ኣሶሼት ፕረስ ኣሚር ኣማንን  ቶማስ እንግዳን ዝተባህሉ ሪፖርተርን ሰኣልን ጋዜጠኛታቱ ኣብ  ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ብ29 መጋቢት 2022 ብዋሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተፈትሑ ሓቢሩ። እዞም ጋዜጠኛታት ን4 ኣዋርሕ ተኣሲሮም ምስ ጸንሑ እዮም ነፍሲ-ወከፎም ብ60.000 (ስሳ ሽሕ) ብር ዋሕስ ተፈቲሖም፡  ክሶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ኮይኖም ክከታተሉ ተወሲንሎም።

ጉዳይ ናይዞም ጋዜጠኛታት ከጻሪ ዝጸንሐ ፖሊስ ንዝያዳ መርመራ ንቐጻሊ 2ተ ሰሙናት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕሉ’ኳ ሕቶ ኣቕሪቡ እንተነበረ፡ ቤት ፍርዲ ግና ናይቶም እሱራት ናይ ዋሕስ መሰል ተቐቢሉ፡  ክሲ ከይተመስረቶም ካብዚ ንላዕሊ ክእሰሩ ኣይግበኦም ብዝብል ፈቲሕዎም። እቲ ቤት ፍርዲ ክሳብ ጉዳዮም ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝወሃቦ ካብ ኢትዮጵያ ከይወጹ ኣጊድዎም። እዞም ጋዜጠኛታት ንኽንድዚ ግዜ ብዘይፈርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ ዘገደደ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣዊጁ ዝነበረ ናይ ህጽጹ ግዜ ኣዋጅ ምዃኑ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ተገሊጹ።

እዞም ጋዜጠኛታት ቅድሚ 4ተ ኣዋርሕ ተጠርጢሮም ዝተኣስሩ ምኽንያት  “ብፓርላማ  ኢትዮጵያ ፈጣሪ  ራዕዲ ንዝተባህለ  ጉጅለ ሸኔ ምስ ዓለም ኣፋሊጥኩምዎ”  ዝብል ከም ዝነበረ ተፈሊጡ። ጉዳይ ጋዜጠኛታት ዝከታተል ዓለም ለኻዊ ትካል ሲፒጀይ (CPJ)ን  ካለኦት ትካላትን እዞም ጋዜጠኛታት ንክፍተሑ ተደጋጋሚ መጸዋዕታ ከቕርቡ ጸኒሖም እዮም።

ቅድሚ ክልተ መዓልታት ክልተ ኣሜሪካውያን ኣባላት ፓርላም እዞም ጋዜጠኛታት ንክፍትሑ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም ነይሮም እዮም። ናይ ኣሚሪካ ብሄራዊ ፕረስ ክለብ ብወገኑ ቅድሚ 2ተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይፍርዲ ተኣሲሮም ዘለዉ ከም በዓል ታምራት ነገራት ዝኣመሰሉ  ጋዜጣኛታትን ናይ ፕረስ ኣካላት ብዘይቅድመ -ኩነት ይፈትሑ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ከም ዝነበሩ  ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ወገናት ናይዞም ጋዜጠኛታት ኣብዚ እዋንዚ ምፍታሕ ምስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊኣ ከይተጽድቖ ፈሪሓቶ ዘላ  RH-6600ን  S-3199ን ዝተሰየመ ሕግታት ዝተሕሓዝ እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ጋዜጠኛታት ንኣዋርሕ ምእሳርን ምፍታሖምን ክሳብ ክንድዚ ከዛርብ እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ግና ን10ታት ዓመታት ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ደሃዮም ከምዘይፍለጥ ዝዝከር እዩ።

ካብቲ ጌና ብዙሕ ምስሊ ኤርትራ ዝድውን ዘሎ ተርእዮታት ብመንጽር ብዝሒ ህዝባ ዝለዕለ ቁጽሪ ስደተኛ ዘመዝገበት ሃገር ምዃና ሓደ እዩ። ስደት ጠንቁ ብዙሕ ክኸውን እንከሎ ናይ ኤርትራውያን ስደት ዘይህዝባዊ ምምሕዳር ዘስዓቦ ምዃኑ ብመጽናዕቲ ኮነ ኣብ ባይታ ብዘሎ ዝድህሰስ መርተዖታት ዝተረጋገጸ እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሱም ኩነታት ስለ ዝፍለጥ ኤርትራዊ ስለምንታይ ከም ዝስደድ ዝሓትት ኣካል የለን።

ስደት ኤርትራውያን ዓቕሊ ጽበትን መተካእታ ምስኣንን ዝወለዶ ኮይኑ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዘቕንዕ እዩ። እቲ ዝበዝሕ ናብ ኣንፈት ሱዳንን ኢትዮጵያን ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዚያት ብዝተፈላለዩ ኣሃዛት ተረጋጊጹ እዩ። ብፍላይ እቲ ናይ ሱዳን ሓድሽ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ህግደፍ ዝተፈጥረ ዘይኮነ፡ ካብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ብሰንኪ ጭካነ ሓይሊ መግዛእቲ ዝጀመረ ነዊሕ ዝዕድመኡ እዩ። ናብዘን ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ምስዳድ ዝበዝሐን ዝቐለለን ካብ ዝኾነሉ  ኣብዘን ሃገራት ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝመሳሰል ህዝቢ ምህላዉ ሓደ ምኽንያት እዩ። ብቐሊሉ ብመሬት ምስ ኤርትራ ብሰፊሑ ዝዳወባ ምዃነን ድማ ካልእ ምኽንያት እዩ። እዘን ሃገራት ምስ ኤርትራ ብመሬት ዝራኸባ ምዃነን ስደተኛ  ናብኣተን ንክትኣቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብኣተን ስደተኛታት ኮኑ ተቓለስቲ   ብሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ክጭወዩን ክቕተሉን እውን ቀሊል እዩ። በዚ ምኽንያት ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተዳህሲስና ብፍላይ ኣብ ሱዳን ብናይ ሎሚ  ብህግደፍ ዝተቐንጸሉን ዝተጨውዩን ሓርበኛታት ብዙሓት እዮም። ኣብ ዝተፈላለዩ ግዚያት ካብ ሱዳን ዝተጨውዩ ሓርበኛታት፡ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕ (ወዲ ባሻይ)፡ ወልደማርያም ባህልቢ፡ ገብርሂይወት ቀለታ፡ ወልደስላሰ ቻንቹን ተስፋጋብር  ኣብራሃን  ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።

