ዘይረትዕ መርትዖታት፡ መጽሓፍ ብልጽግና
2026-01-25 20:15:05 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 427 timesፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ኣንቂድዎ ዘሎ ወፈራ ኣብ ምዕዋት ይሕግዘኒ እዩ ዝበሎ ጉዕዞ ከም መርሓ-ጐደና ዘገልግሎ መጽሓፍ ኣሕቲሙ’ሎ። እቲ መጽሓፍ “ናይ ክልተ ማያት ዓብዩ እስትራተጂ (የሁለት ውሃዎች ኣብይ ስትራተጂ)” ብዝብል እዩ ተሰይሙ። ነዚ 153 ገጻትን 6 ምዕራፋትን ዘሓዘ መጽሓፍ፡ ናይታ ሃገር ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር፡ ምስ ኮርፖረሽን ፈነወ ተለቪኝን ፋናን ቤት ንባብ ኣብርሆትን ተሓባቢሩ እዩ፡ ብ28 ለካቲት 2024 ኣመሪቕዎ። እቶም ክልተ ማያት ተባሂሎም ዘለዉ ቀይሕ ባሕርን ፈለግ ኣባይን ምዃኖም እዮም።
ብዛዕባ ፈለግ ኣባይ ኣጽኒሕና፡ ናብቲ ዝያዳ ዘገድሰናን በቐጥታ ዝምልከተናን “ገማግም ቀይሕ ባሕርና” ከነድህብ እንከለና፡ ሓያሎ ነቲ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ኣልዒለምዎ ዘለዉ ዓመጸኛ ወስታ መርተዖ ይኾነና ኢሎም ኣብቲ መጽሓፍ ካብ ዘስፈርዎ ሓደሓደ ስንኩፍ ነጥብታት ክንርኢ ኢና። እቲ ዘልዓልዎ ነጥብታት ዘይብሱልን ተሓይኹ ዝተደርበየን ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ፡ “ዘይረትዕ መርትዖታት” ኢልናዮ ዘለና።
ኣብቲ ካብ ኣባዱላ ገመዳ ክሳብ ጀነራል ባጫ ደበለ፡ ካብ ጊደዎን ጢመቲዎስ ክሳብ ዘሪሁን ተሾመ፡ ካብ ዳንኤክል ክብረት ክሳብ ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ካብ ጀነራል ተሾመ ገመቹ ክሳብ ጀነራል ኣለምሸት ደጊፈ ጀሚርካ፡ ካድራት ብልጽግና ከኳማስዕዎ ዝውዕሉ ናይ ፕሮፖጋንዳ መጽሓፍ፡ “ብዙሓት ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝህልወን ጽልዋታት ንምሕያል ኣብ ንጡፍ ውድድር እናሃለዋ፡ ካብ ገማግም ባሕሪ 60 ኪ.ሜ ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ኢትዮጵያ፡ ኢዳን እግራን ኣጣሚራ ክትርኢ ግቡእ ኣይኮነን” ዝብል ሓሳብ ይንበብ። እዚ ድማ ነቲ ብዝኾነ መዕቀኒ ተሰማዕነትን ተቐባልነትን ዘየብሉ፡ ቅርበት ናብ ኣፍደገ ዘይባሕርኻ፡ ናይ ካልእ ሃገር ልኡላዊ ግዝኣት ከም መውረሪ ምስምስ ክግበር ዝድለ ሕጋዊ መንቀሊ ዘየብሉ መኻን ፈተነ ዘርኢ እዩ።
“ብፍጥነት ዝዓቢ ዘሎ ቁጠባ ኢትዮጵያን ኣብ ቀረባ ዓመታት ናብ 150 ሚልዮን ክድይብ ትጽቢት ዝግበረሉ ብዝሒ ህዝብን” ዝብል እውን፡ ኣብቲ መጽሓፍ ከም መንቀሊ ምኽንያት ንምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ተባሂሎም ካብ ዝሰፈሩ እዩ። ቁጠባኻ ብዝለዓለ ስለ ዝዓብየን ብዝሒ ህዝብኻ ቀልጢፉ ስለ ዝወሰኸን ልኡላውነት እንዳማትካ ግሂስካ ዘይባሕርኻን