ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራ ሰለስተ ጀነራላት ብግዝያውነት ኣጊዱ
Tuesday, 11 March 2025 10:28 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሌ/ ጀ ዮሃንስ ወ/ጊዮርግስ፡ ብ/ ጀ ምግበይ ሃይለ፡ ሌ/ጀ ማሾ በየነ
ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡ ብ10 መጋቢት 2025 ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ጀነራላት ግዝያዊ ናይ ምእጋድ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ድምጺ ወያነ ትግራይ ሓቢራ። እቶም ብግዝያውነት ዝተኣገዱ ጀነራላት ሰለስቲኦም መራሕቲ ግንባራት ኮይኖም ክእዝዙ ዝጸንሑ ኮኖም፡ ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ወልደጊዮር (ጆን መዲድ)፡ ብሪጋዴር ጀነራል ምግበይ ሃይለን ሌተናል ጀነራል ማሾ በየነን እዮም። ንሱ ናብ ነፍሲ ወከፎም ዝጸሓፎ ደብዳበ ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ትሕዝተኦ ከኣ እዚ ዝስዕብ እዩ።
“ካብ ናይ መንግስቲ ውሳነ ወጻኢ፡ መላእ ህዝብና፡ መንእሰያትና፡ ናብ ዕግርግር፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብ ሕድሕድ ግጭት ዘኣቱ፡ ኮታስ ህዝብና ናብ ዘይወጾ ዓዘቕቲ ዘእቱ፡ ምንቅስቓስ ሕዚ’ውን ደው ኣይበለን። በዚ መሰረት ንስኹም ኣዘዝቲ ግንባ ካብ 1 መጋቢት 2017 (10 መጋቢት 2025) ጀሚሩ፡ ስርዓት ኣብ ዘለዎ ኣካይዳ ምርድድዳእ ክሳብ ዝግበር፡ ንዘይተወሰነ ግዜ፡ ካብ ናይ ሰራዊት ናይ ምእዛዝ ሓላፍነትኩም ዝተኣገድኹም ምዃንኩም የፍልጥ።” ይብል።
ፕረሲደንት ጌታቸው ረዳ ናይዚ መእገዲ ደብዳበኡ ቅዳሕ፡ ናብ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ምክትል ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ሓላፊ ካቢነ ሰክተር ሰላምን ጸጥታን ከምኡ እውን ናብ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ናይቲ ካቢነ ልኢኹ።
መንእሰያት ናብቲ ዘይውሑስን ዘይሕጋውን ጉዕዞ ባሕሪ እናተዳለዉ
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ዘምርሓ ዝነበራ 4ተ ጃላቡ ብጥሓለን ኣሳፊረናኦም ዝነበራ 186 ሰባት ደሃዮም ከም ዝጠፍአ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምፍላጡ ኣልጀዚራ ሓቢራ። ካብዞም 5 የመናውያን መራሕቲ እተን ጀላቡ ዝርከብዎም ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ግዳያት፡ ናይ 2ተ ሰባት ኣስከሬን ጥራይ ከም ዝተረኽበ እቲ ዜና ሓቢሩ። ነዚ ሓደጋ ዝምልከት ሓበሬታ ዝሃበ፡ ወሃቢ ቃል ዓለም ለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM)፡ ታሚም አለያን ምዃኑ እውን እቲ ዜና ጠቒሱ።
ኣብ የመን ናይቲ ዓለም ለኻዊ ትካል ወኪል፡ ዓብዱሳተር ኢስኮር ብወገኑ፡ እተን ጀላቡ ኣብ ተቐራራቢ ሰዓት ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ጠቒሱ፡ ናይቲ ሓደጋ ጠንቂ ሓያል ንፋስ ምዃኑ ኣስፊሩ። እተን ጀላቡ ዝተፈላለየ ቁጽሪ ሰባት ኣሳፊረን ከም ዝነበራ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ እቲ ሓደጋታት፡ ካብ ወረዳ ዱህባብ ምምሕዳር የመን ጣዒስ ኣብ ዘይርሕቕ ከባቢ እዩ ተኸሲቱ።
ካብቶም ኣፍሪቃውያን ግዳያት መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ከም ዝነበሩ ዝጠቐሰ እቲ ዜና ኣብ ሓንቲ ካብተን ጃላቡኳ፡ 150 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታትን 4ተ የመናውያንን ከም ዝነበሩ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እዚ ካብ ጅቡቲ ናብ የመን፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ዝግበር ሓደገኛ ጉዕዞ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ብዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዝውተር ኮይኑ፡ ሓያሎ ግዜ ሓደጋ ዘጋጥመሉ ምዃኑ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ። ኣብ 2023 ጥራይ 97,200 ሰባት በዚ ሓደገኛ መስመር ከም ዝተጓዕዙን እዚ ኣሃዝ ካብቲ ናይ 2021 ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝዛይድን ተጠቒሱ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት በዚ ናይ ጂቡቲ-የመን መስመር ጥራይ 2,082 ሰባት ምጥሓሎም እውን ተጸብጺቡ።
