ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ

2026-01-30 21:14:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 163 times

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ጅቡታዊ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ጅቡታዊ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ብ30 ጥሪ 2026 መግለጺ ኣውጺኡ። ኣብቲ ዘውጸኦ እዋናዊ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት፡ ብቐረባ ይከታተሎ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ዝለዓለ ሻቕሎት ከም ዝሓደሮ ኣፍሊጡ።

 እቲ ኮሚሽነር ብኣላይነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝተገበረ ጻዕሪ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብ2 ሕዳር 2022 ዝተበጽሐ ህውከት ናይ ምቑራጽ ስምምዕ ኣገዳሲ   ምዃኑ ጠቒሱ ንከይጠሓስ ድማ ብትሪ ኣተሓሳሲቡ።

ኮሚሽነር ማሕሙድ ዩሱፍ ኣብቲ ናብ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘቕረቦ መጸዋዕታ፡ ዘይምትእምማን ካብ ዝፈጥር ተግባራት ዝለዓለ ጥንቃቐ ንክገብሩ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ድማ ንኹሎም ዘየረዳድእዎም ጉዳያት ንመንፈስ እቲ ስምምዕ ብዘሓለወ መንገዲ ንክፈትሕዎም ኣዘኻኺሩ። ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ስምምዕ ኣብ ምትግባር ዘይተቖጠበ ጻዕሪ ከም ዝገብር ብምጥቃስ ከኣ፡ ኣብ መስርሕ ሰላማዊ ፍታሕ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ክልቲኦም ኣካላት ከም ዝተሓባበር ኣፍሊጡ።

 ኣብ መወዳእታ ከኣ ሕብረት ኣፍሪቃ በቲ ናይ ዘተ ልእኹ ኣቢሉ፡ ኣብ መጻኢ እውን ግደኡ ኣብ ሰላማዊ መስርሕ ዘይተገደበ ኣስተዋጽኦ ብምግባ፡ር ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ንክዕቀብ ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ።

ናይዚ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መገለጺ ዝወጽእ ዘሎ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ኣብ ከባቢ ጸለምትን ራያን ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓዲሽ ወተሃደራዊ ጐንጺ ምፍጣሩ ይሕበር ኣብ ዘለወሉ እዩ።

Last modified on Friday, 30 January 2026 22:30