
ልኡኻት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ መቃድሾ
ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ምስ ናይታ ሃገር ሓላፊ ብሄራዊ ጸጥታ ኣንበሳድር ሬድዋን ሑሴንን ኣዛዚ ሰራዊት ሶማሊያ ጀነራል ኦዳዋ ሑአሴን ብናይታ ሃገር ሓላፊ ብሄራዊ ጸጥታ ዓብዱላሂ ሳንባሉልሸ ተሰንዮም ኣብ መቃድሾ ተራኺቦም ወተሃደራዊ ስምምዕ ከቲሞም ናይ ሓባር መግለጺ ከም ዘውጽኡ፡ ጆውሃር ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሶማሊያ ኣፍሊጣ።
እቶም ጀነራላት ኣብቲ ርክቦም፡ ብዛዕባ ሰላም ሶማሊያን እቲ ዞባን ተመያይጦም ኣገዳስነት ሰላም፡ ህድኣትን ቀርኒ ኣፍሪቃን መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃን ምዝታዮም እቲ ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ብፍላይ ብዛዕባተን ኣብ ምዕቃብ ሰላም ሶማሊያ ወተሃደራተን ፖሊስን ዘሳተፋ ዘለዋ ሃገራት ብፍላይ ድማ ሓይልታት ሶማሊያ ኣተሃላልዋኡን ካብ 2007 ጀሚሩ ኩነታት ሃገሩ ንምርግጋእ ክኸፍሎ ዝጸንሐ መስዋእትን ብሰፊሑ ተመያይጦም።
ኣዘዝቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብዚ ናይ መቃድሾ ርክቦም፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ሶማሊያ ሰራዊት ምልኣኹ ንኢዶም፡ እቲ ዝግበር ሰላም ናይ ምርግጋጽ ጻዕሪ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ክኸውን ከም ዝግበኦ ምርድደኦም እቲ ዜና ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዞም ከኣ ግደ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ሕብረት ዓቃብ ሰላም ዕዙዝ ምዃኑ ድሕሪ ምምዛን፡ ሰራዊ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ እስትራተጂ ኣብ ሰላም ሶማሊያ ዕዙዝ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ መዚኖም።
ኣብቲ ኣኼባ ኣብ መንጎ ፈደራል ረፐብሊክ ኢትዮጵያን ፈድራላዊ ረፐብሊክ ሶማሊያ ዝግበር ርክብ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማሊያ ብምኽባር በመንገዲቲ ኣብ መቃድሾ ዘሎ መንግስቲ ጥራይ ምዃኑን ተሰማሚዖም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ ሶማሊያ ዝምደብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ተልእኮኡ ፈጺሙ ቀልጢፉ ንክወጽእ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሶማሊያዊ ዓቕሚ ንምድላብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንክሕግዝ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ዝተሓባብርሉ ስምምዕ ከም ዝኸተሙ ኣብቲ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣስፊሮም።
እዚ ስምምዕ ምስቲ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን ዝተኸተመ ኪዳን ዘየሳኒ፡ መቐጸልታ ናይቲ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ኣብ ኣንካራ ብመንጎኝነት ቱርኪ ዝበጸሐኦ ስምምዕ ኮይኑ፡ ሓድሽ ኣሰላልፋ ዘምጽእን ንኤርትራን ሶማሊላንድን ዘየሕጉስ ፍጻመ እዩ።
ወርሓዊ ኣስተምህሮ ኣባላት ሰዲህኤን ኣኼባ ኣባላት ፖሓኤን ተሰላሲሉ
Saturday, 22 February 2025 21:57 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቐዲሙ ብጥምሮ ኣብያተ- ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰዲህኤ ዝወጸ ስሩዕ ወርሓዊ መደብ መሰረት፡ ብ22 ለካቲት 2025 ንኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ፡ መቐጸልታ ናይቲ ብ15 ለካቲት 2025 ዝተኻየደ ብሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ዝተመርሐ ኣኼባ ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ድማ በዚ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ተሰላሲሉ።
ነቲ “ህንጸት ሃገራዊ መንግስቲ ብ‘ምዝማድ ምስ ህንጸት ሃገር፡” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ዝሃበ ሓው ኣሰፋው በርሀ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ እዩ። ብጻይ ኣሰፋው ኣብቲ ኣስተምህሮኡ ብዛዕባ ሃገርነትን መንግስቲን ኣብ ሕድሕዶም ዘሎ ምትእሳራትን ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከኣ ብዛዕባ ኩለ-መዳያዊ ትሕዝቶ ልኡላውነት እውን ዕሙቕ ዝበለ መበገሲ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ሃገርን መንግስትን ዝምልከት ብኣብነታት ኣሰንዩ ምስ ኣብርሀ ከኣ፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ክህሉ ብዛዕባ ዝግበኦ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ውዕልን ተሓታትነትን፡ መንግስቲ ከማልኦ ዝግበኦ ጉዳያትን ዘርዚሩ፡ እዚ ዝምድና ሚዛኑ ሓልዩ ንክቕጽል ኣብ ሕገመንግስቲ ምስፋሩ ወሳኒ ምዃኑ ንተሳተፍቲ ኣብሪሁ።
ድሕሪዚ ሓፈሻዊ ክለሰ ሓሳባዊ መእተዊ ምቕራቡ ድማ፡ ምስ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ክህልው ትጽቢት ዝግበረሉ ምሕደራ ንምዝማዱ ይሕግዙ ብዛዕባ ዝበሎም ኣገደስቲ ዛዕባታት ስፍሕ ዝበለ ተንታን ኣቕሪቡ። እቶም ብፍላይ ዝተገደሰሎም ዛዕባታት “ምምሕዳር ሃገራዊ ጸጋታትዓይነት፡ ምምሕዳራትን ተደላይነት ዲሞክራሲያዊ ምሕደር፡ ዕላማታት ሃገረ መንግስቲ፡ ዲሞክራሲያዊ መትከላት ሃገረ መንግስቲ፡ ዲሞክራሲያዊ መትከላት ሃገረ ኤርትራ፡ ዜጋን ሓጋጊ ስልጣንን ከምኡ’ውን ስልጣንን ዕላማን ሃገራዊ ፓርላማን” ዝብሉ ኮይኖም ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፎም ብዛዕባ ዝሰፍሩ ንኡሳ ኣገደስቲ ሓሳባት’ውን ብምጥቃስ ዝርዝራዊ መብርሂ ኣቕሪቡ።
ድሕሪ መግለጺ ተሳተፍቲ ነቲ ኣቀራርባን ትሕስቶን ኣስተምህሮ ንኢዶም ሕቶታት ሓቲቶም ኣድላይ መልሲ ክወሃቦም እንከሎ፡ ኣብ መጻኢ ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኻት ክቕጽል እውን ለበዋ ኣቕሪቦም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብ15 ለካቲት 2025 ምስ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝነብሩ ኣባላት ፖሓኤ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣብዚ ዕለት’ውን ምስ ኣብ ኣወስትራልያን ኒውዘላንድን ዝርከቡ ኣባላት ቀጺሉ። ኣብዚ ኣኼባ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበር ፖሓኤ፡ ካብ ህልዊ ምንቅስቓሳት ፖሓኤ ጀሚሩ ብዛዕባ ብደረጃ ሃገራዊ ዞባውን ኣህጉራውን ዝረአ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ምዕብልናታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
