ዶባዊት ከተማ ሞያለ
ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንመርበብ ኣዲስ ስታንዳርድን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ብምጥቃስ ዳውን ኣፍሪካ (DAWN AFRICA) ብዝተባህለት ማዕከን ዜና ዝተዘግሐ ዜና፡ ሓይልታት ጸጥታ ኬንያ ብወገን ሞያለ ናብ ኢትዮጵያ ተሳጊሮም ከባብያዊ ኣመሓደርቲ ቀቲሎም ዜጋታት ከም ዝኣሰሩ ተሓቢሩ። ብመሰረት ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ሓበሬታ እቲ ጸገም ሃንደበት ዝተፈጥረ ዘይኮነ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዓሚቕ ውልቃውን ፖለቲካውን ምትፍናን ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ’ዩ እውን ተባሂሉ። ኣብቲ ህውከት ዝተሳተፉ ኬንያውያን ነበርቲ ቶኣ ጃንጊሊ ብዝተባህለ ከባቢ እናተሓገዙ ምዃኖም ከኣ ተጠቒሱ።
በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብ22 ሕዳር 2025 ዶብ ጥሒሱ ናብ ኬንያ ኣስታት 2 ኪሎሜተር ብምእታው ንሓጺር ግዜ ምንቅስቓስ መደብር ፖሊስ ከተማ ሞያለ ኬንያ ጠጠው ኣቢሎም ከም ዝነበሩ ተገሊጹ። እዚ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ተግባር ብወገን ኬንያ ግብረ መልሲ ንክወሃብ ከም ዘገደደ እውን ብኬንያውያን ተጠቒሱ።
ናይ ሓለዋ ዶብ ኣሃዱታት ኣብቲ ጉዳይ ከም ዝተሳተፋን ንክልተ ሰዓታት ዝኣክል ዝጸንሐ ሓያል ተኹሲ ከም ዝተኻየደን ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ እቲ ኩነታት ስሩዕ ሰራዊት ኬንያ እውን ንክሳተፎ ከም ዘገደደን ናይታ ሃገር ሓይልታት ጸጥታ ብሓባር ነቲ ናብ ሃገሮም ኣትዩ ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያ ሓይሊ ደፊኦም ከውጽእዎ ከም ዝኸኣሉን እቲ ዜና ሓቢሩ።በቲ ውግእ ጉዳኣት ኣጋጢሙ ዝብል ሓበሬታ ብክልቲኡ ወገን ኣይተዋህበን።
ብወገን ኢትዮጵያ ነቲ ስርሒት ዝከታተል ዝነበረ ኣብዱብ ዋሪዮ ዝተባህለ ኣዛዚ መሊሽእ ተቐቲሉ ዝብል ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ’ሎ ዝበለ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ፡ እቲ ኩነታት ኣብዚ ደረጃ በጺሑ ክነከሱ ብክልቲኡ መንግስታት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኬንያን ነበርቲ እቲ ከባብን ከኣ ኣብ ከተማ ሞያለ ናይ ክልቲአን ሃገራት ሰራዊት ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቕ ይርከብ ስለ ዘሎ ሓያል ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ ኢሎም። ከተማ ሞያለ ካብ ኣዲስ ኣበባ 762 ካብ ናይሮቢ ድማ 770.4 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ዶባዊት ከተማ እያ።
ክሻያ ኩማር ናይቲ ትካል ዲረክተር ምጥባቕ ንሰብኣዊ መሰል
ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል (human rights watch)፡ ኣብዚ ቀረባ ብመንገዲ ክሻያ ኩማር ናይቲ ትካል ዲረክተር ምጥባቕ ንሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ዘውጸኦ መጠንቀቕታ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ገበናት ውግእን ካልእ ጥሕሰታትን ጠጠው ዝበለ ኣዘራራቢ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከይቋረጽ ዘለዎ ስግኣት ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኩሎም ጽልዋ ዘለዎም ወገናት ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዘሎ ወጥሪ ኣብ ምህዳእ ንክሰርሑ ጸዊዑ።