ጉጅለ ኣምበሳድራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ብጉዳይ ንሰበኽ ሳግም ዘጋጥሞም ብደሆታት፡ ዕድላትን ኣገጣጥማኡን ኣኼባ ኣካይዶም። 33 ኤርትራውያን ዝርከዎም 91 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ድማ ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ተጓዒዞም።
ኣብቲ ኣብ ቤልጅም ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደን ወከልቲ ትካል መግቢ ዓለም/FAO ኣብ ዞባ ምራቕ ኣፍሪቃን በልጅምን ዝመርሕዎ ኣኼባ እቶም ኣምበሳድራት ብዛዕባቲ ንሰበኽ ሳግም ዘጋጥሞም ጸገማትን ኣፈታትሕኡን ብሰፊሑ ከም ዝተመያየጡ ኣፍሪቃ ቢዝነስ/Africa BUSINESS ዝተባህለት መርበብ ኣፍሊጣ።
ነቲ ጸገማት ሕረተ-ሰብ ሰበኽ ሳግም ካብ ዘጋድዱ፡ ምቅይያር ኩነታት ኣየር፡ ምምሕዳር ሃብቲ ማይ፡ ናይ ድሕሪ ቀውዒ ኣተሓሕዛ እቶት፡ ሕጽረት መግቢ እንስሳን በብግዜኡ ዘጋጥሙ ከባብያዊ ግጭታትን ምዃኖም ተዘርዚሮም ኣብቲ ኣኼባ ተዘሪብሎም። ብመሰረት ናይ ሰለስተ ዓመት ጸብጻብ ትካል መግቢ ዓለም ኣብዚ እዋንዚ ዕዙዝ ናይ መግቢ ሓገዝ ዘድልየን ሃገራት ብደረጃ ዓለም 45 ክኾና እንከለዋ፡ ካብ ኣተን እተን 33 ካብ ኣፍሪቃ እየን።
ብኻልእ ወገን ድማ 91 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ከም ዝተመሓላለፉን ካብዚ ኣቶም እቶም 33 ኤርትራውያን ከም ዝኾኑን ቢቢሲ ሓቢራ። እዞም ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ዝተጓዕዙ ትካል ስደተኛታት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ብዘውጽእዎ መደብ እዩ።
በዚ ሰለስቲኦም ኣካላት ዝፈልጥዎን ዝምልዎን መደብ፡ ካብ 2019 ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ 2 150 ሰባት ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ከም ዝተጓዕዙን ካብዞም 91 ብዘይካቶም 33 ኤርትራውያን፡ 7 ኢትዮጵያውያንን 38 ሱዳናውያንን ከም ዝርከብዎም እውን ተፈሊጡ። ናይ ህጹጽ ኩነታት ሚኒስተር ሩዋንዳ፡ ሃገሩ ቅድሚ ሕጂ ብመሰረት ዝጀመረቶ ንድሕነት እቶም እትርከቦም ስደተኛታት ብትብዓት ከም እትሰርሕ ኣፍሊጡ።
ዓባይ ብሪታንያ ብወገና፡ ናብ ሃገራ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስዳድ መደብ ከም ዝጸንሐ እንተኾነ ክሳብ ሎሚኳ እንተዘይሰረዘቶ ዕንቅፋታት የጋጥማ ከምዘሎ ዝዝከር እዩ። ካብቶም ካብ 2019 ጀሚሮም ናብ ሩዋንዳ ዝኣተዉ ስደተኛታት ክሳብ ሎሚ 1,600 ዝኾኑ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ምኻድ ዕድል ከም ዝረኸቡ ድማ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ምስሊ፡ ሮስላርን ፖሊስ ኬንያን ካብ ማሕበራዊ መዲያ
ፖሊስ ኣየርላንድ ኣብ ወደብ ሮስላር 7 ተሓቢኦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ከም ዝሓዘ ንጋዜጣ ኣይርሽ ክገልጽ እከሎ፡ ፡ ፖሊስ ኬንያ ድማ ኤርትራውያን ብናይ መኪና ሓደጋ ከም ዝሞቱ ሓቢሩ።
ፖሊስ አየርላንድ ኣብ ወደብ ሎስላር ተጸጊዓ ኣብ ዝነበረት ናይ ጽዕነት መኪና ተሰሓቢት 7 ኤርትራውያን ከም ዝሓዘ “ኣይርሽ ታይም” ንዝተባህለት ጋዜጣ ሓቢሩ። እዞም ብ15 መጋቢት 2024 ዝተታሕዙ 7 ኣባጽሕ ዝርከዎም ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፡ ፖሊስ ኣየርላንድ ብመርከብ ናብቲ ዘይተጠቕሰ ዝመጽዎ ቦታ ከም ዝመለሶም ድማ ተሓቢሩ። እዞም ግዳይ ዝኾኑ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብታ ኣካል ዓባይ ብሪታንያ ዝኾነት ኣየርላንድ ናይ ምእታው መደብ እዩ ነይርዎም።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ኬንያ ናኩሩ-ኢልዶረት ኣብ ዝተባህለ ጐደና፡ ብምኒባስ ይጐዓዙ ዝነበሩ ክልተ ኤርትራውያን ብሓደጋ መኪና ሞይቶም ሽዱሽተ ድማ ብኸቢድ ከም ዝቖሰሉ፡ ፖሊስ ትራፊክ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ናይታ ሃገር ኣፍሊጠን።
