ናጻ ክታበትን ማስክን ዝተሓስመ ኢሳያስ፡ ትኳቦ ስርናይ ይቕበል

2023-07-30 06:53:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 703 times

መራሒ ሩሲያ ፕረሲደንት ቪላድሚር ፑቲን ኤርትራ ንእትርከበን 6 ሃገራት ኣፍሪቃ 50 ሺሕ ቶን ስርናይ ብናጻ ከም ዝልግሰለን ገሊጹ። እተን ምስ ኤርትራ ናይቲ ልግሲ ተጠቀምቲ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ዚምባብወ፡ ማሊ፡ ሶማልያን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን  እየን።

 ፑቲን ነዚ ዝገለጸ ኣብቲ ብ27ን 28ን ሓምለ 2023 ዝተኻየደ 2ይ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩሲያን እዩ። ኣብዚ  “ንሰላም፡ ጸጥታን ልምዓትን” ብዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ፐተርስበርግ ዝተኻየደ ኣኼባ 17 መራሕቲ ሃገራትን 4 መራሕቲ መንግስታትን ዝርከብዎም 49 ተወከልቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝተረኽቡ ተፈሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ቃል ካብ ዘስምዑ ሓደ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ። ንሱ ኣብቲ ዘስመዖ ቃል ንብዙሓት ብዘገረመ፡ ካብ ፑቲን ንላዕሊ ብሓፈሻ ኣንጻር ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ከኣ ኣንጻር  ኔቶን ሕብረት ኤውሮጳን ዘራይ ሩሲያ ኮይኑ ቀሪቡ። ነቲ ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩኩረይንን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ድማ ውግእ ምዕራባውያን ኣንጻር ሩሲያ እዩ ኢልዎ።

ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝተዓዘቡ ከም ዝገለጽዎን ህዝቢ ኤርትራ እውን ከምዘይዝንገዖ፡ ኢሳያስ “ናይ ገናዞ” ብዝብል ሕጫጨ፡  ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተፈላለያ ሃገራት ንህዝቢ ኤርትራ ዝተለገሰ ክታበትን ካልእ መከላኸሊ ናውትን ተሓሲሙ፡ ሎሚ ትኳቦ ስርናይ ሩሲያ ምቕባሉ፡ ንውግእ የዳልዎ ንዘሎ ሰራዊት ክቕልበሉ እንተዘይኮይኑ፡ ስኡን ኤርትራዊ ከዕንግል ሓልዮትን ይኹን ሓሳብ ከምዘይብሉ ርዱእ እዩ።

ቀንዲ ዝምድና ጉጅለ ህግደፍ ምስ ሩሲያ፡ በመንጽርቲ ኣብ ከባቢና ዝምዕብል ዘሎ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ህልውናኡ ንምዕቃብን ሓያል ጸግዒ ንምርካብን እንተዘይኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝረብሓሉ ዝምድና ንምፍጣር ኣይኮነን። ሩሲያ ብወገና ንኢሳያስ ትሕብሕበሉን ስርናይ ተስንቐሉን ዘላ ምኽንያት ማእከሉ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥቃም ዘይኮነ፡  ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ እሙን ተለኣኣኺ ንምጥራይ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣስታት 20 ሚልዮን ረዲአት ዝጽበን ዝተመዛባለን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ናይቲ ብሩሲያ ዝተለገሰ  ስርናይ ተጠቃሚት ዘይምዃና ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።

Last modified on Sunday, 30 July 2023 09:03