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ “ገበነኛ ጉጅለ” ክብል ገሊጹ፡ ክውገድ ዘለዎ ኣካል እዩ ምስ በለ፡ ብወገን ትግራይኳ ዓለም ለኻዊ ናይ ዘተ መጸዋዕታ እንተቕረበ እቲ ወጥሪ ግና ኣይሃደአን ኢሉ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ እውን ይብርኽ ኣሎ ኢሉ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኤርትራን ህወሓትን ኣንጻር መንግቱ ይተሓባብሩ’ለዉ ክብል ዘቕረቦ ክሲ ናይቲ ወጥሪ መርኣያ ምዃኑ ከኣ እቲ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካል ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ እዚ ኩሉ ምክሳስ ኣብቲ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ወግእ ዘይሓወየ ከባቢ ሓዲሽ ጐንጺ ከይፍጠር ዘስግእ እዩ ኢሉ።
እቲ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ክሳብ ዓፋርን ካልእ ከባብታትን ዝለሓመ ዝሓለፈ ውግእ፡ ናይ ብዙሓት ህይወት ምጥፋእን ምምዝባልን ከም ዘስዓበ ዝጠቐሰ እቲ መጠንቀቕታ፡ ዝለዓለ ዕንወት ትሕተ-ቅርጻ ከም ዘኸተል እውን ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ ናይ ምድኻም ስጉምትታት ይወስድ ከምዘሎ’ውን ጠቒሱ። እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ ኣብ ብግብሪ ንሰብኣዊ መሰል ግቡእ ኣቓልቦ ከም ዘይሃበ ድማ ኣብቲ መጠቀቕታኡ ኣስፊሩ።
ኢርትራ ኮነ ኢትዮጵያ ብዛዕባቲ ኣብ ህዝቢ ዝወረደ በደል ከምዘይተገደሱ ጠቒሱ ከኣ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ብ2023 ኣብ ኢትዮጵያ ገበናት ዝምርምር ቀዋሚ ኮሚተ ኣብ ምቛም ከምዘይተዓወተ ኣቃሊዑ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ሎሚ ግዜኡ ኣብቲ ከባቢ ናይ ዲፕሎማስን ወጥሪ ጠጠው ናይ ምባልን እዩ ክኸውን ዝገባኦ ኢሉ። ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝነበሩ ተዓዘብቲ ወገናት ክንቀሳቐስሉ ድማ ጸዊዑ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ቀንዲ ደገፍቲ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኮይኖም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ካብ ዝበሃሉ ተጋሩ ሓደ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበታብ ጋዜጣ ሪፖርተር ክፍሊ እንግሊዘኛ ሓደ ጽሑፍ ኣውጺኡ’ሎ። ንሱ ኣብቲ ጽሑፉ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ተዋሳኢት ንምዃን፡ ቅድም ቀዳድም ውሽጣዊ ጸጥታዊ ብደሆታታ ብሰላማዊ መንገዲ ክትፈትሕ፡ ኣብ ቁጠባዊ ዕቤታ ከተተኩርን ፍትሓዊ ምምሕዳር ከተውሕስ ይግበኣ ኢሉ። ኣብዚ መዳይዚ ጉዳይ ትግራይ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ብሰላም ምፍታሕ ከም ዘድሊ ብምጥቃስ ንናይ መንግስቲ ኤርትራ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምኹናን ግና የድሊ ዝብል ሓሳብ ኣብቱ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
ጨንፈር ቁ. 2 ሰዲህኤ ሃገረ ሽወደን ብ21 ሕዳር 2025 ካብ 8ተ ከተማታት ሽወደንን ደንማርክን ተሳተፍቲ ዝተረኽቡሉ ሰፊሕን ዕዉትን ናይ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ ኣቦ። ኣወንበር ጨንፈር ብሰላምታ ከፊቱ ኣባላት ጨንፈር ዘሎዎም ንጡፍን ዉፉይን ተሳታፍነት ኣብ ዕቤትን ጽንዓትን ስሪዒታዊ መትከላዊ ንቅሓትን ምጣኔ ሃብታዊ ህርኩት ወፈያ ዘይሕለሉ ምዃኖም ብዝርዝር ኣቅሪቡ።