በዚ ሓድሽ ጸብጻብ መሰረት፡ እዚ ሓድጋዚ ብፍሉይ ዓይኒ ዝረአ፡ ብሓንሳብ ክንድዚ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ደሃዮም ምጥፋኡ ዘሰንብድ ብምዃኑ ፡ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ድሮ ኣብ ክልል ትግራይ ከባቢ ራያ 9ተ ስድራቤታት ብሓባር ብሞት ደቆም ብ9 መጋቢት 2025 ከም ዝተረድኡ ተፈሊጡ።
ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝተሳተፍሉ ስሩዕ ኣኼባ ኣባላት ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሰዲህኤ፡ ብ9 መጋቢት 2025 ተኻይዱ። ኣብዚ ኣባላት ምምሕዳር ካብ ማእከላይ ምስራቅ፡ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዝተሳተፍዎ ኣብ ዓመተ 2025 ንካልኣይ ጊዜ ዝተጋበአ ኣኼባ፡ ብመራኸቢ ብዙሓን እዩ ተቓኒዑ።
ዶክቶር ኣኽሊሉ ግርማይ ኣባል ፈጻሚ ሽማገለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይን ሰዲህኤ፡ ድሕሪ ሰላምታን ንጾመ-ኣርበዓን ሮመዳንን ዘለዎ ሰናይ ትምኒትን ምቓራቡ፡ ድሕሪቲ ዝሓለፈ ርክብ ክሳብዚ ካለኣይ ኣኼባ ዝተሰላሰሉ ስረሓትን ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝዕመሙ ዘለዉ ስረሓትን ዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ኣቕሪቡ። ዶር ኣክሊሉ ኣብ መግለጺኡ ኩሉ ምንቅስቓስና ብደረጃ ፖሓኤ ክኸውን እንከሎ ዝያዳ ከም ዘድምዕ ንተሳተፍቲ ምግላጹ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ዝተረኽበ ዜና ጠቒሱ።
ናይቲ ኣኼባ ተሳተፍቲ ንመብርሂ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብጽሞና ድሕሪ ብምስማዕ፡ ኣገደስቲ ርእቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም። ኣብ ለበዋኦም ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኣባላት ናይተን ንፖሓኤ ዘቆማ ውድባት ኣብ ዝቐልተፈ ተራኺቦም ብሓባር ክሰርሑ ኣድማዒ ከም ዝኸውን ጠቒሶም ነቲ ኣብ መግለጺ ሓላፊ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ዝቐረበ ርእይቶ ደጊፎም። ብመንጽርቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘንጸላሉ ዘሎ፡ ውግእን ወረ ውግእን መሪሕነት ፖሓኤ ውግእ ከስዕቦ ዝኽእል ኩሉ መዳያዊ ክሳራታት ምግንዛብ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ዝያዳ ጻዕርታት ክገብሩን ተጽዕናኦም ከዛይዱን ህጹጽ መጸዋዕታ ንከቕርብ እውን ተሳተፍቲ ምምሕጻኖም ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።
ኩነታት ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ካብ ጽባሕ ነጻነት ኣትሒዝካ ጽቡቕ ከምዘይነበረን ጌና ኣብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ከይበጽሐን ዝተረዳእናዮ እዩ። ኣብቲ ከምዚ ሎሚ ከይሳዕረረ እንከሎ ውሱን ምልክት ዘርእየሉ ዝነበረ እዋን እንተኾነ‘ውን፡ በብዝጥዕመና ኣገባብ ክንገልጾን መተካእታ ከም ዘድልዮ ክንሕብር ጸኒሕና። ምሕባር ጥራይ ዘይኮነ መተካእታ ሓሳብ ንምምጻእ ብደረጃ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ ማሕበራት ካብ እንውደብ እውን ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። እቲ ክሳብ ሕጂ ናይ ህዝብናን ሃገርናን ስቓይ ቅጭጭ ከይበሎ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ብወገኑ፡ ብዘይሕብእብእ ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ዘረድእ፡ “ኣነ እየ ህዝብን ሃገርን” ዘስምዕ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ክነግረና ጸኒሑ እዩ።
