደ ኣሚሪካ ዝለዓለ ምዃኑን ምስ ክልል ትግራይ ክትውግን ከም ዝጸንሐትን ብዝተፈላለየ መልክዑ ገሊጽዎ።

ነዚ ሓድሽ ርክብ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኣሜርካን በቲ ሓደ ወገን፡ ንናይ ኢሳያስ ኣንጻር ኣሚሪካ መግለጺ ምሃብን ናብ ቻይና ምዝንባሉን ዝተዓዘቡ ወገናት፡ እዚ ፍልልይ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን መመሊሱ ይስዕርር ከም ዘሎ ከም ዘመልክት ገይሮም ይወስድዎ ኣለዉ። ብዘይካዚ ኣብዚ እዋንዚ  መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብቲ ቅድሚ ውግእ ኣብ ትሕቲ ትግራይ ዝነበረ ወልቃይትን ራያን ከተውጽእ ኣብ እትጽዕረሉ ዘላ ግዜ፡ መልሻን ፍሉይ ሓይልን ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ትግራይ ይዋግኡ ምህላዎም ዝሕብር ዜናታት ምቅላሑ ካልእ ነቲ ፍልልይ ዘራጉድ ይመስል ይብልዎ ኣለዉ።

Aid Institutions 1

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 ናብ ኮሚሽን ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)፡  ብዝበጽሐ ኣፈናዊ ሓበሬታ መሰረት ብ7 ጥሪ 2022 ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከተማ ደደቢት ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ዝተዓቖብሉ ቦታ  ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከም ዝተፈጸመ ተፈሊጡ። በቲ ዝተፈጸመ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ ኢትዮጵያ፡ ብዙሓት ስቪላት ከምዝተቐተሉን ከምዝተጎድኡን ካብ ኤኤፍፒ ዝተረኽበ ዜና ገሊጹ። ነዚ ዘሰንብድ ተግባር ተኸቲለን ኣብቲ ከባቢ ዝነጥፋ ዝነበራ ትካላት ሰብኣዊ ረዲአት ተግባራተን ከቋርጻ ከም ዝተገደዳ ከኣ እቲ ካብ ኤኤፍፒ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ።

ብሰንኪ’ቲ ደብዳብ ነፈርቲ ጉድኣት ዝበጽሖም ግዳያት ንምሕካም ዘኽእል ሕክምናዊ ናውትን ኣፋውስን ክርከብ ከምዘይተኽኣለ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ኩሎም ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት መሰል ሰላማውያን ሰባት ከኽብሩ እቲ ሰብኣዊ ትካል ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።  ኣብዚ ዜና ከም ዝተሓበረ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ስርዓተ-ሕክምና ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጹ እዩ።

ሮይተርስ ብወገኑ ንሰራሕተኛታት ረዲአት ጠቒሱ ከም ዝሓበሮ፡  ብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ መዕቆቢ ተመዛበልቲ  ዝተፈፀመ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ፡ 56 ሰባት ተቐቲሎም  ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉ ተፈሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዝተፈጸመ ደብዳብኳ ብቐጥታ ዝሃቦ ምላሽ እንተዘየለ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ናይ ሓይልታት ትግራይ መደበር ታዕሊም ኣብ ዝበሎ ቦታ ዕዉት ደብዳብ ኣካይደዱ ኣብ ልዕሊ ተዓለምቲ ጉድኣት ኣውሪደ ክብል ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜናኡ ከይተረፈ ሓቢሩ።

ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት  ዩኒሴፍ ብወገኑ፡ ነቲ  ኣብ መጽለሊ ተመዛበልቲ ዝተፈፀመ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣውነት ዝጥሕሰ እዩ ብዝብል ከም ዝኾነኖ እቲ ዜና ሓቢሩ። ዩኒሰፍ በቲ ኣቐዲሙ ኣብ  መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተፈጸመ ደብዳብ እውን ቁጠዐኡ ገሊጹ እዩ።

ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ሄንሪየታ ፎረ ኣብቲ ነዚ ብዝምልከት  ዘውጽአኦ መግለጺአን፡ እቲ ዒላማ ደብዳብ ዝኾነ፡  ኣብያተ ትምህርቲ ወሲኹ ተመዛበልቲ ህጻናትን ስድራ ቤቶምን ዘዕቆብሉ ቦታታት፡  መደበር ስደተኛታትን፡ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝወሃብሎም ሲቪላዊ ቦታታትን እዮም ኢለን። ነዞም ሲቪላዊ ቦታታት ኣብ ክንዲ ምሕላውን ምክልኻልን ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕትታት ምፍጻም ድማ፡ ዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣውነት ከም ምጥሓስ ዝውሰድ  እዩ  ኢለን።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ማይዓይኒ፡ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ክልተ ህፃናት ዝርከብዎም ሰለስተ ስደተኛታት ከምዝተቐተሉ ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘፍለጠ ዝዝከር እዩ።

