ደለይቲ-ፍትሒ ኤርትራውያን በይ-ኤርያን ካሊፎርንያን ኤሪፒኤም ንምድጋፍ ተኣኪቦም

2025-03-11 20:17:40 Written by  ፍሰሃየ ሓጐስ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 45 times

 8 መጋቢት 2025 ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ ዝኽበረሉ ኣጋጣሚ፡ ጋዜጠኛ ሄኖክ ተኽለን ተወልደ ስእለን ድማ “ሕጋዊ  ህዝባዊ ትካል መራኸቢ ብዙሃን ኤሪፒኤም” ንምምስራት፡ ካብ ዘካይድዎ ዑደታቶም ሓደ ስለ ዝነበረ  ዝተረኽብሉ ነይሩ።  ምስ ደለይቲ-ፍትሒ ኤርትራውያን ዝወደብዎ ናይ ሓባር ርክብ ኣብ ኦክላንድ ስለ ዝነበረ ብድምቀት ተሰላሲሉ።

ነቲ በዓል ዘሰናድአ ሽማግለ ደለይቲ-ፍትሒ፡ ንተሳተፍቲ ኣኼባ  እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” ብምባልን ስዉኣት ብምዝካርን 8 መጋቢት 2025 ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቀንስትዮ እውን ብምዝካር ነታ ዕለት ዘለዎ ኣኽብሮት ብምግላጽ ኣኼባ ተኸፊቱ።

ኣማሓደርቲ ኤሪፒኤም ሕጋዊ ህዝባዊ ትካል መራኸቢ ብዙሃን ንምቛም ኣብ ከተማታት ሰሜን ኣመሪካ ዘካይድዎ ዘለዉ ዑደት፡ ድምጺ ውጹዓት ኤርትራውያን፡  ኣካላት ደለይቲ ፍትሒ ምንቅስቓሳትን ውዱባትን ብምዃን  ናይ ዜና፥ ሓበሬታ፥ ምንቕቃሕን ምልዕዓልን ተራ ዝጻወት፡ ብፍትሕን ማዕርነትን ንኹሎም ምልኪ ብምልጋስ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ስርዓት ንምትካል ዝቃለሱ ዘተኣናግድ መድረኽ  ንምፍጣር  ይጉስጉሱ ኣለዉ። እቲ ትካል ሕጋዊ ፍቓድ ብምርካብ፡ ብግዱሳት ተሳተፍቲ  ተነዲፉ ብጉባአ ዝጸድቕ ሕጋዊ መምርሕን መሪሕነትን ዝቐውም፥ ዋንነቱን ተሓታትነቱን ድማ ናይ ዘቖሞ ህዝቢ ክኽውን ዝዓለመ እዩ። ናብቲ መደብ ንምስታፍ ዘኽእል መምርሕታትን ቅጥዕታትን ድማ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዓዲሎም።

ተነዲፉ ዘሎ ዕላማን ቅርጻን ትካል ዘርኢ ብዝርዝር ንተሳተፍቲ ኣብሪሆም። ንሕቶታት ተሳተፍቲ መሊሶም፡ ርእይቶታትን ምትብባዕን ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ተቐቢሎምን። እቲ መግለጺ ብዝርዝር ኣብ ቪድዮታት ኤሪፒኤም ስለ ዝርከብ፡ ግዱሳት ካብኡ ክከታተሉን ክግንዘቡን ይኽእሉ። ብተወሳኺ ጋዜጠኛ ሄኖክ ኣብ ዛዛሚ ኣኼባ ምስጋናኡ ንተሳተፍቲ ብፍላይ ከኣ ንገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ዝገበርናዮ ዑደት ትሳተፉን ተተባብዑናን ንስኹም ኢኹም። ንሕና ድማ ዘጽናሕኩምልና ዕላማን ሞያ ቃልሲን ድማ ክንቅጽሎ ኢ”’ ብምባል ሞገሱ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ፥ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ጀብሃን ሻዕብያን ብዝተፈላለዩ ስርዒታዊ ኣገባባት ንሃገራዊ ናጽነትና ዘበርከቱ፡ ከምኡውን ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ንምዕቃብ ኣብ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ቃልሲ ዝተሳተፉ፡ ኣብ ምንቅስቓሳት ይኣክልን ብርጌድ ንሓመዱን ዝነጥፉ፡ ብስኒትን ሓልዮትን ንሓርነት ህዝብናን ቅዋማዊ ፍትሓዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካልን ዝቃለሱ ዘለዉ እዮም። መርኣያ ደገፎም ከኣ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼ $11, 000.00 ዶላር ኤሪፒኤም ንምስሳን ተወፍዩ። ኤሪፒኤም እታ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምክትታል  ህዝቢ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ እትርከብ መራኸቢ ብዙሃን እያ።

ድሕሪ ኣኼባ ንኽብሪ ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቅንስትዮ ንነፍሲወከፍ ተሳታፊት ዕምባባ ተዓዲሉ፡ ኣብ ማሕበረ-ሰብ በይኤርያ ንጡፍ ተራ ንዝጻወቱ ኣባላት ድማ ናይ ኣፍልጦን ምስጋናን ምስክር ወረቐት ተዓዲሉ። ንኽብሪ ኣጋይሽ ኣማሓደርቲ ኤሪፒኤም  ከኣ ኣብ ቤት መግቢ ቀይሕ ባሕሪ ኦክላንድ ሓባራዊ ናይ ድራር  እንግዶትን ዕላልን ተኻይዱ።

Untitled 2

ኣብ መወዳእታ፡ ንጎስጎስቲ ኣካየድቲ ኤሪፒኤም ዓወት ዘሰነዮ ዑደት ክኾነሎም ብምምናይ፡ ዕዉት ውጽኢታዊ ኣኼባታት ንኽግበር ዘዳለዉ፡ መድረኽ ዝመርሑን ዘወሃሃዱን፡ ትጉሃት ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ በይ-ኤርያ ዕዙዝ ምስጋና ብምቕራብ  ተዛዚሙ።

Last modified on Tuesday, 11 March 2025 21:27