ሰራዊት ትግራይ ዕጥቂ የውርድ ኣሎ
2024-11-21 20:21:50 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 130 timesኣብ ትግራይ ብመሰረት እቲ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያን ብ12 ሕዳር 2024 ኣብ ናይሮቢ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልቲኡ ወገናት ዝተኸተመ ዝርዝር ኣትገባብራን’ መስርሕ ትግባረ፡ ምውራድ ዕጥቂ፡ ካብ ሰራዊት ምስንባትን ናብ ሕብረተሰብ ምጽንባርን (DDR) ሰራዊት ትግራይ፡ ብ21 ሕዳር 2024 ከም ዝተጀመረ ማዕከናት ዜና ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ኣፍሊጠን።
ነቲ መስርሕ ብሓላፍነት ዘካይዶ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ተሃድሶን ምስ ምምሕዳር ትግራይን ብምትሕብባርን ምስ ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላት እዩ። ኣብዚ ካብ ከተማ መቐለ ውጽኢ ኢልካ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምውራድ ዕጥቂ፡ ምክትል ሓላፊ ናይቲ ኮሚሽን፡ ሓለፍቲ ጸጥታ ክልል ትግራይን ወተሃደራዊ ተዓዛብት ኣጻረይትን ሕብረት ኣፍሪቃን ተረኺቦም። ኣብዚ 3 ኣዋርሕ ዝፍጸም ቀዳማይ ዙርያ ምፍታሕ ዕጥቅን ናብ ሕብረተሰብ ምምላስን፡ ካብቶም ናይቲ ፕሮግራም ኣካል ክኾኑ ትጽቢት ዝግበረሎም ልዕሊ 250 ሺሕ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ፡ ኣብዚ መጀመርታ መብዛሕትኦም ውቑዓት ዝኾኑ 75 ሺሕ ክሳተፉ እዮም ተባሂሉ።
እቲ ዕጥቂ ኣፍቲሕካ ናብ ሕብረተሰብ ምፍናው፡ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ ዝውሰን ከምዘይኮነ ዝጠቐሰ እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ 7 ክልላት ብጠቕላላ 371 ሺሕ ዕጡቓት ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑን ዘድሊ በጀት ድማ 760 ሚልዮን ዶላር ምዃኑ ሓቢሩ። ነዚ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ከኣ: ካብ ተሓባበርቲ 60 ሚልዮን ዶላር: ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ 1 ቢልዮን ብር ተዳልዩ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
እቶም ዕጥቆም ዝፈትሑ ኣብ ውቕሮ፡ መቐለን ዓድዋን ተዳልዮም ኣብ ዘለዉ መጽንሒ መደበራት ኣትዮም፡ ን4ተ መዓልታት መባእታዊ ትምህርቲ ተዋሂቦም ምስተመዝገቡ፡ ፍሉይ መለለይ መንነትን ንመትከል እግሪ ዝተመደበሎም ገንዘብን ተዋሂዎም ከም ዝፋነዉ ናይቲ ኮሚሽን ኣካላት ሓቢሮም።
እዚ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣብ ትሕቲ መልሻ ኣምሓራን መንግስቲ ኤርትራን ዘሎ መሬት ትግራይ ከይተመለሰ ይትግበር ብምህላዉ፡ ሓያሎ ተጋሩ ዘይዕግበቶም ይገልጹ ኣለዉ።