ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023 ብኣቦ መንበር ሰዲህኤ ዝቐረበ መግለጺ

2023-07-30 07:17:40 Written by  ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 863 times

መልእኽቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023

ክቡር ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል

ክቡራት ኣባላት መሪሕነትን  ወከልቲ ውድባትን ህዝባዊ ምንቅስቓስን

ክቡራንን ክቡራትን ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2023

ክቡራት ተሳተፍቲ ፈስቲቫል

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን  ተቓለስቲ ደቂ ሃገር

ካብ’ዚ ኣኻኻቢ መድረኽ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ንብመላእኩም ተሳተፈቲ፡ ብኣኹም ኣቢለ ድማ ንመላእ ተቓለስቲ ደቂ ሃገር እንቋዕ ነቲ ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ኣቋሪጹ ዘጽነሐ ፈስቲቫል ምክያድ ኣብቅዓና እናበልኩ፡ ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ:  መሪሕነቱን መላእ መሰረታቱን ናይ ቃልሲ ሰላምታን   ሰናይ  ምንዮትን አመሓላልፈልኩም።  እዚ ፈስቲቫል’ዚ ሰልፍና ዘአንግዶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዋንነትን ኣስተንግዶን  ኩሎም ኣካላት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንመጻኢ መደረኻት ብዝሰፍሐን ብዝዓዘዘን ክካየድ ባህግን ትጽቢትን ከም ዘሎና ከኣ ኣቐዲመ ክሕብር እፈቱ።  

እዚ እንካይዶ ዘሎና ፈስቲቫል፡ ድሕሪ ሓያሎ ጸገማትን ብድሆታትን ከነካይዶ ምብቃዕና፡ ዓቢ ትርጉም ሓዚሉ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ብሓደ ሸነኽ ናይ ንህላዌን ቀጻልነትን ጸረ ምልካዊ ቃልሲ ዘንጸባርቕ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ሸነኩ ከኣ ንሓድነት ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ኣዕኲኹ፡ ንግዝኣተ ምልኪ ኣሕጺሩ ንዝለዓለ ዓወታት ዲሞክራስን ሰላምን ዘማዕድወሉ መነሃርያ ንቖጽሮ። 

ናብዚ መድረኽ’ዚ ምብቃዕ  ግን ቀሊል ጉዕዞ ኣይነብረን። ድሕር’ቲ ብ2019 ዝተኻየደ ፈስቲቫል ነዊሕ ከይጸንሐ፡ መላእ ዓለም ብቀታሊ ዝኾነ ለበዳ ሕማም ኮርና ቫይሩስ ተጠቂዓ። ማሕበራዊ መነባብሮ ናብ ሓድሽ ሕሞት ኣትዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጥቓ 7 ሚልዮን ኣህዛብ ብሰሪ እዚ ለበዳ ሞይቶም።  ኩሉ ምንቅስቓሳት  ወዲ ሰብ ንነዊሕ እዋን  ተዓጽዩ።  ህይወት ከምቲ እንፈልጦን ዝለመድናዮን ዘይኮነ፡ ተነጽሎታት ዝወረሮ ዓበይቲ ለውጥታት ኣግሂዱ። እዚ ክሳብ ክንደይ ከም ዝዓንቀፈና፡ መግለጺ ዘድልዮ ኣይኮነን። ምቁራጽ ፈስቲቫላትና ንባዕሉ ህያው ምስክሩ እዩ።

ኣብ መወዳእታ 2020 ከኣ ዞባና ኣብ ኣዕናዊ ውግእ ናይ ኢትዮጵያ ኣትያ። ናይ ኣማእት ኣሽሓት ህይወት ናይ ምልዮናት ምዝንባልን ዕንወት ዝመግለጺኡ ውግኣት ተኻይዱ። ስርዓት ኤርትራ ኣብዚ ውግእዚ ጣልቃ ብምእታው ንህዝብና ናብ ኲናት ሸሚሙ፡ ንመናውሒ ስልጣኑ ክጥቀመሉ ኣብ ልዕሊ ምፍታኑ፡ ምስ ጎረባባቲ ኣህዛብ  መሪር ጽልእን ቅርሕንትን ክፍጠር፡ ከቢድ ክሳራታት ክስዕብ ገይሩ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ’ውን ንኤርትራዊ ልዑላውነትን ሃገራዊ ክብርን ዝህድድ ናይ ጥልመት ወስታታት፡ ብጋህዲ ኣርእዩና እዩ። ስለዚ ከኣ  ኣብ ሃገርና ቅሳነት ተሳኢኑ፡ ግፍዒታት በዚሑ፡ ጥሜትንን ስእነተ ስራሕን ትምህርትን ሳዕሪሩ፡ ብፍላይ መንእሰያትና ከኣ ናብ ስደትን ከርተትን ከምርሑ ይግደዱ ኣለዉ።

