ጅቡቲ ንላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ገዛኢ ሰልፊ ኩልምየ ሶማሊላንድ ፈቒዳቶ ዝነበረት ፓስፖርትታት ከም ዝሰሓበት ተሓቢሩ። ጅቡቲ ካብ መርበባ ዝሰረዘቶ ሓለፍቲ ሶማሊላንድ ክጥቀምሉ ዝጸንሑ ፓስፖርትታት ኣስታት 100 ከም ዝኾነ እውን ተፈሊጡ።
ገዛኢ ሰልፊ ሶማሊላንድ ኩልምየ፡ ካብ 2010 ጀሚሩ ናይ 3 ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ፓስፖርት ጅቡቲ ብቐጻሊ እዩ ክጥቀም ጸኒሑ። ካብዚ ሓሊፉ ንቤተሰብ ላዕለዎት ሓለፍትን ደገፍቲ ናይቲ ሰልፍን እውን እዚ ናይ ጅቡቲ ፖስፖርት ክወሃብ ጸኒሑ እዩ። ጅቡቲ እዚ ናይ ፓስፖርት ምስራዝ ኣብ ላዕለዎት ሓለፍትን ቤተሰብን ፕረሲደንት ሙሰ ጥራይ ድያ ክትድርቶ ወይ ነቲ ብዙሓት ተራ ደቂ ሶማሊላንድ ሒዘምዎ ዘለዉ ከጠቓልል እዩ ዝተፈልጠ የለን።
ኣብ መንጎ ጅቡትን ሶማሊላንድን ምስሕሓብ ካብ ዝጅምር ጅቡቲ ተጽዕኖኣ ንምሕያል ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ክትወስድ ከም ዝጸንሐት እውን ይፍለጥ።
ጅቡትን ሶማሊላንድን ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምፍጣጥ ዘምጸአን ምኽንያት ሰፊሕ ዝርዝር ከም ዝህልዎ ርዱእ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ቁጠባ እዩ። እዚ ድማ ጅቡቲ ኣብ ዞባና ብኣገልግሎት ወደብ ዝያዳ ተጠቃሚት ኣብ ዝኾነትሉ፡ ወደብ በርበራ እናሰፈሐ ምምጽኡ ስግኣት ከሕድረላ ጸኒሑ እዩ። ብፍላይ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ብ1 ጥሪ 2024 ዝተኸተመ ንኣገልግሎት ወደብን ምምስራት መደበር ሓይሊ ባሕርን ኢትዮጵያ ዝምልከት መረዳድኢ ሰነድ ጅቡቲ ከም ዘሰንበዳ ክትጠቅስ ጸኒሓ እያ።
ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ብመንጎኝነት ጅቡቲ ምስ መቃድሾ ንክዕረቕ ኣብ ቆጸራ እንከሎ፡ ሃንደበት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ናይ ጅቡቲ ዕዳጋ ንምውሳድ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ምፍራሙ ጅቡቲ ከም ጥልመት ክትገልጾ ዝጸንሐት እዩ። ኣብዚ ጉዕዞ ሶማሊላንድ በቲ ሓደ ወገን ምስ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ዘይምዕዋቱ በቲ ካልእ ድማ ምስ ጅቡቲ ኣብ ቅርሕንቲ ብምእታዋ ከሳሪት ኮይናላ።
ኣብዚ ዞባዊ ኣሰላልፋ ጅቡቲ በዚ ጀሚራቶ ዘላ እንተቐጺላ፡ ምስ በዓል ግብጺ፡ ኤርትራን መቃድሾን ክትስራዕ እያ። እዚ ኣሰራርዓ ነታ ክሳብ ሕጂ ብዘይካ ጅቡቡት ካልእ ናይ ወደብ ምርጫ ዘየብላ ኢትዮጵያ ዝፈጥሮ ተጽዕኖ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ።
ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ጉባኤኡ ኣካይዱ
Monday, 24 June 2024 23:00 Written by ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤቀዳም 22 ሰነ 2024 መብዛሕትአን ኣባላት ዝተሳተፈኦ ጉባኤ ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ ተኻይዱ። ጉባኤ ብኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮን ሓፍቲ ኣድያም ተፈራ ተኸፊቱ’’ ሓፍቲ ኣድያም ነቲ ካብ ዝሓለፈ ጉባኤ ማለት 14 ሕዳር 2020 ክሳብ ሕጂ ክሰርሕ ዝጸንሐ መሪሕነት ድሕሪ ምምስጋን ንብድሕሪ ሕጂ’ውን እቲ ዝምረጽ መሪሕነት ዝሓየለን ዝበለጸን ክኸውን ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ መድረኽ ንዝጸንሐ መሪሕነት ኣረኪባ።
