ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዝያዳ ክደጋገማ ዝስመዓ ብሂላት ወይ ሓረጋት “መቃለሲ ቦታ” እትብል ሓንቲ ምንባራ ዝዝከር‘ዩ። መቃለሲ ቦታ ክበሃል እንከሎ ኣብ ኣተረጓጉማ ምምንጣል ከም ዝነበረ‘ውን ርዱእ ኮይኑ፡ “ፖለቲካዊ ዕማምካ ንምዕዋት እትመርጾ መዋፈሪ ወይ መንጠሪ ከባቢ” ምባሉ ሓፈሻዊ ግንዛበ ዝህብ ይመስለና። እዚ ባይታዚ ኣብ ምምራጽ ወይ ኣብ ምውሳን ብዙሓት ረቛሒታት ኣብ ግምት ምእታው ድማ የድሊ። ደረጃ ስፍሓትካ፡ ቃልሲ እተካይደሉ ዘለኻ መድረኽ፥ እትምርሓሉ መትከላትን፥ ዘቐመጥካዮ ናይ ዓወት ሸቶን መዋፈሪ ባይታኻ ክትመርጽ እንከለኻ ነናይ ገዛእ ርእሶም ተጽዕኖ ኣለዎም። ንኣብነት ከም ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልስና፡ ኣብ ገዛእ መሬትካ ኮይንካ ክትቃለስ እንከለኻን፡ ከምዚ ሎሚ ደምበ ተቓውሞ ዘለናዮ ሃለዋት ካብ ሃገርካ ወጻኢ ኮይንካ ክትቃለስ እንከለኻን ነዚ ኣመራርጻኻ ካብ ዝጸልውዎ ረቛሒታት ሓደ እዩ። ኣብቲ ትቃለሰሉ ዘለኻ እዋን ዘሎ ባህሪ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት እውን ከምኡ ናቱ ጽልዋ ኣለዎ። ደሓር ከኣ መቃለሲ ባይታ ንስኻ በይንኻ ጥራይ ትመርጾ ዘይኮነ፡ እቲ መቃለሲ ባይታ ዝፈቕደልካ ኣካል ክውስኖ እውን ይኽእል‘ዩ።
ኣብ ተመኩሮ ብረታዊ ቃልስና፡ ቀንዲ መዋፈርታትና ኣብ ገዛእ ሃገርና፡ ሓራ ኣብ ዘውጻእናዮም እስትራተጅያዊ ቦታታት ከም ዝነበረ ኣይንርሰዖን ኢና። ኣብቲ እዋንቲ እቲ ጐሊሑ ዝረአ ዝነበረ መምዘኒ ናይቲ ትመርጾ ከባቢ ኣቀማምጣን መጻንዕን ኮይኑ ወተሃደራዊ መዐቀኒ ዝዓብለሎ እዩ ነይሩ። ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነትን’ውን ካልእ ኣብ ግምት ዝኣቱ’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ እዚ ከም መንጠሪ እትመርጾ ናይ ቃልሲ ቦታ፡ መዕቆቢ ጥራይ ዘይኮነ እምነ-መሰረት ህዝባዊ ውደባ እተንብረሉ’ውን ስለ ዝኾነ። እዚ መቃለሲ ቦታ ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነስ ምስ ናይ ወጻኢ መቃለሲ ባይታ’ውን ምምግጋብ ዝነበሮ እዩ። ማለት ንዲፕሎማሲያዊ ባይታ መባእታዊ ኣንፈት ዝንበረሉ ስለ ዝነበረ። ሽዑ ኣብ መንጎ ናይ ሜዳ መንጠሪ ቦታታትን ሃገረ-ሱዳንን ዝነበረ ምትእስሳር ናይዚ ኣብነት እዩ።
መቃለሲ ቦታ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና፡ ባዕልኻ ነጻ ኣውጺእካ ኣብ ዝተቖጻጸርካዮ ከባቢ፡ እቲ እትደልዮ መምዘንታት ምስ ኣመላኣልካ ናይ ካልእ ኣካል ጽቡቕ ድሌትን ፈቓድን ከይተጸበኻ ባዕልኻ እትውስኖ እዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ሎሚ ተቓወምቲ ሓይልታት ካብ ሃገርና ወጻኢ ዘለናሉ ሃለዋት ግና መቃለሲ ቦታ ክትመርጽ እንከለኻ፡ ናትካ ድሌትን ምርጫን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ከም መቃለሲ ቦታ ዝመረጽካዮ ሉኣላዊ ሃገር መንግስትን ህዝብን ጽቡቕ ድሌት እንተዘይተወሲኽዎ ከም ድላይካ እትገብሮ ከምዘይኮነ ኣብ ግምት ኣእቲና ኣለና። እቲ ዝመረጽካዮ ሃገር ወይ ከባቢ መቃለሲ ባይታ ከፍቅደልካ እንከሎ ካብ ግብረ-ሰናይነት ወይ ሰብኣውነት ጥራይ ዝነቅል ዘይኮነ፡ ካብ ናቱ ፖለቲካዊ ረብሓን ሕሳባትን’ውን ከም ዝነቅል ብብዙሕ ተመኩሮ ዝተመስከረ እዩ። ንኣብነት ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ሓደ ሃገር ንናይ ኤርትራ ደንበ ተቓውሞ ከም መቃለሲ ባይታ ክፈቅድን ክተሓጋገዝን እንከሎ፡ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዘለዎ ዝምድና ዓብይ ጽልዋ እዩ ዝህልዎ።