ብተወሳኺ ኣብ ሃገር ሱዳን እውን ዘይሓላፍነታዊ ኣህላቂ ኲናት ኣብ ማእከል ርእሰ ከተማ ሱዳን ብምውላዑ፡ እቲ ሃገር ኣብ ዝወርዶ ዘሎ ክሳራ፡ ንዓና ኤርትራውያን እውን መዕቆቢትን መዐንገሊትን ዝጸንሐት ሃገር ተሳኢና፡ ኤርትራዊ ናብ ሓድሽ ከርተት ኣትዩ ኣሎ። እዚ ጸገማት’ዚ ክሳብ ክንደይ ክብደት ከም ዝጸንሖ ምግምጋም ከቢድ ኣይኮነን። ምስ’ዚ ኩሉ ጸገማት፡ ግን ከም ተቓልስቲ መጠን ክንቅጽል ነይሩና። ኣብ ልዕሊ ኣሻዅ ባይታ ክንስጉም ነይሩና።  ሓድነትና ዓቂብና፡ ጽንዓት ተቐኒትና፡  ተስፋ ተዓጢቕና  ስለ ዝቐጸልና፡ እንሆ እቲ ዝተዓጸወና ከነርሑ፡ እቲ ዝተነፍገና ንምምልላስ ከኣ ዳግማይ ክንእከብ ክኢልና ኣሎና። ነዚ ዕድል ብምጥቃም እምበኣር ነቲ መሪር ውሒጥናዮ፡ ነቲ መጻብቦ ሓሊፍናዮ እቲ ዕንቅፋት ሰጊርናዮ ኣሎና እንበልኩ፡ ዮሃና ንቀጻልነት ጸረምልካዊ ፍታሓዊ ቃልሲኹም እብል።  

ክቡራት ተሳተፍቲ ፈስቲቫል፡

እወ  ከምዚ ዝተባህለ ድሕሪ ስለስተ ዓመት ምርኻብና ጸጋ እዩ። ከይዘከርናዮ ክንሓልፍ ዘይንኽእል ግን፡ ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ፈጺምና  ክንመልሶ ዘይንኽእል ዓበይቲ ክሳራታት ገጢሙና እዩ።  ኣብዘን ቁሩብ መዓልታት እቲ እንፈትዎ ብጻይና፡ እቲ  ትሕተ ዕድመ እንክሎ ንቃልሲ ኤርትራ ዝተጸንበሮ፡  እቲ  ፈስቲቫል መጸ በቲ ጥዑም ድምጺ ሳክስፎን መጋባእያታትና ክኸፍት ዝለመድናዮ ሓውና ተቓላሳይ ኣለም ኣሰፋዉ (ዕምባባ) ኣብዚ ከተመ ፍራንክፈርት፡ ብሞት ተፍልዩና። እንተዝህሉ ሕጂ ኣብ መንጎና ምሃለወ ዝብል ዕግበት ኣሎኒ። ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ውራይ’ዚ ዘይፍለያናን ዘይፍለዩናን ክቡራት ብጾት ከሲርና ኣሎና። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ጥራይ፡ ሓፍትና ኣልጋነሽ ያዕቆብ፡  እሓዋትና ፍስሓ ገብረማርያም (ሓወቦይ)ን፡ ኣልኣዛር ቀለታን ሕጂ ምጽብጻቦም ዝጸግም ሓያሎ ካልኦትን ኣፋኒና። ኮታ ኣብ መላእ ዓለም ዝኽሰርናዮም መቓልስቲ ኣለዉና።  ብሕማም ምኽንያት ኣብ መንጎና ክርከቡ ዘይከኣሉ ወፉያት ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ዝከታተሉና ብጾት እውን ኣለዉና። ብዘይካዚ፡ እንፈትዎም ደቅና፡ መሓዙትናን ፈተውትናን፡ ወለድና፡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን፡ ኣዝማድና ዘኸፈልና ኣሎና። ንኩሎም’ዞም ዝሓለፉ እምበኣር ቅሰኑ፡ እቲ ዝጀመርኩሞ ንቕጽሎ ኣሎና ብማለት ካብ’ዚ መድረኽ’ዚ መንግስተ ሰማያት የዋርስኩም ዝብል ትምኒትና ነመሓላልፍ። ነቶም ብቐረባ ይኹን ብርሑቕ፡ ዝሓለፉ ወገናትና ኣፋኒና፡ ብህይወት ነዚ ክንርኢ ዝበቓዕና ድማ ጽንዓት፡ ዘይቀብጽ ተስፋ፡ ከምኡ’ውን ዛዛሚ ዓወት ይሃበና።

