ምስሊ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያን

ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣካልቲ ኣብ መጀመርታ 2025 ናብ ሶማሊያ ዝዋፈር  ሓድሽ ሰራዊት  ተልእኮን ምርግጋእ ሕብረት ኣፍሪቃ ከይከውን ከም ዝወሰነ፡ ቢቢሲ ኣፍሊጣ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት እናተቐያየረ ኣብታ ሃገር  ዝጸንሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ካብ ሃገሩ ክወጸሉ ከም ዝደሊ እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።

ናይዚ ውሳነ ቀንዲ ተንቂ፡  እቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ብሓደ ወገን  ምርካብ ገምገም ባሕሪ መህነጺ መደበር ሓይሊ ባሕርን ኣገልግሎት ወደን ምካብ፡  በቲ ካልእ ወገን ድማ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ ምስ ሶማሊላንድ መረዳድኢ ዛዕባ ምኽታመን እዩ። ምኽታም እዚ መረዳድኢ ሓሳብ፡  ኣብ ሶማሊያ  ብኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ስጉምቲ  ልኡላውነተይ ዝግህስ እዩ ዝብል ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ እዩ።

እዚ ስጉምቲ ኣብቲ ዝተኸተመሉ ግዜ ብብዙሓት ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላት እውን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ እዩ። በዚ መሰረትን ኣብ ናይ ሓደ ወርሒ ግዜ ክትግበርኳ ትጽቢት እንተነበረ ክሳብ ሎሚ ኣይተተግበረን።

ማዕከን ዜና ሶማሊያ ሶና (SONA) ብወገና፡ እቲ ሚኒስተር ምኽልኻል ሶማሊያ፡ ዓብደልቃድር መሓመድ ብ9 ሕዳር 2024 ዝሃቦ መግለጺ ብምጥቃ፡ እቲ ሓድሽ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ዝጸንሐ ተኪኡ ሓላፍነት ዝርከብ፡ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥሪ 2025 ኮይኑ፡ እቲ ውሳነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይዚ ሓድሽ ዓቃብ ሰላም ኣካል ኮይኑ ንከይቅጽል እዩ እቲ ውሳነ። እቲ ሚኒስተር ናይተን ሰራዊት ዘዋጸኣ ሃገራት ዝርዝር ኣብዚ ቀረባ  ከም ዝግለጽ ብምጥቃስ ካብተን ክሳብ ሎሚ ሰራዊተን ኣዋፊረን ዝጸንሓ ዘይትሳተፍ ኢትዮጵያ ጥራይ እያ ከም ዝበለ’ውን ሶና ሓቢራ።

ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ሰራዊታ ካብ ሶማሊያ ዘይተፈልየን ኣብዚ እዋን ድማ ገሊኡ ነብሱ ክኢሉ ዝዋፈር ገሊኡ ድማ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝተሰለፈ ኣብታ ሃገር ኣስታት 15 ሺሕ ሰራዊት ዘለዋ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣብ መጻኢ ናብ ሶማሊያ ዝዋፈር ሰራዊ ክግለል የብለይን” ዝብል መጎት ተቕርብ ኣላ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ ናብ ሶማሊያ ሰራዊተን ዝዋፍራ ሃገራት፡ ኣብ ልኡላውነትን ሓድነትን ሶማሊያ ዝኣምና ክኾና ከም ዝግበአን ብምንጻር፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ  ዘሎ ናብ ውግእ ከይዓርግ ዘስግእ  ወጥሪ ብዘተ ናይ ምፍሕ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ’ሎ።

ሚኒስተራዊ ዋዕላ ኣፍሪቃን ሩሲያን ካብ  9 ክሳብ 10 ሕዳር 2024 ሱቺ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ሩሲያ ከም ዝካየድ ሩሲያ ኣፍሊጣ። ዕላማ እቲ ዋዕላ እቲ ኣብ 2023 ኣብ መንጎ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩሲያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምትግባርን ምትሕግጋዝ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩሲያን ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ንምስፋሕ ዘኽእል ዘተ ንምክያድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣማኻሪ ፕረሲደንት ሩሲያ ኣንቶን ኣኮቢያኮቭ ብዛዕባቲ ሚኒስተራዊ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ስምምዕ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩሲያን ንቐጻሊ ናይ ሓባር ዕቤትን ምትሕብባርን ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ሓድሽ ዋዕላ ብዛዕባ ዝርዝር ኣተገባብራ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምልዛብ ሰፊሕ ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ’ውን ጠቒሱ።

ኣብዚ ዋዕላ ካብ ክልቲኡ ወገናት  ዝምልከቶም ሚኒስተራት፡ ኣወሃሃድቲ ዓበይቲ ትካላት፡ ወከልቲ ኣብያተ-ስራሕ፡  ሳይነሳዊ ትካላትን ለኣኽትን ኣምጻእትን ነጋዶን ክሳተፍዎ እዮም። እቲ ርክብን ዘተን ጉዳይ ንግድን ቁጠባዊ ዕቤትን፡ ምትእስሳር ቁጠባዊ ወፍሪ፡ ኣብ ትምህርትን ሳይንስን ሓቢርካ ምስራሕን፡ ጸጥታ ምትሕግጋዝን፡ ምስፋሕ ምትሕግጋዝ ኣብ ኣባል ሃገራት ብሪክስን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ከተኩር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ወከልቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሩሲያ ላቭሮቭ ክልተኣዊ ርክባት ንከካይዱ ብመደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ምድላው እዚ ዋዕላ፡ ፍሉይ ልኡኽ ፕረሲደንት ፑቲን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ሚሃይል ቦግዳኖቭ፡ በቲ ሓደ ወገን ምስ ትካላት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩሲያ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ ናይተን 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ወከልቲ ኣብ ሞስኮ ርክባት ከካይድ ከም ዝጸንሐ ተፈሊጡ። ኣብዚ ርክባቱ ሓቢሮም ብዛዕባ ተክኒካዊ ኣካይዳ ናይቲ ዋዕላን ዝርዝር ኣጀንዳኡን ከም ዝተረዳድኡ ተሓቢሩ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብቲ ጠቕላላ 538 መምረጺ ነጥብታት 294 ብምርካብ መበል 47 ፕረሲደንት ኣሚሪካ ኮይኑ ምምራጹ ምስ ተፈለጠ፡ ኢድ  ካብ ዝነኣሱ መራሕቲ ሃገራት ኣቶ ኢስያስ ኣፈወርቅን ዶር ኣብይ ኣሕመድን ካብቶም ቀዳሞት ኮይኖም። ኢስያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ብመንገዲ የማነ ገ/መስቀል ብመስመር X ዝለኣኾ፡ ናይ “እንኳዕ ኣብጸሓካ” መልእኽቱ፡ “ናትካ መበል 47 ፕረሲደንት ኣሜሪካ ክትከውን ተመሪጽካ ናብ ቤተ-መንግስቲ ምምላስ ናይ ዓለም ሰላም ምርግጋእ ኣዝዩ ኣድላይ  ኣብ ዝኾነሉአ ወሳኒ ግዜ  ዘጋጠመ ክስተት እዩ” ኢሉ። ኣስዒቡ ድማ ኣብ መጻኢ ሓቢሮም ክሰርሑ ድልዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “እንኳዕ ዳግማይ ናብ ቤተመግስቲ ኣሜሪካ (white house) ተመለስካ” ኢሉ፡ ከምቲ ናይ ኢሳያስ “ኣብ መጻኢ ሓቢርና  ንክንሰርሕ እምነ” ኢሉ።

