ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራ ሰለስተ ጀነራላት ብግዝያውነት ኣጊዱ
2025-03-11 09:28:28 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 89 timesሌ/ ጀ ዮሃንስ ወ/ጊዮርግስ፡ ብ/ ጀ ምግበይ ሃይለ፡ ሌ/ጀ ማሾ በየነ
ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡ ብ10 መጋቢት 2025 ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ጀነራላት ግዝያዊ ናይ ምእጋድ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ድምጺ ወያነ ትግራይ ሓቢራ። እቶም ብግዝያውነት ዝተኣገዱ ጀነራላት ሰለስቲኦም መራሕቲ ግንባራት ኮይኖም ክእዝዙ ዝጸንሑ ኮኖም፡ ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ወልደጊዮር (ጆን መዲድ)፡ ብሪጋዴር ጀነራል ምግበይ ሃይለን ሌተናል ጀነራል ማሾ በየነን እዮም። ንሱ ናብ ነፍሲ ወከፎም ዝጸሓፎ ደብዳበ ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ትሕዝተኦ ከኣ እዚ ዝስዕብ እዩ።
“ካብ ናይ መንግስቲ ውሳነ ወጻኢ፡ መላእ ህዝብና፡ መንእሰያትና፡ ናብ ዕግርግር፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብ ሕድሕድ ግጭት ዘኣቱ፡ ኮታስ ህዝብና ናብ ዘይወጾ ዓዘቕቲ ዘእቱ፡ ምንቅስቓስ ሕዚ’ውን ደው ኣይበለን። በዚ መሰረት ንስኹም ኣዘዝቲ ግንባ ካብ 1 መጋቢት 2017 (10 መጋቢት 2025) ጀሚሩ፡ ስርዓት ኣብ ዘለዎ ኣካይዳ ምርድድዳእ ክሳብ ዝግበር፡ ንዘይተወሰነ ግዜ፡ ካብ ናይ ሰራዊት ናይ ምእዛዝ ሓላፍነትኩም ዝተኣገድኹም ምዃንኩም የፍልጥ።” ይብል።
ፕረሲደንት ጌታቸው ረዳ ናይዚ መእገዲ ደብዳበኡ ቅዳሕ፡ ናብ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ምክትል ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ሓላፊ ካቢነ ሰክተር ሰላምን ጸጥታን ከምኡ እውን ናብ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ናይቲ ካቢነ ልኢኹ።