መግለጺ ሓዘን

Saturday, 26 August 2023 23:10 Written by

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ቦታኦም ንምምላስ ወሲኑ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ሚኒስተር ምክልኻል  ኢትዮጵያ ዶር ኣብረሃም በላይ ብ22 ነሃሰ 2023 ኣፍሊጦም። እቶም ሚኒስተር ነዚ ዝፍለጡ ብምኽንያት ክብረ በዓል ኣሸንዳ  2023 ብፈይስቡክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓጐስ መልእኽቲ እዮም።

እቶም ሚኒስተር ኣብቲ ብዝርዝር ካብ ዘስፈርዎ ነጥብታት፡ 1ይ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ቦታታት ናብ ትግራይ ክምለስል እዩ።  ሕቶታት እንተልዮም ብሕገ-መንግስቲ ጥራሕ ዝምለሰሉ ኩነታት ንምርግጋጽ ይስራሕ ኣሎ። 

2ይ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ዝምለሱ መራሕቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዘለዉሉ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵ  ብዝወሰኖ መሰረት እዩ።

3ይ፡ እቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ መረበቱ ዝምለስ ህዝቢ ሕገ-መንግስታዊ መሰሉ ተጠቒሙ ምምሕዳሩ  ባዕሉ ክምስርት እዩ :: ኣብዘን ከባብታት ካብ ሕጊ ወጻኢ ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ  ኩነታት ውግእ ተጠቂሙ ተመስሪቱ ዝጸንሐ ምምሕዳራት ክፈርስ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ካብ ሓይሊታት ፀጥታ ፌደራል ወጻኢ ዝተዓጠቀ ሓይሊ ኣይክህሉን እዩ።

4ይ፡ ህዝቢ ድልዊ ኣብ ዝኾነሉ ብናቱ ውሳነ ብዘይተጽዕኖ፡ ብመሰረት ሕገመንግስቲ  ረፈረንደም ዘካይደሉ  ኩነታት ክፍጠር ይኽእል። ዝብሉ ነጥብታት ይርከብዎ።

ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንተመዛበልቲ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝምልከት ብዝለዓለ በዓል መዚ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ  ብኸምዚ ደረጃ ክግለጽ ናይ መጀመርያ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ’ለዉ።

 

 

 

ኣብ ቀዳማይ፡ ቀዳመ-ሰንበት ወርሒ ነሃሰ 2023 ኣብ ስያትልን ተረንቶን ተወጢኖም ዝነበሩ ናይ ህግደፍ ናይ ሸፈጥን ሸርሕን ፈስቲቫላት ኣሰር ጊሰንን ስቶክሆልምን ተኸቲሎም፡ “ወፍሪ ላምፓዱሳን ሰላምን” ብዝብሉ ጭረሖታት ብሓያልን ዘይሕለልን መኸተ ብ5 ነሃሰ 2023 ከም ዝፈሸሉ፡ ማዕከናት ዜና ሓይልታት ለውጢ ኤርትራን ዓለምን ብምስልታት ኣሰንየን ሓቢረን።


Siatel 06.08.2023ብሪጌድ ንሓመዱ ስያትል ቅድሚ ናብ መኸተ ምውፋሩ ኣብ ልዝብ

ኣብቲ ስያትል ዝነበረ ፈስቲቫል ህግደፍ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ተሓለቕቲ ለውጢ ንፍትሕን ዲሞክራስን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ፡ “ኣይተኸውንን እያ፡ ፍትሒ ንደሊ፡ ፈስቲቫል ዲክታተር ይሰረዝ” ዝብሉ ዝርከብዎም ጭረሖታት እናቃልሑ ተቓውሞኦም እናስምዑ እንከለዉ፡ ናይቲ ፈስቲቫል ወደብቲ ደገፍቲ ህግደፍ  ብዝጀመርዎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ፡ ነብሶም ክከላኸሉ ጀሚሮም ብኡንብኡ ድማ ኩሉቲ ውራይ ህግደፍ ንምድማቕ ተተኺሉ ዝነበረ ዳሳት ምስ ምሉእ ትሕዝቶኡ ካብ ጠቕሚ ቀጻኢ ኮይኑ፡ ደገፍቲ ህግደፍ ድማ ከየትከሉ እግረይ ኣውጽእኒ ሃዲሞም።

እቶም ኣብ ሓጺር ግዜ ነቲ ፈስቲቫል ዘፍሸሉ ኣዝዩ ዝነኣድን ስሙርን ኣወዳድባን ምንባብን ዝነበሮም ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ፡ ፖሊስ ስያትል ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጸሓሉ፡ ተልእኮኦም ፈጺሞም፡ ንቀጻሊ ቃልሲ’ውን ድሉዋት ምዃኖም እናገለጹ ናብቲ ዝተበገስሉ ኣዳራሽ ብዓወት ተመሊሶም። ኣብቲ ኣዳራሽ ምስ ዘድሊ ምድላው  ብአደታት ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ከኣ ኣብነታዊ ነይሩ።

ኣብ ካናዳ ቶሮንቶ ብተመሳሳሊ፡ ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ ናብቲ ኢርል ስኮርት ኣብ ዝተባህለ ፓርክ፡ ዝተዳለወ ፈስቲቫል ህግደፍ ከይዶም ፊትንፊት ኣብቲ ዝተፈቕደሎ ኩርናዕ ኮይኖም፡ ናይ ተቓውሞ ድምጾም እናስምዑ እንከለ፡ በቲ ድምጺ ዝረዓዱን ዓቕሎም ዝጸበቦምን፡ ሕልነኦም ንጸረ-ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ብዝሸጡ ኤርትራውያን መጥቃዕቲ ምስ ተኸፈቶም ኣብ ዝገበርዎ ምክልኻል ብዝተፈጥረ ህውከት ዳሳት ህግደ ዓነውነው እንከሎ፡ ኣብቲ ዕግርግር 9 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ፖሊስ ቶሮንቶ ኣፍሊጡ። እቲ መጉዳእቲ ብዘይካ ናይ ሓደ ናይቶም ካለኦት ቀሊል ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።

