ድርብ ወጽዓ: ብድርብ ቃልሲ

2025-03-07 19:58:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 443 times

“ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ሕረተሰብ እየን፡ ብዘይተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ሰውራ የለን”፡ ዝብሉ ጭረሖታት  ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ምቕያር ሕብረተሰብ ክሳብ ክንደይ ዕዙዝን ብተመኩሮ ዝተረጋገጸን ምዃኑ ዘመልክቱ እዮም። ጓለንስተይቲ ክንድ’ቲ ኣብ ህዝባዊ ዕብየትን ቃልስን ዘለዋ ወሳኒ ብጽሒት፡ ድርብ ወጽዓ ብድርብ ቃልሲ ናይ ምክያድ ሓላፍነታ ከቢድ ምዃኑ ዘመልክት ግንዛበ’ውን እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ድሮ’ቲ “ቕልጡፍ ተግባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ዝዝከር  8 መጋቢት  ዓለምለኸ መዓልቲ  ደቂ ኣንስትዮ 2025፡ ንርከብ ስለ ዘለና “እንኳዕ ኣብጸሓክን ኣብጸሓና”።

ኣብዚ እዋንዚ ብሳላቲ ነዊሕ መዋእል ዝወሰደ ቃልስን ንተሳትፎ ጓለንስተይቲ፡ ኣፍልጦ ዝህቡ ስርዓታት በብኩርናዑ ምምስራቶምን፡ ብደረጃ ዓለም ክንርኢ እንከለና፡ ተሳትፎኣ ይብርኽ ምህላዉ ምርዳእ ይከኣከል። በመንጽር ተሳትፎ ኣብ ፓርላማ ኣብነት ንምጥቃ ፡ ኣብ ሩዋንዳ 61.3%፡ ኩባ 53.1%፡ ቦልቪያ 53.1%፡ ሜክሲኮ 48.2%፡ ደቡብ ኣፍሪቃ 42.7%፡ ኡጋንዳ 34% ወንበራት ብደቂ ኣንስትዮ ዝተታሕዘ እዩ። ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ከኣ ብደረጃ ዓለም ብማእከላይ ገምጋም  ኣብ ሓይሊ ኣየር 24.1%፡ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ድማ 21.3% ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን መዛግቲ የርእዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ኣሃዛት እኹልዩ ማለት ዘይኮነ፡ ኣብ ዝበረኸ ንምብጻሕ እቲ መንገዲ ተታሒዙ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።

 ኣብ ኤርትራ’ኳ ፓርላማ ስለዘየለ ብዛዕባ  ተሳትፎ ዝለዓል ኣይኮነን። ካብታ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ  ጀግንነት ብምፍጻም እትምጎስ ጓለንስተይቲ ሓንቲ’ኳ ኣብ ወተሃደራዊ መዓርግ ጀነራልነት ዘይምብጸሓ፡  መርኣያ ኤርትራዊት ጓለስተይቲ ክሳብ ክንደይ ካብ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ቃልሲ ዝኸፈለቶ ዋጋ  ተነፊጋ ከም ዘላ ዘርኢ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ግና፡ ህግደፍ ሎሚ እውን ንጓለንስተይቲ ኣብ ልዕልቲ ድርብ ወጽዓ፡ ወጽዓ  ብዝድርብ ኣገባብ ካብ ምስታፍ ዓዲ ኣይወዓለን። ኤርትራዊት መንእሰይ ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ኣብ እትጸንሓሉ ዘጋጥማ  ሓሳረ መከራ ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ።

