ግሪንላንድ ብጀኦግራፊ ሰሜን ኣሜሪካ እትርከብ ካብ ዓለምና ዝዓበየት ደሴት ኮይና፡ ብመዳይ ምምሕዳርን ባህልን ግና ምስ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ነርወይን ደንማርክን ትዛመድ ተባሂላ እያ እትጥቀስ። መዋስንታ ከኣ ብምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብን ካናዳ፡ በቲ ካልእ ኣቕጣጫ ሰሜናዊ ዋልታ ሩሲያ፡ ብሰሜናዊ ምብራቕ ኣይስላን፡ ደሴት ፋሮ፡ ነርወይን ደንማርክን በቲ ዝተረፈ ድማ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ እዩ።
ብዝሒ ህዝባ ብመሰረት ጸብጻብ 2022፡ ኣስታት 56,583 ይኸውን። መብዛሕትኡ ህዝባ ብሰንኪ ክሊማዊ ጽልዋ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ገማግም ባሕሪ፡ ብኣዝዩ ሰፊሕ ሳሕዊ ሰፊሩ ይነብር። ግሪንድላንድ ካብ ዓለም ዝለዓለ ሳሕዊ ነበርቲ ዘለዋ ደሴት ምዃና ይንገረላ። ጠቕላላ ስፍሓት መሬት ግሪንላንድ 2.166 ሚልዮን ትርብዒት ኮሎሜተር እዩ።
ዝሰፈሐ መሬት ግሪንላንድ ሰብ ዘይነብሮ ኮይኑ፡ ሰመረሶቅ፡ ኩጃለቅ፡ ቁቃታን ቃሱቲሱቅን ዝበሃላ 4ተ ክፍሊ ምምሕዳራት ኣለዋኣ። ንከተማታት ዝምልከት ድማ ኑክ 20,085 ህዝቢ ዝነብራ ዋና ከተማ ናይታ ደሴት ክትከውን እንከላ፡ ሲሲሙት፡ ሉሊሳን ቃቆርቶቅን ድማ ብዝሕ ዝበለ ህዝቢ ዝነብረን ከተማታት እየን።
ግሪንላንድ ካብ መንግስቲ ደንማርክ ብዝረኸበቶ ፈቓድ፡ ካብ 1979 ጀሚራ ናይ ውሽጣዊ ምምሕዳር መሰል ኣለዋ። በቲ ዝተዋህባ ፈቓድ መሰረት፡ ንወጻኢ ጉዳይ፡ ምክልኻል፡ ገንዘብን ሕጋዊ መስርሕን ዝምልከት ኣብ ውሳነ ደንማርክ እያ እትምርኮስ። ኣብ ሓፈሻዊ ምቁጽጻር ከም ምህላዋ መጠን ዜጋታታ ናይ ደንማርክ ፓስፖርት እዮም ዝሕዙ።
ግሪንላንድ ብዝተፈላለዩ ማዕድናት ኣዝያ ዝሃብተመት ብምዃና፡ “ኣብ ካልእ ዓለም ዘይርከቡ” ተባሂሎም ዝጥቀሱ 36,100,000 ቶን ዝዓቐኖም ማዕድናት ክህልውዋ እንከለዉ፡ ሞሊበድዩም፣ ግራፋይት፡ ሃፍኑዩም፡ ታንታሌም፡ ቲታንዩም፡ ኒዮቢኡምን ፕላቲኑምን ድማ ካብቶም ኣብ ግሪንላድ ብብዝሒ ዝርከቡ ማዕድናት ተጠቀስቲ እዮም።
ኣብዚ እዋንዚ በቲ ሓደ ወገን፡ ኣሜሪካ “እንተዘይ ተቖጻጺረያ እሞ ብሩሲያ ወይ ብቻይና እንተተሒዛ ንጸጥታይ ሓደጋ እያ” ብዝብል ክትጥቕልላ ላዕልን ታሕትን ትብል ኣላ። ደንማርክ ድማ ግዝኣተይ ስለ ዝኾነ ካብ ኢደይ ኣይትወጽእን ትብል ኣላ። ሕብረት ኤውሮጳ ከኣ ኣብ ጐኒ ኣባሉ ዝኾነት ደንማርክ ስለ ዝተሰለፈ ኣብ መንጎ ሕብረት ኤውሮጳን ኣሜሪካ ናብ ውግእ ከይዓርግ ዘስግእ ወጥሪ ይውስኽ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ዘለና እዩ።
ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ዝዓነዋ ናይ ሲቪል ነፈርቲ
ብሰንክ’ቲ ብ2023 ኣብ ሱዳን ዝተባርዐ ውግእ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ዝወረደ ሳዕቤን፡ ዕንወት 28 በብዓይነተን ናይ ሲቪል ነፈርቲ ከም ዘኸተለ፡ መንገዲ ኣየር ሱዳን ብ11 ጥሪ 2026 ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እተን ዝዓነዋ ነፈርቲ ናይ ሰብ መጐኣዝያን ናይ ንብረት መጽዓንን ኮይነን፡ ዋንነተን ድማ ናይ መንግስትን ናይ ብሕትን ምንባረን ተፈሊጡ። ነተን ነፈርቲ ኮነ ኢሉ ዘዕነወን እቲ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሉ እዩ ዝብል ክሲ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ናይቲ ዓለምለኻዊ መንገዲ ኣየር ሓለፍቲ ብወገኖም፡ ንሱዳን ትሪቡን ከም