ሓደ ካብቲ ሓደጋ ከይተገድአ ዝደሓነ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ፡ እቲ ሓገዳጋ ኣብ ዘይተጸበይዎ ኣጋጣሚ ከም ዘጋጠመ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ ሓበሬታ ዝሃበ ከም ዝጠቐሶ፡ ካብቶም ዝቖሰሉ መብዛሕትኦም ህሱያት ምዃኖም ጠቒሱ። እቲ ዜና ቢቢሲ ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣብዚ እዋንዚ ዝተጨነቑ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ንወገን ደቡብ ብደረጃ ውልቅውሰብ ክሳብ 2 ሺሕ ዶላር እናኸፈሉ ብዘይውሑስ ኣገባብ ከም ዝጐዓዙ ኣፍሊጡ።
ኣብ ከተማ ካርቱም፡ ኡምዱርማን ዋድ ኑባዊ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝርከብ፡ ብሸኽ ሓሰን ኣልፋትሕ ዝተሰየመ ዓቢይ መስጊድ ብዝተፈጥረ ባርዕ ሓዊ ከም ዝተጐድአ፡ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲ ማህሰይቲ ከም ዘጋጠመ’ውን ተፈሊጡ።
ወዲ ወዶም ነቶም እቲ መስጊድ ብስሞም ዝተሰየመ ሼኽ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ውሽጣዊ ክፍልን ደጋዊ መለለይን ናይቲ መስጊድ ብሓውን ነታጉን ከም ዝተጐድአ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሓ ናይ መቓብር ኣቦሓጉኡ መኽደኒ ከም ዝነደድ ጠቒሱ። ቀጺሉ ድማ እቶም እቲ መስጊድ ከም ዝነደደ ዝፈልጡ ኣካላት ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ብቪዲዮ ንከይእሰኣል ከም ዝኸልከሉ ኣቃሊዑ።
ካብ ወተሃደራት ሱዳን ብምስጢር ዝተረኽበ ቪድዮ፡ ነቲ ዝነደደ ዘርኢ ኮይኑ፡ በቲ ፍጻመ ንዕጡቓት ህጹጽ ሓይሊ ይኸሰስ። ነቲ ተግባር “መንዩ ፈጺምዎ?” ዝብል ሕቶ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ሱዳን ብሰንኪ ናይ ጸጥታ ኣካላት ብኩራት ዘጋጠመ እዩ ብዝብል ዘሰሓሕብ ኮይኑ ከም ዘሎ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ። ገለ ወገናት ግና ኣቐዲሞም ኣብ ዋድ ኑባዊ ዓሪዶም ንዝነበሩ ኣባላት ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ተሓተቲ እዮም ይብልዎም።
ሓደ ካብ ፍሉጣት መራሕቲ ሓይልታት ጀነራል ሕመቲ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ክሲ ነጺጉ ነቲ ተግባር ዝፈጸምዎ ኣብ ጐኒ ሰራዊት ጀነራል ኣልቡርሃን ኮይኖም ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ምዃኖም ከሲሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ከባቢ ንሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ዝድግፉ ሕሉፋት ዕጡቓት ሓይልታት ይቆጻጸርዎ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ እዋንዚ ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝተገብረ ፈተነታት ዘይተዓወተ ኮይኑ፡ ዳርጋ ዝርሳዕ ዘሎ ይመስል።
ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየን ነባርን መንግስታዊ ንግዳዊ ባንክ፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ናይ ሲስተም ጸገም ልዕሊ 2.6 ቢልዮን ብር ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ከም ዝተወስዶ ተፈሊጡ። እቲ ጸገም 16 መጋቢት 2024 ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ንኣስታት 6 ሰዓታት ከም ዝቐጸለን፡ ነዚ ኩነታት ተጠቒሞም ብለይቲ ገንዘብ ዘውጽኡ ናይ ዩኒቨርስቲ ተመሃሮ ምዃኖም ቢቢሲ ኣፍሊጣ።
ብሓፈሻ ናይ ኩለን ብፍላይ ድማ ናይ ዲላ፡ ጅማን ሃዋሳን ዩኒቨርስታት ተመሃሮ፡ ካብቲ ባንክ በቲ 24 ሰዓታት ከገልግል ኣብ ቀቀጽሮም ዝተተኽለ ናይ ገንዘብ መውጽኢ ካርድ ኢቲኤም/ATM ተጠቒሞም ብተደጋጋሚ ኣብ ሕስባቶም ካብ ዝነበረ ዓቐን ገንዘብ ንላዕሊ ከውጽኡን ኣብ ካልእ ባንክታት ናብ ዘለዎም ሕሳባት ከመሓላልፉን ከም ዝሓደሩ እቲ ናይ ቢቢሲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብቲ ናይ 6 ሰዓታት ግዜ ልዕሊ 25 ሺሕ ናይ ምውጻእን ምትሕልላፍን ምንቅስቓስ ከም ዝተኻየደ ዝጠቐሰት ቢቢሲ፡ ሓደ ተመሃራይ ካብ ሓደ ሚልዮን ብር ንላዕሊ ዘውጸኣሉ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ከም ዝነበረን ኣብ መወዳእታ ነቲ ቀጻሊ ምንቅስቓስ ዝተዓዘቡ ኣባላት ፖሊሲ ጠጠው ከም ዘበልዎን ተፈሊጡ።
ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ብፌስቡኩ ብዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ጸገም ከም ዘጋጠመ ተኣሚኑ፡ እቲ ዝወጸ ገንዘብ እውን ምስቲ ቢቢሲ ዝጠቐሰቶ ተመሳሳሊ ምዃኑ ኣስፊሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ጸገም ብሰንኪ ናይ ኣሰራርሓ ዘይምትዕርራይ ዘጋጠመ እምበር፡ ናይ ወጻኢ መጥቃዕቲ ከም ዘይኮነ ጠቒሱ። ናይቶም ኣብቲ ባንክ ገንዘቦም ዘቐመጡ ዓማዊሉ ሕሳብ በቲ ዘጋጠመ ኩነታት ከምዘይትንከፍ ከኣ ኣረጋጊጹ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እተን ዩኒቨርሲታት ናይ ኤቲኤም ቁጽሮም እናረኣያ፡ ተመሃሮ ዝወሰድዎ ገንዘብ ከም ዝመልሱ ይገብራ ኣለዋ። ካለኦት ባንክታት ድማ ኣብተን እተወሰና 6 ሰዓታት ካብ ንግዳዊ ባንኪ ናብኣተን ዝተመሓላለፈ ገንዘብ ከይንቀሳቐስ ከም ዝኣገዳ ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ገለ ናይቲ ባንኪ ሰራሕተኛታት ይእሰሩ ከምዘለዉ’ውን ተፈሊጡ።
ናይቲ ኣብ ትሕቲ “ብሓድነት ንሓርነት” ዝብል ጭርሖ ክካየድ ተመዲብ ዘሎ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምስንዳእ ዘላ ሽምግለ ኣኼባ፣ ብዕለት 17 መጋቢት 2024 ንሳልሳይ ግዜ ተኻይዱ። ኣብቲ ኣኼባ ካብ ላዕለዎት ኣካያዲ ኣካኣላት ዝቐረቡ ኣገደስቲ ናይ ስራሕ መደባትን ሓበሬታትን ብዝርዝር ቐሪቦም ዝርርብ ተገይርሎም። ተግባራውነቶም ኣብ ምርግጋጽ ድማ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ኣድላዪ ናይ ስራሕ መደባት ሓንጺጻ ምውጻኣ ተፈሊጡ ኣሎ።
ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝጋባእሉ ቦታን ዕለትን ድሮ ተሓዚኡ ምህላዉ ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብኣካል ክሳተፍ ዘይኽእሉ እንተተርኺቦም’ውን፣ ብኩራትን ምቁራጽን ተሳትፎ መታን ከይፍጠር፣ ብዘመናዊ መራኸቢ ተሳትፎኦም ንምርጋጽ ኩሉ ዝካኣል ዘበለ መሰናድኦ ኣቐዲሙ ክውዳእን ክማዓራረን ሽማግለ ካብዝራኣየቶም ዓበይቲ ጉዳያት ነይሮም።
ብዘይካዚ፣ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዕዉት ኮይኑ ንኽወጽእ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣካል፣ ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ነገራት ንምምላእ ደረት ናይ ግዜ ከምዘድልን፡ ተሳተፍቲ ከማልኡዎ ዘለዎም ቀጥዕታት ንምምላእ ዝሕግዞም ፎሩማት ግዜ ከይወሰደ ብመንገዲ ኣቦ መንበራቶም ኣቢሉ ክበጽሖም ከምዝግባእን ሽማግለ ካብዝተዛረበሎም ጉዳያት’ዮም።
ድሕር’ዚ፣ እተን ኣቐዲመን ዝቆማ ንኡሳን ሽማግለታት ብዘቕረብኦ ሓበሬታዊ ጸብጻብ መሰረት፣ ክሳብ’ቲ ዕለተ ኣኼባ ብነፍሲ ወከፍ ኣካል ዝተኻየዱ ዕማማት ኣወንታውን ስሉጥን ኣንፈት ሒዞም ምህላዎም ሽማግለ ገምጊሙ።
ኣሳናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ፣ ብማዕረ ካብ ነፍሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብሰለስተ ኣባላት ዝውከል ኮይኑ፣ ጠቕላላ ትሻዓተ ኣባላት ዘለዉዎ፣ ብሓውቲ ኣድያም ተፈራ ዝምራሕ ነጋሲ ሓምደን ንጉሰ ጸጋይን ካብ ሰዲህኤ፣ ሃይለማርያም ተስፋይ፣ ጎይትኦም ክፍሎምን ክብራኣብ ምስግናን ካብ ኤስሃግ፣ ዑመር ዓሊ፡ ኑር ጉሕመት ዓሊን ሂላል ጣሃን ከኣ ካብ ዲውዓቀባ ምዃኖም ይፍለጥ።
ኣብ መጠረስታ ኣኼባ ሽማግለ፣ ናይ ዝመጽእ ትልሚ መደብ ስራሕን ናይ ቆጸራ ግዜን ፈልዩ ብስኒትን ምርድዳእን ተደምዲሙ።
ተጋዳላይ ኣረፋይነ እስጢፋኖስ፡ ብ16 መጋቢት 2024 ኣብ ስዊደን ዓሪፉ፡ ዝብል ዘሰንብድ ዜና ብኣዝዩ ዓሚቕን መሪርን ሓዘን ሰሚዕናዮ። ኣረፋይነ 4 መስከረም 1956 እዩ ተወሊዱ። ብ1975 ድማ ብዝሓደሮ ሃገራዊ ፍቕሪ ግቡኡ ንምፍጻም ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ።