ዶላንድ ትራፕ፡ ኣብ ናይ መበል 45 ፕረሲደንት ግዜኡ፡ ንኢሳያስ ካብ ክባ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ ማዕቀባት ከም ዘልዓለሉ ከም ዝገበረ ዝፍለጥ እዩ። ንኣብይ ኣሕመድ ዳማ ንስልጣኑ መሪቑ፡ ናይ ዓለም ናይ ሰላም ምስክርነት ንክቕበል ከም ዘብቀዖ ባዕሉ ኣብቲ እዋኑ ገሊጽዎ እዩ። ሓቢሮም ናብ ውግእ ትግራይ ንክወፍሩ ከም ዝመረቐሎም’ውን ዝዝከር እዩ።

ሕጂኸ ከምቲ ናይ ቅድም በብወገኖም ክዕንድሩን ህውከት ክፈጥሩን ክተሓጋገዞም ድዩ ኣይፋሉን፡ ኣብ መጻኢ መስርሕ ዝረአ ክኸውን እዩ።

ሮናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሓደ ዙር ምርጫ ተሳዒሩ ክነሱ፡ ዳግማይ ተወዳዲሩ ምስዓሩን ኣብ ክልቲኡ ውድድራቱ ዝሰዓረን ተወዳደርቲ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነንን ካብቲ ብፍሉይነት ዘርእዮ ረቛሕታት ኮይኑ ኣሎ።

ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡ ንሓደ ካብ ምልክትላቱ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ከም ዝወከሎ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ብዝጸሓፎ ደብዳበ ኣፍሊጡ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ዝጸሓፎ ናይ ውክልና ደብዳበ ነቲ ስጉምቲ ንክወስድ ደሪኹኒ ዝበሎ ምኽንያት  ኣስፊሩ’ሎ።

ኣብ ደብዳበኡ “ናብ ዝተፈላለየ ስራሕቲ ስለ ዝወጽእ፡ ኣብልዕሊ ናይቲ ሒዝኩሞ ዘለኹም ናይ ስራሕ መደብ ደሪብኩም ናይ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስራሕቲ ንክትሰርሑ ዝተወከልኩም ምዃንኩም ኣፍልጥ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ።

ናይቲ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ዝተዘርግሐ፡ ክታሙን ማሕተምን ዘስፈረ  ደብዳበ ቅዳሕ ናብ ዝተፈላለያ  ኣካላት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ’ውን ዘርጊሕዎ።

ገለ ወገናት ነቲ ስጉምቲ ከምቲ ብጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ክሳብ ዝምለስ ዝሰርሕ “ውክልና እዩ” ክብልዎ እንከለዉ፡ ገለ ወገናት ከኣ ብምስጢር ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ናይ መወዳእታ ናይ ኣቶ ጌታቸው ካብ ሓላፍነት ምውራድ እዩ ይብልዎ ኣለዉ።

ነቲ ናይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ግዝያዊ ውክልና ከኣ፡ ክሳብ ቀጻሊ ምርጫ ዝጸንሕ እዩ ዝብልዎ ኣለዉ። እቲ ካልእ እቲ ውክልና ዘሕልፎ መልእኽቲ እናተባህለ ዝጥቀስ ዘሎ ድማ “ፕረሲደንትነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ” ካብቶም ክዋጠጡ ዝጸንሑ ክልተ  ኣካላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣውጺእካ ንመንጎኛ ጀነራል ንምሃብ ዝቐረበ መፍትሒ ንክኸውን፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ፖለቲከኛታትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ትግራይ ብምልዛብ ዝተበጽሐ ፍታሕ ምዃኑ’ውን ይገልጹ ኣለዉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ “ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ይወድቕ’ሎ” ዝብል ስግኣት ዝሓደሮም ተጋሩ ምሃዎም እውን ይግለጽ ኣሎ።

Untitled 3ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ብ26ን 27ን ጥቅምቲ 2024 ምስ መሰረታት ሰልፊ ርክብ ኣካይዱ። ናይዚ  ኣብቲ ቀዳማይ መዓልቲ ምስ ኣባላት ሰዲህኤ ካብ ኩሉ ኩርነዓት፡ ኣብቲ ካለኣይ መዓልቲ ድማ ብምኽንያት ናይ ሰዓታት ፍልልላይ ኣብ ኣወስትራሊያን ሱዳንን ምስ ዝርከቡ  ዘካየዶ ርክብ ተመሳሳሊ ኣጀንዳ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ምዕባለታት ሓበሬታ ምሃብን ርኢቶ ተሳተፍቲ ምስማዕን ከምኡ ድማ ኣብ መጻኢ ክዕመሙ  ዝግበኦም ስረሓት ምእማትን  እዩ።

ኣቦመንበር ገረዝጊሄር ኣብቲ ሓበሬታኡ ብዛዕብ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ  ክካየድ ዝጸንሐ ስረሓት፡ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዜናዊ ልሳናት ዝካየዱ ንጥፈታን ምስ ካለኦት መድያታት ብዛዕባ ክካየዱ ዝጸንሑ ርክባትን ጠቒሱ። ንመጻኢ እውን ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚ ሽማገለ መደባተን ተሊመን ተበጊሰን ከም ዘለዋ ብዝርዝር ኣብሪሁ። 

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብዛዕባ ዘካየዶ ቀዳማይ ዋዕላን ናይ ሓባር ፈስቲቫልን ከኣ ብሰፊሑ ኣረዲኡ። ድሕሪቲ ቀዳማይ ዋዕላ ምስላጡ ነብሱ ወዲቡን መደባቱ ሓንጺጹን ኣብ ስራሕ ኣትዩ ከም ዘሎ ከምኡ እውን ምስ ካላኦት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከካይዶ ዝጸንሐ ርክባት ንምቕጻል ድልዊ ምህላዉን ኣገንዚቡ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝካየድ ዘሎ ህዱእን ውዱብን መስርሕ ቃልሲ ተስፋ ከም ዝህብ ከኣ ጠቒሱ።

 ኣብ ኤርትራ ብዘይካቲ ጭቆና ህግደፍ መልክዓቱ እንዳቀያየረ ይቕጽል ምህላዉ፡ እቲ ጉጅለ ከም ልማዱ ካብ ኤርትራዊ ዛዕባታት  ንምህዳም ናብ ደገደገ የመዓዱ ምህላዉን ሓድሽ ነገር ከምዘየለን ኣረዲኡ።  ጉጅለ ህግደፍ፡ ክሳብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝህድድ ኣካይዳ ክኽተል ጸኒሑ ክነሱ፡ ሎሚ’ውን ኣብ ስልጣን ይቕጽል ምህላዉ ከም ዘተሓሳስብን ህዝቢ ኤርትራ ሕሳቡ ክገብር ጸዊዑን።

