ቤተመዘክር ኣሜሪካ፡ ብሓደጋ ጽንተት ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓደሮ ሻቕለት ገሊጹ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቤተ-መዘክር ሆሎኮስት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ሓደጋ ጽንተት ደቂ ሰባት ዝሓደሮ ሻቕሎት ብ25 ጥቅምቲ 2022 ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ። ናይቲ ቤተ-መዘክር መግለጺ፡ እቲ ኩነታት ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ብናይ ኤርትራ ሰራዊት እንናተሓገዙ ኣብ ትግራይ ኣገደስቲ ከተማታት ምስ ሓዙን ኣብ ልዕሊ መከላኸሊ ዘየብሎም ሲቪል ሰባት ጉድኣት ምውራዶምን ዝያዳ ዘሰንብድ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ቅድሚ ዓመት ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጸም ዝነበረ፡ ጃምላዊ ቅትለት፡ ምልክታት ጽንተት ደቂ ሰባት፡ ናብ ጽልኢ ዘምርሕ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ዝቃላሕ ዝነበረ መደረታት፡ ብጃምላ ምእሳርን ኣብ ትግራይ ሰብ ብዝሰርሖ ጥሜት ንህዝቢ ምቕጻዕን እቲ ቤተመዘክር ከሰምዕን ከጠንቅቕን ከም ዝጸንሐ ሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ዝረአ ዘሎ ናይዞም ኣቐዲሞም ዝተራእዩ ሓደጋታት ዝያዳ ምስፋሕን ምዕባይን ምዃኑ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ካብተን ብዓለም ደረጃ፡ ሰባት ብጃምላ ብምቕታል ሓደገኛታት ዝበሃላ ዓሰርተ ሓገራት ሓንቲ ኮይና ኣላ ኢሉ።
ናይቲ ቤተ-መዘክር ዳይረክተር ንናኦሚ ኪኮተር፡ ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብዚ ዝምልከቶም መራሕቲ ግቡእ ኣቓብልቦ ዘይሃብሉ ግዜ፡ ናብ ፍርቂ ሚልዮን ዝጽግዑ ሰባት ኮነ ኢልካ ብምቕታልን ብጥሜትን ሞይቶም ተባሂሉ ከም ዝግመት ብምጥቃስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ጾታዊ ዓመጽን ተመሳሳሊ ግህሰት መሰረታዊ መሰላትን ከም ዝተፈጸመ ምጥቃሶምን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ውግእ ብ2020 ካብ ዝጅምር ብኹሎም ወገናት፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ውግእን ምፍጻሙ ብምጥቃስ፡ ዝርዝር እቲ ገበን ቅትለት፡ ዓመጽን ጾታዊ ጥሕሰትን ካለኦት ዘይሰብኣዊ ተግባራትን ከም ዘጠቓልል እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣስፊሩ።
ብዘይካዚ እዚ ጋዜጣዊ መግለጺ ኩሎም ወገናት ንሲቪል ዒላማ ምግባር ከቋርጹን ነቲ ቀጻሊ ዘሎ ውግእ ሰላማዊ ፍታሕ ክረኽቡን ኣተሓሳሲቡ። ኩሉ ዝውሰድ ስጉምታት ህውከት ዝንክን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በደል ዘውርዱ ተጽዕኖ ዝፈጥርን ክኸውን ይግበኦ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ማሕበራዊ መዲያታት ንዓመጽ ዘለዓዕልን ሕብረተሰብ ዘነኣእስን መደባት ካብ ምቕላሕ ክቑጠቡ ጸዊዑ።
ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ፡ ከምዚ ዓይነት ናይቲ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝመሓደር ቤተ-መዘክር መግለጺ ምውሳኡ ዘሰንበዶም ኤምባሲታት ኤርትራን ኢትዮጵያን በብወገኖም ንነቲ መግለጺ ዝጻረር መልእኽታት ኣውጺኦም ኣለዉ።
ካናዳ ንስደተኛታት መንበሪ ፈቓድ ትህብ፡ ፈረንሳ ድማ ናብ ውሑስ ቦታ ተግዕዞም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤካብ 2016 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ ሓሙሽተ ዓመታት፡ 13,965 ኤርትራውያን ንዝርከብዎም 218,430 ስደተኛታት ናብ ካናዳ ኣትዮም ዑቕባ ከም ዝረኸቡ፡ ጸብጻብ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ሲቢኤስ ሓቢራ። ፈረንሳይ ብወገና ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ዝርከብዎም፡ 700 ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ፓሪስ ኣብ ጐደናታት ሰፊረምዎ ዝነበሩ ብ27 ጥቅምቲ 2022 ናብ ውሑስ ዝበለቶ ቦታ ከም ዘግዓዘቶም ቢቢሲ ኣፍሊጣ።
ካናዳ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ብዝሃበቶ ዑቕባ፡ 13, 965 ኤርትራውያን ዕድል ከም ዝረኸቡ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ብዘይካዚ ካብቲ ጠቕላላ ቁጽሪ 18.6% ህንዳውያን ተጠቀምቲ ክኾኑ እንከለዉ፡ 11.4% ዜጋታት ፍሊፕናውያንን 8.9% ቻንይናውያንን እውን ተጠቀምቲ ምዃኖም ጸብጻብ ኢሚግረሽን ካናዳ ሓቢሩ።