ሓደ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን የመንን ኣብ ደሴት ሕነሽ ውግእ ተኻይዱ። ኣብቲ እዋን‘ቲ ዝተወሰና ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ከተማ ሰንዓ ቤት ጽሕፈት ክሳብ ዘኽፍት ምድግጋፋት ረኺበን ነይረን። ከምኡ እውን ከምቲ ኩልና ዘይንዝንገዖ፡ መነኦም ነይሩ እቲ ጠንቂ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ መንግስታት ሱዳንን ኤርትራን ዝምድናኦም ርጉእ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፡ ናይ ዝምድናኦም ዘይርጉእነት ኣብ ኣተሃላልዋ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ሱዳን እውን የንጸባረቕ ነይሩ። ኣብ መንጎ እተን መንግስታት ደሓን ዝምድና ክህልው እንከሎ፡ ቦታ ተቓወምቲ ውድባት ይጸብብ ነይሩ። ይጸብብ ጥራይ ዘይኮነ ብዙሓት ተቓለስትና ግዳይ ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝኾንሉ ኣጋጣምታት’ውን ነይሩ። ኣብ መንጎ ክልተ መንግስታት እቲ ዝምድና ክሕርፍፍ እንከሎ ከኣ ሜዳ ተቓወምቲ ውድባት ይሰፍሕ። ዝምድና ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ምስቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ መንግስታት ዝጸነሐ ዝምድናታት ዝጸላሎን ብሓፍዞቛት ሓሊፉ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ከም ዝበጸሐን ዝከሓድ ኣይኮነን።
መንግስታት ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ዝዛመዱን ዝተሓጋገዙን ምስቲ ኣንጻሩ ተቓውሞ ዝለዓል መንግስቲ ክበኣሱ እንከለዉ ብናይ “ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ” ፖሊሲ ተሻቢቦም ጥራይ እዮም ማለት ግን ኣይኮነን። ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም እምነትን ፖሊሲን ነቒሎም፡ ንፍትሓውነት ናይቲ ሓይሊ ተቓውሞ ሒዝዎ ዘሎ መትከላት መዚኖም ዝገብርዎ ምትሕግጋዝን ምትብባዕን እውን ኣሎ። ካብዚ ነቒሎም ድማ ነቲ ዝምድናኦም ምስ ተቓወምቲ ውድባት ጥራይ ከይሓጸሩ፡ ህዝባዊ መልክዕ የትሕዝዎ። እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ይኹን መንግስቲ ሱዳን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መደበራት ጥራይ ከይተደረቱ ካብኡ ወጻኢ’ውን ክነብሩን ክሰርሑን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ስደተኛታት መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ዝተነፍጎም ኣብ ኩሉ ደረጃታት ኣብያተ-ትምህርቲ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ምምሃር ዕድል ንክረኽቡ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ብኣውንታውን ኣርሒቑ ዝጥምትን ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዚ ተቓወምቲ ውድባት ምስ ሃገራት ዝህልዎም ዝምድና ሓደ ዓይነት ዘይኮነስ ብደረጃታት ዝፈላለ ነናቱ ስፍሓት ዘለዎ ምዃኑ እዩ ዘርእየና።