ዝገለጹላ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ናብ ንቡር ንምምላስ እቲ ዕንወት ዘሕድረሉ ሃጓፍ ዝለዓለ ኮይኑ፡ ዋላ ናይ መጀመሪ ርእሰማል ዓቕሙ እውን ኣዝዩ ውሱን ምዃኑ ተጠቒሱ። እዚ ዝተገልጸ ላዕለዎት ሓለፍቲ ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ብ11 ጥሪ 2026 ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝዓረፍሉ እዋን እዩ። ካብኡ ሓሊፉ እቲ መንገዲ ኣየር ቀዋሚ ዝሰፈሐ ኣገልግሎት ምሃብ ዝጅምረሉ ዕለት ከምዘይተፈልጠ እቲ ዜና ኣመልኪቱ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ መንገዲ ኣየር ገጢምዎ ዘሎ ዝለዓለ ብደሆ፡ መሰረታዊ ምንቅስቓስ መጀመሪ ዓቕምን ኢንሹራንስን እዩ። ብሰንክ’ዚ ሕጽረት ከኣ ወነንቲ ነፈርቲ ኩባንያታት ነፈርተን ካብ ፖርት ሱዳን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ጐረባብቲ ሃገራት ለይቲለይቲ የውጸኣ ኣለዋ ክብል እቲ ዜና ሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን ከኣ ምስዚ ምዕናው 28 ነፈርትን ዘሻቕል ጸጥታዊ ኩነታትን ገለ ናይ መጐዓዝያ ትካላት ኣካልቲ መንገዲ ኣየር ናይ ምዃን ድሌት የርእያ ኣለዋ ተባሂለን። ሳልማኣየር ዝተባህለት መንገዲ ኣየር ዑማን 27 ጥሪ 2026 ብቐጥታ ናብ ፖርት ሱዳን በረራ ብምምጅማር፡ ነቲ ምስቲ መንገዲ ኣየር ዝነበራ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ካብ ሃገራት ወሽመጥ ናይ መጀመርያ ኮይና ከም ዘላ ተፈሊጡ።
اغتيال شاب إرتري وإصابة آخر في بلدة عد شوما
Monday, 12 January 2026 21:22 Written by EPDP Information Officeأفادت مصادر مطلعة من المنطقة أنه في السابع من يناير 2026 أقدم قائد فرقة في قوات الدفاع الإرتري، الملقب بـ ودي فرزون على اغتيال شاب إرتري يُدعى حسن إدريس، وإصابة شاب آخر يُدعى ودي سعيد بجروح بالغة، وذلك في بلدة عد شوماو الواقعة في ضواحي قاحتلاي بإقليم سمهر.
وذكرت المصادر التي نقلت الخبر أن الحادثة وقعت عقب تطويق البلدة بقوة عسكرية تابعة لقوات الدفاع الإرتري، قدمت من منطقة عد عيلا، وتتبع للفرقة التي يقودها ودي فرزون، وذلك في إطار حملة لاعتقال شباب البلدة قسراً بغرض التجنيد الإجباري.
وأضافت المصادر أنه أثناء محاولة عدد من شباب البلدة الخروج لتفادي الوقوع في أيدي الجنود، أطلق أفراد القوة العسكرية وابلاً من الرصاص عليهم، ما أدى إلى مقتل الشاب حسن إدريس على الفور، وإصابة زميله ودي سعيد بجروح خطيرة.
وعقب الحادثة، حاول أهالي القتيل، بمساندة سكان بلدة عد شوماو، الامتناع عن دفن الجثمان إلى حين معرفة ملابسات الجريمة، وتحديد هوية القاتل، مطالبين بنقل جثمان الضحية إلى مدينة قندع إلى حين استكمال الإجراءات.
إلا أن الرد جاء سريعاً من قائد الفرقة ودي فرزون، الذي أقرّ صراحةً بارتكاب الجريمة، وأمر الأهالي بدفن القتيل فوراً دون أي تحقيق، وأجبرهم على تنفيذ أوامره.