ምስዚ ኩሉ ሶርያውያን 61 ሺሕ ኮይኖም ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዙ እዮም። ብብዝሒ ደረጃ ደድሕሪ ሶርያውያን ዝስርዑ፡ 15,505 ዒራቓውያን፡ 13 965 ኤርትራውያን፡ 9,490 ኣፍጋኒስታውያንን 7,810 ፓኪስታናውያንን ኮይኖም ከም ዝስርዑ፡ እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ። ኤርትራ ዜጋታተን ብብዝሒ ናብ ካናዳ ካብ ዝፈለሱ ቀዳሞት 8 ሃገራት ሓንቲ እያ። ምስ ብዝሒ ህዝቢ ናይተን ሃገራት ክመጣጠን እንከሎ ድማ ኤርትራ በቲ ፍልሰት ቀዳማይቲ’ያ እትስራዕ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ፈረንሳ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ጐደናታት ሰፊሮም ዝጸንሑ 700 ስደተኛታት ብ27 ጥቅምቲ 2022 ናብ ውሑስ ዝበለቶ ቦታ ኣግዒዛቶም። እዞም ኣብ ጐደናታት ኣጽሊሎም ዝጸንሑ ስደተኛታት መብዛሕትኦም፡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ኣፍጋኒስታናውያንን፡ ምዃኖም ተፈሊጡ። ፈረንሳ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደት ነቲ ብምልውዋጥ ኣየር ከጋጥም ዝኽእል ሓያል ዛሕሊ ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ድማ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ብኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጻይ ተስፋይ ደጊጋ ዝተመርሔ ኣኼባ ኣብ ፍራንክፎርት ብዕለት 23 ጥቕምቲ 2022 ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ኣባላት ጨንፈር ሰልፍን ፍሉይ መጸዋዕታ ዝተገብረሎም ግዱሳት ተቓለስቲ ዜጋታትን ዝተሳተፍዎ እዩ ነይሩ። ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣኼባ ብጻይ ታደሰ ኣስመላሽ ኣቦ መንበር ሽማግለ ጨንፈር ናይቲ ከባቢ ድሕሪ ምግሃድ ሕማም ለበዳ ኮቪድ 19፣ ንመጀመርታ ግዜ ብኣካል ተራኺብና ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ብምዃኑ ኣመስጊኑ፣ ቀጻሊ ንኽኸውን ዘለዎ ትምኒትን ምስጋናን ናእዳን ንተሳተፍት ብምቕራብዩ ተኸፊቱ።
ኣስዒቡ ብጻይ ተስፋይ ንተሳተፍቲ ደጊሙ ብምምስጋን፣ ዕላማ ናይቲ ኣኼባን ዝሓዞ ዛዕባታትን ክገልጽ ከሎ፣ ኣብዚ እዋንዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ክጽወር ዘይካኣል ኣደራዕን ስቓይን መግለጺ ስለዘይርከቦ፣ እቲ ናይ መወዳእታ ዝበሃል ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዝብሎ መላእ ሕብረተ ሰብና ዝፍጸም ዘሎ ናይ ጥፍኣትን ዕንወትን እዩ ኢሉ። ካብ ኢድን ትካላትን ናይቲ ስርዓት እየ ዝብል ኣካል ንዝተሰወሩ ከይተረፈ፡ ውልድኩምን ውላድኩምን ዘየረከብኩም ብዝብል ምስምስ ንወለዲ ካብ መንበሪኦም ኣውጺኡ ግዳም ዝድርብን ኣባይቶም ከምዝዕጾን ዝገብር ሕሱም ተግባራት ዝፍጸመሉ እዋን ተበጺሑ ምህላዉ ሓቢሩ። ንብርሰትን ጥፍኣትን ህዝብና ዝተዓጠቐ ስርዓት ብምዃኑ ድማ’ዩ መንእሰያት ኤርትራ ብኣልማማ ኣብዘይምልከቶም ኲናት ትግራይ የእትዩ ዘጥፍኦም ዘሎ። ናይ ስልጣንን ሻርነትን ጉዳይ እንተዘይ ኮይኑ፡ እቲ ኲናት ብምንም ተኣምር ንህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ኣይነበረን ኣይኮነን’ውን። ህዝቢ ኤርትራ ብዘይመረጾ ስርዓት እዩ፣ እዚ ኩሉ ጭቆና ኣብ ርእሲኡ ዝወርድ ዘሎ። ስለ ዝኾነ መራሕቱ ብኸመይ ይመርጽን፣ ምርጫን ናይ ምርጫ ግዜን’ውን ኣይፈልጥን እዩ። እዚ ግን ጽንዓትን ቀጻልነትን ጥራሕ እምበር፣ ክንሰግሮ ኢና ዘይስገር ነገር የለን። ናይ ሰልፍና ጉዳይ እንተዝነብር ግን፣ ሕጊ ስለዘሎ ኣባላት ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ መኣስን ብኸመይን መራሕቶም ከምዝመርጹ ይፈልጡ እዮም ክብል ገሊጹ።
ብዘይካዚ፣ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሕሰም ህዝብና ኣቐዲምና ስለዝተገንዘብና በብመንገድና ክንቓለሶ እኳ እንተጸናሕና፣ ኣድማዕነት ናይ ቃልሲ ንምርግጋጽን መንገዲ ዓወት ብምዃኑን ሓደ ናይ ሓባር ጽላል ንምፍጣር ነዊሕ ተጓዒዝና፣ ክሳብ ሰረታት ሓባራዊ ጽላልን፣ ብመጽናዕቲ ዝተበጽሑ ናይ ሓባር ሰነዳትን ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ፣ ካብ ኩለን ሓይልታት ዝተዋጽኤ ናይ ምውህሃድ ሽማግለታትን ሓይሊ ዕማማትን ምቋም ምብጽሑ’ውን ብዝርዝር ኣመልኪቱ። እዚ መድረኽዚ፣ ብዙሕ ውረድ ደይብ ዝነበሮ ኮይኑ ብትዕግስትን ምክእኣልን፣ ካብ ሕድሕድ ምጥቕቓዕ ኣውጺኡ ናብ ህዱእን ናይ ምጽውዋር ኲነት የእትዩና። ይኹን እምበር፣ ብዘይካቲ ጽላል ብኸመይ ይቐውም ዝብል ዘይተወድኤ መስርሕ፣ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተባርዐ ውግእ ክፈላልየና ዝግባእ እኳ እንተዘይነበረ፣ ንህዝብና ይኹን ንተቓወምቲ ሓይልታት ብዘይካ’ታ ናይ መጀመርታ ብሓባር ዝወጸት ኣዋጅ ፈላልዩና እዩ። ሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ግን ናይ ሕጂ ሽግር ጥራሕ ስለዘይኮነ፡ ንምዕዋቱ ገና ክንጽዕር ኢና።
ንሕና ከም ሰልፊ ግን፣ ካብ መጀመርታ ኣትሒዝና፣ መንቀሊ እቲ ውግእ ፖለቲካውን ቅዋማውን ብምዃኑ፣ ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ፣ ዘስዓቦ ማሕበራውን ሰብኣውን ዕንወትን ብርሰትን ተጻርዩ፣ ዝበደለ ክቕጻዕ፣ እተበደለ ክካሓስ፡ ህዝቢ ትግራይ ምሉእ ዘይጉዱል ኣገልግሎት ክረክብ ደጋጊምና ብመግለጺታትና ጸዊዕና። መወዳእትኡ’ውን ንሱ ስለዝኾነ፣ ዓለም ትደፍኣሉ ዘላ መስርሕ እዩ። ህዝብ ኤርትራ ዝሓለፎ ተመኩሮ ከይኣኽሎስ፣ ሎሚ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ህልቂት፣ ዕንወትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዘተግብርን ዝሕጉሶን ኣካል እንተልዩ፡ ነቲ ምረት ዝረስዐ ወይ ዘይፈልጥ ጥራሕ እዩ፡ ውግእ ብመሰረቱ መሕብኢ መለኽቲ እንተዘይኮይኑ፡ ዝፈትሖ ሽግር የብሉን፡ ክብል’ውን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።