ኣብ ሜዳ ቅድም ብደረጃ ሓኪም ደሓር ድማ ብደረጃ መነቃቕሒ (ካድር) ኣብ ደንከልያ ዝተጋደለ፡ ተባዕን ውፉይን ፈታው ህዝቡን ሃገሩን ሓርበኛ ነይሩ። ደሓር እውን ካብ ሰውራዊ ባይቶ ጀሚሩ፡ ምስ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ቃልሱ ቀጺሉ ኣብ ሃገር ሽውድን ኣባል ጨንፈር ቁጽሪ 2 ኮይኑ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ብዝለዓለ ተሳትፎን ዝምስገን ስነ ስርዓትን ግቡኡ ክፍጽም ዝጸንሐ ትዕግስተኛን ምቕሉልን እዩ ነይሩ።
ኣቦ ክልተ ዝነበረ ሓርበኛ ኣረፋይነ እስጢፋኑስ፡ ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ። ስለዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይቲ ሓዘን ተኻፋሊ ምዃኑ እንዳገለጸ፡ መሪሕነቱን መሰረታቱን ንስዉእ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ፡ ንቤተሰቡ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም ይሃበና ይብል።
ገርዜግሄር ተወልደ ኣቦመንበር ሰዲህኤ
17 መጋቢት 2024
ምስሊ ካብ መርበብ ሓበሬታ
ኣብ ዴንማርክ ዝበዝሐ ተዓዘቢ ናይ ዘለዉዋ ተለቪዥን ዲኣርዋን/DR1 ጋዜጠኛን ናይ ሕጊ ምህርትን ትሪነ ማሪያ ኢሎሰይ፡ ንተግባራት ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ሃገራ ከም ዘቃለዐት፡ ነቲ ብቋንቋ ዴንማርክ ብ4 መጋኢት 2024 ዝዘርግሓቶ መደብ፡ ኣብ ተለቪዝን ኣሰና ናብ ትግርኛ ዝተርጐሞ ሓው ሃይለ ወልደሚካኤል ሓቢሩ።
እታ ጋዜጠኛ ነቲ መደባ ንምድላው ሰፊሕ መጽናዕቲ ከም ዘካየድትን ምስ ብዙሓት ዝርርብ ከም ዘካየደት ኣብቲ መደባ ኣስፊራ። ካብቶም ዘዛረብቶም ኣብ ደንማርክ ዝነብሩ ዘለዉ፡ ኣንበስ ኣብርሃ ብ2024ን ሄለን ድማ ብ2013 ዝተሰዱ መንእሰያት ይርከብዎም። እዞም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ካብ ሃገሮም ንክስደዱ ዘገደዶም ምኽንያት ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ህግደፍ ምዃኑ ከም ዝሓበርዋ እታ ጋዜጠኛ ጠቒሳ።
ኣብ ሃገሮም መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ከም ዘየለን ምእንቲ መሰል ዝግበርዎ ቃልሲ ኣብ ዴንማርኪ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ይቕጽልዎ ከም ዘለዉን ገሊጸሙላ። ህግደፍ ናይ ምቅላዕ ቃልሶም ብምቕጻሎም ብደገፍቲ ናይቲ ጉጅለ ክሳብ “ናይ ምቅላዕ ተግባራትኩም እንተዘየቋሪጽኩም ክንቀትለኩም ኢና” ዝብል መጠንቀቕታ ከም ዝበጽሖምን ብሰንኩ ስግኣት ከም ዝሓድሮምን ከም ዝገለጺላ ኣቃሊዓ። እንተኾነ በዚ ሰንቢዶም ንህግደፍ ካብ ምቅላዕ ድሕር ከምዘይብሉ ምርደኣ ከኣ ሓቢራ።
ምስዚ ኣተሓሒዛ ድማ ኣብቲ ኣብ መንጎ ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ ዝካየድ ምትፍናን፡ ፖሊሲ ዴንማርክ ነቲ እቶም ዝቃወሙ ደለይቲ ፍትሒ ዘቕርብዎ ሓሳብ ስለ ዘይርድእዎ ተጽዕኖታት ከም ዝገብርሎምን ንሳ ከም ጋዜጠኛ እውን ነቲ ኩነታት ከምቲ ናይ ፖሊስን ትርደኦ ከም ዝነበረት ጠቒሳ። ደሓር ነቲ ኩነታት ምስ ኣጽነዓቶ ግና ናይ ፖሊስ ኣተሓሕዛ ቅኑዕ ኣይነበረን ዝብል ተረድኦ ከም ዝሓደራ ኣስፊራ፡ ፖሊስ’ውን ብግቡእ ንክርድኦ ጸዊዓ። ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ከይዳ ዘዛረብቶም ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት ብኣተሓሕዛ ናይቲ ፖሊስ ሕጉሳት ዘይምዃኖም ከም ዝገለጹላ’ውን ሓቢራ።
ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ምርጫ ዘየካየደ፡ ናጻ መድያን መስመር ኢንተርኔትን ዘይፈቅድን ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን 2% ኣገዲዱ ዘኽፍል ምዃኑ፡ ተወከልቲ ኣምኒስት ኢንርናሽን ከም ዘረጋገጹላ ከኣ ኣፍሊጣ። ኣብ ሕድሕድ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብሰንኪ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ፡ እቶም ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ’ቶም ተቓወምቲ ክሳብ ናይ ኣካል መጉዳእቲ ዘብጽሕ ማህሰይቲ ከም ዘውርዱ ካብ ዘዘራረበቶም ግዳያት ምዝረኸበቶ ሓበሬት ምርደኣ ጠቒሳ።
ወከልቲ ህግደፍ ብዛዕባዚ ጉዳያት መብርሂ ንክትረክብ ዝገበረቶ ዝተፈላለዩ ፈተነታት፡ ብሰንኪ ዘይምትሕብባሮም ክዕወት ከምዘይከኣለ ጠቒሳ፡ እቲ ናይ ምቅላዕ ተግባራት ከም እትቕጽሎ ቃል ከም ዝኣተወት ከኣ ካብ ትርጉም ናይቲ መደባ ምርዳእ ይከኣል።
ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ኣብዲመሓመድ ዑመር፡ ጀነራል ክንፈ ዳኘው፡ ዶ/ር ደሳለኝ ጫኔ
ናይ ክልል ሶማሊያ ኢትዮጵያ፡ ፕረሲደንት ዝነበረ ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ዑመር (ዓብዱ ኢሌ) ካብ ቤት ማእሰርቲ ብናጻ ከም ዝተፈትሐ ቢቢሲ ሓቢራ። ዶ/ር ደሳለኝ ጫኔ ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ ድማ ብዋሕስ ከም ዝተፈትሐ ጠበቓኡ ብምጥቃስ ኢትዮ-ኢንሳይደር ኣፍሊጣ። ብዘይካዚ ኢትዮ-ኢንሳይደር፡ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮርፖሬሽን ሓጻውንን ኢንጅነሪንግን ዝነበረ ክሱ ተቛሪጹ ብናጻ ከም ዝተፈትሐ ካብ እሙናት ምንጭታት ሓበሬታ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ።
ኣብ ግዜ ኢህወደግ፡ ፕረሲደንት ክልል ሶማሊያ ዝነበረ ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ዑመር፡ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝመርሖ "ለውጢ" ክጅመር እከሎ፡ ብ29 ነሃሰ 2018 እዩ ተኣሲሩ። ሎሚ ክሱ ምስተቛረጸ ድማ፡ ምስ ኩሎም እቶም ምስኡ ተኸሲሶም ዝነበሩ ከም ዝተፈትሑ ጠበቓኦም ኣረጋጊጹ።
ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ለውጢ፡ ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን ክሃድሙ እንከሎ ተታሒዞም ብዝብል ብ2018 ዝተኣስረ፡ ገበነኛ ተባሂሉ መቕጻዕቲ ክውሰኖ ኣብ ቆጸራ ዝነበረን ካለኦት ዘይተወሰኑ ናይ ክሲ ፋይላት ዝነበርዎን ክንሱ ክስኻ ተቛሪጹ ተባሂሉ ተፈቲሑ።
ዶ/ር ደሳለኝ ጫኔ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሕን 12 መዓልታትን እዩ ተኣሲሐ። ብዋሕስ ከም ዝፍታሕ ድማ ብመንገዲ ጠበቓኡ ብ14 መጋቢት 2024 ድሕሪ ቀትሪ ተነጊርዎም። ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ከኣ ኣብ ፓርላማ ካብ ዝነበሮ ናይ “ኮሚተ ምምኽኻር” ኣባልነቱ ወሪዱ።
ኣብ ኤርትራ ግና ብመንገዲ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ንምርካብ ጠበቓ ኣቚምካ ነብስኻ ምክልኻልስ ይትረፍ፡ ኣበይ ከም ዝተኣስሩን ምህላዎምን ዘይምህላዎን ዘይተፈልጠን ኣብ ትሕቲ ስቓይን ተነጽሎን ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝጸንሑ ኣሸሓት፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ሕሱም ማእሰርቲ ግዳያት ከም ዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።
ጉጅለ-7ን ሕብረት ኤውሮጳን ብዛዕባ ዳህሳስ ውዕል ፕሪቶርያ መግለጺ ኣውጺአን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣባል ሃገራት ጉጅለ ሽውዓተን ሕብረት ኣውሮፓን መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ክትግብሩ ንዘርኣይዎ ቀጻሊ ቅሩብነት ብምንኣድ ብ13 መጋቢት 2024 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከቡ ኤምባሲታተን ብዘውጸአኦ ናይ ሓባር መግለጺ ኣረጋጊጸን።
እቲ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ነቲ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ብተሳተፍነት፡ ናይቲ ውዕል ኣፈራረምቲ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኢጋድን ኣሜሪካን ዝተኻየደ ስትራተጅያዊ ዳህሳስ ጽቡቕ ምጅማር እዩ ምስ በለ፡ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተን ሕብረት ኣውሮፓን ብመሰረት እቲ ውዕል ሰላም ክሳብ ሎሚ ንዝተፈፀሙ ኣወንታዊ ተግባራት ኣፍልጦን ደገፍን ዝህባ ምዃነን ኣፍሊጡ።
