ክራይ ኣዳራሽ ምኽፋል ዝተጸገመ ኣኼባ ህግደፍ
2024-10-22 12:02:01 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 190 timesኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሳንሆዘ፡ ብኤምባሲ ህግደፍ ዝተጸውዐ ኣኼባ ሰዓት 2ተ ክጅመር ተምዲቡ 5ተ ሰዓታት ደንጉዩ ሰዓት 7ተ ከም ዝተጀመረን ኣሸሓት ክሳተፍዎ ትጽቢት ተነቢርሉ ከብቅዕ ኣስታት 40 ጥራይ ከም ዝተሳተፍዎ ነቲ ኩነታት ብኣካል ዝረኣይዎ ሓቢሮም። እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኸር ከም ዝበልዎ፡ እቲ ኣኼባ ዝጸውዐ ኤምባሲ ህግደፍ ክራይ ኣድራሽ ክኸፍል ስለ ዘይከኣለ፡ ካብቶም ዝርካቦም ተሳተፍቲ ናይ ገንዘብ ወፈያ ክሓትት ከም ዝተገደደ እውን ገሊጾም።
ፈጻሚ ጉድያት ናይቲ ኤምባሲ ኣቶ ብርሃነ ገ/ህይወት፡ “ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ምዕበለታት” ኢሉ ንተሳተፍቲ ከብርህ እንከሎ፡ “ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ኣባይቲ ንምህናጽን ኣብ ካልእ ልምዓታዊ ስረሓት ንምውፋርን ናብ ኤርትራ ይኣትዉ ኣለዉ፡ ስለዚ ንስኻትኩም እውን ከተውፍሩ ኣለኩም ዝብል መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።” ተሳተፍቲ ብወገኖም “ቅድሚ ሕጂ ብገንዘብና መሬት ሸጥኩምልና ከተብቅዑ፡ ከይንሰርሖ ኣጊድኩምና፡ ስለዚ እትብሎ ዘለኻ ንዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ዘጽመመና ዘይትግበር ፕሮፖጋንዳ እዩ።” ዝብል መልሲ ሂቦም ኣስንበድዎምዎ። ኣብ ርእሲዚ፡ “ምሳኻትኩም ዘሎ ርሂጽና ዘምጻናዮ ገንዘብና ኣብ ካልእ መዓላ ከነውዕሎ ክትመልሱልና እዩ ምርጫና” ከም ዝበልዎ’ውን እቲ ካብቲ ኣዳራሽ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
እቲ ኤምባሲ ኣብ ኦክላድን ኣብ ዘካየዶ ተመሳሳሊ ኣኼባ እውን፡ ተመሳሳሊ ብደሆ ከም ዝገጠሞም እቶም ምንጭታት ኣፍሊጦም።