Police Torontoኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱን ፖሊስ ቶሮንቶን ኣብ ዝተፋጠጥሉ

ድሕዚ ኩነታት ዓሰርተታት ኣባላት ፖሊስ ከተማ ተረንቶ ኣብ ማእከል ተቓወምትን ደገፍትን ተሰሪዖም ንነዊሕ ሰዓታት ተፋጢጦም። ድሕሪኡ እውን ፖሊስ “ነቲ ፈስቲቫል ሰሪዝናዮ ኢና” ዝበሎ ቃል ስለ ዘየኽበረንን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ህግደፍ ነብሶም ዳግማይ ክሰርዑ ስለ ዝፈተኑን፡  ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ ሓደ ካብ ቀንዲ ጐደናታት ተረንቶ ዓጽዮም፡ ኣብ መኪና ብዝተሰቕለ ንህግደፍ ዘቃልዕ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ተሰንዮም ተቓውመኦም ስለ ዝቐጸሉ፡ ወጥሪ ተፈጢሩ ከም ዝነበረ ትካል ዜና ሲቢሲ/CBC NEWS ኣፍሊጣ።  ደሓር ግና ምምሕዳር ከተማ ተረንቶ “ምእንቲ ሰላምን ድሕነትን ሕብረተሰብ ነቲ ፈስቲቫል ሰሪዝናይ ኣሎና። በዚ መሰረት 6 ነሃሰ 2023 ኣይክቕጽል እዩ” ዝብል መግለጺ ከም ዘውጸአ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣፍሊጠን።

ከምቲ ድሕሪ ፍሽለት ፈስቲቫላት ህግድፍ ኣብ ጊሰንን ስቶክሆልምን ዝተራእየ ፍሽለት፡ ፈስቲቫላት ህግደፍ ስያትልን ቶሮንቶን እውን ናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለምን ፖለቲከኛታት ኣጀንዳ ክኸውን ክኢሉ።

ፕረሲደንት ክልል ኣምሓራ፡ ዶር ይልቃል ከፋለ ብ3 ነሃሰ 2023 ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ኣብቲ ክልል ዘሎ ጸገም ብስሩዕ ናይቲ ክልል ዓቕሚ ምቁጽጻር ስለ ዘይተኻእለ፡ ፈደራል መንግስቲ ኣድላይ ስጉምቲ ንክወስድ ጸዊዕም። እቶም ፕረሲደንት ኣብቲ ክልል ብሰንክቲ ኣብ መንጎ ናይቲ ክልል ፍሉይ ሓይልን ፖሊስን ብጉጅለ ህግደፍ ናይ ስልጠናን ዕጥቅ ደገፍ ይግበረሉ ዝበሃል ሓይሊ ፋኖን ዝተኻየደ ውግእ ሰብኣዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ጉድኣት ከም ዝወረደ ጠቒሶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪቲ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርንነት ትግራይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ውዕል ሰላም ምፍራሙ፡ እዚ ሎሚ “ህዝባዊ ግንባር ኣምሓራ” ብዝብል ኣንጻር መንግቲ ዝዋጋእ ዘሎ ሓይሊ ፋኖ ከምቲ ህግደፍ ተኾሊፍና ዝበሎ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ “ዘስሩዕ ዕጡቕ” ዝተባህለ ፋኖ ድማ ዕጥቂ ኣፍቲሑ ዳግመ-ውደባ ክግበረሉ ምስ ወሰነ እዩ ኣንጻር መንግስቲ ምንቅስቓሱ ዝያዳ ዘሕየለ እዩ።  ናይ ስግኣትን መንገዲ ዓመጽ ምምራጽን ቀንዲ ምኽንያት፡ ከምቲ ህግደፍ ውግእ ጠጠው ብምባሉ ዘይዓገበ፡ በቲ ውዕል ሰላም መሰረት፡ ውልቃይትን ራያን ናብ ትግራይ ከይምለስ ብዝሓደሮ ስግኣት እዩ።

ብፍላይ ካብዚ ቀረባ ግዜ ሓይሊ ፋኖ ብመስመር ሑመራን ኦሞሓጀርን ምስ ህግደፍ ከም ዝራኸብን ኣባላቱ ኣብ ኤርትራ ኣሰልጢኑን ኣዕጢቑን ኣብ ሑመራ ከም ዝመረቐ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ብሰፊሑ ክሕበር ዝጸንሐ እዩ። ክሳብዚ ቀረባ ግዜ መጻኢ ፖለቲካዊ ዕላማ ፋኖ እንታይ ምዃኑኳ ንጹር እንተዘይነበረ፡ ሎሚ ግና ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሪስካ ብደረጃ ኢትዮጵያ ግዝያዊ ምምሕዳር ምትካል ምዃኑ ክገልጽ ይስማዕ ኣሎ።

ብናይ ኢትዮጵያ ሕገመንግስቲ መሰረት ፈደራላዊ መንግስቲ ብዘይወግዓዊ መጸዋዕታ ናይ ክልል መንግስቲ  ሰራዊቱ ኣብ ክልላት ኣብ ዝካየድ ውግእ ከውፍር ኣይክእልን እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣሜሪካ እትርከበን ሃገራት ዜጋታተን ንኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ፡ ሶማሊያ፡ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ናብ ዘዋስኑ ከባብታትን ክልል ኣምሓራን ክንቀሳቐሱ እንከለዉ ፍሉይ ጥንቃቐ ንክግበብሩ ኣተሓሳሲበን።

ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ትሕቲ “ትግራይ እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት/ኤፈርት) ዝመሓደራ ዝነበራ 21 ትካላት ትግራይ፡ ብሰንኪ ውግእ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ክልል ትግራይን ምኽፋቱ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ፡ ብውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል ኢትዮጵያ ብ28 ሓምለ 2023 ከም ዝተሳዕረ፡ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያን ኢንሳይደር/ETHIOPIAN INSIDER ሓቢራ። ነዘን ትካላት ብግዝያውነት ከመሓድር ዝጸንሕ ኣካል፡ “ኮመርሻል ኖሚንንስ” ሓላፍነቱ ከረክብ’ውን በቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተኣዚዙ። እዚ ውሳነ ነቲ ጠቕላሊ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እዘን ትካላት ብኻልእ ኣካል ካብ ምምሕዳር ናጻ ኮይነን ናብ ዋናአን ንክምለሳ ዝሃቦ ውሳነ ተኸቲሉ ምዃኑ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

ካብዘን ኣብ ብ1995 ኣብ ትግራይ ዝነበረ ድርቂ ንምክልኻልን ቁጠባ ንምዕባይን ዝቖማ ትካላት፡ ሱር ኮንስትራክሽን፡ መስፍን ኢንጂነሪንግ፡ ጉና ትራይዲንግ፡ መሰቦ ስሚንቶ፡ ኣልመዳ ፋብሪካ ዓለባ፡ ሳባ እምነበረድ፡ መስከረም ሜካናይዘሽን ሕርሻ፡ ደጀና ኬሚካል፡ ዝኣመሰላ ይርከበአን። ናይዘን ትካላት ናይ ባንክ ሕሳብ ኣብ ትግራይ ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ “ንፈጠርቲ ራዕዲ ገንዘባዊ ሓገዝ ትገብራ ኣለኽን” ብዝብል ተዕጽዩ ከም ዝነበረ እውን እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።

እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ እቲ ነዘን ናይ ትግራይ ትካላት ብውክልና ከመሓድር ዝጸንሐ ኮመርሻል ኖሚንስ፡ ኣብቲ ነተን ትካላት ዘመሓደረሉ ዝነበረ ግዜ ብዛዕባ ዝነበረ ምዕብልና ምሉእ ጸብጻብ ከቕርብ ኣዚዝዎ ኣሎ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣባልነታ ከም ውድብ ንክሕደሰላን ንብረታ ንክምለሰላን ናብ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ጥርዓት ጌና መልሲ ኣይረኸበን። እንተኾነ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንክርከበሉ መራሕታ ተስፋኦም ክገልጹ ጸኒሖም።

ዝኸበርካ ክቡር ኣቦ መንበር  ሰ. ዲ. ህ. ኤ.         

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጽኑዓት መትከላውያን ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ.

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣጋይሽ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023 :

እንሆ ጽቡቅ ዕድል ረኺብና ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ዕጽዋን ተነጽሎን ጸላኣይና መተንፈሲ ኣፍጫኡን ኣፉን ይሸፈን ከቢድ ኣሰንባዲ እዋናት ኣሕሊፍና ሎሚ ከም ንቡር ክነብርን ክዋሳእን ኣብቅዓና እናበአልኩ ብስም  ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል ኤርትራ : ሙዉቅ ናይ ቃልሲ ሰላምታን ናፍቆትን የቅርበልኩም ። እዘን 3ተ ግናያት ዓመታት 2020 – 2021-2022 ሙሉእ ዓለም ራዕድን ፍርሕን ተዋሒጥና ዝነበርናሉ : እዚ ግናይ ኮቪድ 19 ልዕሊ 20 ሚልዮን ቀዚፉልና ጌና እውን 100 ብ100 እውን ኣይጠፋኤን ዘሎ። ወዮ ሙጹዕ መከረኛ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ከኣ ብሰንኪ ንቅጽናን ሙኩሕ ዲክታቶራዊ ወተሃደራዊ ምሕደራኡ ብኣብያ ተነጺሉ ክንደይ ከም ዝመቱ ክሳብ ሎሚ ኣይተሓበረን።  እቲ ዝገርም እዚ ግናይ ኮቪድ ንኩሉ ፍጡር ወዲ ሰብ ብኣልማማ ሓያሉ ድኹሙ ሃብታሙ ድኹኡ ዓቢኡ ንኡሱ :  ብግዲ ኣፉን ኣፍንጯኡን ተሓቲሙ ኣሕሊፍዎ ኣሕፍናዮን ። ኮይኑ ሎሚ ልዑል ምስጋና ንኣምላክን ንረብን ይኹን ገጸ ገጽን ብኣካልን ኣራኸበና እኔና እንቃዕ ደስ በለክን በለና ።

መትከላውያን ጽኑዓት ዉፍያት ብጾት ኣባላት ሰ. ዲ. ህ. ኤ. እንቃዕ ደስ በለኩም ደስ በለና  !!!! ዮሃና ዮሃና ዕዉት ታሪኻዊ 4ይ ጉባኤ  መርሓባ ሓዳስ መሪሕነት : መርሓባ ሓዲሽ ኣቦ መንበር  ብጻይ ገብረእዝጊኣቢሔር ተወልደ  !!! ብልቢ እየ ዘፍቅረኩም ዝኣምነኩም ኣጀና ኣጆኹም !!!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ በዓል :

በዓልና በዓልኩም ኣብ ትሕቲ ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ምዕባሌን ንቃለስ !!! ዝብል ጭርሖ ክንኸፍቶ ከሎና እቲ መሪር ዕንወትን ብርሰትን ዝወርዶን ዝሳቀን ዘሎ ህዝብናን ሃገርናን ቀዳምነት ሰሪዕና ንድሕነቱ ዕጥቂ ሓበራዊ ቃልሲ ሕጂ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ክትግበር ዘሎዎ ህጹጽ ጸዊዒትና ንምቅራብ እዩ።

ጽቡቅ ዕድልን ተስፋ ዝህብን እቲ እንምነዮን ትጽቢት ዉጹዕ ህዝብናን ዝኾነ : ምውህሃድ ፖሊቲካ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ቃልሲ ተሳማሚዖም ብምስማዕና ድርብ ዮናን ዮሃና ንብል።

