EDA Germany 2010ብዕለት 18.11.2023  ኣብ ኣዳራሽ ዛልባው ግሪስሃይም ከተማ ፍራንክፎርት  ከምቲ ልሙድ  እተን ንነዊሕ ዓመታት ነቶም ኣካለን ዝኾኑ ኣብ ከሰላ ዝነብሩ ጽጉማት ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ከይተሓለላ ዝጽዕታ ግዱሳት  ደቂ ኣንስትዮን  ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማትን ኤርትራን ብምትሕብባር፡ ዉጉኣት ሓርነት  ንምሕጋዝ ዝተዳለወ  ናይ ድራር ምስዮት፣ ከም ወትሩ ብዕዉት ልግሲ ተሳተፍቲ እዩ ተዛዚሙ።

እዚ ቅዱስ ተግባር ዘሰነዮ ምስዮት‘ዚ፣ ብናይ  እንቛዕ  ዳሓን መጻእኩምን መጻእክንን ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ኣቦ መንበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ጨንፈር ጀርመን  ተኸፊቱ። ብዛዕባ ህሉው ኲነተት ኣባላት ውጉኣት ሓርነትን ጽጉማንን መደበር  ከሰላን፣ ምዕብልና  ማሕበርን ሓጺር ሓበሬታ ንተኣተፍቲ ናይቲ ምስዮት ድማ ኣቕሪቡ። ኣስዒቡ  ሓው መዓሾ ኣስራት ተሓዝ ገንዘብ ማሕበር በቲ ኩሉ ጊዜ  ከይሰልከዩን ደኺምና ከይበላን ነዚ ማሕበር ኣብ ምሕብሃብን ምጥዋርን ዘለዉ/ዋ  ግዱሳት ዕዱማት  ኤርትራውያን ብብምስጋን፣ ኣስዒቡ ሓውና ዓንደጼን ግርማይ ብጥዕና ምኽንያት ክሳተፍ ብዘይምኣሉ፡ ነተን  ነቲ ምስዮት ዘዳልዋ ዘለዋ ዘይሕለላ ጽኑዓት ደቂ ኣንስትዮ ዘቕረቦ ምስጋናን ብመንፈስን ብተግባርን ኣብቲ ምድላው ከምዘለኹ ሓብሩለይ ክብል ዘማሓላለፎ መልእኽቲ ኣቕሪቡ።            

ኣብዚ ካብ ሰዓት 16፡00 ክሳዕ 22፡00 ዘሎ ሰዓትታት ዝተኻየደ ምስዮት‘ዚ፣ ዝተፈላለየ ትምህርቲ ሓዘል ዋዛ ምስ ቁምነገር ብምቕራብ፡ ነቲ ዝተፈላለየ ዓይነት ዘሰነዮ ዝተቐረበ ሽሻይ ዓቢ ድምቀት ሂብዎ  ኣምስዩ።

ድሕሪ‘ዚ ተሳተፍቲ ከም ወትሩ፣ ነቲ ተገዲሶም  ንምዕዋቱ ዝመጽዎ ቅዱስ ዕላማ ንምትግባር፣ ብልቢ ዝምስገንን ብርኩትን ኣስተዋጽኦኦም  ክሳብ €1.713.66  (ሓደ ሽሕን ሸውዓተ ሚእቲን ዓሰርተው ሰለስተ ኤውሮን ሱሳን ሹዱሽተን ሳንትን) ኣታዊ ተገይሩ፡ ኣብ መደበር ጽጉማት ዝነብሩ ኤርትራውያን ተዓንጊሎም ከምዝሓድሩ ገይሮም።   

ተሳተፍቲ ምስዮት፡ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ እቲ ዕማም ንኽምዕብ ኣብ መጻኢ ብተገዳስነት ንኽሰርሓሉ ኣገዳስን   ሃናጽን ምኽርን ለበዋን ብምሃብ እቲ ልግዚ ዝመልኦ ቅዱስ ምስዮት ተዛዚሙ።

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ድራር ምስዮት፣ ካብ 2009 ዓ.ም ጀሚሩ ብዘይካተን ናይ ኮሮና ተላባዒ ሕማም ዓመታት ክሳብ ሎሚ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ እንዳተዳለወ ብዘይምሕላላ ዝካየድ ዘሎ ሓልዮት ዝመልኦ ሰናይ ተግባር ምዃኑ ክፍለጥ ድማ ይግባእ።

ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ

ጨንፈር ሃገረ ጀርመን

ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝተኸፈለ ዋጋን ዝወሰዶ ግዜን ረዚንን ነዊሕን እዩ። ነዚ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለን ነቲ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞን ዝተጓዕዘን ከኣ፡ ብዓብይኡ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፣ ናይ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ፖለቲካዊ ውድባቱ እውን ነናተን መሪሕ ብጽሒት ነይርወን እዩ።

ናጽነትን ልኡላውነትን ምርግጋጹ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀጻሊ ሓለዋ እውን ዘድልዮ እዩ። ኣብዚ ብፍላይ  ግደ ሰራዊት ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። ምኽንያቱ መሰረታዊ ሓላፍነት ሰራዊት ከምዚ ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ኤርትራ ንዕዘቦ ዘለና፡ ዝቆጻጸር ሕገመንስታዊ ቀጥዒ ዘየብሉ፡ ኣብ ዘይጉዳይካ እናኣተኻ ምድኻር ዘይኮነ፡  ቅዋም ብዘሰክሞ ሓላፍነት ህዝብን ዶባትን ምሕላው እዩ ክኸውን ነይርዎ። እንተኾነ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ኣብ ዝምጥን ብራኸ  የለን።

ንጉዳይ ልኡላውነት ክሳብ ክንድዚ ዕዙዝ ቆላሕታ ዘድልየሉ ምኽንያት፡ ብዘይብእኡ ህላወ ሃገርን ህዝብን ስለ ዘየለን፡ ናይ ኩሉ ህንጸት ህዝባዊ ስርዓት፡ ምስፋን ሰላምን ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤትን  መሰረት ስለ ዝኾነ እዩ። ምሕላው ልኡላውነት ክበሃል እንከሎ፡ ምዕቃብ ሩባታት፡ ጎበታት፡ ጐላጉልን ባሕርን ጥራይ ማለት ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ናይ ህዝቢ ልኡላውነት ምርግጋጽን ኩሉ መሰላቱ ምውሓስን ማለት ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። እዚ ማለት ልኡላዊት ሃገር ብዘይልኡላዊ ህዝቢ፡ ልኡላዊ ህዝቢ ድማ ብዘይልኡላዊት ሃገር  ትርጉም ዘየብሎም ምዃኖም ምንጻር እዩ።

ህግደፍ ብጉዳይ ምዕቃብ ልኡላውነት ዝግደስ መሲሉ ብምቕራብ እዩ ዘጉባዕብዕ። ነዚ ዝመርጸሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ካብቲ ከም መንግስቲ ክዓሞ ዝግበኦ ዝነበሮ ህዝባዊ ዘቤታዊ ኣጀንዳታት ካብ ምዕማም መህደምን መሕብእን ንክኾኖ እዩ። ንነዊሕ ዓመታት ”ዶብና ከይተጠረረ” ዝብል ሸፈጥ ብምድግጋም ክሳብ ክንደይ ንኹለ መዳያዊ ምንቅስቓስን ህዝባዊ ጠለባትን ጅሆ ሒዝዎ ከም ዝጸንሐ ርኡይ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ቀንዲ ዓቃቢ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣግሊሉ፡  ንገዛእ ርእሱ ከም እንኮ ተገዳሲ፡ ተሓላቕን ሓላውን መሲሉ ክቐርበሉ ዝጸንሐ ተንኮል፡ ዘይግበኦ ምስሊ ናይ ምጽብባቕ ሸፋጢ ጉርሒ ምንባሩ ሎሚ ኣይኮነንዶ ብህዝቢ ኤርትራ ብካለኦት ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዝከታተሉ ኣካላት እውን   ዝተቓለዓሉ ኮይኑ ኣሎ።