ኣብ መደምደምታ፣ ምልኪ ፈራሳይ እዩ፣ ክድፈር ድማ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብዝተራእየ ዓብዪ ጉዳይ ናይ ኣመሪካ ስራሓት ኣስፈጻሚ ካብ ውሽጢ ኣስመራ ዝገበሮ ቀጥታዊ መግለጽን ምቅላዕ ነቲ መላኺ ስርዓትን፣ ዝሰዓበ ምስ ሰልፍና ዝተገብረ ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ መልእኽትን፡ ኣብ ስሩዕ መጋባእያ ኣህጉርዊ ምሕዝነት 118 ዝኾና ገስገስቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን 28 ምንቅስቓሳትን ዝኣባላቱ ዝተላእከ ወረቐት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘለዎ ምቕራቡን መልሱን ኣቓልቦ ካብ ዝፈጠሩ ጉዳያት እዮም። ይኹን እምበር፣ ኣብ ውድቐት መላኺ ስርዓት ኩልና ተጠቀምቲ ስለዝኾና፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ድማ፡ ኩልና ተወዲብና ግዴና ከነበርክት ይግባኣና። ሎሚ ኣብክንዲ በበይንና ኮይና ኣብ ምክሳስን ምውንጃልን ግዜና ነሕልፍ፣ ተቐራሪብና መዋጽኦ ይኾነና ዝበልናዮ ብሓባር ክነዕውት ምጽዓር የድልየና ክብል ብጻይ ተስፋይ መግለጺኡ ደምዲሙ።
ኣብ መጠረስታ፡ ካብ ተሳተፍቲ ንጉዳይ ሓድነት ተቓወምቲ ሓይልታት ዝምልከት ንዝቐረቡ ኣገደስቲ ሕቶታት ግቡእ መብርሂ ኣቕሪቡ። ነዚ ዝነጣጠፍ ዘሎ መድረኽ ኣብ ምጉልባትን፡ ሰልፊ ኣብ ህዝባዊ ርክባት ዘቕነዐ ስራሓት ዝያዳ ጠመተ ክግበርን፣ ዝብሉ ለበዋታት ብምቕራብውን ኣኼባ ተደምዲሙ።
ልኡኻት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ንዘተ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝኣተዉ ተረጋጊጹ። እቲ ብዙሕ ተስፋ ዘይተነብረሉ ዘሎ ናይ ሰላም ዘተ 24 ጥቅምቲ 2022 ከም ዝኽፈትኳ ተሓቢሩ እንተነበረ፡ እንተኾነ ኣብቲ ዕለት ከም ዘይተኸፍተን 25 ጥቅምቲ 2022 ክጅመርዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎን ተፈሊጡ።
ኣብዚ ዝርርብ ናይ ዝሳተፍ ልኡኽ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ቀንዲ መራሕቲ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ኣማኻሪ ብሄራዊ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ዶ/ር ጊደዎን ጢመቲዎስ ጠቕላሊ ዓቃብ ሕግን ናይ ክልል ኣምሓራ ምክትል ፕረሲደንት ዶ/ር ጌታቸው ጀንበርን ዝርከብዎ ዓሰርተ ኣባላት ዝሓቖፈ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣባላት ልኡኽ ክልል ትግራይ ድማ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፖለቲካዊ ኣማኻሪ፡ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ኣባል ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስት፡ ኣንበሳደር ወንድሙ ኣሳምነው፡ ዶ/ር ፍሰሃ ሃብተጽዮን፡ ኣቶ ተወልደ ገ/እግዚኣብሄር፡ ኣቶ ካሳ ገብረዮሃንስን ኣቶ ኣሰፋ ኣብረሃን ክኾኑ እንከለዉ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ጸጥታ ድማ ሓቢሮም ከም እተጓዕዙ፡ ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብ19 ጥቅምቲ 2022 ናብ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ኣረጋጊጾም። ልኡኽ ትግራይ ካብ መቐለ ተበጊሱ ብመንገዲ ጅቡቲ ኣቢሉ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝበጸሐን ፍሉይ ልኡኽ ኣሚሪካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ምስቲ ልኡኽ ሓቢሮም ከም ዝተጓዕዙ ተፈሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ንመንነት ኣባላት ልእኹ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒስዎም ካብ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ኣቶ ደመቀ መኮነንን ዳይረክቶር ብሄራዊ ጸጥታ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህን ካብዚ ልኡኽ ከም ዝተረፎም ተፈሊጡ ኣሎ። ገለ ወገናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ስጉምቲ ምውሳዱ ነቲ ዘተ ትሑት ግምት ንምሃብ እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።