ኤርትራውያን ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2001 ናብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ክስደዱ ጀሚሮም። ኣብቲ መጀመርያ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ብላቴንን ደዴሳን ኣብ ዝበሃሉ ወተሃደራዊ መሰልጠንታት ተዓቚቦም ነይሮም። ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ረኺቦም ብወግዒ ክምዝገቡ ዝጀመሩ ግና  ኣብ ክልል ትግራይ ሽመልባ ኣብ ዝበሃል መደበር እዩ። እቲ ዋሕዚ ምስ ዛየደ ከኣ ሕንጻጽ፡ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ዝበሃሉ መደበራት ኣብ ዝተፈላልየ ግዝያት ተኸፊቶም። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ እውን ኣስሓይታን በርሓለን  ዝበሃሉ መደብር ኤርትራውያን ስደተኛታት ተኸፊቶም። ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝነበሩ ሰነዳት ይምስክሩ። እቲ መደበራት መሰረታዊ ቀረባት እንተላይ ትምህርትን ሕክምናን ብስሩዕ ኣብ ዘቕርበሉ ደረጃ በጺሑ ምንባሩ ይዝከር። በዚ መንገዲዚ ዝተወሰኑ ኤርትራውያን ናብ 3ይ ሃገር ናይ ምጥያስ ዕድል ዝረኸብሉ ኩነታት ከኣ ነይሩ።

ኣብ ትግራይ ብ24 ሕዳር 2020 ውግእ ምስ ጀመረ ግዳይ ካብ ዝኾኑ ወገናት ኣብ መደበራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐዳምነት ዝጥቀሱ እዮም። እቲ መደበራት ዝርከበሉ ከባብታት ቀንዲ ዓውዲ ውግእ ምንባሩ ከኣ ነቲ ዝወረዶም ጉድኣት ዝያዳ ኣግዲድዎ። ካብዚ ሓሊፉ ናይቲ ካብ ኤርትራ ክወጹ እንከለዉ ኣብ ዶባት ኣብ ኢዱ እንተወዲቖም ዝኣስሮምን ዝቐትሎምን ዝነበረ ህግደፍ ሰራዊት ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝተኸፈተ ውግእ ኣካል ምንባሩ ኣብ ልዕሊ እቶም ራሕሪሐምዎ ዝተሰዱ መንእሰያት ሕነ ከም ዝፈዲ ርዱእ ነይሩ። ብግብሪ ዝተራእየ ከኣ ከምኡ እዩ። ሰራዊት ትግራይ እውን ኤርትራውያን ብምዃኖም ሕቡእ ሓይሊ ህግደፍ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ስለ ዝተርጠሮምን ኣብ ነብሱ-ምክልኻል ስለ ዝነበረን   ዕቑባ ክኾኖም ኣይከኣለን። ብፍላይ መደበራት ሽማልባን ሕንጻጽን ሽዑንሽዑ እየን ተደምሲሰን። ኣብኣተን ዝነበሩ ስደተኛታት ከኣ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣሃዛት እንዳጠቐሱ “ክንድዚ ተቐቲሎም፡ ተደፊረን፡ ሃለዋቶም ጠፊኡ፡ ንብረቶም ዓንዩ” ዝብሉ ጸብጻባት የቕርቡ ነይሮም። እቲ ብቐጥታ ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት  ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ግና ነዚ ዝምልከት ንጹር ጸብጻብ ኣየቕረበን። ናይቲ ዕንወት ተሓታቲ መን ምዃኑ ድማ ኣየነጸረን። ነዚ ከም ምኽንያት ዘቕርቦ እቲ ቦታ ዓውዲ ውግእ ምስ ኮነ ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ  መራኸቢ መንገድታት ተቛሪጹ ሓበሬታ ዘይምርካቡ እዩ።

ኣብቲ ግዜ ውግእ ተሃስየን ተሪፈን ዝነበራ መደበራት ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ዓፋር ሎሚ ዳርጋ ኩለን ዓንየን እየን። ኣብኣተን ዝነበሩ ስደተኛታት ከኣ በብመንገዶም ናብ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ ከምኡ እውን ናብ ኣዲስ ኣበባን ካለኦት ከተማታት ኢትዮጵያን ፋሕ ኢሎም ኣለዉ። ኣብተን ዝኸድወን ቦታታት እውን ዋና ኣይረኸቡን። መግቢ፡ መጽለልን ሕክምናን ዘቕርበሎም ኣካል የለን። ውሑስ ናይ መንነት ወረቐት ዝህቦም ወይ መዓልቱ ዝሓለፈ ዘሕድሰሎ  ኣይረኽቡን። ዓቕሎም ምስ ጸበቦም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ክሰግሩ ኣብ ዶባት ኢድ መልሻን ፍሉይ ሓይልን ኣምሓራ ዝወደቑ፡ ናብ ሰራዊት ህግደፍ የረክብዎም ከም ዘለዉ ሓበሬታ ኣሎ። ሰራዊት ህግደፍ ከኣ ተቐቢሉ ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ናብ ዝርከብ መዳጐኒ ከም ዝወስዶም ይንገር። ዕድል ረኺቦም ኣብ ሱዳን ዝበጽሑ እንተኾኑ እውን መንበሪ ፈቓድ ዝህቦም ኣካል ስለ ዘየለ፡ ኣብ ጐደናታት ብፖሊስ እናተገፈፉ ክኸፍልዎ ዘይክእሉ ዓቐን ገንዘብ ክኸፍሉ ወይ ክእሰሩ ይግደዱ። ብኻእል ወገን ኣብዚ ግዝያትዚ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ግብጺ ኣደዳ ማእሰርትን ምጥራዝን ይኾኑ ምህላዎምን ዓለም ርእያ ከምዘይረኣየት ኮይናቶም ምህላዋን ካልእ መልክዕ መግለጺ ናይቲ ደድሕሪኦም ዝስዕብ ጸገም እዩ። እዚ መልክዓቱ ዝቐያይር ጸገማት ምስ ብዙሕ ኩነታት ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ሕመረቱ ስደት ግዝያዊ መዕገሲ እምበር መሰረታዊ መፍትሒ  ዘይምዃኑ ዘርኢ እዩ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ክንደይ ውረድ ደይብ ኣርሒቖም ምስ ከዱ፡ ንኣብነት ኤውሮጳ ምስ በጹሑ እውን ሳዕቤን ስደት ቀልጢፉ ኣይገደፎምን። ሎሚ ብዙሓት ኤርትራውያን ናብራ ስደት ምጽዋር ስኢኖም  ነብሶም ቀቲሎም ወይ ሰብ ሓዳር ተቓቲሎም ዝብል ፍጻመታት ይስማዕ ምህላዉ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ስንብራት ስደት ቀልጢፉ ዘይሓዊ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኩሉ ግዜ ደድሕሪ ስደተኛታት እዩ ዝስዕብ። እንተሰሊጥዎ ኣብ ዘዝኣተውዎ ኣትዩ ይቐትሎምን ይጨውዮምን። ካብኡ ሓሊፉ ከኣ እንተስ ኣዕሽዩ እንተስ ኣፈራሪሑ ናይ ኣታዊ ምንጩን ናይ ስለያ መሳርሒኡን ካብ ምግባሮም ድሕር ኣይብልን። መጻኢ ዕድሎም ከይገደሶ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ኣብ ልዕሊኦም ዝኣልሞ ዘሎ ተንኮላት ንእኩይ ተግባራቱ ዘርኢ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይርጉእ ህይወት ኤርትራዊ ስደተኛ፡ እቲ ናይዚ ኩሉ ጠንቂዚ ስደትን ሳዕቤኑን ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ቀጻሊ እዩ። መሰረታዊ መፍትሒኡ ከኣ ነቲ ጠንቂ ምውጋድ ጥራይ እዩ።