ኣተሓሒዙ ድማ ምሳኹምን ካባኹምን ምዃነይ ይሕበን ኢሉ። ኣብ ቀጻልነትን ምውህሃድ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዘሎዎም ቅኑዕ ተረዳኦ፡ ሓድነታዊ መንፈስን ዕግበትን ዘርኣይዎ ትብንዓን ተጻዋርነትን ኒኢዱ፡ ፍረ ጻማ ንዓወት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ጨንፈር ቁ. 2 ሃገረ ሽወደን ኣባል ፈጻሚ ሽማገለን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝሓቆፈ ብምዃኑ፡ ኩሎም በብተራ ዘሎዎም ዓሚቅ ኣፍልጦን ተመክሮን ተሳታፍነትን ምስ ኣብነታቱ እናዘርዘሩ ሓቀኛ ናይቲ ሎሚ ዘሎ ሃለዋት ህዝብናን ሃገርናን ብፍላይ ናብ መንእሰይ ዘተኮረ ምቅራቦም ብሉጽን ሃብታምን ኣኼባ ነይሩ። እዚ ናይ ክልተ ሰዓታትን ፈረቃን ዝወሰደ ኣኼባ ብኣገስትን ሃነጽትን ንዕቤት ምጣኔ ሃብቲ ሰልፊ ዝሕግዙ ፈጠራዊ መደባት ክገብሩ ሓያሎ ለወባታት ብምቅራብ ከምቲ ልሙድ ስምምዖም ድሕሪ ሓድሽ ዓመት ክራኸቡ ኣኼባኦም ዛዚሞም።
ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድናልድ ትራምፕ፡ “ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት “ብህጹጽ ምዕጋት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰፊሕ ህውከት፡ “ካብ ዓለምና ዝዓብየ ሰብኣዊ ቅልውላው” ክብል ገሊጽዎ። እቲ ፕረሲደንት ኣብ ማሕበራዊ ገጹ ከም ዝጠቐሶ፡ ልኡል ሳዑዲ ዓረቢያ ወሲኽካ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣዕራብ ጉዳይ ሱዳን ኣብ ምፍታሕ ጽልዋኡ ንከሕድር ከም ዝጸውዕዎ ሓቢሩ።
ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ነቲ ዝቐረበሉ መጸዋዕታ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ጥሕሰታትን ምምዝባላትን ንምህዳእ ከም ዝሰርሕ ቃል ኣትዩ፡ ብፍሉይ ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ኤመረትን ግብጽን ብምጥቃስ፡ ከምኡ እውን ምስ ካለኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ከም ዝተሓባብረ ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ከኣ ንሱዳን “በዓልቲ ዓብይ ስልጣነን ባህልን ክነሳ ናብ ሕማቕ ኩነታት ዝኣተወት” ክብል ገሊጽዋ። እንተኾነ እቲ ኩነታት ናይቲ ዞባ ጻዕሪ’ውን ተወሲኽዎ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ኣሚቱ። ኣብቲ መግለጺኡ ብዛዕባ ዕዙዝን ህጹጽን ኣድላይነት ሕክምና፡ መግብን ካለኦት መሰረታዊ ነገራትን ንሱዳን’ውን ጠቒሱ።
በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብ18 ሕዳር 2025 ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ መንጎ ትራንፕን ሱዑዳዊ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማንን ኣብ ዝተገብረ ዘተ ጉዳይ ሱዳን እቲ ቀዳምነት ዝተዋህቦ ዛዕባ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ውግእ ሱዳን ብ2023 ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣመሪካ ብዝለዓለ ደረጃ ዝሓዘትሉ ምዃኑ ዘርኢ ምዃኑ ተገሊጹ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ላዕለዋይ ኮሚተ ልኡላውነት ሱዳን ነቲ ተገዳስነት ንግስነት ሳዑድ ዓረብን ኣሜሪካን ከም ዝቕበሎ ገሊጹሎ። እቲ መግለጺ ትራምፕ እውን ህዝቢ ሱዳን ዝጽበዮ ሰላም ንምምጻእ ናይቲ መንግስቲ ተሳትፎ ወሳኒ እዩ ኢሉ። እንተኾነ መንግስቲ ሱዳን ኤመራት ኣብ ውግእ ሰዳን ኣጽዋር ኣብ ምቕራብ ትሰርሕ ስለ ዘላ ብህላወኣ ኣብቲ መስርሕ ሰላም ሕጉስ ከምዘይኮነ ኣመልኪቱሎ።