كما قام الأهالي برفع بلاغ إلى مركز الشرطة في المنطقة، غير أنهم تلقوا رداً من شرطة المنطقة يفيد بعدم قدرتها على التحري أو التحقيق في البلاغ، ليعودوا دون أي إجراء يُذكر.
وتجدر الإشارة إلى أن هذه الجريمة تُعد الثانية من نوعها خلال فترة قصيرة، بعد حادثة مقتل القاصر يافيت في بلدة قرانا خودو قبل نحو أسبوعين.
ኣብ ኢትዮጵያን ክልላት ትግራይን ዓፋርን 4.7 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃት መሬት፡ ብ4 ጥሪ 2026 ከም ዘጋጠመ ወጋሕታ ኣፍሪቃ (DAWN AFRICA) ዝተባህለ ትካል ሓቢሩ። እቲ ኣብ ሰዓት 5.05 ድሕሪ ቀጥሪ ዘጋጠመ ምንቅትቃጥ መሬት ኣብ ዓፋር ዳሎ ካብ ዝተባህለ ስፍራ፡ ሰሜናዊ ምብራቕ 47 ኪሎሜተር ካብ ከተማ መቐለ ድማ 60 ኪሎሜተር ሰሜን ምዕራብን ርሒቑ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ናይቲ ምንቅጥቃጥ ናይ ትሕቲ መሬት ዕምቆት ቀረባ ምንባሩ ዝገለጸ እቲ ዜና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምንቅጥቃጥ ዝያዳ ስምዒት ዝፈጥር ኣብ ከባቢ እቲ ዘጋጠመ ቦታ ምዃኑ ተቒሱ፡ እዚ ሓድሽ ምግጣሙ ስምዒቱ ዝተረደኦም ከባብታት ውሑዳት ምዃኖም ቮልካኖ ዲስካቨሪ (Volcano Discovery) ዝተባህለ ማዕከን ብወገኑ ሓቢሩ።
ነበርቲ ከተማታት ትግራይ፡ መቐለ፡ ዓዲ ግራት፡ ኣኽሱም፡ ማይጨው፡ ዉቕሮ፡ ዓዲ ጉደም፡ ዕዳጋ ሓሙስ፡ ዓድዋን ጐረባብቲ ትግራይ ዝኾኑ ቦታታት ክልል ዓፋርን ምዃኖም ድማ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
እቲ ዜና ክሳብ ዝተዳለወሉ ግዜ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ህይወት ወይ ንብረት ዝወረደ ብርሰትን ሕልፈትን ዝተባህለ ኣይነበረን። ኣብዚ ከኣባቢ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ እውን ኣብ ክልላት ትግራይ ዓፋርን ምንቅጥቃጥ ኣጋጢሙ ከም ዝነበረን ዝምልከቶም ኣካላት ንዝኾነ ነገር ቅድመ-ምድላው ክግበር ከምዘለዎ ከተሓሳቡ ምጽነሖን እው ተፈሊጡ።
ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቬንዝዋላ ዝወሰደቶ ዓለም ዘዛርብ ዘሎ ስጉምቲ: ቬንዝዋላ ኣጀንዳ ብዙሓት ኮይና ኣላ። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ብዙሓት ብዛዕበኣ ክሓቱ ባህርያዊ እዩ እሞ እዚ ዝስዕብ ሓጺር ን ሓፈሻውንሓበሬት እነሆ::
ቬንዝዋላ ኣብ ክፍለ-ዓለም ደቡብ ኣሜኢካ ካብ ዘለዋ 12 ሃገራት ሓንቲ እያ። ብምብራቕ ብጉያና፡ ብደቡብ ብብራዚል ብምዕራብ ብኮሎምቢያ ብሰሜን ከኣ ብባሕሪ ካርቢያን ትዳወብ።
ቬንዝዋላ 23 ምምሕዳራዊ ክፍልታት ኣለዋኣ። ካብኣተን፡ ኢስታዶስ፡ ኣማዞና፡ ኣንዞተጉ፡ ኣፑረ፡ ኣራጉዋ፡ ባሪናስ፡ ቦሊቫር፡ ካራዶቦ፡ ደልታ ኣማኩሮ፡ ደፐንደሲያ፡ ዲስትሪቶ፡ ፋልኮን፡ ጋሪኮን መሪዳን ይርከበን።
ስፍሓታ 916, 445 ትርብዒት ኪሎ ሜተር እዩ፡ ብዝሒ ህዝባ ድማ ብናይ 2023 ጸብጻብ 28,300,854 እዩ። ዋና ከተማኣ ከኣ ካራካስ ትበሃል። ስፍሓት ካራካስ 443 ትርብዒት ኪሎሜተር ክኸውን እንከሎ፡ ብዝዝሒ ነባሪእ ድማ 3,242,000 እዩ። ብዘይካ ካራካስ፡ ማራካቦ፡ ቫለንሲያ፡ መሪዳ፡ ባርኩይሲሞንተ፡ ሱዩዳድ፡ ፑየርቶን ባራቸሎናን ዓበይቲ ከተማታት ናይታ ሃገር እየን።