ጸሓፊ ዘቤታዊ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣለጃንድሮ ማዮርካስ፡ “ኢትዮጵያውያን ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኩነታት ክሳብ ዝመሓየሽ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ምንባርን ምስራሕን ፈቓድ ክረኽቡ እዮም” ከም ዝበሉ ኤኤፍፒ ሓቢራ። ድምጺ ኣሜሪካ ብወገና እዚ ንኢትዮጵያውያን ተዋሂቡ ዘሎ ካብ 20 ጥቅምቲ 2022 ዝጅምር ናይ መንበርን ስራሕን ፈቓድ 18 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ከም ዝኾነን ከም ኣድላይነቱ ከም ዝመሓየሽን ጠቒሳ።
እዚ መሰል ንኢትዮጵያውያን ክወሃብ ዝተወሰነ፡ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ግርጭታትን ህውከትን እናገደደ ይኸይድ ስለ ዘሎ ምዃኑ እዚ ኣሜሪካዊ ዘቤታዊ ትካል ጸጥታ ኣፍሊጡ። እዚ ግዝያዊ ፈቓድ ዝወሃብ ዘሎ ናይ ኣሚሪካ ኢሚግረሽን ብ1990 ሃገራት ብውግእ፡ ብናይ ተፈጥሮ ሓደጋን ካልእ ፍሉይ ኩነታትን ኣብ ወጥሪ ክኣትዋ እንከለዋ ንዜጋታተን መፍትሒ ክኸውን ብዝወሰኖ መሰረት ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
እቶም ጸሓፊ ዘቤታዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ኣብዚ መግለጺኦም፡ ኣብዚ እዋንዚ ዜጋታት ናብታ ብብዝሒ ህዝቢ ካብ ኣፍሪቃ ካለኣይ ደረጃ እትሕዝ ኢትዮጵያ ክምለሱ ውሑስ ኣይኮነን ኢሎም። ዝርዝር ምኽንያት ከቕርቡ እንከለዉ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ግርጭታትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ይገድድ ኣሎ ኢሎም፡ ብሰንክዚ ሲቪል ሰባት ብዓሌታዊ መንነቶም ኣብ ሓደጋ ሞት፡ ዓመጽን ማእሰርትን ይወድቁ ምህላዎም ኣቃሊዖም። ሕጽረት መግብን ዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን እውን ንኩነታት ኢትዮጵያ የጋድድዎ ምህላዎም ኣብቲ መገልጺኦም ኣስፊሮም።
ኣብዚ እዋንዚ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዳርጋ መዓልታዊ ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ጠጠው ክብል፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተመዲቡ ዘሎ ዘተ ሰላም ክቕጽልን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ከውጽእን ብተደጋጋሚ ይጽውዑ ኣለዉ።
ሰራዊት ኤርትራ ብሰፊሑ ዝሳተፈሉ ዘሎ፡ ውግእ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ቀጻሊ ኣብ ዘለወሉ፡ እቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ ናይ ሰላም ዘተ 24 ጥቅምቲ 2022 ከም ዝካየድ በቲ ሕብረት ከም ዝተነግሮምን መንግስቶም ክሳተፍ ድልዊ ከም ዘሎን ኣንበሳደር ሬድዋን ሑሰን ብ20 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ኣፍሊጦም።
ኣንበሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣማኻሪ ጸጥታዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኮይኖም፡ ኣባል ናይቲ 7 ዝኣባላቱ ናይ ፈደራላዊ መንግስት ኢትዮጵያ ናይ ዘተ ሽማግለ እዮም።
ነዚ ተታሒዙ ኣሎ ዝተባህለ ናይ ዘተ መደብ ብዙሓት ወገናት ወይ ኣይካየድን እዩ፡ እንተተኻየደ እውን ውጽኢት ኣይህልዎን እዩ ዝብልዎ ዘለዉን ናይ 24 ጥቅምቲ 2022 ቆጸራ ብዝምልከት እዚ ዜና ክሳብ ዝዳለወሉ ብወገን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮነ ክልል ትግራይ ብወገዒ ዝተባህለ የለን።
ብኻልእ ወገን ድማ ነቲ ብ8 ጥቅምቲ 2022 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ እሞ ንዘይተፈልጠ ግዜ ተናዊሑ ዝተባህለ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ዘተ መደብ ተኸቲሉ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ብዝኸፈአ ደረጃ ቀጻሊ ኣሎ። ነቲ ደማዊ ውግእ ዝተፈላለዩ ዞባውን ኣህጉራውን ኣካላት ዝቃወምዎ ዘለዉ ኮይኑ፡ ናይ መቃወሚኦም ማእከላይ ነጥቢ ከኣ “ሓይልታት ኤርትራ ካብ ውግእ ኢትዮጵያ ይውጻእ” ዝብል እዩ። ናይ ክልቲኦም ወገናት ናይ ምርኻብ ዕድል እንተ ኣጋጢሙ እውን ኢድ ኣእታውነት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ቀንዲ ዓንቃፊ ዛዕባ ከም ዝኸውን ብብዙሓት ይግመት።
ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ኩነታት ናይቲ ውግእ፡ ማእከላይ ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስት ትግራይ ድሕሪ መቐለ ዝዓበየት ከተማ ትግራይ ሽረ እንዳስላሴ ኣብ ትሕቲ’ቲ ናይ ኤርትራ ሓይልታት ወሲኽካ ኣንጻሮም ዝዋጋእ ዘሎ “ናይ ልፍንቲ ሰራዊት” ዝብልዎ ከም ዝወደቐት ኣፍሊጡ። ኣብ ከባቢ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ኣዝዩ ሓያል ውግኣት ይካየድ ከም ዘሎ ድማ ኣፍሊጡ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ጉተረዝ “ሰራዊት ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ኢትዮጵያ ይውጻእ” ኢሎም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ብ17 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ዝሃብዎ ህጹጽ መግለጺ “ሓይልታት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ይውጻእ” ኢሎም፡ “ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ይኸውን ኣሎ” ከም ዝበሉ ካብ ቤት ጽሕፈቶም ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ጉተረዝ ኣብቲ ህጹጽ ጋዜጣዊ መግለጺኦም፡ ኣብ ትግራይ፡ ዓመጽን ዕንወትን ኣብ ኣስጋኢ ደረጃኡ ይበጽሕን ማሕበራዊ ህይወት የንቆልቁል ከም ዘሎን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኦም ጠቒሶም። ኣብ ከባቢ መንበሪ ሰላማውያን ከይተረፈ ግፍዓዊ መጥቃዕትታት ከም ዝተፈጸመ ጠቒሶም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ ንጹሃት ቅትለት፡ ከቢድ ዕንወት ትሕተ-ቅርጻን ምቁራጽ መሰረታዊ ቀረባትን ከም ዘጋጠመ ሓቢሮም።
ጉተረዝ ነዚ “ሓይልታት ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ኢትዮጵያ ይውጻእ” ዝበልሉ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ ሓድሽ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ ዘለዉ መዕርፎ ነፈርትን ካለኦት ፈደራላዊ ትካላትን ንምቁጽጻር ውግእ ከም ዝቕጽል ምስ ኣፍልውጠ እዮም።
ሰቪል ሕብረተሰብ ኣዝዩ ኣጨናቒ ዋጋ ይኸፍል ኣሎ ዝበሉ ጉተረዝ፡ ካልእስ ይትረፍ እቲ ውግእ ኣብ ዝሓለፈ ነሃሰ 2022 ዳግማይ ካብ ዝጅመር ንደሓር ጥራይ ኣማኢት ኣሸሓት ሲቪል መብዛሕትኦም ንኻለኣይ ግዜ፡ ካብ መንበሪኦም ከም ዝተመዛበሉ ጠቒሶም። ከምኡ እውን ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ጭካነን ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ ኣደታትን ካልእ ክፍሊ ሕብረተሰብን ትግራይ ይፍጸም ኣሎ፡ ዝብል ኣሻቓሊ ጸብጻባት ብተኸታታሊ ከም ዝበጽሖም ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኦም ኣንጸባሪቖም።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ኩሎም ወገናት ብዓለምለኻዊ ሕግታት ክግዝኡ ይግባእ ድሕሪ ምባል፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወጥሪ ንምፍታሕ ኣብ ዘካይዶ ጻዕሪ ኣብ ጐኑ ከም ዝስለፍ ኣረጋጊጾም።
ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይትን ካለኦት ክልተ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ከም ዝተኣስሩ ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ዜና ናይ ኤርትራን ካብ ኤርትራ ወጻእን ምንጭታቱ ብምጥቃስ ከም ዝሓበሮ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ ብ15 ጥቅምቲ 2022 ካብ መገሻ ክምለሱ እንከለዉ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ እዮም ተኣሲሮም።
ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ንሓይልታት ጸጥታ ሓቲታ ማእሰርቲ ኣቡነ ፍቕረማርያም ከተረጋግጽ እንከላ፡ መእሰሪኦም ምኽንያት ግና ኣይተፈልጠን። ኣባ ፍቕረማርያም ሓጐስ፡ “ከምቲ ቤተ ክርስትያን ንህዝቢ ብመንፈሳዊ ሓልዮትን ፍቕርን እትናብዮ፡ መንግስቲ ከኣ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብምቕራብ ንህዝቢ ከገልግሎ ኣለዎ” ዝብል፡ መንፈሳዊ ማዕዳ ከቕርቡ ዝጸንሑ ኣቡን ምዃኖም እቲ ዜና ጠቒሱ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣባላት ጸጥታ ኤርትራ፡ ንቆሞስ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚኪኤል፡ ኣባ ምሕረትኣብ እስቲፋኖስ ብ11 ጥቅምቲ 2022 ካብ ሰገነይቲ ንደልየካ ኣለና ኢሎም ከም ዝወሰድዎም ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም። ኣባ ኣብርሃም ንዝተባህሉ ካህን ማሕበር ካፑቺኒ ድማ ኣብ ከተኣማ ተሰነይ ከም ዝኣሰርዎም ተፈሊጡ። እዞም ካህናት ኣብ ከምይ ኩነታት ከም ዘለዉን ስለምንታይ ከም ዝተኣስሩን ኣይተፈለጠን።
በቲ ሓደ ወገን ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መንግስቲ ኤርትራ ንዅሉ ዘማእከለ ዲሞክራስያዊት ሃገር ክሃንጽን እቲ ዘሎ ምልካዊ ኣተሓሕዛ ንከቋርጽ ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ከም ዝጸንሑን ይፍለጥ። በቲ ካልእ ወገን ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብማሕበር ላሳለ እትመሓደር ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝን ኣብ ደቀምሓረ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ቴክኒክ ዶንቦስኮን ከም ዝወረሰ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ሰኔት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣቦመንበር ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት ሰነይተር ቦብ መነንደዝ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ብ16 ጥቅምቲ 2022 መግለጺ ኣውጺኦም። እቲ መንገለጺኦም ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ድሕሪ ከም ሓድሽ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ውግእ ምጅማሩ ናይ ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ግህሰታትን ናይቲ ተግባር ተሓተትን ዝምልከት ምዃኑ ኣብቲ መግለጺኦም ተመልኪቱ።
