ብሪታንያ ናብ ኢትዮጵያ ንዝገሹ ዜጋታታ ኣጠንቂቓ
2026-02-02 09:41:02 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 113 timesዓባይ ብሪታንያ ዜጋታታ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ጥንቃቐ ንክገብሩ ዝመክር መግለጺ ከም ዘውጸአት መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እቲ መጠንቀቕታ ናብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ጋምቤላን ዝግበር ጉዕዞ ምሉእ ብምሉእ ክቋረጽ እዩ ዝመክር። እቲ ናይ ብሪታንያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ መጠንቀቕታ ኣብ ሰፊሕ ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘራኽብ ከባብታት ከም ዘጠቓልል’ውን ጠቒሱ።
ብሪታንያ ብኸምዚ ደረጃ መጠንቀቕታ ንከውጽእ ዘገደዳ ኣብ ትግራይ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተኻየደ ናይ ድሮን ደብዳባትን ዘኸተሎ ጉድኣትን ምዃኑ እቲ መጠንቀቕታ ጠቒሱ፡ እቲ ደብዳብ ዒላማ ዝገበሮ ዕለታዊ ቀረባት ዝጸዓና መካይን ምንባረን ከኣ ሓቢሩ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ድማ ምዕጻው መብዛሕትኡ ኣብያተ-ትምህርቲ ወሲኽካ፡ ዝተፈላለዩ ጉድኣት ዘኸተለ ካብ 2023 ዝጀመረ ውግእ ካልእ ምኽንያት ናይቲ መጠንቀቕታ እዩ ኢልዎ። እቲ መጠንቀቕታ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዘዳውብ ኣብ 10 ኪሎሜተር፡ ምስ ሱዳንን ሶማልያን ኣብ ዘራኽብ ዶብ ድማ 30 ኪሎሜትር ርሕቀት ዝተዘርግሐ ከባብታት ከም ዘጠቓልል እውን ኣስፊሩ።
ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ምስ ኤርትራ ዘራኽብ፡ 100 ኪሎሜተር ዶብ፡ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክልል ኦሮሞን እቲ ክልል ምስ ኬኒያ ኣብ ዘራኽብ ሰፊሕ ዶብን እውን ጸጥታ ውሑስ ከምዘይኮነ እቲ መጠንቀቕታ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ኣብቲ ክልል ሶማሊያ ምስ ኬንያ ዘራኽብ 100 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ዶብ ድማ ዝያዳ ጥንቃቐ ንክግበር ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ደቡብን ማእከላይን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክልል ሲዳማ፡ 10 ኪሎሜተር ርሕቀት ካብ ዶባት ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ከም እውን ናብ ቀላይ ቱርካና ቅርበት ኣብ ዘለዎ ቱሪስት ዝበጽሕዎ ቦታታት ዜጋታት ብሪታንያ ካብ ምኻድ ክቑጠቡ ኣጠንቂቑ።
እዚ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝሰፍሐ ከባብታት ናይ ጸጥታ ስግኣት ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።