ሶማሊያ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣካል ተልእኮ ሕ/ኣ ከይከውን ወሲና
2024-11-12 08:52:51 Written by ቤት ጽፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 131 timesምስሊ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያን
ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣካልቲ ኣብ መጀመርታ 2025 ናብ ሶማሊያ ዝዋፈር ሓድሽ ሰራዊት ተልእኮን ምርግጋእ ሕብረት ኣፍሪቃ ከይከውን ከም ዝወሰነ፡ ቢቢሲ ኣፍሊጣ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት እናተቐያየረ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ካብ ሃገሩ ክወጸሉ ከም ዝደሊ እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።
ናይዚ ውሳነ ቀንዲ ተንቂ፡ እቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ብሓደ ወገን ምርካብ ገምገም ባሕሪ መህነጺ መደበር ሓይሊ ባሕርን ኣገልግሎት ወደን ምካብ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ ምስ ሶማሊላንድ መረዳድኢ ዛዕባ ምኽታመን እዩ። ምኽታም እዚ መረዳድኢ ሓሳብ፡ ኣብ ሶማሊያ ብኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ልኡላውነተይ ዝግህስ እዩ ዝብል ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ እዩ።
እዚ ስጉምቲ ኣብቲ ዝተኸተመሉ ግዜ ብብዙሓት ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላት እውን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ እዩ። በዚ መሰረትን ኣብ ናይ ሓደ ወርሒ ግዜ ክትግበርኳ ትጽቢት እንተነበረ ክሳብ ሎሚ ኣይተተግበረን።
ማዕከን ዜና ሶማሊያ ሶና (SONA) ብወገና፡ እቲ ሚኒስተር ምኽልኻል ሶማሊያ፡ ዓብደልቃድር መሓመድ ብ9 ሕዳር 2024 ዝሃቦ መግለጺ ብምጥቃ፡ እቲ ሓድሽ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ዝጸንሐ ተኪኡ ሓላፍነት ዝርከብ፡ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥሪ 2025 ኮይኑ፡ እቲ ውሳነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይዚ ሓድሽ ዓቃብ ሰላም ኣካል ኮይኑ ንከይቅጽል እዩ እቲ ውሳነ። እቲ ሚኒስተር ናይተን ሰራዊት ዘዋጸኣ ሃገራት ዝርዝር ኣብዚ ቀረባ ከም ዝግለጽ ብምጥቃስ ካብተን ክሳብ ሎሚ ሰራዊተን ኣዋፊረን ዝጸንሓ ዘይትሳተፍ ኢትዮጵያ ጥራይ እያ ከም ዝበለ’ውን ሶና ሓቢራ።
ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ሰራዊታ ካብ ሶማሊያ ዘይተፈልየን ኣብዚ እዋን ድማ ገሊኡ ነብሱ ክኢሉ ዝዋፈር ገሊኡ ድማ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝተሰለፈ ኣብታ ሃገር ኣስታት 15 ሺሕ ሰራዊት ዘለዋ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣብ መጻኢ ናብ ሶማሊያ ዝዋፈር ሰራዊ “ክግለል የብለይን” ዝብል መጎት ተቕርብ ኣላ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ ናብ ሶማሊያ ሰራዊተን ዝዋፍራ ሃገራት፡ ኣብ ልኡላውነትን ሓድነትን ሶማሊያ ዝኣምና ክኾና ከም ዝግበአን ብምንጻር፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ ዘሎ ናብ ውግእ ከይዓርግ ዘስግእ ወጥሪ ብዘተ ናይ ምፍሕ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ’ሎ።