ብኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ሽማገለ ዝቐረብ መገለጺ

2023-07-31 05:35:50 Written by  ጸሃየ  ቀለታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 545 times

ዝኸበርካ ክቡር ኣቦ መንበር  ሰ. ዲ. ህ. ኤ.         

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጽኑዓት መትከላውያን ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ.

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣጋይሽ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023 :

እንሆ ጽቡቅ ዕድል ረኺብና ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ዕጽዋን ተነጽሎን ጸላኣይና መተንፈሲ ኣፍጫኡን ኣፉን ይሸፈን ከቢድ ኣሰንባዲ እዋናት ኣሕሊፍና ሎሚ ከም ንቡር ክነብርን ክዋሳእን ኣብቅዓና እናበአልኩ ብስም  ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል ኤርትራ : ሙዉቅ ናይ ቃልሲ ሰላምታን ናፍቆትን የቅርበልኩም ። እዘን 3ተ ግናያት ዓመታት 2020 – 2021-2022 ሙሉእ ዓለም ራዕድን ፍርሕን ተዋሒጥና ዝነበርናሉ : እዚ ግናይ ኮቪድ 19 ልዕሊ 20 ሚልዮን ቀዚፉልና ጌና እውን 100 ብ100 እውን ኣይጠፋኤን ዘሎ። ወዮ ሙጹዕ መከረኛ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ከኣ ብሰንኪ ንቅጽናን ሙኩሕ ዲክታቶራዊ ወተሃደራዊ ምሕደራኡ ብኣብያ ተነጺሉ ክንደይ ከም ዝመቱ ክሳብ ሎሚ ኣይተሓበረን።  እቲ ዝገርም እዚ ግናይ ኮቪድ ንኩሉ ፍጡር ወዲ ሰብ ብኣልማማ ሓያሉ ድኹሙ ሃብታሙ ድኹኡ ዓቢኡ ንኡሱ :  ብግዲ ኣፉን ኣፍንጯኡን ተሓቲሙ ኣሕሊፍዎ ኣሕፍናዮን ። ኮይኑ ሎሚ ልዑል ምስጋና ንኣምላክን ንረብን ይኹን ገጸ ገጽን ብኣካልን ኣራኸበና እኔና እንቃዕ ደስ በለክን በለና ።

መትከላውያን ጽኑዓት ዉፍያት ብጾት ኣባላት ሰ. ዲ. ህ. ኤ. እንቃዕ ደስ በለኩም ደስ በለና  !!!! ዮሃና ዮሃና ዕዉት ታሪኻዊ 4ይ ጉባኤ  መርሓባ ሓዳስ መሪሕነት : መርሓባ ሓዲሽ ኣቦ መንበር  ብጻይ ገብረእዝጊኣቢሔር ተወልደ  !!! ብልቢ እየ ዘፍቅረኩም ዝኣምነኩም ኣጀና ኣጆኹም !!!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ በዓል :

በዓልና በዓልኩም ኣብ ትሕቲ ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ምዕባሌን ንቃለስ !!! ዝብል ጭርሖ ክንኸፍቶ ከሎና እቲ መሪር ዕንወትን ብርሰትን ዝወርዶን ዝሳቀን ዘሎ ህዝብናን ሃገርናን ቀዳምነት ሰሪዕና ንድሕነቱ ዕጥቂ ሓበራዊ ቃልሲ ሕጂ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ክትግበር ዘሎዎ ህጹጽ ጸዊዒትና ንምቅራብ እዩ።

ጽቡቅ ዕድልን ተስፋ ዝህብን እቲ እንምነዮን ትጽቢት ዉጹዕ ህዝብናን ዝኾነ : ምውህሃድ ፖሊቲካ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ቃልሲ ተሳማሚዖም ብምስማዕና ድርብ ዮናን ዮሃና ንብል።

