ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ጉባኤኡ ኣካይዱ

2024-06-24 21:00:01 Written by  ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 444 times

ቀዳም 22 ሰነ 2024 መብዛሕትአን ኣባላት ዝተሳተፈኦ ጉባኤ ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ ተኻይዱ። ጉባኤ ብኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮን ሓፍቲ ኣድያም ተፈራ ተኸፊቱ’’ ሓፍቲ ኣድያም ነቲ ካብ ዝሓለፈ ጉባኤ ማለት 14 ሕዳር 2020 ክሳብ ሕጂ ክሰርሕ ዝጸንሐ መሪሕነት ድሕሪ ምምስጋን ንብድሕሪ ሕጂ’ውን እቲ ዝምረጽ መሪሕነት ዝሓየለን ዝበለጸን ክኸውን ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ መድረኽ ንዝጸንሐ መሪሕነት ኣረኪባ።

ቀጺሉ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ስራሕ ተመኩሮ ተመርኲሱ ኣድላዪ ዝተባህለ ምምሕያሽ ድሕሪ ምግባር ቅዋም ምትእስሳር ኣጽዲቑ።

ስዒቡ ናይ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ስራሕ ጸብጻብ ቀሪቡ። ዝተመዝገበ ዓወታትን ዘጋጠመ ብድሆታትን ብዝርዝር ጉባኤ ተመያይጡ ብምሉእ ድምጺን ዕግበትን ኣጽዲቑዎ። ብድሕሪ’ዚ ክሳብ ዝመጽእ ጉባኤ ንእርባዕተ ዓመታት ትመርሕ ብሰለስተ ኣባላትን ክልተ ተጠባበቕቲን ዝቖመት መሪሕነት መሪጹ። ሓላፍነታት መሪሕነት ከም’ዚ ዝስዕብ እዩ፡

  1. ኣደ መንበር
  2. ዋና ጸሓፊት
  3. ተሓዚት ገንዘብ
  4. ተጠባባቒት
  5. ተጠባባቒት

ጉባኤ ንዝነበረ መሪሕነት ኣመስጊኑ ንሓዲሽ መሪሕነት ድማ ምሉእ ደገፍ ክበርክት ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ብዘይካ’ዚ ሰልፍና ኣብ ሃገርና ፍትሒን ሰላምን ንምንጋስ ሓይልታት ተቓዉሞ ተጠርኒፉ ናይ ሓባር ጽላል ክተክል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቓልሲ ሰልፍና ዝጻወቱ ዘሎ ተራ ኣሞጒሱ። ሓፍቲ ኣድያም ተፈራ ኣባል ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ኰይና እተበርክቶ ዘላ ኣወንታዊ ግደ ድማ ንኢዱ።

ኣብ መደምደምታ መትከላትን ዕላማታትን ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ንምዕዋት ሕኑን ቓልስን ጽዓትን ከካይድ ምዃኑ ብምንጻር ጉባኤ ተደምዲሙ።

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!

ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝትከል ዲሞክራሲ የሎን!

ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ

ሰነ 22 2024

Last modified on Monday, 24 June 2024 23:11