ክቡራትን ክቡራንን ደቂ ሃገር፡

እዚ ዝሓለፈ እዋን ምስቲ ኩሉ’ቲ ዝተገልጸ  ብድሆታቱ፡  ናይ ዘተን ናይ ልዝብን እዋን ነይሩ ክብል እደፍር። ርግጽ’ዩ ሽቶ ምምስራት ሓደ ጠራናፊ ስፊሕ ሃገራዊ ጽላል ኣይሃረምናዮን። ግንከ ኣብ መንጎ ውድባትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኣወንታዊ ምቅርራብ ዝተራእየሉ መድረኽ ነይሩ። ኣብ 2020 ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምውህሃዳዊ ስራሕ ጀሚሩ፡ ኣብ 2021 ምስ ዓለምለኻዊ ምስንቅስቓስ ይኣክል ንምቛም ሰፊሕ ጽላል ዝዓለመ  ሓባራዊ ዘተ  ጀሚሩ። እዚ ተበግሶታት’ዚ ነቲ ትጽቢት ዝተነብረሉ ሽቶ እኳ  እንተዘይሃረመ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ተቓውሞ ዝነበረ ምትፍናን ኣዝሒሉ፡ ንምክብባር ኣበሪኹ፡ ንዝያዳ ልዝብን ዘተን  ዘስተናግድ መድረኽ ክኸፍት በቂዑ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ መንጎ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ድሕሪ’ቲ ተፈጢሩ ዝጸንሐ ፍልልያትን ደውታን፡ ብምርድዳእን ብእንካን ሃባን፡ ሓደ ንኩሎም ኣካላት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ዝጥርንፍ ግዜያዊ መሪሕነት ፖሓኤ ክቐውም ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ምህላዉ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ዓቢ ፍርያት እዩ። ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ዝተበታተነ ሃለዋት ወጺኡ፡ ግዜያዊ መሪሕነት ብምምስራት ብሓደ ድምጺ ክዋሳእን ናብ ሓደ ጠራናፊ ጽላል ክሰግርን፡ ምውሳኑ ዓቢ ዝላ እዩ’ሞ፡ ካብ ኩሎም ደቂ ሃገር፡ ደገፍን ምትብባዕን ከስንዮ ንጽውዕ። ብዘይካ’ዚ ዝተፈላለዩ ወገናት ደለይቲ ፍትሒ ብዛዕባ ሓድነትን ምምእካል ጸረ ምልካዊ ምንቅስቓሳትን ዝነጥፉ ኣካላት ምህላዎም ኣፍልጦ ከይሃብና ክንሰግር ኣይንኽእልን። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ምንቅስቓሳት ከይዱ ከይዱ ናብ ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ስራሕ  ክምዕብልን ኣብ መንጎ ዝቀራረቡ ሸነካት ውሁድ ስራሕ ክካየድን ንትምነ።