ኦባሳንጆ ፍሉይ ልእኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ዴቪድ ሳተርፊልድ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብ21 መጋቢት 2022 ኣብ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ከም ዝተመያየጡ መርበብ ሓበሬት ኢትዮጵያ ኢንሳይደር (Ethiopia Insider) ኣፍሊጣ። ክልቲኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተራኸቡ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣንበሳደር ሳተርፊልድ ንካለኣይ ግዜ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበርዎ መገሻ እዩ።

ኣምበሳደር ሳተርፊልድ ብናይ ኣሜሪካ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኖም ዝተመዘዙ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ኮይኑ፡ 21 መጋቢት 2022 ን2ይ ግዜ እዮም ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም። እዞም ክልተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ፡ ምስ ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ምስ ወከልቲ ዓለም ለኻዊ ለገስቲ ትካላትን ከም ዝመያየጡ ናይ ኣሜሪካ  ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ከም ዝገለጸ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ኣስፊራ።

ኣምበሳደር ሳተርፊልድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተውሉ ዕለት፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ናጀርያዊ ኦሊሰንጎ ኦባሳንጆን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓላፊ ፖለቲካ ሰላምን ጸጥታን፡ ምስ ኮሚሽነር ባንኮሌ ኣዴዎዬን ተዘራሪቦም። እቶም ኣምበሳደር ምስዞም ክልተ ኣፍሪቃውያን ሓለፍቲ፡  ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ወሲኾም ብዛዕባ ዞባዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዘራሪቦም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቶም ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚሽነር ፖለቲካ ሰላምን ጸጥታን፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ናብ ኣሜሪካ ከይዶም ምስ ዝተፈላለዩ ኣሜሪካውያን ሓለፍቲ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ጸገማት ኣፍሪቃ ተመያይጦም ከም ዝተመልሱ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

እዞም ፍሉይ ልኡኽ ኣሚሪካ ምስ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቒን ኣመሓዳሪት ዓለምለኸ ትካል ረዲአት ኣሜሪካ (USAID) ሳማንታ ፓወርን እውን ተራኺቦም። ሰማንታ ፓወር ኣብቲ ርክብ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ መመሊሱ ዝገድድ ዘሎ ቅልውላው ከም ዘስግአን ጠቒሰን። ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ መስርሕ ምጉዕዓዝ ረዲአት የዕንቅፉ ከም ዘለዉ ከሲሰን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦባሳንጆ፡ ረዲአት ናብ ትግራይ ዝሓልፈሉ ኩነታት ንምፍጣ ብዛዕባ ዝከኣለሉ ንምዝርራብ ብ21 መጋቢት 2022 ናብ ክልል ዓፋር ከም ዝኸዱ ዝተፈላለያ ማዕከናት ሓቢረን። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናይ ቻይና  ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ መንጎ ሃገሮምን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ ሓባር ኣኼባ ንምውዳብ ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ ተፈሊጦሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ከይተሓለለ ብዕድሚኡ ነዊሕ፡ ብትሕዝቶኡ ከኣ መሪር ቃልሲ ኣካይዱ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ብምጭባጡ፡ ንናይ ካለኦት ናይ መሰል ቃልሲ ኣፍደገ ዝኸፈተ ናይ ጽንዓትን ተወፋይነትን ኣብነት ምዃኑ ዓለም መስኪራትሉ እያ።  ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ፖለቲካውን ወታደራውን መልከዓት ዝሓዘ ዋጋ ክኸፍል እንከሎ፡ መበግሲኡ ጽልእን ቅርሕንትን ዘይኮነ፡ ዝተነፍጎ ኣብ ጉዳዩ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕድል ባዕሉ ናይ ምውሳን ናጽነቱን መሰሉን ንምምላስ ዝዓለመ ኣርሒቑ ዝጥምት እዩ ነይሩ።  ህዝቢ ኤርትራ ዝተወስዶ ናጽነት፡ ልኡላውነትን ሓርነትን ንምጭባጥ6t ኣብ ዓውዲ ውግእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ  ሕጋዊ መድረኽ እውን ብመንገዲ ህዝበ-ውሳነ 1993 ብዘየማትእን ንድሕሪት ብዘይምለስን ዕምቆት ኣመስኪሩ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ናብ ቃልሲ ክነቅል እንከሎ ክሓፍሶ ዝኣመሞ ናጽነትን ልኡላውነትን ጥራይ ኣይነበረን። ቀጻሊ ምውሓስ ኩሉ ሓርነታቱ እውን ቀንዲ ሕመረት ቃልሱ ምንባሩ ካብ መጀመርታኡ ዘነጸሮ እዩ፡  ኣብ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ዲሞክራሲ፡ ምኽባር ኩሉ ዓይነት መሰላትን ማዕረ ተጠቃምነት ጸጋታት ሃገሩን ኣብ ጽኑዕ መሰረት ምህናጽ፡ ከም መግለጺ ሓርነት ክረጋገጸሉ ትጽቢት ዓወቱ ነይሩ። ብኣንጻርዚ ከምቲ ደሓር ዝተራእየን ሎሚ እውን መመሊሱ ዝስዕርር ዘሎን እቲ ምስ መግዛእቲ ተጓሒፉ ዝተባህለ ኩሉ ዓይነት ወጽዓ፡ ድሕሪ ናጽነት እውን መልክዑ ቀይሩ ቀጺሉ። ብዘይካ ውሱን ስግኣትን ተቓውሞን እዚ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ተርእዮ ከጋጥምዩ ዝብል ግምት ኣብ ትጽቢት መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ኣይነበረን። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ ሃለዋት ኤርትራን ህዝባን ድሕሪ ናጽነት ክትሓስብ እንከለኻ ነቲ ዝረአን ዝድህሰስን ምእማኑ ዘጸግመካ።