ብዙሕ መቃለሲ ወይ መዋፈሪ ባይታ ክትረክብ ምኽኣል ዓብይ ረብሓ ኣለዎ። ዓቕምን ብቕዓትን’ውን ካብዚ ብዝሒ ስለ ዝቕዳሕ። “ብዙሓት ይሃቡኻ፡ ብዙሓት ግና ኣይውቅዑኻ” ዝበሃል ምስላ’ውን ነዚ እዩ ዘንጸባርቕ። መዛምድትኻን ተደጋግፍትኻን ብዙሓት ክኾኑ እውን ዝድገፍ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ግድን ከተጥርዮ ዘሎካ እውን እዩ። ዋላ’ኳ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዛምድትኻ ግደን ጽልዋን ብደረጃ ዝፈላለ እንተኾነ፡ ሓደ ኣካል ዋላ ብኣዝዩ ውሱን ደረጃ ክደጋገፈካ እንከሎ፡ ናብቲ ኣንጻሩ ትቃለሶ ዘለኻ ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰለ ጸላኢኻ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ምንጻሉን ምስዓሩን ድማ ኣበርክቶ ኣለዎ። ኣብ ሓደ ሃገር መቃለሲ ባይታ ክትረክብ እንከለኻ፡ ካብኡ ካብ እትጽበዮ ብዙሕ ኣበርክቶታት ሓደ ንሱ እቲ መቃለሲ ባይታ ዝፈቐደልካ ሃገር፡ ምስ ካልእ ሃገርን ዞባዊ ትካላትን ከላልየካ እሞ ካልእ መቃለሲ ባይታ ክትረክብ ከተባበዓካ እዩ። ብመንጽር እዚ ደንበ ተቓውሞና መቃለሲ ባይታኡ ከስፍሕ ክቃለስ ሓደ ካብ ዕማማቱ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ካብ ሓደ ንላዕሊ መቃለሲ ባይታታት ክትረክብ እንከለኻ ምስቲ ቀዳማይ ባይታኻ ትጻላእ ወይ ትባተኽ ማለት ከም ዘይኮነ ብሩህ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። እንተ ጉጅለ ህግደፍ ግና ኣይኮነንዶ ብዙሕ መቃለሲ ባይታታት ክንረክብስ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ መርገጺ እግሪ ክህልወና ከም ዘይደልን፡ ካብ ኩሉ ነጺሉ ከሕቅቀናን ዕላምኡ ምዃኑ ውሁብ እዩ። ኣብ ሓደ ከባቢ መቃለሲ ባይታ ክንውስኽ እንከለና ከኣ ኣብ ስዕረቱ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ።
ናይ ዝምድናን ምምራጽ መቃለሲ ባይታን ቀዳምነታት ክትሰርዕ እንከለኻ፡ ጉዳይ ጐረቤትን ብዙሓት ዜጋታትካ ዝርከብሉ ከባብን ቀዳምነት ከም ዝሕዝ ንኹላትና ንጹር እዩ። እንተኾነ እዚ ኣሰራርዓ ቀዳምነታት’ዚ ቀዋምን ሓንሳብ ምስ ተሰርሐ ዘይክፈት ዕጹውን ኣይኮነን። ብመሰረቱ ዝምድና ወይ ምምራጽ መቃለሲ ቦታ ሓንሳብ ምስ ተደኮነ ዘይቅየር ዘለኣለማዊ ዘይኮነስ፡ ብዝፍጠር ቀጻሊ ምዕባለታት ዝግዛእ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ “ቀዋሚ ጐረቤት እምበር ቀዋሚ ፈታዊ የለን” ዝበሃል። ብጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ካብ ዝቐርበካ ኣብ ርሑቕ ምስ ዝነብር ብፖሊሲ ናይ ምዝማድ ቅሩብነትን ዝመሳሰለካ ኣካል ምዝማድ እትመርጸሉ ኩነታት ክፍጠር እውን ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ሓድሽ መአከቢ ቦታን መቃለሲ ባይታን ምርካብ ኣብ ኩሉ ሃገራት እንተዝላባዕ’ሞ ሜዳ ጉጅለ ህግደፍ እንተዝሽምረር፡ ምጠቐመና እምበር ኣይምጐድኣናን’ሞ ሓደራ ደኣ ነስተብህለሉ።
19 December 2015