ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ7 ሚያዝያ 2022 ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባልነት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ካብ ዝመርሕ ዓለም ለኻዊ ትካል ከም ዘንጠልጠለ ኣሶሼት ፕረስ (AP) ኣፍሊጡ። ሩሲያ ኣባልነታ ዝተንጠልጠለ ንዩክረይ ኣብ ዝወረትሉ ወተሃደራታ፡ ሕቡራት ሃገራትን ዩክረይንን “ገበን ውግእ” ዝሰየምዎ በደላት ስለ ዝፈጸሙ እዩ። ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ድምጺ ብጽምጺ ናይ ምስዓር መሰል ዘለወን 5ተ ሃገራት ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ እዚ ናይ መጀመርያ ምናልባት ከኣ ሳሕቲ ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ኣንበሳድር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ግሪንፊልድ ነቲ ተረኽቦ “ታሪኻዊ” ኢለንኦ። ኣተሓሒዘን ከኣ በዚ ውሳነ ኣቢልና ስቓይ ግዳያት ሸለል ተባሂሉ ከም ዘይሕለፍ መልእኽቲ ኣመሓላሊፍና ኣለና፡ ሩሲያ ከኣ ተሓታቲት ክትከውን ይግበኣ  ኢለን። እዘን ኣንበሳደር ኣሜሪካ ሩሲያ ካብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣባልነታ ክንጥልጠል ወፍሪ ዘካየዳ፡ ኣብ ከባቢ ርእሰ-ከተማ ዩክረይን ኬቭ ቡቻ ኣብ ዝበሃል ቦታ ብወተሃደራት ዝተቐትሉ ሲቪል ኣብ ጐደናታት ተዘርጊሑ ምስ ተራእየ ምዃኑ ኣብዚ ኣኼባ ተገሊጹ። እዚ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ዩክረናውያን ዝተፈጸመ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ተወሳኺ እገዳታት ንክውሰን ከም ዘለዓዓለ  እውን ተገሊጹ።

ፕረሲደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን በወገኖም፡ እቲ ውሳነ መራሒ ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን  ክሳብ ክንደይ ሃገሮም ብሰንኮም  ተነጺላ ከምዘላ ከም ዘርኢ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ከኣ ሩሲያ ተሓታቲት ንምግባርን ብቁጠባ ንምንጻላን ዘኽእል ሓበሬታ ንምእካብ ምስ ኩለን ሃገራት ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ሓቢሮም። ክሳብ ሕጂ ደድሕሪ ሊቢያ ኣባልነታ ካብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ትንጥልጠል ዘላ ሩሲያ 2ይቲ ሃገር እያ።

እቲ ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዝፍጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል  ዝከታተል፡ ዝተፈጸመ ጥሕሰታት ዘጻርይን ከም ኣድላይነቱ ብኮሚሽናት ዝሰርሕን  በብግዜኡ ኣብተን 193 ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ገምጊሙ መድረኻዊ ጸብጻባት ዘቕርብን  ኣካል ባይቶ ሕቡራት ሃገራት  እዩ።

እዚ ንኣባልነት ሩሲያ ካብቲ 47 ሃገራት ዝኣባላቱ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል  ዘንጠልጠለ ውሳነ፡ ብ93 ደገፍ፡ 24 ተቓውሞን 58 ተዓቅቦን እዩ ሓሊፉ። ኤርትራ ከኣ ሓንቲ ካብተን ንሩሲያ ንምድጋፍ ዘይኮነ፡ ኣብ ሃሃገረን ዘሎ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ንምሕባእ ዝተቓወማ 24 ሃገራት ሓንቲ እያ። ሩሲያ ኣብ ባይቶን ቤት ምኽሪ ጸጥታን ሕቡራት ሃገራት ደጋፊት ስርዓት ህግደፍ ኮይና ዝጸንሐት ሃገር ምዃና ዝዝከር እዩ።

