ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝፈታተን ተበግሶ ትራምፕ

2026-01-24 13:30:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 186 times

ፕረሲደንት ትራምፕ ብጉልባብ ዳመ-ህንጻ ጋዛ (ፍልስጥኤም) ኣበጊስዎ ዘሎ ናይ ሰላም ቦርድ/board of peace” ንህላወ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘስግእ ምዃኑ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ስግኣተን ይገልጻ’ለዋ። ፕታምፕ ነዚ ካብ ዝጅምሮ ኣዋርሕ ዘሕለፈ ኮይኑ ኣብቲ ብ21 ጥሪ 2026 ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዳቮስ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ቁጠባዊ መድረኽ ዓብይ ኣዛራቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ቀሪቡ።

ትራምፕ ነቲ ዝምስርቶ ዘሎ ናይ ሰላም ቦርድ፡  ባዕሉ  ዝመርሖ ኮይኑ፡ 7 ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ከም ዝርከብዎ ይጠቅስ፡  ኣባላት ናይቲ ፈጻሚ ኣካል ክኾኑ ሓጽይዎም ካብ  ዘሎ፡ ናይ ኣሜሪካ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን   ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪታንያ ቶኒ ብሌርን ከም ዝርከብዎም ተመልኪቱ’ሎ።

በቲ መደብ ትራምፕ መሰረት ናይዚ ቦርድ ኣባል ንምዃን ዕድመ ዝተገብረለን ሃገራት ፈቓደኛታት እንተኮይነን፡ ሓደ ቢልዮን ዶላር ናይ ምኽፋል ግደታ ኣለወን። ክሳብ ሕጂ ነቲ ዕድመ ኣኽቢረን ቅሩነተን ኣርእየን ዘከለዋ መብዛሕትኣን ሃገራት ዓረብን ወሽመጥን እየን። ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ጆርዳን፡ ኢንዲኒዥያ፡ ፓኪስታን፡ ኳታር፡ ኢመራት፡ እስራኤልን ቤላሩስን ይርከበአን ካብተን ነቲ መጸዋዕታ ተቐቢለን ዘለዋ እየን።

ሓያሎ ሃገራት መብዛሕተአን ካብ ኤውሮጳ ግና፡  እዚ ብጉልባብ ምህናጽ ጋዛ ዝረአ ዘሎ ተብግሶ   ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፍነት መንዚዕካ  መተካእታ ናይ ምዃን ሕቡእ ኣጀንዳ ኣለዎ ብዝብል ኣይተቐበለኦን።

ህንዲ፡ ቻይና፡ ጀርመን፡ ቫቲካን፡ ኣየርላንድ፡ ሮማኒያ፡ ፊንላንድ፡ ግሪክ፡ ጃፓን፡ ኦስትሪያ፡ ኣወስትራሊያ፡ ኔዘርላንድስ፡ ታይላንድ፡ ደቡብ ኮርያን ካለኦትን ካብተን መጸዋዕታ ከም ዝበጸሐን ኣረጋጊጸን ጌና ኣውንታዊ ምላሽ ዘይሃባ እየን። ሩሲያ ከኣ እቲ ሓደ ቢልዮን ዶላር ካብቲ ኣጊድኩምዎ ዘለኹም ገንዘብና ውሰዱ ዝብል ምላሽ ሂባ’ላ። ብሪጣንያ፡ ፍራንስ፡ ነርወይ፡ ኢጥልያን ስሎቨኒያን ከኣ እተን ንኣባልነት ቦርድ ሰላም ትራምፕ ዝነጸግኦ እየን

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ንሓንሳብ ናይቬንዙዋላን  ደሴት ግሪንላንድን ንሓንሳብ ድማ ናይ ኢራን ኣጀንዳታት ዘደይብን ዘውርድን ዘሎ ትራምፕ፡ ኣሜሪካ ካብ ኣባልነት ውድብ ጥዕና ዓለም ጠቕሊላ ከም ዝወጸት ብወግዒ ኣውጁ፡ ንብዙሓት ኣሻቒሉሎ።

Last modified on Saturday, 24 January 2026 14:38