ኣብዚ ኣኼባ’ውን ከምቲ ናይ ቅድም፡ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ፖሓኤ፡ ብዛዕባ’ተን ዝመርሕወን ዘለዉ ትካላት ሓጸርቲ ጸብጻባት ኣቕሪቦም ኣባላት ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ክሳተፉ ብዛዕባ ዝኽእልሉ ኣንፈታት ኣመልኪቶም። ተሳተፍቲ ብወገኖም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም በብዝምልከቶም መብርሂ ምስ ተዋሂብዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ርክባት ቀጻሊ ንክኸውን ድማ ተማሕጺኖም።
ኣብ ኤርትራ ኩለን ዞባዊ ምምሕዳኣራት፡ ክሳብ ደቂ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ንወተሃደራዊ ዳግመ-ስልጠናን ልምምድን መዝጊበን ከዳልዋን ዘድሊ ምልዕዓል ክገብራን ከም ዝተኣዘዛ“ሓልዮት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ (Human Right Concern Eritrea” ዝተባህለ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ሰብኣዊ ትካል፡ ብ18 ለካቲት 2025 ብዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እቲ ክተት ዝተጣየሱ ወተሃደራት ነበርን ኣቐዲሞም ብፍሉይ ምምሕዳራዊ ምኽንያታት ካብ ውትህድርና ንክወጹ ውሕስነት ረኺቦም ኣብ ተጠባበቕቲ ተመዝጊቦም ዝነበሩን ከም ዘጠቓልል ተሓቢሩ። ካብዚ ሓሊፉ ሓዳር መስሪተን ዝወለዳ ደቂ ኣንስትዮ ከይተረፋ ኣካልቲ ክተት ምዃነን ተጠቒሱ።
በቲ ናብተን ዞባዊ ምምሕዳራት ተመሓላሊፉ ዝተባህለ ትእዛዝ መሰረት፡ ንግዱድ ውትህድርናን ምድራት ምንቅስቓስን ዝምልከቱ መምርሕታት፡ መሰረት ብምግባር፡ ዝኾነ ወዲ 50 ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝዕድሚኡን ዜጋ ካብ ሃገር ከይወጽእ ከም ዝኽልክል እውን ተገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ዞባዊ ምምሕዳራት ድሮ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስዳ ከም ዝጀመራ ተፈሊጡ።
እዚ ሓድሽ ትእዛዝ፡ ምስ ጐረቤት ኢትዮጵያ ከይካየድ ምስ ዘስግእ ዘሎ ውግእ ምትሕሓዝ ኣለዎ ብዝብል፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዓሚቕ ስንባደ ፈጢሩ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ጠቒሱ። እቲ ሰብኣዊ ትካል ኣተሓሒዙ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዋንነት ወደብ ዓሰብ ተቕርቦ ዘላ ሕቶን ኣብ ግዜ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝወጸ ግጉይ ካርታ ኣፍሪቃን ነቲ ወጥሪ ኣጋዲዶም ናብ ውግእ ከይወስድዎ ስግኣት ከም ዘሕደረ ኣብቲ ሓበሬታኡ ኣስፊሩ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ እቲ ኤርትራዊ ሰብኣዊ ትካል፡ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ኣብ 2020-2022 ዝተኻየደ ውግእ ብምስታፋ ከቢድ ጉድኣት ከም ዝወረደ ብምጥቃስ ናይቲ ውግእ ግዳያት መርድእ ከይተነግረ ካልእ ናብ ውግእ ዝወስድ ሻቕሎት ምፍጣሩ፡ ኣብቲ ህዝቢ ዝፈጥሮ ተጽዕኖ ከቢድ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ዝምልከተን ሃገራትን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ተጽዕኖ ከሕድራ እቲ ትካል ጸዊዑ። ብፍላይ ከኣ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኢትዮጵያ ኣብ ኣድላይነት ምኽባር ልኡላውነት ሃገር ከረደኣ ክኽእል በቲ ዘውጸኦ ሓበሬታ ኣዘኻኪሩ።
“ዝምድና መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ” ካብቶም ብጻዕቂ ከተሓትቱ ዝጸንሑ መድረኻዊ ዛዕባታት ሓደ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ነዚ ሕቶ ገለ ወገናት፡ “የንቆልቁል እዩ ዘሎ” ኢሎም ክምልስዎ እንከለዉ፡ ካለኦት ከኣ “እዞም መንግስታት እዚኣቶም ዘይእሙናትን ኣካይዳኦም ዘይፍለጥን ስለ ዝኾኑ፡”ዝምድናኦም ኣብ ከምዚ ደረጃ እዩ ዘሎ ክትብሎ ኣጸጋሚ እዩ” ክብሉ እዮም ጸኒሖም።
እቲ ኩነታት ኣጸጋሚ ኮይኑ፡ ዝጸንሓሉ ምኽንያት ከኣ፡ ብፍላይ ብወገን’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዝኽተሎ መንገዲ ትካላውን ግሉጽን ብሰንኪ ዘይምዃኑ እዩ። እንተኾነ ብዝያዳ ድሕሪ ምኽታም ምቁራጽ ህውከት ኣብ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ነቶም ብክልቲኦም ወገናት፡ እናተቛራረጹ ብኢድ ኣዙራዊ ኣገባብ ክቃልሑ ዝጸንሑ ፖሮፓጋንዳዊ ወስታታት ኣላጊብካ፡ ብፍላይ ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ እቲ ዝምድና “ኣዝዩ እናሓርፈፈ” ክኸይድ ከም ዝጸንሐ ምግማቱ ዘጸግም ኣይነበረን።
ካብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣዝዮም ከም ዝተረሓሓቑ ዘርእዩ ግሁዳት ምልክታት ይስምዑ ኣለዉ። “ብሪጌድ ንሓመዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ምክያዱ” ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ከይተረፈ ምስተቃልሐ፡ ብወገን ኤርትራ እውን ግብረ መልሲ ብዝመስል፡ “ኣብ ሰለስተ መራክብ ኣዘርባጃን ተጻዒኑ ዝነበረ ኣጽዋር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኤርትራ ተወሪሱ” ዝብል ተሃዋሲ ዛዕባ ተወዓዊዑ። ከይደንጐየ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ድሮ መበል 38 ዓመታዊ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃነጾ ዓለምለኻዊ ማእከል ኣኼባ (international convention center) ኣብ ህላወ ናይታ ሃገር ፕረሲደንት ኣቶ ታየ ኣጽቀስላሴ ከመርቕ እንከሎ ዝሰቐልዎ ካርታ ኣፍሪቃ ንሰፊሕ ደቡባዊ ክፋል ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዘእተወ ኮይኑ ምስ ተራእየ፡ ምስቲ ከስምዕዎ ዝጸንሑ ቀጻሊ ህርፋን ወደብ ዓሰብን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ተደሚሩ ሓያል ናይ ፕሮፖጋንዳ ማዕበል ኣልዒሉ።
