ሰሚናር ፎዚያ ሓሽም፡ “ክረኣያ ክብላ ይእረያ” ተባሂሉ

2025-01-11 21:41:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 167 times

ብወይዘሮ ፎዚያ ሓሽም ዝተባህለት ኣገልጋሊት ዲክታተር ኢሳያስ፡ ስማዊት “ሚኒስትሪ ፍትሒ ኤርትራ” ዝምራሕ፡ ናይ 2024 መደባተይ ዝግምገምኩሉን ናይ 2025 ዓመታዊ ትልሚ ዝሕንጽጸሉን ሰሚናር ኣካይደ ምባሉ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዘገረመን ከም ዘቖጠዐን፡ ብዙሓት ኤርትራዊ ማሕበራዊ መድያታት ኤርትራ ኣንጸባሪቐ።

ኣብቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኣብያተ-ፍርድን ኣኽበርቲ ሕግን ተሳቲፈምዎ ዝተባህለ፡ ብ9 ጥሪ 2025 ዝተጋበአ ኮንፈረንስ፡ እታ ሚኒስተር ናይ 2025 ትልሚ ስራሕ ኣቕሪባ ተባሂሉ። ኣብቲ ትልማ ብዘይሕፍረት መስርሕ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ፡ ማዕረቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መነባብሮን ናይ ፍትሒ ባህግን ብዘሳኒ ክዕመም ከም ዝጸንሐ ዝብል ኣብ ባይታ ዘየለ ገምጋም እያ ኣቕሪባ። ንድሕሪት ተመሊሳ ድማ ኣብ ዓመተ-2025  መስርሕ ምሕያል ፍትሕን  ምንዳፍ ሓደስቲ ሕግታትን ዝምልከት መደባት ከም ዘለዋ ጠቒሳ። እዚ ድማ  ከምቲ ዲክታተር ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ህዝቢ ንምዕሻው ዘይትግበር ቃል ዝኣትዎ መደንዘዚ መብጸዓ እያ ኣስሚዓ።

ነዚ ዝተኸታተሉን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነዊሕ ሱር ዝሰደደ ብኩራት ፍትሒ ዝፈልጡን ኤርትራውያን፡ ኣብተን ልዕሊ 300 ዝኾና ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ግዳያት ንዝያዳ 30 ዓመታት፡ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራብስ ይትረፍ፡ ኣበይ ተኣሲሮም ከምዘለዉኳ ዘይፍለጡ ከም ዘለዉ ዘኪሮም።  እዞም ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ብዘይፍርዲ ይሳቐዩ  ኣብ ዘለዉላ ኤርትራ  ከምዚ ዝኣመሰለ ብደዐ ናይ ምስማዕ ድፍረት ከም ዘሕዘኖም ከኣ ጠቒሶም።  ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቀራርባ ፊዚያ ሓሽም ካልእ ገጽ ንዕቀት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ  እዩ።

 ህዝቢ ኤርትራ ሕገ-መንግስታዊ መቆጻጸርን ዋሕስን ኣብ ዘየብሉ፡ ብዝተፈላለዩ ግህሰታት ናይቲ ጉጅለ  ይሳቐ ኣብ ዘለወሉ፡ “ኣብ ኤርትራ ፍትሓውን ፍርዳውን ኣገልግሎት ኣሎ” ምባል ጥራይ ወሲድካ፡ ክሳብ ክንደይ ህግደፍን ኣካላቱን ምስቲ ኤርትራዊ ክውንነትን ዝጻረሩ ምዃኖም  ምግንዛብ ዘጸገም ኣይኮነን።

Last modified on Saturday, 11 January 2025 22:52