እተን ሃገራት ኣብቲ መግለጺአን ጌና ከም ናይ ትግራይ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ዕጥቂ ምውራድ፡ ምጥያስን ናብ ሕብረተሰብ ምምላስን ዝኣመሰሉ ስረሓት ኣብ መጻኢ ክዕመሙ ከም ዝግበኦም፡ ኣብቲ መግለጺአን ኣስፊረን። ኣተሓሒዘን ድማ ናይቲ ብሰንክቲ ውግእ ዝተሃስየ ህዝቢ መሰረታዊ ቀረብ ንምምላእ ዘኽእል ኩነታት ምፍጣር ከም ዘድሊ እውን ጠቒሰን። ነዚ ንምትግባር መስርሕ ዳግመ-ህንጻ ምብርባር ከም ዘድሊ ከኣ ኣመልኪተን።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ግዳያት ዝሓውይሉን ዝከሓስሉን መስርሕ ናይ ምስግጋር ፍትሒ ቀልጢፍካ ምትእትታው ከም ዘድሊ ኣብቲ መገለጺ ጠቒሰን። ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶም ዝምለስሉ ዘተ ምጅማሩ ከም ዝድግፋ ከኣ ኣነጺረን።
ምትግባር ውዕል ፕሪቶርያ ቀሊል ከምዘይኮነ ከም ዝርደኣ ብምጥቃስ ድማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኩሉ ዝከኣሎም ዘበለ ክገብሩ ጸዊዐን፡ ንሳተን እውን ከም ናይ ኢትዮጵያ ናይ ቀረባ ፈተውቲ ዝከኣለን ክገብራ ቃል ኣትየን።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንውዕል ፕሪቶርያ ምእዙዛት ምዃኖም ተገሊጹ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤምግባእ ቀዳማይ ስትራተጅያዊ ዳህሳስ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ ተኸቲሉ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን በቲ ብ2 ሕዳር 2024 ዝተኸተመ ስምምዕ ምእዙዛት ምዃኖም ዳግማይ ከም ዘረጋገጹ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚሽን፡ ናይቲ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ብ11 መጋቢት 2024 ዝተጋበአ ኣኼባ፡ ዕላማ “ብዛዕባቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ሰላም ኢትዮጳያ፡ እስትራተጅያዊ ዳህሳስ ንምክያድን ኣገደስቲ ኣብ ዝኾኑ ዘይተተግበሩ ጉዳያት ንምሕጋዝን” ምዃኑ ኣስፊሩ። ካብቶም ኣብዚ ርክብ ቀዳምነት ዝተዋህቦም ነጥብታት፡ ሰብኣዊ ደገፍ፡ ዕጥቒ ምውራድ፡ ምጥያስን እግሪ ምትካልን ከም ዝርከብዎም እቲ መግለጺ ዘርዚሩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዚ ድሕሪ ኣኼባ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ትግራይ ሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ንምስፋን ቀጻሊ ምምኽኻራት ከካይዱ ምስምምዖም ገሊጹ። ብዘይካዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ስሩዕ ዝርርብ ንምክያድ ተመሳሳሊ ኣኼባ ንምውዳብ ከም ዝተሰማምዑ ጠቒሱ።
ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ብሳላ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘይነዓቕ ኣውንታ ከም ዝተመዝገበ ጠቒሱ፡ “ምርግጋጽ ዘተኣማምን ሰላም ኣብ ትግራይ፡ ጠቕሙ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንቀርኒ ኣፍሪቃ እውን እዩ” ኢሉ።
ኣብዚ ብላዕለዋይ መድረኽ/ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወደበ ኣኼባ፡ ወከልቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ/ህወሓትን ከምኡ ድማ ብተዓዛብነት ወከልቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኢጋድ፡ ኣሜሪካን ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን ተሳቲፎም።
ኣብቲ ኣኼባ ብወገን ትግራይ ንክረኣዩ ዝቐረቡ፡ ዛዕባታት፡ ምምላስ ብዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዝተታሕዘ መሬት ትግራይ፡ ተመዛበልቲ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበርዎ ምምላስ፡ ምንጻር ሕጋዊ ተሓታትነት ዝብሉ ዝርከብዎም ኮይኖም፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ምውራድ ዕጥቂ ወተሃደራት ትግራይ ዝብል ነይሩ። ብዛዓባ ነፍሲ ወከፍ እዞም ነጥብታት ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ከም ዝተወሰነ፡ ኣብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝወጸ መግለጺ ኣይተጠቐሰን።
More...