ኣተሓሒዙ ከኣ ብሓፈሻ ኣብ ዓለምና ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብትናን ዞባናን ይረአ ብዛዕባ ዘሎ ንኤርትራ እውን ክጸልው ዝኽእል፡ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ምቅይያራትን ኣስፊሑ ገሊጹ። ኣብዚ መብርሂኡ፡ እቲ ብደረጃ ዓለም ውዑይ ዘሎ ኩነታት ሩስያን ዩኩረይንን በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ዘስግእ ምዕባለታት ማእከላይ ምብራቕ ዝምልከት መግለጺ ሂቡ።

ኣብ ቀረባና ብደረጃ ትግራይ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትሕልላኻትን ቅልውላውን ከመይ ይምዕብል ከምዘሎ፡ ዝጠቐሰ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ብዛዕባቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ኣንጻር ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝመስረተኦ ኪዳን (AXIS)ን ከስዕቦ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤንን ብዝምልኸጥ ኣገንዚቡ። ብወገን ኢትዮጵያውያን በብግዜኡ ብምስምስ ኣፍደገ ባሕርን ኣገልግሎት ወደብን ዝቐርብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝጻባእ ተርእዮታት ብምጥቃስ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ካብዚ ንክልቲኡ ህዝብታት ዘየርብሕ ተግባር  ክእደቡ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብቲ ዝቐረበ መግለጺ፡ ዝያዳ ክበርሃሎ ብዛዕባ ዝደልይዎም ነጥብታት ዝምልከቱ ብዙሓት ሕቶታት ኣቕሪቦም። ብኣቦመንበርን ካለኦት ኣባላት መሪሕነትን ከኣ ኣብቲ ዝቐረበ ሕቶታት ሰፊሕ መብርህታት ሂቦም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ መሪሕነት ኣብ ምድልዳል ሰልፋዊ ዓቕምታትን ምሕያል ናይቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ሓይልታት ለውጥን ዘድሃቡ ለበዋታት ኣቕሪቦም፡ ብመሪሕነት ዝወጹ መደባት ኣብ ምዕዋት ድማ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም። ከምዚ ዝኣመሰለ መላእ ኣባላት ዝሳተፍዎ ሰፋሕቲ ኣኼባታት ቀጸልነት ንክህልዎም ከኣ ተብላዮም።

ብሄራዊ ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያ፡ (ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተወስደ ስእሊ)

ኣብቲ 11 ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ዝሳተፋሉ፡ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ምጽራይ ንሻምፒዮና ኣፍሪቃ ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ክጋጠማ ብዕጫ ስለ ዝበጽሐን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ስታዲዩም ጁባ ክጋጠማ ከም ዝተወሰነ ደቡብ ሱዳን ኣድላይ ምድላው ትገብር ከምዘላን ናይታ ሃገር ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣፍሊጡ። ዝተፈላለዩ ምንጭታት፡ እዘን ጋንታታት ካብቲ ንቡር ወጻኢ ኣብ 3ይቲ ሃገር ዝጋጠማ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ብዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምትእምማን እዩ።

እቲ ዜና፡ ኤርትራ ሎሚ ትሳተፍ ዘላ ንሓያሎ ዓመታት ነብሳ ከተግልል ምስ ጸንሐት ምዃና ጠቒሱ፡ ካብ  ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሰዓረት ምስ ካብ ሱዳንን ብሩንድን ዝሰዓረት  ክትጋጠም እያ። ኤርትራ ክትበኩር ዝጸንሓትሉ ምኽንያት “ተጻወቲ ምስ ወጹ ኣይምለሱን እዮም” ብዝብል ስግኣት ምዃኑ ዝዝከር እዩ።

ናይዘን ጋንታታት ናይ ምጽራይ ግጥማት ቀዳማይ ዙር ብሓፈሻ፡ ካብ 25 ክሳብ 27 ጥቅምቲ 2024 ዝካየድ ኮይኑ፡ እቲ 2ይ ዙር ከኣ ካብ 1 ክሳብ 3 ሕዳር 2024 ዝሳለጥ ክኸውን እዩ። ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግና ብፍሉይ ኩነታት 31 ጥቅምትን 3 ሕዳርን 2024 ክካየድ እዩ።  ናይተን ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝሰዓራ ጋንታታት 2ይ ዙር ቀዳማይ ግጥማት ድማ ካብ 20 ክሳብ 22 ታሕሳስ ምስተኻየደ፡ ካለኣይ ግጥማት ከኣ ኣብ 25 ክሳብ 27 ታሕሳስ 2024 ክሳለጥ እዩ። እቲ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ መጠቓለሊ መጻረይ ግጥም ድማ ካብ 1 ክሳብ 28 ለካቲት 2025 ከም ዝካየድ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብዚ ካብ 2009 ዝጀመረ ናይ ኣፍሪቃ ሻምፒዮና፡ ኣብቲ ናይ 2025 ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ 4፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ እተን ካለኦት 4 ዞባታት ኣፍሪቃ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ሰሰለስተ ጋንታታት ከቕርባ እየን። ክሳብ ሎሚ ኡጋንዳን ርዋንዳን ብቕደም ሰዓብ  6ን 4ን ግዜ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ  ሻምፒዮን ዝኾና እየን።

ደቡብ ሱዳን እምነት ተነቢሩላ፡ ንግጥም ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከተዳሉ ምብቀዓ ኣብ መጻኢ ምስ ክልቲአን ሃጋራት ኣብ ዝህልዋ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክሕግዛ ከም ዝኽእል ፖለቲከኛታት ግምቶም ይህቡ ኣለዉ።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሳንሆዘ፡  ብኤምባሲ ህግደፍ ዝተጸውዐ ኣኼባ  ሰዓት 2ተ ክጅመር ተምዲቡ 5ተ ሰዓታት ደንጉዩ ሰዓት 7ተ ከም ዝተጀመረን ኣሸሓት ክሳተፍዎ ትጽቢት ተነቢርሉ ከብቅዕ ኣስታት 40  ጥራይ ከም ዝተሳተፍዎ ነቲ ኩነታት ብኣካል ዝረኣይዎ ሓቢሮም። እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኸር ከም ዝበልዎ፡ እቲ ኣኼባ ዝጸውዐ ኤምባሲ ህግደፍ ክራይ ኣድራሽ ክኸፍል ስለ ዘይከኣለ፡ ካብቶም ዝርካቦም ተሳተፍቲ ናይ ገንዘብ ወፈያ ክሓትት ከም ዝተገደደ እውን ገሊጾም።