ኣመሪካ በዚ ኣትያቶ ዘላ ቃል ጉዳይ ሱዳን እንተደኣ ተፈቲሑ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኩነታት ዞባና ከምኡ እውን ኣብ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእልዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት’ዩ።
ሰሙናዊት መጽሐት ዘኢኮነምሲ (The weekl Economist)፡ ኣብ ናይዚ ሰሙንዚ ሕታማ፡ ብሓፈሻ ንፖለቲካዊ መስሊ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ሓጺር ዳህሳስ ኣቕሪባ። ኣብቲ ዳህሳሳ ድማ “ሓደጋ ውግእ ኣብ ኢትዮጵያ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊራ። ኣተሓሒዛ ከኣ እቲ ብሳላ ውዕል ፕሪቶርያ 2022 ተረኺቡ ዝነበረ ሰላም ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ስለ ዘሎ፡ ብደረጃ ዞባ እውን ሓደጋ ከኸትል ዝኽእል ስግኣት’ዩ ክትብል ነቲ ኩነታት ገሊጻቶ።
ብገምጋም እታ መጽሐት፡ ዋላ’ኳ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣሎ ዝበሃል እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝጸንሐ ዝምድና ቅልጡፍ ወጥሪ ይምዕብል ኣሎ ኢላ። ህወሓት ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብምጥሓስ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ናብ ትግራይ ክለኣኽ ዝነበሮ ገንዘባዊ በጀት ጠጠው ብምባልን ብወተሃደዊ ምፍርራሕን ከም ዝኸሶ እታ መጽሐት ጥቒሳ።
እቲ ምክሳስ ብኽልቲኡ ወገናት ይሰፍሕ ከምዘሎ ዝጠቐሰት ዘኢኮኖሚስት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ፡ ውግእ ከምዘይድግፍ ገሊጹ ከብቅዕ፡ ውግእ እንተጀሚርና ግና ጠጠው ከብለና ዝኽእል ሓይሊ የለን ከም ዝበለ ኣስፊራ፡ ሓላቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ሓደ መድረኽ “ንወያነ ከየጥፋእና ሰላም ኣይንረክብን ኢና” ምባሉ ጠቒሳ። ኣተሓሒዛ ከኣ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ብዛዕባ ዘሎ ሕድሕድ ምክፍፋላት ዝምልከት ስፍሕ ዝበለ ሓሳብ ኣስፊራ።
.
መጽሐት ዘኢኮኖሚስት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ዝምድና እናኸፈአ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢራ፡ ኢትዮጵያ ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ድሕርን ወደብን ምልዓላ ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘራኽብ ዶባት ወተሃደራዊ ምድላዋት ዘርእዩ ምስልታት ይወጹ ከም ዘለዉ ጸብጺባ። እዚ ምዕባለዚ ኣብ ንህወሓት፡ ፋኖ ኣምሓራን ገለ ሓይልታት ሱዳንን ዝምልከት ኣሰላልፋ ሓድሽ መልክዕ ይሕዝ ኣብ ዝሃለወሉ ዝረአ ዘሎ ምዃኑ’ውን ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻባ ተጠቒሱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰዓብተንን ኢድ ኣዙራዊ ውግእ ክባራዕ ከም ዝኽእል ስግኣታ ብምጥቃ ኣጠንቂቓ።
መንግስቲ ካናዳ ዜጋታታ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ ክገብርዎ ብዛዕባ ዝግበኦም ጥንቃቐ መግለጺ ኣውጺኣ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ብሪጣንያ ብወገኑ ዜጋታቱ ኣብ ኤርትራ ክንቀሳቐስዎ ብዛዕባ ዘይግበኦም ከባብታት ዝምልከት መተሓሳሰቢ ምውጽኡ ተሓቢሩ።
