ዑደት ኣብ መገሻይ ንጀርመን

2024-09-17 05:38:28 Written by  ፍሳሃየ ሓጎስ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 281 times

ንምቛም ሓባራዊ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ  ከተማ ቪስባደን ሃገር ጀርመን ካብ 5-8. 2024 ብኣካልን ዙምን ኣሳቲፉ ሰለስተ ውድባት፤ ሰደህኤ፣ ኤስሃግ፣ ደውዓቀባ ዝተኻየደ ዋዕላ፤ ብዓወት ተዛዚሙ። ብኣሰናዳዊት ሽማግለ ዝቐረበ ንድፊ ቻርተራት ኣጻፊፉ ብምሉእ ድምጺ ዘጽደቖ መስርሕ ድሕሪ ምስታፍና። ኣብቲ ካብ 9-11 ነሓሰ ብሓባር ዘዳለዎ ድሙቕ ፈስቲቫል ‘ውን ድሕሪ ምስታፈ፡ ምስ ብርክት ዝበሉ መሓዙትን መቃልስትን ምርኻበይ ዓብዩ ዕድል ነይሩ። ኣብዚ ከይተደረተ ብገለ ብጽሖታትውን ኣሰንየዮ።

 ዕለት 24 ነሓሰ 2024 እዩ፣ ንስድራቤት መቓልስትና ስዉእ ሓርበኛ ተስፋማርያም ክብርኣብ ንምድባስ ኣብ ከተማ ሮይትሊንገን ብጾት ገረዝግሄር፣ ተስፋይ ደጊጋ፣ መንግስትኣብ ኣስመሮም፣ ጅምዕ ኣሕመድን ፍስሃየ ሓጎስን ኮይና  ኣብ ገዝኦም ውዒልና። ምምጻእና ብኣጋጣሚ ዝፈልጡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ብቤተ ሰብን መሓዙትን ሕርይቲ ተኪኤ፤  ዝተቐረበልና ሽሻይ እንዳተቛደስና ሓቢርና ከነዕልል ውዒልና። 

Untitled 1

ኣብቲ ውዕሎ እነፍቅሮ ብጻይና ተስፋማርያም ብህይወት’ኳ ኣይንበር እምበር፡ ብመንፈስ ግን ምሳና ነይሩ። ንሞያን ኣበርክቶን ጅግና ስዉእ ሓርበኛ ተስፋማርያም ክብርኣብ ንናጽነትን ፍትሓውነትን ኤርትራ ዘበርከቶ ቃልሲ ብምዝካር በዓልቲ ቤቱ ተቓላሲት ሕርይትን ቤተ ሰብን ናይ ምጽንናዕ ቃል በብተራ ብምግላጽ ኣካፊልና። ሕርይቲ ብወገና፤ ካብ ርሑቕን ቀረባን ተጓዒዝኩም ንኽብሪ ተስፋማርያምን ንዓና ንምጽንናዕን ምሳና ምውዓልኩም፣ ሕሰም ኣይትርከቡ፣ ክብረት ይሃብኩም ብምባል ልባዊ ስምዒታ ገሊጻ። ንምሸቱ ምስጋና ይኹኖም ብሩኻት ኣሕዋት ብመኻይኖም ነናብ’ቲ ንሓድረሉ ስድራታት ኣብጺሖምና።

Untitled 2

ኣብ ዕለት 25 ነሓሰ 2024 ኣብ ከተማ ቪስባደን ብጾት ገረዝግሄር፣ ተስፋይ ደጊጋ፣ መንግስትኣብ፣ ፍስሃየን ጅምዕን ምስ ብዶክመንታሪ ናይ  ታሪኽን ባህልን ሰናዲ ሓው ኣለምሰገድ ኣርኣያ ተራኺብና፣ ብዛዕባ ኩሉ ተኽእሎታት ናይ ሙዚቓ ዝተዓደሎ ህቡብ በሃር ገጣማይ፡ ሙዚቐኛን ደራፋይን ሓው ተወልደ ረዳ ዝምልከት ኣድናቖትናን ተዘክሮታትናን ብቪድዮ መልክዕ ሰኒዱ ኣሎ። ብዩትዩብ ሓቲሙ ክዝርግሖ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ። 

ድሕሪ’ዚ፡ ምስ ክቡር ሓው ተወልደ ረዳ ኣብ ስትድዮ ሓው ኣለምሰገድ ተራኺብና ኣብ ሰፊሕ ዕላል ኣቲና። ኣብ መጀመርያ 1965 "ሽገይ-ሃቡኒ" ካብ እትብል ሃገራዊ ናጽነት ዝጠለበት ኣባራባሪት ደርፉ ነቒልና ክሳብ’ቲ ናይ መጀመርያ ሰብዓታት ንብሉጻት ደረፍቲ ናይቲ እዋን’ቲ ዝተሳተፍዎ (ጸሃይቱ በራኺ፣ በረኸት መንግስትኣብ፣ በየነ ፍረ...ወዘተ) ኣወሃሂዱን መሪሑን ዘሕተምዎ ዲስክታት ኣመልኪትና ዘቕረብናሉ ሕቶታት ኣስፊሑ ገሊጹና። ካብቲ ዝገለጾ ንምጥቃስ፤ "ኣብቲ ጒጅለ ባህልና ጸሃይቱ በራኺ ንምስታፋ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ከይደ ኣምጺአያ። ክሳብ ዕማምና ነሳልጥ ኣብ ደሃብ ሆቴል ከተዕርፍ ኣእትየያ። ንዋና ሆቴል ወይዘሮ ደሃብ፤ ናይ መግባን መደቀሲኣን ሕሳብ ባዕለይ ክኸፍሎ እየ ምስ በልኩወን፣ ንዓይ’ውን ጋሻይ ስለ ዝዀነት ኣይክትኸፍልን ኢኻ በላኒ" ኢሉ ተዘክሮታቱን ናይ ኤርትራውያን ፍቕርን ልግስን ዘኪሩ አዕሊሉና። 

Untitled 3

ተወልደ ምስ ፍሉይ ክእለት ጊታሩ፣ ድሙቕ ድምጹን ዜማኡን ኣብ መድረኽ ደይቡ ክደርፍ ከሎ "ንጉስ ናይ መድረኽ king of stage" ዝብል ቅጽል ስም እዩ ዝወሃቦ ነይሩ። ኣብ ተራ ጊዜ ግን ከም ተራ ሰብ ምቕሉልን ሕዉስን ምንባሩ ገለ ካብኦም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ረኺቦሞ ስለ ዝነበሩ ተገንዝቦኦም ኣካፊሎም።

ፍሳሃየ ሓጎስ 16.09

ኣብ ሃገር ሆላንድ ዝነብር ተወልደ፣ ኣብ ተሓኤ ተጋዲሉ ክሳብ ንኮረኮን- ታህዳይ፣ ሱዳን ብውዲታዊ ኲናት ተደፊእና ዝኣቶናሉ እዋን ዝነበረ  ጽኑዕን ተባዕን ተቓላሳይ እዩ። ተዘክሮታቱን ገለጻታቱን ንጹር ምህላዉ ተዓዚብና፤ ዕድመን ጥዕናን ድማ ንምነየሉ። 

ፍሳሃየ ሓጎስ

Last modified on Tuesday, 17 September 2024 07:56