ህግደፍ ካብዚ ግጉይ መደምደምታ ስለ ዝነቅል እዩ፣  ነቲ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ንዝቃወሙን ዝቃለስዎ ዘለዉን ኤርትራዊ ወገናት፡ ሰማዒ እዝኒ ደኣ ኣይረኸበን እምበር፡ ናቱ ኣቐሚጡ፡“ጸረ ልኡላውነት ሃገር፡ ከዳዓትን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ልኡኻትን” ኣምሲሉ ክገልጾም ዝፍትን። ብግብሪ ግና ብሓፈሻ እቲ ብናይ ሓደ ሰብ ሳንቡእ ዘስተንፍስ  ጉጅለ ህግደፍ፡ ብፍላይ ከኣ መራሒኡ ሕሉፍ ዲክተተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ እቲ ናይ ቅድም ገዲፍካ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ጥራይ ልኡላውነት ዝዕቅብ ዘይኮነስ፡ ብኣንጻሩ ዓው ኢሉ ኣብ ኣደባባያት ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ብዘውድቕ ክምድር፡ ተሓቢኡ ክወዓዓልን ክመጻደቕን ዝጸንሐ ጠላም  ምዃኑ ንኹሉ ኣብ ዝበርሃሉ እዋን ኢና ዘለና።

ኣብዚ በበቲ እንኣምነሉ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ተወዲብና ነካይዶ ዘለና ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ፡  ምስ ገሊኦም ባዕልና ንፈጥሮም፣ ገሊኦም ድማ ካብ ድሌትና ወጻኢ ዝፍጠሩ ዛዕባታት ኢና እንዋሳእ ዘለና። እቲ ቀዳምነት እንህቦ መሰረታውን ቀጻልን ኣጀንዳና “ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ” ኮይኑ፡ ነዚ ከነዕውት ዝሕግዙና ከም “ሕቶ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን ፖለቲካዊ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ” ዝኣመሰሉ  ኣጀንዳታት እውን ይጽንሑልና ዘይንብሎም እዮም።  ካብዚ ሓሊፉ “ድሕሪ ውድቀት ህግደፍከ ሃገርናን ህዝብናን ብኸመይ እዮም ክመሓደሩ” ዝብል እውን ግቡእ መስርዑ ኣትሒዝና እነሰጉሞን ደሓር ብህዝቢ ኤርትራ ዝውሰንን ረዚን ዛዕባ እዩ። ጉዳይ ልኡላውነት ከኣ ብፍላይ ምስቲ ሎሚ ተባራዒ ኮይኑ፡ በብግዜኡ ዝፍጠር ዘሎ  ናይ ርሑቕን ቀረባን ትንዕምንዕ ቀዋሚ ቆላሕታ ዘይንነፍጎ መሰረታዊ ኣጀንዳና ምዃኑ ክንዝንግዖ ኣይግበኣናን።

ኣብዚ እዋንዚ፡ ነቲ ህግደፍ ከካይዶ ዝጸንሐ ንልኡላውነት ኤርትራ ግቡእ ክብደት ዘይህብን ዘይእርኑብን ምንቅስቓስ ተኸቲሉ፡ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልኡላውነትና ዝደናደን ህበቡላ ብቐጻሊ ይነፍስ ኣሎ። ምስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ብዙሓት ኣጋጣምታትን ኣኼባታት ትካላት መንግስቱን  ብብዙሕ መምዘንታት ክረአ እንከሎ፡ ዘይዛመድ ተረኽቦታት እናገጣጠመን ንታሪኻዊ ሓበሬታ ኣብ ዘይቦታኡ እናጠቓቐሰን፡ ዘካይዶ ዘሎ ሰፊሕን ዘይሓላፍነታውን ጐስጓስ፡ “ልኡላውነትና ውሑስ እዩ፡ ኣብይ ኣበይ ከይበጽሕ” ኢልካ ሸለል ዝበሃል ኣይኮነን።

ሓደ ሓደ ግዜ፡ ዓለም ናይ ሓያልን ዓመጸኛን ከም እትኸውን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣተኩሮ ክንህቦ ኣብ እንግደደሉ ኢና ዘለና። እንተ እቲ ትማሊ ልኡላውነት ዩክረይን ብሩሲያ ክገሃስ እንከሎ ካብ ኣፍሪቃ በይኑ፡ ካብ ዓለም ድማ 5ይ ርእሱ ወራር ዝደገፈ ህግደፍ፡ ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ ክምጉት ዘብቀዖ ሞራል የብሉን። በመንጽር’ዚ፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ብሓባር፡ “ቀዳምነትና ምውጋድ ህግደፍ ስለ ዝኾነ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ቀዳምነት እንህቦ ኣጀንዳ ኣይኮነን” ኣብ እንብለሉ ደረጃ ከምዘየለና ምግንዛብ የድሊ። ስለዚ ጉዳይ ልኡላውነትና ነቲ “ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ” ዝብል መሰረታዊ ኣንፈትና ብዘየስሕትን ብዘየረስዕን ግቡእ ግምትን ቆላሕታን ክንሃቦ ይግበኣና። ክንድቲ ንኽእሎ ኣብ ህዝባውን ዲፕሎማስያውን መዳይ እውን ክንዋሰኣሉ ዝግበኣና እዩ። ምኽንያቱ ልኡላውነታ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐት ኤርትራ፡ ምውጋድ ህግደፍ ንበይኑ እቲ እንብህጎን ንቃለሰሉ ዘለናን ክብሪ ህዝቢ ኤርትራ ዘውሕስ፡ ምምስራት፡ ሕገ-መንግስታዊ፡ ብዙሕነታዊ፡ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት  ክዕወት ኣይከኣልን እዩ።

ሓደ ካብ ዕላማታት መጽሓፍ ታሪኻዊ ግደ ሰሓኤ፣ ምስ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዝካየዶ ቃልሲንምቕራብ  እኳ እንተኾነ፣ መስርሕ ማሕበራዊ ምዕባለ ሕብረተሰብና፡ ጥንተ ድለባዊ መግዛእቲ ኮነ ምስፍሕፋሕ ኤውሮጳውያን ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ሰረትን ምእታው መግዛእቲ ጣልያን ናብ ኤርትራን ዘይተወደበ ተቓውሞ ኤርትራውያንን ኣስፊራ ስለዘላ፡ ንህሉውን መጻእን ወለዶታት፡ ታሪኽን መንነትን ሃገሮም ንኽፈልጡን ክመራመሩን ኣበርክቶ ክህልዋ  እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ካላኣይ ውግእ ዓለምን ጠንቅታቱን፡  ኣሰላልፋ ሓይልታትን ውጽኢቱን ከተጠቓልል ከላ፡ ድሕሪ ስዕረት ጣልያን ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ቁርቁሳት፣ ምስ ምምሕዳር እንግሊዝ ዝተፈጥራ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ስልፍታት፡ ዕላማታተን፡ ብዝሐን ኮነ ቁጽሪ ኣባላተን፡ ዝተኻየደ ውሽጣውን ግዳማውን ቃልስን፡  ንሃገራዊ ቃልሲ ንምብርዓን ዝተገብረ ውዲታትን ፈላለዪ ፈተነታትን’ውን ተንጸባርቕ እያ። ምስዚ፡ ሓያላን ሃገራት ንረብሓታተን ክብላ፡ ንድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ዝረገጸ  ውዲታትን ፈሒሰን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ  ብዝንቡዕ ፈደረሽን ክትተኣሳሰር ምግባረን፡ እቲ ክከላኸላሉ ዘይክእላ ውዑል ድሕሪ ምጥሓሱ ዝተኻየደ ጎበጣ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ፖሊቲካዊ መኸተ፡ ታሪኻዊ ተረኽቦታትን ግደ መደበር ቓኞውን ብሰነድ  ዘጠቓለለት እያ።

ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ መሓዛኦም ዝዀነ ስርዓት ሃይለስላሴ ምስ ተቆርነት፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ምስተኣገደ፣ ኤርትራዊ ትካላት ምስ ፈረሰ፡ ዲሞክራስያዊን መሰላት ህዝቢ ምስተጋህሰ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝማዕበለ ስዉር ምንቅስቓስ፡ ንመግዛእቲ ዝተቓወሙ ውፉያትን ግዱሳትን ተመሃሮ ኤርትራውያን ኣብ ካይሮን፣ ኣብ ሱዳን ዝነብሩ  ወተሃደራትን ብዝወሰድዎ ተበግሶ ናብ መድረኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘሰጋግር ምምስራት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተኣወጀ። ድሕርዚ ኣመለኻኽታ መግዛእታውን ተፈንጨልትን ሓይልታት፡ ከምኡውን ግደ መንግስቲ እስራኤል ዝሓዘት’ያ። 