በዚ መሰረት መንግስቲ ካናዳ ዜጋታታ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝለዓለ ጸጥታዊ ስግኣትን ዘይምርግጋእን ከምኡ እውን ብሰንክቲ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ጂንካ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ጥዕናዊ ስግኣት ኣብ ምንቅስቓሶም ከዘውትርዎም ዘይግበኦም ቦታታት ዘርዚራ። ካብቶም ከይንቀሳቐስዎም ዘጠንቀቐቶም ክልላት ኢትዮጵያ፡ ኣምሓራ፡ ትግራይ፡ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ሲዳማን፡ ከምኡ ድማ ዝተወሰና ዞባታት ክልል ኦሮሞ፡ ሰሜን ሽዋ፡ ምዕራብ፡ ምብራቕ ወሎ፡ ወለጋ ቀሌምን ሆሮ ጉድሩን ኣብቲ መጠንቀቕታ ተዘርዚረን።
እቲ ብ14 ሕዳር 2025 ዝወጸ ናይ ካናዳ መጠንቀቕታ ኣብተን ዝጠቐሰን ክልላትን ዞባታትን፡ ውግእ፡ ሲቪላዊ ምምዝባላትን ዝተፈላለዩ ገበናትን ይገዱ ምህላዎም ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣዲስ ኣበባ ምስቲ ካልእ ቦታታት ብምርእኣይ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከም እትርከብ ጠቒሱ። ነቲ መጠንቀቕታ ዘውጽኡ ሰብ መዚ ካናዳ ኣብተን ደሓን ዝበሃላ ከተማታት እውን ምጥንቃቕ ከም ዘድሊ ኣብቲ መግለጺ ኣተሓሳሲቦም። ብፍላይ ድማ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ቤንሻንጉልን ኣብ ቀደማይ ደረጃ ስግኣት ዝስረዓ እየን ኢልወን።
እዚ ከምዚሉ እነሎ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘውጸኦ ናይ ዜጋታቱ ናይ ምንቅስቓስ መጠንቀቕታ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኤርትራ፡ ካብ ዶባት ኣብ ክሊ 25 ኪሎ ሜተር ንከይንቀሳቐሱ ኣጠንቂቑ።
ነዚ መጠንቀቕታ ከውጽእ ዘገደዶ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምዕብል ዘሎ ሓደገኛ ዝበሎ ምትፍናን ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ኩነታት ብሃንደበት ክቀያየር ይኽእል እዩ እውን ኢሉ። እቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ብሪጣንያ ሓድሽ ነገር እንተ ተፈጢሩ፡ ካብኡ ምውጻእ ስለ ዘጸግም፡ ዜጋታቱ መሰረታዊ ነገራት ገዚኦም ክቕረቡ ይግበኦም ክብል እውን ኣዘኻኺሩ።
ጋዜጣኛን ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ባዛዕባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ተመራማሪ ፖለቲካን ማርቲን ፕላውት፡ ብ16 ሕዳር 2025 ኣብ ናይ X ገጹ ኣብ ዘውጸኦ ሓጺር ጽሑፍ፡ ንኣብይ ኣሕመድ ዓሊ “ካብ ቀዳማይ ሚኒስተርነት ናብ ከንቲባነት ዝተቐየረ” ክብል ገሊጽዎ። ማርቲን ፕላውት ኣብቲ ጽሑፉ ሓደ እዋን ንሓቛፊ ለውጥን ምትዕርራይን ዝተላዕለ ኣብይ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ብብዙሓ ከባብታት ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዝሰኣነ ኮይኑ’ሎ ክብል ገሊጽዎ።
ማርቲን ኣተሓሒዙ፡ እቲ ኣብይ ብፕረሲደንትነት ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግና፡ ሃገራዊ ዝርጋሐ ኣለኒ ዝብል’ኳ እንተኾነ፡ ብግብሪ ግና ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ጥራይ ተደሪቱ ኣሎ ሰልፊ እዩ ዝብል ገምጋሙ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብይ ኣብ ክንዲ ምምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብደረጃ ከንቲባ ናብ ምምሕዳር ወሪዱ ኣሎ ኢልዎ።
