መገሻ 7 ኣምበሳድራት ናብ መቐል፡ ስምዕታ ትካል መግቢ ዓለም፡

2025-02-12 19:45:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 331 times

ምስቶም ኣምበሳድራት፡ ካብ  ዝተገብረ ርክባት

ኣምበሳድራት 7 ሃገራት ብ11 ለካቲት 2025 ካብ ኣዲስ ኣበባ  ናብ መቐለ ክገሹ እንከለዉ፡ ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ናብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ስምዕታ ከም ዘቕረበ ካብ ከተማ መቐለ ተሓቢሩ። ነቶም ኣምበሳድራት፡  ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዴንማርክ፡ ጣልያን፡ ጀርመን፡ ፈረንሳን ሕብረት ኤውሮጳን ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ተቐቢልዎም። እቶም ኣምበሳድራት ኣብ መቐለ ምስ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ኣካል ግዝያዊ ምሕዳር ትግራይን ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ዝምራሑ ኣባላት መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን በበይኖም ተዘራሪቦም።

ኣብቲ ምስ ክልቲኦም ወገናት ዘካየድዎ ርክባት ዘልዓልዎም ዛዕባታት ተመሳሰልቲ ኮይኖም፡ ብሓፈሻ ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ ዝምልከት ኮይኑ፡ ብፍላይ ከኣ ምምላስ ብሰንክቲ ውግእ ዝተመዛበሉ  ስድራቤታት ናብ መረበቶም ዝምልከት ዘተኮርሉ ነይሩ። ብዘካዚ እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣካላት ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ዘሰክፍ ወጥሪ ከም ዝተዘራረቡ እውን እቲ ካብ መቐለ ዝተረኽበ ዜና ኣፍሊጡ።

እቲ ቀንዲ እቶም ኣምበሳድራት ብከምዚ ዝኣመሰለ ክብደት ናብ ትግራይ ንክገሹ ዘገደዶም፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ሕድሕድ ተጋሩ ፖለቲከኛታት፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን መመሊሱ ዝዓርግ ዘሎ ምስሕሓብ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ገሊጾም። እቶም ኣምበሳድራት ካብ መቐለ ምስተመለሱ ምስ ሰብመዚ ፈድራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዘራረቡ ትጽቢት ኣሎ።

እቶም ኣምበሳድራት ኣብ ርእሲቲ ምስ መራሕቲ ዘካየድዎ ርክባት፡  ብሰንኪ ውግእ ተመዛቢሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያዊ መዕቆብታት ኣደዳ ጥሜት፡ ስእነት መጽለልን ሕማምን ኮይኖም ዘለዉ  በጺሖም ጸገማቶም ከም ዝተዓዘቡ’ውን ተፈሊጡ።

እዚ ከምዝሉ እንከሎ ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ተመዛቢሎም ኣብ ከባቢ ሽረ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ  ካብ ዘለዉ ተጸበይቲ ረዲአት፡ “መጸንበሊ መበል 50 ዓመት ምምስራት ህወሓት” ብዝብል ነፍሲ ወገፍ ተመዛባሊ ስድራቤት 200 ብር ክኸፍል ወሲኑ ብግብሪ ምንቅስቓሱ ግጉይ ምዃኑ ዝገልጽ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። እቲ ትካል መልእኽቱ ዝመሓላለፈ ብመንገዲ ናይቲ ክልል ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ረዲአትን ኣቢሉ ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።

Last modified on Wednesday, 12 February 2025 20:59