መጽሓፍ ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ንተራን ሞያን ሰራዊት ሓርነት ካብ 1961 ክሳብ 1974ን ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ዝተኻየዱ ውግኣትን ደባይ ስርሒታትን፡ ውሽጣውን ግዳማውን ተጻብኦታትን ምፍንጫላትን፡ ንምእራም ክሳብ ቀዳማይ ጠቕላላ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተገብረ ጻዕርታትን  ውሳኔታት ጉባኤን  ዝነበረ ዝርዝር ኲነታት ናይ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ  ብሰፊሑ ገሊጻ’ላ። ምስዚ ብመሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታትን ሰልፊ ነጻነትን ድሒሩ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንታሪኻዊ ግደ ተሓኤ፣ ንምብራዝን ንምሕካኽን ዝተፈተነ ዘመተ ኣጠቓሊላ ትርከብ።

ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ዝበዀረሉ፣ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምንቅስቓስን ኣብ ዝተነፍገሉ፡  ኣብ ትሕቲ ሓጺናዊ ምልኪ ጅሆ ተታሒዙ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ፣ ርእዩ ከምዘይርኣየ  ኣብ ዝሓልፈሉ  ዘሎ እዋን፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተመኩሮ ዘለዎምን፣ ኣብ ስነ ጽሑፍ ግዲኦም ብዘበርከቱ ኣሕዋትን ቅድመ ንባብ ተገይሩላ፡ ብደረስቲ ተመኩሮ ተሓኤ ንሃገራዊ ነጻነትን ምሕበራዊ ፍትሕን  ተሓቲማ ኣብ ምዝርጋሕ ትርከብ ኣላ።

ኣታዊ ሽያጥ መጽሓፍ፡ ኣብ ኣገልግሎት ቤት ትምህርን ኣካለ ጽጉማንን ዝውዕል እዩ።

መጽሓፍ ንምርካብ፡  ብኢመይል፡ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ተለፎን፡ ኣብ ኣመሪካ +1 408 896 3154፡ ኣብ ጀርመን +49 616 282 793 ኣብ ሆላንድ: +31 686487625 ንምውካስ ይካኣል።

ደረስቲ

ህዝቢ ኤርትራ 1 መስከረም 1961 ብረታዊ ቃልሲ ክፍልም እንከሎ ዕላማኡ ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣነጺሩ እዩ ተበጊሱ። ነታ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላቱ ብነጻነት ዘስተማቕረላ፣ ኽብርታቱን ሕግታቱን ሓልዩ፡ ባህልታቱን ወግዕታቱን ኣጽኒዑ፣   ዝነብረላን፡ ሰሪሑ ብራሃጹ ክዓብየላን ክምዕብለላን ዝግብኦ መረበቱ ዝኾነት ሃገሩ ካብ ጎበጣ  ስርዓት ኢትዮጵያ ነጻ ንምውጻ እዩ ነይሩ። እቲ 30 ዓመታት ዝወሰደ ጉዕዞ ቃልስን ዝተኸፍሎ ረዚን ዋጋን እውን ናብቲ ክብጻሕ ዝተደልየ ዕላማ ዘነጻጸረ ነይሩ። ውዳቤኡ፣ ውህደቱን ቅኒቱን ንሓደ ንጹር ሃገራዊ ዕላማ ስለዝነበረ ድማ ኣላሽ ኣይበለን። የግዳስ ምስ ኩሉ ዝነበሮ ሰብኣዊን ንዋታውን ሕጽርታት፣ ክሳብ ዓንቀሩ ምስዝዓጠቐ ሰራዊት መግዛእትን መሻርኽቱን ገጢሙ፣ ኩሉ ዝጠለቦ ዋጋ ከፊሉ፣ ነቲ ዓለም ሕልሚ ዝበለቶ ብቅልጽሙ  ዕላማኡ  ብምጭባጥ፣ ክልተ ግዜ ኣዛሪቡ።

   

እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ ብቓልሱ ናጻን ልኡላዊትን ዝኾነት ሃገሩ፤ እዚ ድሕሪ ነጻነት ረኺብዎ ዘሎ ጥልመትን ክሕደትን በቶም ካብ ከርሱ ዝወጹ መራሕትኻ ኢና ዝብልዎ ዘለዉ ከጋጥመኒ ይኽእል እዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበሮን። ንናጽነት ሃገሩ ተቃሊሱን ኣቃሊሱን ህይወት ኣሽሓት ዜጋታቱ በጃ ብዝኸፈለ ውድብ ክጥለም እውን ኣይተጸበየን። ኣብ ክንድኡ ከምቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ደጀን፣ ዕጥቅን ስንቅን ዝኾኖ፣ ኩሉ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝቢ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ንሕውየትን ዳግመ ህንጸት ሃገሩ ተስፋን ድልየትን ኣቐዲሙ ኣብ ጎኒቲ ዝበቆለ ስርዓት ዕጥቁ ኣደልዲሉ ተበገሰ። ኩሉ ኣቃልቦኡ ኣብ ህንጸተ ሃገር ስለዘድሃበን፡ ኣብ ስርዓት ህግዲፍ እዚ ዘይበሃል ግርህነታዊ እምነት ስለዘሕደረን ከኣ፡  ህግዲፍ ናብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ፍጹም ምልኪ ከይሰወደ እንከሎ ናይ ምክትታሉን  ብኣግኡ ዓገብ ናይምባሉን ዕድላት ኣምለጦ።

    

ጨካንን ጠላምን ስርዓት ህግዲፍ ድማ ንለዋህነትን ግርህነትን ህዝቢ መዝሚዙ፣ በዓል ዳሓን ተመሲሉ ቀስ ብቀስ ንህዝቢ ኩሉ መሰረታዊ ዲሞክርስያዊ መሰላቱ ሓሪሙ፡ ኣብ ቲሕቲ ጽኑዕ ኣርዑት ምልኪ ቆረኖ። ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ዕድመን ጾታን ከይፈለየ ንኹሉ ብማዕረ ብቐጢን ትእዛዝ ኣገልጋሊ ምልኩ ከምዝኸውን፡ ንዓንዳርን ጻሕታሪ ሁከት ዝኾነ መደባቱን ናይ ህይወት ዋጋ እና ኸፈለ ከምዝነበር ገርዎ ይርከብ።

ሕጂውን ቀንዲ ጠንቅን መበገስን ሓርነታዊ ቃልስና ወጽዓ ህግደፍ እዩ። ብብሄረይ፡ ብሃይማኖተይ፡ ብዞባይን  ካልእን ተበዲለ ንዝብል ኩሉ፡ እቲ በዳልን ወጻዕን ኣካል ሓደ እዩ። ንሱ ድማ ስርዓት ህግዲፍን ንሱ ዝፈጠሮ ኲነታትን እዩ። ከምቲ ሽግርና ሓደ በደሊና እውን ሓደ ዝኾነ ድማ ዕላማ ቃልስናውን ሓደ ኮይኑ፣ ኣወዳድባና እውን ምስ ዕላማና ዝተቃነየ፣ ሓባራውን ሃገራውን መልክዕ ዝሓዘን ቀዳምነታቱ ዝሰርዐን  ክኸውን ምተገብኤ። ምኽንያቱ ሓባራዊ መፍትሒ መከራና ንስርዓት ምልኪ ካብ ሱሩ ጸራሪግካ ብምጉሓፍ ብቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካእ ስለዝኾነ።

ኲነታት  ደምበ ተቓውሞ ንዝተዓዘበ፡ ኣወዳድባናን ዘሳሓሕቡና ኣጀንዳታትን ኣብ ግምት የእቲኻን ግን፣ ሰብ ሓደ ዓይነት ሽግርን፣ ዕላማን ምዃና  ዘመስክር ኣይኮነን። እቲ ምውዳብ ሓደ ካብ መሰረታዊ መሰላት እዃ እንተኾን ክቕድሙን ክድሕሩን ዝግባኦም ውዳቤታት ዝሰርዐ ስለዘይኮነ፡ ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታትን ገዛዚዕና፣ ኣብ መንነታዊ፣ ብሄራውን ሃይማኖታውን ኣጀንዳታት ምፍልላይ  ምህላውና፣ እምበርዶ ጠንቅን ዕላማን ሓርነታዊ ቃልስና ብግቡእ ዘነጸርና ሰብ ጉዳይ ኢና ንኽትብል የድፍረካ። እዚ ማለት ቀዳምነታትና ሰሪዕና ብሓባር ዘሰጉመና ባይታ ክንፈጥር ይግባእ ማለትና እንተዘይኮይኑ፣ ማሕበራዊ ውዳቤታትን ናይ ይግባኣኒ እዩ ሕቶን ክላዓል የብሉን ማለት ከምዘይኮነውን ክፍለጥ ይግባእ።