እቲ ተረኽቦ ነቲ ዝተረስዐ ዝመስል ዝነበረ፡ ኣብ ከተማ ጐንደር ብምኽንያት ጽንብል በዓል ጥምቀት 2020 ኣብ ዝተሰናደአ ናይ ጐደና ምርኢት ንምልእቲ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዘእተወ ካርታ ብምዝርግሑ ህግደፍኳ እንተዘይተዛረበሉ፡ ናይ ብዙሓት መዘራራቢ ኮይኑ ከም ዝነበረ ዘዘኻኽር ኮይኑ ቀንዩ። ኣብቲ ንኤርትራ ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይህብ ካርታ ዝቐረበሉ ኣጋጣሚ ዕዱም ተሳታፊ ዝነበረ ናይ ሽዑ ኣንበሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ሰመረ ርእሶም ርእዩ ከምዘይረኣየ ምዃኑ ከኣ፡ ከም ሓድሽ ክትዝክሮ ዘገድድ ክስተት እዩ ኮይኑ’ሎ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ንገለ ክፋል ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዘእተወ፡ እሞ ብወገን ኢትዮጵያ ኮነ ሕብረት ኣፍሪቃ መብርሂ ዘይተዋህበሉ ክስተት’ውን ኣብቲ መድረኽ ዝነበረ ጉዳይ ፈጻሚ ኤርትራ ኣቶ ቢንያም’ውን ድምጹ ኣይተሰምዐን። ጸኒሑ ግና፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል “ጽንብላሊዕሲ ነብሳ ዘይከደነት መሬት ከደነት” ዝብል ግና ድማ ዕምቆት ብዘየብሉ ኣቀራርባ ግብረ መልሲ ስለ ዘስመዐ፡ እቲ ፕሮፖጋንዳዊ ምድርባይ ፊትንፊት ናይ ምዃን ምልክት ኣርእዩ።
ኢትዮጵያዊ ምሁርን ዲፕሎማትን ዶር ሙላቱ ተሾመ ዊርጡ፡ ብ17 ለካቲት 2025 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ዓምዲ ርኢቶ፡ "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ግጭት ንምውጋድ ስጕምቲ ምውሳድ ግዚኡ ሕጂ'ዩ" ብዝብል ኣብ ዘውጸኦ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ ነቲ ሕማቕ ምስልን ገበናትን ኢሳያስ ኣፈወርን ጉጅለኡን ዝዳህሰሰ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ውግእ ናይ ምኽፋት ሓድሽ ድሌት ከምዘለዎ ብምጥቃስ ተሪር ክሲ ኣቕሪቡ። ነዚ እውን ብወገን ኤርትራ ኣብ 8 ነጥብታት ዘተኩር ኮይኑ፡ “እቲ ደረቐኛ ክሲ፡ ንናይ ኲናት ድሌት ኢትዮጵያ ንምኽዋልን ንምምኽናይን ዝዓለመ'ዩ" ብዝብል ዝጠቓለል መልሲ ሂብሉ። እዚ ተወሲኽዎ ድማ እቲ ፕሮፖጋንዳዊ ጥምጥም ቀጥታዊ መንግስታዊ መልክዕ ከም ዝሓዘ ዘርኢ ተወሳኺ መርተዖ እዩ። ትሕዝቶ ናይቲ ዝካሰስዎ ዘለዉ ቅድሚ ሕጂ’ውን ዝተባህለ ኮይኑ፡ ርክቦም ኣብ ሕማቕ ደረጃ ምብጽሑ ብንጹር ዘረድእ እዩ። ኢትዮጵያ በቲ ፍሉይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዝዋሳእ ዘሎ ላዕለዋይ በዓል መዚ ዶር ተሾመ ኣቢላ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ክብደት ኣንጻር ኤርትራ ዝኸሰሰት፡ ኣብ ጽባሕ እቲ ብኤርትራ “ንተቓወምተይ ብጋህዲ መድረኽ ሂባ” ተባሂላ ኣብ እተኸሰስትሉን ብኣንጻሩ ድማ “ኤርትራ ኣባላት ፋኖ ኣሰልጢናን ኣዕጢቓን ናብ ክልል ኣምሓራ ተእቱ ኣላ” ተርባሂላ ኣብ እተኸሰሰትሉን ግዜ ምዃኑ ከኣ ነቲ ምስሕሓባ ዝያዳ ኣኽሪርዎ’ሎ።
እዚ ዝረአ ዘሎ ምውጣጥ ሃንደበት ዝተፈጥረ ዘይኮነ፡ ውህሉል ናይቲ ዘይሓላፍነታውን ዘይትካላውን ዲፕሎማሲያዊ ፖሊሲ ጉጅለ ህግደፍን ዘይዕቱብ ኣተሓሕዛ ፖሊሲ ዝምድና ሰልፊ ብልጽግናን ተወሲኽዎ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ምኽንያቱ እቲ መጨበጢ ዘይብሉን ኣርሒቑ ዘይርእን ዳንኬራ ኢሳይስ፡ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ እዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ወጻኢ ጉዳይና እዩ፡ ኣብይ እንተደሊኻ ዓሰብ፡ ምጽዋዕ፡ ተስነይን ኦሞሓጀርን ፈቓድ ከይሓተትካ ክትመጽእ ትኽእል ኢኻ” ዝብል ዝነበረ ብስምዒት ዝተዓብለለ ናይ ኢሳያስ ዓጀውጀው፡ ዘኽፍሎ ዘሎ ዋጋ ምዃኑ ዘንጊዕካ፡ ኣጻብዕትኻ ናብ መንግስቲ ብልጽግና ጥራይ ምውጥዋጥ ከምቲ “ወደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን” ዝበሃል እዩ ዝኸውን።
እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ፍቕሪ ሓድሽ ኣብ ዝነበሩ ግዜ፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ ዓቲሮም፡ ጐረርኦም ክሳብ ዝልሕትት “ተደሚርና ኢና፡ ፍቕሪ ይሶር” እናበሉ ዝድብሉ እዢርዕም ዠይራዩ ኤርትራውያን ምንባሮም’ውን ጓሲኻዮ ዝሕለፍ ኣይኮነን። እቲ ካርታ ኤርትራ ቆራርጽካ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው እውን፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብይ ኣሕመድ “ኣነን ወዲ ኣፎም ተደሚርና ዓሰብ ንካፈል፡ ቀይሕ ባሕሪ ማዕረ ፈለግ ኣባይ ናይ ኢትዮጵያ ህልውና ወሳኒ እዩ” ዝብሎ ዝነበረ ህርፋን መቐጸልታ እምበር ሓድሽ ዘይምዃኑ ምዃኑ ምስትውዓሉ ኣገዳሲ’ዩ።
እቲ ፍትሕ ተጋሂዱ ስለ ዝኾነ፡ ድሕሪ ሕጂ “ዝምድናኦም ኣብ ከመይ ደረጃ’ሎ?” ኣጀንዳ ኣይክኸውንን እዩ። እቲ ምስሕሓብ ዝያዳ ተወጢሩ፡ ናብቲ ህዝብና ስለ ዘይረብሓሉ “ወትሩ እንቃወሞ ውግእዶ ይዓርግ ይኸውን?” ዝብል ስግኣት እዩ መዛረቢ ኣጀንዳ ዝኸውን። ውግእ ድሕሪ ሕጂ’ውን ናይ ዝኾነ ጸገም መፍትሒ ከምዘይከውን፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ዝምስክር የለን። ስለዚ ህዝብና በቲ ሓደ ወገን ልኡላውነት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ዝዕቅብ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ንውግእን ሳዕቤኑን ዕድል ዘይህብ ኩለ-መዳያዊ ቃልሲ ከካይድ ኣብ ዝግደደሉ ወሳኒ መድረኽ ምህላዉ ክርዳእን ብግብሪ ክስለፈሉን ይግብኦ።
ዶር ሙላቱ ተሾመ፡ ንኤርትራ ከም ጠንቂ ውግኣት ናይ’ዚ ዞባ ከሲስዋ
Tuesday, 18 February 2025 12:09 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶር ሙላቱ ተሾመን ብ2021 ከም ሎሚ ከይኮነ
ኢትዮጵያዊ ምሁር ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ፡ ኣብ ኣልጀዚራ ሓሳብ (opinion) ኣብ ዝብል ዓምዲ፡ ኣብ ትሕቲ "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ግጭት ንምውጋድ ስጕምቲ ምውሳድ ግዚኡ ሕጂ'ዩ" ዝብል ኣርእስቲ፡ ብ17 ለካቲት 2025 ኣብ ዘውጸኦ ሰፊሕ ጽሑፍ ንኤርትራ ኣብ ዞባና ሓድሽ ውግእ ክተኣጉድ ትደሊ ምህላዋ ከሲሱ። ንሱ ኣብቲ ሰፊሕ ጽሑፉ፡ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ዳርጋ ፍርቂ ክፍለ-ዘመን፡ ኣብዚ ዞባ ኣብ ዝተፈጠሩ ውግኣት ኢዳ ከተእቱ ዝጸንሐት እያ ክብል ገሊጽዋ።
ዝያዳ ዝርዝር ብምጥቃስ ከኣ ኣብ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ዝተኻየዱ ውግኣት ኩሎም ኢድ ኤርትራ ከም ዝነበሮም ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ካብ 1993 ጀሚሩ እንኮ መራሒ ኤርትራ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ውግእ ንምእጓድ ነዊሕ ርሕቀት ተጓዒዙ ክሳብ ሃገራት ኣበይቲ ቀላያት ዝኸይድ እዩ ኢልዎ። .
