ምቕጻል ዕድመ ስልጣን ታደሰ ወረደን ሳዕቤኑን

2026-04-08 08:58:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 211 times

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመደ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኣብ ዝተሳተፍሉ መድረኽ ብ7 ማዝያ 2026; ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኑ ክመርሕ ናይ  ዝጸንሐ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ጸብጻብ ከም ዝሰምዐ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣቃሊሐን።

ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ጸብጻብ ዘቕረበ ንሓደ ዓመት ንክመርሕ ዝተዋህቦ ናይ ግዜ ገደብ ንክውዳእ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ምስ ዝተረፎ እዩ። ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ዝቐረበ ጸብጻብ’ኳ እንተዘይተገልጸ፡ ጀነራል ታደሰ ካብ 8 ሚያዝያ 2026 ጀሚሩ ንዝቕጽል ሓደ ዓመት ኣብቲ ናይ ፕረሲደንትነት መዝነቱ ንክቕጽል  ብፈደራል መንግስቲ ከም ዝተወሰነ ተሓቢሩ።

መንግስታዊ መዲያ ኮርፖሬሽ ፈነወ ኢትዮጵያ፡ ከም ዝገለጸቶ እቲ ምንዋሕ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 62 (9)ን ብኣዋጅ ቁጽሪ 359/1995፡ ዓንቀጽ 14 ንኡስ ዓንቀጽ 2 (ለ)ን  ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ፈደራል ዝተወሰነ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ጸብጻብ ዝቕረበሉ ኣኼባ፡ ብወገን ፈደራል መንግስቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓላቓ ስታፍ ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ጌደዎን ጢመቲዎስ፡ ኣዛዚ ፈደራል ፖሊስ ጀነራል ኮሚሽነር ደምመላሽ ገብረሚካኤ፡ ሚኒስተር ልምዓት መስኖን ከባቢታት ቆላን ዶር ኣብርሃም በላይን ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጌታቸው ረዳን ክርከቡ እንከለዉ፡ ብወገን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግና ጀነራል ታደሰ ወረደ ንበይኑ እዩ ተሳቲፉ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ እታ ኣብዚ እዋንዚ ሕጋውነት ብኮምስን ምርጫ ቦርድ ዝተሰረዘ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሓያሎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ዝርከብዎ ኣካል፡ ድሕሪ ሕጂ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝበሃል  ኣየድልየናን ብዝብል  ንምንዋሕ መዝነት ታደሰ ወረደ ከም ዝነጽግዎ ይሕበር ኣሎ። እዚ ኩነታት ናይቲ ሰላም ከውሕስ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ምፍራሱ ዘመልክት እዩ። በዚ መሰረት  ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ሓይሊ ትግራይን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕድሕድ ተጋሩ ንዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ’ውን ናብ ሓደገኛ ኣቕጣጫ ከይወስዶ ዘስግእ ዘሎ እዩ።

Last modified on Wednesday, 08 April 2026 11:04