እቲ ትማሊ ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ንናጽነት ሃገር ዕላምኡ ኣነጺሩ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ  መስተንክራዊ ዓወት ዝፈጸመ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሎሚ ነዚ ካብ ዓለም ተነጺሉ ንዝነብር ብውልቀ-ሰብ  ዝምራሕ ስርዓት ምቅያር ሲኢኑ፣ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ቲሕቲ ምልኪ ሓደ ውልቀ-ሰብ  ደም እንዳነብዐ ክነብር መስተንክር እዩ።

ብቀዳምነት እቲ ንምልኪ ኣሜን ኢሉ ዘይቅበል ደላይ ለውጢ ንኹሉ ወዲ ሃገር ዘርብሕ ውዳበን ባይታ ናይ ቃልስን ምስዘጣጥሕ፣ ህዝቢ ኤርትራ እምነት የሕድረሉ፡ ህዝቢ ዓለም እውን እንተኾነ ካብዚ ብዘይፍለ፣ ቃልስና ንለውጥን ንመተካእታን ከምዝበቕዕ ተገንዚቡ ኣፍልጦ ምሃቦ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ኣወዳድባናን መሰሓሓቢ ኣጀንዳታትናን ኣዝዮም ተመዝመዝቲ ኣይምኾኑን፡ ጥርጣረን ስኽፍታን ህዝቢ ኣብ ሊዕሊ ደምበ ደልይቲ ለውጢ ኣዝዩ ከምዝዓቢ ንምግባር ስርዓት ህግዲፍ ኣይምተጠቕመሉን።

እቲ ጨቋኒ ስርዓት፡ “ብመስዋእቲ ደቅኻ ንዘምጻእካያ ሃገር ምስ ጸላእትኻ ወጊኖም ልዑላውነታ ከድፍርዋ ይሰርሑ ኣለዉ፣ ብሃይማኖትን ብብሄርን ከፋፊሎም ክገዝኡኻ ይሸባሸቡ ኣለዉ፣ ሃገራዊ መንነትካ ናብ ብሄራዊ መንነቶም ክቅይርዎ ዝደልዩ ኣለዉ፣ ንታሪኽካን መስዋእትኻን ዘራኽሱን ዘቆናጽቡን ይመጹኻ ኣለዉ” ወዘተ ዝብል ፕሮፓጋንዳ ብምምዝማ፡ ንደምበ ተቓውሞ ኣሰይጥኑ፡ ንህዝቢ ካብ ዘይፈልጦ መልኣኽሲ ምስ ዝፈልጦ ሰይጣን ናብ ዝብል ዕግበት ይደፍኦ ምህላዉ ምግንዛብ የድሊ። ስለዚ ድማ’ዩ፡ ተመኩሮ ጉዕዞ ሓርነትዊ ቃልሲ ኣብ ምንጻር ዕላማናን ንዑኡ ዝበቅዕ ኣወዳድባን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ከምዘለዎ ተቐቢልካውን ጠርናፊ ሓባራዊ ስራሕ ኣነካይደኡ መስርሕ ከምዘድሊውን ቀዳምነት ክዋሃቦ ዘለዎ እዩ።

በዚ መሰረት፡ ኩሉ ደላይ ለውጢ ንገድላዊ ምዕራፍ ነጻነታዊ  ጉዕዞ ሃገር፤ ምስ ኩሉ ዝነበሮ ድኹምን ኣወንታን ሸነኹ፡ ከም ታሪኽ ህዝብናን ሃገርናን ዝቅበል፣ ንብዙሕነታዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘኽብር፣ ኣብ ሱርበተኽ ምውዳቕ ገባቲ ስርዓት ህግዲፍ ዝኣምን፣ ኣብ ምኽባርን ማዕርነትን ኩሉ ዓይነት ፍልልያት ዝኣምን፣ ድሕሪ ውድቀት መላኺ ስርዓት ብህዝቢ ዝተመርጸ ቁዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት  ምቋም ዝቕበል ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ መስሪቱ ኣብ ምብጋስ ዝርከብ ናይ ሓባር መቃለሲ ባይታ ወይ ጽላል ክዓስል ናይ ትማልን ሎምን ዕማም ክኸውን ይግባእ።

ብተወሳኺ እዚ ብበርጌድ ንሓመዱ ዝፍለጥ ህዝባዊ ማዕበል ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዲናሚካዊ ደፋኢ ሓይሊ ብምዃኑ፣ ብስፍሓቱን ተብግስኡን ንህዝቢ ዓለም ኣዛራቢ ኣጀንዳ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ዓቢይ ናይ ቃልሲ ተስፋ ይኸውን ምህልዉ፣ ንስርዓት ህግደፍን መጋበርያታቱን ከኣ ዘይተጸበይዎ ሓደጋ ኮይኑ እዩ። ስለዚ ካብ ቅድሚኡ ዝጸንሔ ተመኩሮታት ተማሂሩ፣ ካብቶም ስርዓት ህግደፍን ሳዓብቱን ክጥቀምሎም ዝኽእሉ ነቃዓት ምፍጣር ተጠንቂቁ፡ ውሕሉል ናይ ቃልሲ መንገዲ ክሕዝ፡ ኣሳታፊ ክኸውን ብምዝኽኻር፡ ሰዲህኤ እውን በቲ ኣብ 4ይ ጉባኤ ዘሕለፎ ውሳኔታት መሰረት ንቀጻልነትን ምሕያልን ናይዚ ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ኮነ ናይ ሓባር ጽላል ኣብ ምቛም ኩሉ ዝካኣሎ ዘበለ ከበርክት እዩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ኣርእስተይ ተኸቲለ ኣብ ኩነታት ሃገረይ ተመርኲሰ ሓሳባተይ ከስፍር እንከለኹ ንግዚኡ ሕልናዊ ዕረፍቲ ይህበኒ። ምኽንያቱ ወዲ-ሰብ ሃገርን ህዝብን ሕብረተ-ሰብን ስለ ዝኾነ፡ ንኩነታቱ ሓታትን መላስን ጸሓፍን ክኸውን ሓላፍነት ኣለዎ።