ፈጻሚ ጉድያት ናይቲ ኤምባሲ ኣቶ ብርሃነ ገ/ህይወት፡ “ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ምዕበለታት” ኢሉ ንተሳተፍቲ  ከብርህ እንከሎ፡ “ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ኣባይቲ ንምህናጽን ኣብ ካልእ ልምዓታዊ ስረሓት ንምውፋርን ናብ ኤርትራ ይኣትዉ ኣለዉ፡ ስለዚ  ንስኻትኩም እውን ከተውፍሩ ኣለኩም ዝብል መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።” ተሳተፍቲ ብወገኖም “ቅድሚ ሕጂ ብገንዘብና መሬት ሸጥኩምልና ከተብቅዑ፡ ከይንሰርሖ ኣጊድኩምና፡ ስለዚ እትብሎ ዘለኻ ንዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ዘጽመመና ዘይትግበር ፕሮፖጋንዳ እዩ።” ዝብል መልሲ ሂቦም  ኣስንበድዎምዎ። ኣብ ርእሲዚ፡ “ምሳኻትኩም ዘሎ ርሂጽና ዘምጻናዮ ገንዘብና ኣብ ካልእ መዓላ ከነውዕሎ ክትመልሱልና  እዩ ምርጫና” ከም ዝበልዎ’ውን እቲ ካብቲ ኣዳራሽ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤምባሲ ኣብ ኦክላድን ኣብ ዘካየዶ ተመሳሳሊ ኣኼባ እውን፡ ተመሳሳሊ ብደሆ ከም ዝገጠሞም እቶም ምንጭታት ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ኣብዘሓ ወንበር ዘለዎ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘሎ ኣካልን ካብኡ ወጻኢ ዘሎ ብዶር ደብረጼ ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ወገን ናይቲ ውድብን ተፈጢሪሩ ዘሎ ምክፍፋል ንክፈትሕ ኣብ ትግራይ ዝቖመ ኣካል ከምዘሎ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ናይ 13 ጥቅምቲ 2024 ሕታማ ኣፍሊጣ።

እቲ ክዓርቕ ቆይሙ ዘሎ፡ ናይ ትግራይ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ፡ ገርዓልታ ትካል ልምዓትን ስልጠናን፡ ማሕበራት ንግዲ ትግራይ፡ ማሕበራት ሲቪል ትግራይን ካለኦትን ብኣባልነት ዝርከበኦ 7 ማሕበራትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝሓቖፈ ኣካል  ምንቅስቓስ ጀሚሩ ከም ዘሎ  እታ ጋዜጣ ኣፍሊጣ።

ኣብቲ ንክልቲኦም ወገናት ንከመያይጥ ተመዚዙ ዘሎ ልኡኽ፡ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንትግራይ ወኪሎም ተሳታፊ ካብ ዝነበሩ፡ ኣንበሳደር ወንድሙ ኣሳምነው፡ መስራቲ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ፕሮፈሶር ምትኩ ሃይለን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ትግራይ ሊቀጳጳስ መቐለ ኣባ ጥዑም በርሀን ከም ዝርከብዎም እውን ተሓቢሩ። ኣብቲ ጉዳይ ነቲ ጋዜጣ ዝሓበረ ኣንበሳደር ወንድሙ፡ ምምይይጥ ምጅማር ዘኽእሎም ምድላዋት ይገብሩ ከም ዘለዉ ኣረጋጊጹ። እዚ ከምዚሉ እከሎ ክሳብ ቅድሚ ሕጂ ብኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ብጳጳሳትን ብሲቪላዊ ማሕበራትን ትግራይ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝተገብረ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።

እቲ ዜና እቲ ኣብ መራሕቲ ጥራይ ተወሲኑ ዝጸንሐ ምክፍፋል፡ ደሓር ግና ናብ ግዝያዊ ምምሕዳርን  ህዝብን ይልሕም ስለ ዘሎ፡ ናብ ከቢድ ጸገም ከይሰግር ይስጋእ ከም ዘሎ ሪፖርተር ኣስፊራ። እቲ ክዓርቕ ዝቀራረብ ዘሎ ኣካል ጉዳይ ትግራይ ብዘተ ንምፍታሕ ተበጊሱ ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ ተዋሳእቲ ፖለቲከኛታት’ውን ፍልልያቶም ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ክተብዑ ከም ዝግበኦም መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ኣብቲ ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ርኢቶኡ ክህብ ትጽቢት ዝተገብረሉ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዋላኳ ምስ መራሕቲ ክልቲኡ ክፋላት ህወሓት ይራኸብ እንተሃለወ ዝሃቦ መፍትሒ ሓሳብ የለን።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብዚ ቀረባ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ፡ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ኩነታት ብዝምልከት፡ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ቅልውላውን  ዘይምርግጋእን ዝመዘነ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ካብ ተመኩሮ እውን ከም ዘረጋገጾ፡ እቲ መዋጸኦ ውግእን ምፍንጫላን  ዘይኮነ፡ ብስልጡን መንገዲ ዘተን ልዝብን ጥራይ ስለ ዝኾነ፡  ንዓኡ ክኽተሉ ኣተሓሳሲቡ።” ዝብል ይርከቦ

24.09.2024

Martyr Mohamed Adem Artaa 1

ብሕማም ምኽንያት ንነዊሕ ግዜ ድሕሪ ምስቃይ፡ እቲ ኣብ ሞያ ማሕበር ንጡፍን መራሕን ዝነበረ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ኣብ ወጋሕታ ቀዳም ብዕለት 24.08.2024 ኣብ ካይሮ ርእሰ-ከተማ ግብጺ ተሰዊኡ።

ስዉእ ኣርትዓ ብ1958 ዓ.ም ኣብ ኣቑርደት፡ ርእሰ-ከተማ ባርካ ተወሊዱ። ኣቦ 5 ኣወዳትን ኣዋልድን ኢዩ። በኹሪ ወዱ መርዋን፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ድሕሪ መርዓ ሓዉ ብሃንደበት ዓሪፉ። ብሞት ናይ ውላዱ ብርቱዕ ሓዘን ኢዩ ዝስምዖ ዝነበረ። ከም ኣጋጣሚ ከኣ ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ እውን ኣብ’ታ ውላዱ ዝዓረፈላ ዕለት 24 ነሓሰ ኢዩ ተሰዊኡ። ስዉእ ኣርትዓ ናይ ከተማ ኣቑርደት፡ ናይ ሩባ ባርካን ስንጭሮታቱን፡ መስጊዱ፡ ከም ዓካት ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ፍሬታትን ፍሩታታትን ናይ ዓርኮብኮባይን ዶምን  ጥቕምታቶምን ኣበቛቑሎኦምን ኣመዓባብልኦምን ደረጃ ዕብየቶምን ኣዴታትን ህጻናትን ፍሬታት ክለቕሙ ከለዉ እናዘከረ ብዓሚዩቕ ናፍቆትን ፍቕርን ኢዩ ዝገልጾም ነይሩ። ካልእ ስዉእ ኣርትዓ ቃንዝኡ ቅሩብ ቅልል ክብለሉ ከሎ ኣብ ዓራቱ ኰይኑ ብዛዕባ እታ ብጸላም ሰንበት እትፍለጥ ግዙፍን ደማውን ህልቂት ዝተፈጸመላ ዕለት፥ ከምኡ’ውን፡ ብዛዕባ’ቲ ምሉእ ህይወቱ ዋጋ ዝኸፈለሉ እሞ ሞሳ ዘይረኸበሉ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ የዘንትወልና ነይሩ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ናይ ስቓይ መነባብሮ ናይ ኩሎም ክቡራት ተጋደልቲ ትዕድልቲ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ።