ዘይወደብካን ክትወስድ ዝከኣል’ዩ ዝብል ስነ-መጎት ካበይ ከም ዝመጸ ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ደለይቲ ሰናይ ጉርብትናን ሰላምን ከይተረፈ ዘዛርብ ዘሎ ካልእ ኣብቲ መጽሓፍ ዝሰፊሩ ዘሎ ዘይቅዱስ መልእኽቲ እዩ። ባሕሪ ንዕቤየት ቁጠባ የድልየና ኢዩ ዘድልየና፡ ክባሃል ከምዘይጸንሐ፡ ሕጂ ድማ “ብዘይ ወደብ ብፍጥነት ዝዓቢ ዘሎ ቁጠባና” ምባል፡ ተገራጫዊ’ውን እዩ። ኣብዚ እቲ ብናይ ጥሜን ሓለንጊ ዝግረፍ ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ናይ ምንታይ መርኣያ ምዃኑ ከኣ ብሩህ’ዩ።
“ኣብ 1991 ኤርትራ ናጻ ሃገር ምስ ኮነት፡ ኣብቲ እዋን ብዝተፈጸመ ታሪኻዊ ጌጋ ኢትዮጵያ ገማግም ባሕሪ ርእያ ስኢናቶ፡” ዝብል ከኣ ካልእ ኣብቲ መጽሓፍ ዝንበብ ምስምስ’ዩ። ኣብዚ ድማ መግዛእቲ ብቃልሲ ክሰዓር እንከሎ፡ ኣብ ትሕቲኡ ዝጸንሐ ግዝኣት በቲ ተቓሊሱ ብሓይሉን ብድምጹን ዝረተዐ ህዝቢ ክምንዛዕ ዘይተርፍ ምዃኑ ስለምንታይ፡ እንተላይ ነቶም ብኣካል ዝተዋስእሉ’ሞ ዝተሳዕሩ ከይተረፈ ምውሓጥ ከም ዝኣበዮም ካልእ ኣገራሚ’ዩ።
መጽሓፍ ዓብዪ ኣሕመድ እስትራተጂ ክልተ ማያት፡ ንታሪኽ ክጠቅስ እንከሎ ከኣ፡ “ኢጣልያ ንስምምዓት 1900፡ 1902ን 1908ን ፈሪማ ከተብቅዕ ንኢትዮጵያ ስለ ዝወረረታ እቲ ስምምዓት ፈሪሱ እዩ” ዝብል ኣሽካዕላል’ውን፡ ከም መርተዖ ነዚ ሎሚ ንምውናን ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ላዕልን ታሕትን ከም መበገሲ ኮይኖም ካብ ዝሕሰቡ ተወሲዱ ዝቐረበ እዩ። እቲ ሓቁ ግና ኢጣልያ ናብዛ “ብባዕዳውያን ተገዚኣ ኣይትፈልጥ ኢያ” እናተባህለ ዝዝረበላ ኢትዮጵያ፡ ዝወፈረት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተወሳኺት ሃገር ንምግዛእ እምበር፡ ነቲ ቅድም ምስ ምነሊክ ዝኸተመቶ ዶባት ኤርትራ ናይ ምንጻር ስምምዕ ዘንጊዓ ዓለም ለኻዊ ዶብ ኣፍሪሳ ንኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ንምሕዋስ ከምዘይነበረ ክሳብ ክንደይ ምርድኡ ከምዘጸገሞም ካልእ ኣዛራቢ ዛዕባ ይኸውን። እዚ ምርዳኡ ካብ ኣጸገሞም፡ ጣልያን ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም ምስተሳዕረት፡ ኤርትራ ን10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምምሓር እንግሊዝ ንክትጸንሕ ክውሰን እንከሎኸ “ኣበይ ኔርኩም?” እንተዝበሃሉስ መልሶም እንታይ ኮን ምኾነ።