ድሕሪ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብግብሪ ዝተጋህደ ኩነታት ብጽሞና ምስ ተዓዘበ፡ ምዕባለታት ካብ ትጽቢቱ ውጻኢ ይኸይድ ከም ዝነበረ ዝሕብር ምልክታት ክርዳእ ግዜ ኣይወሰደሉን። ብመሪር ቃልስን መስዋእትን ዝሓለፈ ህዝቢ ብኸምቲ ናይቶም ዝሰዓሮም ገዛእቲ ምምሕዳር ክትካእ ምእማኑ ስለ ዘጸገሞ ግና፡ ኩነታት ክቕየር እሞ ክርህወኒ እዩ ዝበል ተስፍኡ ቀልጢፉ ምሉእ ብምሉእ ኣይቀሃመን። ግዜ እዳነወሐ ምስ ከደ ግና ከምቲ “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይንስ ኣይትሓብእን” ዝበሃል፡ ነቲ ምእማኑ ዘጸግም ጥልመት ህግደፍ ክግንዘቦን ናይ ግዜ መግዛእቲ ውጽዓ መልክዑ ቀይሩ እንደጋና ከም ዝመጸን ክርዳእ ናይ ግድን ኮይንዎ። እንተኾነ ማዕረቲ ዝተረደኦ ንጉጅለ ህግደፍ ብሓባርን እሞ ድማ ብዝዓመረ ቅልጡፍ ድምጺ “መንገዲ ትስሕት ኣለኻ’ሞ ሕሳብካ ግበር” ክብሎ ግዜ በሊዑ።  ካብዚ ሓሊፎም ገለ ወገናት፡ “ግዜ ንሃቦ፡ ካብ ዝነበርናዮ ኣይከፈኣናን፡ ኣብ ባዶ ካዝና እዩ ስልጣን ተረኪቡ” ብዝብሉ ግርህነት ዝወለዶም ኣበሃህላታት፡ ህግደፍ ኮነ ኢሉ ይፍጽሞ ንዝነበረ ሸርሕታት እናሸፈኑ ስለ ዘሻደንዎ ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ተግባሩ ከምዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ክቃላዕ  ግዜ በሊዑ። እቲ ወጻዒ ከኣ ነዚ ምዝንጋዕን ሓልዮትን ህዝቢ ኤርትራ መዝሚዙ በቲ ግጉይ ጐደና ልዕሊ ናይቶም ህዝብና ዝሰዓሮም መግዛእታዊ ስርዓታት ንኽብሕት ዕድል ረኺቡ። ወዮ “ኤርትራዊ ኮይኑስ እንተ ሓመቐ ካብ  ባዕዳውያን ገዛእቲ ዘይሓይሽ ምምሕዳር ኣይክመጽእን እዩ” ዝብል ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብቲ ዝገመቶ ወጻኢ ኮይኑ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ በቶም ታሪኽ  ጽንዓቱን ምረት ቃልሱን ዝፈልጡ ወገናት “ልኡላውነት ኣውሒሱስ፡ ሓርነት ዝተነፍጎ ህዝቢ” ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣንጻር ሓርነት ህዝቢ ይኸይድ ከም ዝነበረ ይርዳእ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነስ ኮነ ኢሉ ዝሃንደሶ መንገዲ እዩ። ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ካብ ተነፍጎ ከምቲ ኣንጻር መግዛእቲ ናይ ምቅላስ ልማዱ ኣንጻሩ እውን ከም ዝቃለስ ኣይሰሓቶን። ካብዚ ተረድኦዚ  ነቒሉ ከኣ ኣቐዲሙ ናይ ህዝቢ ናይ ቃልሲ ዓቕሚ ንምድኻም፡ ብዓንተብኡ ብግሁድን ብስዉርን ዓመጸኛ መርበቡ ዘርጊሑ። ህዝቢ ኤርትራ ሓላፍነቱን ሓላፍነት መንግስትን ተረዲኡ ንከይቆጻጸሮ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዝዝርጋሕ መቆጻጸሪ ሰነድ ሕገ-መንግስቲ ቅድም ዓጊትዎ ደሓር ከኣ “ሞይቱስ ተቐቢሩ” ኢሉ ዓዲ ኣውዒልዎ። ከምቲ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ዝበሃል ድማ ነቲ ኣብ ሓደ እዋን ሕገ-መንግስቲ ኣጽዲቐ ኢሉ ዝተነየተሉ ሰነድ፡ ደሓር ከኣ ባዕሉ ቀቲሉ ቀቢርዎ። እዚ ዘመልክቶ እቲ ቅድም  ሕገ-መንግስቲ ምጽዳቑ እውን  ንመዳሀለልን መዕደጊ ግዜን  እምበር ካብ ልቢ ዝነቐለ ከምዘይነበረ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ህዝቢ ሓቢሩ ብዛዕባ ጉዳዩ ከይዝቲ መሰል ውዳባን ሓሳብካ ምግላጽን ኣጊዱ። ናይ ዘይመንግስታዊ ሚድያ ምዕጻውን ጋዜጠኛታተን ምእሳርን እውን ካልእ ስልቲ ምድኻም ሓይሊ ህዝቢ ነይሩ። ናይ ዜጋታት ምእሳር፡ ምስዋርን ስልታዊ ቅንጸላታትን ድማ ምስዚ ደሚርካ ዝረአ እዩ። ኣብ ሕብረተሰብ እቲ ከም ህግደፍ ንዝኣመሰለ ጸረ ህዝቢ ምምሕዳር በዲህካ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዝግበር ቃልሲ መሪሕ ግዘ ዘለዎ  ክፍሊ መንእሰይ እዩ። ህግደፍ መንእሰይ ኤርትራ ንገሊኡ ኣብ ዘየንቀሳቕስ መጀመርታኡ እምበር መፈጸምታኡ ዘይፍለጥ ወታደራዊ ኣርዑት ምጽማድ ወይ ዓዱ ገዲፉ ንክስድድ ምድፍፋእ ከኣ ካልእ ናይ ህዝባዊ ቃልሲ ሕቖ ንምስባር ዝተማህዘ ምንባሩ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ዓንዳሪት ህግደፍን መስካሪ እዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ኣብ በዓል ሱዳን ንዕዘቦ ዘለና ኣብ ኣደባባያት ከተማታት ኤርትራ ወጺኡ ምእንቲ ለውጢ ዝወፍር ዝተወደበ መንእሰይ ኣለናዶ? ኢልካ ምሕታት ናይ ግድን እዩ። እቲ መልሲ ከከም መላሲኡ እዩ። ዝተዳኸመ ዕድል ምዃኑ ግና ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኮነን። ኣብ ክልላት ኢትዮጵያ፡ ትግራይ፡ ዓፋር፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝዋጋእ ኤርትራዊ መንእሰይከ ኣሎዶ? ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ ግና ብዘየማትእ “እወ” እዩ። ነዚ ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ኣእታውነት ሰራዊት ህግደፍ ክሳብ መቃድሾ ዝመጥዎ ወገናት’ውን ኣለዉ። ስለዚ ነቲ “ልኡላውነት ኣውሒሱስ፡ ሓርነት ዝተነፍጎ ህዝቢ”  ዝብል ብሂል ናብ “ሓርነቱን’ውን ብቃልሱ  ዘውሓሰ  ዕቱብ ህዝቢ” ናይ ምቕያሩ ሓላፍነት ናይቲ ሓርነቱ ዝተነፈገ ውጹዕ ህዝቢ እዩ።