እቲ መግለጺ፡ እቲ ቀጻሊ ዘሎን ድሮ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፈለን ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ጐንጺ፡ ጥሜትን ስእነት ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ከም ዘስዓበ ጠቒሱ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ንነጀው ብሰንክቲ ውግእ ኣብ ትግራይ ጥራ ናይ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ህይወት ኣጥፊኡ ተባሂሉ ከም ዝግመት ኣስፊሩ። እቲ ውግእ ድሕሪ ንሓመሽተ ኣዋርሕ ጠጠው ኢሉ ምጽንንሑ ዳግማይ ምቕጻሉ ናይ ብዙሓት ሰባት ህይወት ኣብ ሓደጋ ዘውዲቑ ከም ዘሎ ድማ ኣብቲ መግለጺ ናይቶም ኣሜሪካዊ ሰነይተር ተጠቒሱ።
ሰነይተር ቦብ መነንደዝ፡ ኩሎም ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክዕቀቡ ጸዊዖም፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብ ኣሕመድ ድማ “ነቶም ኤርትራውያን ዕሱባት ካብ ኢትዮጵያ ንክወጹ ኣዝዞም፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣንቢርካዮ ዘለኻ ጨቃን ዕጽዋ ከኣ ኣልዕሎን” ዝብል ትርር ዝበለ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም። ንክልቲኦም ኣካላት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ድማ ብዘይቅመ- ኩነት ናብ መስርሕ ዘተ ክምለሱ ጸዊዐሞም።
እቶም ሰነይተር ወግእ ጠጠው ከይበለ’ውን፡ ሰኔት ኣሜሪካ በቲ “ኢትዮጵያ ሰላምን ዲሞክራስን ግብራዊ ውሳነ 2021” ዝብል ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ውሳነ እማመኦም መሰረት፡ ውሳነ ንክውስን ናይ ምርድኡ መደብ ከም ዘለዎም ኣብቲ መግለጺኦም ጠቒሶም። በዚ መሰረት ዝሓልፍ ውሳነ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ተጻብኦ ጠጠው ንምባል ዘይቅበሉ ኣካላትን ኣጽዋር ዘቕርቡን ወገናትን ቀጻዒ ስጉምቲ ዘውስድ ክኸውን እዩ ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ፡ ብሓፈሻ መንግስቲ ኣሜሪካ ብፍላይ ድማ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ናይታ ሃገር፡ ምስ ገበን ውግእ፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ጽንተት ደቂ ሰብን ዝምድና ዘለዎም ተግባራት፡ ኣብ ምልላይ ክደናጐዩ ከም ዘይግበኦም ኣዘኻኺሩ። ነዚ ዝምጥን ኣብ ልዕሊ ብገበን ተሓተቲ እገዳታትን ተመሳሳሊ ስጉምትታትን ብቕልጡ ክውሰድ ድማ ጸዊዑ።
ቀዳም 15 ጥቅምቲ 2022 ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ መብዛሕትኦም ኣባላት ዝተሳተፍዎ ዕዉት ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ኣካይዱ። ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ዛዕባታት ብዕምቆት ተመያይጡ፡
1. ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 25 መስከረም ኣባላት ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝተሳተፍዎ ሰልፋዊ ሰሚናር ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዞናናን መዚኑ ዝወጠኖ መደባት ዞባና ከመይ የተግብሮ
2. ምስ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ከመይ ብሓባር ንሰርሕ
3. ኣብ ነፍስ-ወክፍ ኣርባዕተ ዓመት ዝካየድ ጉባኤ ሰልፊ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት 2023 ከመይ ነዕውቶ
4. ሓጻይት ሽማግለ ሰልፊ፡ ብቕዓትን ናይ ኤርትራ መልክዕን ዝውንን መሪሕነት ምእንቲ ክምረጽ ዝተለመቶ መደባት ምርኣ
5. ዞባዊ ጉባኤ ዝካየደሉ ግዜን ኣገባብን ንምርኣይ መባእታዊ ድህሰሳ ምግባር
ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣብ ነፍስወከፍ ኣርእስቲ ዝኣክል ግዜን ተገዳስነትን ሂቡ ዓሚቕን ሰፊሕን ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ ኣብ ሓባራዊ ነጥብታት ደምዲሙ።
ኣኼባ ህድኣትን ምክብባርን ዝዓሰሎን ሞራል ኣባላት ክብ ዘበለ ኮይኑ ብዓወት ተዛዚሙ። እዚ ኣኼባ’ዚ
ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካ ብምልኣት ዝተሳተፍዎ ምንባሩ ተወሳኺ ድምቀት ሂቡዎ ውዒሉ።
ኣብ ዝመጽእ ግዜ ደሃይ ሰዲህኤ ሰሜን ኣሜሪካ ሒዝና ክሳብ ንመጽእ ተኸታተልትና ሰላም ቀንዩ።
የቐንየልና።
ምልኪ ይፍረስ! ፍትሒ ይንገስ!
ክንዕወት ኢና!
ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
10-15-2022
More...
ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ሓቲቶም ተባሂሉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ሻምፒዮን ቅድድም ብሽክለተ ኣውስትራልያ ካብ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ፡ ሹዱሽተ ኣብ ኣወስትራልያ ዑቕባ ከም ዝሓተቱን መስርሕ ምሕታት ዑቁባኦም ከም ዝጀመሩን ካብቲ ቦታ ዝበጽሓ ሓበሬታ ብምጥቃስ ቴለቪዣን ኤሪሳት ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጻ ሓቢራ።
ሃገራዊት ጋንታ ብስክሊት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2022 ኣብ ኣወስትራሊያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ተሳቲፋ እያ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ እቶም ነቶም ዑቕባ ዝሓተቱ ሽዱሽተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ዝተሓጋገዝዎም ዘለዉ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ንመስርሕ ሕቶ ዑቕባን ካልእ ተመሳሳሊ ወጻኢን ዝኸውን ገንዘብ ንምርካብ ኤርትራውያን በብዓቕሞም ንከበርክቱ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።
ኣብዚ እዋንዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ተጸሚዱ፡ ኣደዳ በብዓይነቱ ክሳራታት ይኸውን ኣብ ዘለሉን ኤርትራውያን ብዘያፈላላይ ብጭካነ ብኣልማማ ይገፍፍ ምህላዉን እቶም ተወዳደርቲ ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ኣገዲድዎም ከም ዝኸውን ይግመት።
ጠቕላላ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት፡ ጎበጣ ሩሲያ ንምቅዋም ወሲኑ፡ ኤርትራ ድምጻ ዓቂባ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤጠቕላላ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ብ12 ጥቅምቲ 2022 ንጎበጣ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ዩክረይን ዝምልከት፡ ብመብዛሕትአን ኣባል ሃገራት ዝተደገፈ ውሳነ ኣሕሊፉ። እቲ ውሳነ ሩሲያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ “ረፈረንደም ኣካይደን” ብዝብል ጉልባብ 4 ናይ ዩክረይን ኣካላት ንዝነበራ ከባብታት ናብ ግዝኣታ ንምጥቕላል ንዝወሰደቶ ዘይሕጋዊ ጎበጣ ኩለን ኣባል ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ከይህባ ዝጽውዕ እዩ።
ኣብቲ ዝተዋህበ ድምጺ 143 ሃገራት ኣንጻር ሩሲያ ነቲ ውሳነ ሓሳብ ደጊፈን፡ 5 ሃገራት ነቲ ሓሳብ ደጊፈን ንደገፍ ሩሲያ ከድምጻ እንከለዋ፡ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብኣተን ኤርትራ ዝርከበአን 35 ሃገራት ድማ ድምጸን ከም ዝዓቀባ መግለጺ ናይቲ ኣኼባ ሓቢሩ። ካብተን ድምጸን ዝዓቀባ ብዘይካ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ’ ቻይና፡ ህንድን ደቡብ ኣፍሪቃን ይርከበአን። እተን ንደገፍ ሩሲያ ዘድመጻ ድማ፡ ቤላሩስ፡ ሰሜን ኮሪያ፡ ኒካራጉዋ፡ ሱሪያን ሩሲያን እየን። ኤርትራ ክሳብዚ ኣኼባ ንጉዳይ ሩሲያን ዩክረይንን ኣብ ዝምልከት ካብተን ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ሓንቲ ኮይና ንሩሲያ ደጊፋ ከተድምጽ ከም ዝጸንሐት ዝዝከር እዩ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ውሳነኡ፡ ምክልኻል መትከላት ሕቡራት ሃገራት፡ ዶነትስክ፡ ከኢርሶን፡ ሉሃንስክን ዛፖሪዝሂያን ዝበሃላ 4 ክልታት ዩክረይን ብሩሲያ ዝተወስዳሉን ዝተጎብጣሉን ኣገባብን ምግሃስ ግዝኣታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን ዩክረይንን መበገሲ ዝገበረ ምዃኑ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ተጠቒሱ።
ጠቕላላ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ኣኼባ ኣካይዱ ክመያየጥ ዝተገደደ፡ ሩሲያ ብዘለዋ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰል፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ዩክረይ ንዘካየደቶ ከባብታት ዩክረይን ናብ ግዝኣታ ብምጥቕላላ ኣንጻራ ከይውስን ምስተቓወምት እዩ። ስለዚ እዚ ውሳነ ኩለን ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ንጎበጣ ሩሲያ ኣፍልጦ ንከይህባን ውሳነኣ ንክትቕይር ተጽዕኖአን ንከሕይላን ምዃኑ ተጠቒሱ። እቲ ውሳነ ንናይ ክሳብ ሕጂ ጻዕሪ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ኣባል መንግስታትን ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ተጽዕኖ ክፈጥራ ብምጽንሐን ድማ ኣመስጊኑ።
6 ሃገራት ውግእ ኢትዮጵያን ትግራይን ደው ክብል ፀዊዐን ንተሳትፎ ኤርትራ ብትሪ ኮኒነን።
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣውስትራልያ፣ ደንማርክ፣ ጀርመን፣ ሆላንድ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ሰብኣዊ ቅልውላውን እናገደደ ምምጽኡ ከምዘሻቐለን ምግላጸን ቤት ጽሕፈት ወሃብ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ኣሚሪካ ብ12 ጥቅምቲ 2022 ኣፍሊጡ። ላዕለዎት ሓለፍቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ወተሃደራዊ ግጭት ኣብ ሓጺር ግዜ ጠጠው ከብሉ’ውን መግለጺ ናይዘን ሽዱስተ ሃገራት ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ናይዘን ሃገራት፡ እቲ ክቐርብ ጸኒሑ ዝተቛረጸ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምቲ ጀሚርዎ ዝነበረ ከም ዝቕጽል ክገብሩን ናብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምራሕ ተመዲቡ ዘሎ መስርሕ ዘተ ተሳቲፎም ናብ ዘተኣማምን ስምምዕ ንክበጹ እውን እቲ ናይ ሓባር መጸዋዕታ ናይዘን ግዱሳት ሃገራት ኣመልኪቱ።