ዶር ሙላቱ ተሾመ ኣተሓሒዙ፡ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ 33 ዓመታት ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ስልጣን ግዜ፡ ህላወ ፓርላማን ሲቪላዊ ኣገልግሎትን ኮታ ኩሎም ትካላዊ ኣካላት መንግስቲ ዝበኾሩሉ፡ ንቡር መንግስታዊ ምምሕዳር ተሓሪምዋ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ ሰብ ወዲቓ ዘላ ሃገር ምዃና ኣስፊሩ። ኣብ ኤርትራ ገደቡ ዘይፍለጥ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ብምጥቃ ከኣ፡ እታ ሃገር ብዘይካ ውሱን ዘይሕጋዊ ወርቂ፡ ስደት መንእሰያት እንተዘይኮይኑ ካልእ ናብ ወጻኢ ዝለኣኽ ሰደድ ዘየብላ ሃገር እያ እውን ኢሉ።
ኣብ ዞባና ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ጐንጽታት ምጽሕታር፡ ምድጋፍ ዓመጸኛታት፡ ወይ ድማ ምሕጋዝ ውግእን ምክፍፋልን ዝሃርፉ ወገናት ቀንዲ ተግባራት ኤርትራ እዩ ምስ በለ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስቶም ንነዊሕ ግዜ ብዓይኒ ጽልኢ ክርእዮም ዝጸንሐ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ 1998-2000 ዝተዋገኦም መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ሎሚ ነቲ ኣብ ውሽጦም ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል ክምዝምዞ ይጽዕር ከም ዝሎ ኣብቲ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
እቲ ዶር፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ውረደ ደይብ ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነቲ ኩነታት ንምቕያር ዶር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ተበግሶ ወሲዱ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተኣትዩ ምንባሩ ሓቢሩ። እንተኾነ ኢሳያስ ምህናጽ ናይ ሓባር ትሕተ-ቅርጻን ምዕባይ ሓባራዊ ቁጠባዊ ዓቕምን ድሌት ስለ ዘየርኣየ እቲ ሓድሽ ምዕራፍ ዝምድና ክቕጽል ከምዘይከኣለ ገሊጹ።
ኣተሓሒዙ ድማ ህወሓት ድሕሪ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ከምቲ ዝለመዶ ስልጣን መንግስቲ ክቆጻጸር ፈቲኑ ምስ ዘይኮነሉ፡ ምስ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ምስ ተኣተወ፡ ኢሳያስ ነቲ ዕድል ክጥቀመሉ ከም ዝፈተነን ውዕል ፕሪቶርያ ምስተኸተመ ግና ውድቀቱ ኮይኑ ረኺብዎ፡ ምኽንያቱ ድማ ውግእ ትግራይ ክቕጽል ህርፋኑ ስለ ዝነበረ ክብል እውን ዶር ሙላቱ ጽሒፉ።
ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ውዕል ፕሪቶርያ ንድሕሪት ተመሊሱ ምሉእ ብምሉእ ንክፈርስ ድሌቱ ምዃኑ ከሲሱ፡ ሓደ ክፋል ህወሓትን ደጋፊኡ ወተሃደራዊ ጉጅለን ድማ ተመሳሳሊ ድሌት ከም ዘለዎም ዘመልክት ተርእዮ ከም ዝሎ ጠቒሱ፡ ናይዚ ሳዕቤን ንኢትዮጵያ ኮነ ዞባና ሓደገኛ ከም ዝኸውን ኣጠንቂቑ። ኣብ መወድእታ ድማ ዓለም ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ጸረ ሰላም ወገናት ንምዕጋት ዲፕሎማሲያዊ ስጉምቲ ንክትወድ ጸዊዑ።
መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ናይ ኤርትራ ናብ ውግእ ትግራይ ምእታው ተኣሚኖም፡ እቲ ኣመዝጊብናዮ ዝብልዎ ወተሃደራዊ ዓወት ብዘይተሳትፎ ኤርትራ ኣይመተረጋገጸን ክብሉ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር እዩ።
ዶር ሙላቱ ተሾመ፡ ሚኒስተር ሕርሻ፡ 5 ዓመታት ፕረሲደት ኢትዮጵያ፡ ዝተወሰነ ዓመታት ኣፈኛ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን፡ ኣብ ቻይና፡ ቱርክን ኣዘርባዣንን ከኣ ኣንበሳደር ኮይኑ ዝሰርሐን፡ ሎሚ ድማ ፍሉይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ዲፕሎማት እዩ።
ሓው ገረዝጊሀር ተወልደ ኣቦመንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝመርሖ ኣኼባ ኣባላት፡ ብ15 ለካቲት 2025 ተኻይዱ። ኣብዚ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያታን ፖሓኤ ዝወደብዎ ኣኼባ ኣቦመንበር ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ክሳብ ሎሚ ብዛዕባ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ፖሓኤ ክውገኑ ዝጸንሑ ምቅርራባትን ክዕመሙ ዝጸንሑ ስረሓትን፡ ፖሓኤ ንምስፋሕ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝካየዱ ዘለዉ ርክባትን ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕባ’ቶም ብደረጃ ዞባን ኣህጉርን ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ናይ ኣሰላልፋ ምቅይያራትን ገሊጹ።
ኣብዚ ብቋንቋታት ዓረብን ትግርኛን ዝተኻየደ ሰፊሕ ኣኼባ ሓለፍቲ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፖሓኤ ብወገኖም ብዛዕባ ክሳብ ሎሚ ዝሰርሕዎም ስረሓት ዝምልከቱ ሓጸርቲ መብርህታት ሂቦም፡ ኣባላት ፖሓኤ ናይተን ኣብያተ-ጽሕፈት መደባት ኣብ ምዕዋት ክሳተፍሉ ዝኽእሉ ኣገባታት እውን ዝርዝር ሃበሬታ ሂቦም።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ብኸፊል
ድሕሪ’ቲ መግለጽታት፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ንምሕያል ውሽጣዊ ዓቕሚ ፖሓኤ፡ ንመስርሕ ዘተ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ደንበት ተቓውሞ፡ ከምኡ ድማ ብሓፈሻ ኣብ ከባብና ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብትና ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ይረኣዩ ንኤርትራዊ ፖለቲካና እውን ዝጸልዉ ምዕባለታት ዝምልከቱ ሕቶታት ኣቕሪቦም፡ በብዝምልከቶም ሓለፍቲ ኣብያተ- ጽሕፈት ድማ መልሲ ተዋሂብዎም።
ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዓትን ዝተዓመ ዕማማትን ዝያዳ ንቕድሚት ንክስጉም ካብኣቶም ዝድለ ዘበለ ከበርክቱ ቅሩባት ምዃኖም ብምርግጋጽ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ርክባት ክቕጽል ለበዋ ብምቕራብ ኣኼባ ተዛዚሙ። ናይቲ ኣኼባ ኣዳለውቲ ከም ዝገለጽዎ ድማ እቲ መድረኽ ብምኽንያት ናይ ግዜ ኣቆጻጽራ ፍልልይ ኣብዚ ናይ 15 ለካቲት 2025 ኣኼባ ክሳተፉ ምስ ዘይከኣሉ ኣባላት ፖሓኤ ክቕጽል እዩ።
ካብቶም ክሕደሱ ሃንቀው ዝብሉ ዘለዉ ህንጻታት ምጽዋዕ ሓደ
ቅድሚ 35 ዓመታት ኣብ ምጽዋዕ፡ ብስርሒት ፈንቅል ዝፍለጥ፡ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ሓደ ካብ መቐይሮታት ዝነበረ ውግእ ከም ዝተኻየደ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እዚ ስርሒት፡ ኣካላዊ ህልውና ሓይሊ መግዛእቲ ኣብ ምጽዋዕ ከም ዘኸተመ ዘረጋገጸ ምንባሩ ይዝከር። መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ብኣካል ድሕሪ ምፍንቃሉ ንሱ ዝገደፎ ወጽዓን ድሕረትን እውን መሊኡ ንክፍንቀል ናይቶም ኣብቲ ስርሒት ዝተሰውኡ ጀጋኑ ሕድሪ ከም ዝነበረ ዘማትእ ኣይኮነን። ስዉኣት ኤርትራ ኩሉ ውጽዓኣ ተፈንቂሉ ምስተደርበየ ኣብ ክንድኡ ራህዋ፡ ሃገሮም ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፈና ንክትከውን ናብ ብጾቶም “ሕድርኹም” እናበሉ ዝሓለፉ እዮም። “እሞ መብጸዓኦም ተኺቡሩዶ ኣይፋሉን? ዝብል ሕቶ ንምምላስ ድማ ብሓፈሻ ንመላእ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ነታ ሕድሪ ፈንቀልቲ ስዉኣት ዝተቓለሓላ ከተማ ምጽዋዕ ተዓዚብካ እቲ መልሲ ባዕሉ ስለ ዝዛረብ ሓደ-ክልተ ኢልካ ምጽብጻብ ዘድሊ ኣይኮነን።
እቲ ንመጻኢት ኤርትራ ሰናይ ዝተመነየ ሕድሪ፡ ናይቶም ኣብ ምጽዋዕ ዝተሰውኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኩሎም እቶም ምስ ኩለን ውድባት ተሰሊፎም፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልስን ዓውዲ ውግኣትን ዝተሰውኡ ኤርትራውያን ሓርበኛታት እዩ። እቶም ዝተጠለሙ እውን ኩላቶም እቶም ሰብ ተመሳሳሊ ሕድሪ እምበር ናይ ፈንቅል ስዉኣት ጥራይ ኣይኮኑን። ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕድሪ ስዉኣት ዝፍጽሞ ጥልመት ንምሽፋን ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን። ካብቲ መህደሚታቱ ሓደ ከኣ ዕለትን ዓመትን ብምጽብጻብ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ካለኦት ኣደባባያትን ንብዓት ሓርገጽ እናንባዕካ ዝግበር ዳንኬራን መጠበሪ ተዋስኦታትን ዘይተፈልዮ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ምስቁንቋን እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ንመበል 35 ዓመት እቲ ዝኽሪ፡ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ክርእአ እንከሎ፡ ብዝዛሕተለ ስምዒትን ውሑዳት ተሳተፍትን ተዘኪሩ። እዚ ዝኽሪ ኣብታ ድሕሪ ነጻነት ቁስላ ሓውዩ ናብ ንቡር ክትምለስ ተጸብያ ዘይሰመረላ ወደባዊት ከተማ እዩ ነይሩ። ከተማ ምጽዋዕ ሎሚ ካብቲ ብስንክቲ ውግእ ፈሪሳ መልክዓ ዝተደወነቶ ኣብ ዝገደደ ደንደስ ምፍራስ ከም እትርከብ ዝረአ ስለ ዝኾነ ብዛዕባኡ ብዙሕ ምዝራብ ዘድሊ ኣይኮነን።
ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዛ ክፈርሕ እንከሎ ዝሕበኣላ፡ ክርህዎ እንከሎ ከኣ ዝሕንብሰላ ወደባዊት ከተማ ኮይኑ ብዛዕባ ፍሉይነት ናይቲ ውግእ ክምድር እንከሎ ብኣኣ ከኣ ይሕጭጭ። ወትሩ ኣብ መድረኻት ነታ ብሰንኩ ህላወኣ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ዘሎ “ባጽዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ትበሃል ነይራ፡ ሎሚ ግና ኣበይ ኣላ?” እናበለ ክሳብ ክንደይ ሓላፍነታዊ ዘይምዃኑ የርኢ።
ትርጉም መስዋእቲ ኣብ ምጽዋዕ ነቲ ኣብኡ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት መግዛእቲ ብኣካል ፈንቂልካ ምጽራግ ጥራይ ኣይነበረን። ዝያዳ ትርጉሙን ተልእኮኡን ነቲ ኣብ ኤርትራ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ጭቆናን ድሕረትን ሓግሒድካ ምጉሓፍ እዩ ነይሩ። መልእኽትን ሕድርን ናይቶም ስዉኣት ከኣ እቲ ምፍንቃል ምሉእ ኮይኑ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ዝተኣማምን ራህዋ፡ ሓርነትን ህዝባዊ ልዕልናን ዘውሓሰት ክትከውን እዩ ነይሩ። እንተኾነ ሎሚ እውን መልክዑን ኣተገባብራኡን ደኣ ቀይሩን ረቒቑን እምበር፡ እቲ ክፍንቀል ዝነበሮ ተግባራት መግዛእቲ ኣብታ ብጀጋኑ ደቃ ነጻ ዝኾነት ኤርትራ እውን ኣስፋሕፊሑ እዩ ዝርከብ። እቲ ከም መግለጺ ምኽባር ሕድሪ ስዉኣት ብሓይልታት ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንሓርነት ከኣ መስርሕ ፍትሓዊ ምፍንቃል ጭቆና ቀጻሊ ምህላዉ ዘርኢ እዩ።
ሎሚ ብዙሓት ደቂ እቶም ኣብ ስርሒት ፈንቅልን ካለኦት ናይ ጅግንነት ዓውድን ዝተሰውኡ ኣስማቶም እናተረቑሐ፡ ኣብ ሃገሮም ምንባር ስኢኖም ኣብ ስደትን ጉዕዞ ናብ ስደትን ግዳይ ዝተፈላለዩ ጸገማት ይኾኑ ከም ዘለዉ ብተደጋጋሚ ይንገር ኣሎ። ኤርትራ ብናይ ብዙሓት መስዋእቲ ተጋሂዳ፡ መላእ ህዝባ ዝጭቆነላ ዘሎ ሃገር እያ። ናይ ኩሎም’ቶም ስዉኣት ናይ “ሕድረይ ከይጥለም ሓደራ” መልእኽቲ ትርጉም ተመሳሳሊ ነይሩ። ስዉኣት ድሕሪ ነጻነት ጀግንነቶም ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክሰፍር እምበር፡ እቲ ዝተሰውእሉ ዕላማ ተረሲዑ ብዛዕባኦም ኣብ መድረኻት፡ መዓልቲ ናጽነት፡ ዕለተ ሰማእታት ስርሒት ፈንቀልን ዝኣመሰሉን ኣጋጣምታት እናተዘመረን እናተገጥመን ንብዓት ጥልመት ክበዓሎም ኣይነበረን።
ምጽዋዕ ብዕንወታ እናነበዐት ዓመት ዓመት እትሰምዖ ብስም ፈንቅል መደረን ግጥምን፡ ለበዋ ስዉኣት ዘረስዕ መደንዘዝን መዳህለልን እዩ። ህግደፍ ኣብቲ ኣጋጣምታት “ብሳላ መስዋእትኹም ከምዚ ዝኣመሰለ ንኤርትራን ህዝባን ዝጠቅም ሃኒጽናን ትካላዊ ምምሕዳር ዘርጊሕናን” ክብል ኣይስመዓን እዩ። ኣብ ክንድኡ ናይ ውግእን ህውከትን መደረን ጭረሖታትን ንክቃላሕ’ዩ ዝእዝዝ። ያኢ ከም ሕድሪ ስዉኣት ምሕላው ተወሲዱስ፡ ዝተሰዋእኩምሉ መዛግብ (ድፋዓት) ነሕድሶ ኣለና ክብል እውን ይስማዕ።
ህዝቢ ኤርትራኸ “ክሳብ መዓስ እዩ እቲ ረዚን ሕድሪ ደቁ ተጠሊሙ፡ እቲ ጉዕዞ ብኣንጻሩ ኮይኑ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ኣብ ዘይሓይሽ ህይወት እናነበረ ምጽማም ክመርጽ?” ዝብል ሕቶ ኣዛራቢ እዩ። ስለዚ “ደቅናኮ ነዓና ንዘይትኸውን ኤርትራ ኣይኮኑን ተሰዊኦም፡ ስለዚ ስለምንታይ እዩ ናይ መስዋእቶም ጻማ ዝሕረመና?” ኢሉ ካብ ምሕታት ተዓዚሙ ክነብር ንቡር ኣይኮነን።