ሽዱሽተ ኣሜሪካውያን ናይ ቀደም  ኣምበሳድራትን ኣፈጸምቲ ጉዳያትን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ ትግራይ ንምፍታሕ ብህጹጽ ዘተ ክካየድን ሰራዊት ኤርትራ ንክወጽእን ዘቕረብዎ መጸዋዕታ፡ እቲ ንሰብኣዊ ረዲአት በቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ተኹሲ ጠጠው ምባል እሞ ብትግራይ’ውን ተቐባልነት ዝረኸበ ሕጉሳት ምዃኖም ከም ዝገለጹ ጋዜጠኛን ተመራማርን ማቲን ፕላውት ብ6 ማዝያ 2020 ገሊጹ። እቶም ነባራት ኣንበሳድራት ኣተሓሒዞም እቲ ውግእ ብዘኸተሎ፡ ብኹሎም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሲቪል ወገናት ዝተፈጸመ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከም ዘተሓሳስቦም ጠቒሶም።

ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ብሰንክቲ ውግእ ዘጋጠመ ዓሌታዊ ጽልእን ዝተኸተሎ ሳዕቤናትን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ሰብኣዊ ውግእ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ናብ ምትግባርን  ኣገደስቲ ዝበሃሉ ነጥብታት ኣጽኒዖም ናብ ቀጻሊ ዘተ ንክእትዉን ጸዊዖም። እንተ ደኣ እዚ ዕድላትዚ ሓሊፉ እሞ እቲ ውግእ ቀጺሉ ንዝኾነ ኣካል ከምዘይጠቅምን ውጽኢቱ ዝያዳ ሞት፡ ዕንወትን ስቓይን  ከም ዝኸውንን  እውን ኣብቲ መልእኽቶም ኣስፊሮም።

እዞም ነባራት ኣንበሳድራትን ጉዳይ ኣፈጸምትን ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ እዚ መጸዋዕታ ኩሎም ዕጡቓት ሓይልታት እንተላይ ሰራዊት  ኤርትራ ብህጹጽ ወጺኦም ነናብ ቦታኦም ክኸዱ ከም ዝምልከት ገሊጾም። እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት ዝያዳ ኣተኩሮ ዝሓትትኳ እንተኾነ፡ ኣብ ክልላት ዓፋር ኣምሓራ፡ ኦሮሞን በንሻንጉልን ዘሎ ኩነታት እውን ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላትን ሓገዝን ቆላሕታን ዘድልዮ ምዃኑ ተጠቒሶም። ኣብ መወዳእታ ከኣ  ጸሎትናን ተስፋናን ኢትዮጵያ ናብ ሰላም፡ ሓድነትን ዘተኣማምን ዲሞክራስን እትገብሮ ጉዕዞ ቀጻሊ ክኸውን እዩ ኢሎም።

ክልተ ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ  ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን እቲ ቡዙሓት ዝሞቱሉን ሚልዮናት ዝተመዛበልሉን ውግእ ምዕራብ ትግራይ ንክጋደድ፡  ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ  ዓሌታዊ ወፈራ ከም ዘካየዱ ብ6 ሚያዝያ 2022 ብዘውጸአኦ ናይ ሓባር ጸብጻብ ምኽሳሰን ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ሁይማንራትዎችን ብሓባር ኣብ ዘውጸአኦ ኣብዚ ጸብጻብ ናይ ኣምሓራ ላዕለዎት ሓለፍት፡ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ነቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጥረ ወግእ ናብ ውግእ ገበን፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ከም ዘዕረግዎ ሓቢረን። እዘን ሰብኣዊ ትካላት ንሰራዊት ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ተግባር ብምስታፉ ከም ዝኸሰስኦ ኣብቲ ጸብጻበን ኣስፊረን። ዳይረክተር ሁማንራይትስዎች ከነዝ ሮዝ፡  ላዕለዎት ሓለፍትን ሓይልታት ጸጥታን ኣምሓራ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ ኣንጻር ተጋሩ በቐጻሊ ዓሌት ናይ ምጽናት ስጉምትታት ክወስዱ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም። ብካልእ ወገናት ዝቐረበ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ ከኣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሰባት ተቐቲሎም ኣስከሬኖም ናብ ሩባ ተከዘ ይድርበ ከም ዝነበረ ተገሊጹ።