እዚ ታሪኻዊ ፈስቲቫል ስለምንታይ ክዳሎ ተወሲኑ ንምታይ ዕላማ ዝብል : ንኣብ መሪር ስደት ዓዲ ጋና ፋሕ ብትን ኢልና ካብ ስደራናን ካብ ባህልና ካብ ፍትውቲ ሃገርና ተነጺልና ስለ ዘሎና : መራኸቢ መደዓዓሲ ዶ ይኾነና ዝበል ቅዱስ ዕላም ኮይኑ ዓመት ዓመት ብዘይሕለሉ ኣባላት ተ. ሓ. ኤ. መሰረታት ጀርመን ዝተወስደ ተበግሶ ሎሚ መበል ብልክዕ መበል 34 ዓመትና ኮይኑ ፥ ማለት ብ1986 ኣብ ድራይ ኣይሽ ክብርቲ ሃገረ ጀርመን እዪ ተጀሚሩ። ገለ ካብኣቶም ከኣ ኣብ መንጎና ስለ ዘሎው ልቢ ከኣ ነምስግናም።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን  ተሳተፊቲ በዓልና !!!

 ሎሚ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ብጨካን ኣረመናዊ ኢሰብኣዊ ግፍዕታት ኣርዒዱን ዲሂሉን : ብመሪር ወተሃደራዊ ምምሕዳራት ጨቂኑ ዝጭፍጭፎ ዘሎ : ምንጩ ካብ ንግሆ ኣብ ሳሕል ከሎ ዝትግበሮ ዝነበረ : ብዝኸበደ እከይ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ከኣ ሎሚ ኣብ ሳዋ ይትግበር ኣሎ ። ሳዋ እታ ግናይ ዓባይ ጥፋት ጸያቅት መንእሰይ መደበር ግፍዕታት ኣብ ሰዊት ዕድሜኦም ካብ ስድራ ቤቶምን ባህሎምን መንጢልካ ፈልያ : ኣብ ሕሉፍ ጨካን ጭኮና ዉልቀ ጥቅሚ ፡ ሕጽቦ ሓንጎል ኣብ ጽልእን ቅርሕንትን ዝተመርኮሰ ጉጉይ ታሪክ ኣንጻር ጀብሃን : ኣንጻር ወያነን ዝምልመሉላ ጠንቃም መደበር ሳዋ እያ። ኣብኡ ዝፍጸም ግናይ ተግባራት ግፍዕታት ከምቲ ንሕና ኣብ ኣጻምእ ሳሕል  ዘሕለፍና ክትፍትኑ ኣሎኩም ተባሂሎም ኣብ ጎቦታትን ስንጭሪታትን  ሃኪክ ቀትሪን ለይትን ኣብ ጸጸር ኣዝሓፍ እናበሉ ብፈፈው ከርተት ኣቢሎም ሓንጎሎም ዝሰሓቱ ኣሽሓት መንእሰይ ፡ ክሳብ ኣብ ዕሸላት ደቂ ኣንስትዮ ዝወረደ ሓደገኛ ሕማም ንድሕሪት ዘኽይድ እውን ተራእዩ ። እንሆ ከኣ ካባኡ ዝነፈጸ መንእሰይ ስድራኡ ባህሉ ልውህናኡ ኣጥፊኡ ንነብሱ ጥራሕ ከድሕን : ኣብ ሰሃራን ሲናይን ሊብያ ባሕርን ይሃልቕ። ብሓቂ ዘገርም እዩ ተማሃራይ ኣብ 11 ክፍሊ ሓንጎሉ ንፍልጠት ዝኽፈተሉ መንጢልካ ፡ ንዝነበረ ተስፋ ጽባሕ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ዓጺኻ : ብቅዓት ትምህርቲ ኣልቦ ጀነራላት ዝመሓደራ ኮሎጃት ምብታን ምርማስን መደበራት እየን ። እዚ ገባቲ ህግደፍ ብመደብ እዩ ነቲ ዩኒቨርሲቲ ዓጽዩዎ ብመደብ ናይ ሳሕል ኣርዒዱ ዲሂሉ ኣደንቂሩ ባርያ ናቱ ንምግባር ክምችኣሉ ብመጽናዕቲ ዝገበሮ እዩ ። መንእሰይ እንተተማሂሩ ዲሞክራሲ ሕጊ ክፈልጥ እዩ ኽሓተኒ እዩ ዝብል ዓቢ ራዕድን ፍርሕን ስለ ዘሎዎ እዩ ። ስለዚ ሳዋን መደባታን ደው ክብል ኣሎዎ ።

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋት !!!  ንዓይ ዝድንጽወኒ  ንዓለም እውን ዘሰንበደ --- እዋእ እቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝብና እዚ ኩሉ እናረኣየን እናሰምዔን  እንታይ እዩ ዓዚምዎ ? ? ?  ከመይሲ ኣብ ናይ ብሓቂ ከሓዲ ቅብጸት ካብዚ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጥልመቱን ደጋጊሙ ተገቲሩ ዓው ኢሉ ሓቢሩና እዩ ፡ ንኣብነት ብ1991 ናይ ዉድባት ሓሸውየ ክብል ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ዋእ እቶም ደቅና ኸ ኣይበለን። ብ12 ሓምለ 1994 ንሃገር ነጻ ምዉጻእ ኣካላሎም ዝጎደሉ ደቁ ኣብ ቅድሚ ዓ ይኑ ብጥይት ክርሽረሹ ከሎዉ ደቀይ ዘይበለ ። ብ2001 11 ሚኒስተራት 26 ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ዒራርዒሮ ክዳጎኑ ከለዉ  ህዝቢ ይኹን ስድራቤታቶም  ክሳብ ሕጂ ትም ፡ ጸኒሑ  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ብታሕጋስ ተፈንጪሑ ኣፍልቡ እናሃረመ ድሕሪ ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገር እየን ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ ፡ ኣይከሰርናን ንኣቢ ኣሕመድ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ሙሉእ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ ወዘተ ። ኣብዚ ብዕሊ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝሓወሳ ክሕብር ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ክሳብ ሎሚ ጥርቅም ኢሉ ኣሎ። ቀጺሉ ብክቱር ንዕቀት ኣብታ  እንኮ ቲቪ ቀሪቡ ብተደጋጋሚ ዝሃቦ መግለጺ ሃብቲ ፋብሪካ ባሕሪ ዓሳ ሉል ወደብ ድሕሪ 32 ዓመት ከም ዘየለዉ ብምድግጋም ሓቢሩ እሞ መን እየ ዝሕተተ ዝብል ክሳብ ሎሚ ህዝቢ ናይ መን በደል ኣይበለን ። መዓስ እዩ ዕሕሕ ዝበል ? ? ? ንዓለም ገረሞ ዶ ክንብሎ ?