ቀጺሉ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ስራሕ ተመኩሮ ተመርኲሱ ኣድላዪ ዝተባህለ ምምሕያሽ ድሕሪ ምግባር ቅዋም ምትእስሳር ኣጽዲቑ።
ስዒቡ ናይ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ስራሕ ጸብጻብ ቀሪቡ። ዝተመዝገበ ዓወታትን ዘጋጠመ ብድሆታትን ብዝርዝር ጉባኤ ተመያይጡ ብምሉእ ድምጺን ዕግበትን ኣጽዲቑዎ። ብድሕሪ’ዚ ክሳብ ዝመጽእ ጉባኤ ንእርባዕተ ዓመታት ትመርሕ ብሰለስተ ኣባላትን ክልተ ተጠባበቕቲን ዝቖመት መሪሕነት መሪጹ። ሓላፍነታት መሪሕነት ከም’ዚ ዝስዕብ እዩ፡
- ኣደ መንበር
- ዋና ጸሓፊት
- ተሓዚት ገንዘብ
- ተጠባባቒት
- ተጠባባቒት
ጉባኤ ንዝነበረ መሪሕነት ኣመስጊኑ ንሓዲሽ መሪሕነት ድማ ምሉእ ደገፍ ክበርክት ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ብዘይካ’ዚ ሰልፍና ኣብ ሃገርና ፍትሒን ሰላምን ንምንጋስ ሓይልታት ተቓዉሞ ተጠርኒፉ ናይ ሓባር ጽላል ክተክል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቓልሲ ሰልፍና ዝጻወቱ ዘሎ ተራ ኣሞጒሱ። ሓፍቲ ኣድያም ተፈራ ኣባል ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ኰይና እተበርክቶ ዘላ ኣወንታዊ ግደ ድማ ንኢዱ።
ኣብ መደምደምታ መትከላትን ዕላማታትን ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ንምዕዋት ሕኑን ቓልስን ጽዓትን ከካይድ ምዃኑ ብምንጻር ጉባኤ ተደምዲሙ።
ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!
ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝትከል ዲሞክራሲ የሎን!
ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ
ሰነ 22 2024
ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ጉባኤኡ ኣካይዱ
Sunday, 23 June 2024 23:37 Written by ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤጋዜጠኛታት፡ በቃሉ ኣላምረው፡ በላይ ማናየን ቴድሮስ ዘርፉን
በቃሉ ኣላምረው፡ በላይ ማናየን ቴዎድሮ ዘርፉን ዝተባህሉ ኢትዮጵያውያን ናይ ግሊ ጋዜጠኛታት ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓደ ዓመት ብዘይፍርዲ ማእሰርቲ፡ ብ17 ሰነ 2024 ከም ዝተፈትሑ መርበብ ኢትዮ-ኢንሳይደር ሓቢራ። እዞም ጋዜጠኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ንክንድዚ ዝኣክል ግዜ ምእሳሮም፡ ፍትሓዊ ከምዘይኮነ፡ ብምጥቃስ ንመንግስቲ ምስ ከሰሱ እዮም ብፖሊስ ተፈቲሖም።
በቃሉ ኣላምረው፡ መስራትን ኣመሓዳርን “ኣልፋ መዲያ፥ በላይ ማናየ ሪፖርተር “ኢትዮ-ኒውስ” ከምኡ ድማ ቴድሮስ ዘርፉ ጋዜጣኛ “ምነሊክ-ቲቪ” እዮም። እዞም ጋዜጣኛታት ብምኽንያት እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኣዋጀ ሰዓት እቶእቶ ኣብ ክልል ዓፋር “ኣዋሽ ኣርባ” ኣብ ዝበሃለ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝጸንሑ እዮም።