ኣቶ ምሉነህ ግዛቸው ዝተባህሉ ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክልላዊ መንግዝቶም ዝቐረበ ክሲ ነጺገምዎ።

ወሃብ ቃል ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣዘዝቲ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ኣመሓደርቲ ምዕራብ ትግራይን ግና ብዛዕባቲ ክሲ መልሲ ኣይሃቡን።  እተን ሰብኣዊ ትካላት ቀንዲ ዘተኮራሉ ጉዳይኳ እንተዘይነበረ፡ ሓይልታት ትግራይ መግቢ ናብ ህዝቢ ከይቀርብ ዕቅፋት ይፈጥሩ ከም ዝበላ’ውን ኣብ ጸብጻበን ጠቒሰን።

ናይዘን ሰብኣዊ ትካላት ጸብጻብ ናይ 427 ብዛዕባቲ ጉዳይ ዝፈልጡ ሰባት ቃለ መጠይቕ ዘጠቓለለ ስለ ዝኾነ ብዛዕባ ምዕራብ ትግራይ ቅድሚ ሕጂ  ካብ ዝተገብሩ መጽናዕትታት ዝዓመቖ ምዃኑ ተጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ምዕራብ ትግራይ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመደን መሳርሕቶም ሓለፍቲ ክልል ኣምሓራን ዘቃለዐ ዝኸፈአ ጥሕሰት መሰላት ዝተፈጸመሉ ከባቢ እዩ ተባሂሉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ እዘን ሰብኣዊ ትካላት ኣብ ምዕራብ ትግራይ መሰረታዊ  መፍትሒ ክሳብ ዝርከብ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ንምክልኻል ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓቃብ ሰላም ክሰፍር ይግበኦ ክሳብ ምባል በጺሐን።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 3ተ ዝኣባላቱ ኩነታት ሰብኣዊ ጥሕሰታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝከታተል ምርማሪ ኣካል ከም ዘቖመ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይዚ መርማሪ ኣካል ምቛም ኣብ ልዕሊ ምቅዋሙ በጀት ከይስለዓሉ ናብ ሕቡራት ሃገራት ስምዕታ ኣቕሪቡ ነይሩ። ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ጉዳይ ንምውሳን  ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብብዝሒ ድምጺ እቲ መርማሪ ኣካል በጀት ተሰሊዕሉ ስርሑ ክቕጽል ወሲኑ። ካብተን ነዚ ውሳነ ዝተቓወማ 36 ሃገራት ኤርትራ ምስ ገለ ካብተን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል  ዝተፈልጣ ሃገራት ትርከበን።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ፡ ኤርትራውያ ስደተኛታት ክዕቆብሉ ጀሚሮም ኣብ ዘለዉሉ ሓደሽ መደበር  ኣለምዋጭ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ኢሪሳት (ERISAT) ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ዝተወሰኑ ዕጡቓት ብ2 ማዝያ 2022 ድሕሪ ቀትሪ ናብቲ ኣብ ከባቢ ዳባት-ጐንደር ዝርከብ ሓድሽ መደበር ስደተኛታት ኣትዮም ብዝኸፈትዎ ተኹሲ 8 ስደተኛታት ከም ዘቑሰሉን ካብቶም ግዳያት ክልተ ኣዝዮም ህሱያት ምዃኖምን እቲ ዜና ገሊጹ።

ነቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ዝተባህሉ ሓደጋ ዘውረዱ ዕጡቓት ሒዝካ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ጻዕሪ’ኳ እንተሎ ሽዑንሹ ከምዘይተታሕዙ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ እቶም ጉድኣት ዘጋጠሞም ስደተኛታት ናብ ሆስፒታላት ጐንደርን ደባርቕን ከም ዝተወሰዱ ተፈሊጡ።

ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ዝተኣጐደ ውግእ ቅድም መደበር ስደተኛታት ሽመልባን ሕንጻጽን ከም ዝፈረሳን  ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ከም ዝቐጸሉን ኣቐዲሙ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እንተኾነ እዘን ክልተ መደበራ እውን ኣብቲ  ውግእ ዝካየደሉ ከባቢ ዝርከባ ምዃነን ዝፍለጥ እዩ። መደበር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከኣ ከም መተካእታ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ 2021 ዝተኸፍተትኳ እንተኾነት ውሕስቲ ዘይምዃና  እዚ ዝተጠቕሰ ናይ 2 ማዝያ 2022 ሓደጋ መረጋገጺ እዩ።

ኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን “እንዳ ARRA” ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ፡ ትካል መግቢ ዓለምን ካልኦት ግብረሰናይ ማሕበራትን ብምትሕብባር ነዛ ሓዳስ መደበር ከፊተን፡ ብ22 ለካቲት 2022 ኣስታት 1,400 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ክዕቆባ ከም ዝጀመራ እዚ ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ወርሒ ለካቲት 2022፣ ኣብ መደበር ስደተኛታት ባራሕሌ  ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ፡ ብዉሑዱ ሓሙሽተ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዕጡቓት ከም እተቐትሉን እቶም ዝትረፉ ካብቲ መደበር ሃዲሞም ናብ ሰመራን ካልእ ከባብታት ዓፋር ከም ዝኸዱን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 24 መደበር ስደተኛታት ከም ዘለዋን ኣብኣተን 823 ሺሕ ስደተኛታት ተዓቒቦም ከም ዘለዉን ይንገር።  ኣብ ርእሲዚ ኣብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 70 ሺሕ ስደተኛታት ከም ዝህልዉ ይግመት። ብመሰረት ሓበሬታ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኤርትራውያን፡ ደቡብ ሱዳናውያንን ሶማላውያንን እዮም። 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብምኽንያት ምጅማር ጾም ሮሞዳን፡ ንኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና: ንመላእ ህዝብና ብሓፈሻን፡ሮሞዳን ከሪምእንቋዕ ኣብጽሓና ብምባል ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ።

ኣብ ሃገርናን መላእ ዓለምን ሕማምን ዕንወትን ተቐንጢጡ፡ ጥዕና፣ ሰላምን ሓድነትን ዝዕወቱሉ ሮሞዳን ይግበረልና!

ክንዲ/ ሰዲህኤ

ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ

ኣቦ መንበር

1 ሚያዝያ 2022

ኤርትራ ድሕሪ ኣምበሳደር ሰመረ ርእሶም ካብ ኢትዮጵያ ምምላሱ፡ ኣብ ቦታኡ ኣፈጻሚ ጉዳያት ከም ዝመደበት ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ። እቲ  ኣፈጻሚ ጉዳያት ኮይኑ ዝተመደበ ኣቶ ቢንያም በርሀ፡ ናይ ውክልና ደብዳበኡ ብ30 መጋቢት 2022 ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንሓላፊ ፖሮተኮል ዳይረተር ኣቶ ደመቀ ኣጥናፉ ኣረኪቡ። በቲ ሓበሬታ መሰረት ቢንያም በርሀ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣብፍሪቃ ሕቡራት ሃገራትን እውን ክውክል እዩ። ቢንያው ንሓያሎ ዓመታት ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝሰርሐ ምዃኑ ይንገረሉ።