እቲ ሓቂ  ኣብ ኤርትራና ሓደ ዓማጺ ጸረ ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት ምህላዉ እዩ።  ኣብ ምፍልላይ ክንነብር ዝደልየና ንሱ ሓደ ጸላኢ ጥራሕ’ዩ ዘሎ።  ጸረ ህዝቢን ምዕባሌኡን ንሱ ጥራይ እዩ። ስለ’ዚ ኣብ ቅድሚ ምልኪ፡ ኩሎም ካልኦት ሃገራውያን ሓይልታት መሓዙትን መሻርኽትን እዮም። ሃይማኖታት፡ ብሄራት ኣውራጃታት ከምኡ’ውን ጾታን ዕድመን ደቂ ሰባት፡ ክፈላለ ይኽእል’ዩ ግን ንሕድሕዶም ዝከባበሩ መላፍንቲ እምበር ተጻረርቲ ኣይኰኑን።  ምልካዊ ጸላኢ ጥራሕ’ዩ ከም ተጻረርትን ዘይራኸቡን ክነብሩ ዝምነን ዝደልዮምን።   ምኽንያቱ ምልኪ ብባህሪኡ፡  ኣብ ሕብረተሳባዊ ሕማምን ምፍልላይን፡ ኣብ ናይ ሕድሕድ ምንቛት እዩ ዝነብርን ዝዓኩኽን። በዚ መሰረት ፍታሕ ጸገማት ኤርትራ፡ ምልጋስ ምልካዊ ስርዓት ምዃኑ ኣለሊና፡ ኩልና ኣካላት ደምበ ተቓውሞ፡ ብልሒ ቃልስና ነቲ ሓባርዊ ዕዮ ናብ ምዕዛዝን፡ ነቲ ስርዓት ኣብ ምስዓርን ክጽመድ ኣለዎ። ምልጋስ ምልኪ ምስ ዝሳለጥ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ጉዕዞ ዝትክእ ኩነት፡ ጉዕዞ ሰላም፡ ጉዕዞ ፍትሒ፡ ጉዕዞ ምዕባሌን ብልጽግናን፡ ክኸውን እዩ።  ኣድህቦና ምልጋስ ምልካዊ ስርዓት ይኹን !

ዝከበርክንን ዝኸብርኩምን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል

እዚ ፈስቲቫል፡ ኣብ ጽባሕ ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እነካይዶ ብምህላውና፡ ንባዕሉ ጽምብል ናይ ዕዉት ጉባኤና ኮይኑ ኣሎ። ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ፡ ንፖሊቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ዳግማይ ብምድህሳስ ምስ መድረኽ ዘምጽኦ ምዕባሌታትን ናይ መጻኢ ጠለባት ቃልስን ብዘሳኒ፡ ኣድላዪ ዝተባህለ ምምሕያሻት ኣተኣታትዩ ኣጽዲቑ ኣሎ።

ንህልዊ ፖሊቲካዊ ኩነታት ኤርትራ፣ ንኣህጉራውን ዞባውን ምዕባሌታት፣ ንጉዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ደምበ ተቓውሞ ብምጽናዕ፡ ናይ ፖሊሲ ሕቶታት መሊሱ ፖሊቲካዊ ውሳኔታት ኣሕሊፉ ኣሎ። እዚ ፖሊቲካዊ ውሳኔታት ናብ ህዝቢ ንምዝርጋሑ ኣብ ምድላው ይርከብ።

 ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ፡ ኣብ ምዝዛም ዕዮታቱ ንመጻኢ መድረኽ ዝመርሕ ብ35 ቀወምቲ ኣባላትን 5 ተጠባባቕትን ዝቖመ መሪሕነት ማእከላይ ባይቶ መሪጹ ናብ ስራሕ ኣዋፊሩ ኣሎ። ከምኡ’ውን ናይ ሰልፊ ጠቕላል ኦዲተር ብማእከላይ ባይቶ ክምረጽ ሰልፋዊ ሓላፍነት ኣሰኪምዎ ኣሎ።

እዚ ዝመጸና ዘሎ መድረኽ ከምቲ ዝሓለፈ ናይ ገዛእ ርእሱ ብድሆታትን ዕድላትን ሒዙልና ከም ዝመጽእ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ቅድሜና ዓበይቲ ናይ ተጋድሎ ጸዋዒት ከቐምጥ እዩ። ካብ ጉባኤ ዝወጽእ ዘሎ መሪሕነት ሰልፊ፡ ነቲ ብድሆታት ብቓልስን ብተዓጻጻፍነትን ክሰግሮ፡ ነቲ ዕድላት ድማ ካብ ኢድ ከየምለጠ ብዓቢ ሃገራዊ ወኒ ኣብ ግዜኡ ክጥቀመሉ እምነየሉ።  

ኣሓትን ኣሕዋትን ደቂ ሃገር!