ናይዘን ሽዱሽተ በቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ደማውን ኣዕናውን ውግእ ኣዝየን ዝተሻቐላ ሃገራት መግለጺ፡ ነቲ መመሊሱ ዝዓርግ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ሓይልታት ኤርትራ ብትሪ ኮኒኑ። ኣተሓሒዘን ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ጠጠው ኣቢሉ ብቕልጡፍ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ጸዊዐን። ኩሎም ነቲ ውግእ ዘጋድዱ ዘለዉ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኢዶም ክስሕቡ ድማ እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።
ብሓፈሻ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት፡ ብፍላይ ድማ፡ ናይ ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ናይ ሓባር ኣጻራይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፡ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝከታተል፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ናይ ክኢላታት ኮሚሽን ኣብዚ ቀረባ ዝቐረበ ጸብጻባት ከም ዝተኸታተሎ እቲ መግለጺ ጠቒሱ። በቲ ናይ ክሳብ ሎሚ ጸብጻባት መሰረት፡ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ትግራይን ከምኡ ከኣ ከም ፋኖ ኣምሓራ ዝኣመሰሉ ዝተዓጥቁ ሓይልታት፡ ሰብኣዊ ግህሰታት ከም ዝፈጸሙ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ።
ካብ ዝርዝር ናይቲ ሰብኣዊ ግህሰታት ድማ፡ ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ኣካላዊ ሰብኣዊ ጉድኣትን ጾታ ዝመሰረቱ ዓመጻትን ከም ዝርከቦ ተሓቢሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ እቲ መግለጺ በቲ ብትካላት ሰብኣዊ መሰል ዝቐረበ ጸብጻባት ሻቕሎት ከም ዝሓደሮ ጠቒሱ፡ ጥሜት ናይ ውግእ መሳርሒ ይኸውን ኣሎ ንምባል ዘኽእል ባይታ ከም ዘሎ’ውን እቲ ጸብጻብ ኣዘኻኺሩ።
ደ/ሱዳን ስደተኛታት ክትሰጉግ፡ ጀርመን ግና ንስደተኛታት ዝድግፍ ውሳነ ትውስን፡
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤደቡብ ሱዳን መብዛሕቶም ኤርትራውያንን ኢትዮጵውያንን ዝኾኑ ልዕሊ 20 ወጻእተኛታት ካብ ሃገራ ክትሰጉግ ምዃና ብቢሲ ሓቢራ፡ ብኻልእ ወገን ድማ ፈደራላዊ ምምሕዳር ቤት ፍርዲ ጀርመን ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ጉዕዞ ሰነድ ንምርካብ ካብ ኤምባሲ ሃገሮም ወረቐት ከቕርቡ ንኸይግደዱ ከም ዝወሰነ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ ኣፍሊጡ።
እዞም ካብ ደቡብ ሱዳን ናይ ምስጓግ ሓደጋ ኣጋጥምዎም ዘሎ ኤርትራውያን ዜጋታት ካብ ሃገሮም ምስ ወጹ፡ ናብ ጁባ መበግሲኦም ከተማ ካርቱም ኮይና፡ ምኽንያት ጉዕዘኦም ከኣ ደሕንነቶም ንምሕላው ምዃኑ ተፈሊጡ። ንሳቶም ካብ ካርቱም ነቒሎም በንትዩ ወይ ፓሎት ካብ ዝበሃላ ናእሽቱ ከተማታት ናብ ጁባ ብዘይ ፓስፖርት ብናይ ውሽጢ ሃገር በረራ ዝተጓዕዙ ምዃኖም እቲ ዜና ጠቒሱ።
ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ደቡብ ሱዳን ሓላፊ ጉዳይ ኢሚግረሽን፡ ሌተናል ጀነራል ኣተም ማሮል ቢያር፡ እቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተኣስሩን ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ናይ ግድን ዝኾነሉን ምኽንያት ዘርዚሮም። ንሶም እቶም ሰባት ናይ ጉዕዞ ሰነድ ዘይብሎም ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ምስ ዘለዋ ትካላት ዝኾነይኹን ምትእስሳር ስለ ዘየብሎም እሞ ንጸጥታ ሃገሮም ጠንቂ ከይኮኑ ብምስጋእ እዮም ዝጥረዙ ኢሎም።
እቶም ስደተኛታት ንግዜኡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዘይሰነድ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝኣትዉ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ኣብ ዝጸንሕሉ ኮሎሎ ዝበሃል ቦታ ኣብ ዝርከብ ናይ ኢሚግረሽን ፍሉይ ትካል ከም ዘለዉ ናይ ደቡብ ሱዳን መዲያታት እውን ሓቢረን ኣለዋ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ፈደራላዊ ምምሕዳር ቤት ፍርዲ ጀርመን ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ጀርመን ናይ ጉዕዞ ሰነድ ንምርካብ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ወረቐት ከቕርቡ ንኸይግደዱ ከም ዝወሰነ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ ኣፍሊጡ። በቲ ውሳነ መሰረት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኤምባሲ ኤርትራ ዝኾነ ቀጥዒ ንክመልኡ ኣይክግደዱን እዮም። እዚ እቲ ከም ዝተጠዓሱ መረጋገጺ ክህቡ ክግደድሉ ዝጸንሑ ምኽንያት እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ምምሕዳር ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ጀርመን፡ ዝኾነ ሰብ ፓስፖርት ንክረክብ “ገበነኛ እየ” ክብል ክግደድ ከይዘይግባእ ኣዕዚዙ ገሊጹ።
ናይ ኤርትራውያን ብዘይዝኾነ ይኹን ናይ ጉዕዞ ሰነድ እንዳቖራረጽካ ኣብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ፡ እሞ ኣብዚ ኣትየምዎ ዘለዉ ጸገም ምውዳቐሞ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ሃገርና ኣብዚ እዋንዚ ዝካየድ ዘሎ ጨካን መደብ ግፋ ህግደፍ እዩ።