ኣብታ ሃገር ኣስታት 40 ቋንቋታት ዝዝውተር ኮይኑ፡ እቲ ብስፍሓት ዝዝረብ ድማ ስፓኒሽ እዩ። ቻይነኛ፡ ፖርቱጊዝን ጣልያነኛን ከኣ ብቕደም ሰዓብ ደድሕሪ ስፓኒሽ ብስፍሓት ዝዝረቡ እዮም። ኣብታ ሃገር ስታት 30 ዓሌታት ክህልዉ እንከለዉ፡ ዋዩ፡ ዋራኦ፡ ካሊና፡ ፐሞ፡ ኣኑ፡ ሃውቲጁ፡ ያኖማሞ፡ ያሩሮ፡ የኩናን ሞቲሎነን ዝበሃሉ ካብኣቶም እዮም።
ኣብ ቁጠባ ቬንዙዋላ ዝለዓለ ግደ ዘለዎ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ነዳዲ ጋዝን ካልኦት ማዕድናትን እዮም። ቬንዙዋላ ብ1830 እያ ካብ መገዛእቲ ስፐይን ነጻ ሃገር ኮይና። ኣብ መበል 19 ክፍለዘመን ብሰንኪ ወተሃደራዊ ዓንተራት ብፖለቲካዊ ምቅይያራት ትሳቐ ከም ዝነበረት ይንገረላ። ካብ 1958 ንደሓር ግና ሓያሎ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ዝተመርጹ መንግስታት ነይረሙዋ እዮም ይበሃል። እንተኾነ ኣብ ግዜ እዚ ተኣሲሩ ዘሎ መራሒ ቅስንቲ ከምዘይንበረት መጻኢኣ ዝኸፈአ ከይከውንን ስግኣት ኣሎ።
ምምሕዳር ውደባዊ ቤት ጽሕፈት ፖሓኤ ብዕለት 03 ጥሪ 2026 ምስ መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ኣኼባ ኣካይዱ። ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ዝጸንሐ ናይ ትግባረ መደብ መሰረት ዝገበረ፡ ድሕሪ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነትን ፈጻሚ ኣካልን ዝተኣታተወ ሓድሽ ናይ 2026 መደብ ንምርኣይ፡ ኣተሃላልዋ ጨናፍር ኣብ ክልቲኡ ዞባታት ንምክትታልን ዝሓለፈ ናይ ስራሕ ሕጽረታትን ኣብ ግምት ዘኣተወ መፍትሒታት ንምርካብ ዘመልከተ እዩ ነይሩ።
ኣኼባ ብኣቦ መንበር ምምሕዳር ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ዋላ’ኳ ዝተዛመደ እንተኾነ፡ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ፖሓኤ ዝኾነ ኣካል ኣብ መንጎ ዕማማት ውልቀ ውድባትን ሰልፊን ኣብ መንጎ ሓባራዊ መደባት ፖሓኤን ዘሎ ፍልልይ ኣነጺሩ ክግንዘብን፡ ብኡ መጠን ነጢፉ ክሰርሕን ከምዝግባእ ብምጥቃስ፡ ዝጸንሐን ሓድሽን ኣብ 2026 ክዕመም ዘለዎ መጻኢ ትልሚ መደብ ስራሕ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈትን ዞባታትን ብዝርዝር ኣቕሪቡ።
ስዒቡ መሪሕነት ዞባታት ብወገኖም፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዘሎ ናይ ሓባር ጨናፍር ዝቆመሉ ቦታታት፡ ኣብ ኣሰራርሓ ዝጸንሔ ክምላእ ዝግባኦ ሕጽረታትን ዋላውን ብኣግኡ ዝተወገነ እንተኾነ ምትሕውዋስ ናይ ገለ መደባትን ዝመስል ምንባሩ ተሓቢሩ። ይኹን እምበር፡ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ቅድሚ ዋዕላ ፖሓኤ ዝጀመረ ምውህሃድ ሓባራዊ ስራሓት ምንባሩን፡ ሕጂውን ናይ ሓባር ጨናፍር ኣብ ዘይቆማሉ ቦታታት፡ ስርርዑ ከስፍሕን፡ ንዝቆማ ኣካላቱ ከደልድልን ኣብቲ ብብዝሒ ኣካላት ፖሓኤ ዝርከብሉ ቦታታት ንምሕያሉ ኣድላዪ ጻዕርታት ከካይድ ከምዘድልን ርእዩ። ብሸነክ ምምሕዳር ክማላእ ይግባኣ ዝብሎ ሓጋዚ ሓሳባት’ውን ኣቕሪቡ።
