መግለጺ ሓዘን ብዕረፍቲ ሓው ሃነጸ ካሕሳይ
2025-03-12 08:56:12 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 426 timesሞት ገዲም ተጋዳላይ ሃነጸ ካሕሳይ ብዘሕዝን ኩነታት ሰሚዕናዮ። ተጋዳላይ ሃነጸ ኣብ 1957 ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ድብድብ ኣብ እትበሃል ዓዲ ተወሊዱ፡ ኣብ ደቀምሓረ ክሳብ መበል 11 ክፍሊ ተማሂሩ። ድሕሪኡ ብዝሓደሮ ሃገራዊ ስምዒት ሃገራዊ ግቡኡ ንክፍጽም ብ1975 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ፡ መባእታዊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣብ ናባጋደ ኬቦ ይተባህለ መደበር ምስ ወሰደ ኣብ ሓይሊ 372 ተመዲብዲ እናተቓለሰ ብ1977 ኣብ ሰላዕዳዕሮ ተወጊኡ።
ድሕሪ መውጋእቱ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምጣነ ሃብቲ ክፍሊ ኮኦፐራቲቨ ተመዲቡ ክሳብ ተሓኤ ናብ ሱዳን እትኣቱ ተቓሊሱ። ኣብ 1983 ድማ ኣብ መንጎ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን ብዝተገብረ ስምምዕ መሰረት ቃልሱ ኣብ ምቕጻል እንከሎ፣ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ካብ ዝተኣስሩ ካድራት ሰውራዊ ባይቶ ሓደ ነይሩ። ካብ ማእስርቲ ምስ ወጸ ቃልሱ ብምቕጻል ከኣ ኣብ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ካርቱም ብደረጃ ኣቦመንበር ጫንፈርን ካልእ ጽፍሕታትን ዝተቓለሰ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ህጻናት ነጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንክረኽቡ ርኡይ ጻዕሪ ካብ ዝገበሩ ካድራት ውድብ ሓደ ነይሩ። ነፍሰ-ሄር ሃነጸ ከም ሰብ ተጻዋታይ፡ ተዋዛያይ፡ ለጋስን ኣብ መትከሉ ጽኑዕን ከም ዝነበረ ከኣ መቓልስቱ እንምስክሮ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ክሳብ ዕለተ ዕርፍቱ ኣብዝኣመነሉ ውድብ ብትብዓ ክቃለስ ጸኒሑ
እንተኾነ ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ስለ ዝኾነ፡ እነሆ ብ9 መጋቢት 2025 ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ዓሪፉ ከምቶም ቅድሚኡ ዝሓለፉ ሓርበኛታት፡ ናይታ ዝተቓለሰላ ሃገሩ ሓመድ ኣዳም ተነፊግዎ፡ ኣብታ ዝዓረፈላ ኡጋንዳ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ሓው ሃነጸ ካሕሳይ ኣብ ቃልሲ ብዝኸፈሎ ዋጋ እናተዘከረ ዝነብር ኮይኑ፡ ብስም ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብዕርፍቱ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ “ንመዋቲ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን ፈተውቱን ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም” ንብል።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