ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ

2026-02-02 20:14:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 319 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ31 ጥሪ 2026 ምዱብ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ’ዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ፡ ሃገርና፡ ዞባናን ኣህጉርናን ይረአ ብዛዕባ ዘሎ  ፖለቲካዊ ኣሰላልፋታት፡ ዝፍጠር ዘሎ ስግኣታትን ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ዘሕድሮ ጽልዋን  ዘንጸባርቕ ቃል ኣስሚዑ።

 ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ብምቕጻል፡ ከም ቀዳማይ  ኣጀንዳኡ ሰሪዑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸብጻብ ኣብያተ-ጽሕፈት  ሰዲህኤ  ሰፊሕ ምይይጥ ብምክያድ፡ ግቡእ ሚዛናት ኣንቢሩ። ኣብቲ ጸብጻባት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዝተኻየዱ ምንቅስቓሳት ዳህሲሱ።  ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ድማ ኣብ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ዝተራእዩ ኣውንታታት ተተባቢዖም ክቕጽሉ፡  ድኽመታት ከኣ ዝእረምሉ ኣንፈታት ኣስፊሩ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ከም ውጽኢት ናይቲ ጸብጻባት መሰረት ገይሩ ዘካየዶ ሰፊሕ ምይይጥ  ነዞም ዝስዕቡ ውሳነታት ወሲኑ።

1) ኣድለይቲ ኣብ ዝበሎም ሰልፋዊ ዛዕባታትን ኣድማዒ ኣበርክቶ ሰዲህኤ ኣብ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኣብ ዝምልከቱ ነጥብታት  ውሳነታት ወሲኑ።

2) መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ’ውን ብተደጋጋሚ፡ ብዝኾነ መንገዲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክንውንን ኣለና ብዝብል ኣንጻር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዘቕነዐ ጐስጓስ የካይድ ምህላዉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብዚ ተግባሩ ንክቑጠብ ደጊሙ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ልኡላውነት ሃገራት ዝዕቅቡን ንኣጠቓቕማ ወደብ ዝምልከቱን ኣህጉራዊ ሕግታትን ቻርተራትን ከይገሃሱ’ውን ኣጥቢቑ ኣዘኻኺሩ። ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ውግእ ንረብሓኦም ከምዘይከውን ተገንዚቦም ናይ ሰላም ሓይሊ ንክኾኑ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ጸዊዑ።

3) ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ እዚ ንርከበሉ ዘለና ሓቢርካ ምቅላስ ዝዓዘሉ ግዜ፡ ጻዕሩ ዝያዳ ከም ዘበርኽ ዘለዎ እምነት ኣስፊሩ።  ኣብ ርእሲ’ዚ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ኣብዚ መመሊሱ ዝገድድ ዘሎ ተሃዋሲ ፖለቲካዊ ላዕልን ታሕትን ዞባናን ዓለምናን ኣድማዒ ግደ ክጻወት ንክኽእል ናይ ሓባር መድረኽ ናይ ምፍጣር ምንቅስቓሱ ንከቀላጥፍ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

4) ኣብዚ እዋንዚ እቲ ብፍላይ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ ከምኡ እውን ኣብ ዞባና ሰላም ከስፍን ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ምህላዉ ከም ዘተሓሳስብ ኣኼባ መዚኑ። ካብዚ ሚዛኑ ብምንቃል ድማ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝረአ ዘሎ  ወተሃደራዊ ጐንጺ፡ ኣሰንባዲ ምዃኑ’ውን ተረዲኡ።

በዚ መሰረት ክልቲኦም ወገናት ካብ ዝሓለፈ ዕንወት ተማሂሮም፡ ብትዕግስትን ምጽውዋርን ውዕል ፕሪቶርያ ናብ ምትግባር ክምለሱ ጸዊዑ። እቶም ውግእ ብምጽራር፡ ናይ ዘተ መጸዋዕታ ዘውጽኡ ዘለዉ ኣህጉራዊ ትካላት ጻዕሮም ንክቕጽል’ውን ኣዘኻኺሩ። ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ ሓይልታት፡  ኣብ ክንዲ ንሰላም፡ ኢድ ኣእትዮም ውግእ ካብ ምግዳድ ክቑጠቡ ድማ ኣተሓሳሲቡ።

5) ብሓፈሻ ኣብ ዝኾነ ኩርነዓት ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ካብኡ ናብኡ ከኣ ኣብ መደበር ኣለምዋጭ ተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ህይወት ኣዝዩ መሪር ምዃኑ ኣኼባ ተገንዚቡ። ከምኡ እውን ኣብ ሃገረ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ብዘሎ ሰብኣዊ ግህሰት ኣዝዩ ኣሻቓሊ ምዃኑ ተረዲኡ። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ናብቶም መግስታት ኮነ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ሰብኣዊ ትካላት ነቶም ስደተኛታት ናይ ምድሓንን ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ናይ ምኽባርን ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ኣዕዚዙ ተማሕጺኑ።  

 6) ኣብ ጐረቤትና ሱዳን 3ይ ዓመቱ ሒዙ ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዘኸትሎ ዘሎ ህልቂትን ዕንወትን ከምኡ እውን ሰፊሕ ምምዝባልን ስደትን ሱዳናውያንን ነበርቲ ሱዳንን ብምግንዛብ፡ ተዋጋእቲ ሱዳናውያን ጀነራላት ካብዚ ዘካይድዎ ዘለዉ ኣብራሲ ውግእ ንምውጻእ ኣብ ናይ ወጻኢ ኢድ ኣእታውነት ዘይኮነ ኣብ ድሌትን ትጽቢት ህዝቦም ተመርኲሶም፡ ነቲ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝረአ ዘሎ ናይ ሰላም ተበግሶታት ተቐቢሎም ክፈትሕዎ ጸዊዑ።

ምዱብ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ መወዳእታ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ከካይድዎ ዝጸንሑ፡ ዘይሕለል ቃልሲ ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ እውን ንክቕጽልዎ መጸዋዕታ ብምቕራብ ተዛዚሙ።

Last modified on Monday, 02 February 2026 21:28