መግለጺ ሓዘን ብዕረፍቲ ሓርበኛ ተቓላሳይ እስማዒል ናዳ

2025-03-31 17:37:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 221 times

ገዲም ተቓላሳይ ብጻይና እስማዒል ናዳ ብ27 መጋቢት 2025 ተሰዊኡ ዝብል ሓበሬታ ብመሪር ሓዘን ሰሚዕናዮ። እስማዒል ናዳ ኣብ 1976 ኣብ ዝተኻየደ መስራቲ ጉባአ ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ተሳቲፉ ኣባል ማእከላይ ኮሚተ ኮይኑ ከም ዝተመርጸ ታሪኹ ይሕብር። ኣብ ርእሲ ናይ ማእከላይ ኮሚተ ኣባልነቱ ከኣ ኣብ ሃገር ሱዳን ካርቱም ናይ ዝነበረ ናይቲ ማሕበር ጨንፈር ጠርናፊ እውን ነይሩ። እስማዒል ናዳ ምስ ሱዳናውያን ብዝነበሮ ጽቡቕ ዝምድና ኤርትራውያን ስደተኛታት ክጽገሙ እንከለዉ ብዘይ ይኹነ ዝኹን ምፍልላይ ይሕግዞም ከም ዝነበረ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ይምስክሩ።

ድሕሪ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናብ ሱዳን ምእታዋ፡ ካብ 1982 ንደሓር ከኣ ምስ ሰውራዊ ባይቶ ብቐረባ ይተሓባበር ከም ዝነበረን፡  ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ንሓርነት ይካየድ ኣብ ዝነበረ ቃልሲ ድማ ኣቦመንበር ውድብ “ምንቅስቓስ ጋሽ-ሰቲት” ኮይኑ ቃልሱ ቀጺሉ። ብምቕጻል ኣድላይነት በበይኑ ዝነበረ ዓቕምታት ኣብ ሓደ ኣስሚርካ  ምቅላስ ዝሓሸን ዝበለጸን ምዃኑ ብምርዳእ፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ  ብምቕባል ውድቡ መሪሑ ኣብ ምሉእ ስምረትን ምትሕንፋጽን ኣተወ።

ተቓላሳይ እስማዒል ናዳ፡ ንሓድነት ተቃወምቲ ሓይልታት ካብ ዝነበሮ ጽኑዕ እምነት፡ ናብቲ ንምቋም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝካየደ ዝነበረ መስርሕ ኣካል ሰህኤ ኮይኑ፡ ምስ ኩሎም  ናይቲ ምንቅስቓስን ብጾቱ ብዕግበት ካብዝተቐበሉ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ምቛም ሰዲህኤ ከኣ ካብ ኣባል ማእከልይ ባይቶ ጀሚሩ፡ ኣብ ዞባ ሱዳን ክሳብ’ዛ ብመስዋእቲ ዝተፈልየላ ዕለት ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሓታት ብትግሃት ተቓሊሱ።

እነሀ ከኣ ካብ መስዋእትነት ዝተርፍ ተቓላሳይ ስለ ዘየለ፡ ብ27 መጋቢት 2025 ኣብ ጐረቤት ሃገር ሱዳን  ዓሪፉ ኣብኡ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ሰለዚ መላእ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃና እናገለጸና፡ ንእስማኦኢል ናዳ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ ንስድራቤቱን መቓልስቱን ከኣ ጽንዓት ይሃበና ንብል።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

Last modified on Monday, 31 March 2025 19:41