ኣብ ውግእ ትግራይ ተሳቲፎም፡ “ብናይ ውግእ ገበንን ሰብኣዊ ጥሕሰትን” ዝኽሰሱ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ናይ ወጻኢ ክኢላታት ብዘሳትፍ፡ ብመሰረት መሰጋገሪ ፍትሒ ኣብ ዝምስረት ፍሉይ ቤት ፍርዲ “ዋላ ኣብዘይህልውናኦም” ንክኽሰሱ 7 ብሰብኣዊ መሰል ዝግደሳ ትካላት ኢትዮጵያ ከም ዝጸወዓ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣፍሊጣ።
እተን ብሰብኣውን ሲቪላውን መሰል ዝግደሳ ትካላት፡ ነቲ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኣመልኪተን፡ ብ8 መጋቢት 2024 ኣብ ዘውጸአኦ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ኣብቲ ዝምስረት ናይ ፍትሒ ኮሚሽን “ኣብ ኢትዮጵያ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝተፈጸሙ ገበናት ወግዓዊ ይኹኑ” ዝብል ሓሳብ ክሰፍር ይግበኦ እውን ኢለን።
እተን ናይ ሓባር መግለጺ ዘውጸኣ ሰብኣውን ሲቪላውን ትካላት፡ ማእከል ዕቤት መሰልን ዲሞክራሲን፡ ክኢላታት ሕጊ ንሰብኣዊ መሰል፡ ጽምዶ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮ፡ ማእከል መጐቲ ንሰብኣውነት ዝብላ ከም ዝርከብአን ተፈሊጡ። እቲ ቤት ፍርዲ ካብቲ ንቡር ኣብያተ-ፍርዲ ኢትዮጵያ ብዝተፈልየ፡ ናይ ኤርትራ ወተሃደራት ናይ ምድናይ ስልጣን ምእንቲ ክህልዎ፡ ብዓለም ደረጃ ተመኩሮን ፍልጠትን ዘለዎም ዳያኑ ዝሳተፍዎ፡ ኩሉ ሓቆፍ ዓለምለኻዊ ስልጣን ዳንነት (Universal jurisdiction)፡ ንክኸውን ናይተን ትካላት መጸዋዕታ ኣንጸባሪቑ።
መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021፡ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣብ ልዕሊቲ ገዛኢ ኣካል ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕ (ህግደፍ)፡ በቲ ግንባር ዝጽለዋ ማዕከን ገንዘብ ሕድርን ንግዳዊ ትካል ኮርፐረሽን ቀይሕ ባሕርን፡ ሓይልታት ምክልኻልን ክልተ ላዕለዎት ሰብ መዝን ኤርትራ፡ E.O. 14046 ብዝብል ዓንቀጽ ገንዘባዊ እገዳ ከም ዝወሰነ ዝዝከር እዩ።
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ጽንብል 8 መጋቢት 2024 ከም ዝተሳተፈ ቤት ጽሕፈት ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ሓቢሩ። ኣቶ ገረዝግሄር ኣብቲ ብ8 መጋቢት ብማሕበር ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣሚሪካ (EWANA) ብ9 መጋቢት ድማ ብኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ ሳስካቶን ካናዳ ዝተወደበ መድረኽ ተረኺቡ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ኣብቲ ናይ 8 መጋቢት 2024 ብዙም ዝተሳተፈሉ፡ ናይታ ነቲ በዓል ዘዳለወት ናጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣገዳስነት ጠቒሱ፡ ከምኣ ዓይነት ውዳበ ክተባባዕ ዝግበኦ ምዃኑ ዘኪሩ፡ ከምዚ ዓይነት ውዳበታት ኣብ ካልእ ከባቢትት ክፍለ-ዓለም እውን ክሰፍሕ ይግበኦ ኢሉ። ኣብ ኤርትራ ነዚ ዝመስል ነጻ ማሕበራት ክፍልታት ሕብረተ-ሰብን ንቓባውን ዘየለ ብምዃኑ ሃስያኡ ከቢድ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብተን ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝምረሓ ሃገራት ከምዚ ዝኣመሰለ ውዳበ ዝጻወቶ ግደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ከኣ ኣብሪሁ።
እዚ ኣገዳሲ ማሕበር ክተባባዕ ከም ዝግበኦዝሓበረ ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ፡ ናብተን ኣብ መስርዕ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዘለዋ መንእሰያት ንክመሓላለፍ ጻዕሪ ክግበር ከም ዝግበኦ ብምጥቃስ፡ እቲ መድረኽ ኣብ ድሮ ቀዳማይ ጉባአ ናይታ ማሕበር ዝተጋብአ ብምዃኑ ጉባአአን ብዓወት ንክዛዘም ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ኣስፊሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ብ9 መጋቢት ብኣካል ዝተሳተፈሉ ናይ ኤርትራው ደቂ ኣንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ ከተማ ሳስካቶን መድረኽ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣበርክቶ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ዝሓለፈ ቃልሲ ኣዝዩ ዕዝዙ ክነሱ ድሕሪ ናጽነት ከኣ እታ ዝያዳ ዝተበደለት ምዃና ከም ዘተሓሳስብ ኣብሪሁ። ብዙሓት ተቓለስቲ ደቂ ኣንስትዮ ብህግደፍ ተጠሊመን፡ ፈቐዶ ሃገራት ዓረብ ክሳቐያ እንከለዋ፡ እተን ኣብ ሃገረን ዘለዋ እውን ብዱላት ምህላወን ሓቢሩ።
