ብምኽንያት ሕልፈት መሓመድ ኣደም ኣርትዓ፡ ንነብሰይ ንምጽንናዕን ንሓዘን ናይ ብጾተይ ንምግላጽን
2024-10-11 13:18:40 Written by ብመሓመድ ኢድሪስ ዓብደላ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 467 times24.09.2024
ብሕማም ምኽንያት ንነዊሕ ግዜ ድሕሪ ምስቃይ፡ እቲ ኣብ ሞያ ማሕበር ንጡፍን መራሕን ዝነበረ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ኣብ ወጋሕታ ቀዳም ብዕለት 24.08.2024 ኣብ ካይሮ ርእሰ-ከተማ ግብጺ ተሰዊኡ።
ስዉእ ኣርትዓ ብ1958 ዓ.ም ኣብ ኣቑርደት፡ ርእሰ-ከተማ ባርካ ተወሊዱ። ኣቦ 5 ኣወዳትን ኣዋልድን ኢዩ። በኹሪ ወዱ መርዋን፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ድሕሪ መርዓ ሓዉ ብሃንደበት ዓሪፉ። ብሞት ናይ ውላዱ ብርቱዕ ሓዘን ኢዩ ዝስምዖ ዝነበረ። ከም ኣጋጣሚ ከኣ ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ እውን ኣብ’ታ ውላዱ ዝዓረፈላ ዕለት 24 ነሓሰ ኢዩ ተሰዊኡ። ስዉእ ኣርትዓ ናይ ከተማ ኣቑርደት፡ ናይ ሩባ ባርካን ስንጭሮታቱን፡ መስጊዱ፡ ከም ዓካት ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ፍሬታትን ፍሩታታትን ናይ ዓርኮብኮባይን ዶምን ጥቕምታቶምን ኣበቛቑሎኦምን ኣመዓባብልኦምን ደረጃ ዕብየቶምን ኣዴታትን ህጻናትን ፍሬታት ክለቕሙ ከለዉ እናዘከረ ብዓሚዩቕ ናፍቆትን ፍቕርን ኢዩ ዝገልጾም ነይሩ። ካልእ ስዉእ ኣርትዓ ቃንዝኡ ቅሩብ ቅልል ክብለሉ ከሎ ኣብ ዓራቱ ኰይኑ ብዛዕባ እታ ብጸላም ሰንበት እትፍለጥ ግዙፍን ደማውን ህልቂት ዝተፈጸመላ ዕለት፥ ከምኡ’ውን፡ ብዛዕባ’ቲ ምሉእ ህይወቱ ዋጋ ዝኸፈለሉ እሞ ሞሳ ዘይረኸበሉ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ የዘንትወልና ነይሩ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ናይ ስቓይ መነባብሮ ናይ ኩሎም ክቡራት ተጋደልቲ ትዕድልቲ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ።
ተቓላሲት ከተማ ኣቑርደት ንካብ ደገ ዝመጹ ጨቆንቲ ገዛእቲ ይኹን ካብ ውሽጣ ዝበቖሉ ጨቆንቲ ኣምሓደርታ እሾኽ’ያ ነይራ። ንኣቑርደት ከም’ዚ ኢለ ክንእዳ እንከለኹ፡ ነተን ካልኦት ከተማታትን ቁሸታትን ኤርትራ፡ ካብኣ ዘይውሕድ ዝኸፈልኦ መስዋእቲ ንምንእኣስ ወይ ንምርሳዕ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን ንኣቑርደት ህያው (በረኸት ኣቡ ሁመድ)፡ ካብ ካልኦት ከተማታትን ቁሸታትን ኣፍሪቃ ዝፈልያ ግን፡ ኣብ ጽንኩር ኩነታት መዕቆቢትን መፈልፈሊትን ማህጸን ናይ ሰውራውያን ስለዝነበረት ኢዩ። ኣቑርደት፡ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ዓቢ ግደ ዝተጻወቱ ማእለያ ዘይብሎም ጀጋኑ፡ መራሕትን ሰማእታትን ዝኸፈለት ከተማ ኢያ። ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ከኣ፡ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣብ ኩሉ መድረኻት ሰጋእ ከይበለ፡ ተስፋ ከይቆረጸ፡ ምእንቲ ናጽነት፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ናይ ኩሎም ዜጋታትን ማሕበራዊ ክፍልታትን ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣብ መትከሉ ጸኒዑ ዝተቓለሰን፥ ኩሎም ኤርትራውያን ማሕበራዊ ክፍልታትን ፓለቲካውን ስነሓሳባውን ሓይልታቶም ብመሰረት ዜግነታዊ መሰላት ዝምሓደሩላ ሃገር ክርኢ ዝተቓለሰን ባእታ ኢዩ።