Tracks to Mekele 18.03.2022

ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ፡ ናይ ኢትዮጵያ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሪ ብምጥቃስ ብ17 መጋቢት 2022፡ 23 ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ረዲአት ዝጸዕና መካይን ካብ ከተማ ሰመራ ዓፋር ናብ ከተማ መቐለ ከም ዘቕነዓ ሓቢራ። በቲ ሓበሬታ መሰረት እተን 20 መግቢ እተን 3 ከኣ ነዳዲ ዝጸዕና እየን።

መርበብ ኣዲስ ስታንዳር በወገና ናብቲ ጉዳይ ቅርበት ብዘለዎም ኣካላት ኣጻርየዮ ከም ዝበለቶ፡ እተን ዓበይቲ መካይን ድልዋትኳ እንተለዋ ጉዕዞ ናብ መቐለ ዝጅምራ ግና 18 መጋቢት 2022 እዩ።

እቲ ብዛዕባዚ ጉዳይ፡ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዝገለጾ፡ ድሕሪ ሕጂ ነቲ ኣቕርቦት ንምዝያድ ረዲአት ጽዒነን ናብ ትግራይ ዘቕነዓ መካይን ኣብ መዓልቲ ናብ 40 ክብ ክብላ እየን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ 17 ኣብ ምቕራብ ሰብኣዊ ረዲአት ዝነጥፋ ኣህጉራዊ ትካላት ካብ 16 መጋቢት 2022 ጀሚረን ናብ ትግራይ መድሃኒት፡ ናይ ሕክምና መሳርሕን ናይ መግቢ ኣቕርቦትን ከጓዕዛ ፈቓድ ረኺበን ኣለዋ።

እዚ ሓዲሽ ሰብኣዊ ረዲአት ናይ ምቕራብ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለያ ሰብኣዊ ኣካላትን፡ ዋላኳ ብነፈርቲ መድሃኒ ናብ ትግራይ ምቕራብ ቀጻሊ እንተሎ፡ ብሰንኪ ስእነት ነዳዲ ብፍላይ ናብቲ ገጠራት ይበጽሕ ከም ዘየለ ብምሕባር ምሕጽንታ ምስ ኣቕረባ እዩ።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ፡ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም በወገኖም ብ16 መጋቢት 2022 ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዋላኳ ትካሎም 95 ሜትሪክ ቶን መድሃኒት ናብታ ብውግ ዝተሃስየትን ኣብ ዕጽዋ ዘላን  ክልል ትግራይ ክጐዓዝ እንተዳለወ፡ ብመንግስቲ ፈቓድ ስለ ዘይተዋህበ ክሰልጥ ከምዘይከኣለ ሓቢሮም ነይሮም።

ናብ ክልል ትግራይ ረዲአት ዝጐዓዘሉ መንገዲ ብክልል ዓፋር ስለ ዝኾነን ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ዓፋርን ዝካየድ ውግእ ቀጻሊ ስለ ዘሎ እዚ ኣቕርቦት ክቋረጽ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ምስጢራዊ ልኡኽ ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚ ሓደ ወርሒ  ናብ ኣዲስ ኣበባ ገይሹ ከም ዝነበረ፡  ኢትዮ-ፎረም ዝበሃል ዘይመንግስታዊ መድያ፡ መጽሐት ፎረይን ፖሊሲ ብምጥቃስ፡ ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2022 ፈነውኡ ሓቢሩ። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ ናይዚ ምስጢራዊ  ልኡኽ ኣባላት እቶም ልሙዳት፡ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራን ኣቶ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ናይ ህግደፍ ፖለቲካዊ ሓላፍን ፖለቲካዊ ኣማኻሪ ዲክታተር  ኢሳያስ ኣፈወርቅን እዮም።