ብዛዕባ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣፍልጦን ተመኩሮን ዘለዎም ኣካላት ከም ዝገልጽዎ፡ ካብ ኣምበሳደር ናብ ደረጃ ኣፈጻሚ ጉዳያት ምውራድ፡ ኣብ መንጎ እተን ልኡኻት ዝለዋወጣ ሃገራት ዝምድና ኣብ ደሓን ደረጃ ዘይምህላዉ ዘርኢ ምልክት እዩ። ናይ ኤርትራ ካብ ኣምበሳደር ሰመረ ርእሶም ናብ ኣፈጻሚ ጉዳያት ቢንያም በርሀ ምውራድ እውን ብመንጽርዚ ይመዝንዎ ኣለዉ። ካለኦት ወገናት ከኣ ነዚ ኤርትራ ወሲዳቶ ዘላ ኣመዳድባ ምስቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ግዜ ደርጊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸተሎ ኣመዳድባ የዛምድዎ።

ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን የሐርፊፎም ካብ ዝበሃሉ ጉዳያት ሓደ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ውግእ ኢትዮጵያ ዘሎ ኮይኑ፡ ናይ ህግደፍ ውግእ ንቐጽልን ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውግእ ጠጠው ኣቢልና ናብ ልዝብ ክንምለስ ኢና ምባልን ምዃኑ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። ኣብ ውግእ ዩኩረይን-ሩሲያ ክልቲኦም ወገናት ተመሳሳሊ መርገጽ ክሕዙ ዘይምኽኣሎም እውን ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብ29 መጋቢት 2022፡ 119 ዝኣባላቱ ጉጅለ ስደተኛታት ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ከም ዘሰጋገረ ረሊፍ-ወብ (RELIEF-WEB) ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እዞም ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ተባዕትዮን ክሳብ ትሕቲ ሓደ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጽናታን ዝርከብዎ ኮይኖም፡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን፡ ደቡብ ሱዳናውያንን ሱማላውያንን ከም ዝኾኑ እቲ ዜና ሓቢሩ።

እዚ ጉጅለ ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ፡ መደበር ህጹጽ መሰጋገሪ ጋሾራ ምስ ዘለዉ 269 ስደተኛታትን ሓተቲ እዩ ተጸንቢሩ። ኣብዚ ኣብ ሩዋንዳ ዝርከብ መደበር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ነቶም ስደተኛታት፡ ናይ መጽለሊ፡ መግቢ፡ ሕክምናን ስነ-ኣእምሮኣዊ ምርግጋእ ኣገልግሎትን ናይ ቋንቋ ትምህርትን ይህብ። ኣብ ሊቢያ ናይቲ ኮሚሽን ግዝያዊ ሓላፊ ድጃማል ዛሞውም ነቲ ምስግጋር ኣብ ዝምልከት ከም ዝገለጽዎ እዚ ስጉምቲ ነቶም ኣብ ሊቢያ ተሪፎም ዘለዉ ስደተኛታት’ውን ተስፋ ዝህብ እዩ።

እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ናይዞም ስደተኛታት መጻኢ ዕድል ብልግስን ምትሕብባርን ሓለፍቲ ሊቢያን ሩዋንዳን ዝውሰን እዩ። ኣብ ርእሲዚ እቶም ስደተኛታት ቀጻሊ መፍትሕን ዘተኣማምን መጣየስን ዝረኽብሉ መደብ ንምቅልጣፍ ናይ ካለኦት ሃገራት ሓገዝን ምትሕብባርን እውን ከም ዘደሊ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣስፊሩ።

እዞም ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ዝተሰጋገሩ ስደተኛታት፡ ናብ ሳልሳይ ሃገር ምጥያስ፡ ብድሌትካ ናብ ሃገርካ ምምላስ እንተተኻኢሉ’ውን  ምስ ህዝቢ ሩዋንዳ ሓቢርካ ምንባር ዝርከብዎ ቀጻሊ መፍትሒ ክሳብ ዝርከብ ኣብቲ ኣትየምዎ ዘለዉ መደብር ክጸንሑ እዮም።

ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ኣሕመድ ኣባባ ፎል ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ ጸገም ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን ብዝብል ብኸምዚ ኣገባብ ጸገም ህጻናትን ኣደታትን መፍትሒ ክረክብ ምርኣይና ዕድለኛታት ኢና ክብሉ ገሊጸምዎ። ኣሕመድ ኣባባ ኣተሓሒዞም ነዚ ዝተጸንዐ መደ ኣብ ምዕዋት ንዘበርከቱ፡ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ገብርቲ ሰናይ ትካላትን ዘለዎም ናእዳ ጠቒሶም ኮሚሽኖም ድማ ኩሉ ዝከኣሎ ዘበለ ክግበር ቅሩብ ምዃኑ ሓቢሮም።

ህጹጽ መስርሕ ምስግጋር ስደተኛታት ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ብስምምዕ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብገንዘባዊ ሓገዝ ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ መፋርቕ 2019 እዩ ጀሚሩ። ክሳብ ሕጂ ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ብ8 በረራታት ዝሰገሩ 900 ስደተኛታት ክኾኑ እንከለዉ ካብኣቶም 67% ናብ ሳልሳይ ሃገር ከም ዝተጣየሱ ተፈሊጡ። ነዞም ዳሕረዎት ናብ ሩዋንዳ  ዝሰገሩ 119 ወሲኽካ ካብ 2017 ጀሚርካ ብጠቕላላ ካብ ሊቢያ ናብ ካለኦት ሃገራት ዝተሳገሩ ስደተኛታት 8,143 ምዃኖም እቲ ዜና ሓቢሩ።

ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ  ኤርትራዊ ስደተኛ ብ25 መጋቢት 2022 ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ መደበር ባቡር ቨለንሲነስ፡  ዘሊሉ ናብ ናይ ጽዕነት ባቡር ክድይብ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ብዝተፈጥረ ናይ ኤልክትሪክ ባርዕ ተታሒዙ ከም ዝሞተ ረይልፍረይት ዝተባህለት  መርበብ ሓበሬታ ሓቢራ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ክልተ ምስቲ መዋቲ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ሓደ ሰራሕተኛ ናይታ ናይ ጽዕነት ባቡርን ክልተ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓውን በቲ ሓደጋ ከም ዝቖሰሉ እቲ ዜና ጠቒሱ።

እታ ናይ ጽዕነት ባቡር ካብቲ ኣብ ሰሜን ፓሪስ ዝርከብ መደበር  ነቒላ ናብቲ ኤውሮጳን ዓባይ ብሪታንያን ዘራኽብ ካላይስ ናይ ትሕተ-ባሕሪ ገለርያ መንቀሊ ተምርሕ ዝነበረት እያ። ካላይስ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪታንያ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ንምስጋር ስደተኛታት ከም መንጠሪ ዝጥቀሙላ  ቦታ እያ።

ድሕርቲ ኣብዞም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሰባት ሓደጋ ምግጣሙ፡ ንጽባሒቱ 50 ዝኾኑ ካብ ማሕበራትን ስደተኛታትን ዝተወከሉ ሰባት ኣብ ካላይስ እቲ ሓደጋ ንከይድገም ንምጥቃቕን  ንግዳያት ቫለንሲነስ ንምዝካርን ናይ ጽሞና ስነ ስርዓት ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ብዙሓት ኣካላት ስደተኛታት ከምዚ ዓይነት ዘይውሑስ ስጉምቲ ከይወስዱ ከጠንቅቑ ጸኒሖም እዮም። ካብዚ ሓሊፎም መንገዲ ባቡራት ናይ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ጠንቂ ከይኮኑ ቀዋሚ  ሓለዋ ንምግበር ዘኽእል ናይ ተመኩሮ ምልውዋጥ ሓሳብ ዘቕረቡ ወገናት ከም ዝነበሩ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021፣ ካብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝፈተኑ ሓተቲ ዑቕባ፣ ተደፋፊኦም ናብ መንገዲ ባቡር ብምእታው፣ ሓደ ኤርትራዊ ብባቡር ተረጊጹ ክመውት እንከሎ፣ ሰለስተ ከምዝቖሰሉ  ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።