ዝኸበርካ/ኪ ኤርትራዊ/ት፡ ንሕና ደቂ ሰባት ብርግጽ ካብ ሓቂ ርሒቕና፡ ኣበየናይ ኩነታት ከም ዘሎና ይርድኣና ድዩ? ኣነ ከም ጸሓፋይን ሓሳብ ኣቕራብን ከም ኤርትራዊ እናኣተሓሳሰበኒ ብምስትንታን፡ ደጊመ ኣንታ ለባም የሎን ድዩ? ክብል ከኣልኩ። ምኽንያቱ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ንምህዳኣ ኮይኑ፡ ግን ብቀጥታ እንታይ ኢልካ ኣብ ክንዲ ምሕሳብ፡ ምስ ደቂ ደቅኻ ኣብ ጎነጽን ብዕሉግ ዝኾነ ጸርፍታትን እሞ ከኣ ነቶም ዝወለድካዮም ደቅኻ: ብጣዕሚ ዘሕፍር’ዩ። ኣብዚ ክርደኣኩም ዘለዎ፡ ብርጌድ ንሓመዱ ንሕጊ ኣማእኪሉ ጉዳዩ ዝገብር ከም ኣጋጣሚ ጐነጻት ክርአ እንከሎ፡ እቲ ጐነጻት ብኣጋ እቲ ፍቓድ ዝህብ ከተማ ደው ከብሎ እንተዝኽእል ዝሓሸ ምነበረ። ግን ህልኻት ዝተሓወሶ ኣነ ክስዕስዕ ፖሊስ ሓልወኒ፤ እዝስ ምስ ምንታይ ይቝጸር፡ እሞ ከኣ ንመንእሰይ ደቅኻ ንፍትሒ እናተቓለሱ፡ እዚ ድማ ምእንቲ መሰልን ማዕርነትን ህዝቡ ዝቃለስ ዘሎ መንእሰይ ክንሱ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት ምስ መን ኢኻ ትጋራጮን ትተሃላለኽን ዘሎኻ። እዚ ውጹዕ መንእሰይ በቲ ስርዓት ሽግርን መከራን ዝረኸበ፡ ካብ ሃገሩን ካብ ዝፈትዎም ስድራ-ቤቱን ካብ ሕብረተ-ሰቡን ግቡእ ኣተዓባብያ ዘይረኸበ፡ ብትምህርቲ ከይዓቢ ኣብ ኣገልግሎት ዝበሊ፡ መጻኢ ዕድሉ ክጥምት ዘይክእል፡ ብሓፈሻ ኩሉ ኤርትራዊ ዓቢኡ ንእሽቶኡ ነታ ዝፈትዋ ሃገሩ ሃዲኡ ከይነብራ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ማሕድሮ ሕግን ስርዓትን ዘይምህላዉ፡ መንእሰይ ወለዶ ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ፡ ወዲ ሰብ ከኣ መወዳእታ ስለ ዘለዎ ሃጽ ኢሉ ካብ ስደት ናብ ስደት ካብ ሞት ናብ ሞት ብኣጨናቒ ጉዕዞ እናሰገረ፡ እዚ ውጻእ መዓት ዝኾነ በቲ ኩሉ ሽግራት ሓሊፉ ኣብ ስደት ዝነብር ዘሎ’ዩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ እዚ ወሎዶ’ዚ (ብርጌድ ንሓመዱ) ሕራነኡ እቲ በብሓደ ጠቒሰዮ ዘለኹ፡ ውጽኢት ናቱ’ዩ። ስለዚ ብርጌድ ንሓመዱ ማዕበል ህዝቢ’ዩ። ኣንታ ሰብ፡ መዋእልካ ኣብ ባርነት ክትነብር ማለት እንታይ ማለት’ዩ? ኣብ ታሪኽ ሕብረተ-ሰብ ኣይተሰምዐን። ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ከም ሰብ ይገርመኒ፡ ከም ኤርትራዊ ድማ እሓፍር። ተመሊሰ ንኣእምሮይ ሓተትኩ። ክሳብ ክንድዚ ድንቁርና ኣሎድዩ ክብል ድማ ተገደድኩ። ኣብዚ ከስምረሉ ዝደሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ን32 ዓመታት ኣብ መከራን መግለጺ ዘየብሉ ከርፋሕ ሂወትን ይነብር ኣሎ። ኣብዚ እቲ ዘገርም፡ ኣንቱም ነቲ ስርዓት እትድግፉ ዘሎኹም ንስኻትኩም ንባዕልኹም መሰልኩም ዝተገፈፍኩም፡ ምንባር ዝተኸላእኩም ኣብ ስደት እትነብሩ ዘሎኹም ኢኹም። እንተኾነ ናትኩም ነገር ንዓለም ዘገረመ፡ ንለባም ኤርትራዊ ዘስደመመ፡ ንባዕለን እተን ተሰዲድኩሙለን ዘለኹም ሃገራት ነቲ ስርዓትን ሕግን ዘይብሉ ብምድጋፍኩም፡ እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ስለምንታይ ኣብ ዓዶም ዘይነብሩ ዝብል ትንተና በጺሖም ኣለዉ። እዚ ድማ እቲ ሓቀኛ ኣበሃህላ’ዩ። ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ወዲ-ሰብ ኣብ ባርነት ክነብር ዝደሊ የሎን፡ እሞ ከኣ ኣብዚ መበል 21 ክፍለ-ዘመን። ኣነ ከም ሰብ እናገረመኒ ኣኣእምሮኹም ተመሊስኩም ኣዛርብዎ: ንመጻኢ ወሎዶ ሕሰቡ ክብሪ ይሃልወኩም፡ ኩሉ ሰብ ሓላፊ’ዩ፡ ጸሊም ታሪኽ ገዲፍካ ምሕላፍ 2 ሞት’ዩ እብል።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ኣብ ሓሳባተይ ገለ ከስፍር እደሊ፡ ንሱ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት መገሻ ናይቲ ስርዓት ብዳንኬራን ከበሮን ማዕከናት ናይቲ ስርዓት ብዙሕ ጨዲረን’የን። ንህዝቢ ኤርትራ ግን ብዙሕ ኣየገረሞን። ምኽንያቱ ን32 ዓመት ዘረብረቦን ኣብ ከርፋሕ ሂወት ዘንብሮ ዘሎን ስለ ዝኾነ። እዚ ከኣ ወንጮ እንተገልበጥካዮ ወንጮ እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ወድኻ መንእሰይ ወለዶ (ብርጌድ ንሓመዱ) ማዕበል ህዝቢ ኮይኑ ንፍትሒ ዝቃለስ ዘሎ፡ ስዓበኒ ይብለካ’ሎ።  

ዝኸበርካ ኤርትራዊ ኣብ መወዳእታ ጽሑፍ ሓሳባተይ፡ ሃገር ህዝቢ ህዝቢ ድማ ሃገር፡ ቅዋም ሕግና ዓንዲ ሕቖ ማሕድሮና፡ ሰብኣዊ ክብርና ናይ ኩሉ ኤርትራዊ’ዩ ክብል እደሊ።  

ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ

ሰላም ንህዝቢ ዓለም  

 

«ፈላሊኻ ግዛእ» ዝብል ፖለቲካዊ ስልቲ ገዛእቲ ስርዓታት ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ወይ ግዝኣቶም ንምስፍሕፋሕ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣገባብ እዩ። ሎምውን እንተኾነ ጨቆንቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ጋና ዘይማዕበለ ህዝብታት ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ኮይኑ፣ ሓደገኛ ስልቲ እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ሰሚሩን ሓደ ኮይኑን ብምስራሕ ከይሕይል እሞ ኣንጻሮም ንኸይለዓል ዘስግኦም  ህዝቢ፡ ንባህርያዊ ፍልልያቱ መዝሚዝካ፣ ወይ ከኣ ዘይነበረ ፍልልያት ምሂዝካ ነንሕድሕዱ ኣብ ጽልእን ባእስን ተጸሚዱ ከምዝነብር ይገብርዎ። ከም ሃይማኖታዊ፣ ብሀራዊ፣ ጂኦግራፊካዊ፣ ዝኣመሰሉ ባህርያዊ ፍልልያት፣ ዘይምዕሩይ መነባብሮ፣ ህልውና ዝተፈላለየ ፖለቲካውን ምምሓዳራውን ውዳቤታትን ካልእን ናይ ሓደ ህዝቢ፣ ንፖሊሲ ፈላሊኻ ግዛእ ቅዱው ባይታ ክፈጥሩ ካብ ዝኽእሉ ተመዝመዝቲ ፍልልያት ክጥቀሱ ይኽእሉ። ኤውሮጳውያን ገዛእቲ እውን ንኣፍሪቃ ጎዛዝዮም ንነውሕ ግዜ ብዘይ ዝኾነ ሓያል ከባብያዊ መኸተ ክገዝእዋ ዘኽኣሎም ንፖሊሲ ፈላሊኻ ግዛእ ኣጽኒዖም ስለዝተጠቅሙሉ እዮም።

ኩለን ኣብ ትሕቲ ባዕዳውያን መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ መግዛእቲ ናጻ ኣብ ዝወጻሉን ልኡላውነተን ኣብ ዝኣወጃሉን ግዜውን እቲ ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ዘስረጽዎ ጽልእን ናይ ጽልኢ ፍልልያትን ከምቲ «ዓሻ ዝተኸሎስ ለባም ነይነቅሎ» ዝበሃል፣ ቂጺሉ ጥራሕ ዘይኮነ ንህዝብታት ኣፍሪቃ ብቀጻሊ ብዙሕ ዋጋ ከኽፍሎ ይርከብ ኣሎ። እቲ ዝኸፍአ ግን ዘበታውያን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንስርዓት ህግዲፍ ብቅድሚት ሰሪዕካ፣ ነዚ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ሜላ ኣብ ሊዕሊ ገዛእ ህዝብታቶም ሊዕሊ ባዕዳውያን ገዛእቲ ይጥቀሙሉ ምህላዎም እዩ።