ተቐማጦ ናይ ኣቑርደትን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ቁሸታትን ንሰውራኦምን ተጋደልቶምን ንምሕላው ከቢድ ናይ ገንዘብን ህይወትን ዋጋ ከፊሎም ኢዮም። ትዕድልቶም ስለዝዀነ ሰውራ ኤርትራ ካብ ማሕበራዊ ክፍሎምን ካብ መሬቶምን ኢያ ተወሊዳ። እቲ ምኽንያት ከኣ፡ መሬቶም ከተማኦምን ካብ’ቲ ማእከል መደበራት ስልጣን ናይ ገዛእቲ ርሕቕ ዝበለ ስለዝነበረ ኢዩ። ስለ’ዚ ከኣ’ዮም እቶም ቀዳሞት ገዳይም ተጋደልቲ ከቢድ ጾር ሰውራ ክስከሙን ሎሚ እንተዀነ ውን መብዛሕትኦም ናይ ስደት ሓሳረ-መክራ ዝመልኦ መነባብሮ ከሕልፉን ተገዲዶም ዘለዉ።
ህዝብና፡ ሰውራኡ ካብ ዘበገሰሉ እዋን ኣትሒዙ ኣንጻር መግዛእቲ ሃይለስላሰ ናይ ክብሪ ውግእ ኢዩ ኣካይዱ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ሰውራና ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ናይ ኤርትራ ስለዝተላብዐ ናይ ኩሉ ማሕበራዊ ክፍልታት ህዝብና ተሳትፎን መስዋእትን ውን እናዛየደ ከደ። እንተዀነ ግን፡ ዋላ ውን መግዛእታዊ ሓይሊ ካብ መሬትና ከነባርር እንተበቓዕና፡ እቲ ንሃገርና ከዲንዋ ዝነበረ ስእነት ፍትሒ ከነባርር ኣይከኣልናን። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሃለዋት ከኣ ኢዩ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ፡ ንነፍስወከፍና በብናትና ኣገባብን ብዝተፈላለየ ክብደቱን ከነስተማቕሮን ክገጥሞን ዘሎና ናይ ፍቕርን ምረትን ሃለዋትን ክሽፈን ዘይከኣል ባዶነትን ገዲፉልና ናብ ናይ ዘልኣለም ዕረፍቱ ዝኸደ።
ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ምስ ተጨውዩ ዝተሰወረ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ኣብ ደማስቆስ ብ1997
ስዉእና ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሃገራዊ ሰውራዊ ኩነታት ኢዩ ዓብዩ። ካብ ንእስነቱ፡ ገድላዊ ክብርታትን ሃገራዊ ፍቕርን እናተመገበ ኢዩ ናብ ገድሊ ተሰሊፉ ክሳብ እቲ እተቓለሰሉ ዕላማታት ዝዕወት ድማ ብጽንዓት ቀጺሉን ተቓሊሱን።
ኣዲኡ ወይዘሮ ዓይሻ ጓል ሰይድና ኣልሑሴን ብ1967 ዓ.ም ስለዓረፈት ንበይኑ ካብ ኣሕዋቱ ተፈልዩ ብመጒዚትነት ናይ ዉሩይ ሃይማኖታውን ማሕበራውን መራሒ ኣብ ኣቑርደት ዝነበረ ነፍስሄር ኣብሓጎኡ (ብናይ ኣዲኡ ሸነኽ) ሰይድና ሑሴን (ኣምላኽ ምሕረቱ የውርደሉ) ኢዩ ዓብዩ።