ኣቦ-መንበር ኣብዚ ንታሪኻዊ ኣመጻጸኣ 8 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ዝገለጸሉ ኣጋጣሚ፡ ሰዲህኤ ንግደ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ብቐዳምነት ዝሰርዖ ዕማሙ ምዃኑ ከም ዝሓበረ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ዝተረኽበ ሓበሬት ኣረጋጊጹ።
ጸሓፊ ብሊንከንን ፍሉይ ልኡኾም ኣብ ሱዳን ቶም ፐሬሎን
ብ26 ለካቲት 2024 ናብ ሱዳን ዝተመዘዙ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ቶም ፐሬሎ፡ ድሕሪ ምምዛዞም፡ ኣብ ናይ መጀመርያ ጉዕዘኦም ናብቲ ዞና፡ ቀዳማይ ዕማሞም፡ ኣብ ሱዳን ንምቑራጽ ተኹስን እኹል ሰብኣዊ ቀረብን ከም ዝጽውዑ ኣፍሊጦም። እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ ዘመሓላለፍዎ ሓጺር መልእኽቲ፡ መገሻኦም ብስም ቤት ጽሕፈት ወዳኢ ጉዳይን መንግስትን ኣሜሪካ ምዃኑ ኣነጺሮም።
እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ሓጺር መልእኽቶም፡ “ንሕና እዚ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠጠው ክብል ንደሊ። ከምኡ እውን ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ኩሎም ሱዳናውያን እኹል ሰብኣዊ ቀረብ ክረጋገጽ ድሌትና እዩ” ዝብል ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ፍሉይ ልኡኽ ናብ ሱዳን ፐሪየሎ፡ ምስ ኩሎም ተሻረኽቲ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ ከምኡ እውን ምስ ኩሎም ብሰንኪ ውግእ ሱዳን፡ ኣብ መደበራት ተዓቚቦም ዘለዉን ኣብ ካልእ ከባቢ ዝርከቡን ስደተኛታትን ተመዛበልትን ክራኸቡ ምዃኖም ጠቒሶም። ከምኡ ከኣ ምስቶም ጉዳይ ሱዳን ብሰላም ክውዳእ ዝድግፉ ኣፍሪቃውያንን ከም ሳዑዲ ዓረቢያ ዝኣመሰሉ መሻርኽትን ናይ ምርኻብ መደብ ከም ዘለዎም ኣስፊሮም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ሱዳን ብምኽንያት ኣብዚ ቀረባ ዝጅመር ቅዱስ ወርሒ ሮመዳን 2024 ተኹሲ ጠጠው ከብሉ ከም ዝወሰነ እቲ ኣፍሊጡ። ከምኡ ድማ ኣብ ሱዳን ቀጻሊ ሰላም ክመጽእ ጸዊዑ።
ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ፕረሲደንትን ቀዳማይቲ ሚኒስተርን ዝመርሓ ዘለዋ ኣፍሪቃውያን
ኣብ ዓመተ 2023-2024፡ ብደረጃ ዓለም 29 ደቂ ኣንስትዮ ሃገራትን መንግስታትን ኣብ ምምራሕ ንጡፋት ከም ዘለዋ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ። እዘን ደቂ ኣንስትዮ ከከም ስርዓተ መንግስቲ ነናይ ሃገረን ብደረጃ ፕረሲደንትን ቀዳማይቲ ሚኒስተር ዝመርሓ ዘለዋ እየን።
ሓሙሽተ ካብተን 29፡ ኣብዛ 54 ሃገራት ዘለወኣ ኣፍሪቃ ዝመርሓ ዘለዋ እየን። ንሳተን ድማ ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውደ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኡጋንዳ ሮሚና ረማንጃ፡ ፕረሲደንት ታንዛንያ ሳምያ ስሉህ ሓሰን፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ቶጎ ቪክትዋህ ዶግበንን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ናሚቢያ ሳራኩኮንግዌል እየን።
ኣብታ 27 ኣባል ሃገራት ዘለወኣ ሕብረት ኤሮጳ ከኣ፡ ነታ ኣብዚ ቀረባ ስልጣና ዝለቐቐት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፈረንሳ ወሲኽካ፡ 9 ደቂ ኣንስትዮ ሃገራት ይመርሓ ኣለዋ። ኣብ ኤውሮጵ ብደቂ ኣንስትዮ ዝምረሓ ዘለዋ ሃገራት፡ ጣልያ፡ ደንማርክ፡ ግሪክ፡ ስቶኒያ፡ ላትቫኒያ፡ ልትዋንያ፡ ስሎቫኪያን ስሎቨንያን ምዃነን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ኤስያ ምስቲ ዘለዋ ስፍሓትን ብዝሒ ሃገራትን ዝወሓዳ መራሕቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘለወኣ እያ። ንሳተን ድማ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ባንግላደሽ ሸኽ ሃሲና ዋጅድ፡ ፕረሲደንት ህንዲ ድሮፓዲ ሙርሙርን ፕረሲደንት ታይዋን ዳይ ኢንግዌን እየን።
እተን ካለኦት ብደቂ ኣንስትዮ ዝምረሓ ሃገራት ከኣ፡ ኒውዚላንድ፡ ፔሩ፡ ሰርብያ፡ ቦዝኒያ ሄርዞጎቪና፡ ጆርጅያ፡ ሆንዱራስ፡ ሃንጋሪ፡ ኣይስላንድ፡ ሞልዶቪያ፡ ሳማኦ፡ ባርቤዶስ፡ ትሪናዳድን ቶባጎን እየን።
ኣብ ኤርትራ ምስቲ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ዘርኣየኦ ወተሓደራዊ ተወፋይነት ካልእስ ይተረፍ፡ ዋላሓንቲ ጓለንስተይቲ ኣብ ደረጃ ጀነራል ዘይምብጸሓ ከዛርብ ዝጸንሐ እዩ።