እዞም ጋዜጠኛታት ዝተኣስሩ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንጻር ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዋጋእ ዘሎ ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖ ደጊፍኩም ብዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ዝፍትሑ ዘለዉ ከኣ እቲ ናይ ክልል ኣምሓራ ናይ እገዳ ግዜ ካብ ዝሓልፍ ድሕሪ 10 መዓልታት እዩ።
በቃሉ ኣላምረው ቅድም “ኣውሎ-መድያ” ናይ ዝተባህለ መድያ፡ ደሓር ከኣ ናይ “ኣልፋ-ተለቪዥ” መስራትን መራሕን ዝነበረ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ብዛዕባ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብቲ ውግእ ርትዓውን እዋኣንውን መደባት ብምቕራብ ዘቃልዕ ዝንነበረ ተባዕ ጋዜጠኛ እዩ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ እቶም ቅድሚ ልዕሊ 20 ዓመታት ብዘይካ ሓሳብ ህዝቢ ምንጽብራቕ፡ ካልእ ገበን ዘይነበሮም 16 ኤርትራውያንን ጋዜጠኛታት፡ ምስተኣስሩ ክሳብ ሎሚ ኣይኮነንዶ ክፍትሑስ ብዛዕባ ሃለዋቶም እውን ሓበሬታ ኣብ ዘየብሉ ምዃኑ ኣዝዩ የሕዝን።
ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ግዜ ለይቲ ጥራይ ዘገልግል፡ ካብ ከተማ ኣስመራ ወጻኢ ኣገልግሎት ክህብ፡ ኣዝዩ ግዜ ዝሓለፎን ዋግኡ ከኣ ካብቲ ዘመናዊ ኣገልግሎት ዝህብ ኣዝዩ ዝኸበረ ኢንተርነት ክወሃብ ምዃኑ ትካል ኤሪ-ተል ሓቢሩ። ብዛዕባ ተክኖሎጂ ኢንተርነት ኣፍልጦ ዘለዎም ወገናት ከም ዝሕብርዎ፡ እዚ ኣገልግሎት ምናልባት ቅድሞ ዕስራን ካብኡ ንላዕልን ዓመታት ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ሎሚ ዳርጋ ጠቕሊሉ ካብ ዕዳጋ ዝወጸ ብዘይቀዋሚ መስመር ተለፎን ዘይሰርሕ ምዃኑ ሓቢሮም።
ህግደፍ ነዚ ዝመረጸሉ ምኽንያት በቲ ሓደ ወገን ነቲ “ኣብ ኤርትራ ኢንተርነት የለን” ዝብል ክሲ ንምሻፋን በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ዝርካቡ በዚ ኣገባብ ዝግበር ርክባት ንምቁጽጻር ንክጥዕሞ ምዃኑ ክኢላታት ናይቲ ዓውዲ ይሕብሩ። እዚ ኣገልግሎት ኣብ ሱዳን ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ክትጥቀመሉ ዘይትኽእል፡ ሓደ መልእኽቲ ንምቕባል ኮነ ንምልኣኽ ክሳብ ልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝወስድ ምናልባት እውን ረብሪብካ እትገድፎ ምዃኑ፡ ብተመኩሮ ዝተረጋገጸ እዩ። ናይ ምስልን ድምጽን መልእኽቲ ምትሕልላፍ እሞ ከኣ ዘይሕሰብ እዩ። ኣብዚ 5ይ ትውልዲ ብዝበሃል ዓይነት መራኸቢ ዋይፋይ ዝገነነሉ፡ መድረኽ ነዚ ኣገባብ ምምራጹ ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖም ናብቲ ተክኖሎጂ ቅርበት ዘለዎም ኤርትራውያን ይገልጹ።
