ህግደፍ መበል 33 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ሃገር ሆላንድ ከተማ ሪጅስዊክ 25 ጉንበት 2024 ሓሲብዎ ዝነበረ ናይ ዳንኬራ መደብ ከም ዝተስረዘ፡ ኦምሮየብ ዌስት ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ንከንቲባ ናይታ ከተማ ብምጥቃስ ሓቢራ።
ሳሂን ዝተባህለት ናይ ከተማ ሪጅስዊክ ከንቲባ፡ ኣብዚ ጊዜዚ ከምዚ ዓይነት ኣስታት 800 ሰባት ዝሳተፍዎ ጽምብልን ኣኼባን ኤርትርውያን ዘይተደለየ ሽግር ክፈጥር ከም ዝኽእል ብምጥቃስ፡ ምምሕዳር ናይታ ከተማ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2024 ኣብ ዘ ሄግ ሆላንድ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ስርዓት ህግደፍ ከቢድ ናዕቢ ተላዒሉ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺራ። እታ ከቲባ ኣተሓሒዛ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ድሕረ-ባይታ ዘለዎ ኣኼባ ኣብ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎ ከተማ ክግበር ከምዘይከኣል ኣረዲኣ።
እቲ ካብ መርበብ ኦምሮየብ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘረደኦ፡ ዋላኳ ኣዳለውትን ኣካየድትን ናይቲ ፌስቲቫል እቲ ከጋጥም ዝኽእል ዕንቅፋት ንኡስን ክቆጻጸርዊ ዝኽእሉን ከም ዝኾነ ከረድኡ እንተጸዓሩ፡ ምምሕዳር ከተማ ሪጅስዊክ ግና ነቲ ዘቕረብዎ ሓሳብ ከም ዘይቅበሎ ናይታ ከተማ ምምሕዳር ወሃቢ ቃል ሓቢሩ።
ዋላኳ ዋና ናይቲ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጉንበት 2024 ንዘልዎም መደብ ዝተኻረይዎ ኣዳራሽ፡ እቲ መደብ ተቐባልነት ንክረክብ ናብ ምምሕዳር ናይቲ ከተማ ጥርዓን እንተቕረበ፡ ናይታ ከተማ ምምሕዳር ግና ጥርዓኑ ከጽድቖ ፈቓደኛ ከምዘይኮነ ብ23 ማዝያ 2024 ውሳነኡ ኣፍሊጡ ።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ካናዳ ከምኡ'ውን እስራኤል ዝተላዕለ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ዝብድህ፡ ህዝባዊ ማዕበል ኣቓልቦ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከም ዝረኸበ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ጊዜዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብተን ንዓሰርተታት ዓመት ዝዓንድረለን ሃገራት ከይተረፈ ከቢድ ብድሆን ተቓውሞን የጋጥሞ ከም ዘሎ ርኡይ እዩ።
ኤርትራዊት ኣትለት ናዝሬት ወልዱ ብ21 ማዝያ 2024 ኣብ ሃገር ኣወስትርያ ከተማ ቬና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ቀዳመይቲ ከም ዝወጸት ነቲ ውድድር ዝሰረዐ ኣካል ኣፍሊጡ። ኣብዚ ውድድር ኬንያውያን ተወዳደርቲ 2ይትን 3ይትን ክወጻ እንከለዋ፡ ካልእ ኤርትራዊ ኣትለት ሄኖክ ተስፋይ ድማ ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን 6ይ ከም ዝወጸ ካብ X/ትዊተር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ናዝሬት እዚ ኣብ ቬና ዘመዝገበቶ ውጽኢት ኣብ መጻኢ ኣብ ዝካየደ ኦሊምፒክ ፓሪስ 2024 ክትሳተፍ ከም ዘኽእል እውን ተፈሊጡ።
እዛ ጓል 34 ዓመት ኤርትራዊት ኣትለት ነቲ 42 ኪሎ ሜተር ርሕቀት ቀዳመይቲ ኮይና ክትውድእ ዝወሰደላ ግዜ 2 ሰዓታ፡ 24 ደቓይቕን 8 ካልኢትን ምዃኑ ተሓቢሩ።
ናዝሬት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከተማ ኦሪጎን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 4ይቲ ወጺኣ ዝነበረት ብደረጃ ኤርትራ ድማ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ኣትሌት እያ።