መንግስቲ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ረፑብሊክ ኢትዮጵያ፡ ብ7 ጥሪ 2022 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ኣባላት መሪሕነትን ጸለውቲ ባእታታትን ዝተፈላለያ ውድባት፡ ብምሕረት ከም ዝፈተሓ ሓቢሩ። ካብቶም ዝተፈትሑ ካብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣቶ ስብሓት ነጋ፡ ካብ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኣቶ ጁሃር መሓመድን ካብ ሰልፊ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ ኣቶ እስክንድር ነጋን ከም ዝርከብዎም ነዚ ብዝምልከት ካብ ናይታ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንፎርመሽን  ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ቀንዲ መፍትሕ ናይ ቀጻሊ ሓድነት ኢትዮጵያ ዘተ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ነዚ ክሳብ መወዳእታ ከብጸሖ ድልዊ ምዃኑ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ጸገም ኣሳታፊ ብዝኾነ ኣገባብ  ብዘተ ምግጣሙ ከም ዘድሊ ገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ናይ ዘተ ኮሚሽን ቆይማ ከምዘላ ዝጠቐሰ እቲ ናይ መንግስቲ መግለጺ፡ ካልእ ስጉምትታት ከም ዝቕጽል እውን ሓቢሩ፡ ካብ ናይ ዓወት መንገዲ ሓደ ምሕረት ምዃኑ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብዚ ሓቂዚ ነቒሉ ንዝተወሰኑ እሱራት ናይ ምምሓር ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ እዚ ስጉምቲ ናብ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ፍታሕ ዝኣመተ ምዃኑ ኣስፊሩ። እዚ ምሕረት ነቶም ኣቐዲሞም ዝተኣስሩን በዚ ሓዲሽ ኩነታት ውግእ ዝተቀየዱን ከም ዝምልከት ከኣ ኣብቲ መንግስታዊ መግለጺ ሰፊሩ። በቲ መግለጺ መሰረት ናይዚ ናይ ምሕረት ውሳነ ቀንዲ ዕላማ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብዘይ ጐነጻዊ ኣገባብ ንምፍታሕ መንገዲ ንምጽራእ ኮይኑ፡ ብፍላይ ከኣ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰፊሕ መስርሕ ዘተ ዝዛመድ እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ እዞም ናይ ምሕረት ተጠቀምቲ ካብቲ ዝጸንሕዎ ተማሂሮም ኣብ መጻኢ ንህዝቦምን ሃገሮን ብዝሓሸ ክሰርሑ ተስፋ ከም ዘሎ እቲ መንግስታዊ መግለጺ ጠቒሱ። ካብቶም ብምሕረት ዝተፈትሑ እሞ ኣብቲ መግለጺ ኣስማቶም ብወግዒ ዝሰፈር እዞም ዝስዕቡ እዮም

  1. አቶ ስብሐት ነጋ
  2. ወሮ ቅዱሳን ነጋ
  3. አቶ ዓባይ ወልዱ
  4. አቶ አባዲ ዘሙ
  5. ወ/ሮ ሙሉ ገብረ እግዚአብሔር
  6. .ወ/ሮ ኪሮስ ሐጎስአቶ
  7. አቶ እስክንድር ነጋን
  8. .አቶ ጁሐር መሐመድን

በቲ ሓበሬታ መሰረት ምስ ፋይላት ኣቶ ጀሃር መሓመድን እስክንድር ነጋን ሓቢሮም ዝተማሕሩ ኣስማቶም ዘይተጠቕሰ፡ ብዙሓት ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ፋይል ኣቶ ጀሃር መሓመድ ዝተሕቑፉ ኣስታት 20 ኣባላት ክህልዉ እንከለዉ፡ ኣብ ፋይል ኣቶ እስክንድር ነጋ እውን ሓያሎ ናይቲ ሰልፊ ኣባላት መሪሕነት ዝነበሩ ክፍትሑ እዮም።  ካብ ኣባላት መርሒነትን ጸለውቲ ባእታታን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተማሒሮም ዘለዉ ከኣ ኣብቲ ዝርዝር ካብ ቁጽሪ 1 ክሳብ 6 ሰፊሩ ዘሎ  እዮም።

ኮሚሽነር፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስድተኛታት ፊሊፖ ግራንድ፡ በቲ ብ6 ጥሪ 2022 ኣብ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ብነፈርቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ደብዳን ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም ናይ 3 ሰባት ሞት ዘኸተለን ጉድኣት ርኢተኦም ከም ዝሃቡ ናይቲ ኮሚሽን ትካል ዜና ሓቢሩ።