ብመሰረቱ ከኣ ኤርትራ ድሕሪ 33 ናይ ናጽነት ዓመታት “ምጅማር ኣገልግሎት ኢንተርነት” ዝብል ዜና ምዝርግሑ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ድሕረት ከም ዘላ ዘመልክትን ዘሕፍርን ምዃኑ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ናይ ኢንተርነት ዝጥቀም ካብቲ ህዝቢ ካብ 1% ዝበልጽ ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ጐኒ ህግደፍ ተሰሊፈን ሰፊሕ ፖለቲካዊ ወፈራ ዘካይዳ ዝነበራ፡ ኢትዮጵያውያን ዘመሓድርወን ናይ ዩቱብ መድያታት፡ ዝነበረን ኣሰላልፋ ጌጋ ምዃኑ ተረዲአን የቃልዐኦ ከም ዘለዋ ገሊጸን። “መሃል መድያ” እትበሃል፡ ደሳለኝ ብዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ እትምራሕን “ሃሌታ ቁጽሪ-1” ዝተባህለ ብበላይ መንገሻ እትመሓደርን ናይ ዩቱብ መድያታት፡ ድሕሪ 2018 ኣብ ጐኒ ህግደፍ ተሰሊፈን ዝነበራ ኣብዚ እዋንዚ ርክበን ምስ ህግደፍ ኣቋሪጸን፡ ኣብ ጐኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰለፋ ብተደጋጋሚ ገሊጸን።
ኣመሓዳሪ “መሃል መድያ” ጋዜጠኛ ደሳለኝ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ከም መዓልቲ ናጽናትን ዝኣመሰሉን ናይ ኤርትራ ኣጋጣምታት ናብ ኣስመራ ከይዱ ንህግደፍ ዝድግፍ መደባት የዳሉ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ምኹኑይ ምዃኑ ኣምሲልካ ኣብ ምቕራብን፡ ህግደፍ ዝሓዞ ቀበለታት ትግራይ ናይ ኤርትራ ምዃኑን ኣብ ምምስካር ተጸሚዱ ከም ዝነበረ ባዕሉ ተናሲሑ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመደ ሕቶ ባሕርን ወዳባት ኤርትራን ምስ ኣልዓለ ህግደፍ ንምሕጓስ ደጋፊ ኤርትራ ከም ዝነበሩ ክልቲኦም ገሊጾም።
ኣማሓዳሪ ዩቱብ “ሓሌታው ሓደ” በላይ መንገሻ ብወገኑ “ኤርትራዊ ኢኻ” ክሳብ ዝበሃል፡ ብተደጋጋሚ ናብ ኣስመራ ይመላለስ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ካብ ኣስመራ ሓሊፉን ኣብ ባጽዕን ካለኦት ከተማታትን ኤርትራ ተጓዒዙ ንህግደፍ ዝድግፉ ጸብጻባት የቕርብ ከም ዝነበረን ምስ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ኤርትራ ቀጻሊ ዝምድና ከም ዝነበሮ ሓቢሩ። “ኤርትራ ብጽምዋ ዝተዋሕጠት ሃገር”እያ” ዝበለ በላይ መንገሻ፡ ኣብ ኤትራ ዝኾነ ነገር ክትስእልኳ ፍሉይ ፈቓድ ምርካብ ከም ዘድሊ ዝጠቐሱ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ናይ ጸጥታ ኣካላቱን እምበር፡ ምስቲ ለጋስን ደላይ ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ጸገም ከምዘይነበሮ ኣፍሊጡ።
ኣባል ጉንበት-7 ዝነበረ ጋዜጠኛ በላይ መገሻ፡ ምስ ህግደፍ ዘበኣሶ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም፡ ካብ ኣሜሪካን ካልኦት ከባብታትን ናብ ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖ ዝለኽ ገንዘብ ዘመሓላልፉ ኤርትራውያን ከቃልዕ እየ ስለ ዝበለ ምዃኑ ሓቢሩ።
ካብ ማሕበራዊ መድያ ዝተወስደ ስእሊ መራሕቲ ኣፍሪቃ
ነቲ ኣብ ለካቲት 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መበል 38 ስሩዕ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝካየድ ምርጫ ኮሚሽነራት ዝምልከት ምድላው ከም ዝቐጸለን ሕጹያት ተወዳደርቲ ከም ዝተፈልጡን ተሓቢሩ። በዚ መሰረት ቀጻሊ ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምክትሉ ከኣ ካብ ሰሜን ስለ ዝኾነ፡ ንኣቦመንበርነት እቲ ኮሚሽን ዝቐርቡ ሕጹያት ተፈሊጦም ኣለዉ።
