መበል 38 ስሩዕ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ተኻይዱ
2025-02-16 13:40:27 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 216 timesንክልተ መዓልታት ዝጸንሐ መበል 38 ስሩዕ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ብ15 ለካቲት 2025 “ፍትሒ ንኣፍሪቃውያንን ብምምዝባል ዝተጐድአ ህዝቢ ኣፍሪቃን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ፡ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓመታዊ ኣኼባ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመት፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ፕረሲደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ፡ ናይቲ ሕብረት ፕረሲደንት ኮይኑ ክመርሕ ዝጸንሐ መራሒ ማውሪታንያ መሓመድ ኦውዝ ማሕሙድ፡ ሓድሽ ፕረሲደንት ናይቲ ሕብረት ኮይኑ ዝተመዘዘ መራሒ ኣንጎላ ጃኦ ሌረንዞ፡ ዝርከብዎ ወከልቲ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላትመደረታት ኣስሚዖም።
ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዘካየዶ 2ይ ክፋል ዕጽዊ ርክቡ፡ ነቲ ንዝሓለፉ 8 ዓመታት ዝመረሐ ቻዳዊ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መሓመት ፋቒ ኣፋንዩ፡ ኣብ ክንድኡ ንወዲ 60 ዓመት ጅቡታዊ መሓመድ ዓሊ የሱፍ ንዝመጽእ 4ተ ዓመታት ክመርሕ መሪጽዎ። ንኬንያዊ መወዳድርቱ ራይላ ኦዲንጋ ስዒሩ ንቀጻሊ ዝተመርጸ መሓመድ ዓሊ የሱፍ፡ ናይ ሃገሩ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ምትሕብባርን ኮይኑ ን20 ዓመታት ዘገልገለን 5 ቋንቋታት ዝመልኽን ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ተገሊጹ።
እቲ ሓድሽ ኮሚሽነር፡ ኣብቲ ዝተመርጸሉ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ መጻኢ ብዛዕባቶም እቲ ኣኼባ ዝተመያየጠሎም፡ ናይ ኣፍሪቃ ጸጥታን ሰላምን፡ ትካላዊ ምምዕርራይን ናይ ሃገራት ቁጠባዊ ምትእስሳርን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከም ዝሰርሕ ቃል ኣትይ። ከምኡ እውን ነቲ “ኣብ ኣፍሪቃ ክሳብ 2030 ድምጺ ብረት ምቑራጽ” ዝብል ራኢ ናይቲ ሕብረት ከተግብር ክጽዕር ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ምርግጋጹ ተጢቒሱ። ኣንበሳደር ኣልጀርያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢልማ ማሊካ ሃዳዲ ድማ ምክልት ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ኮይኑ ተመሪጹ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣባል ኮሚተ ጸጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይና ክትምረጽ እንከላ፡ መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን ኣብዚ ኣኼባ ካብ ዘይተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ኮይኖም፡ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከብ ፈጻሚ ጉዳይ ግብጺ ድማ ብቐዳማይ ሚኒስተራ ተወኪለን።
መበል 38 ዓመታዊ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብታ ኣህጉር ብፍላይ ኣብ ረፓብሊክ ኮንጎ ዘሎ ቅልውላው ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉን ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣዝዩ ኣብ ዘሰክፈሉ፡ ብሓፈሻ ከኣ ብሰንኪ ኣሜሪካ ብዓለም ለኻዊ ትካል ረዲአት ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ኣብ ዝተቛረጸሉ ኣሻቓሊ ግዜ እዩ ተኻይዱ።