186 ሰባት ብሓደጋ ባሕሪ ደሃዮም ጠፊኡ
2025-03-10 18:39:25 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 21 timesመንእሰያት ናብቲ ዘይውሑስን ዘይሕጋውን ጉዕዞ ባሕሪ እናተዳለዉ
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ዘምርሓ ዝነበራ 4ተ ጃላቡ ብጥሓለን ኣሳፊረናኦም ዝነበራ 186 ሰባት ደሃዮም ከም ዝጠፍአ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምፍላጡ ኣልጀዚራ ሓቢራ። ካብዞም 5 የመናውያን መራሕቲ እተን ጀላቡ ዝርከብዎም ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ግዳያት፡ ናይ 2ተ ሰባት ኣስከሬን ጥራይ ከም ዝተረኽበ እቲ ዜና ሓቢሩ። ነዚ ሓደጋ ዝምልከት ሓበሬታ ዝሃበ፡ ወሃቢ ቃል ዓለም ለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM)፡ ታሚም አለያን ምዃኑ እውን እቲ ዜና ጠቒሱ።
ኣብ የመን ናይቲ ዓለም ለኻዊ ትካል ወኪል፡ ዓብዱሳተር ኢስኮር ብወገኑ፡ እተን ጀላቡ ኣብ ተቐራራቢ ሰዓት ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ጠቒሱ፡ ናይቲ ሓደጋ ጠንቂ ሓያል ንፋስ ምዃኑ ኣስፊሩ። እተን ጀላቡ ዝተፈላለየ ቁጽሪ ሰባት ኣሳፊረን ከም ዝነበራ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ እቲ ሓደጋታት፡ ካብ ወረዳ ዱህባብ ምምሕዳር የመን ጣዒስ ኣብ ዘይርሕቕ ከባቢ እዩ ተኸሲቱ።
ካብቶም ኣፍሪቃውያን ግዳያት መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ከም ዝነበሩ ዝጠቐሰ እቲ ዜና ኣብ ሓንቲ ካብተን ጃላቡኳ፡ 150 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታትን 4ተ የመናውያንን ከም ዝነበሩ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እዚ ካብ ጅቡቲ ናብ የመን፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ዝግበር ሓደገኛ ጉዕዞ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ብዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዝውተር ኮይኑ፡ ሓያሎ ግዜ ሓደጋ ዘጋጥመሉ ምዃኑ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ። ኣብ 2023 ጥራይ 97,200 ሰባት በዚ ሓደገኛ መስመር ከም ዝተጓዕዙን እዚ ኣሃዝ ካብቲ ናይ 2021 ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝዛይድን ተጠቒሱ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት በዚ ናይ ጂቡቲ-የመን መስመር ጥራይ 2,082 ሰባት ምጥሓሎም እውን ተጸብጺቡ።
በዚ ሓድሽ ጸብጻብ መሰረት፡ እዚ ሓድጋዚ ብፍሉይ ዓይኒ ዝረአ፡ ብሓንሳብ ክንድዚ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ደሃዮም ምጥፋኡ ዘሰንብድ ብምዃኑ ፡ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ድሮ ኣብ ክልል ትግራይ ከባቢ ራያ 9ተ ስድራቤታት ብሓባር ብሞት ደቆም ብ9 መጋቢት 2025 ከም ዝተረድኡ ተፈሊጡ።