ብመንጽር’ዚ ኣብ ኤርትራ መተካእታ ምምጻእ ናይ ምርጫ ጉዳይ ዘይኮነስ፡ ናይ ህልውና ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ እዩ። ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ነዚ ዝበቅዕ ቅሩብነት ንምርግጋጽ ካብ እንንቀሳቐስ’ውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብፍላይ ኣብ ከባቢ 2001፡ እቲ ስርዓት ጸረ-ህዝቢ ተግባራቱ እምብዛ ሳዕሪሩ ንወጻዒ ባህርያቱ ብሰፊሕ ናይ ማእሰርቲ ለበዳ ምስ ኣረጋገጾ፡ ብዙሓት ኣብ ሕቑፍኡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብ ደንበ ተቓውሞ ተጸንቢሮም፡ እቲ ናይ ለውጢ ደንበ ኣዝዩ ዝመቖሉን ናይ ህዝብና ናይ ለውጢ ባህጊ ሰማይ ዝዓረገሉን ደረጃ በጺሑ ነይሩ። እቲ ባህጊ ግና ብዝድህሰስ መተካእታ ገና ኣይተሰነየን።
ወጻዒ ባህሪ ጉጅለ ህግደፍ ብናትና ተገንዝቦ ድዩ ብናቱ ቅሉዕ ተግባራት ንጹር ምንባሩ ንቐጻሊ ቃልስና ኣገዳሲ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ዝኸበደ ነቲ ሕማቕ ባህሪኡ ምርዳእ ዘይኮነ፡ መተካእታ ምቕራብ ምዃኑ ከኣ ህልዊ ኩነታትና መስካሪ እዩ። ሓደ ጸገም ጠንቁ ምስተፈልጠ መድሃኒት ክትረኽበሉ ቀሊል እዩ ነይሩ። እንተኾነ ነቲ ጸገም እንዳፈለጥካዮ መተካእታ እንተ ዘይረኺብካሉ ፋይዳ የብሉን። እዚ ከኣ ንሕና ንዘለናዮ ሃለዋት ዘመልክት እዩ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ብኹሉ ማኣዝናት ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ዝርዝር ከይኣተኻ ኣስካሕካሒ እዩ። ናይቶም መተካእታ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ዘለና ወገናት ንጥፈት ብኣንጻር’ዚ ክንህር ይግበኦ ነይሩ ግን ኣይበጻሕናዮን።
ተልእኮን ዕላማን ሓይልታት ለውጢ ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ብሓጺር ጸሚቝካ ክቐርብ እንከሎ ንወጽዓ ህግደፍ ዓጺፍካ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ዝምልስ መተካእታ ኮይንካ ምቕራብ እዩ። እዚ ዕማም’ዚ ቀሊል ከምዘይኮነ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ከም ዝከኣል ግና ብተመኩሮታት ዝተረጋገጸ መስርሕ እዩ። ኣብ ከምዚ ንሕና ዘለናዮ ብብዝሐ-ውዳበታት ዝግለጽ ሃለዋት ብቑዕ መተካእታ ንምዃን ካብ ዘኽብድዎ ምኽንያታት እቲ ዕማም ናይ ብዙሓት ሰብ ጉዳይ ብምዃኑ፡ እቶም ሰብ ጉዳይ ድማ፡ ኣብ ሓደ ሓባራዊ መስርሕ ናይ ቃልሲ ንክጽመዱ ስለ ዝኸብድ እዩ። እንተኾነ እዚ እውን ፍልልያትካ ወጊንካ ኣብቶም ዘሰማምዑኻ ጉዳያት ኣትኪልካ፡ ብሓላፍነት ክትሰርሕ ስለ ዝከኣል ምኽኑይ መህደሚ ጌርካ ዝውሰድ ኣይኮነን። ነዚ ብዙሓት ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ዝተኸተላ ሃገራት ዘረጋገጸኦ እዩ። ስለዚ ነቲ ዝከኣል ናይ ዘይምኽኣልና ናትና ድኽመት ዘመልክት ምዃኑ ክንእመነሉ ዝግበኣና እዩ።
ካብዚ ዘለናዮ ሓላፍነታዊ መልክዕ ዘይሓዘ ኣተሃላልዋ ንምውጻእ ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ፈተነታት ኣካይድና ኢና። ብዘይካቶም ብዙሓት ውድባት፡ ሰልፍታትን ውልቀሰባትን ዝተሳተፍሎም፡ ብዙሓት ዝተፈላለየ ኣስማት ዝነበሮም ምጥርናፋትን፡ ኣብ ሕድሕድ ክልተ-ሰለስተ ውድባት ክፍተኑ ዝጸንሑ ዝምድናታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ኣብ ውጽኢት ክንመጽእ እንከለና ግና ዳርጋ ኩሎም ክሳብ ሕጂ ሓቢርካ ናይ ምስጓም ፈተነታትና መሊኦም ኣይተዓወቱን። ናይ ዘይምዕዋቶም ጠንቂ ኩልና ውዳበታት ብጽሒትና እንወስደሉ ድኽመታት እዩ። ንድኽመታትና ድማ ጉጅለ ህግደፍ እውን ዕድል እንተረኺቡ መሊሱ ከም ዘጋድዶ ፍሉጥ እዩ። እቲ መተካእታ ናይ ምዃን ዕማምን ሓላፍነትን ግና ሕጂ እውን ንዓና ዝጽበ ዘሎ ዕማም‘ዩ። እቲ መዋጸኦ ከኣ፡ ንሕና ካብ ተመኩሮና ተማሂርና እነዐርዮ እዩ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሓንሳብ ሕማቕ ምስ በልካዮ ኣብኡ ጠጠው ዝብል ዘይኮነ ኣብ ቀጻሊ ናይ ሕሰም ዕቤት ዘሎ እዩ። እዚ ድማ ንሃገርናን ህዝብናን ናብ ቁልቁል ዝንቍት ዘሎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ እውን ነቲ ናይ ጥፍኣት ኣንፈት መመሊስካ ምትራሩ እንተዘይኮይኑ መተካእታ ከምጽእ እንጽበዮ ኣይኮነን። ሎሚ ንሕና ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤትን ብኸመይ ከም ዝረጋገጽ እንዳሻቐለና ካልእ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ዝመስል ተርእዮ ምቕልቃሉ ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ። ማዕረ’ዚ ሻቕሎት ሓይልታት ለውጢ ይንህር ከምዘሎ ዘዳዲ ኣይኮነን። እቲ ፍታሕ ግና በቲ ኩነታት ምሽቓልን ምንሃርን ዘይኮነ፡ ነቲ ሻቕሎት ናብ ራህዋ ዝቕይር ውዱብ መተካእታ ኮይንካ ክትቀርብ ምብቃዕ ጥራይ እዩ። ብመንጽር‘ዚ እምበኣር፡ ኣብ ከመይ ደረጃ ኣለና? ንዝብል ሕቶ መልስና “ጌና ነቲ ብቑዕ መተካእታ ናይ ምዃን ፈተና ኣይበጻሕናዮን” ካብ ዝብል ካብ ዝሓልፍ ኣይኮነን።
እቲ ክሳብ ሎሚ ዘባኸንናዮ ግዜ ከኣ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። እንተኾነ ሕጂ እውን መተካእታ ናይ ምዃን ዕድልና ኣይተዓጽወን። እቲ ወጽዓ ኣይኮነንዶ ክውገድ መመሊሱ ኣብ ዝገደደሉ ካብ ተመኩሮና ተማሂርና ዘባኸንናዮ ግዜን ዕድልን ናይ ምምላሱ ዕድል ኣሎ’ሞ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ በደል ቅድሚ ኩሉ ሰሪዕና፡ ብተግባር ሓቢርካ ብምስጓም “ንህዝብና ኣለናልካ” ንበሎ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይ ሓቢርና ንስራሕ መጸዋዕታ፡ ብዘይምቁራጽ ይጽውዕን ቅርቡነቱ ይገልጽን ኣሎ። ማዕረ ትጽቢቱ’ኳ እንተዘይኮነ ሰማዒ እዝኒ ኣይሰኣነን። ስለዚ ሕጂ እውን ነቲ ዝተረኽበ እወንታ ብግቡእ ዓቂቡ ነቲ “ሓቢርካ ብቑዕ መተካእታ ናይ ምዃን” መጸዋዕታ ክቕጽሎ እዩ።
ኤርትራውያን ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ ነጻነት እውን፡ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ እዮም ዘለዉ። ቃልሶም ንብዙሕነታዊ ዲሞክራሲ፡ ንሰላም፡ ንልዕልና ፍትሕን ልምዓትን እዩ። እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ከምቲ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ምዕራፍ፡ ብዘይውዳበ ከም ዘይዕወት ብምርዳእ ዝተፈላለያ ኤርትራዊ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ኣብ መስርዕ ቃልሲ ተሰሊፈን ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት የሰጉማ ኣለዋ። ብዓብይኡ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ ኩሉ ውዳበታት ዓንዲ ሕቖ እዩ።
ምዕዋት ናይዚ ቃልሲ ካብ ምውጋድ ናይቲ ኣካላቱ ማህሚኑ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀሰብ ወዲቑ ዘሎ ህግደፍ ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ኩሉ’ቲ ንህዝቢ ኤርትራ በዂርዎ ዘሎ ዲሞክራሲያዊ ጸጋታትን መሰረታዊ መሰላትን ቀንዲ ጠንቅን ተሓታትን እቲ ጉጅለ ስለ ዝኾነ። ህግደፍ ክሳብ’ዚ ዘለናዮ ደረጃ፡ ንህዝብና ከየድከየን ምስሊ ኤርትራ ከይደወነን ብኣግኡ ክውገድ እናተገበኦ፡ ክሳብ ሎሚ ትልኽ ይብል ናይ ምህላዉ ምኽንያት፡ ብርተዐኡን ጥበቡን ወይ ብህዝቢ ኤርትራ ብዘለዎ ተቐባልነት ገይሮም ዝርድእዎ ገለ ወገናት ኣለዉ። ርግጽ ህግደፍ ነብሱ ከድሕንን ዕድመ ስልጣኑ ከንውሕን ዝምህዞ ተንኮላት፡ ኣብ ሕድሕድ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጥሮ ዘይምትእምማንን ዝምስርቶ ዘይቅዱስ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታትን ግምት ኣይወሃቦን እዩ ማለት ኣይኮነን። እንተ’ቲ ወሳኒ ናይ ዘይምእላዩ ምኽንያት ግን፡ ናይቶም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ውዳበታት ድኽመት ምዃኑ ክሰሓት ዘይግበኦ ሓቂ እዩ። ድኽመትካ ምፍላጥ ድማ መፍትሒ ንምርካብ ፍርቂ መንገዲ ምጉዓዝ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ።
ናይቶም ንህግደፍ ስዒርካ ለውጢ ንምምጻእ ተሰሊፎም ዘለዉ ኣካላት ድኽመት፡ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝግለጽ እዩ። እቲ ሕጽረታት ገሊኡ በዓል ቤታዊ ገሊኡ ከኣ ወድዓዊ እዩ። እዞም ሓይልታት ብውሕዱ በዓል ቤታዊ ድኽመታቶም ንምውጋድ ካብ ካልእ ዝጽበይዎ ኣይኮነን። ካብዚ ጸገማትዚ ክወጽኡሉ ካብ ዝኽእሉ መንገድታት ሓደ፡ ነቲ ተበቲኑ ዘሎ ናይ ለውጢ ዓቕሞም ናብ ሓደ መድረኽ ከሰልፍዎ ምብቃዕ እዩ። እዚ መዋጸኦ‘ዚ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዋጋ ዘኽፍል እምበር ዘይከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ነቲ ዝከኣል እዮም ዘይክእልዎ ዘለዉ። እቲ “ወሳኒ ክንሱ ዝተዘንገዐ ተግባር” ዝበልናዮ እምበኣር፡ ነቲ ሓቢርካ ኣንጻር ህግደፍ ክትስለፍ ዘይምብቃዕ መሰረታዊ ሕጽረት ንምዝኽኻር እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ድምጺ እንከለዎ፡ ኣብ ዘየስመዓሉ ደረጃ ብምህላዉ እንተዘይኮይኑ፡ ድሌቱ ከምቲ “ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ” ወይ “ዝሓበራ ኣጻብዕቲ ኣርቃይ የጸንብዓ” ዝብል ቁምነገር ብምስትውዓል፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ኣብቶም ዘሰማምዕዎም መሰረታዊ ዛዕባታት ሓቢሮም ኣንጻር ወጻዒኡ ክቃለሱ ቀጻሊ ጸዋዒቱ ምዃኑ ብዝረኸቦ ጸቢብ ኣጋጣሚታት ዘንጸባርቖ ዘሎ እዩ። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ዝምርሕሉ ፖሊሲታትን ዘቕርብዎ ጸዋዒትን ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ እዮም ዘቃልሑ። ህዝቢ ንጸዋዒቶም ሰሚዑ ኣብ ጐኒ ሓይልታት ለውጢ ንክስለፍ ናይ ወትሩ ምሕጽንተኦም እዩ። እንተኾነ ክንድቲ ሰሚዑ ኣብ ጐኖም ክስለፍ ደጋጊሞም ዝጽውዕዎ፡ ንሳቶም ግና ክንድቲ ዝድለ ምሕጽንታኡ ክሰምዑን ክተግብሩን ቅሩባት የለዉን። ጸዋዒት ህዝቢ ኤርትራ ብሓጺሩ “ንህግደፍ ስዒርኩም ናብ ራህዋ ንክንበጽሕ ኣንጻሩ ሓቢርኩም ተሰለፉ” ዝብል እዩ። ካብቲ ብዛዕባ ሓይልታት ለውጢ ቅር ዝብሎ ሓቢሮም ዝቃለስሉ መድረኽ ክፈጥሩ ዘይምኽኣሎም ምዃኑ ከኣ ደጋጊሙ ኣተንቢሁ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ናይ ኣተሓሳስባ ጫፋት ሒዝካ ምውጣጥ ልሙድ ኣብ ዝኾነሉ ኢና እንርከብ። ጫፋት ሒዝካ ምጉታት ዕድመ ህግደፍ ከንውሕ እንተዘይኮይኑ ንዋላ ሓደ ናይ ለውጢ ኣካል ከምዘየዐውት ኣብ ተመኩሮና ዝረኣናዮ እዩ። እቲ ዘዐውት ካብ ጫፋት ምጉታት ወጺእካ ብመስርሕ እንካን ሃባን ምጽውዋርን ኣብ ማእከላይ ነጥብ ክትራኸብ ብምብቃዕ ጥራይ እዩ። ናይቲ ማእከላይ መራኸቢ ነጥቢ መዐቀኒ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ባህጊ ክኸውን እንከሎ ከም ዘዐውት ከኣ ርዱእ እዩ። መባእታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንህግደፍ ወጊድካ ህዝባዊ ልዕልና ብዘውሕስ፡ ሕገመንግስታዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካእ እዩ። እዚ ሓቢርካ ኣንጻር ወጻዒ ጉጅለ ናይ ምዕዋት ኣካይዳ ኣባና ዝጅመር ዘይኮነ፡ ብመትከል ብዙሕነታዊ ሓድነት ብዙሓት ዝተዓወትሉ መንገዲ እዩ። ነቲ ህዝቢ ዝደልዮን ዝጽበዮን ካብ ምዝርዛር ሰጊርካ፡ ብግብሪ ከምኡ ኮይንካ ምቕራብ ትብዓትን ተወፋይነትን ዝሓትት እዩ። ናብዚ ኩሉ ክትበቅዕ ከም ሓደ ኣገዳሲ ግንዛበ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት መወዳደሪ እምበር መጻልእን መጻረፍን ጌርካ ዘይምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቀንዲ ዘሻቕለና ኤርትራዊ ኣተሃላልዋን ናይ ለውጢ ቃልስናን እዩ። ኣብ ከባቢና ዝፍጠር ዘሎ ናዕብታት ነቲ ሻቕሎትና፣ ሻቕሎት ዝውስኸሉ ምዃኑ ድማ ኣዝዩ ዘሰክፍ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ዝነበረ ውግእ ኣብ ርእሲ ሻቕሎት፣ ክሳብ ክንደይ ዋጋ ከም ዘኽፈለና እንርደኦ እዩ። ዋላኳ በሰላኡ እንተዘይሓወየ፡ ጉዳይ ትግራይ ሰላማዊ ምስርሕ ብምሓዙ እናተተባባዕና፡ ካልእ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ናይ ጐረቤት ተርእዮ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ።
ብሰንክዚ ናይ ቃልስና ባይታ ኣብ ምምድማድን ህዝብና ኣብ ምዕቋብን ፍሉይ ታሪኽ ኣብ ዘለዋ ሱዳን ውግእ ምብርዑ፡ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዓብይ እጃም ዝነበሮም ኤርትራውያን ተመዛቢሎም ንሱዳን ኣብ ዘዳውብ ከባብታት ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳንን ቻድን ይሳቐዩ ኣለዉ። ብዓብይኡ ከኣ ገለን ተጨውዮም ገለን ድማ ዓቕሎም ምስ ጸበቦም መተካእታ ዝሰኣንሉ ምርጫ ወሲዶም ናብ ኤርትራ ኣትዮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታትና ውሑዳት ኣይኮኑን። ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ናይዞም ግዳያት ድምጺ ናይ ምዃን ሓላፍነት ኣለዎም። ዘስምዕዎ ድምጺ ኣድማዒ ዝኸውን ግና ብተናጸል ዘይኮነ፡ ብሓባር እዩ። ስለዚ እቲ “ኣገዳሲ እንከሎ ዝተዘንገዐ ዕማም” ዝበልናዮ ክንዓስሎ መድረኻዊ እዩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሱዳን ብምኽንያት ረሞዳን ተኹሲ ክቋረጽ ጸዊዑ