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን-

ዉጹዕ ህዝብና ረዳኢ ኣልቦ ኮይኑ ይጸንት : ዉቅብቲ ሃገርና ረዳኢ ኣልቦ ኮይና ንግሆ ንግሆ ትፈርስ ትዓኑ እንሃ !!! ንሕና ደቃ ብሂወትና ከሎና እናረኤና እናሰምዕና እንታይ ንገብር ኣሎና ? ? ? ልክዕ ከምቲ ጨቃኒ ስርዓት 32 ዓመት ንሃገርናን ህዝብናን ዝሕቅቅ ዘዕኑን ዘሎ ንሕናውን ብታሪኽ ተሓተቲ ካብ ምኻን ኣይነምልጠ ኢና : እቲ ምንታይ ሲ ኣብ ክንዲ  ሰሚርና ብሓደ ኢድ ንሓደ ጸላኢና እንቃለሶ ንግሆ ንግሆ ሙቁራት ኣስማት እናመረጽና ክንፋናጨል ንርከብ እኔና ። እንታይ እዩ ዝግበሮ ? ? ?  ምብዛሕ ማሕበራት ዉድባት ደው ይበል !!!  ብግብሪ ብሓደ ንበገስ !!! ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘሎ ይጽዉዕ የእዊ ኣሎ !!!

ሕጂ እውን !!!

 ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ምዕባሌን ንቃለስ !!!

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !!!

ዊድቀት ንጨቃኒ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ

 

 

 

 

መልእኽቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023

ክቡር ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል

ክቡራት ኣባላት መሪሕነትን  ወከልቲ ውድባትን ህዝባዊ ምንቅስቓስን

ክቡራንን ክቡራትን ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2023

ክቡራት ተሳተፍቲ ፈስቲቫል

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን  ተቓለስቲ ደቂ ሃገር

ካብ’ዚ ኣኻኻቢ መድረኽ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ንብመላእኩም ተሳተፈቲ፡ ብኣኹም ኣቢለ ድማ ንመላእ ተቓለስቲ ደቂ ሃገር እንቋዕ ነቲ ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ኣቋሪጹ ዘጽነሐ ፈስቲቫል ምክያድ ኣብቅዓና እናበልኩ፡ ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ:  መሪሕነቱን መላእ መሰረታቱን ናይ ቃልሲ ሰላምታን   ሰናይ  ምንዮትን አመሓላልፈልኩም።  እዚ ፈስቲቫል’ዚ ሰልፍና ዘአንግዶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዋንነትን ኣስተንግዶን  ኩሎም ኣካላት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንመጻኢ መደረኻት ብዝሰፍሐን ብዝዓዘዘን ክካየድ ባህግን ትጽቢትን ከም ዘሎና ከኣ ኣቐዲመ ክሕብር እፈቱ።  

እዚ እንካይዶ ዘሎና ፈስቲቫል፡ ድሕሪ ሓያሎ ጸገማትን ብድሆታትን ከነካይዶ ምብቃዕና፡ ዓቢ ትርጉም ሓዚሉ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ብሓደ ሸነኽ ናይ ንህላዌን ቀጻልነትን ጸረ ምልካዊ ቃልሲ ዘንጸባርቕ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ሸነኩ ከኣ ንሓድነት ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ኣዕኲኹ፡ ንግዝኣተ ምልኪ ኣሕጺሩ ንዝለዓለ ዓወታት ዲሞክራስን ሰላምን ዘማዕድወሉ መነሃርያ ንቖጽሮ። 

ናብዚ መድረኽ’ዚ ምብቃዕ  ግን ቀሊል ጉዕዞ ኣይነብረን። ድሕር’ቲ ብ2019 ዝተኻየደ ፈስቲቫል ነዊሕ ከይጸንሐ፡ መላእ ዓለም ብቀታሊ ዝኾነ ለበዳ ሕማም ኮርና ቫይሩስ ተጠቂዓ። ማሕበራዊ መነባብሮ ናብ ሓድሽ ሕሞት ኣትዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጥቓ 7 ሚልዮን ኣህዛብ ብሰሪ እዚ ለበዳ ሞይቶም።  ኩሉ ምንቅስቓሳት  ወዲ ሰብ ንነዊሕ እዋን  ተዓጽዩ።  ህይወት ከምቲ እንፈልጦን ዝለመድናዮን ዘይኮነ፡ ተነጽሎታት ዝወረሮ ዓበይቲ ለውጥታት ኣግሂዱ። እዚ ክሳብ ክንደይ ከም ዝዓንቀፈና፡ መግለጺ ዘድልዮ ኣይኮነን። ምቁራጽ ፈስቲቫላትና ንባዕሉ ህያው ምስክሩ እዩ።