ምምሕዳር ዞባ ኤውሮጳ ብሸነኹ፡ ድሕሪ ዋዕላ ፖሓኤ ብተበግሶ ኣባላቱ ናይ ሓባር መራከቢ መስኖ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቆመ ምንባሩን፡ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኤውሮጳ ንምምእካል ናይ ሓባር ጨናፍር ዝተመዘዙ ኣባላት ምንባሮምን ብምጥቃስ፡ ድሪሕ ዋዕላ ግን ኣብ ሐደ ውሱን ናይ ሓባር ስራሓት ብምጽማዶም ከምቲ ዝድለ ከምዘይሰጐመን ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ግን ዘድሊ ምክትታልን ምትኽኻእን ክገብር፡ ናይ ሓባር ሽማግለታት ዘይቆመሉ ከተማታት’ውን ስርርዑ ንምስፋሕ ክጽዕት ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ኣብ መጠረስታ ኣኼባ፡ ዝኾነ ይኹን ኣባል ከምቲ ብድልየቱ ዕላማይ ከዐውተለይ ይኽእል”ዩ፡ ኢሉ ኣሚኑ ዝተሰለፈሉ ውዳበ፡ ሕጂውን ንዝኣመናሉ ዕላማ ንምዕዋት ነፍሲ ወከፍና ብትግሃትን ተወፋይነትን ግቡእና ክንፍጽም እንተበቒዕና፡ ክንበጽሖ ንእንደሊ ክጽግመና ዝኽእል ነገር የለን ብዝብል ናይ ተስፋን ኒሕን ቃል እዩ ተደምዲሙ።
ብሓድነት ንሓርነት!!!
ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት፡ ሳልሳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ኣገዳስነት ውሁድ ሃገራዊ ባይቶን
Saturday, 03 January 2026 11:41 Written by Anfet Media Adminሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት፡ ሳልሳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ኣገዳስነት ውሁድ ሃገራዊ ባይቶን – Anfet Media https://share.google/x1tm7EyEqel9ym5KF
ሳልሳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ዓንኬላት ኤርትራ ሰፊሕ ክትዕ ዘበገሰ ናይ መወዳእታ መግለጺ ብምሃብ ተዛዚሙ። ንኤርትራ ናብ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ክመርሕ ዝኽእል ውሁድ ሃገራዊ መድረኽ ንምህናጽ ተወፋይነት ዘለዎም ሓይልታት፡ እዚ መግለጺ እዚ ንገስጋስን ዘይተማልአ ዋኒንን ዝውክል መግጺዩ ክበሃል ይከኣል።
እቲ ዋዕላ ኣብ ሓድነትን ብዙሕነትን ዳግማይ ትኹረት ምግባሩን፡ ንወገናውን ዞባውን ምፍልላይ ምንጻጉ፡ ጽቡቕ ምዕባለ’ዩ። እዞም መትከላት እዚኦም ክለሰ-ሓሳባዊ ጭርሖታት ጥራይ ኣይኮኑን፤ ዝኾነ ተኣማንነት ዘለዎ ሃገራዊ ቅርጺ ክህነጸሉ ዘለዎ መሰረት እዮም። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ መግለጺ ኣብ ሓባራዊ ዝተሓተ መደብ ዝተመርኮሰ “ኩለመዳያዊ ሃገራዊ ቅርጺ” ዝብል ጻውዒት ምስቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ራእይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን( ENCDC) ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን (EPF)፡ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያውዊ ለውጥን (ECDC)፡ ከምኡ’ውን ነጻ ተዋሳእቲ ሲቪላዊ ማሕበራት ዘጠቓለለ ሓደ፡ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ባይቶ ንምቛም ፍጹም ዝሰማማዕ መልእኽቲዩ እዩ። ኣብዚ መንጽር’ዚ፡ ቋንቋ’ቲ መግለጺ፡ ንነዊሕ እዋን ተጸቢናዮ ዝነበርና ፖለቲካዊ ብስለት ዘንጸባርቕ እንተላይውን’ዩ። ማዕረ ማዕሪኡ እቲ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ንዝፍጠር ምብትታን ኣፍልጦ ምሃቡ እዩ። ንዓመታት ፖለቲካዊ ውዳበታት ኤርትራ ብናይ ምፍልላይ፣ ብብዙሕ መሓውራት፣ ብሕጽረት ስሙር ስትራተጂካዊ ራእይ ተሳቒየን እየን። ኤሃባደለ ነዞም ጸገማት እዚኣቶም ጠቒሱ ኣፍልጦ ምሃቡ እውን ኣወንታዊ ስጉምቲ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ምጽዳቕ መሰጋገርን ደሞክራስያውን ሰነዳት ባይቶ፡ ትካላዊ ቅርጹ የሐይልን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዝያዳ ሓላፍነታዊ ተራ ክጻወት ድማ ይዳሎ ከምዘሎን ዘመልክት ተርእዮ እዩ።