ኣምኒስተ ኢንተርናሽናል ሰብ መዚ ግብጺ፡ ኤርትራውያን ተገዲዶም ናብ ሃገሮም እንተተመሊሰሞም ምስቓይን ካልእ ኩሉ ዓይነት ግህሰትን ስለ ዘጋጥሞም  ካብ ምስጓጎም ከቋርጹ ጸዊዑ።

ኣምኒስቲ ግብጻውያን ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዓለምለኻዊ  ሕጊ ብምጥሓስ 31 ኤርትራውያን ኣገዲዶም ናብ ኤርትራ ከም ዝመለሱ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ እውን ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ኣስዋን ህጻናትን ቆልዑን ዝርከብዎም 50 ኤርትራውያን ኣብ ናይ ምስጓግ ሓደጋ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። እዞም ግዳያት ናይ ስደተኛ መስልን ጉዳዮም ከረድእሉ ዝኽእሉ ዕድልን ከም ዘየብሎም ድማ ኣምኒስቲ ገሊጹ።

እዚ ተግባር ንግብጺ ብጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ ሕማቕ ምስሊ ስለ ዝኾነ፡ ብቕልጡፍ ክቋረጽ ይግበኦ ዝበለ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ዝተመልሱ ግዳያት፡  ተገዲዶም ከም ዝተመርመሩ፡ ብጃምላ ከም ዝተኣስሩን ዝተሳቐዩን ከም ዝተፈልጠ  ኣዘኻኺሩ። ፍሊፕ ሉተር ተመራመርን ተማጓትን ሰብኣዊ መሰል ዲረክተር ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኣምኒስት ኢንተርናሽና፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ግብጺ ንኤርትራውያን መሰል ሓታቲ ዑቕባ ከኽብርሎምን ኣገዲድካ  ምምላሶም ከቋርጹን ይግበኦም ኢሎም።

እዞም ኣብ ግብጺ ዝእሰሩን ዝስጐጉን ዘለዉ ህጽናት ዝርከብዎም ኤርትራውያን ግዳያት፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከምዘይክሰሱ፡ ብጨካን ኣገባብ ከም ዝተሓዙ፡ ንወዲ ሰብ ዝተፈቕደ መሰረታዊ ኣገልግሎት ሕክምና፡ ጽሬትን ክዳንን ከም ዘይረኽቡ እዚ ናይ ኣምኒስት ጸብጻብ ኣቃሊዑ። ሰብ መዚ ግብጺ ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክቑጠቡ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንዝቐርቦም ምሕጽንታ ክነጽግዎ ከም ዝጸንሑ እውን ተፈሊጡ።

ኣምኒስት ተኸታቲለዮ ኣለኹ ከም ዝበሎ፡ ኤርትራውያን ቅድሚ ምስጓጎም ናይ ጉዕዙ ሰነዳት ክወስዱ ተግዲዶም ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካይሮ ይውሰዱ፡ ሕክምናዊ መርመራ ይገብሩ፡ እዚ ኩሉ  መስርሕ ክካየድ እንከሎ ምስ ዝኾነ ኣካል ክራኸቡ ስለ ዘይፍቀደሎም ነቲ መደብ ምሱጓግ ኣቐዲምካ ምፍላጡ ከም ዘጸግም ሓቢሩ።

ኤርትራውያን ሃገሮም ገዲፎም ክሃድሙ ካብ ዝግደድሉ ምኽንያታት፡ ገደቡ ዘይፍለጥ ግድዱ ውትድርና ሓደ  ምዃኑ እዚ ካብ ኣምኒስት ዝተረኽበ ጸብጻብ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ተገዲዶም ዝተመልሱ ኤርትራውያን ብስንኪ ዘጋጥሞም ስቓይን ካልእ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ኣብ ዝለዓለ ስግኣትን ቅልውላውን ከም ዝወድቁ ብደረጃ  ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ከም ዝፍለጥ ኣረዲኡ።