ኣብ መወዳእታ 2020 ከኣ ዞባና ኣብ ኣዕናዊ ውግእ ናይ ኢትዮጵያ ኣትያ። ናይ ኣማእት ኣሽሓት ህይወት ናይ ምልዮናት ምዝንባልን ዕንወት ዝመግለጺኡ ውግኣት ተኻይዱ። ስርዓት ኤርትራ ኣብዚ ውግእዚ ጣልቃ ብምእታው ንህዝብና ናብ ኲናት ሸሚሙ፡ ንመናውሒ ስልጣኑ ክጥቀመሉ ኣብ ልዕሊ ምፍታኑ፡ ምስ ጎረባባቲ ኣህዛብ  መሪር ጽልእን ቅርሕንትን ክፍጠር፡ ከቢድ ክሳራታት ክስዕብ ገይሩ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ’ውን ንኤርትራዊ ልዑላውነትን ሃገራዊ ክብርን ዝህድድ ናይ ጥልመት ወስታታት፡ ብጋህዲ ኣርእዩና እዩ። ስለዚ ከኣ  ኣብ ሃገርና ቅሳነት ተሳኢኑ፡ ግፍዒታት በዚሑ፡ ጥሜትንን ስእነተ ስራሕን ትምህርትን ሳዕሪሩ፡ ብፍላይ መንእሰያትና ከኣ ናብ ስደትን ከርተትን ከምርሑ ይግደዱ ኣለዉ።

ብተወሳኺ ኣብ ሃገር ሱዳን እውን ዘይሓላፍነታዊ ኣህላቂ ኲናት ኣብ ማእከል ርእሰ ከተማ ሱዳን ብምውላዑ፡ እቲ ሃገር ኣብ ዝወርዶ ዘሎ ክሳራ፡ ንዓና ኤርትራውያን እውን መዕቆቢትን መዐንገሊትን ዝጸንሐት ሃገር ተሳኢና፡ ኤርትራዊ ናብ ሓድሽ ከርተት ኣትዩ ኣሎ። እዚ ጸገማት’ዚ ክሳብ ክንደይ ክብደት ከም ዝጸንሖ ምግምጋም ከቢድ ኣይኮነን። ምስ’ዚ ኩሉ ጸገማት፡ ግን ከም ተቓልስቲ መጠን ክንቅጽል ነይሩና። ኣብ ልዕሊ ኣሻዅ ባይታ ክንስጉም ነይሩና።  ሓድነትና ዓቂብና፡ ጽንዓት ተቐኒትና፡  ተስፋ ተዓጢቕና  ስለ ዝቐጸልና፡ እንሆ እቲ ዝተዓጸወና ከነርሑ፡ እቲ ዝተነፍገና ንምምልላስ ከኣ ዳግማይ ክንእከብ ክኢልና ኣሎና። ነዚ ዕድል ብምጥቃም እምበኣር ነቲ መሪር ውሒጥናዮ፡ ነቲ መጻብቦ ሓሊፍናዮ እቲ ዕንቅፋት ሰጊርናዮ ኣሎና እንበልኩ፡ ዮሃና ንቀጻልነት ጸረምልካዊ ፍታሓዊ ቃልሲኹም እብል።  

ክቡራት ተሳተፍቲ ፈስቲቫል፡

እወ  ከምዚ ዝተባህለ ድሕሪ ስለስተ ዓመት ምርኻብና ጸጋ እዩ። ከይዘከርናዮ ክንሓልፍ ዘይንኽእል ግን፡ ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ፈጺምና  ክንመልሶ ዘይንኽእል ዓበይቲ ክሳራታት ገጢሙና እዩ።  ኣብዘን ቁሩብ መዓልታት እቲ እንፈትዎ ብጻይና፡ እቲ  ትሕተ ዕድመ እንክሎ ንቃልሲ ኤርትራ ዝተጸንበሮ፡  እቲ  ፈስቲቫል መጸ በቲ ጥዑም ድምጺ ሳክስፎን መጋባእያታትና ክኸፍት ዝለመድናዮ ሓውና ተቓላሳይ ኣለም ኣሰፋዉ (ዕምባባ) ኣብዚ ከተመ ፍራንክፈርት፡ ብሞት ተፍልዩና። እንተዝህሉ ሕጂ ኣብ መንጎና ምሃለወ ዝብል ዕግበት ኣሎኒ። ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ውራይ’ዚ ዘይፍለያናን ዘይፍለዩናን ክቡራት ብጾት ከሲርና ኣሎና። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ጥራይ፡ ሓፍትና ኣልጋነሽ ያዕቆብ፡  እሓዋትና ፍስሓ ገብረማርያም (ሓወቦይ)ን፡ ኣልኣዛር ቀለታን ሕጂ ምጽብጻቦም ዝጸግም ሓያሎ ካልኦትን ኣፋኒና። ኮታ ኣብ መላእ ዓለም ዝኽሰርናዮም መቓልስቲ ኣለዉና።  ብሕማም ምኽንያት ኣብ መንጎና ክርከቡ ዘይከኣሉ ወፉያት ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ዝከታተሉና ብጾት እውን ኣለዉና። ብዘይካዚ፡ እንፈትዎም ደቅና፡ መሓዙትናን ፈተውትናን፡ ወለድና፡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን፡ ኣዝማድና ዘኸፈልና ኣሎና። ንኩሎም’ዞም ዝሓለፉ እምበኣር ቅሰኑ፡ እቲ ዝጀመርኩሞ ንቕጽሎ ኣሎና ብማለት ካብ’ዚ መድረኽ’ዚ መንግስተ ሰማያት የዋርስኩም ዝብል ትምኒትና ነመሓላልፍ። ነቶም ብቐረባ ይኹን ብርሑቕ፡ ዝሓለፉ ወገናትና ኣፋኒና፡ ብህይወት ነዚ ክንርኢ ዝበቓዕና ድማ ጽንዓት፡ ዘይቀብጽ ተስፋ፡ ከምኡ’ውን ዛዛሚ ዓወት ይሃበና።