ይኹን እምበር እቲ መግለጺ ሸለል ክበሃል ዘይክእል ክፍተታት እውን የቃልዕ እዩ። ብሓፈሻ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሃገራዊ ተበግሶታትን ክዛረብ እንከሎ፡ ኣብኡ ከምዘይነበረ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኤልደለን፡ ውሁድ ሃገራዊ መድረኽ ንምህናጽን ኣብ ምቛም ዝሰፍሐ ሃገራዊ ባይቶ ክተሓባበርዎ ዝግባኦም ሓይልታት ክነሶም ብስሞም ካብ ምጥቃስ ይቑጠብ። እቶም ክልተ ወሰንቲ መሻርኽቲ ንጹርነት ምትእምማን ኣብ ዘዕበየሉ እዋን፡ ነዚ ሓይልታትዚ ንድሕሪት ምግዳፍ፣ ንዘይንጹርነት ኣፍደገ ከፊቱሎ። እቲ ጉባኤ ንውሽጣዊ ምፍልላይ ንምፍታሕ ዝሕግዙ ኣገባባት ከም ዝሰርዐ እውን ይጠቅስ’ዩ፣ እንተኾነ ብዛዕባ እንታይነቶምን ብኸመይ ከምዝትግበር ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይህብን። ብዘይ ግሉጽነት፡ እዚ ጽገናታት ንጻዕርታት ውህደት ዝድግፍ ድዩ ዝዕንቅፍ፡ መሻርኽቲ ኤሃባደለ ንክግምግሙ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።
እቲ ዝያዳ ዘሻቕል ድማ ኤሃባደለ ስትር ብዝበለ ኣገላልጻ ተፈጥሮኣዊ ሃገራዊ ጽላል ምዃኑ ዝገልጽ ትርጉም እዩ ኣመሓላሊፉ። በዚ ድማ ነተን ካልኦት ትካላት ናብ ማዕረ መሻርኽቲ ዘይኮነስ ናብ “ተሓባበርቲ” ደረጃ ምውራድ እዩ። ምትእምማን ብርግጽ ኣድላዪ እኳ እንተኾነ፡ ሓድነት ኣብ ግምት ልዕልና ዘይኮነስ፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ምሕዝነት፡ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ሕሉፍ ጌጋታት ብቕንዕና ንምግጣም ድልውነትን ምስ ዝህነጽ’ዩ ኣድማዒ ዝኸውን።
ኣብዚ እዩ እቲ ጸገም ዘለዎ ስቕታ ናይቲ መግለጺ ድማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ወሳኒ እዋን ካብ ባዕሉ ዝመርሖ ዝነበረ ጥምረት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እናመርሐን ናብ ጉባኤ ናይ ሰፊሕ ሃገራዊ ባይቶ ንምቛም ምድላዋት እናመርሐን እንከሎ እዩ ካብቲ ጥምረት ወጽዩ። ክወጽእ ከሎ ድማ፣ እቲ ምስሓብ ግዝያዊ ምዃኑን ዘሎ ውሽጣዊ ሽግራቱ ፈቲሑ ክምለስ ምዃኑን እዩ ንመሻርኽቱ ኣረጋጊጹሎም። ፖለቲካዊ ሓይልታት ከኣ፡ ነዚ መብጽዓ’ዚ ኣኽቢሩ፡ ሃገራዊ ባይቶ ክምለስ ተስፋ ብምግባር፡ ነቲ ናይ ሓድነት ማዕቀፍ ክፉት ብምግባር፡ ንኣስታት ክልተ ዓመት ብትዕግስቲ ተጸበየ። ይኹን እምበር እቲ መግለጺ ነዚ ውዕለት እዚ ጠቒሱ ዝሃቦ መግለዚ የለን። ፖለቲካዊ ወጻኢታት/ክሳራታት ናይቲ ምስሓብ እውን ኣፍልጦ ኣይህብን። እዚ ድማ ኤሃባደለ ናብቲ ባዕሉ ኣብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዄይኑ ዝሃንደሶ መንገዲ ሓድነት ንምምላስ ንጹር ዕላማ ከምዘይብሉ እዩ ዘርኢ። እዚ ክፍተትዚ ከኣ፡ ምትእምማን ዳግማይ ምህናጽን ሓቀኛ ጻዕሪ ኣብ ዝሓትተሉ እዋን፡ ኣረጊት ቁስሊ ከይሓዊ ዕድል ዝኸፍት እዩ።