እቲ ተመራማሪ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ክገልጾ እንከሎ፡ ብሃንደበት ዝተፈጥረ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ኣብ መስርሕ በዂሩ ዝጸንሐ ኣብ ልዕሊ ክቱር ምእኩል ምቁጽጻር፡ ወተሃደራዊ ዕብለላን ህዝባዊ ዘይቅቡልነትን ኣራሚ ስጉምቲ ዘይምውሳድ ዝተዋህለለ ድኽመታት ዝፈጠሮ እዩ ኢሉ ገሊጽዎ።
ብዘይካዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብዝተፈጥሩ ፖለቲካዊ ጸገማትን ምስኣን ህዝባዊ ተቐባልነት ኣብቲ ውግኣት ዝካየደሉ ቦታታትን ፈደራላዊ መንግስታዊ ህልውና ስኢኑ፡ ናብዚ በጺሕዎ ዘሎ ቅልውላው ከም ዝኣተወ ኣስፊሩ። ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝግበሩ መደረታትን ናይ መመረቕታ ጽንብላትን ክሽፈን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ከም ዝበጸሕ ብምጥቃስ ድማ፡ ናይቲ መንግስቲ ፖለቲካውን ጀኦግራፊያውን ህልዊ ኩነታት ክምዘን እንከሎ፡ ኣብ ዝጭበጥ ግብራዊ ስራሕ ዘይኮነ፡ ናብ ምስላዊ ህልውና ወሪዱ ዘሎ እዩ ክብል ገሊጽዎ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ደረጃታቱ ደኣ ይፈላለ እምበር ኣብ ኩለን ክልላዊ ምምሕዳራት ዝተፈላለዩ መልኽ ዘለዎም ውግኣትን ጐንጽታትን ይረኣዩ ኣለዉ።
ሚኒስተራት ትራንስፖርት ጅቡትን ግብጽን መረዳድኢ መዘክር እናኸተሙ
ግብጽን ጅቡትን ስትራተጅያዊ ምትሕብባረን ንምድልዳል፡ ብ8 ሕዳር 2025 መረዳድኢ መዘክር ((MoU) ከም ዝኸተማ ማዕከናት ዜና ክልቲአን ሃገራት ገሊጸን። ናይቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዕላዊ ስምምዕ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ፡ መረዳድኢ መዘክር ቀንዲ ዕላማ፡ ምምዕባል ትሕተ-ቅርጻ ወደብ ጅቡቲ፡ ምህናጽ መንገድን ብቑዕ ናይ ንብረት ኣተሓሕዛን ምትሕልላፍን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ምትእትታውን ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተመልኪቱ። ቁጠባዊ ዝምድናአን ምድልዳልን ኣብ ዞባዊ ንግዳዊ መርበብ ሓያላት ምዃንን እውን ናይቲ ሰነድ ዕላማ ምዃኑ ተጠቒሱ’ሎ።
ምኽታም እዚ ስምምዕ፡ ኣንጻር’ቲ ግብጺ ኣብቲ መእተውን መጽእን ኣፍሪቃን ጅቡትን ዝኾነ ቀይሕ ባሕሪ መሪሕ ከይትኸውን ዝዕንቅፍዋ ምውጋድ ምዃኑ’ውን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ ንግዳዊ መስርሕ ናይቲ ዞባ ቅልጡፍ ምቅይያራት ከምጽእ ዝኽእል’ዩ እውን ተባሂሉ ይእመነሉ።
ናይዚ ምፍርራም መጻኢ ራኢ፡ ኣዝዩ ሰፊሕ ኮይኑ፡ ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ ወደባት ጅቡቲ ዝያዳ ዘማዕብል፡ ዝርጋሐ መርበብ መጐዓዝያ ዘስፍሕን ዝተኣሳሰርን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ ንብረት ምንቅስቓስን ዝርጋሐን ዘቀላጥፍ ዘጠቓልል እዩ። ሚኒስተር መጎዓዝያ ግብጺ ነቲ ስምምዕ፡ ስረሓት ዘመናዊ ንግድን ብቕዓት መሰግጋር ወደባት ዘዕቢ ክኸውን’ዩ ከም ዝበሎ እቲ ዜና ሓቢሩ። ናይቲ ዓውዲ ክኢላታት ተዓዘብቲ ብወገኖም፡ እዚ ስምምዕ ኣብዞም ዝተጠቕሱ መዳያት ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ናብ ሰፊሕ ዕቤት ጸዓትን ዝርገሐ መጐዓዝያን ከሰጋገርን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ተወዳደርቲ ንክኾና ዘኽእለንን ክኸውን’ዩ ኢለሞ።
ኣብ መወዳእታ ግብጽን ጅቡትን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ምሕዝነት ፈጢረን ኣብ ሕድሕደን፡ ትሕተ-ቅርጻ ንከማዕብላን ብቑጠባአ ነብሰን ንክኽእላን ኣብነታዊ ስጉምቲ እዩ ተባሂሉ።