መሓመድ ኣደም ኣርትዓ፡ ቁርኣን ኣብ’ቲ ብሓወቡኡ ዝውነን ዝነበረ መባእታ ሃይማኖታዊ ቤት ኢዩ ኣጽኒዑ። ካብኡ ናብ ሲቪላዊ ቤት ትምህርቲ ናይ ኣቑርደት ቀጺሉ። ብኣንጻሩ ዝበዝሑ ካብ ኣቑርደት ይኹን ካብ ካልእ ቦታታት ናይ ኤርትራ ዝመጹ ዝነበሩ ተመሃሮ፡ ኣብ’ቲ ናይ ሰይድና ሑሴን ናይ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ኢዮም ዝቕጽሉ ዝነበሩ። ስዉእ ኣርትዓ፡ ህዱእ፡ እሙን ንህዝቡን ንሃገሩን፡ ሕጉስን ፍሽኽታ ዘይፍለዮን ተዋዛያይን፥ ከምኡ’ውን ናይ ፖለቲካ ስነ-ልቦናን ማሕበራዊ ፍልልያት ብዘየገድስ ምስ ኩሉ ዝዛተ ልዙብን ብሉጽን ሰብኣዊ ፍጡር ኢዩ ነይሩ። ካብ ጉጅላዊ ማሕበራዊ ስምዒታትን ዝምድናታትን ሓራ ዝዀነ፥ ኣብ መትከላት ናይ ነጻነት፡ ማዕርነት፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ጽኑዕ እምነት ዝነበሮ ባእታ ኢዩ ነይሩ። ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ኣብ ዙርያኡ ዝፍጸም ጉዳያት ክፈልጥ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ዓበይቲ ዓዲ ብዙሕ ይግደስ ነይሩ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ኣብ እንዳ ኣባሓጎኡ ሰይድና ሑሴን ዝግበር ኩሉ ነገራት ይከታተል፥ ከምኡ’ውን፡ ብዛዕባ ሰውራታትን ሰውራውያንን ብዙሕ ይፈልጥን የንብብን ነይሩ። ሕልምታቱ ኣብ ሽቶኡ ከየብጽሐ ግን ተሰዊኡ። እዚ ኣብ ስዉእ ኣርትዓ ዘጋጠመ መደምደታ፡ ኣብ ኩሎም ክቡራት ተጋደልትና ዝደጋገም ዘሎ ኣሕዛኒ ተመኩሮ ኢዩ።
ኣኮኡ መሓመድ ጣህር ኣልሑሴን ምስ ኣርትዓ ጥቡቕ ዝምድና ስለዝነበሮ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ጽልዋ ኣሕዲርሉ ኢዩ። ኣርትዓ፡ ኣኮኡን ካልኦት ስሩዓትን ካብ ጨንፈር ኣቑርደት ንዕለታዊ መነባብሮ ናይ ተጋደልቲ ዘድሊ መግብን ንብረትን ኣኪቦም ነቶም ተጋደልቲ ክህብዎም ከለዉ ይርኢ ነበረ። ወዲ 13 ዓመት ምስ ኰነ ከኣ፡ እቲ ንተጋደልቲ ዘድሊ ነገራት ካብ’ቶም ስሩዓት ናይ ተሓኤ ዝነበሩ ነጋዶ ኣኪቡ ናብ ተጋደልቲ ከብጽሕ ጀመረ። ኣኮኡ መሓመድ ጣህር፡ ሓደ ግዜ ካብ ማእሰርቲ ክሃድም ክፍትን ከሎ ስለዝቖሰለ ተታሒዙ ን7 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣርትዓ ምስ ብዙሓት ተጋደልቲ ከም በዓል ዓሊ ሕንጢ፡ ያሲን ዓሊ ጃምዕ፡ ጃዕፈር መሓመድ ኑር፡ ሱልጣን ኣልዓፋሪን ካልኦት ንጡፋት ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታትን ማሕበር መንእሰያትን ክፋለጥ ክኢሉ ኢዩ። ሓደ እዋን ኣብ ናይ ተለፎን ርክብና ከመይ ኢሉ ንሜዳ ከምዝወጸ? ሓተትክዎ። ዋላ’ኳ ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ ሓባራዊ ገድሊ ተመኩሮን ሓባራዊ ፖለቲካውን ስነሓሳባውን ዕግበታትን እንተነበረና፥ ከምኡ’ውን ከም ዓቢ ሓወይ ይቖጽሮ ዋላ እንበር፥ ብዛዕባ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታና፡ ማሕበራዊ ኣተዓባብያናን ውልቃዊ ህይወትናን ጥልቕ ዝበለ ናይ ሕድሕድ ኣፍልጦ ኣይነበረናን። ስለ’ዚ፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ከልዕል እንከሎኹ ብሓደ ሸነኽ ንኽፈልጥ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ነቲ ቃንዛኡ ከረስዖ ካብ ዝብል ዕላማ’ዩ ነይሩ። ናይ መወዳእታ ግዜ ብኣካል እተራኸብናሉ ነዊሕ ኰይኑ ኢዩ ማለት ብ1997 ዓ.ም ኣብ ደማስቆስ ኢዩ ነይሩ። ስለ’ዚ፡ እቲ ኣብ ዓራቱ ኰይኑ እናተሳቐየ ዝሃበኒ መልሲ ኣብ ዝኽርታተይ ናይ ገለገለ ናይ ሓባር ተመኩሮታትና ዝተመርኰሰ ክኸውን ኢዩ።
