ዜናዊ ጸብጻብ ርክብ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ምስ መንእሰያትን ማሕበረሰብን በሪስበን

2025-03-23 13:20:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 615 times

ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ብ23 መጋቢት 2025 “ኤርትራዊ መንእሰይን ማሕበረሰብን (Eritrean Youth & Community)” ኣብ ኣወስትራሊያ ከተማ ብሪስበን ኣብ  ዝጸውዖ ህዝባዊ ሰሚናር ተሳቲፉ።

ብጻይ ገረዝግሄር ኣብዚ ብዙሓት ብኣካልን ብዙምን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ካብ ዝበኣሰ ናብ ዝገደደ ዝኸይድ ዘሎ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ ናብ ከምዚ ዝኣመሰዘ ኩነታት ዝወድቕና ምኽንያታት’ውን ኣብሪሁ። ብምትሕሓዝ ከኣ ወጽዓ ዝቕበል ህዝቢ እንተልዩ ወጻዒ ክህሉ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ “እምቢ ንወጽዓ” ክብል ይግበኦ ኢሉ። ቀጺሉ ድማ ታሪኽ ኣመጻጽኣ ወጽዓን ወጻዕትን ዝምልከት  መጽናዕታዊ መዛግብቲ ብምምርኳስ ብሰፊሑ ኣረዲኡ። ኣብ ሃገርና ናይ ህዝቢ ምእዙዝነት ንህግደፍ በቲ ዝመረጾ ወጻዒ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንክዕንድር ከም ዘተባብዖ’ውን ገሊጹ።

 ብዛዕባቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይባራዕ ዘስግእ ዘሎ ውግእ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ናይ ድሕሪ 2018 ዝምድናኡ ምስ ኢትዮጵያ፡ “ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ፍልልይ ኣሎ ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም፡ ኣብይ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ኣነ ከኣ ኣብ ጐንኻ ኣለኹ፡ ኣብ ኤርትራ ከም ድላይካ ናብ ኩሉ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ” ዝበሎ ፡  ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ “ኣነን ኢሱን እንካፈሎ  ዓሳብ ይኸውን” ክብል እንከሎ “ይድገም ይደገም” ዝበሃለሉ ዝነበረ ኩነታት፡ ነቶም ካብ ቀደሙ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ዘይተዋሕጠሎም ኢትዮጵያዊ ወገናት እዚ ሎሚ ዝደጋገምዘሎ ሕቶታት ከልዑ ከም ዝተባብዖም ኣገንዚቡ። ብምቕጻል  ከኣ ኤርትራዊ ልኡላውነትና እናዓቀብና፡ ነቲ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን  ዘየርብሕ ውግእ “እምቢ” ክንብል ይግበኣና ኢሉ።

Untitled 12

ብጻይ ገረዝጊሄር መቖምታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ፡ ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ምትካል ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ምውሓስ መሰረታዊ መሰላትን ምዃኖም ጠቒሱ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ እዞም መቖምያታት ከኣ መብርሂ ሂቡ። ንነዊሕ ግዜ ኣብቲ መስርሕ ምምስራት ጽላል ዝነበረ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲይዊ ለውጢ ድሕሪ ጉባአኡ ኣካል ፖሓኤ ክኸውን ዘለዎ ትጽቢት ብምግላጽ ድማ፡ ምስ ልፍንቲ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘተ ኣብ መስርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ሰዲህኤ ንብሪጌድ ንሓመዱ ከም ሓደ ህዝባዊ ማዕበል ኣብ 4ይ ጉባአኡ፡ ከም ዝተባበዖ ብምጥቃስ፡ ንዘካይዶ ቃልሲ ኮነ ምስኣቶም ንዝግበር ርክባት ንክሕግዝ ትካላዊ ጥርናፈ ክህልዎምን ናይ ገዳይም ተቓለስቲ ተመኩሮ ምቕሳምን ከም ዘድልዮ ኣገንዚቡ። ብምትሕሓዝ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ንጹር መትከላት ዝተሰረተን ንልኡላውነት ኤርትራ ዝዓቀበን ክኸውን ከም ዝግባእ ጠቒሱ። ምስ ህዝቢ  ትግራይ ዝግበር ርክብ’ውን ከምቲ ምስ ጐረባብትና ህዝቢ ኩናማ፡ ዓፋር፡ ኮነ ሕዳርብ ዝግበር ኮይኑ፡ ንሓድነት ኤርትራን ህዝባን ኤርትራዊ ልኡላውነትን ዘይጻባእ  ክኸውን ይግበኦ ኢሉ።

ንግደ መንእሰይ ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ኣብ ዝምልከት ከኣ፡ መንእሰይ ተስፋ ህዝብን ሃገርን እ ኢሉ፡  ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ዝሓልፍ ዘሎ ወለዶ ብወገኑ ዋላ’ኳ ውጽኢቱ ስደትን ካልእ ሕሰማትን እንተኾነ፡ ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣረኪቡ እዩ ኢሉ።  ኣብ መጻኢ ግደ መንእሰይ ዲሞክራስያዊ ሃገር ምህናጽ ምዃኑ ብምሕሕባር ድማ፡ መንእሰይ ኣብ መጻኢ ጉዕዞ ቃልሱ ክሰንቆም ብዛዕባ ዝግበኦም ሓሳባት ሰፊሕ ምዕዶ ሂቡ። እቲ ስፍሕ ብዝበለን ኣብ ተመኩሮታት ዝተራእየን ኣሰንዩ ዝሃቦ ምኽሪ ከኣ። እዚ ዝስዕብ ይርከቦ።

“ዘጋጥም ናይ ምፍልላይ ዕንቅፋታትን ስምዒታትን ኣወግዱ፡ ናይ ካልእ ኣገልጋሊ ከይትኾኑ፡ በይንኹም ከተዕርዩ ከምዘይትኽእሉ ተረድኡ ብቑዓት መቓልስቲ ርኸቡ፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ክትገብሩ ከም እትደልዩ ኣቐዲምኩም ኣነጽሩ፡ ስቕታ መሪጾም ንዝጸንሑ ኣበራብሩ፡ ብዘለኩም ዓቕሚ ተኣማሚንክም ተበገሱ፡ ምህናጽ ልሙጽ ዘይኮነስ ዕንቅፋት ሓሊፍካ ዝረጋገጽ ምዃኑ እመኑ፡ ከይሰሳዕኩም ብንእሽቶ  ጀምሩ፡ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ይሃልኹም፡ …… ጽባሕ ሓቢርና እንዓብየላ ዓለም ኣብ ምህናጽ ጽዓሩ።” ዝብሉ ይርከብዎም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብቶም መብርሂ ዝሃበሎም ሓሳባት ንዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት መሊሱ። ኣገደስቲ ለበዋታትን ርኢቶታትን ከኣ መዝጊቡ።

Last modified on Sunday, 23 March 2025 14:31