እዚ ኩለመዳያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ ዞባና በቲ ሓደ ወገን ምስ ምውናን ምጥቃምን ወደባትን ኣፍደገ ባሕርን፡ በቲ ካልእ ድማ ኣብ መንጎ እታ ብወደብ ጅቡቲ እትጥቀም ኢትዮጵያን ግብጽን ብጉዳይቲ ዓብይ ሓጽቢ ኣባይ፡ ወጥረን ኣብ ዝዓረገሉ፡ ከምኡ እውን ውግእ ሱዳን ኣብ ዝገደደሉን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስሕሓብ ኣብ ዝዛየደሉን ዝኽሰት ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ቁጠባዊ ቅልውላው ሓሊፉ፡ ፖለቲካዊ ጽልዋኡ ሓደገኛ ከምዝኸውን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ።
ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባቲ ኣልዒልዎ ዘሎ ተዃሻሒ ሕቶ ኣብደገ ባሕሪ፡ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከም ኣጀንዳ ንክቐርበሉ፡ ንከረድእ ናብ ዝተፈላለዩ ጸለውቲ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ዘቕረቦ ወኸሳ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተነጽገ፡ ቢቢሲ ቋንቋ ኦሮሞኛ ሓቢራ። እታ ማዕከን ዜና ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ተወኪሳ ከም ዝሓበረቶ፡ ኢትዮጵያ ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ዘቕረበቶ ሓሳብ ብወሰንቲ ኣህጉራዊ ሓይልታት ተቐባልነት ኣይረኸበን።
እቲ ናይ ኢትዮጵያ ሕቶ ዝተነጽገሉ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ምዕቃብ ልኡላዊ ክብሪ ገማግም ባሕሪ ዝውንና ሃገራት ምዃኑ፡ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ካብተን ሕቶ ዝቐረበለን ሃገራት መብዛሕተን ነቲ ሕቶ ምንጻግ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕርን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ኣብ ክሊ ዓለምለኻዊ ሕግን ልኡላዊ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ዝውንና ሃገራትን ጥራይ ዝረአ ምዃኑ ኣዕዚዞም ምጥቃሶም’ውን ተሓቢሩ።
ሩሲያ ዋላ’ኳ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ክልተኣዊ ረብሓ ዘተኮሩ ርክባት እንተለዉዋን ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ክረሚልን ንፕረሲደንት ፑቲን ብኣካል ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ኣልዒልሉ እንተነበረን፡ እዚ ዛዕባ’ዚ ኣጀንዳ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኮይኑ ንክቐርብ ፑቲን ከም ዘይተቐበሎ፡ ምስ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ብሓይሊ ብልዝብን ዘተን ጥራይ ክኸውን ከም ዝኽል ምምዓዱእውን ተሓቢሩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሃገራት ምዕራብን ከኣ ብንጹር ተቓዊመን ሕቶ ኢትዮጵያ ኣብቲ ተሃዋሲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ዘይምርግጋእ ዘምጽእ’ዩ ክብላ ገሊጸናኦ።
ነቲ ምዕብልና ዝተኸታተሉ፡ ናይ ዞባና ተንተንቲ ፖለቲካ ብወገኖም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነዚ ምርጫ ዝሓዘ ብድፊት ዘቤታዊ ዘይምርግጋእን ቁጠባዊ ቅልውላውን ክኸውን ከም ዝኽእል ጠቒሶም፡ ነቲ ከኸትሎ ዝኽእል ዞባዊ ህውከት ግና ዘቕለበሉ ኣይመስል ዝብል ርኢቶ የንጸባርቑ ኣለዉ።