ኣብ ታሪኽ ተጋድሎና ተመሊስና እንተተዓዚብና፣  እቲ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ተፈልዩ ንናይ ሎሚ ህግዲፍ ናይ ትማሊ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዝመስረተ ጉጅለ፣ ከም መፍለዪ ምኽንያትን መትከሊ እግርን ዝተጠቀመሉ ስልቲ እዚ ስልቲ ነይሩ። ንሱ ድማ ንውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ናይ ኣስላምን ናይ መታሕትን ገርካ ብምግላጽ፣ እዚ ውድብ እዚ ንሓዋሩ እውን ንህዝብታት ከበሳን ኣመንቲ ክርስትናን ሓደገኛ ከምዝኾነ ዝእምት ውዲት conspiracy ብምእላም እዩ ነይሩ። እዚ ጉጅለዚ ነዚ ፈላላዪ ውዲት ንኽጥቀም ዝመዝመዞ ኲነታት ምስ ምቋም ሰውራ ተዛሚዱ ዝተራእዩ  ከባቢ ዝዓደሎ ጂኦግራፍያዊ ውህብቶን ሕጽረታት ሰውራን እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ንናይ ናጽነት ቃልሱ ካብ ፖለቲካዊ ናብ ብረታዊ ሰውራ ከሰጋግር ኣብ ዝተሰማማዓሉ ግዜ እቶም ቀንዲ ሃንደስትን ኣወሃሃድትን ናይቲ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ክልቲኡ ሃይማኖታት ኣመንቲ እዮም ነይሮም። እቲ ብረታዊ  ቃልሲ ዝተወልደሉን፣ ጀመርትን ተወደብት በዂሪ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ሜዳ ግን፣ ኣብ ባርካ ብናይቲ ከባቢ ተወለድቲ  ነይሩ። እዚ ማለት ኣብ መጀመርታ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት፣ ተሳታፍነት ናይ ካልኦት ኣውራጃታት ክሳብ ጎሊሑ ዝረአ መርሕነቱ ኮነ ኣባላቱ መብዛእትኦም ደቂ መታሕትን ኣመንቲ ምስልምናን ክኾኑ ባህርያዊ ነይሩ።

መስረትቲ ህዝባዊ ግንባር ካብ ዝኾኑ ጉጅለታት ኣብ ዝተፈንጨለሉ እዋን ግን ተሳትፎ ኩለን ብሄራትን ክልቲኡ ሃይማኖታትን ብርኩትን ርኡይን እኳ እንተነበረ፣ እቲ ጉጀለ ድሮ ንሕና ዕላማናን ዝብል ጽንሰ ሓሳብ ሒዙ ንነውሕ ግዜ መሪሹ ስለዝጸንሐ፣ ንዘእመኖ አእሚኑ ንኽፍንጨል ኣይኣገሞን። ድሕሪ ምፍንጫሉን ውድብ ምዃኑን እውን ንምፍንጫሉ ምኽኑይ ንምግባር፣ ካብ ህዝቢ ከበሳ ኣመንቲ ክርስትናን ዝኾኑ ናብ ውድቡ ንምዕሳል፣ ነቶም ግዳይ ናዚ ውዲት ብምዃን ኣብ ክልተ ውድባት ዝተመቅሉ ደቂ ሓንቲ ሃገርን ኣብ ቀጻሊ ጽልእን ምትፍናን ንምሓዝን ክጥቀመሉ ጸኒሑ እዩ። ድሒሩውን ከምቲ ኣብ ንሕናን ሕላማናን ዝብል ሰነዳቶም ብጹሑፍ ኣስፊሮሞ ዘለዉ፣ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንተጋደልታ ንዝኾነ ዝረኸብዎ ኣማኒ ክርስትና ክቀትልዎ ትእዛዝ ኣማሓላሊፋ ዝብል ካልእ ውዲት ኣብ ሊዕሊ ውዲት ብምእላም ነቲ ዝጸንሐ ፍልልይ ኣብ ሓድሕዳዊ ውግእ ኣሰጋጊራቶ። ውግእ ሕድሕድ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከምዘኽፈሎ፣ ቃንዛኡን በሰላኡ ጋና ዘይሃሰሰ ስለዝኾነ ሕጂ ምዝርዛሩ ኣየድልየናን። 

ኣብታ ዝመስረትዋ ውድብ ከይተረፈ፣ ነቲ ጸቢብ ጉጅላዊ ዕላምኦም ዝጻባእ ሓይሊ ንኸይፍጠር፣ ነቶም ሰብኪዳን ጸቢብ ዕላማ ዝኾነ ጉጅለ እተገልግል ሕብእቲ ሰልፊ ብምፍጣር፣ ምሁርን ዘይምሁርን፣ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ፍልልያት እንዳኣጋጨዉ፣ ንገለን የሚን፣ ንገለን መንከዓን፣ ንገለን ትሕተ ሃገራውያን ዝብል ውዲታት እንዳ ኣለሙ፣ ንኹሎም ጸለውቲ ዝኾኑ ሰብ በሊሕ ኣእምሮን ሃገራዊ ጠመተ ዝነበሮምን ጀጋኑ፣ ብስዉርን ግሁድን ቅንጸላ ከምዘጥፍእዎም እቶም ናይ ትማሊ እሙናት መገልገልትን ፈጸምትን፣ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኣባላት ናይቲ ስርዓት ዝነበሩ ብጭብጥታት ኣሰንዮም ዘዘንትውዎ ዘለዉ ሓቂ እዩ።

ወዲ ድሙስ ነይገድፍ ግብሪ እሙ ከም ዝበሃል፣ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራውን ነቲ ኣብ ሜዳ እንከሎ ንጸቢብ ዕላምኡ ዘዐወተ ፈላሊኻ ናይ ምግዛእ ሜላ፣ መንግስቲ ኮይኑ እውን ኣይገደፎን። እኳ ደኣ ኣደልደሎ። ኣብቲ መጀመርታ ኣብ መታሕት ንዝረአ ዝኾነ ምንቅስቓስ ከም ጀሃዳዊ፣ ኣስላማዊ፣ 5ይ መስሪዕ ዝብል ናይ ጠቀነ ኣስማት ብምጥማቕ፣ ፍልልያትን ዘይምትእምማን ዝያዳ ከጋፍሕ ፈተነ። ኣብ ከበሳታት ንዝረአ ምንቅስቓሳት እውን ትሕተ ሃገራውነት ዝብል ስያምየታት ብምሃብ ብህዝቢ ተነጽሎ ከምዝረክብ ገበረ። ነዚ ፈላላዪ ውዲታት ኣብ ህዝቢ ብምስራጽ ድማ፣ መንግስቲ ዋላ ኣብ ሊዕሊ ንመነባብሮናን ስንክልናና ዝምጥን ምምሕያሽ ይገበረልና ንዝበሉ ኣካለ ስንኲላን ከይተረፈ ብጥይት ክቕንጽል እንከሎ፣ ህዝቢ ግልጽ ኢሉ ከምዘይዛረብ ገበሮ። ወረ ኣብ ገሊኡስ ንዝኾነ ዘይሕጋውን ገበናውን ስጉምትታቱ ህዝቢ ብጣቅዒትን ስሓቅን ከምዝቅበሎ ስለዝገበረ ኣሻዲንዎ እዩ።

ድሕሪ 2001 ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ መንእሰይ ኣካል ድማ ብፍላይ፣ ብሓደ ወገን ነቲ ዓንዳርን ዘይሓላፍነታውን ኣካይዳ ናይቲ መላኺ ስርዓት ብግቡእ ተረዲኡ፣ ብኻልእ ወገን ድማ ሃገራዊ ኣገልግሎ ዝብል ሽፋን ዝለበሰ ገደብ ኣልቦ ዝኾነ   መግዛእቲ መሪርዎ ሃገር ራሕሪሑ ብብዝሒ ንስደት ዘምረሐ ኣካል ብኸዳዕ፣ ጠላም፣ ማዳ ሃገር፣ ሰኸም ሃገር፣ ስሱዕ ወዘተ ዝብሉ መግለጺታት እንዳ ሃበ ካብ ህዝቢ ከነጽሎም ክፍትን እንከሎ፣ ንወለዶም እውን ከም ንስደቶም ዝተሓባበሩ ገሩ ብምውንጃል፣ ኣብ እስር ቤታት ዳጒኑ፣ ሊዕሊ ዓቅሞም ዝኾነ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ሸኒኑ ከሳቅዮምን፣ ኣብ ከባቢኦም ከም ወለዲ ከዳዓት ክራኣዩ ክገብር ጽዒሩ። እንተኾነ ስርዓት ህግፍ ዝበለ እንተበለ፡ ጉዕዞ ስደት ብውልቀሰባት ዝጀመረ፣ ክሳብ ብ1000 ዝቁጸሩ መንእሰያት፡ ህጻውንትን ስድራ ቤታትን ካብ ሃገር ጠቕሊሎም ኣብ ናይ ምውጻእ ደረጃ ተሰጋገረ።ስርዓት ህግደፍ ግን ሕጂውን ካልእ ብልሓት ብምፍጣር ነቲ መነባበሪኡ ዝኾነ ፈላሊኻ ናይ ምግዛእ ሜላ ኣብ ሊዕሊ ኣብ ድያስፖራ ዝርከብ ህዝቢ ኣስሪጹ ክጥቀመሉ ይርከብ። ኣብ ምዕዋት ናይዚ ፈላሊኻ ናይ ምግዛእ ሜላ ኣብ ድያስፖራ ከም ቀንዲ ትካላት ዘገልግላ፣ ካብ ዝለዓለ ክሳብቲ ዝተሓተ ስራሕተኛታት ኤምባስታት ናይቲ ስርዓት  ገለ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣካየድቲ ኣብያተ ክርስትያናት፣ ብደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ዝቆማ ማሕበረ ኮማትን እቲ ስርዓት ዝምውለን ብስም ውልቀሰባት ዝካየዳ መራኸቢ ብዙሓትን እዮም።