ሕጂ’ውን ምልካዊ ስርዓት ሓይሉ ከደልድል፡ ህላዌኡ ከስፍሕ፡ ብሓይሊ ብረትን ገንዘብን ንኽገዝእ ክጽዕር እዩ። ከምቲ ዝለመድናዮ ግዜያዊ፡ ተገላባጢ፡ ሰረት ዘይሕዝ ብሓሶት ዝተላዕጠጠ፡ ፖሊቲካ እናተጠቐመ ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ፡ ሎሚ ናብ ቻይና ጽባሕ ናብ ሩስያ፡ ዕንክሊል ምባል ክቕጽል እዩ። ግን’ከ ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ ከም ምልካዊ ስርዓት ተፈሊጡ መተካእታ ናይ ምንዳይ ፋሕተርተር ከም ዘሎ ንግንዘብ ኣሎና።  ዝሰፍሐ ክፍሊ ህዝብና ከኣ ፖሊሲ ምልኪ ናይ ዓቕሊ ጽበት ፖሊሲ ምዃኑ ኣለልዩ፡ ከም ቅቡጽ ስርዓት መዋጽኦ ይፍትሽን  ፍታሕ የናዲን ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና።  እምበኣርከስ ነዚ ኣብ ደንደስ ውድቀቱ ዘሎ ስርዓት ንምዕላው፡ ሓድሽ መሪሕነት ሰልፊ ምስ  ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ነዚ ዝእከብ ዘሎ ቁጥዐ ህዝቢ ቀንዲ ሓይሉ ምዃኑ ኣለልዩ ናብ መሬት ኣማን ከብጽሓና ንምነየሉ።  

ኣብዚ ታሪካዊ መድረኽ፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተዋፊሮም ንምልኪ ዘገልገሉ፡ ምስ ህዝቦም ጠጠው ክብሉን ኣብ ጐድኒ ህዝቦም ክዓርዱን፤ እቶም ብጉልበትን ብገንዘብን ንምልኪ ከሐይሉ ዝጸንሑ፡ ዓቕምታቶም ስሒቦም ኣብ ጥቕሚ ህዝቢ ከውዕልዎ፤ ካብዚ መድረኽ’ዚ ጸዋዒትና ነመሓላልፍ። ውዒሉ ሓዲሩ ሃገርና ኤርትራ፡ ናጽነታ ዓቂባ፡ ልዑላውነታ ኣኽቢራ  ብሰላም ናብ መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ክትኣቱ እያ።  ካብ ሕጂ ነዚ ተርእዮ’ዚ ንዳሎ።

ኣሓትን ኣሕዋትን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል!

በቲ እንኽእሎን ብዘሎና ዓቕምታትን ጉዳይና ንምዕዋት ንውፈር።   ኣይንድከም፡ ኣይንዛነ፡ ውራይና ከነዕውት፡ ክሰልጠና፡ መንፈስ ምትሕብባር፡ ኣስሪጽና  መንገዲ ዓወት ንሓዝ። ንዘይልህልህ ስራሕ፡ ንበገስ።  

እምበኣርከስ ነዚ ዕድል’ዚ ተጠቒመ፡ ከምቲ ኣነ ብ2019 ናይ ኣቦ መንበርነት ቦታ ክሕዝ እንክለኹ ብኽልተ ዝጸንሑ ኣቦ መንበራት መንግስተኣብ ኣስመሮምን ክፍለዝጊ ገብረመድህንን፡ ዝተገብረለይ ምልላይ፡ እንሆ ድማ ሎሚ ተራይ ኮይኑ፡ ልሙጽ ናይ መሪሕነታዊ ሓላፍነት ከካይድ ምዃነይ ቃል እናኣተኹ ንዝተመርጸ ሓድሽ ኣቦ መንበር ሰልፊ  ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ  ንኣኼበኛታት፡ ብኡ ኣቢለ ከኣ ንመላኣ ህዝቢ አላሊ። ርሑስ ምስግጋር ሓላፍነታት ይኹነልና!

መኸተና ይቐጽል፡ ኣድንነትንና ይድደልድል፡ሕሓ ሓድነትና ይደልድል  ጽንዓትና፡ ቅኑዕ ንምስራሕ ዓመት ትብዓት ይግበረልና!

 ንሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ሓድሽ ኣቦ መንበር ሰልፊ፡  ብጣቓዒት ኣናሰነኹ ናብ መድረኽ! እጽውዕ

 ስለ ዝሰማዕኩምኒ ብልቢ የመስግን

ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ

ኣቦ መንበር ሰልፊ

29 ሓምለ 2023

Last modified on Sunday, 30 July 2023 09:39