ኣመሪካዊ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጉዳይ ኣፍሪቃ፡ ማሳድ ቤሎስ
ኣመሪካ እንተደኣ ተቐቢልዎ፡ እገዳ ከም ዝለዓለሉን ኣብ ሱዳን ወፍሪ ምውጻእ ማዕድናት ብውሑስ ንክካየድን ቃል ብምእታው፡ ውግእ ንምቁራጽ ዘኽእል እማመ ሰላም ናብ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ከም ዘቕረበት ምዕራባውያን ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ብዛዕባቲ ዝርርብ ኣብ መንጎ ጀነራል ኣልቡርሃንን ኣመሪካዊ ኣማኻሪ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ኣንበሳደር ማሳድ ቤሎስን ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎ ኣካል ብወገኑ እቲ ኣሜሪካ ዘቕረበቶ ሓድሽ እማመ ውሳነ ይጽበ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።
ምስዚ ግና ብሰንኪ ኣብ መንጎ ዝተወሰና ኣብ ቅልውላው ሱዳን ኢድ ዘለወን እሞ ኣብቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ሱዳናዊ ወገናት ብሓሳብ ዝፈላላያ ሃገራት ዓረብ ነቲ እማመ ስለ ዘይተሰማምዓ፡ ኣብ ግብሪ ንከይውዕል ቀንዲ ዕንፋት ብምዃኑ ግዝያዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ከምዘይተኻእለ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።
ናብቲ ጉዳይ ቀረባ ዝኾነ ሓደ ዲፕሎማት ከም ዝገለጾ፡ ኣሜሪካ ኣስማተን ከይጠቐሰት ብዛዕባ ሓደሓደ ነጥብታት ናይቲ ንሱዳን ዝምልከት ናይ ሰላም እማመኣ ምስ ዝተወሰና ሃገራት ኣብ ምዝርራብ ኣላ። ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን ብክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ይካየድ ዘሎ ዝለዓለ ተጻራሪ ምልዕዓልን ጐስጓስን ኣጸጋሚ እንተኾነ፡ እቲ ዲፕሎማት ግና እማመ ኣሜሪካ ክዕወትየ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
እቲ ዲፕሎማት ኣብ ሱዳን ሰላም ንምምጻእ ናይ ኩሎም ሱዳናዊ ወገናት ሓቢርካ ምዝታይ ወሳኒ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሓደ ስሙ ዘይጠቐሶ ዕጡቕ ሱዳናዊ ጉጅለ ኣብ ግዝያዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ንክኽትም ድልዊ ኮይኑ ከም ዝነበረ’ውን ሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጀነራል ኣልቡርሃን ብወገኑ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳንን ሓላፊ ልኡላዊ ኮሚተ ናይታ ሃገርን ኮይኑ ሃገር ናይ ምርግጋጽን ነቲ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ናይ ምውጋድ ሓላፍነት ከም ዘለዎን ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣልቡርሃን ኡምዱርማን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ንኣዘዝቲ ሰራዊ ኣብ ዘስመዖ ቃል ስመን ንዘይጠቐሰን ሃገራን ነቲ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ተወርዋሪ ሓይሊ ምሕጋዘን ኣትሪሩ ከሲሱወን።
ብኻልእ ወገን ከኣ፡ ግብጺ እተወሃህዶን ኤርትራን ሱዕዲያን ዝሳተፍ ጉጅለ ብወገኑ፡ ምስ ጀነራል ኣልቡልሃን ብዘለዎ ውግንና መፍትሒ ይደሊ ኣለኹ ክብል እንከሎ፡ ኤመረትን ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኬንያ ዝርከበኦ ወገን ከኣ ነቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ዘለዎ ውግንና ቀጻሊሎ።