ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ኣኼባ ኣካይዱ
2025-03-30 08:12:26 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 210 timesጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባዊ፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ሰዲህኤ ኣብ ዝሰርዖ ወርሓዊ ኣኼባ፡ ቤት ጽሕፈት ውደባ ንቅዋማዊ ኣሰራርሓ እቲ ቤት ጽሕፈት ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ኣብዚ ኣባላት ሰልፊ ዝተሳተፍሉ ኣኼባ፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ናይቲ ቤት ጽሕፈት ሓላፍን ብጻይ ጎይተኦም መብራህቱ፡ ብዛዕባ መምዘኒ ኣባልነት፡ ኣባልነት ሰልፊ ዝወሃበሉ ትካላዊ መስርሕ፡ መሰላትን ግቡኣትን ኣባላት ሰልፊ፡ ነጻነት ኣባል ኣብ ምቕራብ ህናጺ ሓሳባት ኣብ መድረኻት፡ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ሰፊሕ ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ። ካብቲ ግቡኣት ኣባላት ድማ፡ ነብስኻ ምምዕባል፡ ሓድነት ሰልፊ ምዕቃብን ቁጠባዊ ዓቕሚ ምሕያልን፡ ብዝሒ ኣባላት ኣብ ምስፋሕ ምጽዓትን ዝብሉን ዝኣመሰሉን ጉዳያት ብሰፊሩ ኣብሪሁ።
ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ናይ ዘሎ ምምሕዳር ኣሰራርዓን ናይ ኣባላቱ ምክፍፍፋል ስረሓትን ዝምልከት ከምኡ እውን ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ምምሕዳር ብጽሒትን ናይ ሕድሕድ ርክባትን ኣብ ዝምልከት መግለጺ ኣቕሪቡ። ብዛዕባቲ ኣባላት ምምሕዳር ብሓባርን በብግሎምን ዘካይድዎም ንጥፈታትን ተሓታትነቶምን ከኣ ብኣብነታት እናሰነየ ንተሳተፍቲ ገሊጹ።
ኣብቲ ድሕሪ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዝተዋህበ መበገሲ ሓሳብ ምቕራቡ ዝተኻየደ ምይይጥ ድማ፡ ሓደስቲ ኣባላት ዝምልመልሉን ኣብዚ መዳይ ዝዋፈርሉን፡ ኣባላት ዝተማእከለ እዋናዊ ሓበሬታ ዝረኽብሉ፡ መንእሰይ ተረካቢ ሕድሪ ንክኸውን ዝተባበዓሉ ሜላታት ዝብሉን ዝኣመሰሉን ዛዕባታት ተዘትይሎም።
ሰልፍና በቲ ኣብ ዞባናን ዓለምናን ዝምዕብል ዘሎ ሓደስቲ ተርእዮታት ዝጽሎ ስለ ዝኾነ; ነቲ በብግዜኡ ዝረአ ለውጢታት ኣብ ግምት ዘእተወ ብዝተፈላለዩ ሰልፋዊ ትካላት ቀጸልቲ ርክባትን ሰሚናራትን ክግበሩን ኣብዚ መዳዚ ግደ መንእሰያት ኣባላት ሰዲህኤ ዕዙዝ ምዃኑን ኣብቲ ኣኼባ ተላዒሉ።
ኣብ መወዳእታ፡ ተሳተፍቲ እዚ ወርሓዊ ኣኼባ ኣባላት፡ በቲ ተታሒዝሉ ዘሎ መደብ ክቕጽል ለበዋ ኣቕሪቦም። ቤት ጽሕፈት ውደባ ኮነ እቲ ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ድማ ነቲ ዝቐረበ ለበዋታት ከተግብርዎ ቅሩባት ምዃኖም ድሕሪ ምርግጋጾም ኣኼባ ተዛዚሙ።