እቶም ካልኦት ንምዕዋቱ ዋኒን ተዋሂቦም ዝተዋፈሩ ድማ፣ ጫለዳ መልሓስ ዝውንኑ መደርቲ፣ ስነጥበባውያንን ወነንቲ ብሕታውያን መራኸቢ ብዙሓ ዝኾኑ ውልቀሰባትን እዮም። እታ መውጽኢ ልሳኖም ዝኾነት መደናገሪትን ደርፊ ድማ ሃገር ልዕሊ ኩሉ፣ ብማለት ንስርዓት ህግደፍ ምስኩሉ ናይ ሎምን ትማልን ገበናቱ ዝቅበልን ዝድግፍን ከም እሙንን ጽኑዕን ኤርትራዊ ሃገራዊ  ገርካ ምግላጽን ምውዳስን’ያ።

ንስርዓት ህግደፍን ኣበራቱን ንዝነቅፍ፡ ዝቃወምን ለውጢ ዝጠልብ ግን ከም ከዳዕ፣ ዘይሃገራዊ፣ ልኡኽ ናይ ግዳም ሓይልን ስነ ምግባር ዘይብሉ ዘይእዱብን ኣምሲልካ ምግላጽን ናብ ባእስን ምጭኽኻንን ምዕዳም እዩ። ውጽኢት ናይዚ ድማ ኣብዘን ዝሓለፋ 4 ኣዋርሓ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ኤውሮጳ፣ ካናዳ፡ ኣመሪካን ኣወስትራልያን ከተማታት ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቃወምትን ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ ወገናት ዝተራእየ ምርጻምን፣ ዘስዓቦ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራን፣ ኣበየ ሃገሩ ኣብ መስሪሕ ዝርከብ ሕጋዊ መዘዛቱን ንኹሉ ሃገርን ህዝብን ሕመረቱ ዝገበረ ኣመለኻኽታ ንዘለዎ ዘሻቀለ ጉዳይኳ እንተኾነ፣ ንስርዓት ህግደፍ ግን መፍቶቱ ዝኾነ ዝለምዐ መፈላለይ ለሰ ረኺቡ። ወይልኡ ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ስርዓት ህግዲፍስ ሕጂውን ብዝሓለፈ ሕድሕድ ምቅትታልን ውግእን ዝኸሰሮ ስለዘይብሉ፣ ነዚ ኣብ ዲያስፖራ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ነንሕድሕድካ ምቅትታልን ምጭኽኻን ዝያዳ ከባርዖን ከስፍሖን እንተዘይኮይኑ፡ ሓልዮት ተሰሚዕዎ ህዝባዊ ሓልፍነት ወሲዱ ኣብ ምህድኡ ተራ ከምዘየበርክት ክንግንዘብ ኣሎና። እንተዘይኮይኑ፣ ግደፍዶ ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ጨቛኒ ሓይልስ፤ ኣብተን ብመረጻ መራሕተን ዝሸማ ሃገራት’ውን ምቅዋምን ምድጋፍን ንቡር ፖለቲካዊ መስርሕ እዩ። እቲ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ግን ልኡላዊ ክብሪ ህዝብን ሃገርን እዩ። ኣብዚውን ዋላ ፍልልያት እንተተራኣየ ሃገራዊ ጉዳይ ብምዃኑን ንኹሉ ወዲ ሃገር ብማዕረ ስለዝብጽሖ፣ ብስልጡን ፖለቲካዊ ልዝብ ክማሓደር ቀዳማይ ተመራጺ ኣገባብ እዩ። ብባህሪኡ ነዚ ዘይቅበልን ኣብ ዕግርግርን ህውከትን ዝነብር ግን ስርዓት ህግደፍን መሰልቱን እዮም።

ኣብ መወዳእታ፡ ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ብፍላይ፣ እቶም ብዝተፈላለየ ጠቕምታትን ስምዒታትን ነቲ ስርዓት ዝድግፉ ዘለዉ ዜጋታትድማ ብሓፈሻ፣ ስርዓታት ሓለፍትን ወደቕትን ምዃኖም ተገንዚብና፣ ማእከልና ነቶም ንዘለዓለም ነበርቲ ዝኾኑ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክገብር፣ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎን ዝኸፍሎ ዘሎን ሂይወት ብዙሕ እዩ’ሞ ይኣክል ክንብል ኢና ነተሓሳስብ።

  

ህዝብን ሃገርን ምስ መንግስትን እቲ ሓደ ክለዓል እንከሎ እቲ ካልእ ከይተጠቕሰ ዘይሕለፍ ተቐራሪቦም ዝጥቀሱ ኣካላት እዮም። ፍልልያት የብሎምን ማለት ግና ኣይኮነን። ሃገርን ህዝብን ነበርቲ ክኾኑ እንከለዉ መንግስቲ ግና ይሕመቕ ይጸብቕ መዋእሉ ወዲኡ  ዝሓልፍን ብኻልእ ዝትካእን እዩ። ሃገርን ህዝብን ልኡላዊ መሬትን ነባሪኡን ፈላሊኻ ዝርኣየሎም ኣይኮኑን። ምኽንያቱ ናይ ሓዲኦም ህልውናን ልኡላውነትን ብብኩራት ናይቲ ካልእ ትርጉም ስለ ዘይህልዎም። ኣየነኦም ምውሓስ ይቐድም ኣየናይከኣ ይጽናሕ ኣብ ዝበሃለሉ ከኣ እቲ ሓደ ከተውሕስ እቲ ካልእ ይጽናሕ ዘይበሃሉ ብማዕረ ዝዕቀቡ እዮም።

መንግስቲ ግና ከም ሃገርን ህዝብን ነባሪ ዘይኮነ፡ እቲ ሓደ ክሓልፍ እቲ ካልእ ዝስዕብ እቲ ሓደ ክወድቕ እቲ ካልእ ዝትንስእ ሓደ ዓይነት ኣመጻጸኣን ኣካይዳን ክህልዎ ናይ ግድን ዘይኮነ እዩ። ኤርትራን ህዝባን በቲ በብግዜኡ ክረአ ዝጸንሐ ምዕባለታት እናተጸልዉ ኤርትራ ሃገር ካብ እትኸውን ካብ 1890 ብሓጐጽጐጽ ህልውናኦም ዓቂቦም ክጐዓዙ ጸኒሖም፡ ሎሚ’ውን ኣለዉ ንመጻኢ ከኣ ክቕጽሉ እዮም። መንግስታት ኢጣልያ፡ እንግሊዝ፡ ንጉሳዊ ምምሕዳር ሃይለስላሴን ደርግን እውን ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ባህርያት ለቢሶም ከበራረይሉ ዝጸንሑ እዮም። እነሆ ሎሚ ድማ ህግደፍ “ናይ መጀመርያ ኤርትራዊ መንግስቲ” ተባሂሉ፡ ንተግባሩን ባህሪኡን ዘይምጥን ስምን መንግስታዊ መዓርግን ለቢሱ ካብቶም  ኣሉታዊ መግዛእታዊ በሰላ ገዲፎምሉ ዝሓለፉ ባዕዳውያን መንግስታት ብዝኸፈአ ንኤርትራን ህዝባን ኩሉ መሰላቶም ገፊፉ ብድኽነትን ስግኣትን ይድህኾም  ኣሎ። ጽባሕ ከኣ ኤርትራን ህዝባን ክቕጽሉ እዮም፡ ህግደፍ ግና ሕማቕ ስምን ጸሊም ውርሻን ገዲፉ ክሓልፍ ናይ ግድን እዩ። ህዝቢ ካብ መንግስቲ ዝፍለየሉ ነባሪ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ወትሩ ወጽዓ ኣሜን ኢሉ ዘይቅበል ምዃኑ እውን እዩ። እቲ ህዝቢ ኤርትራ ቅድም ኣንጻር ባዕዳውያን ሎሚ ድማ ኣንጻር ዘቤታዊ ጨቋኒ ጉጅለ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ድማ ናይዚ መርኣያ እዩ።