Thursday, 20 February 2025 10:38 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ
ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ሱዳናውያን ተዋጋእቲ ሓይልታት ንድላይነት ሰብኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ብምኽንያት እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2025 ዝካየድ ቅዱስ ሮመዳን (ጾም) ከተግብሩ ጸዊዑ። እቲ ቤት ምኽሪ ነዚ ዝጸውዐ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዛዕባቲ ኣብ ሱዳንን ኮንጎን ዘሎ ኩነታት ንምምዛን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን ገሊጻ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብኣላይነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ 2ይ ዙር ዘተ እውን ተዘራሪቡ።
እቲ ትካል ሰላምን ጸጥታን ኣብቲ ኣኼባኡ ኣብ ሱዳን መመሊሱ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ሱዳናውያን ዝዓርግ ዘሎ ውግእን ዘኸትሎ ዘሎ ናይ ውግእ ገበናትን ካለኦት ጥሕሰታት ዓለም ልለኻዊ ሕግታትን ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦ ኣንጸባሪቑ። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ክልቲኦም ሱዳናውያን ወገናት ብዛዕባ ቀዋሚ ምቁራጽ ተኹስን ናብ ቀጥታዊ ዘተ ምእታውን እውን ክሓስቡ ጸዊዑ።
እቲ ኣኼባ ኣብቲ ዳህሳሱ ንሲቪል ክፍሊ ሕብረተሰብ ግቡእ ሓለዋ ክግበር ከም ዘድሊ ጠቒሱ፡ ኩሎም ሰብኣዊ ሕግታት ጥሒሶም በደል ዝፈጸሙ ወገናት ክሕተቱ ምምዛኑ ተጠቒሱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ንኹሎም ውሳነታት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጥሒሶም፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢድ ኣእትዮም ዘጋድዱ ዘለዉ ኣካላት ኩነኔኡ ኣስሚዑ። ኩሎም ናይ ወጻኢ መንግስታውን ዘይምነግስታው ሓይልታት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ካብ ኢድ ኣእታውነትን ወተሃደራዊ ሓገዝ ምቕራብን ንክዕቀቡ ድማ ጸዊዑ።
ምስዚ ብምትሕሓ ኩሎም ሱዳናውያን ወተሃደራዊ ኣካላት ናብቲ ዝተጸገመ ህዝቢ ሓገዝ ዝበጽሓሉ ኩነታት ክፈጥሩን ካብ ወጻኢ ናብ ሱዳን ዝኣትወሉ ኣፍደገታት ኣብ ምኽፋት ክተሓባበሩ ተማሕጺኑ፡ ኣብታ ሃገር ዝግበር ዘተ ከኣ ንኹሎም ሱዳናውያን ዘሳትፍን ሓቛፍን ናይ ምዃኑ ኣድላይነት ኣገንዚቡ።
ንክልተ መዓልታት ዝጸንሐ መበል 38 ስሩዕ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ብ15 ለካቲት 2025 “ፍትሒ ንኣፍሪቃውያንን ብምምዝባል ዝተጐድአ ህዝቢ ኣፍሪቃን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ፡ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓመታዊ ኣኼባ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመት፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ፕረሲደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ፡ ናይቲ ሕብረት ፕረሲደንት ኮይኑ ክመርሕ ዝጸንሐ መራሒ ማውሪታንያ መሓመድ ኦውዝ ማሕሙድ፡ ሓድሽ ፕረሲደንት ናይቲ ሕብረት ኮይኑ ዝተመዘዘ መራሒ ኣንጎላ ጃኦ ሌረንዞ፡ ዝርከብዎ ወከልቲ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላትመደረታት ኣስሚዖም።
ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዘካየዶ 2ይ ክፋል ዕጽዊ ርክቡ፡ ነቲ ንዝሓለፉ 8 ዓመታት ዝመረሐ ቻዳዊ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መሓመት ፋቒ ኣፋንዩ፡ ኣብ ክንድኡ ንወዲ 60 ዓመት ጅቡታዊ መሓመድ ዓሊ የሱፍ ንዝመጽእ 4ተ ዓመታት ክመርሕ መሪጽዎ። ንኬንያዊ መወዳድርቱ ራይላ ኦዲንጋ ስዒሩ ንቀጻሊ ዝተመርጸ መሓመድ ዓሊ የሱፍ፡ ናይ ሃገሩ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ምትሕብባርን ኮይኑ ን20 ዓመታት ዘገልገለን 5 ቋንቋታት ዝመልኽን ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ተገሊጹ።
እቲ ሓድሽ ኮሚሽነር፡ ኣብቲ ዝተመርጸሉ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ መጻኢ ብዛዕባቶም እቲ ኣኼባ ዝተመያየጠሎም፡ ናይ ኣፍሪቃ ጸጥታን ሰላምን፡ ትካላዊ ምምዕርራይን ናይ ሃገራት ቁጠባዊ ምትእስሳርን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከም ዝሰርሕ ቃል ኣትይ። ከምኡ እውን ነቲ “ኣብ ኣፍሪቃ ክሳብ 2030 ድምጺ ብረት ምቑራጽ” ዝብል ራኢ ናይቲ ሕብረት ከተግብር ክጽዕር ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ምርግጋጹ ተጢቒሱ። ኣንበሳደር ኣልጀርያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢልማ ማሊካ ሃዳዲ ድማ ምክልት ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ኮይኑ ተመሪጹ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣባል ኮሚተ ጸጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይና ክትምረጽ እንከላ፡ መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን ኣብዚ ኣኼባ ካብ ዘይተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ኮይኖም፡ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከብ ፈጻሚ ጉዳይ ግብጺ ድማ ብቐዳማይ ሚኒስተራ ተወኪለን።
መበል 38 ዓመታዊ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብታ ኣህጉር ብፍላይ ኣብ ረፓብሊክ ኮንጎ ዘሎ ቅልውላው ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉን ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣዝዩ ኣብ ዘሰክፈሉ፡ ብሓፈሻ ከኣ ብሰንኪ ኣሜሪካ ብዓለም ለኻዊ ትካል ረዲአት ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ኣብ ዝተቛረጸሉ ኣሻቓሊ ግዜ እዩ ተኻይዱ።
መገሻ 7 ኣምበሳድራት ናብ መቐል፡ ስምዕታ ትካል መግቢ ዓለም፡
Wednesday, 12 February 2025 20:45 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤምስቶም ኣምበሳድራት፡ ካብ ዝተገብረ ርክባት
ኣምበሳድራት 7 ሃገራት ብ11 ለካቲት 2025 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ክገሹ እንከለዉ፡ ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ናብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ስምዕታ ከም ዘቕረበ ካብ ከተማ መቐለ ተሓቢሩ። ነቶም ኣምበሳድራት፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዴንማርክ፡ ጣልያን፡ ጀርመን፡ ፈረንሳን ሕብረት ኤውሮጳን ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ተቐቢልዎም። እቶም ኣምበሳድራት ኣብ መቐለ ምስ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ኣካል ግዝያዊ ምሕዳር ትግራይን ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ዝምራሑ ኣባላት መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን በበይኖም ተዘራሪቦም።
ኣብቲ ምስ ክልቲኦም ወገናት ዘካየድዎ ርክባት ዘልዓልዎም ዛዕባታት ተመሳሰልቲ ኮይኖም፡ ብሓፈሻ ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ ዝምልከት ኮይኑ፡ ብፍላይ ከኣ ምምላስ ብሰንክቲ ውግእ ዝተመዛበሉ ስድራቤታት ናብ መረበቶም ዝምልከት ዘተኮርሉ ነይሩ። ብዘካዚ እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣካላት ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ዘሰክፍ ወጥሪ ከም ዝተዘራረቡ እውን እቲ ካብ መቐለ ዝተረኽበ ዜና ኣፍሊጡ።