እቲ ብኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን መኽሰብ ኣልቦ ትካል ዝዳሎ፣ ብኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ድማ፡ ክእንገድን ክካየድን ዝጸንሔ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፎርት፡ ሎሚ ዓመት’ውን ካብ 09 ክሳብ 11 ነሓሰ 2024 ብኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ብኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓባራዊ ምስንዳእን ኣብ ሃገር ጀርመን፡ ከተማ ፍራንክፈርት፡ Goethe-Universität Frankfurt Bockenheimer warte, MertonStr. 26-28 D-60325 Frankfurt am Main ዝርከብ ኣዳራሽ ከም ዝጋባእ ካብ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2024 ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብ(ኤስሃግ) ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር፣ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝቖመ ጥምረት ፖለቲካዊ ኣካላት እዩ።
ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፎርት 2024፡ ድሕሪ ምዝዛም ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝካየድ ኮይኑ፣ ውጽኢት ናይቲ ብዓወት ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ዋዕላ ኣብቲ ፈስቲቫል ክብሰር ምዃኑ እንዳሓበርና፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ብጉዳይ ሃገሮም ንምዝርራብ ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ንጽውዕ።
በዚ መሰረት፡ ኩልና ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ብፍላይ ተቐማጦ ጀርመን፣ ርክብና/ቆጸራን ዕለት 09 ክሳብ 11 ነሓሰ 2024 ኣብዘሎ ግዜ ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ይኹን።
ዝርዝር መደባት ፈስቲቫል ክስዕብ እዩ።
ብዳሓን የራኽበና።
ኣብ ኢትዮጵያ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ውግእ ትግራይ ገበን ዝፈጸሙ ኣካላት ብኸመይ ተሓተቲ ይኹኑ ዝብል ዛዕባ ኣከራኸርቲ ኮይኖም ካብ ዝጸንሑ ሓደ እዩ። ነዚ ጉዳይ ከጻሪ ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ተመስሪቱ ዝነበረ ኣጻራይ ኣካል ስርሑ ምስ ኣቋረጸ፡ ከም መተካእታ ኮይኑ ቀሪቡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክዝረበሉ ዝጸንሐ መተካእታ “ብናይ መሰጋገሪ ፍትሒ መስርሕ ክረአ” ብዝብል ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቲ ተግባር ኣብ ኢትዮጵያ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ቆይምሉ ክረአ ዝብል ሓስብኳ እንተነብረ፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ብ17 ማዝያ 2024 ብዝወሰኖ መሰረት እቲ ገበን ዝረኣየሉ ስሩዕ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲኡ ፍሉይ መጋባእያ ንክኽፈተሉ ዝብል ምዃኑ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ውሳነ ዝተወሰነሉ መድረኽ ጉዳይ ብናይ ውግእ ገበንን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝሕተቱ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተላዕለን፡ እቲ ገበን ዝፈጸምሉ ቦታ ኢትዮጵያ ሰል ዝኾነ፡ ዋላ ኣብ ዘይህላወኦም ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ይረአ ምባሉ፡ ጋዜጣ ሪፖርተር ንውሳነ ናይቲ ቤት ምኽሪ ምኒስተራት ብምጥቃስ ኣብ ናይ 21 ማዝያ 2024 ሕታማ ኣፍሊጣ።