ክቡራትን ክቡራንን ደቂ ሃገር፡

እዚ ዝሓለፈ እዋን ምስቲ ኩሉ’ቲ ዝተገልጸ  ብድሆታቱ፡  ናይ ዘተን ናይ ልዝብን እዋን ነይሩ ክብል እደፍር። ርግጽ’ዩ ሽቶ ምምስራት ሓደ ጠራናፊ ስፊሕ ሃገራዊ ጽላል ኣይሃረምናዮን። ግንከ ኣብ መንጎ ውድባትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኣወንታዊ ምቅርራብ ዝተራእየሉ መድረኽ ነይሩ። ኣብ 2020 ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምውህሃዳዊ ስራሕ ጀሚሩ፡ ኣብ 2021 ምስ ዓለምለኻዊ ምስንቅስቓስ ይኣክል ንምቛም ሰፊሕ ጽላል ዝዓለመ  ሓባራዊ ዘተ  ጀሚሩ። እዚ ተበግሶታት’ዚ ነቲ ትጽቢት ዝተነብረሉ ሽቶ እኳ  እንተዘይሃረመ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ተቓውሞ ዝነበረ ምትፍናን ኣዝሒሉ፡ ንምክብባር ኣበሪኹ፡ ንዝያዳ ልዝብን ዘተን  ዘስተናግድ መድረኽ ክኸፍት በቂዑ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ መንጎ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ድሕሪ’ቲ ተፈጢሩ ዝጸንሐ ፍልልያትን ደውታን፡ ብምርድዳእን ብእንካን ሃባን፡ ሓደ ንኩሎም ኣካላት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ዝጥርንፍ ግዜያዊ መሪሕነት ፖሓኤ ክቐውም ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ምህላዉ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ዓቢ ፍርያት እዩ። ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ዝተበታተነ ሃለዋት ወጺኡ፡ ግዜያዊ መሪሕነት ብምምስራት ብሓደ ድምጺ ክዋሳእን ናብ ሓደ ጠራናፊ ጽላል ክሰግርን፡ ምውሳኑ ዓቢ ዝላ እዩ’ሞ፡ ካብ ኩሎም ደቂ ሃገር፡ ደገፍን ምትብባዕን ከስንዮ ንጽውዕ። ብዘይካ’ዚ ዝተፈላለዩ ወገናት ደለይቲ ፍትሒ ብዛዕባ ሓድነትን ምምእካል ጸረ ምልካዊ ምንቅስቓሳትን ዝነጥፉ ኣካላት ምህላዎም ኣፍልጦ ከይሃብና ክንሰግር ኣይንኽእልን። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ምንቅስቓሳት ከይዱ ከይዱ ናብ ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ስራሕ  ክምዕብልን ኣብ መንጎ ዝቀራረቡ ሸነካት ውሁድ ስራሕ ክካየድን ንትምነ።

እቲ ሓቂ  ኣብ ኤርትራና ሓደ ዓማጺ ጸረ ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት ምህላዉ እዩ።  ኣብ ምፍልላይ ክንነብር ዝደልየና ንሱ ሓደ ጸላኢ ጥራሕ’ዩ ዘሎ።  ጸረ ህዝቢን ምዕባሌኡን ንሱ ጥራይ እዩ። ስለ’ዚ ኣብ ቅድሚ ምልኪ፡ ኩሎም ካልኦት ሃገራውያን ሓይልታት መሓዙትን መሻርኽትን እዮም። ሃይማኖታት፡ ብሄራት ኣውራጃታት ከምኡ’ውን ጾታን ዕድመን ደቂ ሰባት፡ ክፈላለ ይኽእል’ዩ ግን ንሕድሕዶም ዝከባበሩ መላፍንቲ እምበር ተጻረርቲ ኣይኰኑን።  ምልካዊ ጸላኢ ጥራሕ’ዩ ከም ተጻረርትን ዘይራኸቡን ክነብሩ ዝምነን ዝደልዮምን።   ምኽንያቱ ምልኪ ብባህሪኡ፡  ኣብ ሕብረተሳባዊ ሕማምን ምፍልላይን፡ ኣብ ናይ ሕድሕድ ምንቛት እዩ ዝነብርን ዝዓኩኽን። በዚ መሰረት ፍታሕ ጸገማት ኤርትራ፡ ምልጋስ ምልካዊ ስርዓት ምዃኑ ኣለሊና፡ ኩልና ኣካላት ደምበ ተቓውሞ፡ ብልሒ ቃልስና ነቲ ሓባርዊ ዕዮ ናብ ምዕዛዝን፡ ነቲ ስርዓት ኣብ ምስዓርን ክጽመድ ኣለዎ። ምልጋስ ምልኪ ምስ ዝሳለጥ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ጉዕዞ ዝትክእ ኩነት፡ ጉዕዞ ሰላም፡ ጉዕዞ ፍትሒ፡ ጉዕዞ ምዕባሌን ብልጽግናን፡ ክኸውን እዩ።  ኣድህቦና ምልጋስ ምልካዊ ስርዓት ይኹን !

ዝከበርክንን ዝኸብርኩምን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል

እዚ ፈስቲቫል፡ ኣብ ጽባሕ ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እነካይዶ ብምህላውና፡ ንባዕሉ ጽምብል ናይ ዕዉት ጉባኤና ኮይኑ ኣሎ። ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ፡ ንፖሊቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ዳግማይ ብምድህሳስ ምስ መድረኽ ዘምጽኦ ምዕባሌታትን ናይ መጻኢ ጠለባት ቃልስን ብዘሳኒ፡ ኣድላዪ ዝተባህለ ምምሕያሻት ኣተኣታትዩ ኣጽዲቑ ኣሎ።

ንህልዊ ፖሊቲካዊ ኩነታት ኤርትራ፣ ንኣህጉራውን ዞባውን ምዕባሌታት፣ ንጉዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ደምበ ተቓውሞ ብምጽናዕ፡ ናይ ፖሊሲ ሕቶታት መሊሱ ፖሊቲካዊ ውሳኔታት ኣሕሊፉ ኣሎ። እዚ ፖሊቲካዊ ውሳኔታት ናብ ህዝቢ ንምዝርጋሑ ኣብ ምድላው ይርከብ።

 ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ፡ ኣብ ምዝዛም ዕዮታቱ ንመጻኢ መድረኽ ዝመርሕ ብ35 ቀወምቲ ኣባላትን 5 ተጠባባቕትን ዝቖመ መሪሕነት ማእከላይ ባይቶ መሪጹ ናብ ስራሕ ኣዋፊሩ ኣሎ። ከምኡ’ውን ናይ ሰልፊ ጠቕላል ኦዲተር ብማእከላይ ባይቶ ክምረጽ ሰልፋዊ ሓላፍነት ኣሰኪምዎ ኣሎ።

እዚ ዝመጸና ዘሎ መድረኽ ከምቲ ዝሓለፈ ናይ ገዛእ ርእሱ ብድሆታትን ዕድላትን ሒዙልና ከም ዝመጽእ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ቅድሜና ዓበይቲ ናይ ተጋድሎ ጸዋዒት ከቐምጥ እዩ። ካብ ጉባኤ ዝወጽእ ዘሎ መሪሕነት ሰልፊ፡ ነቲ ብድሆታት ብቓልስን ብተዓጻጻፍነትን ክሰግሮ፡ ነቲ ዕድላት ድማ ካብ ኢድ ከየምለጠ ብዓቢ ሃገራዊ ወኒ ኣብ ግዜኡ ክጥቀመሉ እምነየሉ።  

ኣሓትን ኣሕዋትን ደቂ ሃገር!

ሕጂ’ውን ምልካዊ ስርዓት ሓይሉ ከደልድል፡ ህላዌኡ ከስፍሕ፡ ብሓይሊ ብረትን ገንዘብን ንኽገዝእ ክጽዕር እዩ። ከምቲ ዝለመድናዮ ግዜያዊ፡ ተገላባጢ፡ ሰረት ዘይሕዝ ብሓሶት ዝተላዕጠጠ፡ ፖሊቲካ እናተጠቐመ ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ፡ ሎሚ ናብ ቻይና ጽባሕ ናብ ሩስያ፡ ዕንክሊል ምባል ክቕጽል እዩ። ግን’ከ ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ ከም ምልካዊ ስርዓት ተፈሊጡ መተካእታ ናይ ምንዳይ ፋሕተርተር ከም ዘሎ ንግንዘብ ኣሎና።  ዝሰፍሐ ክፍሊ ህዝብና ከኣ ፖሊሲ ምልኪ ናይ ዓቕሊ ጽበት ፖሊሲ ምዃኑ ኣለልዩ፡ ከም ቅቡጽ ስርዓት መዋጽኦ ይፍትሽን  ፍታሕ የናዲን ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና።  እምበኣርከስ ነዚ ኣብ ደንደስ ውድቀቱ ዘሎ ስርዓት ንምዕላው፡ ሓድሽ መሪሕነት ሰልፊ ምስ  ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ነዚ ዝእከብ ዘሎ ቁጥዐ ህዝቢ ቀንዲ ሓይሉ ምዃኑ ኣለልዩ ናብ መሬት ኣማን ከብጽሓና ንምነየሉ።  

ኣብዚ ታሪካዊ መድረኽ፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተዋፊሮም ንምልኪ ዘገልገሉ፡ ምስ ህዝቦም ጠጠው ክብሉን ኣብ ጐድኒ ህዝቦም ክዓርዱን፤ እቶም ብጉልበትን ብገንዘብን ንምልኪ ከሐይሉ ዝጸንሑ፡ ዓቕምታቶም ስሒቦም ኣብ ጥቕሚ ህዝቢ ከውዕልዎ፤ ካብዚ መድረኽ’ዚ ጸዋዒትና ነመሓላልፍ። ውዒሉ ሓዲሩ ሃገርና ኤርትራ፡ ናጽነታ ዓቂባ፡ ልዑላውነታ ኣኽቢራ  ብሰላም ናብ መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ክትኣቱ እያ።  ካብ ሕጂ ነዚ ተርእዮ’ዚ ንዳሎ።

ኣሓትን ኣሕዋትን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል!

በቲ እንኽእሎን ብዘሎና ዓቕምታትን ጉዳይና ንምዕዋት ንውፈር።   ኣይንድከም፡ ኣይንዛነ፡ ውራይና ከነዕውት፡ ክሰልጠና፡ መንፈስ ምትሕብባር፡ ኣስሪጽና  መንገዲ ዓወት ንሓዝ። ንዘይልህልህ ስራሕ፡ ንበገስ።  

እምበኣርከስ ነዚ ዕድል’ዚ ተጠቒመ፡ ከምቲ ኣነ ብ2019 ናይ ኣቦ መንበርነት ቦታ ክሕዝ እንክለኹ ብኽልተ ዝጸንሑ ኣቦ መንበራት መንግስተኣብ ኣስመሮምን ክፍለዝጊ ገብረመድህንን፡ ዝተገብረለይ ምልላይ፡ እንሆ ድማ ሎሚ ተራይ ኮይኑ፡ ልሙጽ ናይ መሪሕነታዊ ሓላፍነት ከካይድ ምዃነይ ቃል እናኣተኹ ንዝተመርጸ ሓድሽ ኣቦ መንበር ሰልፊ  ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ  ንኣኼበኛታት፡ ብኡ ኣቢለ ከኣ ንመላኣ ህዝቢ አላሊ። ርሑስ ምስግጋር ሓላፍነታት ይኹነልና!

መኸተና ይቐጽል፡ ኣድንነትንና ይድደልድል፡ሕሓ ሓድነትና ይደልድል  ጽንዓትና፡ ቅኑዕ ንምስራሕ ዓመት ትብዓት ይግበረልና!

 ንሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ሓድሽ ኣቦ መንበር ሰልፊ፡  ብጣቓዒት ኣናሰነኹ ናብ መድረኽ! እጽውዕ

 ስለ ዝሰማዕኩምኒ ብልቢ የመስግን

ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ

ኣቦ መንበር ሰልፊ

29 ሓምለ 2023