እቲ ቀንዲ እቶም ኣምበሳድራት ብከምዚ ዝኣመሰለ ክብደት ናብ ትግራይ ንክገሹ ዘገደዶም፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ሕድሕድ ተጋሩ ፖለቲከኛታት፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን መመሊሱ ዝዓርግ ዘሎ ምስሕሓብ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ገሊጾም። እቶም ኣምበሳድራት ካብ መቐለ ምስተመለሱ ምስ ሰብመዚ ፈድራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዘራረቡ ትጽቢት ኣሎ።
እቶም ኣምበሳድራት ኣብ ርእሲቲ ምስ መራሕቲ ዘካየድዎ ርክባት፡ ብሰንኪ ውግእ ተመዛቢሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያዊ መዕቆብታት ኣደዳ ጥሜት፡ ስእነት መጽለልን ሕማምን ኮይኖም ዘለዉ በጺሖም ጸገማቶም ከም ዝተዓዘቡ’ውን ተፈሊጡ።
እዚ ከምዝሉ እንከሎ ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ተመዛቢሎም ኣብ ከባቢ ሽረ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ካብ ዘለዉ ተጸበይቲ ረዲአት፡ “መጸንበሊ መበል 50 ዓመት ምምስራት ህወሓት” ብዝብል ነፍሲ ወገፍ ተመዛባሊ ስድራቤት 200 ብር ክኸፍል ወሲኑ ብግብሪ ምንቅስቓሱ ግጉይ ምዃኑ ዝገልጽ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። እቲ ትካል መልእኽቱ ዝመሓላለፈ ብመንገዲ ናይቲ ክልል ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ረዲአትን ኣቢሉ ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።
ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ኮሚሽን ሱዳን፡ ኣብ ኣወሃህባ ፓስፖርት መለለይ መንነትን ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ሕጋዊ ምትዕርራይ ክግበረሉ ከም ዝጸወዐ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢራ። ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተን ኣዛዚ ሰራዊትን ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን ብወገኑ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቢ መምርሒ ድሕሪ ሕጂ ዝኾነ ሱዳናዊ ዜጋ ዝሓተቶ ፓስፖርትን መለለይ መንነት ንከይክልከሎ ንሓለፍቲ ክፍሊ ፓስፖርትን ኢሚግረሽንን ናይታ ሃገር መምርሒ ከም ዝሃበ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚሽን ፖሊስ ሱዳን፡ እቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ግና ዝለዓለ ምቁጽጻር ከም ዝግበረሉ ኣፍሊጡ። እቲ ሓላፊ ፖሊስ ኣተሓሒዙ ነቲ እገዳ ብ2020 ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ካብ ሃገር ንከይወጹ ዝወሰኖ እገዳ ምንባሩ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ዝወሃብ ፓስፖርት ንመገሺ እምበር ከም መለለይ መንነት ምጥቃም ክልኩል ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ድሕርቲ ብ15 ማዝያ 2023 ኣብ ሱዳን ዝተባረዐ ውግእ ህድሕድ፡ ብዙሓት ሱዳናውያን ፖለቲከኛታት ኣብ ሱዳን ናብ ዝርከባ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኢምባሲታት፡ መውጽኢ ቪዛ ሓቲቶም ብምኽልካሎም ከማርሩ ከም ዝጸንሑን ካብኣቶም ደገፍቲ ናይቲ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ ወገን ከም ዝርከብዎምን ኣብቲ ዝወጸ መግለጺ ተመልኪቱ። ኣብ መወዳእታ እቲ ዝወሃብ ፓስፖርትን ናይ ጉዕዞ ሰነድን ብጥንቃቐ ናይ ሱዳን ዜግነት ብምጽራይ ዝትግበር ምዃኑ፡ እቲ ሱዳናዊ ላዕለዋይ ሓላፊ ክፍሊ ፓስፖርትን ኢሚግረሽንን ምግላጹ ኣብቲ ዜና ተመልኪቱ።
ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ከም ሓድዝሽ ምጅማሩ፡ እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ሱዳን ኣብ ልዕሊቲ ብመቐናቕንቱ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ ወገን ይዕወት ምህላዉ ከም ዘመልክት ናይ ብዙሓት ርኢቶ እዩ።