ኣምኒስት ንድሕሪት ምልስ ኢሉ፡ ኣብ  ወርሒ ሕዳር 2021 ኣብ ግብጺ 20, 778 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ተመዝጊቦም ምንባሮም ጠቒሱ፡ ሽዑ ዘይተመዝገቡ ኤርትራውያን ስለ ዝነበሩ እቲ ኣሃዝ ካብኡ ንላዕሊ ከም ዝነብር ኣዘኻኺሩ። ኤርትራውያን ናብ ግብጺ ብደቡባዊ ወሰናስን ናይታ ሃገር እዮም ዝኣትዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረዲአት ናብ ትግራይ ዝበጽሓሉ ኩነታት ንምፍጣር ግጭት ጠጠው ከምዘበለ ናይቲ መንግስታዊ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ብ24 መጋቢት 2022 ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ናብ ትግራይ ዝቐርብ ሰብኣዊ ረዲአት ምእንቲ ክቀላጠፍ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ይወስድ ከም ዘሎ እውን ሓቢሩ።

በቲ መግለጺ መሰረት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ዝገብሮ ናይ ነፈርቲ በረራታት ክውስኽ፡ ረዲአት ንዘቕርቡ ለገስቲ ኣካላት ዝኸውን ናይ ነዳድን ገንዘብን ቀረብ ብስሩዕ ዝቕጽለሉ መንገዲ ከም ዝፍጠር ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  ኮሚተ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስልቀል፡ ትካል ጥዕና ዓለምን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ረዲአት ትካላትን ናብ ትግራይ ሓገዝ ምቕራብ ንክኽእሉ ናይ ነፈርቲ በረራታት ተሰሪዑ ከም ዘሎ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ ብመሬት ብመስመር ኣብዓላ-መቐለ ረዲአት ዝቐርበሉ ኩነታት ንምጥጣሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብዚ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

እቲ መግለጺ ኣብዚ እዋንዚ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ሰብኣዊ ረዲአት ንምርካብ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ይፈልሱ ከም ዘለዉ ከኣ ጠቒሱ። በዚ መሰረት ጐራባብቲ ትግራይ ዝኾኑ ወገናት ንህዝቢ ትግራይ ዝገብርሉ ዘለዉ ኣቀባብላ፡ ናይቲ ህዝብታት ሕውነትን ሓድነትን መንፈስ ዘርኢ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ህዝቢ ትራይ ካብ መንበሪኡ ከይተመዛበለ ሓገዝ ክበጽሖ እንከሎ ካብ ምክልባት ከም ዘድሕን ተጠቒሱ።

ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይዚ ኣብ ጸገም ዘሎ ህዝቢ ሽግር ምፍታሕ ካብ ዝኾነ ነገር ንላዕሊ ቀዳምነት ከም ዝህቦ ብምርዳእ፡ ናብ ትግራይ ዝቐርብ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲአት ብቕልጡፍን በቐጻልን ንምስላጥ ኩሉ ዝከኣሎ ዘበለ ጻዕሪ ክገብር ድልዊ ምዃኑ  በመንግስታዊ መግለጺ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ምእንቲ ሰብኣውነት ግጭት ናይ ምቛም ውሳነ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘመሓይሾ፡ ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ቀጻሊ ብዘይተወሳኺ ደም ምፍሳስ ቀዋሚ መፍትሒ ከምጽእ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ዝተፈላለዩ ወገናት ንስጉምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይድግፍዎ ኣለዉ። እንተኾነ ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ ብምንቃል ኣብ ምትግባርን ዘይምትግባርን ናይዚ ውሳነ ስግኣት ኣለዎም። ብወገን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን፡ ጉጅለ ህግደፍን ዓፋርን ዝንጸባረቑ ዘለዉ መርገጻት ከኣ ዝያዳ ሻቕሎት ዘሕድሩ እዮም።

Page 6 of 106