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ስዉኣት ደቁን ብዘለዎ ንዕቀት ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ነቲ ዝቐደመ መስዋእቲ ትርጉም ኣስኢኑስ፡ ብዘይጣዕሳን ስኽፍታን ካልእ ውግኣትን ዕንወትን ክዕድም ተራእዩ እዩ። ሎሚ’ውን ካብኡ ኣይወጸን። ኣብዚ እውን፡ “ካብ ዝሓለፈ ኣይረባሕናን እሞ ደጊምስ ይኣኽለና ደኣ” ዝብል ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምስምዑ፡ “እዚኸ ምስ ምንታይ ይቑጸር?” ዘየብል ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ “ውሕጅሲ እናስሓቑ ይወስድ” ዝብል ምስላ ኣበው ዘንጊዑ፡ ብግጉይ ስብከት ህግደፍ ተሰሊቡ ብስቕታ እንተቐጺሉ፡ ሕድሪ ስዉኣት ደቁ ተኸቢሩ፡ ኣብ ነጻ ኤርትራ ብሓርነት ምንባሩ ተረፉ፡ እታ ኣዝዩ ክቡር ዝዋጋኣ ነጻነቱ እውን ኣብ ምልክት ሕቶ ከይትኣቱ ዘየሻቕል ኣይኮነን።
ኣባል ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝነበረ ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ቀትሪ ምድሪ ብመጋበርያታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ከተማ ከሰላ ተጨውዩ ድሃዩ ካብ ዘጥፍእ ሎሚ ዕለት14 ለካቲት 2025፡ 13 ዓመቱ ኮይኑ። እዛ ዕለት እዚኣ፡ ሓንቲ ካብተን ናይ ሕሰምን መከራን ዕለታት ኮይና፡ ከምተን ካለኦት ብጾት ዝጠፍኡለን ዕለታት እንዝክራ እያ። ከምዛ ንዕኡ ዘጋጠመቶ ሓደጋ መጭወይቲ ዘጋጠሞም፡ ናይ ቃልሲ ብጾትና፡ ተጋደልቲ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገ/ጻድቕን እውን ኣይንርሰዖምን ኢና። እዞም ሓርበኛታት እውን ካብ ሱዳን ከተማ ከሰላ ካብ ዝጭወዩ ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት 33 ዓመት ክመልኦም እዩ። እነሆ ከኣ ዕድመ ማእሰርቶም ንዕድመ ማእሰርቲ ናይቲ ናይ መሰል ተቓላሲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኔልሰን ማንደላ ኣዕርዩ ሓሊፍዎ።
ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ሓደ ካብቶም ጣዕሚ ንእስነት ከየስተማቐሩ፣ በጃ ህዝቦምን ሃገሮምን ንኽውፈዩ ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ናብ ቃልሲ ዝወፈሩ ሓርበኛታት ኢዩ። ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፈ፡ ራህዋን፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝብህጉን ምእንታኡ ኩሉ ዝካኣሎም ካብ ዘበርከቱን ኤርትራውያን ሓርበኛታት ሓደ ኢዩ። ወዲ 17 ዓመት ኣቢሉ ምስ በጽሐ’ዩ ሰራዊት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዝነበረ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት ከይተወገደ ሰላምን ቅሳነትን ክርከብ ከምዘይካኣል ተገንዚቡ ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 1968 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ። ወተሃደራዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳዱ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ስሳታት ዝነበሮ ጸገማትን ሕልኽልኻትን ተጻዊሩ መባእታዊ ሕክምናዊ ትምህርቲ ተኸታቲሉ ኣብ 1970 ኣብ ሓይሊ 501 ሓኪም ጋንታ ኮይኑ ተመዲቡ።
ኣብ 1971 ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)፡ ብዛዕባቲ ብስም ሰልፊ ናጽነት ካብ ተሓኤ ዝተፈንጨለ ኢሳያስ ዝመርሖ ጉጅለ፡ ብመንጽር ሃገራዊ ስምረት ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን መዚኑ ብዛዕባኡ እዚ ዝስዕብ ከም ዝወሰነ ዝዝከር እዩ።
ሀ. ንኢሳያስን ብጾቱን ነዚ ናብ ሃገራዊ ስምረት ዝመርሕ መደብ ዕዮን ውሳኔታትን ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ ተቐቢሎም ክምለሱ ይጽውዕ።
ለ. መሪሕነት ተሓኤ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ገድልን ምእንቲ ክሕሎ፡ ከምኡ ድማ እቲ ጸገም ንኽፍታሕን ካብቲ ዝነበሮ ከይገድድን ዘድሊ ስጉምትታት ትወስድ፡ ብዝብል ዝወሰኖ ውሳነታት መስረት፡ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ሓደ ካብ ኣባላት ናይታ ሸውዓተ ዝኣባላታ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1972 ምስ ጉጅለ ኢሳያስ ንኽትራኸብ ብመሪሕነት ተሓኤ ዝቆመት ሽማግለ ነይሩ። ሰውራ ኤርትራ ግን ብሰንኪቲ «ንሕናን ዕላማናን» ዝብል ኢሳያስ ዘበገሶ ጸቢብን ዘይግሉጽን መደባት ካብ ምብትታን ኣይዳሓነን። እቲ ዝገደደ ምብትታንን ብርሰትን ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ጭቆና ኢሳያስ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና በጺሑ እነሆ። መሪሕነት ተሐኤ ምስቲ ዝነበሮ ጉድለታት፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ሰውርኡን ንምርግጋጽን ኣብዚ ሕጂ ሃገርና በጺሓቶ ዘላ ኲነታት ንኸይትወድቕ፡ ከቢድ ጻዕርታት ገይራ እያ። ኢሰያስ ታሪኻዊ ምስክርነት ቃልሲ ህዝቢ ንምቕባርን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ከምእኒ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝኣመሰሉ ንጹሃት፡ ብዘይካ ንፍትሕን ሓርነትን ህዝቢ ካልእ ንዘይባሃጉ ተጋደልቲ ጨውዩ ከጥፍእ እዩ መርሆኡ።
ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፣ ክሳብ 1976 ቅድም መራሒ ሓይሊ ደሓር ከኣ ኮምሽነር ሓይሊ ኮይኑ ተቓሊሱ። ድሕርዚ ኣብቲ ብሓልዮት ፈለስጢናዊ ውድብ ፈትሕ/Fatih-PLO: ዝካየድ ዝነበረ ትምህርቲ ናይ ምስታፍ ዕድል ስለዝረኸበ፡ ኣብ ሶርያ ደማስቆ ናይ ሓደ ዓመት ወተሃደራዊ ትምህርቲ ተኸታቲሉ ብደረጃ መዓርግ ትሊንቲ (ሓለቓ 100) ተመሪቑ ናብ ሜዳ ተመሊሱ ብዝዓበየ ዓቕሙ ቃልሱ ቀጺሉ። ብዙሕ ከይጸነሐ ከኣ፡ ኣብታ ኣብ ከበሳ ንሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ ደገፍን ደጀንን ኰይና ዝነበረት በጠሎኒ 107 ክሳብ 1978 መራሒ ሓይሊ ነይሩ። ቀጺሉውን ክሳብ 1980 : ኣብ ትሕቲ መራሕ ብሪገድ 61 ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ቀዳመይቲ በጠሎኒ መሪሑ። ብ1981 ከኣ መራሒ ቀዳመይቲ በጠሎኒ ብሪጌድ 72 ኰይኑ ተቓሊሱ።