ኢትዮ-ፎረም ከም ዘስፈሮ፡ ናይዚ ምስጢራዊ መገሻ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዓላማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ ምዕራባውያን ዲፕሎማት ንምርኻብ እዩ ነይሩ። ምስጢራዊ ልኡኽ ህግደፍ፡ ኣብቲ ምስ ምዕራባውያን ዲፕሎማት ዘካየዶ ርክባት፡ ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ ክኣትው እንከሎ፡ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ውግእ ክሳብ ዝውዳእ ብሓባር ክቕጽሉ ስምምዕ ከም ዝነበሮም ገሊጹ።  ብናይ ህግደፍ ልኡኽ ተረድኦ ናይቲ ውግእ መወዳእታ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ክሳብ ዝጠፍእ ምቕጻል ከም ዝነበረ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋንዚ ምዕራባውያን መግስታት ንመንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡  “ውግእ እንተቐጺልካ ረዲአትን ልቃሕን ከነቋርጸልካ ኢና” ይብልዎ ስለ ዘለዉ ዝተበገሰሉ ዕላማ ከየዕወተ፡ ናይ  ዘተ መፍትሒ መንገዲ  ይመርጽ ኣሎ። ስለዚ  እዚ ተጽዕኖኹም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቋርጹልና ናይ ምባል ዓሻ ተልእኮ  ከም ዝነበረ እቲ ዜና ኣስፊሩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ህግደፍ፡ ኣምሓራ ኣብቲ “ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምጥፋእ” ዝብል ዕላማ ጸኒዑ ከም ዘሎን ህግደፍ ንኣምሓራ ንምስልጣንን ምዕጣቕን መደብኳ እንተለዎ፡ እንተኾነ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ክቕጽል ቅሩብ ሰለ ዘይኮነ፡ እቲ ንሰራዊት ትግራይ ምስዓር ወይ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ዝብል መደብ ክትግበር ከምዘይከኣለ፡ እዚ ሕቡእ ልኡኽ ህግደፍ ብዘይሕፍረት ንምዕራባውያን ዲፕሎማት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምጥቃስ ምሕጽንታ ከም ዘቕረበን ሰማዒ እዝኒ ከምዘይረኸበን ዜና ኢትዮ-ፎረም ገሊጹ።።

እቲ ዜና ኢትዮ-ፎረም ኣብ መወዳእታ ከም ዝጠቐሶ፡ ናይ ዞባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ክረጋገጽ እንተኮይኑ፡ ናይ ኤርትራ ብጽሒት ወሳኒ ስለ ዝኾነ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንርኢቶ ህግደፍ ኣብ ግምት ኣእትየን ተጽዕነኦን ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከልዕላን እቲ ውግእ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ክሳብ ዝፈትሕ ንክቕጽል ዕድል ንክህባን ከም ዝተማሕጸነ ተጠቒሱ።

(እዞም ኣብ ቅድሚት ደው ኢሎም ዘለዉ፡ ካብ ጸጋ ናብ የማን፡ ደመቀ መኮነን: ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣደም ፋራሕ)

ሰልፊ ልጽግና ካብ 11 ክሳብ 13 መጋቢት 2022 ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ጉባአኡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ፕረሲደንት (ኦሮሞ)፡ ኣቶ ኣደም  ፋራሕ (ሱማሌ)ን ኣቶ ደመቀ መኮነን ሓሰን (ኣምሓራ)ን፡ ከም ምክትል ፕረሲደንታት ብቐጥታ ከም ዝመረጸ ናይቲ ሰልፊ ልሳናት ሓቢረን።  ኣብዚ ጉበአኡ 225 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ መሪጹ። እዚ ማእከላይ ኮሚተ ከኣ ካብ ውሽጡ 45 ዝኣባላቱ ፈጻሚ ሽማግለ ከም ዝመረጸን ከምኡ እውን 11 ዝኣባላቱ ናይ ኢንስፐክሺን ኮሚተ  ከም ዝተመረጸ ናይቲ ሰልፊ ተሓቢሩ። ቅድሚ ምርጫ ኣብይ ኣሕመድ ናይቲ ሰልፊ ኣቦመንበር፡ ኣቶ ደመቀ መኮነን ምክትል ኣቦመንበር ኣቶ ኣደም ፋራሕ ከኣ ናይቲ ሰልፊ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ እዮም ነይሮም። ካብቶም 45 ኣባላት ፈጻሚ 8፡ ካብቶም 11 ኣባላት ኢንስፐክሽን ከኣ 1 ደቂ ኣንስትዮ እየን። እዚ ሰልፊ ብልጽግና ንሰፊሕ ተሳተፎ ደቂ ኣንስትዮ በቲ ዝጀመሮ ከምዘይቀጸሎ ከም ዘመልክት ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ርኢቶ እዩ። ናይቲ ሰልፊ መራሒ “ፕረሲደንት” ምባሉ ኣብ መጻኢ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ፓርላሜንታዊ ናብ ፕረሲደንታዊ ናይ ምቕያሩ መደብ ከም ዘሎ ዘመላኽት እዩ ዝብሉ ብዙሓት እዮም።

ካብቶም ኣብ ፈጻሚት ተጠቒሶም ዘለዉ እሞ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝግበር መንግስታዊ ናይ ሓላፍነት ምቅይያራት ዝለዓለ ጽፍሒ ክሕዙ እዮም ዝበሃሉ፡ መብዛሕቶም ቅድሚ ጉባአ እውን ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ዝነበሩ እዮም። እቶም ቅድሚ ጉባአ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ነይሮም ኣብዚ ሓድሽ መሪሕነት ዘይኣተዉ መብዛሕትኦም ካብ ኣምሓራ እዮም።  ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው፡ ኣቶ ኣብርሃም ቧያለውን ኣቶ ላቀ ኣያለውን ከኣ ካብቶም ዝተገለፉ ኣምሓሩ እዮም።

