ኣመሪካ በጀት ደገፍቲ ዲሞክራሲ መድያታት ከተቋርጽ’ያ

2025-03-19 11:36:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 164 times

ፕረሲደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንድምጺ ኣሜሪካ (Voice of America)፡ ሬድዮ ሓርነት (Radio Liberty)ን ካለኦት ደገፍቲ ዲሞክራሲ ትካላትን ዝስላዕ ዝነበረ በጀት ከም ዘቋረጸ ማዕከናት ዜና ኣሚሪካ ሓቢረን። ዳይረክተር ድምጺ ኣሜሪካ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኩሎም ሰራሕተኛታት ኣብ ምምሕዳራዊ ዕረፍቲ ይርከቡ ኢሎም።

ኮንግረስ ኣሚሪካ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ንበጀት ብዝምልከት ድሕሪ ምምራጽ ትራምፕ  ንመጀምርያ ግዜ ምስተመያየጠ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ንምምሕዳሩ ዝሃቦ ህጹጽ ትእዛዝ ናይ ዝተፈላለዩ ትካላት በጀት ምቑራጽ እዩ።  እቲ ትእዛዝ፡ ነቲ ንድምጺ ኣሜሪካ፡ ሬድዮ ነጻ ኤውሮጳን ሬድዮ ማርቲን ዘመሓድር “ዓለም ለኻዊ ትካል መዲያ ኣሜሪካ” ዝምልከት እዩ። ሬድዮ መርቲ ብቋንቋ ስፓኒሽ ናብ ኩባ ክፍነው ዝጸንሐ ፕሮግራም እዩ።

ኬሪ ሌክ ዝተባህለት ብትራንፕ ብኣማኻርነት ዝተመደበት ሰነቴር ብወገና፡ ሰራሕተኛታት ናይተን በጀተን ዝቋርጽ  ትካላት፡ ቀጻሊ ምዕባለ ብዝምልከት ሓበሬታ ንምርካብ  “ናይ  ኢብመይል መልእኽቶም ይከታተሉ” ኢለን። እተን ሰነቴር ኣብ  ካልእ መልእኽተን፡ ዓለም ለኻዊ ትካል መዲያ ኣሜሪካ፡ ብምጥፍፋእ  (corruption)  ዝተውሕጠ እዩ ከም ዝበላ እውን በቲ ዜና ተሓቢሩ።

ነቶም ኣብ ዕረፍቲ ዝጸንሑ ሰራሕተኛታት ኣብ  ዝተዋሀበ ደብዳበ፡ “ክሳብ ሓዲሽ ሓበሬታ ዝወሃብ፡ ደሞዝኩም ክትክፈሉ ኢኹም” ዝብል ትሕዝቶ ይርከቦ። ብምትሕሓዝ ከኣ እቶም ሰራሕተኛታት ብዝኾነ ኣገባብ ብጸጋታት  እቲ ዓለም ለኻዊ ትካል መዲያ ከይጥቀሙን ከም ኮምፒተርን ተለፎንን ዝኣመሰሉ መሳርሕታት ንከረክቡ እውን ይእዝዝ።

ድምጺ ኣሜሪካ ካብ 1942 ክሳብ 2025 ን83 ዓመታት ኣገልግሎት ዝሃበት ብ49 ቋንቋታት ፈነወኣ ከተካይድ ዝጸንሐት ትካል መድያ እይ። ካብti 49 ቁንቋታት፡ ናብዚ ከባቢና ዝፍነዋ መደበት ሬድዮ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛን ኦሮሞን ይርከበአን።  ናይ 2023 ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ዓመታዊ በጀት ድምጺ ኣሜሪካ  ልዕሊ 267 ሚልዮን ድላር ኮይኑ፡ ብናይ 2021 ሓበሬታ መሰረት ከኣ ኣስታት 961 ኣባላት ዘለዉዋ ነባር ትካል መዲያ እያ።

Last modified on Wednesday, 19 March 2025 12:46