ማዕከን ዜና ቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ኬንያዊ ራይላ ኦዲንጋ፡ ናይ ቅድም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሶማሊያ ነበር ፎዚያ ዩሱፍ ኣደምን ምክትል ፕረሲደንት ሲሸልስ ነበር ቪንሲንት መሪቶንን ሕጹያት ኮይኖም ኣለዉ።
ብሕጊ ምርጫ ሕብረት ኣፍሪቃ መሰረት፡ ምክትል ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ክኸውን እንከሎ፡ ዝተረፋ ዞባታት ኣፍሪቃ ከኣ ናይቶም 6 ኮሚሽነራት ቦታ ክሕዛ እየን። ኣብዚ መጻኢ ናይ ለካቲት ምርጫ፡ መራሕተን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ስልጣን ስለ ዝሓዙን ካልእ ዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ከይሳተፋ ዝተኣገዳ ሃገራት፡ ሱዳን፡ ጋቦን፡ ኒጀር፡ ማሊ፡ ቡርኪናፋሶን ጊኒን ኣይክሳተፋን እየን።
ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ን4 ዓመታት ዝምረጽ ኮይኑ ን2ይ 4ተ ዓመታት ክወዳደር ይኽእል። በዚ መሰረት ክልተ ግዜ ተመሪጹ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐን ኣብ መጻኢ ለካትቲ ስልጣኑ ዘብቅዕን ቻዳዊ መሓምድ ፋቂ እዩ።
ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ “ትካል ሓድሽ መስመር/ New Lines Institute” ዝተባህለ፡ ብዘካየዶ ዓሚቕ መጽናዕቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዝርከቦም ኣካላት ኣብ ግዜ ውግእ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘካየድዎ ወፍሪ ጽንተት ኣንጻር ሕብረትሰብ/genocide ከም ዝፈጸሙ፡ ኣብ ዘውጸኦ 120 ገጻት ዝሓዘ ሰነድ ገሊጹ። እቲ ትካል ብዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ጽንተት ሕብረትሰብ ፈጺሞም ተባሂሎም ዝኸሰሶም ኣካላት፡ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዕጡቓት ሓይሊ ኣምሓራን እዮም።
እቲ መጽናዕቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዝርከብዎም ሰለስቲኦም ኣንጻር ምሓይልታት ምክልኻል ትግራይ/TDF ዝተዋግኡ ኣካላት ካብቶም ንጽንተት ሕብረተሰብ ዘመልክቱ ረቛሕታት 4ተ ከም ዝፈጸሙ ጠቒሱ፡ ነቶም ረቛሕታት፡ ጃምላዊ ምቕትለት ተጋሩ፡ ኮነ ኢልካ ስነ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጉድኣት ምውራድ፡ ወሊድ ዝኽልክሉ ጽዩፋት ወሲባዊ ዓመጻት ምፍጻም ዝበሉ ዝብሉ ዝርዝር ኣስፊሩ።
ብዘይካዚ እቶም ኣብ ጽንተት ሕብረተሰብ ትግራይ ዝተሳተፉ ወተሃደራዊ ኣካላ፡ ብጥሕሰት ዓለም ለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላትን እውን ከም ዝፈጸሙ ዝብቲ ሰፊሕ መጽናዕቲ ኣስፊሩ’ሎ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ማሕበራዊ መራኸብታት እውን ኣብቲ ግዜ ውግእ ኣብ ምግዳት እቲ ጽንተትን ጥሕሰትን ኣሉታዊ ግደ ከም ዝነበረ ኣቃሊዑ። .
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ዝወርድ ዘሎ ከይወሰኽካ ኣብ ትግራይ ዝወረደ ዕንወት ናብ ንቡር ንምምላስ ልዕሊ 2.5 ትሪሊዮን ብር ከም ዘድሊ ዝተፈላለዩ ኣካላት ይገልጹ’ለዉ።