እዚ ጉባአ ኣብ ርእሲቲ ናይ ሰልፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ምጽዳቑ ብዛዕባቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ውግእ ኩነታት ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ፡ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ክልል ትግራይን ንዘሎ ውግእ ብዝምልከት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ዘርዚሩ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሑ ኩሉ  ዕድላት ክጥቀም እቲ ጉባአ ከም ዝወሰነ፡ ናይቲ ሰልፊ ናይ ህዝባውን  ወጻኢን ርክባት ሓላፊ  ዶ/ር ቢቂላ ሁሬሳ  ኣፍሊጦም።  ምስ ኤርትራ ንዘለዎም ዝምድና ኣብ ዝምልከት ከኣ ኣብቲ ድሕሪ ጉባአ ዝወጸ ደምዳሚ መግለጺ “ምስ ኤርትራ ዘለና ዝምድና ከነሕይሎ ኢና ዝብል ሓሳብ ኣለና”  ዝብል ሓረግ ካብ ምስፋር ሓሊፉ፡ እቲ ዝምድና ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ዘለዎ ደረጃ ኣይጠቐሰን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ንመስርሕን ውጽኢትን እቲ ጉባአ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብትሪ ይነቕፍዎ ኣለዉ። ካብቶም ዝተመርጹ ካብ ብሄር ኦሮሞ ወይ ኦሮሞ ዝተሰማምዓሎም ኣባላት ካልእ ብሄራት ምዃኖም፡ ብልጽግና ጉባአ ከየካየደ ተመሪጸ ኢሉ ክሳብ ሎሚ ክመርሕ ምጽንሑ፡ እቲ መስርሕ ምርጫ እቶም ፕረሲደንትን ምክትላትን ኮይኖም ዝተመርጹ ባዕላቶም ዝመርሕዎ ምንባሩ፡ ከምኡ ከኣ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ምርጫ ንከምዚ ዝኣመሰለ ዘይሕጋዊ ኣካይዳ ኣፍልጦ ምሃቡ ካብቶም ዝለዓሉ ዘለዉ ነቐፈታታት እዮም። ብሓፈሻ በዚ ጉባአዚ ኣቢልካ ዝመጽእ መሰረታዊ መፍትሒ የለን ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ብዙሓት እዮም።

ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን እንታይን ምንታይን ምዃኖም ካብ ዝበርህ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እዚ ክንብል እንከለና ከምቲ ገለ ኣባላት ህግደፍ ከሽኻዕልሉ ከለዉ፡ “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና”  ዝብልዎ ዝምድና ኣለዎም ማለትና ዘይኮነ “ዓይንን ሓመድን ወይ ሕቖን ከብድን”  ምዃኖም ንምብራህ እዩ። እቲ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ዘሎ ኩነታት እተዳህሰስካ”ውን ነዚ እዩ ዘነጽር። ናይዚ ኣበሃህላ መጥመሪ ከኣ “ህግደፍ ብጉጃላዊ ባህታኡ እምበር፡ ብህዝባዊ ውድዕነት ዘይምእዘዝ ጉጅለ እዩ” ኢልካ ዝጠቓለል እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ሕሱምን ዘይሓላፍነታውን ምምሕዳር ህግደፍ ዘሓልፎ ዘሎ ህይወት ክንድቲ ዝግብኦ ኣቓልቦ ሕብረተሰብ ዓለም ከም ዘይረኸበ ብግብሪ ክረአ ዝጸንሐ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ብፍላይ ኣብቲ መወዳድርቲ ዘየብሉ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ሓሓሊፉ ዝረአ  ዘይዕቱብ ድምጽታት ይስማዕ እዩ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉያት ተኸታተልቲ ኮሚሽነራት መዚዙ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክከታተል ምጽንሑ ውሱን ተገዳስነት ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። እንተኾነ እዞም ተኸታተልቲ  ኣካላት በብግዜኡ ከቕርብዎ ንዝጸንሑ ለበዋታትን መፍትሒ ሓሳባትን ዘይምትግባሮም ናይቲ ዘይምግዳስ ምልክት እዩ። እዚ ዘይምግዳስ ሓደ ንህግደፍ ካብ ዘሻህረትዎ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ወጻዒ ተግባራቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መሊኡ፡ ብፍላይ ናብ ጐረባብቲ ክፈስስ እንከሎ ግና ዓለምና ክትዛረበሉ ግድነት እዩ። ንሕና ግና ከምቲ “ላምሲ ፍርቂ ጐና ኣይትሰብሕን’ያ” ዝበሃል፡ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ገበናት ስለ እንፈልጦን ዘቐንዝወናን ህግደፍ፡ “ኣብ ከምዚ ዓይነት ዛዕባ ዘይሓላፍነታዊ መርገጽ ወሲዱ” ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ “ህዝበይ” ዝብሎ ዝጨከነ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክልውህ ስለ ዘይንጽበዮ፡ እንተ  ንምግራም ወትሩ ንግረም ኢና፡ ግና ኣይሕደሰናን እዩ። ቅድም ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ-ትግራይ ኢድ ምእታዉ፡ ሎሚ ኣብ ጉዳይ ዩከርይን-ሩሲያ ዝወስዶ ዘሎ ዓለም ዘስደመመ ዘይሓላፍነታዊ መርገጻት ከኣ ብኸምዚ ዓይኒ ኢና እንርእዮ።

ኣጀማምራን ኣተሓሕዛን ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን1998-2000፡ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ 2020፡ ሎሚ መርገጽ ህግደፍ ኣብ ውግእ ዩክረይን-ሩሲያ ኩሎም ኣብነታውያን መርኣያታት ኣሉታዊ ተግባራት ህግደፍ እዮም። ኣብዚ እዋንዚ በብኩርናዑ ዝውገዝ ዘሎ ኣሉታዊ መርገጽ ህግደፍ ክረአ እንከሎ “እዚ ደኣ ዘይ  ልሙድ ተግባሩ እዩ” ኢልካ እትሓልፎ እምበር፡ ከም ሓድሽ ተረኽቦ እትወስዶ ኣይኮነን። ምናልባት፡ ምስሊ ኤርትራን ክብሪ ህዝባን ናብ ንቡር ዝመልስ፡ ንጥዑይ ጉርብትናን፡ ዲፕሎማስያዊ ውሕልነትን፡ ኣብ ግምት ዘእቱን ኣህጉራዊ ሕግታት ዘኽብርን ስጉምቲ እንተዝነብር ግና “ሓድሽ ተርእዮ” ተባሂሉ ዝዝረበሉን ዝነኣድን መኾነ። እዚ ብህግደፍ ክመጽእ ግና ሕልሚ እዩ።