ስዉእ ኣርትዓ፡ ናብ ተሓኤ ዝተሰለፈሉ ዕለት ድሕር’ቲ ዘሕዝንን ዘይርሳዕን ብትእዛዝ ናይ ሻምበል በለው ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ህዝቢ ኣቑርደት ዝፈጸሞ ህልቂት ምንባሩ ገሊጹለይ። እቲ ህልቂት ድማ፡ ከም ሕነ ምፍዳይ ናይ’ቲ ብደባይ ተዋጋእቲ (ፈዳይን) ተሓኤ ዝተቐትለ ተኽለ ሰለሙን እተባህለ ሰላዪ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምንባሩ ኣዘንትዩለይ።
ቀጺሉ፡ እቲ ተረኽቦ ዘጋጠመሉ ህሞት፡ ካብ ጀርዲን ናይ ኣባሓጎይ ናብ ክተማ ክምለስ ከለኹ ናይ’ቲ ህዝቢ ዘይልሙድ ዝዀነኒ ምንቅስቓሳት ተዓዘብኩ። ብዙሓት ሰባት ፍኹስ ዝበለ ጾር ተሰኪሞም ካብ ከተማ ክሃድሙ ስለዝረኣኹ፡ እንታይ ሓድሽ ተረኽቦ ከምዘጋጠመ ነቶም ዝረኸብክዎም ምስ ሓተትክዎም፥ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ኣትዩ ብዙሕ ህዝቢ ከምዝቐተለ ሓበሩኒ። ናብ ማእከል ከተማ ከይኣቱ ድማ መኸሩኒ። ኣነ ግን ቀጺለ ናብ ማእከል ከተማ ኣተኹ። ኣብኡ ናይ ህጻናት፡ መንእሰያት፡ ኣንስትን ሽማግለታትን ናይ እንስሳታት ሬሳታት ውን ከይተረፈ ብብዝሒ ኣብ ጽርጊታት ተጸጢሑ ርኣኹ። ንእዝኒ ዘጽምም ድምጺ ናይ ተኹሲ’ውን እሰምዕ ነበርኩ በለኒ።
ምስ’ቶም ሓንቲ በደል ከይፈጸሙ ብውልቀ ይኹን ብእኩብ ብጭካኔ ዝተቐትሉ ሰባት ናይ ዝፈልጦም ሰባት ሬሳታት ውን ረኺበ። ናይ’ታ ከተማ ጸበብትን ገፋሕትን ጐደናታት ስለዝፈልጥ ኣብ’ቶም ጸበብቲ ተሓቢአ አሕሊፈዮ። ገዛ ኣኮይ ርሑቕ ስለዝነበረ ክበጽሖ ኣይከኣልኩን። ኣብ’ቲ ህልቂት ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ገለ ካብ ኣዝማደይ፡ ኣዕሩኽተይን ጐረባብተይን ውን ብዓይነይ ርእየ በለኒ።
ዘረብኡ ብምቕጻል፡ ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ጸበብቲ ጐደናታት መንእሰያት እናሃደሙ ኣጋጢሞምኒ፥ ኣነ ውን እናሰዓብክዎም ኣብ ኢድ ብዙሓት ፖሊስ ወደቕና። እቶም ፖሊስ ብበትሪ እናሃረሙ ንብዙሓት ካባና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣእትዮም ክፍትሹና ጀመሩ። ኣነ ከኣ ብዕድል ኣብ ቁጽጽር ናይ ሓደ ፖሊስ ኣቶኹ። ንሱ ብበትሪ እናሃረመ ክፍትሸኒ እንከሎ፡ ኣብ ጁባይ ሓንቲ ቅድሚ’ቲ ህልቂት ሰሙን ኣብ ዝተኻየየደ ናይ 800 ሚተር ናይ እግሪ ቅድድም ተዓዊተ ዝተሸለምክዋ ሰዓት ረኸበ። እታ ሰዓት ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ክብርቲ ኢያ ነይራ። እቲ ዝሓዘኒ ፖሊስ ንዓኣ ክሰርቕ ስለዝመረጸ ንዓይ ክሃድም ወይ ክድሕን ዕድል ኣጋጢሙኒ ኢዩ በለኒ።
ኣነ ኣብ ገዛ እንዳ ኣባሓጎይ መሬት ምስ ጸልመተ ብለይቲ ኢየ በጺሐ። ኣኮይ ብምምሳየይ ተሻቒሉ ኣብ ማዕጾ ናይ ገዛና ክጽበየኒ ጸኒሑ። በቲ ኣብ ስድራና ዝጽውዓሉ ስጓ መጺእካ’ዶ ኣንታ ጐታን (ኣቡ ቖጃ) በለኒ። ድሕር’ዚ ኩሉ ብገዛእቲ ዝተፈጸመ ግናይ ግፍዒ፡ ዓዛብን ምጉታትን ኣነ ንሜዳ ክወጽእ ወሰንኩ ይብል።
ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓን ተጋዳላይ ዒሳ መሓምድን ምስ ዓቢ መራሒና ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ
ኣስዒቡ፡ ብኡ ንብኡ ክንዕለም ጀመርና። ኣብ’ታ ዝነበርክዋ ጉጅለ ዝነበሩን ዝነበራን ተጋደልቲ ነስረዲን ሮመዳን፡ መሓመድ ኢድሪስ ኣቡ ኼር፡ ሳዕድያ ራካ፡ ዓሻ ራካ፡ ጀማል መሓመድ ዓሊ፡ እሙናን ቡቱልን ደቂ ሓወቦታተይ ሙሓመድ ኣማንን ካልኦት ክዝክሮም ዘይከኣልኩን ነበሩ።
ድሕሪ ወተሃደራዊ ታዕሊም ምዝዛመይ ሓደ ኣህጉራዊ ትምህርቲ (course) ድሕሪ ምውሳድ ኣብ ናይ ርእሰ ዓንቀጻዊ ቦርድ ዜና ናይ ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ተመዘዝኩ። ምሳይ ውን ኑሪ መሓመድ ዓብደላን ዓብደላ ኣፈንዲን ነበሩ። ኣብ ኤሊት ዝብሃል ከባቢ ከኣ ነይሩ መደበርና ብምባል ዘረባኡ ዛዚሙ።
ምስ ስዉእ ኣርትዓ ኣብ ዝገበርናዮ ዝርርብ ካብ’ቲ ዝኽርታተይ ተበጊሰ ክጽሕፎ ከለኹ ኣዝዩ ዘሳቐየኒ ድማ፡ እቲ ታሪኽ ህይወቱ ይምዝግቦ ከምዘለኹ ተረዲኡ “ዎ መሓመድ እቲ ግዜ እናኣኸለ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ካብ ሕጂ ዝተረፈ ናይ ምንባር ዕድል የለን ምስ በለኒ ስምዒታተይ ክቆጻጸር ስለዘይከኣልኩ ስቕ ኢለ። እቲ ዝቐሰምክዎ ትምህርቲ፡ ሓዘንን መረረን ውሒጠ ንነብሰይ ተቖጻጺረ “ኣምላኽ ዕድመ ይሃብካ፥ ከምኡ ኣይትበል፥ ንሕማምካ ስዒርካ ዕላማታት ናጽነት፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ህዝብና ክሳብ ዝዕወት ብሓባር ጉዕዞና ክንቅጽል ኢና” በልክዎ።
ምስ ኣርትዓ ብ1985 ኣብ ፖርት ሱዳን ኢና ተራኺብና። ቅድሚኡ ግን ኣብ’ታ ዝነበርናያ ከተማ ኣቦይ ኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታት ስለዝነበረ ሒዙኒ ኣብ ብዙሕ ህዝቢ ዝሳተፎ ኣኼባታት ይወስደኒ ስለዝነበረ ንኣርትዓ ኣብኡ ኢየ ዝርእዮ ዝነበርኩ። ድሒሩ ግን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ምስ ኰነ ብቐረባ ክራኸቦ ጀሚረ። ካብ’ቲ ግዜ’ቲ ጀሚርና ምስ ብዙሓት ናይ ቃልሲ ብጾትናን መማህርትናን ፖለቲካዊ፡ ብጻያውን ሕውነታውን ርክብና ኣየቋረጸን። ኣርትዓ እሙን ሓው፡ ፈታው ሰብ፡ ለጋስ፡ ክኢላ ተላዛባይ፡ እሙን ንህዝቡን ንሃገሩን፡ ተጻዋራይን ብሓሳብን ብግብርን ዲሞክራስያዊ ኰይኑ ኢየ ረኺበዮ። ንዕኡ ብምኽሳረይ ልበይ ከፊተ ዝህቦ፡ ዝኣምኖ፡ ነቲ ነዊሕ ቃልሲ ሓቢርና ክንጓዓዞ ዘኽኣለን በዓል ፖለቲካውን ስነሓሳባውን ዕግበት ዝዀነ ዓቢ ሓው ኢየ ከሲረ። ማሕበራዊ ጽልእን ጽበትን ኣይርእየሉን ኢየ። ልዕሊ ኩሉ ማሕበራውን ባህላውን ፍልልያት ኰይኑ ካብ ሰብኣውነት ዝተበገሰ ፍቕሪ፡ ኣላዪን ሓቋፍን ባህርያት ዘለዎ፥ ብዓው ዝበለ ሰሓቑ፡ ፍሽኽትኡ ተዋዛይነቱን ከም መብዛሕትኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣቑርደት ኣብ ከባቢኡ ዝኣኻኽበና ተቓልሳይ ነበረ።
ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣባላት ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ዓቢ ግደ ኢዩ ነይርዎ። ምኽንያቱ ከኣ፡ ፍትው፡ እሙን፡ ግሉጽን ንኹሉ ሕብረተ-ሰብኣዊ ቀጸላታትን ፖለቲካዊ ዝንባሌታትን ዘይፈላልን ስለዝነበረ ኢዩ። ካብ ዝተሰለፈሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብ’ቲ ሃገራውን ዲሞክራስያውን ታሪኻዊ ግደ ዘበርከተሉ ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ተመዲቡ ክሳዕ ላዕለዋይ ጽፍሕታቱ በጺሐ። ብ1978 ዓ.ም ናይ ሞያ ማሕበር ትምህርቲ ንምቕሳም ኣብ ደማስቆስ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳብ ኣብ ኣልቁርባን ሓልፋን ከም ካድር ተመዲቡ ተቓሊሱ። ከምኡ’ውን፡ ኣብ’ታ ንወራር ናይ ህዝባዊ ግንባርን ህወሓትን ንምብዳህ ኣብ ሰማንያታት ዝቖመት ኮሚቴ ኣባልን ካድር ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣብ ፖርትሱዳንን ኰይኑ ተቓሊሱ።
ተሓኤ ናብ’ቲ ብምንቅስቓስ 25 መጋቢት ዝፍለጥ ብስዉእ |ዓብደላ ኢድሪስ ዝምራሕ፡ ሓፈሻዊ ዝምባሌ (ተያር ኣልዓም) ዝተባህለ ብስዉእ ሙሓመድ ኣሕመድ ናስር ዝምራሕን ብሳግም ዝፍለጥ ብኢብራሂም ቱቲል ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጸ ዝምራሕን ሰለስተ ውድባት ምስ ተኸፍለ ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ምስ’ቲ ሓፈሻዊ ዝንባለ ዝተባህለ ውድብ ኢዩ ደው ኢሉ።
ድሕር’ቲ ኣብ መንጐ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን (ሓፈሻዊ ዝምባሌ) ኣብ መንጐ ብስዉእ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ዝምራሕ ዝነበረ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተኸደ ፍሹል ናይ ምጽንባር ሓድነት፥ ስዉእ ኣርትዓ ምስ’ቲ ዝተጸናበረ ውድብ ኢዩ ደው ኢሉ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ምጽንባር ከይሰጐመ፥ ብኣሕመድ ጃስር ዝተባህለ ስዉእ ወተሃደራዊ ሓላፊ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ምስ ካልኦት ብጾቱ ተቐይዱ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኸውን ግዜ ኣዝዩ ሕማቕ ዝዀነ ኣሰቃቒ ናይ ማእሰርቲ ህይወት ኣሕሊፉ።
ስዉእ ኣርትዓ፡ ድሕር’ቲ ናይ 1985 ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ሰሚናር፡ ንስዉእ ተጋዳላይ ኢብራሂም ማሕሙድ ሃዛም ተኪኡ ወኪል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኰይኑ ኣብ ፖርትሱዳን ተመዚዙ። ኣብ’ቲ ብ1989 ዝተኻየደ ሳልሳይን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ራብዓይን ምዱብ ጉባኤታት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ (ማእከላይ መሪሕነት) ኰይኑ ተመሪጹ። ድሕሪ’ቲ ብግንቦት 1991 ዝተረጋገጸ ናጽነት ድማ፡ ኣብ’ቲ ሃገራውን ዲሞክራስያውን መርገጽ ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ደው ኢሉ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ተቓሊሱ።