በቲ ሓደ ወገን ሃገርን ህዝብን በቲ ካልእ ወገን ድማ መንግስቲ ፍልልዮም ኣዝዩ ብሩህ ብምዃኑ ንምውድዳሮም ዘጸግም ኣይኮነን። ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ መንግስታት ብተግባሮም ስለ ዘይተኣማመኑ፡ ምስ ናይ ሃገርን ህዝብን ጸጋን ሰብኣዊ ክብርን ከም ቁርዲድ  ተጣቢቖም ዕድመ ስልጣኖም ናይ ምንዋሕ ሜላ ክጥቀሙ ይፍትኑ። ብዓመጽን ሓይልን ናብ ስልጣን ስለ ዝመጹ ግና ምስ ህዝቢ ዘለዎም ዝምድና ናይ ሰማይን ምድርን ስለ ዝኸውን ንግዜኡ እንተዘይኮይኑ፡ ብህዝቢ ተሓቢእካ ናይ ምንባር ዕድሎም ጸቢብ ስለ ዝኾነ ኣብ ስግኣት እዮም ዝነብሩ። ህግደፍ ሎሚ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብመሰረታዊ ኣተሓሳስባ ከም ዝተባተኸ ስለ ዝተረደአ እዩ ኣብ ኤርትራዊ ዘይኮነ ኣጀንዳታት ዳምዳም ዝብል ዘሎ።

ህግደፍ ብዘይሕገመንስቲ ዝገዝእ፡ ህዝቢ ናይ “ይኹነና” ቆጽሊ ዘየውደቐሉ፡ ብኢደ-ወነናዊ መንገዲ ዝጐዓዝ፡ ብዓመጽን ጉልበትን ዝመጸ ምዃኑ ባዕሉ እውን ዘይክሕዶ እዩ። ንዓመጹ ንቡር ንምምሳል ከኣ ሕገመንግስቲ ኮነ ምርጫ፡ ከምኡ እውን ልዕልና ፍትሒ መግለጺ ዲሞክራሲ ኣይኮኑን ዝብሎ ከኣ ከምቲ “በዓል ኢንታይስ መስቆርቆሪ” ዝበሃል፡ ንህዝቢ መንገዲ ዓመጽን ብኩራት ዘይምዕሩይ ምምሕዳርን ከለማምዶ ዝገብሮ ፈተነ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ “ንሕና ህዝቢ ንሕና ሃገር፡ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” ዝብል  ጭረሖኡ ድማ ግጉይን ሓደ ዘይኮኑ ሓደ ከም ዝኾኑ ጌርካ ናይ ምቕራብ ዘይክውንነታዊ  ሸፈጥን እዩ። ኣይኮነንዶ ከም ናይ ህግደፍ ዝኣመሰለ ብጥልመት ዝመጸን ንጹር ኣካላት መንግስቲ ዘየብሉ ምምሕዳርሲ፡ ብፈቓድ ህዝቢ ዝድይብን ዝወርድን መንግስቲ እውን ማዕረ ናይቶም ዘይሓልፉ ነበርቲ ሃገርን ህዝብን ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ  ንሸፈጥን ምድንጋርን ናይዚ ሓላፊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝምልከት ሃዲኡ ግዜ ረኺቡን ኩነታት መዚኑ ከይሓስብ ንምድንጋሩ ብመዝሙር “ንኺድ ጥራይ” ኣድራሻኡ ናብ ዘይፈልጦ ጉዕዞ እዩ ዝደፋፍኦ። እዚ ግና ምናልባት ደኣ ግዝያዊ መዕገሲ ይፈጥር ይኸውን እምበር፡ ህዝቢ ኣንጻር ህግደፍ ከይትንስእ ዝዓግቶ ኣይኮነን። እነሆ’ኳ   ደገፍቱ ናብ ምክልኻል ገጾም የንቆልቁሉ ኣለዉ።

መራሕቲ ህግደፍ፡ ድሕሪ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ስንኩፍ ተንኮል ንመንግስቲ ምስ ሃገርን ህዝብን ኣጣቢቖም፡ ንዝኾነ ናብኣቶም ዝቐንዕ ወቐሳን ተቓውሞን ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ከም ዝተፈጸመ በደል ኣምሲሎም ብምቕራብ ዝፈጥርዎ ተንኮለኛ ኣካይዳ ሎሚ ኩሉ ተረዲእዎ እዩ። ካብ ቀደሙ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ መዳይ ናይ ህግደፍ ኢድ ዘይተሓወሶ ንቕሎ ኣይኮነንዶ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዲያስፖራ’ውን የለን። ንገለ ምንቅስቓሳት ኢድ ህግደፍ ሓቢእካ ናይ ህዝቢ ድዩ ናይ ማሕበረ-ኮም ኣምሲልካ ንምቕራቡ ዝግበሩ ፈተነታት ኣለዉ። እዚ  ከኣ ናይ ህግደፍ ተግባራት ንዝቃወሙ በሃግቲ ለውጢ ወገናት “ናይ ህዝቢ መድረኽ ደፊሮምን ተቓዊሞምን” ዝብል፡ ጸለመ ንምዝርጋሕ መንገዲ ንምጽራግ ዝእለም እዩ።

ህግደፍ ዝብሎን ዝሰርሖን ቅኑዕ መሲልዎም ኣብ ጽንብላቱ ሃንደፍ ኢሎም ኣትዮም ናይቲ መጻወድያኡ ግዳይ ዝኾኑ ንጹሃት ኣይሰኣኑን እዮም። ምስቶም ኮነ ኢሎም ፈትዮም ኣገልገልቲ ህግደፍ ክኾኑ ዝወሰኑ ከኣ ይልከሙ። መድረኻት ህግደፍ ከምቲ ዝዝመረሎም ንህጻናት ባህሊ ሃገሮም ዝምህሩ ዘይኮኑ፡ ኣብ ርእሲቲ ዝጉስጉስዎ ጽልእን ንካለኦት ምንእኣስን፡ ከመይ ጌርካ ተዋጋይ ከም ዝኽወን ኣብ ስደት ንዝዓብዩ ህጻናት ዘለማምዱ እኩያት ምዃኖም ተራእዮም እዮም። ስለዚ ቅድሚ “ስለምንታይ ኣእማን ተደርብዩና?” ኢልካ ምምራር ናብ ከመይ ዝኣመሰለ ናይ ሸርሒ ዳሳት ትኣቱ ከምዘለኻ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ “ኮፍ መበሊ ጸይቖምስ ምስ ዓዳላይ ይበኣሱ”  እዩ ዝኸውን።

ስለዚ እቶም በቲ ህግደፍ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ፡ ሃገር፡ ህዝብን መንግስትን ሓደ ኣምሲሉ ብምቕራጽ፡ ኣንጻር ጸረ ህዝቢ ተግባሩ ንዝቃለሱ ወገናት፡ ኣንጻር ህዝብን ክብሪ ሃገርን ከም ዝተሰለፉ ኣምሲሉ ብምቕራብ፡ ከጽለኦምን ክንጽሎምን ዝፍትኖ፡ ብመሰረቱ ጌጋ ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ከሰንይዎ ኣይግባእን። እዚ ማለት ግና ክእረም ዝግበኦ ጉድለታት ኣይተኣረም ማለት ኣይኮነን። እቲ ዘይሓልፍ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ጽንዓቱ፡ መሳርሒ ናይ’ቲ መላገጺ ጉጅለ ምእንቲ ከይከውን፡ ኣብቲ ዘይምልከቶ ወፍርታት ህግደፍ “እዚሲ ነዓይ ዝምልከት ኣይኮነን”  ዝብል ድምጹ ከስምዕ ይግበኦ። እቲ ዝዳሎ “ናይ ህዝቢ” ዝብል ስም ዝወሃቦ መድረኻት፡ ብሓቂ ኤርትራዊ እንተኮይኑ ድማ ብዘይኣፈላላይ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘሳትፍን ኩሉ ኤርትራዊ ኣተሓሳስባ ብማዕረ ዘተኣናግድን ክኸውን ይግበኦ።