ኤርትራዊት ኣብ ግዜ ሰውራ ንወሳኒ ተሳትፎ ጓለንስተይቲ ተግቢራቶ እያ። ኣብ ሃገርና ንዝነበረ  ባህላውን ሃይማኖታውን ዕንቅፋታ ፈንጺጋን ንኩሉ ተፈጥሮኣዊ ተጽዕኖታት ተጻዊራን ንትርጉም ማዕርነት ብንቕሓት ተገንዚባ ምስ ወዲ ተባዕታይ ብቑጽሪ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብግብሪ’ውን ኣብ ኩሉ መዳያት  ተመዓራርያ ፈጺማቶ እያ።  ኹሉ ወዲ ተባዕታይ ዝኸኣሎ ክኢላ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸብለልታ ዘርኣየትሎም ተመኩሮታት ምንባሮ’ውን  ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ከምዚ ክነሱ፡ ብናይ ሓሶት ናይ “ዋዕሮ” መዝሙር ንምትላል ዝግበር ሸርሒ ህግደፍ ከኣ የተዓዛዝብ።

መላእ ህዝቢ ኤርትራ እታ ብቃልሱ ዘረጋገጻ  ሃገሩ፡ ከመይ ክትኮነሉ ከም ዝደሊ ዘማዕድዎ ራኢ ነይርዎ እዩ። እንተኾነ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት፡ ብሰንክቲ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ናጽነት  ዝተረከበ ደሓር ህግደፍ ዝተባህለ ህዝባዊ ግንባር ዝፈጠሮ ዘይተጸበዮ በሓትነት፡ ኣንጻር ትጽቢቱ ከም ዝኾነት  ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ። ስለዚ እያ ድማ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ኣንጻር ትጽቢት እቲ ዝተቓለሰላ መላእ ህዝባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓለም ደረጃ እውን ናይ ድሕረትን ጥሕሰትን ኣብነት ኮይና እትጠቀስ ሃገር ኮይና ዘላ። ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ እውን ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዘካይደቶ ድርብ ቃልሲ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ድርብ ኣወንታ ትጽበ ከም ዝነበረት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት፡ ኣብ ዘዝተወደበቶ ኮይና ዘንጸባረቐቶ ነይሩ። እንተኾነ ብሰንኪ ጥልመት ኢስያስን ጉጅለኡን ሕልማ ኣይተጋህደን። ብግብሪ ከኣ፣ ኣብታ ብቃልሳ ነጻ ዘወጸት ኤርትራ፡  ካብቲ ናብ ቃልሲ ክትወፍር እንከላ ዝነበራ ወጽዓ ብዝገደደ ተደራራቢ ወጽዓታት፡ ኣብ ሃገር ኮነ ኣብ ስደት  ብብዙሓት  ምጥቃሶም ዘሰክፉ ሕማቕ ተርእዮታት እትሳቐ ዘላ እያ።

ኤርትራ ናይ ሎሚ ካብ ትጽቢት ህዝባ ወጻኢ ምህላዋ፡ እቲ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ህዝቢ ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ህይወት ርኡይ ምስክር ኮይኑ፡ ጉዳይ ዲሞክራስን ኩለ-መዳያዊ መሰልን ዘገድሶም ዓበይቲ ትካላት እውን ኣብ ፈቐዶ መድረኽ ኣውያቶም ዘስምዑላ ዘለዉ እያ። እቲ ምረት ዝያዳ ኣብ ልዕሊ ጓለንስተይቲ ዝወርድ ዘሎ ምዃኑ ከኣ ምረት ድርብ ወጽዓ ንዝርዳእ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ልዕሊ’ታ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ንካለኦት ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ዝቃለሳ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ኣብነት ዝኸውን ቅያ ፈጺማ ከተብቅዕ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን በደል፡ ካብ ድርብ ወጽዓ ክትናገፍ ይትረፍስ፡ ተራ ተሳትፎኣ ኣብ ዝተነፍገትሉ እያ እትርከብ።

ህግደፍ ብዘሕፍር ሸፈጥ፡ ብኣጻብዕ ብዝቑጸራ፡ ሕድሪ ሓርበኛታት ኣዴታተን፡ ኣሓተንን ደቀንን ዝጠለማ ባእታታት ሰብ ፍሉይ ሓለፋ ኣሳቲፉ ክወራዘ’ዩ ዝፍትን። ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ግን፡ እቲ “ድርብ ወጽዓ ብድርብ ቃልሲ” ዝብል እምነት ወትሩ ካብ ሕልነኣ ከምዘይወጽእ ርዱእ ኮይኑ፡ 8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክትዝከር እንከላ ናይ ቃልሲ ሕራነኣ ዝያዳ ከም ዝብርኽ  ፍሉጥ እዩ።

ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ቅነ 8 መጋቢት ኮይና፡ “ከመይ ኔይረ ኣብ ከመይከ ኣለኹ?” ኢላ ክትሓትት ባህርያዊ እዩ። መልሳ ከኣ “ግደይ ካብ ዝነበሮ ብራኸ ኣንቆልቊሉ” ዝብል ከም ዝኸውን ኩነታታ ዝምስክሮ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝኽሪ ብዛዕባ ብኽመይ  ናብቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝነበራ ብራኸ፡ ነዚ ህልዊ ኩነታትና ብዝምጥን ትምለስ ክትሓስብ እምበር፡ ስለ ዝጠተልመት  ብዘካየደቶ ቃልሲ ክትጠዓስ ከም ዘይግበኣ ፍሉጥ እዩ። ከምቲ ዝተጠልመ ሓርነት ህዝቢ ንምምላስ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡  ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ጓለንስተይቲ ንዝካየድ ቃልሲ እውን ብዘይካ ምሕዳሱን ምሕያሉን ካልእ መተካእታ የለን። ደቂ ኣንስትዮ ዘካይዳኦ ዘለዋ ቃልሲ ንተሳትፎ ጥራሕ ዘይኮነ ናብ ማዕረ ክፍሊት ንማዕረ ስራሕ ዝዓለመ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝረአ ዘሎ ግን ንኣገልግሎት  ጥራሕ ከም ዝድለያ ክኸውን እንከሎ፡ የሕዝን።

ኣብዚ ምእንቲ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ እንቃለሰሉ ዘለና መድረኽ፡ ድሩትነት ተሳትፎ ጓለንስተይቲ ካብ ዘሻቕሉ ዓበይቲ ብደሆታት ሓደ እዩ። “ብዘይተሳትፎ ጓለንስተይቲ ዝዕወት ሓርነትን ዲሞክራሲን የለን”  ዝብል ናይ ብዙሓት እምነት ካብ ኮነ፡ በቲ ብኩራት እትሻቐል ጓለንስተይቲ ጥራይ ዘይኮነት ናይ ኩልና “ናይ ህዝባ ዝኾነት ኤርትራ” እንብህግ ሻቕሎት እዩ። ብፍላይ እተን ሰብ ድርብ ወጽዓ ኤርትራውያን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣርማን መተካእታን ናይተን ሰብ ቅያ ኣደታተን ምዃነን ተረዲደን ኣብ ምብርታዕ’ቲ ክንድቲ ዝድለ ዘይጐልበተ ውዳበታት ደቂ ኣንስትዮ ንክሳተፋ፡ ኣብዚ ቅነ 8 መጋቢት ነዘኻኽረን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ግምትን ቆላሕታን ዝወሃቦ እምበር፡ ካብቲ ቃልሲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተፈልዩ ዝረኣይ ከምዘይኮነን ኣበርክቶ ኩሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ከም ዘድልዮን ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።   

8 መጋቢት ስለምንታይ ከም እትዝከር ኣብ በበይኑ ኩርናዕ ዓለም ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዝረደኣአ ኮይና፡ ግና ድማ ኣብቲ ኣዘኻኽራ፡ ነናብቲ ዝነብራሉ ዘለዋ ሃለዋት ከም ዝቓንይኣ ፍሉጥ እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ንጭረሖ “ድርብ ወጽዓ ብድርብ ቃልሲ” ምስቲ ኤርትራን ህዝባን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ህይወት  ኣገናዚባ እትበራበረሉ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ።

Last modified on Friday, 07 March 2025 21:24