እዚ ታሪኻዊ ፈስቲቫል ስለምንታይ ክዳሎ ተወሲኑ ንምታይ ዕላማ ዝብል : ንኣብ መሪር ስደት ዓዲ ጋና ፋሕ ብትን ኢልና ካብ ስደራናን ካብ ባህልና ካብ ፍትውቲ ሃገርና ተነጺልና ስለ ዘሎና : መራኸቢ መደዓዓሲ ዶ ይኾነና ዝበል ቅዱስ ዕላም ኮይኑ ዓመት ዓመት ብዘይሕለሉ ኣባላት ተ. ሓ. ኤ. መሰረታት ጀርመን ዝተወስደ ተበግሶ ሎሚ መበል ብልክዕ መበል 34 ዓመትና ኮይኑ ፥ ማለት ብ1986 ኣብ ድራይ ኣይሽ ክብርቲ ሃገረ ጀርመን እዪ ተጀሚሩ። ገለ ካብኣቶም ከኣ ኣብ መንጎና ስለ ዘሎው ልቢ ከኣ ነምስግናም።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን  ተሳተፊቲ በዓልና !!!

 ሎሚ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ብጨካን ኣረመናዊ ኢሰብኣዊ ግፍዕታት ኣርዒዱን ዲሂሉን : ብመሪር ወተሃደራዊ ምምሕዳራት ጨቂኑ ዝጭፍጭፎ ዘሎ : ምንጩ ካብ ንግሆ ኣብ ሳሕል ከሎ ዝትግበሮ ዝነበረ : ብዝኸበደ እከይ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ከኣ ሎሚ ኣብ ሳዋ ይትግበር ኣሎ ። ሳዋ እታ ግናይ ዓባይ ጥፋት ጸያቅት መንእሰይ መደበር ግፍዕታት ኣብ ሰዊት ዕድሜኦም ካብ ስድራ ቤቶምን ባህሎምን መንጢልካ ፈልያ : ኣብ ሕሉፍ ጨካን ጭኮና ዉልቀ ጥቅሚ ፡ ሕጽቦ ሓንጎል ኣብ ጽልእን ቅርሕንትን ዝተመርኮሰ ጉጉይ ታሪክ ኣንጻር ጀብሃን : ኣንጻር ወያነን ዝምልመሉላ ጠንቃም መደበር ሳዋ እያ። ኣብኡ ዝፍጸም ግናይ ተግባራት ግፍዕታት ከምቲ ንሕና ኣብ ኣጻምእ ሳሕል  ዘሕለፍና ክትፍትኑ ኣሎኩም ተባሂሎም ኣብ ጎቦታትን ስንጭሪታትን  ሃኪክ ቀትሪን ለይትን ኣብ ጸጸር ኣዝሓፍ እናበሉ ብፈፈው ከርተት ኣቢሎም ሓንጎሎም ዝሰሓቱ ኣሽሓት መንእሰይ ፡ ክሳብ ኣብ ዕሸላት ደቂ ኣንስትዮ ዝወረደ ሓደገኛ ሕማም ንድሕሪት ዘኽይድ እውን ተራእዩ ። እንሆ ከኣ ካባኡ ዝነፈጸ መንእሰይ ስድራኡ ባህሉ ልውህናኡ ኣጥፊኡ ንነብሱ ጥራሕ ከድሕን : ኣብ ሰሃራን ሲናይን ሊብያ ባሕርን ይሃልቕ። ብሓቂ ዘገርም እዩ ተማሃራይ ኣብ 11 ክፍሊ ሓንጎሉ ንፍልጠት ዝኽፈተሉ መንጢልካ ፡ ንዝነበረ ተስፋ ጽባሕ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ዓጺኻ : ብቅዓት ትምህርቲ ኣልቦ ጀነራላት ዝመሓደራ ኮሎጃት ምብታን ምርማስን መደበራት እየን ። እዚ ገባቲ ህግደፍ ብመደብ እዩ ነቲ ዩኒቨርሲቲ ዓጽዩዎ ብመደብ ናይ ሳሕል ኣርዒዱ ዲሂሉ ኣደንቂሩ ባርያ ናቱ ንምግባር ክምችኣሉ ብመጽናዕቲ ዝገበሮ እዩ ። መንእሰይ እንተተማሂሩ ዲሞክራሲ ሕጊ ክፈልጥ እዩ ኽሓተኒ እዩ ዝብል ዓቢ ራዕድን ፍርሕን ስለ ዘሎዎ እዩ ። ስለዚ ሳዋን መደባታን ደው ክብል ኣሎዎ ።