ከምኡ’ውን፡ ኣብ ልዕሊ ወኪል ቤት ጽሕፈት ከሰላን ካርቱምን ኰይኑ ምግልጋሉ፡ ድሒሩ ወኪል ሰልፊ ህዝቢ ኣብ ሱዳንን ንውሽጣዊ መደብ ምንቅቓሕ ናይ ሰልፊ ህዝቢ ኣብ ምድላው ዝተመዘዘ ኮሚቴን ኣባል ኰይኑ እጃሙ ኣበርኪቱ። ብዝነበሮ ተቐባልነት ንብዙሓት ናይ ዘተ ሽማግለታት መሪሑ ምስ ብዙሓት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዘተታት ኣካይዱ። ሓደ ካብ’ኦም እቲ ብእስማዒል ናዳ ዝምራሕ ዝነበረ ምንቅስቓስ ጋሽ ሰቲት ዝተባህለ ውድብ ኰይኑ ክሳብ ምጽንባራዊ ሓድነት ከምዝበጽሐ ዝፍለጥ ኢዩ።
ድሕሪ ምፍንጫል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ስዉእ ኣርትዓ ኣብ ጐድኒ’ቲ ብስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝምራሕ ዝነበረ ሸነኽ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ደው ኢሉ። እቲ ካልኣይ ሸነኽ ከኣ ብመሪሕነት ስዉእ ኣሕመድ ሙሓመድ ናስር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ መስሪቱ።
ኣብ መንጐ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ብመስፍን ሓጐስ ዝመራሕ ዝነበረ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ኣብ ዝተገብረ ናይ ሓድነት ጉባኤ፡ ስዉእ ኣርትዓ ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኰይኑ ተመሪጹ።
ጥዕናኡ እናኣንቆልቆለ ክኸይድ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ድማ ኣብ መሪሕነት ክምረጽ ኣይደለየን። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ መንግስቲ ኢንቃዝ (ድሕነት) ናይ ሱዳን ምስ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ተመሓዝዩ ስለዝነበረ ኣብ ሱዳን ብተቓወምቲ ስርዓት ኤርትራ ዝካየድ ፖለቲካዊ ስርሓት ተኸልኪሉ ኢዩ ነይሩ።
እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን፡ እቲ ምሉእ ህይወቱ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራን ህዝባን ዝተቓለሰ ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓን ከምኡ ዝኣመሰሉ ካልኦት ቅድሚኡ ዝሓለፉን ብሕጂ ውን ብድሕሪኡ ዝሓልፉን ጽኑዓትን ምዑታትን ተጋደልቲ ኣብ ሃገሮም ዝቕበሩላ መሬት ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም ኢዩ።
ኣብ መወዳእታ ኩሎም ክቡራት ተቓለስቲ ኣብ’ታ ህዝባን መሬታን ሰላምን ልዑላውነትን ተኸቢሩ ክነብሩላ ዝሓልምዋ ዝነበሩን ምእንትኣ ብህይወት ይኹን ብገንዘብ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈሉላን ሃገር ድሌቶም ክፍጸመሎም ጽቡቕ ድሌተይ ምዃኑ ክገልጸሎም እፈቱ።
ንኹሎም ለጋሳት ስድራ ቤቱን ከምኡ’ውን ስድራ ቤት ሰይድና ሑሰንን ብኹሉ ዝከኣሎም ዝሓገዙ መቓልስቱ ኣባላት ሰዲህኤን ኣዕሩኽቱን ኣብ ግዜ ሕማሙ ኣብ ጐድኑ ደው ዝበሉን ጽንዓት ይሃብኩም።
ናጻ ኤርትራ፡ ምሕረት ንኹሎም ሰማእታትና
ካብኡ ተፈጢርና ናብኡ ከኣ ንምለስ