ድሕሪ ውግእ ሕድሕድ፣ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዶባት ሱዳን ምእታዉ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ናይ ቃልሲ ፍናኑ ከየውደቐን ተስፋ ከይቆረጸን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምሕዳስን ንምቕጻልን ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ብሚያዝያ 1982 ኣባል ናይታ ሰራዊት ንምምራሕ ዝቆመት ግዚያዊት ሽማግለ ኮይኑ ተመሪጹ። ኣብ መወዳእታ 1982 ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ሸነኽ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ብዝተገብረ ሓድነታዊ ስምምዕ መሰረት፡ ኣባል ናይታ ብኣርባዕተ ተጋደልቲ ዝቆመት ወተሃደራዊ ሽማግለ ኰይኑ ንዝሰመረ ሰራዊት መሪሑ። ይኹን እምበር መሪሕነት ህሓሓኤ፡ ነቲ ስምምዕ ብትሕዝትኡን መንፈሱን ክፍሑቊን ከፍርስን ምስ ዝጀመረ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብመስከረም 1983 ብጸጥታ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተኣሲሩ።
ህሓሓኤ ኣብ መፋርቕ 1984 ሓደ ውድብ ኮይኑ ክቕጽል ስለዘይካኣለ ድማ፣ ክንፊ ዑስማን ሳልሕ ሳበን ኣሕመድ ጃስርን ተባሂሉ ኣብ ዝተፋናጨለሉ፡ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝርከቦም ልዕሊ 73 ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ ብፖለቲካዊ ርእይትኦም ጥራይ፣ በብእዋኑ ተኣሲሮም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብወታሃደራዊ ክንፊ ጉጅለ ጃስር ካብ ዝተሓተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት ብማእሰርቲ ተሳቐዩ።
ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ኣይሓለፈሉን። ሓይሊ ጃስር ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1988 ብሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምስተጠቕዐ፡ መደበራትን ቤት ማእሰርትን ጉጅለ ጃስር ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ህግሓኤ ስለዝኣተወን፡ ካብቲ ማእሰርቲ ናይ ምምላጥ ዕድል ስለዘይተረኽበ እንደገና ኣብ ቀይዲ ህዝባዊ ግንባር ኣተወ። ካብ ጸልማት ናብ ዝኸፍኤ ጸልማት ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ክሳብ ድሮ ናጽነት ኤርትራ ተኣሲሩ።
እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝወረደን ገና ዝወርድ ዘሎን ሕሰምን ኣደራዕን ኣብ ምንቲ ምንታይ ኮን ይኸውን ? ንዝብል ሓታቲ፡ እቲ መልሲ፡ ኣብ መንጎ ፈራሓት መለኽትን ኣብ መንጎ ተባዓት ህዝባዊ ዕላማታት ንምርግጋጽ ዝብጀዉ ተቓለስትን ዘሎ ፍልልይ እተዘይኮይኑ፡ ካልእ ብውልቁ ዝሓተቶ ጠቕሚ ኮነ ዝፈጸሞ ገበን የለን። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ምርጫኡ ንኽወስድ ብህግሓኤ ንዝተዋቦ ዕድል ተጠቂሙ ምስ ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ ቃልሲ ብጾቱ ናብ ሱዳን ተመሊሱ ኣብታ ዋሕስ ህዝብና ክትከውን ዝተጸበያ ውድብ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ተመሊሱ፡ ኣንጻር ምልኪ ቃልሱ ቀጺሉ። ገለ ካብቶም ተመሳሳሊ ጸገማት ማእሰርትን ናብ ሱዳን ናይ ምእታው ዕድል ረኺቦም ናብ ውድቦም ተጸንቢሮም ቃልሶም ዝቐጸሉ ተጋደልቲ ኣሰፋው በርሀ፡ ብርሃነ ተስፋጋብርን፡ ዑስማን መሓመድን ዝርከብዎም ነይሮም። ከምኡ ውን ሓው ተስፋይ ርእሶምን ካልኦት ድሕሪ ነጻነት ካብ ኣስመራ ናብ ሱዳን ናይ ምእታውን ዕድል ካብዝረኸቡ ኣብ ውድቦም ብምጽንባር ቃልሶም ዝቐጸሉ ብጾት እዮም።
ብጻይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብዘጋጠሞ ማእሰርትን ስቅያትን ኣይተዳህለን ኣይሰኮነን ዝያዳኳ ዳኣ መሊሱ ሓሪኑ ካብ ናይ 1995 ራብዓይ ጉባኤ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ክሳብ 2010 ዝነበረ እዋን ኣብ ዝተገብረ ጉባኤታት ኣባል ባይቶ ኮይኑ ተመሪጹ፡ ብደረጃ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ዝተፈላለያ ኣብያተ-ጽሕፈት ተመዚዙ ተቓሊሱ። ኣብ 2011 ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይን መስመርን ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምምራጹ እውን ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ኮይኑ ኣብ ቃልሲ እንከሎ ብዕለት 14 ለካቲት 2012 ብጸጥታዊ መሓውር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ከተማ ከሰላ ምስ ተጨውዩ፡ ክሳብ ሎሚ ኣሰሩ ኣብ ዘይርከበሉ፡ ድምጹ ኣብዘይስማዓሉ ኣብ ጎዳጉዲ ምልኪ ተሰዊሩ ዘሎ።
መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ባዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ደቂ ተባዕትዮን እዩ። በዂሪ ወዱ ናስር ኣብኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህሓሓኤ ምስ ኣተወ ስለ ዝተወልደ፡ ንሸሞንተ ዓመታት ዝኣክል ኣብኡ ከይሓቆፎ ዓብዩ። ዋላኳ ንይምሰል እንተነበረ፡ ጉጅለ ጃስር ብምኽንያት ሓደ መስከረም ኣብ ዝገበሮ በዓል 1986 ወይዘሮ ሓሊማ በዓልቲ ቤቱ ናብቲ በዓል ናይ ምስታፍ ዕድል ስለዝረኸበት፡ ኣብ በረኻ ንሓጺር ግዜ ምስ ስድርኡ ክራኸብን ዓይኒ ንዓይኒ ክራኣኣዩን ዕድል ረኪቡ ከም ዝነበረ ይዝከር። ማጂድ ወዲ 19 ዓመት ምስበጽሐ፡ ኣብታ ኣቦ ዝደልየላ ናይ ንእስነቱ እዋን፡ ኣቡኡ ወፊሩ ክምለስ እንዳተጸበየ፣ ስለ ዘይተመልሰ ዘኽቲሙ ዓብዩ።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኤርትራ ብሰሪ ምልኪ ህግደፍ ዘይዘኽተመትን ዘይተበታተነትን ስድራ ከምዘየላ ኩልና ንፈልጦ ካብ ኮነ፡ እታ ብደምን መስዋእትን ህዝባ ናጽነታ ዘረጋገጸት ሃገርና ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወትሉ እዋን ንርከብ ካብ ሃለና፡ ኩልና ኤርትራውያን ናይ ቃልሲ መሳርዕና ኣዋሃሂድና፡ ልኡላውነት ሃገርና ንምዕቃብና መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ናይ ሓባር ቃልሲ ይጽበየና ከምዘሎ ተገንዚብና ክንልዓል ይግባእ።