ተቓላሲት ከተማ ኣቑርደት ንካብ ደገ ዝመጹ ጨቆንቲ ገዛእቲ ይኹን ካብ ውሽጣ ዝበቖሉ ጨቆንቲ ኣምሓደርታ እሾኽ’ያ ነይራ። ንኣቑርደት ከም’ዚ ኢለ ክንእዳ እንከለኹ፡ ነተን ካልኦት ከተማታትን ቁሸታትን ኤርትራ፡ ካብኣ ዘይውሕድ ዝኸፈልኦ መስዋእቲ ንምንእኣስ ወይ ንምርሳዕ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን ንኣቑርደት ህያው (በረኸት ኣቡ ሁመድ)፡ ካብ ካልኦት ከተማታትን ቁሸታትን ኣፍሪቃ  ዝፈልያ ግን፡ ኣብ ጽንኩር ኩነታት መዕቆቢትን መፈልፈሊትን ማህጸን ናይ ሰውራውያን ስለዝነበረት ኢዩ። ኣቑርደት፡ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ዓቢ ግደ ዝተጻወቱ ማእለያ ዘይብሎም ጀጋኑ፡ መራሕትን ሰማእታትን ዝኸፈለት ከተማ  ኢያ። ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ከኣ፡ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣብ ኩሉ መድረኻት ሰጋእ ከይበለ፡ ተስፋ ከይቆረጸ፡ ምእንቲ ናጽነት፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ናይ ኩሎም ዜጋታትን ማሕበራዊ ክፍልታትን ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣብ መትከሉ ጸኒዑ ዝተቓለሰን፥ ኩሎም ኤርትራውያን ማሕበራዊ ክፍልታትን ፓለቲካውን ስነሓሳባውን ሓይልታቶም ብመሰረት ዜግነታዊ መሰላት ዝምሓደሩላ ሃገር ክርኢ ዝተቓለሰን ባእታ ኢዩ።

ተቐማጦ ናይ ኣቑርደትን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ቁሸታትን ንሰውራኦምን ተጋደልቶምን ንምሕላው ከቢድ ናይ ገንዘብን ህይወትን ዋጋ ከፊሎም ኢዮም። ትዕድልቶም ስለዝዀነ ሰውራ ኤርትራ ካብ ማሕበራዊ ክፍሎምን ካብ መሬቶምን ኢያ ተወሊዳ። እቲ ምኽንያት ከኣ፡ መሬቶም ከተማኦምን ካብ’ቲ ማእከል መደበራት ስልጣን ናይ ገዛእቲ ርሕቕ ዝበለ ስለዝነበረ ኢዩ። ስለ’ዚ ከኣ’ዮም እቶም ቀዳሞት ገዳይም ተጋደልቲ ከቢድ ጾር ሰውራ ክስከሙን ሎሚ እንተዀነ ውን መብዛሕትኦም ናይ ስደት ሓሳረ-መክራ ዝመልኦ መነባብሮ ከሕልፉን ተገዲዶም ዘለዉ።

ህዝብና፡ ሰውራኡ ካብ ዘበገሰሉ እዋን ኣትሒዙ ኣንጻር መግዛእቲ ሃይለስላሰ ናይ ክብሪ ውግእ ኢዩ ኣካይዱ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ሰውራና ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ናይ ኤርትራ ስለዝተላብዐ ናይ ኩሉ ማሕበራዊ ክፍልታት ህዝብና ተሳትፎን መስዋእትን ውን እናዛየደ ከደ። እንተዀነ ግን፡ ዋላ ውን መግዛእታዊ ሓይሊ ካብ መሬትና ከነባርር እንተበቓዕና፡ እቲ ንሃገርና ከዲንዋ ዝነበረ ስእነት ፍትሒ ከነባርር ኣይከኣልናን። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሃለዋት ከኣ ኢዩ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ፡ ንነፍስወከፍና  በብናትና ኣገባብን ብዝተፈላለየ ክብደቱን ከነስተማቕሮን ክገጥሞን ዘሎና ናይ ፍቕርን ምረትን ሃለዋትን ክሽፈን ዘይከኣል ባዶነትን ገዲፉልና ናብ ናይ ዘልኣለም ዕረፍቱ ዝኸደ።

Martyr Mohamed Adem Artaa 2

ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ምስ ተጨውዩ ዝተሰወረ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ኣብ ደማስቆስ ብ1997

ስዉእና ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሃገራዊ ሰውራዊ ኩነታት ኢዩ ዓብዩ። ካብ ንእስነቱ፡ ገድላዊ ክብርታትን ሃገራዊ ፍቕርን እናተመገበ ኢዩ ናብ ገድሊ ተሰሊፉ ክሳብ እቲ እተቓለሰሉ ዕላማታት ዝዕወት ድማ ብጽንዓት ቀጺሉን ተቓሊሱን።

ኣዲኡ ወይዘሮ ዓይሻ ጓል ሰይድና ኣልሑሴን ብ1967 ዓ.ም ስለዓረፈት ንበይኑ ካብ ኣሕዋቱ ተፈልዩ ብመጒዚትነት ናይ ዉሩይ ሃይማኖታውን ማሕበራውን መራሒ ኣብ ኣቑርደት ዝነበረ ነፍስሄር ኣብሓጎኡ (ብናይ ኣዲኡ ሸነኽ) ሰይድና ሑሴን (ኣምላኽ ምሕረቱ የውርደሉ) ኢዩ ዓብዩ።

መሓመድ ኣደም ኣርትዓ፡ ቁርኣን ኣብ’ቲ ብሓወቡኡ ዝውነን ዝነበረ መባእታ ሃይማኖታዊ ቤት ኢዩ ኣጽኒዑ። ካብኡ ናብ ሲቪላዊ ቤት ትምህርቲ ናይ ኣቑርደት ቀጺሉ። ብኣንጻሩ ዝበዝሑ ካብ ኣቑርደት ይኹን ካብ ካልእ ቦታታት ናይ ኤርትራ ዝመጹ ዝነበሩ ተመሃሮ፡ ኣብ’ቲ ናይ ሰይድና ሑሴን ናይ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ኢዮም ዝቕጽሉ ዝነበሩ። ስዉእ ኣርትዓ፡ ህዱእ፡ እሙን ንህዝቡን ንሃገሩን፡ ሕጉስን ፍሽኽታ ዘይፍለዮን ተዋዛያይን፥ ከምኡ’ውን ናይ ፖለቲካ ስነ-ልቦናን ማሕበራዊ ፍልልያት ብዘየገድስ ምስ ኩሉ ዝዛተ ልዙብን ብሉጽን ሰብኣዊ ፍጡር ኢዩ ነይሩ። ካብ ጉጅላዊ ማሕበራዊ ስምዒታትን ዝምድናታትን ሓራ ዝዀነ፥ ኣብ መትከላት ናይ ነጻነት፡ ማዕርነት፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ጽኑዕ እምነት ዝነበሮ ባእታ ኢዩ ነይሩ። ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ኣብ ዙርያኡ ዝፍጸም ጉዳያት ክፈልጥ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ዓበይቲ ዓዲ ብዙሕ ይግደስ ነይሩ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ኣብ እንዳ ኣባሓጎኡ ሰይድና ሑሴን ዝግበር ኩሉ ነገራት ይከታተል፥ ከምኡ’ውን፡ ብዛዕባ ሰውራታትን ሰውራውያንን ብዙሕ ይፈልጥን የንብብን ነይሩ። ሕልምታቱ ኣብ ሽቶኡ ከየብጽሐ ግን ተሰዊኡ። እዚ ኣብ ስዉእ ኣርትዓ ዘጋጠመ መደምደታ፡ ኣብ ኩሎም ክቡራት ተጋደልትና ዝደጋገም ዘሎ ኣሕዛኒ ተመኩሮ ኢዩ።