ምምሕዳር ህግደፍ ኤርትራዊ ጉዳይ ኣጀንዳኡ ካብ ዘይከውን ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ምናልባት ናይቲ ጉጅለ መራሒ ሓሓሊፉ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ክቐርብ እንከሎ ቀንዲ ቆላሕታ ዝህቦ ኢትዮጵያዊ ዛዕባ እዩ። ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት፡ ሃገር ንድሕሪት ተመሊሳ ከም ዘላ ዘረድኡ ባዕሉ ክዓሞም ዝነበሮ ብኩራታት እዩ ዝዝርዝር። እቲ ብኩራታት ብመን፡ መዓስን ብኸመይን ይምላእ ግና ከም ንዓኡ ዝምልከት ኣይወስዶን እዩ። እዚ ንጉዳይ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ዘዋደቖ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ቀረባን ርሑቕን ኣብ ዝእጐድ ህውከት ለኪሙ ንምጥፋእ  ኣብ ምእታው ግና ዝቕድሞ የለን። ኣብዚ ኩነታትዚ ከኣ ናይ ኣሉታ ኣጀንዳ ኮይኑ መዛረቢ ይኸውን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውግእ ብሰላም ከይፍታሕ እሞ ህውከተኛ ኣጀንዳ ከይስእን የዕለብጥ ኣብ ዘለወሉ፡ ውግእ ዩክረይን-ሩሲያ ኣጋጢሙ። ህግደፍ ኣብዚ ፖለቲካዊ መጋርያ ክጥበስ ግዜ ኣይወሰደሉን። በይኑ ዝውስን እምበር፡  ዘላዝቦ መንግስቲ፡ ባይቶ ኮነ ካቢነ ስለ ዘየብሉ ከኣ ንቕልጣፈኡ ዘብዘብ ወሲኽሉ። እቶም ኣብ ከምዚ ኩነታት ድምጾም ከስምዑ ዝግበኦም “ኣባላት መሪሕነት ህግደፍ፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ኣባላት ካቢነን” ዝብል ስማዊ መጸውዒ ዝሓዙ ኤርትራውያን ባእታታት ምስቲ ናይ ክሳብ ሕጂ “ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ” ናይ ምዃን ተመኩሮም ተደሚሩ ኣይመሰሎምን እምበር ጽባሕ ከም ዘሕትቶም ርዱእ እዩ።

ትርጉም ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ተደጋጋሚ ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ናይ ዩክረይን-ሩሲያ በጺሑ ሓድሽ ክኸውን እምብዛ ትጽበዮ ኣይነበረን። ኣብቲ ካብ 193 ሃገራት 141 ዝደገፋሉን 35 ዝተዓቀባሉን  ወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩኩረይን ዘውግዝ ውሳነ፡  ሩሲያ ባዕላ ምስ እትርከበን 5ተ ሃገራት ምቅዋሙ፡ ኣብቲ ካብ 47 ሃገራት 34 ሃገራት ዝደገፋሉን 11 ድምጸን ዝዓቀባሉን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዩክረይ ዘውገዘ ውሳነ ባይቶ’ውን ንሩሲያ ኣሰንዩ ምቅዋሙ ኣዝዩ ኣገራሚ ኣሉታዊ መርኣያ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። እዚ ከምዚ ዓይነት ጽሉል መርገጽ ዝወሰደ ጉጅለ፡ ነታ ን30 ዓመታት ኣንጻር መግዛእትን ግህሰት ኩሉ መሰላትን ተቓሊሳ ዝተዓወተትን ጋና ፍረ ጻምኣ መሊኣ ዘየስተማቐረትን ሓዳስ ሃገር ኤርትራ ዝውክል ምዃኑ ከኣ ነቲ ኣሉታዊ ኣዛራብነቱ ፍሉይ ይገብሮ።

እቲ ዘገርም እዚ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ዩክረይን-ሩሲያ ዝወሰዶ ኣቕጣጫ፡ ምስቲ ንኤርትራ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዘመዝገበት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ሰሜን ኮርያ ምስሊ ዝሓዘት፡ ብምዕጻው ናጻ ሚድያን ምእሳር ጋዜጠኛታተንን ተወዳዳሪ ዘይረኸብት፡ እንኮ ንዜጋታታ ክታበት ኮሮና ቫይረስ ዝኸለአት፡ እናተባህለት ብናይ ኣሉታ ኣብነት ክትግለጽ ንዝጸንሐት፡ ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ውግእ እውን ወራርን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ደጊፋ ዘድመጸት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር እናተባህለት ብሕማቕ ትለዓል ኣላ።

ህግደፍ ነዚ ኩሉ ኣሉታዊ ስጉምትታት ብእኩይ ሕሳብ እዩ ዝወስዶ። ኣብቲ ሕሳቡ ነቲ ንሱ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰታትን ኣብ ዘይጉዳዩ ኣትዩ ዝዋግኦ ዘሎን ቅኑዕ ንምምሳል ዝዓለመን እዩ። እቲ ዘሕዝን ግና ከምቲ፡ “ካብ ጸጊበን ዝዕንድራስ፡ ዝዕንዳራ ርእየን ዝዕንድራ ይበዝሓ” ዝበሃል፡ ደድሕሪዚ ጉጅለ ዝዓብዱ ኤርትራውያን ምህላዎም እዩ። ቀንዲ መልእኽትና ከኣ ናብዚኣቶም ኮይኑ፡ “ዳሕራይ ካብ ትጠዓሱ፡ ሎሚ ናብ ልብኹም ተመሊስኩም ዓገብ በሉ”  ዝብል መልእኽትና ንምትሕልላፍ እዩ።