“ናጽነት ኤርትራ ኣብ ምስኣን ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ተራ ተጻዊቱ፡ ዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኹሉ ምዕባለታት ኢትዮጵያ ናብ ድሕሪት መሊስዎ” ኣብ ዝብል ንባብ ናይቲ መጽሓፍ ብዙሓት ይሰማምዑ። ምኽንያቱ ሓንቲ ክትገዝ ዝጸንሐት ሃገር ክትሰዓር እንከላ፡ ካብታ ክትግዛእ ዝጸንሐት ሃገር ትረኽቦ ዝነበረት ረብሓ፡ ኣገልግሎትን ብሓይሊ ተመሓድሮ ዝነበረት መሬትን ባሕርን ክትስእን ባህርያዊ ስለ ዝኾነ። ካብቲ ትገዝኦ ዝነበረት ዘይናታ መሬት ቆንጢራ ሒዛ ክትከይድ ምጽባይ ግና ካብ ክቱር ህርፋንን ነገር ምድላይን ሓሊፍካ፡ ካልእ እትብሎ ኣይኮነን። መልእኽቱ ኤርትራ ናጻ ሃገር ትኹን፡ እሞ ንዓሰብ ሃቡና እንተኮይኑ ድማ ክቱር ዕሽነት እዩ።
ነቲ ንዕዘቦ ዘለና ብኣህጉራዊ ሕግታት ናይ ዘይምምእዛዝ መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ብዘመልክት ድማ “ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ንምርግጋጽ ዓለምለኻዊ ሕጊ ጥራይ ከም መወከሲ ምውሳድ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ዝዓበየ ጌጋ እዩ” ዝብል፡ ኣብቲ ብስምዒታት ዝተዓብለለ መጽሓፍ ይርከብ። ብኣረዳድኣ ደረስቲ ናይቲ መጽሓፍ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ምኽታል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም ጌጋ እዩ ድሕሪ ምባል፡ እቲ ቅኑዕ ዝብልዎ እቲ “ካልእ ኣማራጺ ሃሰው ምባል ይጽናሓለይ ዘይበል’ዩ” ዝበልዎ ወተሃደራዊ ናይ ወራር ስጉምቲ ማለቶም’ዩ ክኸውን።
“ኣፍደገ ባሕሪ እንተሎካ ንዓለም ተገልግል፡ ኣፍደገ ባሕሪ እንተ ዘይብልካ ግና ንጐረቤት ኢኻ እተግልገል” ድሕሪ ምባል ድማ፡ ኣፍደገ ባሕሪ እንተልዩካ “ጽልዋታትካ ይዓቢ” እውን ይብል። እሞ ጽልዋኻ ንክዓብስ ኣብ ክንዲ ከም ሓንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ምውሳእ፡ ዘይናትካ ኣፍደገ ባሕሪ ምውሳድከ፡ “ወራሪ ካብ ምዃን ሓሊፉ እንታይ ጽልዋ ኢኻ ከተሕድር?” ትኽእል ንዝብል ሕቶ፡ ሃሰስ ኢሎም ቅቡል መልሲ ዝረኽብሉ ኣይከውንን።
መጽሓፍ ብልጽግና ብዛዕባ ቀዳሞት ነገስታት ኢትዮጵያ ክጠቅስ እንከሎ ከኣ፡ “ሃጸይ ምነሊክ ኣብ ወደባት ዘይላን ጅቡትን እዩ ዘተኩር ነይሩ” ዝብሎ፡ ብዝተወሰነ ደረጃ ናብቲ ዝነበረ ሓቂ ዝቐረበ ምስክርነት ዝህብ ይመስል። ንሃጸይ ሃይለስላሰ ድማ “ኣብ ምፍራስ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝተጻወቶ ተራ፡ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብኣውንታ ተዘካሪ ንጉስ ይገብሮ” ይብሎ። ምኽንያቱ ጎበጣ ስርዓት ሃይለስላሰ ነቲ ብልጽግና ሎሚ ዘወጣውጦ ዘሎ “ብዘይረትዕ መርተዖ” ዝተሰነየ ኣቕጣጫ ዘተባብዕ ስለ ዝኾነ።
እቲ ፈደረሽን ኣብ መንጎ “ብደረጃ ትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ቅዋም፡ ፓርላማ፡ ሰልፍታትን ናጻ ፕረስን ዘጥረየት ኤርትራን ብፍጹም ንጉሳዊ ስርዓት እትመሓደር ክቱር ናይ መግዛእቲ ህርፋን ዝነበራ ኢትዮጵያን ብዘይድልየት ህዝቢ ኤርትራ ዝተቆረናሉ እዩ ነይር።