ንቅዋማዊ ምሕደራን፡ ዲሞክራሲያዊ ምዕባለን ንቃለስ
ኤርትራ ዝለዓለ ምልሽውና ምስ ዝሳዕረረለን ቀዳሞት ሃገራት ተሰሪዓ
Wednesday, 12 February 2025 20:32 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኤርትራ ኣብ 180 ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ንብልሽውና (corruption) ዝምልከት መጽናዕቲ 2024፡ ካብ ሚእቲ 13 ነጥቢ ጥራይ ብምርካብ፡ ኣብ መበል 173 ከም ዝተሰርዐት ዓለም ለኻዊ ግሉጽነት (transparency international) ዝተባህለ ትካል ሓቢሩ። ምስ ኤርትራ ማዕረ 13% ብምርካብ ድሕሪት ዝተሳዕራ ሃገራት፡ ኢኳቶርያል ጊኒ፡ ሊብያን የመንን ክኾና እንከለዋ፡ ካብ ኤርትራ እትርከበን ዝያዳ ዝገደዳ ተባሂለን ዝተመዝገባ ከኣ፡ ሲርያ፡ ቬንዝዋላ፡ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ምዃነን ኣብቲ መጽናዕቲ ተመዝጊቡ።
ኤርትራ ብደረጃ ኣፍሪቃ እውን፡ ካብ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ጥራይ ዝሓሸት ተባሂላ፡ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ትርከብ። እዚ መጽናዕቲ ነቲ “ኣብ ኤርትራ ብልሽውና የለን” እንዳተባህለ ዝቐርብ ግጉይ ምጽብባቕ ዘቃልዕ እዩ።
እቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ዓለም ለኻዊ ትካል፡ ኣብዚ ናይ 2024 ዳህሳሱ ካብተን ንመጽናዕቲ ዝተመርኮሰለን 180 ሃገራት ክልተ ሲሶ ዝኾና ትሕቲ 50 % ከም ዝረኸባ ጠቒሱ። ንውድቐት እተን ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ዲሞክራሲ ምድኻም ምዃኑ ጠቒሱ፡ ካለኦት ከም ናይ ክሊማ ምቅይያር ዝኣመሰሉ ረቛሕታት ከም ዝርከብዎ’ውን ኣስፊሩ።
ኣተሓሒዙ ድማ ብልሽውና ኣብ ርእሲቲ ንዕቤት ሃገርን ህዝብን ንድሕሪት ዝመስል ምዃኑ፡ ብኩራት ዲሞክራሲ፡ ምርግጋእን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዝኸትል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሃገራት ኣንጻርዚ ሓደገኛ ተርእዮ ብልሽውና ምቅላስ ቀዳምነት ሂበን ክሰርሓሉ ከም ዝግባአን ኣስፊሩ። ኣብዚ እዋንዚ ብልሽውና ከም መቐየሪ ፖሊስን ምድኻም ምቁጽጻርን ምሕላው ሚዛንን ይኸውን ከም ዘሎ እውን ኣብቲ መጽናዕቲ ተጠቒሱ።
ኣብዚ እዋንዚ 6.8 ቢልዮን ካብ ህዝቢ ዓልለም፡ ኣብተን ብናይ ብልሽውና መለክዒ ካብ 50% ንታሕቲ ዝረኸባ ሃገራት ከም ዝነብር ብምጥቃስ፡ ደንማርክ 90%፡ ፊንላንድ 88%፡ ሲንጋፖር ከኣ 84% ብምርካብ ከም ቀዳሞት ዳርጋ ብልሽውና ዘይረኣየለን ሃገራት ሰሪዕወን። ብኣንጻሩ ድማ፡ ደቡብ ሱዳን 8%፡ ሶማሊያ 9%፡ ሲርያ 12%፡ ሊቢያ፡ ኤርትራ፡ የመንን ኢኳቶርያል ጊኒን ከኣ ነፍሲ ወከፈን 13% ብምርካብ ኣብ መወዳእታ ሰሪዕወን።
ካብ ዝሓለፈ 7 ዓመታት ደሓን ምምሕያሻት የርእያ ኣለዋ ተባሂለን ዝተጠቕሳ ከኣ፡ ኮትዲቭዋር፡ ደሞኒካ ረፖብሊክ፡ ኮሶቮ፡ ኩዌት፡ ሞልደቪያን ዛምቢያን ተጠቒሰን። ጐረባብትና ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ጅቡትን ሱዳንን ድማ ብቕደም ሰዓብ ኣብ መበል 99፡ 127ን 170ን ተሰሪዐን ይርከባ።
ኢንስደነት (Incident) ካብ ዝተባህለት መርበብ ዝተወስደ ስእሊ ስድራቤት ግዳያት
ናይቶም ምስ ሰለስተ መራኽብ ካብ 7 ሕዳር 2024 ጀሚሮም ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ተታሒዞም ዘለዉ ባሕረኛታት ኣዘርባጃን ደሃይ ንክሕብሮም ናብ መንግስቶም ሕቶ ከምዘቕረቡ ቢቢሲ ነተን መራክብ ዘመሓድር ኩባንያ “ካስፒያን ማሪን ሰርቪስስ ቢ-ቪ (CMS B.V)”: ብምጥቃስ ሓቢራ። ንሕቶ ናይቶም ስድራቤታት ዝተቐበለ፡ ምክትል ዳይረክተር ናይታ ኩባንያ ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ጉዳይ ዲፕሎማሲያዊ ሕልኽልኽ ከም ዘጋጠሞም ምሕባሩ ቢቢሲ ብተወሳኺ ገሊጻ። ካብቲ ኤርትራ ዝፈጠረቶ ጸገም ሓደ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ኣዘርባጃን ናብ ኣስመራ ንምልኣኽ መዲቦም ናይ ኤርትራ ቪዛ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ እውን ተፈሊጡ። ከም መተካእታኡ ከኣ ቱርክን ሩሲያን ኣብ ዝርከበአን ዝተፈላለያ ሃገራት ርክባት ይገብሩ ከምዘለዉ ምጥቃሱ እቲ ዜና ጠቒሱ።
ብሓፈሻ ኩሎም ስድራቤታት ናይቶም ባሕረኛታት፡ ብፍላይ ከኣ ክቱር ሻቕሎት ዝሓደሮ ኣምራህ ሩስታሞቭ ዝተባህለ ኣቦ ሓደ ካብቶም ጀሆ ተታሒዞም ዘለዉ ከም ዝጠቐሶ፡ ምስ ሓለፍቲ እታ ነተን መራክብ እተመሓድር ኩባንያን ወከልቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሪ ናይታ ሃገርን ምርኻቦም ሓቢሩ መንግስቲ ብዛዕባ ደቆም ክነግሮም ንዝሓተትዎ እኹል መልሲ ክህቦም ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ።
ኩባንያ 'ካስፒያን ማሪን ሰርቪስስ ቢ-ቪ (CMS B.V)”፡ ቅድሚ ሰሙናት ኣድላይ ዘበለ ሰነዳት ድሕሪ ምቕራባ ኣብ ሓጺር ግዜ ክፍትሑ እኳ ተስፋ እንተነበራ፡ ብግሪ ግና ክሳብ ሎሚ ንጹር ዝፍትሕሉ መዓልቲ ኣይተፈለጠን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቶም ባሕረኛታት ኣብ ወደ ዓሰብ ካብተን መራክቦም ወሪዶም ናብ ካልእ ቦታ ምስተወሰዱ፡ ኣባላት ጸጥታን ባሕረኛታትን ኤርትራ ከኣ በይኖም ይፍትሽወን ከምዘለዉ እታ ኩባንያ ኣፍሊጣ።
ናይታ ኩባንያ ጠበቓታት ዘካየድዎ ጻዕሪ ቀጻሊ’ኳ እንተሎ፡ ነቶም 18 ኣዘርባዣውያንን 6 ደቂ ካልእ ዜጋን ባሕረኛታት መግቢ ከም ዝቐርበሎም ካብ ምግባር ሓሊፎም መሰረታዊ መፍትሒ ከምጽኡ ከምዘይከኣሉ ተሓቢሩ።
ብዛዕባ ኣሰራርሓ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘለዎም ወገናት፡ እተን መራክብ ጽዒነንኦ ዘለዋ ንብረት ብህግደፍ ናይ ምውራሱ ዕድል ዝለዓለ እዩ።