ኤሃባደለ ቅድሚ ኣብ ግዳማዊ ሓድነት ጻዕርታት ምውፋሩ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ገዛ ኣብ ስርዓት ከትሕዝ ቀዳምነት ከም ዝህብ’ውን እቲ መግለጺ ይሕብር። ውሽጣዊ ጽገና ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ፕሮጀክት ንምንዋሕ ግን መመኽነይታ ክኸውን ኣይግባእን። ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካዊ ሜዳ ኤርትራ ናይ ሕንቃቐ ግዜ የብሉን። ኤሃባደለ ኣብዚ ወሳኒ ሓባራዊ ስጉምቲ ዝሓትት ህሞት ንሓድነት ዝኸውን ናይ ግዜ ሰሌዳ ወይ ፍኖተ-ካርታ ዘይምህላዉ፡ ስጉምታቱ ብጥንቃቔ ይኸይድ ኣሎ ዝብል ስክፍታታት ዘሐይል እዩ።
እዚ ጉድለታት እዚ እናሃለወ እቲ መግለጺ ኣገዳሲ ስጉምቲ ንቕድሚት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ፖለቲካዊ ምትእስሳር ምስ መትከላት ሓድነትን ሃገራዊ ሓላፍነትን ዲሞክራስያዊ ለውጢን ዘንጸባርቕ እዩ። ትካላዊ ብስለትን ንገለ ካብቶም ነቲ ቃልሲ ዕንቅፋት ዝኾኑ ብድሆታት ንምግጣም ድልውነትን ዘርኢ እዩ። ብዓቢኡ ድማ መስኮት ክባኽን ዘይብሉ ዕድል ይኸፍት ስጉምቲዩ።
ነቶም ሓደ፡ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሰፊሕ ሃገራዊ ባይቶ ንምህናጽ ቃል ዝኣተዉ ሓይልታት፡ እቲ መንገዲ ንጹር እዩ። ዘተባብዕ ቋንቋ ናብ ጭቡጥ ቃል ኪዳን፡ መትከላት ናብ መሓውራት፡ ባህግታት ድማ ናብ ናይ ግዜ ገደብ ክትርጎም ኣለዎ። ሓድነት ከም ጭርሖ ዘይኮነስ ከም ሓባራዊ ሃገራዊ ግዴታ ክስዕቦ ኣለዎ።
ኣንፈት መጻኢ ኤርትራ ብዝተበታተነ ጻዕሪ፣ ወይ ብተወዳዳሪ ተበግሶታት ዘይኮነስ፡ ንኹሎም ንፍትሕን ዲሞክራስን ልዕልና ሕግን ተወፋይነት ዘለዎም ሓይልታት ኣብ ሓደ ዘራኽብ ስሙር ሃገራዊ ድሌት ክህነጽ ከም ዘለዎ ይኣምን። ሳልሳይ ጉባኤ ኤሃባደለ ናብዚ ዝኣንፈተ ስጉምቲ ወሲዱ ኣሎ። ቀጻሊ ስጉምትታት ግን ብቕንዕናን፡ ትብዓት፡ ከምኡ’ውን ህዝብና ዝግብኦ ሓድነት ንምሃብ ብሓድሽ ተወፋይነት ብሓባር ክውሰዱ ኣለዎም።
መራሕቲ ብርኪናፋሶ፡ ማሊን ኒጀርን
መራሕቲ ማሊን ብርኪናፋሶን ከም ግብረ መልሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሚሪካዊ ዜግነት ዘለዎም ናይ ቪዛ እገዳ ከም ዘንበሩ ኣፍሊጦም። እዚ ስጉምቲ ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ እገዳ ምንባሩ ተኸቲሉ ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ ነዚ ብዝምልከት ዝተዘርገሐ ሓበሬታ እቲ ስጉምቲ ከምቲ ብኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እተን ሃገራት ዝወረደ ምንግልታዕ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካውያን እውን ክፍጸም ብዝብል ምዃኑ ተፈሊጡ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ማሊ፡ ብዛዕባቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ከምቲ ዜጋታትና ናብ ኣሚሪካ ክኣትዉን ኣብኡ ክነብሩን እንከለዉ ብመንግስቲ ዝሕተትዎ ቅድመ ኩነት ኣሜሪካውያን ናብ ሃገርና ክኣትዉ እንከለዉ እውን ተመሳሳሊ ሕቶ ክቐርቦም እዩ ክብል ኣፍሊጡ። ንሱ እቲ ስጉምቲ ግብረ መልሲ ምዃኑ እውን ጠቒሱ። ብርኪናፋሶ ብወገና እዚ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ቪዛ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ ዝምድናታት ማዕርነት ልኡላውነት ከተኽብር ቅርብቲ ምዃና ከኣ ኣፍሊጣ።
ብርኪናፋሶን ማልን ኣካል ናይቲ ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ፖሊሲ ኣሜሪካ ንኣህጉራዊ ዝምድና፡ ሃገራዊ ጽጥታን ምምካት ፈጠርቲ ራዕድን ብዝብል ሰነድ ኣጽዲቑ ምዝርግሑ፡ ኣብ ዝርዝር ምእጋድ ካብ ቪዛ ኣሚሪካ ሰፊረን ዘለዋ ሃገራት እየን። ትራምፕ ነቲ ዝወሰዶ ናይ ቪዛ እገዳ፡ “ንድሕነት ኣሜሪካ እዩ” ከም ዝበሎ ዝዝከር እዩ።
ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ብወገኑ፡ ከም ምኽንያት ነቲ ናይ ቪዛ እገዳ፡ ንክልቲአን ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ዝተወደቡ ፈጠርቲ ረዕድን ዕጡቓት ጉጅለታትን ዝንቀሳቐሱለን እየን ብዝብል እዩ ዝኸሰን። ምስ ማልን ብርኪናፋሶን ሓቢራ ካብ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ECOWAS) ዝወጸት ኒጀር እውን ካብተን ብኣሜሪካ ናይ ቪዛ እገዳ ዝተወሰነን ሓንቲ እያ።
እዘን ብወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝምረሓ ዘለዋ ሰለስቲአን ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኣቐዲመን ንፈረንሳ ኣርሒቐን ምስ ሩሲያ ብዝፈጠረኦ ዝምድና ኣሜሪካ ብሕማቕ ዓይኒ ክትርእየን ዝጸንሐት እየን። ብፍላይ ማሊ ሓይልታት ሩሲያን 1,500 ዕጡቓት ዋንገርን ናብ ሃገራ ክኣትዉ ዘፍቀደት እያ።
ግብጺ ኣብ ጥቓ ወሽመጥ ዓደን ዝርከባ ወደባት፡ ዓሰብ ናይ ኤርትራን ዶራለህ ናይ ጅቡትን ዓቕመን ናይ ምዕባይ መደብ ከም ዘለዋ፡ ዘናሽናል (the national) ዝተባህለት ጋዜጣ ኣፍሊጣ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይቲ ህንጸት ዓላማ ናይ ግብጺ መራክብ ውግእ ኣብቲ ከባቢ ምስ ውሱን ግና ድማ ፍሉይ ብቕዓት ዘለዎ ሰራዊት እተንቀሳቕሰሉ ኩነታት ንምፍጣር እውን እዩ።
ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ኢትዮጵያ እታ ዝኾነ ንብረት ንምንቅስቓስ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከም እትምርኮስ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ግብጺ ድማ ናታ ልዕሊ 2 ሺሕ ኪሎሜትር ዝንውሓቱ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ከም ዘለዋ ኣስፊሩ። ከምኡ እውን ግብጺ ንቀይሕ ባሕርን ባሕሪ መዲተራንያንን ዘራኽብ ወሽመጥ ሲናይ እትውንን ሃገር እያ።
ግብጺ ኣብቲ ንምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤስያን ኤውሮጳን ዘራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰለት ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገር ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ከይህልወን ብትሪ ክትቃወም ዝጸንሐትን ዘላን እያ። እቲ ስምምዕ፡ ምስ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወቂ ናብ ግብጺ ኣብ ዝበጸሓሉ፡ ምስ ጅቡቲ ድማ ዝለዓለ ልኡኽ ናይታ ሃገር ናብ ጅቡቲ ኣብ ዝበጸሓሉ ዝተኸተሙ ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ካብዚ ብዘይፍለ ግብጺ ምስ ኤርትራን ጅቡትን ድልዱል ፖለቲካውን ወተሃደራውን ዝምድና ብምፍጣር፡ ናይ ትሕቲ ባሕርን ሄሊኮፕተራት ዝስከማን መራክባ ሓዊስካ፡ ሓይልታታ ዝንቀሳቐስሉ ኣብ ክልቲአን ወደባት ትሕተ-ቅርጻ ናይ ምህናጽ መደብ ኣለዋ። ብፍላይ እቲ ምስ ጅቡቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ናብታ ድሕሪ 1993 ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ዝኾነት ኢትዮጵያ ዘምርሕ መስመር መንገዲ ዶራለህ ኣብ ምህናጽ ክትሳተፍ እያ።