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋት !!!  ንዓይ ዝድንጽወኒ  ንዓለም እውን ዘሰንበደ --- እዋእ እቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝብና እዚ ኩሉ እናረኣየን እናሰምዔን  እንታይ እዩ ዓዚምዎ ? ? ?  ከመይሲ ኣብ ናይ ብሓቂ ከሓዲ ቅብጸት ካብዚ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጥልመቱን ደጋጊሙ ተገቲሩ ዓው ኢሉ ሓቢሩና እዩ ፡ ንኣብነት ብ1991 ናይ ዉድባት ሓሸውየ ክብል ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ዋእ እቶም ደቅና ኸ ኣይበለን። ብ12 ሓምለ 1994 ንሃገር ነጻ ምዉጻእ ኣካላሎም ዝጎደሉ ደቁ ኣብ ቅድሚ ዓ ይኑ ብጥይት ክርሽረሹ ከሎዉ ደቀይ ዘይበለ ። ብ2001 11 ሚኒስተራት 26 ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ዒራርዒሮ ክዳጎኑ ከለዉ  ህዝቢ ይኹን ስድራቤታቶም  ክሳብ ሕጂ ትም ፡ ጸኒሑ  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ብታሕጋስ ተፈንጪሑ ኣፍልቡ እናሃረመ ድሕሪ ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገር እየን ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ ፡ ኣይከሰርናን ንኣቢ ኣሕመድ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ሙሉእ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ ወዘተ ። ኣብዚ ብዕሊ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝሓወሳ ክሕብር ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ክሳብ ሎሚ ጥርቅም ኢሉ ኣሎ። ቀጺሉ ብክቱር ንዕቀት ኣብታ  እንኮ ቲቪ ቀሪቡ ብተደጋጋሚ ዝሃቦ መግለጺ ሃብቲ ፋብሪካ ባሕሪ ዓሳ ሉል ወደብ ድሕሪ 32 ዓመት ከም ዘየለዉ ብምድግጋም ሓቢሩ እሞ መን እየ ዝሕተተ ዝብል ክሳብ ሎሚ ህዝቢ ናይ መን በደል ኣይበለን ። መዓስ እዩ ዕሕሕ ዝበል ? ? ? ንዓለም ገረሞ ዶ ክንብሎ ?

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን-

ዉጹዕ ህዝብና ረዳኢ ኣልቦ ኮይኑ ይጸንት : ዉቅብቲ ሃገርና ረዳኢ ኣልቦ ኮይና ንግሆ ንግሆ ትፈርስ ትዓኑ እንሃ !!! ንሕና ደቃ ብሂወትና ከሎና እናረኤና እናሰምዕና እንታይ ንገብር ኣሎና ? ? ? ልክዕ ከምቲ ጨቃኒ ስርዓት 32 ዓመት ንሃገርናን ህዝብናን ዝሕቅቅ ዘዕኑን ዘሎ ንሕናውን ብታሪኽ ተሓተቲ ካብ ምኻን ኣይነምልጠ ኢና : እቲ ምንታይ ሲ ኣብ ክንዲ  ሰሚርና ብሓደ ኢድ ንሓደ ጸላኢና እንቃለሶ ንግሆ ንግሆ ሙቁራት ኣስማት እናመረጽና ክንፋናጨል ንርከብ እኔና ። እንታይ እዩ ዝግበሮ ? ? ?  ምብዛሕ ማሕበራት ዉድባት ደው ይበል !!!  ብግብሪ ብሓደ ንበገስ !!! ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘሎ ይጽዉዕ የእዊ ኣሎ !!!

ሕጂ እውን !!!

 ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ምዕባሌን ንቃለስ !!!

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !!!

ዊድቀት ንጨቃኒ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ

 

 

 

 

Last modified on Monday, 31 July 2023 07:41