እዚ መስርሕ ብዙሓት ዝምልከቶም ምዕራባውያን ሃገራት ኣህጉራዊ ትካላትን ከይተረፉ ተቐባልነት ረኺቡ ንክቀላጠፍ ዝድፈኣሉ ዘሎ እዩ። እንተኾነ እቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ኣብቲ ገበናት ተሓታቲ እናሃለወ፡ ኣብ ትሕቲኡ ዝካየድ መስርሕ ምጽራይን ፍርድን ፍትሓዊ ኣይክኸውንን እዩ ዝብል ስግኣት ዝሓደሮም ብዙሓት እዮም።
ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ሌተናል ጀነራል ኣል ቡርሃን፡ ብምኽንያት ዒድ ኣልፈጥር 2024 ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ድሕሪ ሕጂ ናብቲ ሱዳን ቅድሚ ውግእ ዝነበረቶ ኩነታት ምምላስ ከምዘየለ ኣፍሊጡ። መግለጺኡ ብምቕጻል ድማ እቲ ንሱ ዝምርሖ ልኡላዊ መንግስትን መሰጋገሪ መንግስትን ክበሃል ዝጸንሐ ኣገባብ ከም ዘብቀዐ ጠቒሱ፡ ሎሚ ሱዳን ኣብ ዝተፈልየ መንገዲ ከም ዘላ ኣፍሊጡ።
ጀነራል ኣል-ቡርሃን፡ እቲ ኣብ ሱዳን ካብ ወርሒ ማዝያ 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ሕድሕድ ውግእ፡ “ምእንቲ ወላዲት ሃገር ዝካየድ ናይ ክብሪ ውግእ እዩ” ኢሉ፡ እዚ ኩነታት ንሱዳን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘእትዋ መበገሲ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ። ኣብዚ ተሪር ዝተባህለ መግለጺኡ፡ “ድሕሪ ሕጂ ንድሕሪት ምምላስ የለን” ከም ዝበለ ድማ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሳ።
ነቲ መደረ ዝተኸታተሉ ፖለቲከኛታት ኣብ ዝሃዎ ርኢቶ፡ መግለጺ ጀነራል ኣል-ቡሃን አቲ ሰላማዊ መፍትሒ ክርከቦ እሞ እቲ ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ንቡር ክምለስን ሰራዊት ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ኣካል ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ክኸውንን ንዝነበረ ተስፋ ዘጸልምት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ ኣብ 15 ማዝያ 2024 ክልቲኦም ወገናት ሱዳን ክራኸቡ እዮም ዝብል ትጽቢት እናተገብረ እንከሎ እዩ።
ማእከላይ ትሕዝቶ ናይዚ ብምኽንያት ዒድ ኣልፈጥር ዝተሰምዐ መደረ፡ ስልጣን ናብ ሲቪል ንዘይምምላስ ምዃኑ ዝጠቐሱ ወግናት፡ ዕላማ ኣል-ቡርሃን፡ ምስቲ “ተቐዱም” ዝበሃሉ ሲቪል ሱዳናውያን ዝተጠርነፍሉ ወገን እውን ንዘይምቕባል እዩ። ብናይ ብርሃን እማመ፡ ነቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዝምራሕ ተወርዋሪ ሰራዊት ሱዳን ብውግእ ስዒሩ፡ ድሕሪኡ ኣካሉ ዝነበሩ ውልቀሰባት ዕጥቆም ብምፍታሕ ኣካልቲ ንሱ በይኑ ዝምስርቶ መንግስቲ ክኾኑ ምፍቃድ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ምብራቓዊት ከተማ ሱዳን ገዳርፍ፡ ብ9 ማዝያ 2024 ብድሮን ከም ዝተደብደበትን ኣብኣ ዝነበሩ ኣስታት 400 ሺሕ ተመዛበልቲ ሱዳናውያን ኣብ ጸገም ከም ዝወደቑን ተፈሊጡ። እዚ ስዒሩ ስልጣን በይኑ ከም ዝጥቕልል ዝመደረ ዘሎ ጀነራል ኣል-ቡርሃን፡ ብኤርትራ፡ ግብጽን ሳዑዲ ዓረብን ዝሕገዝ ዘሎ ወገን ሱዳን ምዃኑ ይፍለጥ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይን ዓለም ለኻዊ ዝምድናን ሶማሊያ ብ4 ማዝያ 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያሙክታር መሓመድ ዋረ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብታ ሃገር ንክወጽእ ከም ዝተወሰነ ኣፍሊጡ። ብዘይካዚ ሶማሊያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኣንበሳድራ ናብ ሃገሩ ክምለስ ክትጽውዖ እንከላ፡ ኣብ ሶማሊያላንድ ሃርገሳን ኣብ ፑትላንድ ጋረወን ዘለዋ ኣብያተ-ጽሕፈት ጠቕላሊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክዕጸዋ ከም ዝተወሰነ እውን እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ መግልጺ ኣተሓሒዙ፡ እቲ ስጉምቲ ንምዕቃብ ልኡላውነትን ሓድነትን ሶማሊያ ዝተወስደ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ብምቕጻል ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ኢትዮጵያ ስጉምቲ ዝተወስደ፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሶማሊያ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ሓድነት ሶማሊያ ዝወሰደቶ ዝበሎ ስጉምቲ ተኸቲሉ ብዝተወኖ መሰረት ምዃኑ ተሓቢሩ።
ንዝምድና ኢትዮጵያን ሶማሊያን ናብ ከምዚ ደረጃ ዘውደቖ፡ ቅድም እቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ከም ዝህብ ዝተገልጸ፡ መረዳድኢ ሰነድ እሞ ሶማሊያ መቃድሾ “ኣንጻር ልኡላውነተይ እዩ” ብዝብል ብትሪ ዝተጻረረቶ ነይሩ። ነቲ ኩነታት ብኣቀራራብነት መራሕቲ ጐረባብቲ ሃገራት ጅቡትን ኬያን ናይ ምህዳኡ ጻዕሪ እናተኻየድ፡ ኢትዮጵያ እንደጋ ምስ መራሕቲ እታ ንሕገመግስታዊ ምምሕያሽ ሶማሊያ ኣፍልጦ ከምዘህቡ ዝኣወጁ ካልእ ግዝኣት ሶማሊያ ፑትላድ ብዘያፍልጦ መቃድሾ ካልእ ዝምድና ክትፈጥር ምጅማራ ከም ዘጋደዶ ተፈሊጡ።
እዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝምዕብል ዘሎ ቅልውላው፡ ብድሕሪኡ ብዙሓት ሓይልታት የሰልፍ ስለ ዘሎ፡ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ፈጢሩ ናብ ዝኸፈአ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ከይብርኽ ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ።
ዝተፈላለያ ቦታታት፡ ብዝተፈላለዩ ታሪኻዊ ኣጋጣምታት፡ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ክኣትዋን እዋናዊ መዛረቢ ኣጀንዳ ክኾናን ዝተለምደ እዩ። ንኣብነት ሓውሲ ከተማ ባድመ ቅድም ካብ ኤርትራን ትግራይ ኢትዮጵያን ወጻኢ ብደረጃ ዓለም ዘይትፍለጥ ዝነበረት፡ ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ግና ብዓለም ደረጃ፡ ኣዛራቢት ከም ዝኾነትን ጌና ኣዛራቢት ከም ዘላን ዝዝከር እዩ።
ኣብ ትግራይ 2020-2022 ዝተኻየደ ውግእ ድሕሪ 2ተ ዓመታት፡ ብውዕል ፕሪቶርያ ናብ ካልእ ምዕራፍ ኣትዩ። በዚ ምኽንያት ከተማ ፕሪቶርያ’ውን ብዙሓት ቅድሚኡ ብዘይፈልጥዋ ዝነበሩ ትለዓል ኣላ። ኣብ መስርሕ ትግባረ እቲ ውዕል ውልቃይት (ዞባ ምዕራብ ትግራይ)፡ ዝያዳቲ ቅድሚኡ ዝነበረ እትለዓል ኮይና ኣላ። ምልዓል ጥራይ ዘይኮነ እናሓደረት ኣብ ምትግባርን ዘይምትግባርን እቲ ውዕል ወሳኒ ቀላሲ ቦታ ሒዛ ኣላ።
ካብዚ ብምንቃል ድማ፡ ኣብ ካልእ ዝርዝር ንምእታው ዘይኮነ፡ ብጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኣ ምስ ወልቃይት ብሓጺሩ ከነላልየኩም። ከባቢ ወልቃይት ብክልላዊ ሕገመንግስቲ ትግራይ፡ ሓንቲ ካብተን ዞባታት ትግራይ ኮይና፡ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ትበሃል።
ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ 3 ወረዳታት ኣለዋኣ። ንሳተን ድማ ቃፍታ-ሑመራ፡ ወልቃይትን ጸገደን ይበሃላ። ኣብታ ዞባ ዝዓበየትን ማእከል ምምሕዳርን ከተማ ሑመራ እያ። እዛ ዞባ፡ ብምብራቕ ምስ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፡ ብደቡብ ምስ ክልል ኣምሓራ፡ ብምዕራብ ምስ ሱዳን፡ ብሰሜን ድማ ምስ ሃገረ ኤርትራ ትዳወብ። ቃፍታ-ሑመራ፡ ሰቲት-ሑመራ፡ ወልቃይት፡ ጸገደ፡ ዳንሻ፡ ማይገባን ማይካድራን ኣብዛ ዞባ ዘለዋ ፍሉጣት ቀበሌታት እየን።