ኣኮኡ መሓመድ ጣህር ኣልሑሴን ምስ ኣርትዓ ጥቡቕ ዝምድና ስለዝነበሮ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ጽልዋ ኣሕዲርሉ ኢዩ። ኣርትዓ፡ ኣኮኡን ካልኦት ስሩዓትን ካብ ጨንፈር ኣቑርደት ንዕለታዊ መነባብሮ ናይ ተጋደልቲ ዘድሊ መግብን ንብረትን  ኣኪቦም ነቶም ተጋደልቲ ክህብዎም ከለዉ ይርኢ ነበረ። ወዲ 13 ዓመት ምስ ኰነ ከኣ፡ እቲ ንተጋደልቲ ዘድሊ ነገራት ካብ’ቶም ስሩዓት ናይ ተሓኤ ዝነበሩ ነጋዶ ኣኪቡ ናብ ተጋደልቲ ከብጽሕ ጀመረ። ኣኮኡ መሓመድ ጣህር፡ ሓደ ግዜ ካብ ማእሰርቲ ክሃድም ክፍትን ከሎ ስለዝቖሰለ ተታሒዙ ን7 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣርትዓ ምስ ብዙሓት ተጋደልቲ ከም በዓል ዓሊ ሕንጢ፡ ያሲን ዓሊ ጃምዕ፡ ጃዕፈር መሓመድ ኑር፡ ሱልጣን ኣልዓፋሪን ካልኦት ንጡፋት ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታትን ማሕበር መንእሰያትን ክፋለጥ ክኢሉ ኢዩ። ሓደ እዋን ኣብ ናይ ተለፎን ርክብና ከመይ ኢሉ ንሜዳ ከምዝወጸ? ሓተትክዎ። ዋላ’ኳ ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ  ሓባራዊ  ገድሊ ተመኩሮን ሓባራዊ ፖለቲካውን ስነሓሳባውን ዕግበታትን እንተነበረና፥ ከምኡ’ውን ከም ዓቢ ሓወይ ይቖጽሮ ዋላ እንበር፥ ብዛዕባ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታና፡ ማሕበራዊ ኣተዓባብያናን ውልቃዊ ህይወትናን ጥልቕ ዝበለ ናይ ሕድሕድ ኣፍልጦ ኣይነበረናን። ስለ’ዚ፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ከልዕል እንከሎኹ ብሓደ ሸነኽ ንኽፈልጥ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ነቲ ቃንዛኡ ከረስዖ ካብ ዝብል ዕላማ’ዩ ነይሩ። ናይ መወዳእታ ግዜ ብኣካል እተራኸብናሉ  ነዊሕ ኰይኑ ኢዩ ማለት ብ1997 ዓ.ም ኣብ ደማስቆስ ኢዩ ነይሩ። ስለ’ዚ፡ እቲ ኣብ ዓራቱ ኰይኑ እናተሳቐየ ዝሃበኒ መልሲ ኣብ ዝኽርታተይ ናይ ገለገለ ናይ ሓባር ተመኩሮታትና ዝተመርኰሰ ክኸውን ኢዩ።

ስዉእ ኣርትዓ፡ ናብ ተሓኤ ዝተሰለፈሉ ዕለት ድሕር’ቲ ዘሕዝንን ዘይርሳዕን ብትእዛዝ ናይ ሻምበል በለው ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ህዝቢ ኣቑርደት ዝፈጸሞ ህልቂት ምንባሩ ገሊጹለይ። እቲ ህልቂት ድማ፡ ከም ሕነ ምፍዳይ ናይ’ቲ ብደባይ ተዋጋእቲ (ፈዳይን) ተሓኤ ዝተቐትለ ተኽለ ሰለሙን እተባህለ ሰላዪ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምንባሩ ኣዘንትዩለይ።

ቀጺሉ፡ እቲ  ተረኽቦ ዘጋጠመሉ ህሞት፡ ካብ ጀርዲን ናይ ኣባሓጎይ ናብ ክተማ ክምለስ ከለኹ ናይ’ቲ ህዝቢ ዘይልሙድ ዝዀነኒ ምንቅስቓሳት ተዓዘብኩ። ብዙሓት ሰባት ፍኹስ ዝበለ ጾር ተሰኪሞም ካብ ከተማ ክሃድሙ ስለዝረኣኹ፡ እንታይ ሓድሽ ተረኽቦ ከምዘጋጠመ ነቶም ዝረኸብክዎም ምስ ሓተትክዎም፥ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ኣትዩ ብዙሕ ህዝቢ ከምዝቐተለ ሓበሩኒ። ናብ ማእከል ከተማ ከይኣቱ ድማ መኸሩኒ። ኣነ ግን ቀጺለ ናብ ማእከል ከተማ ኣተኹ። ኣብኡ ናይ ህጻናት፡ መንእሰያት፡ ኣንስትን ሽማግለታትን ናይ እንስሳታት ሬሳታት ውን ከይተረፈ ብብዝሒ ኣብ ጽርጊታት ተጸጢሑ ርኣኹ። ንእዝኒ ዘጽምም ድምጺ ናይ ተኹሲ’ውን እሰምዕ ነበርኩ በለኒ።

ምስ’ቶም ሓንቲ በደል ከይፈጸሙ ብውልቀ ይኹን ብእኩብ ብጭካኔ ዝተቐትሉ ሰባት ናይ ዝፈልጦም ሰባት ሬሳታት ውን ረኺበ። ናይ’ታ ከተማ ጸበብትን ገፋሕትን ጐደናታት ስለዝፈልጥ ኣብ’ቶም ጸበብቲ ተሓቢአ አሕሊፈዮ። ገዛ ኣኮይ ርሑቕ ስለዝነበረ ክበጽሖ ኣይከኣልኩን። ኣብ’ቲ ህልቂት ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ገለ ካብ ኣዝማደይ፡ ኣዕሩኽተይን ጐረባብተይን ውን ብዓይነይ ርእየ በለኒ።