እቶም ኮሚሽነር ኣብቲ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ “ውነይን ቀልበይን” ምስቶም ብሰንክቲ ደብዳብ ዝሞቱ ግዳያት እዩ ኢሎም። ኣተሓሒዞም ከኣ ብመሰረቲ ብዛዕባቲ ደብዳብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ካለኦት 4 ዝደተኛታት ከም ዝቖሰሉ እውን ፈሊጥና ኣለና ኢሎም። እቶም ዝተወቕዑ ስድተኛታት ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዝርከቡ ዝሓደሮም ተስፋ ጠቒሶም፡ ኮሚሽኖም እቶም ውቑዓት ሕክምና ከም ዝረኽቡ ኣብ ምግባር ክሕግዝ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ኮሚሽነር ግራንዲ ኣተሓሒዞም፡ ስደተኛታት ናይ መጥቃዕቲ ዕላማ ክኾኑ ኣይግባእን ኢሎም።  ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ብዛዕባቲ ተረኽቦ ተወሳኺ ሓበሬታ ይእክበሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ናይቲ ጐንጺ ኣካላት መሰል ናይ ሲቪላት እንተላይ ናይ ስደተኛታት ከኽብሩ ጸዋዒት ኮሚሽኖም ኣቕሪቦም።  ኮሚሽነር ግራንዲ ፍሊፖ፡ መደበር ስደተኛታት ኩሉ ግዜ ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ግቡኣትን ሕግታትን ውሑሳት ክኾኑ ይግበኦም ክብሉ ከኣ ንዝምልከቶም ኣካላት ጸዊዖም።

ወታሃደራዊ ልኡኻት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብ5 ጥሪ 2022 ተራኺቦም ከም ዝተላዘቡን፡ ኣብ ዶብ ናይ ሓባር ተቖጻጻሪ ሓለዋ ከቑሙ ከም ዝተሰማምዑን እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ናይ ዶብ ምስግጋር ክኽፈት  ከምዘይተሰማምዑ ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። ብመሰረት ምንጭታት ዜና ትሪቡን፡ ኣብቲ ናይ ክልቲአን ሃገራት ወታደራዊ ልኡኻት ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ልኡኽ ሱዳን ምኽፋት መስመር መሰጋገሪ መተማ-ገላባት ከም ዝነጸጎ እቲ ዜና ሓቢሩ።

እቲ ዜና ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት መስመር መተማ-ገላባት ካብ ወርሒ ሓምለ 2021 ጀሚሩ ዝተዓጽወ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ መሬት ሱዳን ኣትዮም ሱዳናዊ ኣዛዚ ምስ ቀተሉ ምዃኑ እውን እቲ ዜና ጠቒሱ። እዚ ኣብ ከተማ መተማ ዝተኻየደ ናይቶም ልኡኻት ኣኼባ፡ ብዛዕባ ምኽፋት ዶብ ክልቲአን ሃገራትን ምንቅስቓስ ተቓወምትን ከኣ ተዛሪቡ።

ብመሰረት እቶም ምንጭታት ማዕከን ትሪቡን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሱዳን ኣብ መደብር ስደተኛታት ወታሃደራት ትግራይ ከም እትዕልምን ኣብቲ ታዕሊም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከም ዝሳተፉን ብምጥቃስ ከሲሳ። ልኡኽ ሱዳን ብወገኑ ኣብቲ መደበራት ዘለዉ ሰባት ስደተኛታት ምዃኖም ብምጥቃስ፡ እቲ መደበር ስደተኛታት ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካለኦት  ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምቑጽጻር ከም ዝግበረሉ ብምጥቃስ ነቲ  ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ክሲ ኣይተቐበሎን።

እዚ ንኣስታት 6 ሰዓታት ከም ዝቐጸለ ዝተነግረሉ ናይ ሓባር ኣኼባ፡ ጸጥታዊ ኩነታት ንምክትታል ናይ ሓባር ተቒጻጻሪ ሓለዋ ምቛም፡ መደበር ስደተኛታት ካብ ዶባት ምርሓቕን ሓበሬታታትን ምልውዋጥን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ከም ዝተሰማምዐ እውን ዜና ሱዳን ትሩቡን ብተወሳኺ ኣስፊሩ።

ወታሃደራዊ ልኡኽ ሱዳን ንምኽፋት ዶብን ምክያድ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣብቲ ዶባትን ኣብ ርእሲ ምቅዋሙ፡ እቶም ሱዳናዊ ኣዛዚ ዝቐተሉ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ተሓተቲ ክኾኑን ሚልሻታት ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ከይኣትዉን ከም ዝጠለበ እውን ተፈሊጡ።

Page 9 of 106