ጀነራል ጻድቃን ትግራይ ዓውዲ ውግእ ክትከውን የብላን ይብል’ሎ
2025-03-12 19:31:25 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 24 timesጅነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ፡ ምክትል ፕረሲደት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ “ትግራይ ናይ ኤርትራን ትግራይን ዓውዲ ውግእ ክትከውን ኣይትኽእልን እያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ “ኣፍሪቃ ሪፖርተር” ኣብ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ሰፊሕ ጽሑፍ ኣውጺኡ። ኣብዚ ጽሑፉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወጥሪ ይሕይል ኣብ ዘለወሉ ክልል ትግራይ ኣብ ማእከል ከም እትቕርቀር ጠቒሱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝኾነ ግዜ ውግእ ክባራዕ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣስፊሩ።
ብሰንክ’ቲ ውግእ ከም ሱዳን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራትን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ተጐቲቶም ናብቲ ውግእ ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ ጠቒሱ፡ ትግራይ በቲ ዘለዋ ኣገዳሲ ዓቕሚ ማኣከል ናይቲ ግጭትን ውጽኢቱን ክትከውን ከም እትኽእል ገሊጹ። ከምቲ ንቡር ግና ትግራይ ካብቲ ውግእ ተዓቂባ ንሰላም ክትሰርሕ ይግበኣ ምኽንያቱ ትግራይ ቅድሚ ሕጂ ብውግእ ስለ ዝተሳቐየት ምርጨኣ ንሰላም ምስራሕ ክኸው ስለ ዝግበኦ ኢሉ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ምቅርራብ ቀስብቀስ እንዳተጸንቀቐ ስለ ዝመጸ፡ ናብ ውግእ ምእታወን ዘይተርፍ እዩ ድሕሪ ምባል ድማ፡ እቲ ናይ ውግእ ምድላዋት ዳርጋ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃኡ ዝበጸሐ ከም ዝመስልን ንድሕሪት ምምላሱ ከምዘይከኣልን ኣብቲ ነዊሕ ጽሑፉ ኣስፊሩ። ብመንጽር’ዚ ትግራይ ኣብ ወሳኒ፡ ጀኦግራፍያዊ፡ ታሪኻውን ባህላውን ከምኡ እውን ፖለቲካዊ መራኸቢ ቦታ ስለ እትርከብ ኣዝያ ብውግእ ዝተሃስየት እያ ክብል ኣስፊሩ።
ትግራይ ካብቲ ጀኦግራፍያዊ ዓቐና ዝያዳ፡ ፖለቲካዊ ኣገዳስነት ስለ ዘለዋ፡ ኣቀማምጠኣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸላዊ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ንጉርብትና ኣብ ዝምልከት እውን ምስ ሱዳንን ኤርትራ ዘራኽብ ዓለምለኻዊ ዶባት ከም ዘለዋን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከኣ ምስ ኣምሓራን ዓፋርን እትዳወብ ኢሉ።
ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት ክጠቅስ እንከሎ፡ ድማ ኢሳያስን ደገፍቱን፡ ብወተሃደራዊ ኣብነት ንእስራኤል ብቁጠባዊ ዕቤት ሲንጋፖር ከምኡ ድማ ብማሕበራዊ ዕቤት ደንማርክን መሲሎም ክቐርቡ ከም ዝደልዩ ጠቒሱ። ኣስዒቡ ከኣ ነዚ ንምርግጋጽ ኣብ ናቶም ዓቕሚ ዘይኮኑ ዝምርኮሱ፡ ኣብ ሃብቲ ጐረባብቶም ክንጥልጠሉ እዮም ዝደልዩ ክብል ገሊጽዎም። ቀጺሉ ከኣ ስስዐ ኤርትራ ካብ ግዜ ነጻነት ጀሚሩ እናገደደ ክመጽእ ከም ዝጸንሓ ጽሒፉ።
መንግስቲ ኤርትራን ነቲ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ውድብን፡ ኣገዳሲነት ትግራይ ስለ ዝፈልጥዎ፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ዘሎ ትግርኛ ዝዛረብ ሓዎም ክዕወቱ ከምዘይክእሉ ስለ ዝርድኡ፡ ኣብ ጸገም ከም ዝርከቡ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይድዎ ውግእ፡ ብዘይትግራይ ክዕወቱስ ይትረፍ ክህልዉ እውን ኣይክእሉን እዮም ይብል።
ድሕሪቲ ቅድሚ ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓቢሮም ኣንጻራ ዘካየድዎ ኣጽናቲ ውግእ፡ ትግራይ ሎሚ’ውን ናብ ውግእ ክትኣቱ ከገድዳ ከም ዝኽእል ብምጥቃስ፡ ከም ምርጫ ግና ንትግራይ ዘዋጸኣ ነቲ ኣገዳሲ ውዕል ፕሪቶርያ ምትግባር እዩ ይብል እሞ፡ ዋላ’ኳ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሓጺር ግዜ ክውዳእዩ ዝብሉ እንተኾኑ፡ ውግእ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተናወሐ ክኸውን እዩ’ውን ኢሉ።
እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ውግእ፡ ንክንደይ ግዜ ይካየድ ብዘየገድስ፡ ውጽኢቱ ዞባዊ ዕንወት’ውን ከም ዘኸትል ኣስፊሩ፡ ኣተሓሒዙ ከኣ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ናይ ሃገራት ድሕርቲ ውግእ ክቕየር ከም ዝኽእል ዘለዎ እምነት ኣስፊሩ። ኣብ መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ከኸትል ከም ዝኽእል ከኣ ሓቢሩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ካይካየድ ዝፍረሓሉ ዘሎ ግዜ፡ ዓለም ኣብ ከም ናይ ዩክረይንን ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ዛዕባታት ኣብ ዝተጸምደትሉ ምዃኑ’ውን ኣብቲ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
ናይቲ ውግእ ናይ መወዳእታ ዕድል ኣብ ትግራይ ከይከውን ዘለዎ ስግኣት ዝጠቐሰ ጀነራል ጻድቃን፡ በዚ መሰረት ደጊሙ ምርጫ ትግራይ ወግእ ዓጺፍካ ውዕል ፕሪቶርያ ምትግባርን ኣብ ሕውየት ምስራሕን ከም ዝኸውን ጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ህግደፍፍ ብወገኑ ነዚ ገምጋማዊ ጽሕፉ ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ ብመንገዲ የመነ ገብረመስቀል (ቻርሊ) ናይ ተቓውሞ መልሲ ሂብሉ’ሎ።