ዘረብኡ ብምቕጻል፡ ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ጸበብቲ ጐደናታት መንእሰያት እናሃደሙ ኣጋጢሞምኒ፥ ኣነ ውን እናሰዓብክዎም ኣብ ኢድ ብዙሓት ፖሊስ ወደቕና።  እቶም ፖሊስ ብበትሪ እናሃረሙ ንብዙሓት ካባና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣእትዮም ክፍትሹና ጀመሩ። ኣነ ከኣ ብዕድል ኣብ ቁጽጽር ናይ ሓደ ፖሊስ ኣቶኹ። ንሱ ብበትሪ እናሃረመ ክፍትሸኒ እንከሎ፡ ኣብ ጁባይ ሓንቲ ቅድሚ’ቲ ህልቂት ሰሙን ኣብ ዝተኻየየደ ናይ 800 ሚተር ናይ እግሪ ቅድድም ተዓዊተ ዝተሸለምክዋ ሰዓት ረኸበ። እታ ሰዓት ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ክብርቲ ኢያ ነይራ። እቲ ዝሓዘኒ ፖሊስ ንዓኣ ክሰርቕ ስለዝመረጸ ንዓይ ክሃድም ወይ ክድሕን ዕድል ኣጋጢሙኒ ኢዩ በለኒ።

ኣነ ኣብ ገዛ እንዳ ኣባሓጎይ መሬት ምስ ጸልመተ ብለይቲ ኢየ በጺሐ። ኣኮይ ብምምሳየይ ተሻቒሉ ኣብ ማዕጾ ናይ ገዛና ክጽበየኒ ጸኒሑ። በቲ ኣብ ስድራና ዝጽውዓሉ ስጓ መጺእካ’ዶ ኣንታ ጐታን (ኣቡ ቖጃ) በለኒ። ድሕር’ዚ ኩሉ ብገዛእቲ ዝተፈጸመ ግናይ ግፍዒ፡  ዓዛብን ምጉታትን ኣነ ንሜዳ ክወጽእ ወሰንኩ ይብል።  

Martyr Mohamed Adem Artaa 3

ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓን ተጋዳላይ ዒሳ መሓምድን ምስ ዓቢ መራሒና ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ

ኣስዒቡ፡ ብኡ ንብኡ ክንዕለም ጀመርና። ኣብ’ታ ዝነበርክዋ ጉጅለ ዝነበሩን ዝነበራን ተጋደልቲ ነስረዲን ሮመዳን፡ መሓመድ ኢድሪስ ኣቡ ኼር፡ ሳዕድያ ራካ፡ ዓሻ ራካ፡ ጀማል መሓመድ ዓሊ፡ እሙናን ቡቱልን ደቂ ሓወቦታተይ ሙሓመድ ኣማንን ካልኦት ክዝክሮም ዘይከኣልኩን ነበሩ።

ድሕሪ ወተሃደራዊ ታዕሊም ምዝዛመይ ሓደ ኣህጉራዊ ትምህርቲ (course) ድሕሪ ምውሳድ ኣብ ናይ ርእሰ ዓንቀጻዊ ቦርድ ዜና ናይ ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ተመዘዝኩ።  ምሳይ ውን ኑሪ መሓመድ ዓብደላን ዓብደላ ኣፈንዲን ነበሩ። ኣብ ኤሊት ዝብሃል ከባቢ ከኣ ነይሩ መደበርና ብምባል ዘረባኡ ዛዚሙ።

ምስ ስዉእ ኣርትዓ ኣብ ዝገበርናዮ ዝርርብ ካብ’ቲ ዝኽርታተይ ተበጊሰ ክጽሕፎ ከለኹ ኣዝዩ ዘሳቐየኒ ድማ፡ እቲ ታሪኽ ህይወቱ ይምዝግቦ ከምዘለኹ ተረዲኡ “ዎ መሓመድ እቲ ግዜ እናኣኸለ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ካብ ሕጂ ዝተረፈ ናይ ምንባር ዕድል የለን ምስ በለኒ ስምዒታተይ ክቆጻጸር ስለዘይከኣልኩ ስቕ ኢለ። እቲ ዝቐሰምክዎ ትምህርቲ፡ ሓዘንን መረረን ውሒጠ ንነብሰይ ተቖጻጺረ “ኣምላኽ ዕድመ ይሃብካ፥ ከምኡ ኣይትበል፥ ንሕማምካ ስዒርካ ዕላማታት ናጽነት፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ህዝብና ክሳብ ዝዕወት ብሓባር ጉዕዞና ክንቅጽል ኢና” በልክዎ።

ምስ ኣርትዓ ብ1985 ኣብ ፖርት ሱዳን ኢና ተራኺብና። ቅድሚኡ ግን ኣብ’ታ ዝነበርናያ ከተማ ኣቦይ ኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታት ስለዝነበረ ሒዙኒ ኣብ ብዙሕ ህዝቢ ዝሳተፎ ኣኼባታት ይወስደኒ ስለዝነበረ ንኣርትዓ ኣብኡ ኢየ ዝርእዮ ዝነበርኩ። ድሒሩ ግን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ምስ ኰነ ብቐረባ ክራኸቦ ጀሚረ። ካብ’ቲ ግዜ’ቲ ጀሚርና ምስ ብዙሓት ናይ ቃልሲ ብጾትናን መማህርትናን ፖለቲካዊ፡ ብጻያውን ሕውነታውን ርክብና ኣየቋረጸን። ኣርትዓ እሙን ሓው፡ ፈታው ሰብ፡ ለጋስ፡ ክኢላ ተላዛባይ፡ እሙን ንህዝቡን ንሃገሩን፡ ተጻዋራይን  ብሓሳብን ብግብርን ዲሞክራስያዊ ኰይኑ ኢየ ረኺበዮ። ንዕኡ ብምኽሳረይ ልበይ ከፊተ ዝህቦ፡ ዝኣምኖ፡ ነቲ ነዊሕ ቃልሲ ሓቢርና ክንጓዓዞ ዘኽኣለን በዓል ፖለቲካውን ስነሓሳባውን ዕግበት ዝዀነ ዓቢ ሓው ኢየ ከሲረ። ማሕበራዊ ጽልእን ጽበትን ኣይርእየሉን ኢየ። ልዕሊ ኩሉ ማሕበራውን ባህላውን ፍልልያት ኰይኑ ካብ ሰብኣውነት ዝተበገሰ ፍቕሪ፡ ኣላዪን ሓቋፍን ባህርያት ዘለዎ፥ ብዓው ዝበለ ሰሓቑ፡ ፍሽኽትኡ ተዋዛይነቱን ከም መብዛሕትኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣቑርደት ኣብ ከባቢኡ ዝኣኻኽበና ተቓልሳይ ነበረ።

ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣባላት ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ዓቢ ግደ ኢዩ ነይርዎ። ምኽንያቱ ከኣ፡ ፍትው፡ እሙን፡ ግሉጽን ንኹሉ ሕብረተ-ሰብኣዊ ቀጸላታትን ፖለቲካዊ ዝንባሌታትን ዘይፈላልን ስለዝነበረ ኢዩ። ካብ ዝተሰለፈሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብ’ቲ ሃገራውን ዲሞክራስያውን ታሪኻዊ ግደ ዘበርከተሉ ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ተመዲቡ ክሳዕ ላዕለዋይ ጽፍሕታቱ በጺሐ። ብ1978 ዓ.ም ናይ ሞያ ማሕበር ትምህርቲ ንምቕሳም ኣብ ደማስቆስ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳብ ኣብ ኣልቁርባን ሓልፋን ከም ካድር ተመዲቡ ተቓሊሱ። ከምኡ’ውን፡ ኣብ’ታ ንወራር ናይ ህዝባዊ ግንባርን ህወሓትን ንምብዳህ ኣብ ሰማንያታት ዝቖመት ኮሚቴ ኣባልን ካድር ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣብ ፖርትሱዳንን ኰይኑ ተቓሊሱ።

ተሓኤ ናብ’ቲ ብምንቅስቓስ 25 መጋቢት ዝፍለጥ ብስዉእ |ዓብደላ ኢድሪስ ዝምራሕ፡ ሓፈሻዊ ዝምባሌ (ተያር ኣልዓም) ዝተባህለ ብስዉእ ሙሓመድ ኣሕመድ ናስር ዝምራሕን ብሳግም ዝፍለጥ ብኢብራሂም ቱቲል ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጸ ዝምራሕን ሰለስተ ውድባት ምስ ተኸፍለ  ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ  ምስ’ቲ ሓፈሻዊ ዝንባለ ዝተባህለ ውድብ ኢዩ ደው ኢሉ።

ድሕር’ቲ ኣብ መንጐ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን (ሓፈሻዊ ዝምባሌ) ኣብ መንጐ ብስዉእ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ዝምራሕ ዝነበረ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተኸደ ፍሹል ናይ ምጽንባር ሓድነት፥ ስዉእ ኣርትዓ ምስ’ቲ ዝተጸናበረ ውድብ ኢዩ ደው ኢሉ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ምጽንባር ከይሰጐመ፥ ብኣሕመድ ጃስር ዝተባህለ ስዉእ ወተሃደራዊ ሓላፊ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ምስ ካልኦት ብጾቱ ተቐይዱ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኸውን ግዜ ኣዝዩ ሕማቕ ዝዀነ ኣሰቃቒ ናይ ማእሰርቲ ህይወት ኣሕሊፉ።

Martyr Mohamed Adem Artaa 4

ስዉእ ኣርትዓ፡ ድሕር’ቲ ናይ 1985 ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ሰሚናር፡ ንስዉእ ተጋዳላይ ኢብራሂም ማሕሙድ ሃዛም ተኪኡ ወኪል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኰይኑ ኣብ ፖርትሱዳን ተመዚዙ። ኣብ’ቲ ብ1989 ዝተኻየደ ሳልሳይን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ራብዓይን ምዱብ ጉባኤታት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ (ማእከላይ መሪሕነት) ኰይኑ ተመሪጹ። ድሕሪ’ቲ ብግንቦት 1991 ዝተረጋገጸ ናጽነት ድማ፡ ኣብ’ቲ ሃገራውን ዲሞክራስያውን መርገጽ ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ደው ኢሉ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ተቓሊሱ።

ከምኡ’ውን፡ ኣብ ልዕሊ ወኪል ቤት ጽሕፈት ከሰላን ካርቱምን ኰይኑ ምግልጋሉ፡ ድሒሩ ወኪል ሰልፊ ህዝቢ ኣብ ሱዳንን ንውሽጣዊ መደብ ምንቅቓሕ ናይ ሰልፊ ህዝቢ ኣብ ምድላው ዝተመዘዘ ኮሚቴን ኣባል ኰይኑ እጃሙ ኣበርኪቱ። ብዝነበሮ ተቐባልነት ንብዙሓት ናይ ዘተ ሽማግለታት መሪሑ ምስ ብዙሓት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዘተታት ኣካይዱ። ሓደ ካብ’ኦም እቲ ብእስማዒል ናዳ ዝምራሕ ዝነበረ ምንቅስቓስ ጋሽ ሰቲት ዝተባህለ ውድብ ኰይኑ ክሳብ ምጽንባራዊ ሓድነት ከምዝበጽሐ ዝፍለጥ ኢዩ።

ድሕሪ ምፍንጫል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ስዉእ ኣርትዓ ኣብ ጐድኒ’ቲ ብስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝምራሕ ዝነበረ ሸነኽ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ደው ኢሉ። እቲ ካልኣይ ሸነኽ ከኣ ብመሪሕነት ስዉእ ኣሕመድ ሙሓመድ ናስር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ መስሪቱ።

ኣብ መንጐ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ብመስፍን ሓጐስ ዝመራሕ ዝነበረ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ኣብ ዝተገብረ ናይ ሓድነት ጉባኤ፡ ስዉእ ኣርትዓ ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኰይኑ ተመሪጹ።

ጥዕናኡ እናኣንቆልቆለ ክኸይድ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ድማ ኣብ መሪሕነት ክምረጽ ኣይደለየን። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ መንግስቲ ኢንቃዝ (ድሕነት) ናይ ሱዳን ምስ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ተመሓዝዩ ስለዝነበረ ኣብ ሱዳን ብተቓወምቲ ስርዓት ኤርትራ ዝካየድ ፖለቲካዊ ስርሓት ተኸልኪሉ ኢዩ ነይሩ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን፡ እቲ ምሉእ ህይወቱ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራን ህዝባን ዝተቓለሰ ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓን ከምኡ ዝኣመሰሉ ካልኦት ቅድሚኡ ዝሓለፉን ብሕጂ ውን ብድሕሪኡ ዝሓልፉን ጽኑዓትን ምዑታትን ተጋደልቲ  ኣብ ሃገሮም ዝቕበሩላ መሬት ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ኩሎም ክቡራት ተቓለስቲ ኣብ’ታ ህዝባን መሬታን ሰላምን ልዑላውነትን ተኸቢሩ ክነብሩላ ዝሓልምዋ ዝነበሩን ምእንትኣ ብህይወት ይኹን ብገንዘብ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈሉላን ሃገር ድሌቶም ክፍጸመሎም ጽቡቕ ድሌተይ ምዃኑ ክገልጸሎም እፈቱ።

ንኹሎም  ለጋሳት ስድራ ቤቱን ከምኡ’ውን ስድራ ቤት ሰይድና ሑሰንን ብኹሉ ዝከኣሎም ዝሓገዙ መቓልስቱ ኣባላት ሰዲህኤን ኣዕሩኽቱን ኣብ ግዜ ሕማሙ ኣብ ጐድኑ ደው ዝበሉን ጽንዓት ይሃብኩም።

ናጻ ኤርትራ፡ ምሕረት ንኹሎም ሰማእታትና

ካብኡ ተፈጢርና ናብኡ ከኣ ንምለስ