ኣምኒስት፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣገዲድካ ምምላስ ክኹነን ጸዊዑ
2025-03-06 23:15:44 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 23 timesኣምኒስት ኢንተርናቲኦናል (Amnesty International)፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ 600 ኤርትራውያን ተገዲዶም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከም ዝተመልሱ ብምጥቃስ፡ ብሓፈሻ ኣገዲድካ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱ ምግባር ንክኹነን ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።.
ኣምኒስት ኣብቲ ናብ ዓመታዊ ጉባአ ሰብኣዊ መሰል ዘቕረቦ ናይ ቃል ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ብምሕባር፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሃገሮም ወጻኢ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከጋጥሞም ብዛዕባ ዝጸንሐ ሕማቕ ኣጋጣምታት ዘርዚሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ንሓበሬታኡ ከም መወከሲ ዝወስዶ ፍሉይ ተኸታታሊ ሰባብኣዊ ኰነታት ኣብ ኤርትራ፡ በብግዜኡ ከቕርቦ ብዝጸንሐ ጸብጻባት ምዃኑ ብምሕባር፡ ኩነታት ኤርትራውያን ስድተኛታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣደታትን ህጻናት ዘጋጥም ጸገማት፡ ብዝምልከት ዘቕረቦ ጸብጻብ እዩ። እቲ ሰብኣዊ ትካል ብዛዕባ እቶም ካብ ቱርኪ ተገዲዶም ኣብ መወዳእታ 2024 ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ 180 መንእሰያት እውን ኣብቲ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ዘቕረቦ መተሓሳሰቢ ኣስፊሩ።
ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ኣብቲ ጸብጻቡ፡ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ግዱድን መወዳእታኡ ዘየብሉን ውትህድርናን ብዘይክፍሊት ምዝመዛ ጉልበትን ብዝርዝር ጠቒሱ፡ ካብ እሙናት መዲያታት ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ብዝብል፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ወርሒ ለካቲት 2025 ጀሚሩ ብሰንክቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፍጠር ዘሎ ወጥሪ፡ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ጐስጓስ የካይድ ከም ዘሎ ኣቃሊዑ።
ኣተሓሒዙ ድማ ኩለን ሃገራት መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምሕላው፡ ግቡኣተን ንክፍጽማ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ከምኡ ከኣ ካብ 2015 ጀሚሩ ፍሉይ ተኸታታሊ ብምምዛዝ ብዝተገብረ ጻዕሪ ኣብ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰል ዝተራእየ ምምሕያሽ ከምዘየለ ጠቒሱ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ሰሜን ጎንደር ኣለምዋጭ ኣብ ዝበሃል መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ወርሒ ጥሪ 2025 ሓሙሽተ ስደተኛታት ብዘይተፈልጡ ሰባት ተጨውዮም ኣስታት 500 ሺሕ ብር ብምኽፋል ከም ዝተፈትሑ ኣብቲ ጸብጻቡ ሓቢሩ።